ከይንጠፍእ እናሰሓቕና – ብሓባር ነድሕና ሃገርና
ከይንጠፍእ እናሰሓቕና ብሓባር ነድሕና ሃገርና Tesfamariam Wel. 29/o7/2015 Norway ደገፍቲ ተቓወምቲ ምባል ይጽናሓልና ኣብ ጠልጠል ዘላ ሃገር ቅድም ነድሕና ዕድል ኣይንሃቦም ጸላእቲ ከይጎብጥና ስወር ከይትብል ኣይንዓኹም ኣይንዓና ንጉዳይና ኣይንርአዮ ብህልኽ ብጽልኢ ኩፍእ እናረአኻ ዓገብዩ ምባል እንድዒ ብሕልፊ ኣብ ግዳም ዘለና ስደት ወጻኢ ተጠመቲ ኣይንኹን ብሕማቕ ተጸዋዒ ካብ ብማዕዶ
ከይንጠፍእ እናሰሓቕና
ብሓባር ነድሕና ሃገርና
Tesfamariam Wel.
29/o7/2015
Norway
ደገፍቲ ተቓወምቲ ምባል ይጽናሓልና
ኣብ ጠልጠል ዘላ ሃገር ቅድም ነድሕና
ዕድል ኣይንሃቦም ጸላእቲ ከይጎብጥና
ስወር ከይትብል ኣይንዓኹም ኣይንዓና
ንጉዳይና ኣይንርአዮ ብህልኽ ብጽልኢ
ኩፍእ እናረአኻ ዓገብዩ ምባል እንድዒ
ብሕልፊ ኣብ ግዳም ዘለና ስደት ወጻኢ
ተጠመቲ ኣይንኹን ብሕማቕ ተጸዋዒ
ካብ ብማዕዶ ዝዕዘቡ ኣየብቲ ኣይምስቲ
ጎራሓት እና ጋጨዉ ዝነብሩ መታለልቲ
ሓሚቑ ጸቢቑ ኣብ መትክሉ ጽኑዕ ጽንዕቲ
ካባኹም ደገፍቲ ይሕሹ ሚእቲ ብሚእቲ
ተበለጽቲ ኣማዕድዮም ንዝሰርሑ ዝጻረሩ
ንውድባት ኮነ ኢሎም ኣጸሊሞም ከባኹሩ
ወዳጀ ወራዙት ውሻጠ ንዝቃልሱ ዘነውሩ
ከም ማንቲለ ብጃህራ ህግደፍ ዝብህርሩ
ገለብ ገለብ ኣይትበሉ ንኸትቃለሱ ጽዓሩ
ሪዒዶም ከለዉ ፈራሓት መታን ከይባሃሉ
ካብ ሓቂ ንምህዳም ዘይረብሓ ውድባትብሉ
ቀደምውን ኣብ ግዜ ቃልሲ ተስተብሃልናሉ
ገድሊ ከይተዓረቓ ድኣሞ ኢሎምዮም ዘታለሉ
ወጣማት ከብዶም መን ረጊጽዎ ስቕከ ዘይብሉ
ዘለኣለም ጥፍኣት ዝተፈረመሉ ህዝቢ የለን
ንህዝብኻ ቆላሕታ ዘይምግባርሲ ኣይግድን
ወይለኻ ተጠራጣሪ ይመጽኣሎ ሰናይ ዘመን
ሰላም ምስ ሰፈነ ከይትጠዓስ ከይትሓዝን
ሕጂ ህዝብኻ ኣድሕን ኣብ ጥንክርቲ እዋን
ሕጫጨ ጸዎታ ተርጀጋን ድሓር ነርክበሉ
ሃገር ከይሓዝካ ክብረት የለን ኣስተውዕሉ
ንምዝካር ኢለ ድኣምበር ትፈልጡኹም ኩሉ
ብሓቦ ንህግደፍ ክንጉሕፎ ኢደይ ኢድካ በሉ
ሓቦ ተላ ውጻእ ኣብ ሰላም ሰልፊ ተቐላዕ
ጌናየ ዝበለ ድማ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ የጸናንዕ
የለኹላን ኣነ ዝበለ ይቆጠብ ካብ ጠራዕራዕ
ዓቕሊ ይሕሾ ከይበሃል ኣንታ ኣቃጣሪ ከዳዕ
ኣብፎቖዶ ባራት ኮንካ ዓጀውጆው ንግደፎ
ንሃገረይ ክቃለስየ ዝበለ ኤሪትራዊ ንደግፎ
ሃጠውቀጠው ዕላል ሕግደፋውያን ንጉሓፎ
ኩሉ ሓቂ የብሉን ህግደፍ ዝዛረቦ ዝጽሓፎ
ኣብዚ ሕማቕ ግዜ ንህግደፍ ዝኣምን እንተሎ
ምምርማር የድልዮ ዝሰሓተ ከይኸውን ጎዶሎ
እንተዘይ ተለኺፉ ሃገሩ ዘይፎቱ ዜጋ መንናሎ?
ብዘይካ ህግደፍ ዝመረዞም ክኾኑሉ ዕንኪሊሎ
እናጫፈሩ ክነብሩ ሓዲግ ናብራ ዘርሙዘርሞ
ሓንጎሎም ከይጥቀሙሉ ናብ ህግደፍ ሸይጦሞ
ምዒድካዮም ካብዘይ ሰምዑኻ እንታይገበርሞ
ሓዲግ መዲግ ተሪፉ ህግደፍ ሓንጎሉ መሰድከሞ
ኣውራ ኣንቱም ናይ ማዕዶ ወራዙት ሊቃውንቲ
ዘረባ ተቃናጅዉ ፈላስፋታት ሑቡኣን ናይ ለይቲ
ካብ በይንኹም ዓጀው ተዋስኡ ምስ ተቓወምቲ
ኒዮው በሉዎ ዓዲ ዘየእቱ ናይ ዓያሹ ትምክሕቲ
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ ቃልሲ ነጥሪ
ይኣክል ንተኣረም ካብ ናይ ጌጋ ስምዒት ባህሪ
ብሃገር መልክዕ ንርኣዮ ብዘይ ትምክሕቲ ብፍቕሪ
ንስኻኻ ብሉጽ ዝቦሎ የለን መን ንመን ዩ ከጻሪ?
ኩልና ኣሕዋ ኢና ደቂ ሓንቲመሬት ሓንቲ ባሕሪ
ባህሪ ህግደፍ ኣይንጠቐም ዘይተባህለ ኣይነውሪ
ንጹሃት ኣይነጸልም ኣይንኹን ሓሶውቲ ፊቶውራሪ
በለካ ለኽዓካ ኮይኑ ስራሕና ሃገርና ክንዲ ነዐሪ
ንኹሉ ጋዓገልጠም ገዲፍና ብዛዕባ ሃገርና ንዛተ
ሕሜት ሓሶት ሕሹኽ ንግደፈሎም ንባዶ ሰለስተ
ህዝቢ ከም ዝርዕድ ሰላይ ኣዋፊሮም ከምዘይዛተ
ሃገርና ባዲና ኣየርኢኻ ኮይና ኣትብላዕ ኣይትስተ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
Stefanos Temolso July 31, 2015
ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ . . ይብሉ ኣቦታትና። ካብዚ ንላዕሊ ዝብሃል የሎን። ክርዳእን ክሰምዕን ንዝደሊ ሓንቲ ቃልውን እኽልቲ እያ። ስለዚ፡ እቶም ደቂስና ዘለና፡ ወይ ሕልና ኣልቦ ኴንና ዘለና ነዚ ኣንቢብና ናብ ልብና ንመለስ። መፍቶ ጸላእቲ ከይንኸውን ዝሓለፈ ይኣክል ኢልና ብሓድሽ መንፈስ ንበገስ። ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽ።
k.tewolde July 31, 2015
AMEN!!! Love the poem.Let’s always speak the truth, let’s join hands, let’s work for the common good of our people, let’s tap on this raw eritrean talent that is scattered all over the world, let’s revive our authentic nationhood that’s on life support compliments of HGDEF’S 24 yrs of pseudo- nationalism. We can do it , TOGETHER!!!
ERITRAWIT July 31, 2015
ኩሉ ኢልካዮ ኩቡር ሃው ኣብ ኣፍደገ ትፋት ኢና ዘለና።
ኣብ ጎዳጉደይ ትህቲ መረት ዘለው ዘጋታትና ሃንከው ኢሎም ይስበዩ ኣለው ህዝቢ ዘይብላ ሃገር ሃገር ኣይትከውንን አያ።