ጉዕዞ ስ.መ.ኤ.ን.ሃ. ካብ ሃገራዊ ጥርናፈ ናብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ምትእኽኻብ
ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም
ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም ዘካትዑና ተኣፈፍቲ ኣርእስትታት እዞም ዝስዕቡ ኔሮም:: ሕቶ ቛንቛ : ሕቶ መሬት : ሕቶ ምጽናት ዓሌታት ኣብ ዉሱናት ብሄራት ዘተኮረ : ሕቶ ኣውራጃ: ባህርያት ስርዓት ኣስመራ : ሕቶ ዲሞክራስን ስርዓተ ፍትሕን…ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም:: ነዝን ከምዝን ሕቶታት ኣልዒልካ ናብ ሓባራዊ መደምደምታ ክትበጽሕ ብሓቂ ፈታንን በዳህን እዩ ኔሩ:: እዚ ማለት ምስቲ ካብ ድሮ ናጽነት ክሳብ ሕጂ እንትርፎ ብግበር ኣይትግበር ዝብል ሕጊ ንምልዛብ ኮነ ንዘተ መድረኽ ዘይምርካብና ድርብ ዋጋ ዘኽፍል ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ:: ኣብቲ ርሱን ክትዓት ድማ ድኻም ደምበ ተቓዉሞ : ድኻም በርጌሳውያን ማሕበራት : ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖሎቲካዊ ምትእኽኻብ ከም ቀንዲ ጸገም ዘቲናሉ:: እዚ ማለት ኢሰያስ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ መተካእታ ክኸዉን እየ ኢሉ ለይትን ምዓልትን ዝግዕር ዘሎ ናይ ስደት ሓይሊ (diaspora) ከይተረፈ ዝፈሸለ ምዃኑ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና::
ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ መብርሂ ክህብ እዩ:: ኣብ ዝቕጽል እዋናት ድማ ብዝርዝርን ብዓሚቕን ንኣበጋግሳን መንፈስን ደብረዘይቲ : ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽን ተወሳኺ መብርሂ ክንህብ ኢና::
እዞም ኣብ መፋርቕ 2012 ወርሒ ሸውዓተ ንኣስታት 10 መዓልታት ዝተኣኻኸቡ መናሰያት ኤርትራ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ? ክንደይ ካብኣቶም እዮምከ ኣብዛ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ትሕምበብ ዘላ ጉጅለ ተጠርኒፎም ዘለዉ? ብሓቂ ኸ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምትእኽኻብ ኣለዎም ድዩ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም:: ከምቲ ምስላ ኣቦ “ቁስልስ ኣብ ምጉድኡ እዩ ዝፍወስ ” ዝብሎ : ቁስልኻ ሓቢእካ ፈውሲ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ:: ስለዝኾነ ድማ ኢና በቲ ሓደ ሓላፍነትና ከነዉርድ በቲ ካልእ ድማ ሰማዒ እዝኒ እንተሎ ኣቤት! ክንብል ንግደድ ዘሎና::
ድሕሪ ዝኣክል ገምጋምን ኢሂን-ሚሂን ዝተመስረተ ሓድሽ ናይ መንእሰያት ጥርናፈ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ዝብል ስያመ ኣልቢስና : መርሒነት መሪጽና : ዕማማት ኣሰኪምና ነናብ ቦታና ኢና ተመሊስና:: ገለ ካብቶም እዚ መርሒነት እዚ ብግዝያውነት ከሰላስሎም ዝግብኦ ዝነበረ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም 1.) ብሃታሃታ ንዘተ ኢሉ (dialogue forum) ዝተኣከበ ሓይሊ መንእሰይ ብኽቱር ሃገራዊ ወኒ ማሕበር መስሪቱ ምውጽኡ ንኻልኦት ኣስታፊ ክኸዉን ኣይከኣለን:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ኣብ ዉሽጢ ናይ 12 ኣዋርሕ ገደብ ግዜ መሪሕነት ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎ ጎስጓሳት ክካየድ : ንኹሉ ድማ ኣሳታፊ ክኸዉን ተሰማሚዕና:: 2.) ካልእ እዚ ምትእኽኻብ´ዚ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸዉን : ንብሄራዊ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ : ኣውራጃ : ሃይማኖት : ጾታ…….ወዘተ ዘመቓርሐ ንምግባሩ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ክካየድ 3.) መሪሕነት ነታ ጉባኤ ንምክያድ እትምስረት ሽማግለ መዝነቱ ከረክብ : ዕዉትን ኣሳታፍን ጉባኤ ድማ ክካየድ ተማሕጺና: :
ብሓፈሽኡ እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ሃልኪ ዝተሓወሶ ኣኼባ ኢና ኣካይድና:: ስክፍትኦም ዝገለጹ ጋዜጠኛታት: ምሁራት: ዓበይቲ ኔሮም እዮም:: ይኹን ድኣምበር ነቲ ወንን ቅሩብነትን መንእሰያት ምግታእ ማለት ከም ንጋሻ ዉሕጅ ምዕጋት ´ዩ ኔሩ:: ካብዚ ብኸፊል ገሊጽናዮ ዘሎና ሓሳባት ብምብጋስ ሎሚ እዚ ማሕበር ወዲቕዎ ንዘሎ ጽፍሒ ኣብ ግምት ኣእቲና እቲ ምሓንቖ እንታይ ምዃኑ ክንርእዮ ይግባእ::
1.) ዘይብቑዕንዘይቅርጥዉንመሪሕነት :-
ከምቲ ኩላህና እንፈልጦ መራሒ ኩሉንትናዊ ብቕዓት ዘለዎ : ሓቛፊ: ኣርሒቑ ዝጥምት : ንጸገማት ብዘይ ዉዓል ሕደር መፍትሒ ዘናዲ: መተካእታ ሓሳባት ´ዉን ዘምጽእ: ካብ ጌጋታቱ ዝመሃር ብዓል ክፉት ኣእምሮ : ሃገራዊ ወኒ ዝሕላገቱ ንዝደኸሙ ሓይሊ: ተስፋ ንዝቖረጹ ወኒ : ንዝወደቑ ዘተንስእ ክኸዉን´ዩ ዝግባእ:: እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መሪሕነት ብሪኦ እዞም ድኻማት እዚኦም´ዩ ዘለዎ :: ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣይኣምንን:: ፊን ከምዝበሎ ይወፍር ከም ቃሕትኡ ድማ ይምለስ:: ኣብ ሓንቲ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ንዘለዎ ባይቶ ዘልምስ : ሚኒስተራት ከም ቃሕትኡ ዝሽይምን ዘዉርድን : ዓመታዊ ባጀት ዘይሕንጽጽ: ናይ መቆጻጸሪ መሓውራት (ትካላት) ዘልምስ : ንፍትሒ ዝጎሰየ መሪሕነት እዩ:: ነዘን ከምዝን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ድማ ኣብቶም ናይ 10 ምዓልታት ኣኼባ ደብረዘይቲ ዘቲናሎምን ዓጊብናሎምን ኢና:: ተስፋና ዝነበረ እቲ እንመርጾ መሪሕነት ብሓቂ ነዞም ድኻማት እዚኦም ዘይደግም : ተተጋገየ´ዉን ዝመሃር ክኾነልና እዩ ኔሩ!:: እንተኾነ ግን ኣብ ግብሪ ካልእ´ዩ ኮይኑ:: እዚ ዘሎ መሪሕነት ፈጻሚ ኣካል (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ናይ ተምሃራይ ልቢ ዘይብሉ: ባህርያቱ ከም ባህርያት ተዋጋኢት ላም: ንምስልን ክዉንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ከም ቃሕ ዝበሎ ዝፍልል ኣካል እዩ :: ብኸምዚ ድማ ኣስመራ ክእቶ ከቶ ኣይክእልን እዩ ::
2.) ሕጋዉነት (legitimacy)
ከምዝፍለጥ ሕጋውነት ዘለዎ ማሕበር ኮነ ጥርናፈ መሰረቱ ጉባኤ እዩ:: ምምስራት እዚ ሓድሽ ማሕበር መንእሰያት (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ዋላ´ዃ ብመልክዕ ንዘተ ኢሉ ዝተኣኻኸበ ኣካል ዝተመስረተ እንተኾነ ሕጋውነቱ ግና ካብቲ ምትእኽኻብ ዝተዋህበ እዩ:: ብሓባር ህልው ኩነታት ገምጊምና : ብሓንሳብ ዝሓሸ ዝበልናዮ መኺርና መወዳእትኡ ድማ ብሓንሳብን ብዓብላሊ ድምጽን ማሕበር ይመስረት ኢልና መሪሕነት ባይቶ መሪጽና:: ኩላህና ከም እንዝክሮ ዕድመ መሪሕነት ክንደይ ይኹን ምስተባህለ ካብቶም ዝቐረቡ ብዙሓት ኣማራጺታት ማለት 6 ኣዋርሕ : 9 ኣዋርሕ ከምኡ ´ዉን 12 ኣዋርሕ ዝብሉ´ዮም ኔሮም:: ብዝዓብለለ ድምጺ ድማ´ዩ ርሒብ ናይ ስራሕ ግዜ ሃልይዎም ብዙሕ መታን ክዓሙ 12 ኣዋርሕ ይኹን ኢልና ዝወሰና:: ብድሕሪ´ዚ ካብ´ታ 21 ዝኣባላታ ባይቶ 7 መርሕነት ፈጻሚ ኣካል መሪጾም ናብ ዕዮኣኦም ተዋፊሮም:: ሎሚ ልጓም ዝበተኸ : ምቕያድ ኣብዩ ዝነፍጽ ዘሎ መርሒነት ፈጻሚ ኣካል ምልስ ኢሉ ንዉዕሎ ደብረዘይቲ ክርኢ ስለዘይክኣለ እዩ:: ኣብ ሓደ ማሕበር ኮነ ሃገር ሕጋውነት እንድሕር ተጣሒሱ ኩሉ ምሓዉራት ክለምስ ብግዲ እዩ::
3.) ኣባላትባይቶንተርኦምን
ከምዝፍለጥ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል እዩ:: ኪኖ ጉባኤ ድማ ሕጋውነት ዘለዎ ላዕለዋይ ብዓል መዚ እዩ:: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባይቶ ምስ እንርኢ ዝለመሰ : ስማዊ : ከምኡ ´ዉን ኣስናን ዘይብሉ ኣንበሳ እዩ:: ንርእሰ-ብሄር (መራሒ ናይታ ሃገር ) ዘይቆጻጸር : ሓፊሱባ – ቀጢኑ ዘይብል ኢሰያስ ናብ ዝጠወዮ ዝጥወ ምሃነኑ ዘጥፈአ ኣካል ተበልናዮ ምግናን ኣይኮነን:: በዚ መንጽር እዚ እቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተመስረተ ኣካል (21 ዝኣባላቱ ባይቶ) ካብ ሀ-ፐ ጎዶሎታት ዝመለኦ : ንሓድሕዱ ዘይተሳነየ ቅኒት ዘይብሉ ህርመት´ዩ ኔሩ:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ዘላለየ መሪሕነት ፈጻሚ ድማ´ዩ ኣብ ክንዲ ብልጫታት (ዓቕሚ) ከምዘለዎ ኣመስኪሩ ንኣባላት ባይቶ ዘስታሕፈሮም ንጥርናፈ ናይ ኩላትና ጨዉዩ ከምልጥ ዝፈተነ::
ኣብ እዋኑ ብሰነድ ዝሓዝናዮ መርትዖታት ከምዝምስክርዎ, ባይቶ እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ኔሮም :: 1. ኣኼባ ጸዊዑ ከይተሳነየ ዝኸይድ 2. ናብ ኣኼባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይመጽእን´የ ንዝበለ ፈጻሚ ኣካል ብሕጊ ዘይተሓሓዝ 3. ዉሳኔታት ኣብ ምዉሳድ ዝዱንጊ ወይ ዉን ዝማታእ : ሓሊፉ ተሪፉ ዉሳኔታቱ ብጽሑፍ ኣብ ስዓቱ ወግዓዊ ዘይገብር 4. ዝብል ግን ከኣ ንዝበሎ ዘይገብር 5. ኣቐዲሙ ንዝወሰኖም ዉሳኔታ ዘፍርስ (ንዝነደቖ ባዕሉ ዘፍርስ) ወይ´ዉን (lack of consistency)ዘለዎ እዩ:: እዚኦም ገለ ካብቶ´ም ተርእዮታት ብኸፊል እዮም ::
4.) ተራንመርገጽንናይዞምወለንታዊተበግሶዝወሰዱዘለዉዝተፋላለዩሰባት:
ከምቲ ኩላህና ዝተዓዘብናዮ ገለ ካብዞም ናይ ዕርቅን ሽምግልናን መስመር ዝሓዙ ሰባት ኣቐዲሞም እንተስ ኣብ ምስንዳእ ዘተ ደብረዘይቲ ወይ´ዉን ኣካል ናይቲ ዝተመርጸ ግዝያዊ መርሒነት ዝነበሩ እዮም:: ከምትዕዝብትና ገለ ልኡም መርገጺ ብምሓዝ ነቲ ብኣባላት ናይ´ዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ዘልዓልዎ መትከላዊ ሕቶታት “ኣይግዚኡን እዩ: ተጋኒኑባ : ከምዚ ዝኣመሰለ ወቀሳ ኣይግባእን እዩ”..….ወዘተ ዝብሉ ዝነበሩ እዮም:: ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ “ምምላስ ነይኣበር እንታይ ድኣ ምጽዳፍ” ዝበልዎ: ክምለሱ ምርኣይና ሕጉሳት ኢና:: ምምላስ ግን ነቲ መሲሉካ ዝነበረ ሓዲግካ 180 ዲግሪ ዝባንካ ሂብንካ ዘበላሸኻዮ ከተዐሪ ምስትፍትን ጥራሕ´ዩ ሰብ ዝቕበሎ:: ንይምሰል ምምላስ ዝኾነ ምስኮነ ምምላስ ኣይግድን! ኣብ´ዚ ምትዕጽጻፍ ከም ብልጫ ዝተወስደሉ ዓለም ነቲ ጻዕዳ ጻዕዳ : ነቲ ጸሊም ድማ ጸሊም ተዘይልካ ተዓጻጺፍካ ምትራፍ´ዉን ከምዘሎ ምግንዘብ የድሊ:: ትማሊ ነቲ ሓቂ እወ : ነቲ ኣይፋል ድማ ኣይፋል ክብሉ ዘይምኽኣሎም ሎሚ ከም ዝተማህሩ ከእምኑና ተዘይክኢሎም ብሓንሳብ ተኣማሚና ክንሰርሕ ከጸግመና ምዃኑ ከነዘኻኽሮም ንደሊ::
5.) ተራኣባላትኤርትራውያንምንቅስቓስንለውጢ (EMC)
ኣባላት ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ካብ ምምስራት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2013 ኣካልን ኣባላትን ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ እዮም ኔሮም :: ነቲ በብእዋኑ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ማሕበር ኣብ ምእራምን ምንቃፍን ድማ ልዑል ግደ ኔርዎም:: ምትእኽኻቦም ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ካብ ኩለን ኣውራጃታት : ካብ ገለ ብሄራት : ጾታ : ካብ ኩሉ እምነታት ዝኾነ እዮም:: ኣብቲ ናይ ምእራም ተበግሶ ኪኖ ሓሳባቶም ምሃብ : ብጽሑፋቶም ከይተረፈ ንምእራም ዝክኣሎም ፈቲኖም እዮም:: ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ እንከለና ሕጊ ማእከል ዝገበረ : ተሓታትነት ዘለዎ ስራሕ ክህሉ ኣለዎ ምባሎም ጥራህ ዝኸፍልዎ ዋጋ ከቢድ´ዩ ኔሩ:: ኣንጻር ማዕበል ምጅላብ ዋጋ የኽፍል እዩ:: ኩሉሰብ ኣብ ዓመጽ ክሰማማዕ ከሎ ኣይትዓምጽ ዝብሉ ሰባት ዘጋጠሞም ብድሆ ብዙሕ´ዩ:: ሎሚ ኣብቲ ማሕበር (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ተስፋ ምስ ስኣኑ ሓደ ናትና ዝብልዎ ንብዙሓት ዘጽለለ: ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ : ብሕጊ ዝምእዘዝ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ መስሪቶም ኣለዉ:: ስሙ ድማ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ይብሃል::
መደምደምታ:
ኣብ መደምደምታ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሓደ ሓው ጠቒስና ክንዉድእ ኢና:: አዚ ሓው ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሂቡ:- “ኣኼባ ደብረዘይቲ ብሃታሃታ ዝተመስረተ: ንኽዉንነት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ : መሰረት ዘይነበሮ ጥርናፈ ስለዝኾነ´ዩ ፈሪሱ” ኢሉ:: እዚ ኣባህላ´ዚ ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ንሰማምዓሉ እዩ:: ኣብ ሑጻ እተሰረተት ቤት ዝናብ: ህቦብላ: ወሓይዝ ክመጹ እንከለዉ ከም እትፈርስ : ከውሒ ዝመሰረታ ቤት ግን ጽንዕትን ዘይትፈርስን ምዃና መጽሓፍ ይምህረና:: ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ:: ክንምሃረሉ ተዘይኪኢልና ግና ዳግማይ ሓደጋ´ዩ ከጋጥመና:: ኣብ ኤርትራ ሕጊ የለን:: ዓመጽ ሰፊኑ: ህዝብና ተባሳቢሱ ዘይ ናይ ኢዱ ረኺቡ ንብል እንተለና መተካእታ ሓሳባት ከነምጽእ ድማ ይግባእ:: ኢሰያስ ቀይዲ በተኽ ተኾይኑ : ፈጻሚ ኣካል ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ በየናይ መስፈር´ዩ ንኢሰያስ ክነቅፍ ዝኽእል? በይናዊ ስጉምቲ ወሲዱ ጉባኤ ዝእውጅ : ንዕዑ ንዝመስልዎ ሰባት ጥራሕ ዝሓቁፍ : ሉጋም በቲኽካ ኣለኻ ተመለስ ንዝበልዎ ከሳጉግ ዝዉዕል እንታይ ዓይነት ኤርትራ´ዩ ዝሓልም ዘሎ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም::
ንሎሚ ነዞም ሕቶታት እዚኦም ንኣንበብቲ ገዲፍና በዚ ክንሰናበት:: ኣብ ዝመጽእ ክፋላት ብዛዕባ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽን : ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ብዙሓት ማሕበራትን ብዝርዝር ከነቕርብ ኢና::
ሰናይ ቅነ ንዂልዂም
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC)
03/11/2013
Robel oslo November 7, 2013
ሪም ቅብጸት ዶ ኢልካዮ,,,,,,,,አነ ግን ነብሰቅትለት እየ ዝብሎ::
ምኽንያቱ ምስሊዩነት እንዶ ዘይብሉ ባዶሽ እዩ:ዓፍራ ተአኪቡ ወይ ተኾሚሩ ጎቦ አይከውንን እዩ: ሓቂ ድማ እያ ትስዕር::
ስምረት ካብ ዝምስረት ድሮ ልዕሊ 1 ዓመት ጌሩ ንቀዳማይ ጉባኤኡ ይሸባሸብ አሎ:እሞ ጌጋታቱ ንምእራም እንተኮይኑ ሰናይ ስለዝኮነ ቁቡል እዩ: ሰለምንታይ ሕጂ
አብ አፉን ዕርበቱን: ዓመት መመላእታ አበይ ነበርኩም: አብ ተግባር አብ ስራሕ አይነበርኩምን ማለት እዩ:[did is not words]ጉባኤ እንታይ ማለት እዩ
ንዓኹም ዝጠፍአኩም አይመስለንን ጉባኤ ናይ ዝሓለፈ ትግምግመሉ ናይ መጻኢ መደባት እትሰርዓሉን እዩ:እሞ ንመአረምታ ዝተበገስኩም እንተኮይንኩም ሰለምንታይ ነዚ ዕድል ተሓሲምኩሞ:አነ ወይ ጨንፈረይ ክበርሃልና እንደልዩ ጉዳይ አሎ: ሑቶና ድማ ብመንገዲ ወከልትና ጌርና አብ ጉባኤ ከነቅርቦ ኢና እዚ ድማ መአረምታ ይበሃል:
እንተ እዚ ናትኩም እንታይ ይበሃል ወይ ምስምንታይ ይቁጸር እንድዒ:ጡሩምባ እንዳነፋሕካ ረአዩለይ ስምዑለይ አቀዲምኩም ሕሰቡ ካብ ቃላት ክትዉቁጡ ትውዕሉ::
ፈቲኩም ጸሊእኩም ስምረት ጉባኤኡ ከቃንዕ እዩ:ተዓዊቱ ከምዝወጽእ ድማ ጥርጥር የብለይን::እንተንስካትኩም??????????
Justice4all November 7, 2013
Viva EYSNS ! They are afraid of congress.
yafet November 7, 2013
ኣብ ሕጊ ኣልቦ ኤርትራዊ ፖሊቲካ ሓደ ነገር ወይ ኣርእስቲ ምስ ተልዕሎ፣ ኣበይ ኣሎ ጭብጢ ወይ መርትዖ ዝብለካ ስለዘየሎ፣ ብፍላይ ዘሎዋና ምዕከና ዜና ኣብ ክንዲ ንኩሉ ዘኣንግዳ ነቲ ንሳተን ጥራይ ዝደሊኦ ዘኣንግዳ፣ ዝኾነ ዝተጻሕፈ፣ ሓቒ ይመስስል ይኸውን። ኣብዚ ዘፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ብዛዕባ ሕጊ ወይ ኣመር ተቀባልነት/legitimacy/ ጥቂሱ ይርከብ። ወዮ ዳኣ ሎሚ ዘረከብ ሰብ ወላ ክጽይቅ እንተደሊዩ ሕጊ ዶ ሰነ ምግባር ኢሉ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ምህላውና እምበር ብመጀመርያ፣ እዚ ጽሑፍ ንሕጊ ዝብል ቃል’ውን ክጥቀም ወላ ሓደ ውድዓዊ መሰል የብሉን። 1- ካልእ ስም ሒዝካ ወይ ምንቅስቃስ መስሪትካ ነቲ ካብ’ቲ ናተይ ኣትብሉ ምንቅስቃስ ብምንታይ ምኽንያት ምውጻእካ ከይገልጽካ፣ መሕብኢ ባይታ ፈጥርካ / ሓደሽ ማሕበር/ ነቶም ክሰርሑ ዝደልዮን ኣብ ናይ መንእሰይ ወለዶ ቃልሲ ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ከትሕዙ ካብቲ ነዚ ጽሑፍ ዘዳለዉ ሰባት ዘለውዎ ናይ ምቾት ስፍራ ገዲፎም ኣብ ጥቃ ጸላኢ ኮና ክንቃኣለስ ኣሎና ቢሎም ዝተበገሱ ሰባት መተዓናቀፊ ጋል መገዲ ኣምጺካ ንቃልሲ ሓርነት ንድሕሪ ምጉታት’ሲ እንታይ ኢዩ ቁንቁኛኡ? 2- እቲ ኣውራጃዊ ዶ ወላ ዓለታዊ ኣተሓሳስባ ኣሎዎ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ንዝብል እሞ ድሓ ህግደፍ ‘ውን መጺኢት ኣፎም ስለዝኾነት ከም ጸማም ሓደ ደርፉ ጥራይ ክብሃል ዝካል። እሰክ ንበል ኩሉም ኣባልት ስምረት ካብ ሓደ ኣዋራጃ ኢዩም ንበል/ ወላ እካ እቲ ሐቒ ካልእ እንተኾነ/ 21 ክፍለዘመን ኢና ዘሎና እቲ ሕቶ ስምረት ኣዋራጃዊ ሕቶ ድዩ? ንእከለ ኣውራጃ ሓር ክነውጻ ድዩ ዝብል? በጃኹም ናይ ህግደፍ ካርታ ኣብ ናይ መንእሰይ ወለዶ ቦታ የብሉን። ንኣብነት ነቶም እንዳፈልጥኩም ትጽይቁ እካ መመላእታ ኢዩ፣ ነቶም ብዛዕባ ስምረት ምናልባት ሓበረታ ዘድልየኩም ግና ራድዮ ስምረት ከም’ውን መርበብ ሓበረታ ስምረት ምውካስ ከድሊ ኢዩ። ባይቶ ስምረት ዝሃቦ ደምዳሚ ውስነ ጉባኤ ንወርሒ ታሕሳስ ክግበር ኢዩ ዝብል። ኢዚ ውሳነ ኢዚ ዘይሕጋዊ እንተተባሂሉ ሲ ካብ ባይቶ ንላዕሊ የሎን ኢልኩም ኣሎኹም። እሞ ገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ኣስና ማሕበር ኣውጺና ኣሎና ጥራይ ስለዝበልኩም ሲ ሕጋዊ ድዩ። ምናልባት ጉደለታ ኣሎ ትብሉ እንተኮንኩም ከኣ ከም ኩሉ ኣባል ስምረት ኣብ ጉባኤ መጺኩም ዘሎ ጸገምት ክፍታሕ ምተገብረ እሞ ብዛዕባ ሕጋውነትን ተቀበልነት ክትዛረቦ መምሓረልኩም። ካብ ጥሪ 2013 ዳኣ ኣበይ ኢኹም ጸኒሕኩም ድሕሪ ዓመት ክትዛረቡ መሪጽኩም። ኣብ ድሮ ጉባኤ ወረቀት ክትሕንጽጹ ከ ዳኣ እንተይ ኢዩ ትርጉሙ። መንእሰይ ወለዱ ነቂሑ ኢዩ።
Truly Truly i say to you November 7, 2013
If this article was be presented as comment, for the sake of right freedom of speech it might be tolerable, but as article specially in the name of organization ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC)when see this very dangerous pro PFDJ but unti democratic movements unity propaganda here at Assena it is very annoying! In my view Assenna staff should to refrain from hosting such destructive, divided irresponsible anti unity massage for the future, because this has nothing to do with principle hosting ideas for the sake of right freedom of speech. I defiantly sure the one who wrote this as is Pro PFDJ, who have an agenda to prolong Isayas´s dictatorship and as is anti democratic movement unions.
So no wonder like Rim above correctly commented “ቅብጸት” ዘይገብሮ ስለዘየለ “It is not great thing the servants of Satan finally if start disguise themselves to look like servants of righteousness. In the end they will get exactly what their action deserve. (2nd Corint. 11; 14-15.)
Viva and success for Wedi- Vacaro ” Primmerly unity for only one known mission movement! Death for dividers! who attempting to divide us and wasting our time with secondary agendas.
Ebenezer November 7, 2013
If EMC/your group was there since January/2013 how would you guys need to talk about EYSNS now? Were you not out since then according to your statement??
Viva EYSNS November 7, 2013
@Aranchi, entay emo kitzareb? hirfan nay siltan neruka gina siltan ayrekebkan. metsihaf entetsehafka do Amlak zikonka mesiluka, wey kea merahi serawit hidri kitkewun timawet aloka. yegiday rihak kab serawit hidri ketefrisom eka. Mifras limadkum eyu.
@EMC etay hadish neger
Feasil Debesay November 8, 2013
ዘስደምም ጽሑፍ፡ ዘስደምም ውሳነ ናይ ኣሰና
ከም ዝፍለጥ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር መን ምዃኑን እንታይ ይሰርሕ ኣሎን ኣዳዕዲዑ ይፍለጥ ኢዩ፡ ፡ እዚ መስደመም ዝኾነ ጽሑፍ፡ ማለት ጸሓፊኡ ኣይፍለጥ፡ ንምንታይ ዕላማ ከም ዝተጻሕፈ ኣንፈት ዘይህብ፡ ነንሕድሕዱ ዝጋጮ ትሕዝቶ ዘለዎ ክነሱ ኣማኑኤ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ምዝርግሑ ናይጥዕና ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ፡ ፡ ንምንታ ክዝርጋሕ ተደሊዩ ንደረስቱን ንኣማኑኤልን ይምልከት፡ ንስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንሃገራዊ ድሕነት ግን ምናልባ ይጠቕሞ ይኸውን እምበር ኣይሰብሮን ኢዩ፡ ፡ ኣባላት ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ኩሎም ኣብዚ ናይ ምፍራስን ምዝራግን ዝነፉ ኣካላትን ለኣኽቶምን ኣብ ኩሉ ብኹሉ ክሳብ መጨረሽታ ክቃለስዎ ከምዝኾኑ ግን ክፍለጥ ይግባእ፡ ፡
asmerom November 8, 2013
Those who are afraid of coming out on public must have something to hide.Kudos to Amanuel assena and those who alerted us about this issue.One disturbing point I found from the long detailed information posted on the comment section read:”ንኹሉ ግን እታ ዘይተሰማምዕ ነገር ቅድሚ ሓሳብካ ምስምዖም መን ኢኻ እዩ ዘገድሶን ኔሩ”.I have observed this type of behavior in Eritrean gatherings and political meetings. “you can fool some people some times but your can not fool all the people all the time”( Bob Marley).
wedehankum
Rim November 8, 2013
ዕብዳን ዶ ክንብሎ!
መን ንመን ከታልል፣
ኣብ ልዕሊ መን ከ?ከሽካዕልል???
ሎምስ ዘይፈለጠኩም’ዶ ይህሉ
ምትእኽኻብ ጸይቂ፣
ዕላማ ኣልቦ ልኡኻት፣ሰብ ውልቃዊ ረብሓ
ዘይብልኩም፣ ቅንጣብ ትኸውን ሓቂ፣
ፎ ተባሂልኩም፣ተፈንፊንኩም
ፎኺስኩም ከም ጨርቂ።
ኣበይ ድኣ ጸኒሕኩም ክሳብ ሎሚ፣
ግብሪ ኣብ ዘይብሉ ምህውታት ትነብሩ ዘለኹም ካብ ዓሚ፣፣
በዓል ኮንቶ መንቶ ዘይብልኩም ቁም ነገር፣
ከምዚ’ዶ ምበልኩም እንዳ ጸነተት ሃገር፣
ናይ ዓንቶቦኹም ሽርሒ ካብ ኮነ’ሞ እንታይ ይገበር።
ስልጣን ዝሕልምኹም፣ በዓል ሕልና ኣልቦ፣
ጥፍኣት ኤረይ ዘይንታይኩም፣ ትእበዱ ብቑራቦ፣
ስምረት ሎሚ’ውን ኣይትብዳህን’ያ ትፈልጥዋ ኢኹም ዓንቶቦ፣
ህግደፍ ነቒላ ሓርነት ከተንግስ’ያ ኣብ ቅርዓት ዓደቦ።
ቃልሲ ስምረት ናይ ርድኢት’ዩ፣ ኣይኮነን ናይ ስምዒት፣
ዕላማ ኣለዎ ዝጥምት ንቕድሚት፣
ህዝባን ሃገራን ከተድሕን ካብ ዘለዎ መጻብቦ፣
ህዝባዊ መንግስቲ ክትተክል ሕልሚ ዓንተቦ፣
ፍትሒ ከተንግስ ኣብ ቅርዓት ዓደቦ።(2)
abedbed November 8, 2013
እዋናዊት ሕልሚ ጽገናውያን፣፣
ህግደፍ ትንበር፣ “ንሕና ዘይብላ ብድሕሬና ሳዕሪ ኣይትብቖላ”፣
ስምረት ፣ ልኡኻት እንተኮንኩም ኸ?
ህግደፍ ትንበር፣ ከምኡ ኢልኩም ኣይትሕተቱና
ከምኡ ኣንተ ድኣ ኢልኩምና፣ ኩኑ ኣይትኹኑ ነቲ ምስኪን ህዝቢ በቲ ብፈርሖ ነገር ኣምጺእና ኣውራጃውያን ኢዮም እንዳበልና ኣብ ማዕከናት ዜናና ክንጉስጉስ ኢና፣
ስምረት፣ እሞ ዘይኮና፣ ቃልስና ቃልሲ ውጹዓትን፣ እቶም ትማሊ ልብና ብምሕደራኹም ዝሰንበረ፣ ሕቖና ብኩርማጅኩም ዝተሰብረ ደቂ ስውኣት እንርከቦ ቃልሲ ኢዩ’ኮ።
ህግደፍ ትንበር፣ ብዘየገድስ ኣነ’ኮ ንክምለስ ኣይተጋደኩን ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይደልን፣ እቲ ሓቂ ዋላ ንሱ እንተኮነ ንሕና ጥራይ ኢና እንፈልጦ፣ ነዚ ክነላብዖ ግዜ ከም ዘይወስደልና ክትፈልጡ ይግባእ። ከም ዝፍለጥ ማዕከን ዜናና ናትና ድኣ’ምበር ናትኩም ሕልፍ ኢልና ንይምሰል ጥራይ ከም እነአንግዶ ንስኻትኩም’ውን ትስሕትዎ ኣይመስለንን፣፣
ስምረት፣ ሃሃሃሃሃ ኣየ ጽውጽዋይ ህግደፍ ስም ቀዪረ ክረግጸኩም
ትማሊ ዝነበሩ ገድልታት ውላኻ እንተተጨዉዩ ደቂ ህዝቢ ካብ ወሰዱ ቀለብ ህዝቢ ካብ ተቐለቡ መኻፍልቲ ሽግር ህዝቢ ካብ ኮነ ሕጋዊ ዋንኦም ንሱ ህዝቢ’ዩ ሎሚ ድማ ናብቲ ሓቐኛ ዋንኦም ንምምላስ ንቃልስ ኣሎና፣፣ ዘበት ህዝብና ዳግም ናብዚ መንቅርዮሳዊ ኣታሓሳስባ ክምለስ። ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ ይበሃል እዚ ናናትኩም ሕልሚን ሃሮም ሮምን ንስልጣን።
semere November 8, 2013
begakum beti zelokumo bukoru ba al ete mite abey nerkum emo ke sle mintay higi felitnakum alona welfasat gubaena nana n abalat eyu zimlket nsukum gn EMC from where you are
tell the truth November 8, 2013
ናይ ስልጣን ጥሙሕነት ዘለዎም ወረጃታት ማዕዶ ብቐንዱ ከኣ ብዲሞክራሲ ተጎልቢቦም ዝሰተኹ ልኡኻት ጃንዳ ህግደፍ ናይ መወዳእታ ናይ ቕብጸት ፈተነ ንምግባር ብርዖም ተኺሎም በተን ከአንግደኦም ዝኽእላ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለወን ማዕከናት ዜና ጌሮም ይረባረቡ ኣለዉ።
ርኣይዋ እሞ እዛ ላዕሊ ዘላ ጽሕፍቲ :- ይገርመኒ እኮ እዩ ኢምበር ዶ ኸ ዓዲ ኣቲና ተኻቲዕና ተዛቲና ተረዳዲእና ክንነብር ኢና ብሓባር : ክእርም ዝጀመረ ጸርፊ : ጌጋ ትኸዱ ኣለኹም ዝበለ ጸለመ : ዓገብ ዝበለ ብድዐ ዘረባ : ምዓስኢኹም ንርእይቶ ናይ ሰባት ተቐቢልኩም ከተአንግዱን ሓሳብ ብሓሳብ ክትምልሱን ክትረዳድኡን ትጅምሩ ይገርም እዩ : እዞም ሕጂ ዝጽሕፉ ዘለዉ እኮ ድሕሪ 2 ወርሒ ናይ ደብረዘይቲ እዮም : ጌጋ ይግበር ኣሎ ኢሎም ሓቢሮም ጽሒፎም ኣብ ፓል መጺኦም ሓቢሮም : ከመይ ድዩ እቲ ምርድዳእን : ብዘተ ሽግርካ ምፍታሕን ማለት : ነቲ ዝገበርዎ ፈተነ ግን ዘይሽሙ ሂብካ ክንደይ ኢና ሰሚዕና : ሕጂ ዉን እንኮ መፍትሒ ኣብ ጣውላ እዩ : እቶም ነቲ ሚድያን ስልጣንን ሒዝኩሞ ዘለኹም : ሕድገት ጌርኩም ምስ ኣሕዋትኩም ክትረዳድኡ እንተዘይክኢልኩም ንበይንኹም ደቂ ሓንቲ ከባቢ ኣብ ትበጽሕዎ የብልኩምን : ይመስለኩም ይኸዉን ትስጉሙ ሰብ ክዒብኩም እዩ : ዉሽጥኹም ፈትሹ:ስምርት ጽቡዕ እዩ ግን ብሽፋን ደቂ ሓንቲ ከባቢ ክኸዉን የብሉን እሞ ኸኣ ሕጂ ናብ ደቂ ሓንቲ ወረዳ ወሪድኩም : ዘገርም እዩ : ሰብ ክርድኦ ዘለዎ ዝርዝር ናይቶም ደቂ ሓደ ከባቢ ኣስማት ኣብ ቀጻሊ ክሕብረኩም እየ ካብ ሕጂ ጉድኩም ክቕላዕ እዩ : ብሽም ኣከለጉዛይ ዘይኮንኩም ተጠርኒፍኩም ዘለኹም ሔቦን ከባቢኣን ፈሊጥናዮ ኣሎና እቲ ሽጣራ : ወሪድዎም ደቂ ኣከለጉዛይ ንሶም ኣብቲ የለዉ ኣብዚ የለዉ : ጉድ ናይ ኢዋይጂኤም ዉን ክንድህስሶ ኢና : እንተቐጺልኩም ካልእ ኣሎ ብሰነድ ዝተታሕዘ ክዝርጋሕ እዩ ::