Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዕዞ ስ.መ.ኤ.ን.ሃ. ካብ ሃገራዊ ጥርናፈ ናብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ምትእኽኻብ

ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም

ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም ዘካትዑና ተኣፈፍቲ ኣርእስትታት እዞም ዝስዕቡ ኔሮም:: ሕቶ ቛንቛ : ሕቶ መሬት : ሕቶ ምጽናት ዓሌታት ኣብ ዉሱናት ብሄራት ዘተኮረ : ሕቶ ኣውራጃ: ባህርያት ስርዓት ኣስመራ : ሕቶ ዲሞክራስን ስርዓተ ፍትሕን…ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም:: ነዝን ከምዝን ሕቶታት ኣልዒልካ ናብ ሓባራዊ መደምደምታ ክትበጽሕ ብሓቂ ፈታንን በዳህን እዩ ኔሩ:: እዚ ማለት ምስቲ ካብ ድሮ ናጽነት ክሳብ ሕጂ እንትርፎ ብግበር ኣይትግበር ዝብል ሕጊ ንምልዛብ ኮነ ንዘተ መድረኽ ዘይምርካብና ድርብ ዋጋ ዘኽፍል ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ:: ኣብቲ ርሱን ክትዓት ድማ ድኻም ደምበ ተቓዉሞ : ድኻም በርጌሳውያን ማሕበራት : ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖሎቲካዊ ምትእኽኻብ ከም ቀንዲ ጸገም ዘቲናሉ:: እዚ ማለት ኢሰያስ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ መተካእታ ክኸዉን እየ ኢሉ ለይትን ምዓልትን ዝግዕር ዘሎ ናይ ስደት ሓይሊ (diaspora) ከይተረፈ ዝፈሸለ ምዃኑ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና::

ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ መብርሂ ክህብ እዩ:: ኣብ ዝቕጽል እዋናት ድማ ብዝርዝርን ብዓሚቕን ንኣበጋግሳን መንፈስን ደብረዘይቲ : ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽን ተወሳኺ መብርሂ ክንህብ ኢና::

እዞም ኣብ መፋርቕ 2012 ወርሒ ሸውዓተ ንኣስታት 10 መዓልታት ዝተኣኻኸቡ መናሰያት ኤርትራ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ? ክንደይ ካብኣቶም እዮምከ ኣብዛ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ትሕምበብ ዘላ ጉጅለ ተጠርኒፎም ዘለዉ? ብሓቂ ኸ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምትእኽኻብ ኣለዎም ድዩ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም:: ከምቲ ምስላ ኣቦ “ቁስልስ ኣብ ምጉድኡ እዩ ዝፍወስ ” ዝብሎ : ቁስልኻ ሓቢእካ ፈውሲ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ:: ስለዝኾነ ድማ ኢና በቲ ሓደ ሓላፍነትና ከነዉርድ በቲ ካልእ ድማ ሰማዒ እዝኒ እንተሎ ኣቤት! ክንብል ንግደድ ዘሎና::

ድሕሪ ዝኣክል ገምጋምን ኢሂን-ሚሂን ዝተመስረተ ሓድሽ ናይ መንእሰያት ጥርናፈ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ዝብል ስያመ ኣልቢስና : መርሒነት መሪጽና : ዕማማት ኣሰኪምና ነናብ ቦታና ኢና ተመሊስና:: ገለ ካብቶም እዚ መርሒነት እዚ ብግዝያውነት ከሰላስሎም ዝግብኦ ዝነበረ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም 1.) ብሃታሃታ ንዘተ ኢሉ (dialogue forum) ዝተኣከበ ሓይሊ መንእሰይ ብኽቱር ሃገራዊ ወኒ ማሕበር መስሪቱ ምውጽኡ ንኻልኦት ኣስታፊ ክኸዉን ኣይከኣለን:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ኣብ ዉሽጢ ናይ 12 ኣዋርሕ ገደብ ግዜ መሪሕነት ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎ ጎስጓሳት ክካየድ : ንኹሉ ድማ ኣሳታፊ ክኸዉን ተሰማሚዕና:: 2.) ካልእ እዚ ምትእኽኻብ´ዚ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸዉን : ንብሄራዊ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ : ኣውራጃ : ሃይማኖት : ጾታ…….ወዘተ ዘመቓርሐ ንምግባሩ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ክካየድ 3.) መሪሕነት ነታ ጉባኤ ንምክያድ እትምስረት ሽማግለ መዝነቱ ከረክብ : ዕዉትን ኣሳታፍን ጉባኤ ድማ ክካየድ ተማሕጺና: :

ብሓፈሽኡ እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ሃልኪ ዝተሓወሶ ኣኼባ ኢና ኣካይድና:: ስክፍትኦም ዝገለጹ ጋዜጠኛታት: ምሁራት: ዓበይቲ ኔሮም እዮም:: ይኹን ድኣምበር ነቲ ወንን ቅሩብነትን መንእሰያት ምግታእ ማለት ከም ንጋሻ ዉሕጅ ምዕጋት ´ዩ ኔሩ:: ካብዚ ብኸፊል ገሊጽናዮ ዘሎና ሓሳባት ብምብጋስ ሎሚ እዚ ማሕበር ወዲቕዎ ንዘሎ ጽፍሒ ኣብ ግምት ኣእቲና እቲ ምሓንቖ እንታይ ምዃኑ ክንርእዮ ይግባእ::

1.)  ዘይብቑዕንዘይቅርጥዉንመሪሕነት :-

ከምቲ ኩላህና እንፈልጦ መራሒ ኩሉንትናዊ ብቕዓት ዘለዎ : ሓቛፊ: ኣርሒቑ ዝጥምት : ንጸገማት ብዘይ ዉዓል ሕደር መፍትሒ ዘናዲ: መተካእታ ሓሳባት ´ዉን ዘምጽእ: ካብ ጌጋታቱ ዝመሃር ብዓል ክፉት ኣእምሮ : ሃገራዊ ወኒ ዝሕላገቱ ንዝደኸሙ ሓይሊ: ተስፋ ንዝቖረጹ ወኒ : ንዝወደቑ ዘተንስእ ክኸዉን´ዩ ዝግባእ:: እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መሪሕነት ብሪኦ እዞም ድኻማት እዚኦም´ዩ ዘለዎ :: ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣይኣምንን:: ፊን ከምዝበሎ ይወፍር ከም ቃሕትኡ ድማ ይምለስ:: ኣብ ሓንቲ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ንዘለዎ ባይቶ ዘልምስ : ሚኒስተራት ከም ቃሕትኡ ዝሽይምን ዘዉርድን : ዓመታዊ ባጀት ዘይሕንጽጽ: ናይ መቆጻጸሪ መሓውራት (ትካላት) ዘልምስ : ንፍትሒ ዝጎሰየ መሪሕነት እዩ:: ነዘን ከምዝን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ድማ ኣብቶም ናይ 10 ምዓልታት ኣኼባ ደብረዘይቲ ዘቲናሎምን ዓጊብናሎምን ኢና:: ተስፋና ዝነበረ እቲ እንመርጾ መሪሕነት ብሓቂ ነዞም ድኻማት እዚኦም ዘይደግም : ተተጋገየ´ዉን ዝመሃር ክኾነልና እዩ ኔሩ!:: እንተኾነ ግን ኣብ ግብሪ ካልእ´ዩ ኮይኑ:: እዚ ዘሎ መሪሕነት ፈጻሚ ኣካል (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ናይ ተምሃራይ ልቢ ዘይብሉ: ባህርያቱ ከም ባህርያት ተዋጋኢት ላም: ንምስልን ክዉንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ከም ቃሕ ዝበሎ ዝፍልል ኣካል እዩ :: ብኸምዚ ድማ ኣስመራ ክእቶ ከቶ ኣይክእልን እዩ ::

2.)  ሕጋዉነት (legitimacy)

ከምዝፍለጥ ሕጋውነት ዘለዎ ማሕበር ኮነ ጥርናፈ መሰረቱ ጉባኤ እዩ:: ምምስራት እዚ ሓድሽ ማሕበር መንእሰያት (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ዋላ´ዃ ብመልክዕ ንዘተ ኢሉ ዝተኣኻኸበ ኣካል ዝተመስረተ እንተኾነ ሕጋውነቱ ግና ካብቲ ምትእኽኻብ ዝተዋህበ እዩ:: ብሓባር ህልው ኩነታት ገምጊምና : ብሓንሳብ ዝሓሸ ዝበልናዮ መኺርና መወዳእትኡ ድማ ብሓንሳብን ብዓብላሊ ድምጽን ማሕበር ይመስረት ኢልና መሪሕነት ባይቶ መሪጽና:: ኩላህና ከም እንዝክሮ ዕድመ መሪሕነት ክንደይ ይኹን ምስተባህለ ካብቶም ዝቐረቡ ብዙሓት ኣማራጺታት ማለት 6 ኣዋርሕ : 9 ኣዋርሕ ከምኡ ´ዉን 12 ኣዋርሕ ዝብሉ´ዮም ኔሮም:: ብዝዓብለለ ድምጺ ድማ´ዩ ርሒብ ናይ ስራሕ ግዜ ሃልይዎም ብዙሕ መታን ክዓሙ 12 ኣዋርሕ ይኹን ኢልና ዝወሰና:: ብድሕሪ´ዚ ካብ´ታ 21 ዝኣባላታ ባይቶ 7 መርሕነት ፈጻሚ ኣካል መሪጾም ናብ ዕዮኣኦም ተዋፊሮም:: ሎሚ ልጓም ዝበተኸ : ምቕያድ ኣብዩ ዝነፍጽ ዘሎ መርሒነት ፈጻሚ ኣካል ምልስ ኢሉ ንዉዕሎ ደብረዘይቲ ክርኢ ስለዘይክኣለ እዩ:: ኣብ ሓደ ማሕበር ኮነ ሃገር ሕጋውነት እንድሕር ተጣሒሱ ኩሉ ምሓዉራት ክለምስ ብግዲ እዩ::

3.) ኣባላትባይቶንተርኦምን

ከምዝፍለጥ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል እዩ:: ኪኖ ጉባኤ ድማ ሕጋውነት ዘለዎ ላዕለዋይ ብዓል መዚ እዩ:: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባይቶ ምስ እንርኢ ዝለመሰ : ስማዊ : ከምኡ ´ዉን ኣስናን ዘይብሉ ኣንበሳ እዩ:: ንርእሰ-ብሄር (መራሒ ናይታ ሃገር ) ዘይቆጻጸር : ሓፊሱባ – ቀጢኑ ዘይብል ኢሰያስ ናብ ዝጠወዮ ዝጥወ ምሃነኑ ዘጥፈአ ኣካል ተበልናዮ ምግናን ኣይኮነን:: በዚ መንጽር እዚ እቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተመስረተ ኣካል (21 ዝኣባላቱ ባይቶ) ካብ ሀ-ፐ ጎዶሎታት ዝመለኦ : ንሓድሕዱ ዘይተሳነየ ቅኒት ዘይብሉ ህርመት´ዩ ኔሩ:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ዘላለየ መሪሕነት ፈጻሚ ድማ´ዩ ኣብ ክንዲ ብልጫታት (ዓቕሚ) ከምዘለዎ ኣመስኪሩ ንኣባላት ባይቶ ዘስታሕፈሮም ንጥርናፈ ናይ ኩላትና ጨዉዩ ከምልጥ ዝፈተነ::

ኣብ እዋኑ ብሰነድ ዝሓዝናዮ መርትዖታት ከምዝምስክርዎ, ባይቶ እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ኔሮም :: 1. ኣኼባ ጸዊዑ ከይተሳነየ ዝኸይድ 2. ናብ ኣኼባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይመጽእን´የ ንዝበለ ፈጻሚ ኣካል ብሕጊ ዘይተሓሓዝ 3. ዉሳኔታት ኣብ ምዉሳድ ዝዱንጊ ወይ ዉን ዝማታእ : ሓሊፉ ተሪፉ ዉሳኔታቱ ብጽሑፍ ኣብ ስዓቱ ወግዓዊ ዘይገብር 4. ዝብል ግን ከኣ ንዝበሎ ዘይገብር 5. ኣቐዲሙ ንዝወሰኖም ዉሳኔታ ዘፍርስ (ንዝነደቖ ባዕሉ ዘፍርስ) ወይ´ዉን (lack of consistency)ዘለዎ እዩ:: እዚኦም ገለ ካብቶ´ም ተርእዮታት ብኸፊል እዮም ::

4.)  ተራንመርገጽንናይዞምወለንታዊተበግሶዝወሰዱዘለዉዝተፋላለዩሰባት:

ከምቲ ኩላህና ዝተዓዘብናዮ ገለ ካብዞም ናይ ዕርቅን ሽምግልናን መስመር ዝሓዙ ሰባት ኣቐዲሞም እንተስ ኣብ ምስንዳእ ዘተ ደብረዘይቲ ወይ´ዉን ኣካል ናይቲ ዝተመርጸ ግዝያዊ መርሒነት ዝነበሩ እዮም:: ከምትዕዝብትና ገለ ልኡም መርገጺ ብምሓዝ ነቲ ብኣባላት ናይ´ዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ዘልዓልዎ መትከላዊ ሕቶታት “ኣይግዚኡን እዩ: ተጋኒኑባ : ከምዚ ዝኣመሰለ ወቀሳ ኣይግባእን እዩ”..….ወዘተ ዝብሉ ዝነበሩ እዮም:: ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ “ምምላስ ነይኣበር እንታይ ድኣ ምጽዳፍ” ዝበልዎ: ክምለሱ ምርኣይና ሕጉሳት ኢና:: ምምላስ ግን ነቲ መሲሉካ ዝነበረ ሓዲግካ 180 ዲግሪ ዝባንካ ሂብንካ ዘበላሸኻዮ ከተዐሪ ምስትፍትን ጥራሕ´ዩ ሰብ ዝቕበሎ:: ንይምሰል ምምላስ ዝኾነ ምስኮነ ምምላስ ኣይግድን! ኣብ´ዚ ምትዕጽጻፍ ከም ብልጫ ዝተወስደሉ ዓለም ነቲ ጻዕዳ ጻዕዳ : ነቲ ጸሊም ድማ ጸሊም ተዘይልካ ተዓጻጺፍካ ምትራፍ´ዉን ከምዘሎ ምግንዘብ የድሊ:: ትማሊ ነቲ ሓቂ እወ : ነቲ ኣይፋል ድማ ኣይፋል ክብሉ ዘይምኽኣሎም ሎሚ ከም ዝተማህሩ ከእምኑና ተዘይክኢሎም ብሓንሳብ ተኣማሚና ክንሰርሕ ከጸግመና ምዃኑ ከነዘኻኽሮም ንደሊ::

 5.) ተራኣባላትኤርትራውያንምንቅስቓስንለውጢ (EMC)

ኣባላት ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ካብ ምምስራት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2013 ኣካልን ኣባላትን ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ እዮም ኔሮም :: ነቲ በብእዋኑ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ማሕበር ኣብ ምእራምን ምንቃፍን ድማ ልዑል ግደ ኔርዎም:: ምትእኽኻቦም ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ካብ ኩለን ኣውራጃታት : ካብ ገለ ብሄራት : ጾታ : ካብ ኩሉ እምነታት ዝኾነ እዮም:: ኣብቲ ናይ ምእራም ተበግሶ ኪኖ ሓሳባቶም ምሃብ : ብጽሑፋቶም ከይተረፈ ንምእራም ዝክኣሎም ፈቲኖም እዮም:: ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ እንከለና ሕጊ ማእከል ዝገበረ : ተሓታትነት ዘለዎ ስራሕ ክህሉ ኣለዎ ምባሎም ጥራህ ዝኸፍልዎ ዋጋ ከቢድ´ዩ ኔሩ:: ኣንጻር ማዕበል ምጅላብ ዋጋ የኽፍል እዩ:: ኩሉሰብ ኣብ ዓመጽ ክሰማማዕ ከሎ ኣይትዓምጽ ዝብሉ ሰባት ዘጋጠሞም ብድሆ ብዙሕ´ዩ:: ሎሚ ኣብቲ ማሕበር (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ተስፋ ምስ ስኣኑ ሓደ ናትና ዝብልዎ ንብዙሓት ዘጽለለ: ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ : ብሕጊ ዝምእዘዝ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ መስሪቶም ኣለዉ:: ስሙ ድማ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ይብሃል::

መደምደምታ:

ኣብ መደምደምታ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሓደ ሓው ጠቒስና ክንዉድእ ኢና:: አዚ ሓው ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሂቡ:- “ኣኼባ ደብረዘይቲ ብሃታሃታ ዝተመስረተ: ንኽዉንነት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ : መሰረት ዘይነበሮ ጥርናፈ ስለዝኾነ´ዩ ፈሪሱ” ኢሉ:: እዚ ኣባህላ´ዚ ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ንሰማምዓሉ እዩ:: ኣብ ሑጻ እተሰረተት ቤት ዝናብ: ህቦብላ: ወሓይዝ ክመጹ እንከለዉ ከም እትፈርስ : ከውሒ ዝመሰረታ ቤት ግን ጽንዕትን ዘይትፈርስን ምዃና መጽሓፍ ይምህረና:: ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ:: ክንምሃረሉ ተዘይኪኢልና ግና ዳግማይ ሓደጋ´ዩ ከጋጥመና:: ኣብ ኤርትራ ሕጊ የለን:: ዓመጽ ሰፊኑ: ህዝብና ተባሳቢሱ ዘይ ናይ ኢዱ ረኺቡ ንብል እንተለና መተካእታ ሓሳባት ከነምጽእ ድማ ይግባእ:: ኢሰያስ ቀይዲ በተኽ ተኾይኑ : ፈጻሚ ኣካል ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ በየናይ መስፈር´ዩ ንኢሰያስ ክነቅፍ ዝኽእል? በይናዊ ስጉምቲ ወሲዱ ጉባኤ ዝእውጅ : ንዕዑ ንዝመስልዎ ሰባት ጥራሕ ዝሓቁፍ : ሉጋም በቲኽካ ኣለኻ ተመለስ ንዝበልዎ ከሳጉግ ዝዉዕል እንታይ ዓይነት ኤርትራ´ዩ ዝሓልም ዘሎ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም::

ንሎሚ ነዞም ሕቶታት እዚኦም ንኣንበብቲ ገዲፍና በዚ ክንሰናበት:: ኣብ ዝመጽእ ክፋላት ብዛዕባ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽን : ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ብዙሓት ማሕበራትን ብዝርዝር ከነቕርብ ኢና::

ሰናይ ቅነ ንዂልዂም

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC)

03/11/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • seley November 6, 2013

    I want to call Eritrea as United states of Eritrea. Tigrinya and Arabic as primary languages; each awraja to elect her representative and administer its own land and people. wedi denkel denkel kimeriH, wediwedi massawa massawa kemihadr wedi barka barka kelemlim etc. And, President to be elected by the representatives of the awarajas. this is equality. if these can not be done..bye bye Eritrea and welcome Somalia.

    • Kabbire November 6, 2013

      Are you saying Eritrea has to kill Eritrean languages such as Tigre, a language of two million Eritreans?
      Language is a primary identity of ethnicity of of Eritreans. To a Kunama, Afar or Bilen, their languages are more important than any other mark of identity. A Kunama or Afar is no more without his own indigenous linguistic identity. No one should be allowed to burn Eritrean languages again as the Jebha had done before.
      Each Eritrean should be allowed to respect and be respected of his and her own languages legally. Eritreans should not be treated as slaves of any outside culture or value. Eritreans should decide Eritrea’s destiny through their own resources first.

      • Ugum November 7, 2013

        Why are you stressing on the language issues? Are you trying to divert the readers on the most important issues of national or ethnic and provisional liberties to administer its own land and people? I can not wait to have a president from Kunama tribe!

  • Hailom N. November 6, 2013

    HAWENA ABE ADDIS ABEBA KOYENKA KEMZI GERNA KEMZI AWIJINA MANEM AYESMAKUMEN EIYU ) MEGEMERIYA OR FIRST GET TOGETHER WITH KUNAMA, AFAR, SAHO, AND TRAY TO BE ONE ORGANIZED FORCE. AND THEN YOUR FIRST AWAJE WILL BE WE WORK TOGETHER TO REMOVE HIGDEF AND PUT OUR CONSTITUCION THAT TIME WE CALL IT AWAJE. OR KEEP DANCE LIKE THE OTHERS AND BRING ( TEGRAWATI ) WIFE LIKE MOST OF THEM DO.

  • hailu November 6, 2013

    AM SORRY OUR FUTURE HOPE YOUNGSTERS

    Why do you spend your precious time discussing issue that does not belong to you? Do not you know that no one has appointed you to discuss about all those details.
    The only task of any party or group or opposition at this time is to work hard to free the people of Eritrea and save the destruction of the nation.
    The sooner we achieve this (Removal fo Isayas) then immediately we proceed with the existing constitution as a transition, use the elected parliaments and proceed with the real democratic transition.
    No need to run and issue statements about language, religion, Awraja etc.

    While Isayas is counting his days in power
    The self-called opposition in diaspora are wandering.

    EYSNS, EYSC, EMC, ECC, EYS, EYC, EMD , EMDY……
    Who is to blame who ????????????????????????????
    Let’s be mature brothers and hold it seriously or give to those who achieve bit of knowledge on some matters…..

    • Ugum November 7, 2013

      Don’t be foolish Hailu. This is the right time to narrow our differences? Who is going to elect the parliament? How come a tigrinya speaker would be appointed by the so called leader and be governor of Dankalia, or Sahil or Barka? Through translater? These are the biggest issues to be tackled before the fall of the devil; or face war lords like Somalia. The kebesa ppl have been accused of being “Teraro” for grabbing lands of the metahit ppl. How come is the majority of kunama ppl be accused of being sympathises of ethiopia? Why are the moslims being targeted as extremes and terrorists when the orthodox are chasing and imprisoning the Pentes?

      • Ugum November 7, 2013

        Many people are talking about what is happening to the refugees in Ethiopia. But why is that many kebesa ppl forget that there are more than 200,000 Eritrean have been living in Sudan in worst situation for decades and no one wants to talk about it? Is it because the kebesa ppl is better than the metahit? Is the majority is more eritrean and human than the rest?

        • Keren November 7, 2013

          … because Sudan has accepted them and they all have or can have Sudanese passports, besides they have lived there for about fifty years.

          • Antinun November 8, 2013

            Wala! You are hypocrite! So you think they are better off with sudanese passport than a refugee status? And then you forget them because they have a passport of a foreign nation?

        • SAM November 7, 2013

          Don’t wait someone to talk for you, stand up for your right and make your concerns heard. We do care about our people regardless of where they are. Don’t try to insinuate hatred among people.

  • Erena November 6, 2013

    Not wanting to work with one organization (group of organizations which decided to be united, in this case) is within your rights, and ‘Fine!’ by most of us. What of starting on a wrong foot?
    Imagine I want to learn about your new organization (which by the way is new and yet to be seen whether it keeps its promises) and trying to make up my mind if I wanted to join you. Have you realized, from your post above, the first thing I knew of you is your negative attitude towards your old organization?? So, I suggest, your first paragraph should be about your new organization. Do not forget, people are tired of listening to problems after problems of our organizations. Try to start on the right foot. Just my two cents.

  • marsa November 6, 2013

    You are serving the dictator whether you now it or not, who appointed you to talk about all this
    Kidmi feres sregala our problem is the dictator, it not our language or land pls to understand
    Let’s talk how to remove the dictator let us talk about our survival as nation.

  • asmerom November 6, 2013

    there you go again. another do nothing, self-praising “Youth” movement. i wonder why they call them selves “movements” and they do not MOVE!

    • MightyEmbasoyra November 7, 2013

      Good on Asmerom 🙂

  • stefanos temolso November 7, 2013

    It is much better to forget bygones and start fresh. We must embark now in a new and organized way and remove the dictator. Those who raise secondary issues for divisivnes must not be encouraged. We have bigger issues at stake.

    • Tekle November 7, 2013

      @Stefanos !
      We all Eritreans know our problem. Our problem now is rather “HOW” we realise the solution than – we must, we must,…etc. Let’s make/specify it concretely. Then we can proceed forewards. WE are going the devil’s cycle since 1991. We have achieved just nothing other than multiplicating the so-called opposition parties!

      We need concrete procedures not bla, bla,…etc. Not the big Strategies are most important, but starting the small steps, SO START with the 1st [small group] Version, but honest and dedicated!

      bring a pencil and a sheet of paper. then write down your roadmap and check the feasibilty (make-ability)realisticaly ! You get now the result to HOW!

  • hagerawi November 7, 2013

    nothing is new here, they r echoing the PFDJ propaganda in the name of youth movement. EYSNS is on the right track and history will make. what a self-praising worthless articles.how much time did u spend to wrote this non-sense? and i can tell, if not u PFDJ, the propaganda of PFDJ is clearly used to undermine the EYSNS movement. whatever you may say, this organization has already survived. victory to the coming congressss

  • micheal embaye@yahoo.com November 7, 2013

    ዕላማኻን መትከልካን ንንጹሃት ንምትላል እንተኾይኑ፡ ንዝኾነ ክትኣምን ብኣንጻሩ ንስኻ እውን ብኻልኦት ክትእመን ኣይትኽእል ኢኻ፡፡ ኣብ መሪሕነት ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዝረኣኹዎን ዝተዓዘብኩዎን ኣካይዳ ንሱ ኢዩ፡፡ ምትላል………. ብፍላይ ድማ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር፡፡ ኣብ ቀረባ መዓል እቲ ሓቂ ብዝርዝር ኣብ ኣሰና ከቕርቦ ድማ እየ፡፡
    ሚኪኤል ኣራንቺ

    • Rim November 7, 2013

      ብመጀመርታ ኣልዒልካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ምትእምማን ዝብል ከም ምኻኑ መጠን ብከመይ ጌርካ ንክትእመን ኢኻሞ ጸብጻብ ከተቕርብ። ትሓስብ ብፍላይ ንስኻ ምኪኤለ ኣራንቺ ተደናጋጻይ ናይ ሰራዊት ሕድሪ ዝብል ውድበ ካብ ኮንካ ብከመይ ኢኻሞ ንክትእመት ትፍትን? ካብ መቐመጫ’ዶ ጥዑም ጨና ይበሃል ካብ ብብላዕ ዝተዓስበ ኢደ ቤዛ ናይ መንቆርዮስ ዝኾንካ መን እሞ ክእምነካ ኢዩ።

      • asmerom November 7, 2013

        Rim, why you say “men emo keamneka”? you do not speak for me or any other reader. let him write and if we find something viable, we will give it a thought. But, why are you trying to shut him off?

  • Muluberhan YOHANNES November 7, 2013

    Look Guy’s we are tired of reading such irresponsible articles, instead of respecting each other, always we point our finger to someone who is at work. If you are innocent lead us we will follow you, we don’t need to tell us your organization are good, just go for work and we will judge your Policy and activities. If you were part of the organization why you didn’t work for your organization? Why didn’t try to change while you was inside? Why this gossipy? Where is your tolerance? You guys have no reason to convince people and better policy but can make such false allegation to get attention, it could be better to introduce your movement with good Policy instead of the crocodile tear. Same approach like those who escape from the current dictatorial HGDF. When they were in Asmara they used to abuse our people in different ways, when they feel no more important to the regime run out to escape and pretend as they was innocent and Isaias is the only man who did all the crime…. not the whole system (organization they used to work for) any way You guys are losers to write such stupid old fashion HGDF politics…..everyone is saying enough is enough to all paranoid people like Isaias. we are in the age of demhit let us work together to liberate our people EYSNS one of the forces to be supported like other organization…..

1 2 3 4

POST A COMMENT