Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዕዞ ስ.መ.ኤ.ን.ሃ. ካብ ሃገራዊ ጥርናፈ ናብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ምትእኽኻብ

ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም

ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም ዘካትዑና ተኣፈፍቲ ኣርእስትታት እዞም ዝስዕቡ ኔሮም:: ሕቶ ቛንቛ : ሕቶ መሬት : ሕቶ ምጽናት ዓሌታት ኣብ ዉሱናት ብሄራት ዘተኮረ : ሕቶ ኣውራጃ: ባህርያት ስርዓት ኣስመራ : ሕቶ ዲሞክራስን ስርዓተ ፍትሕን…ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም:: ነዝን ከምዝን ሕቶታት ኣልዒልካ ናብ ሓባራዊ መደምደምታ ክትበጽሕ ብሓቂ ፈታንን በዳህን እዩ ኔሩ:: እዚ ማለት ምስቲ ካብ ድሮ ናጽነት ክሳብ ሕጂ እንትርፎ ብግበር ኣይትግበር ዝብል ሕጊ ንምልዛብ ኮነ ንዘተ መድረኽ ዘይምርካብና ድርብ ዋጋ ዘኽፍል ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ:: ኣብቲ ርሱን ክትዓት ድማ ድኻም ደምበ ተቓዉሞ : ድኻም በርጌሳውያን ማሕበራት : ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖሎቲካዊ ምትእኽኻብ ከም ቀንዲ ጸገም ዘቲናሉ:: እዚ ማለት ኢሰያስ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ መተካእታ ክኸዉን እየ ኢሉ ለይትን ምዓልትን ዝግዕር ዘሎ ናይ ስደት ሓይሊ (diaspora) ከይተረፈ ዝፈሸለ ምዃኑ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና::

ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ መብርሂ ክህብ እዩ:: ኣብ ዝቕጽል እዋናት ድማ ብዝርዝርን ብዓሚቕን ንኣበጋግሳን መንፈስን ደብረዘይቲ : ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽን ተወሳኺ መብርሂ ክንህብ ኢና::

እዞም ኣብ መፋርቕ 2012 ወርሒ ሸውዓተ ንኣስታት 10 መዓልታት ዝተኣኻኸቡ መናሰያት ኤርትራ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ? ክንደይ ካብኣቶም እዮምከ ኣብዛ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ትሕምበብ ዘላ ጉጅለ ተጠርኒፎም ዘለዉ? ብሓቂ ኸ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምትእኽኻብ ኣለዎም ድዩ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም:: ከምቲ ምስላ ኣቦ “ቁስልስ ኣብ ምጉድኡ እዩ ዝፍወስ ” ዝብሎ : ቁስልኻ ሓቢእካ ፈውሲ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ:: ስለዝኾነ ድማ ኢና በቲ ሓደ ሓላፍነትና ከነዉርድ በቲ ካልእ ድማ ሰማዒ እዝኒ እንተሎ ኣቤት! ክንብል ንግደድ ዘሎና::

ድሕሪ ዝኣክል ገምጋምን ኢሂን-ሚሂን ዝተመስረተ ሓድሽ ናይ መንእሰያት ጥርናፈ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ዝብል ስያመ ኣልቢስና : መርሒነት መሪጽና : ዕማማት ኣሰኪምና ነናብ ቦታና ኢና ተመሊስና:: ገለ ካብቶም እዚ መርሒነት እዚ ብግዝያውነት ከሰላስሎም ዝግብኦ ዝነበረ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም 1.) ብሃታሃታ ንዘተ ኢሉ (dialogue forum) ዝተኣከበ ሓይሊ መንእሰይ ብኽቱር ሃገራዊ ወኒ ማሕበር መስሪቱ ምውጽኡ ንኻልኦት ኣስታፊ ክኸዉን ኣይከኣለን:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ኣብ ዉሽጢ ናይ 12 ኣዋርሕ ገደብ ግዜ መሪሕነት ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎ ጎስጓሳት ክካየድ : ንኹሉ ድማ ኣሳታፊ ክኸዉን ተሰማሚዕና:: 2.) ካልእ እዚ ምትእኽኻብ´ዚ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸዉን : ንብሄራዊ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ : ኣውራጃ : ሃይማኖት : ጾታ…….ወዘተ ዘመቓርሐ ንምግባሩ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ክካየድ 3.) መሪሕነት ነታ ጉባኤ ንምክያድ እትምስረት ሽማግለ መዝነቱ ከረክብ : ዕዉትን ኣሳታፍን ጉባኤ ድማ ክካየድ ተማሕጺና: :

ብሓፈሽኡ እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ሃልኪ ዝተሓወሶ ኣኼባ ኢና ኣካይድና:: ስክፍትኦም ዝገለጹ ጋዜጠኛታት: ምሁራት: ዓበይቲ ኔሮም እዮም:: ይኹን ድኣምበር ነቲ ወንን ቅሩብነትን መንእሰያት ምግታእ ማለት ከም ንጋሻ ዉሕጅ ምዕጋት ´ዩ ኔሩ:: ካብዚ ብኸፊል ገሊጽናዮ ዘሎና ሓሳባት ብምብጋስ ሎሚ እዚ ማሕበር ወዲቕዎ ንዘሎ ጽፍሒ ኣብ ግምት ኣእቲና እቲ ምሓንቖ እንታይ ምዃኑ ክንርእዮ ይግባእ::

1.)  ዘይብቑዕንዘይቅርጥዉንመሪሕነት :-

ከምቲ ኩላህና እንፈልጦ መራሒ ኩሉንትናዊ ብቕዓት ዘለዎ : ሓቛፊ: ኣርሒቑ ዝጥምት : ንጸገማት ብዘይ ዉዓል ሕደር መፍትሒ ዘናዲ: መተካእታ ሓሳባት ´ዉን ዘምጽእ: ካብ ጌጋታቱ ዝመሃር ብዓል ክፉት ኣእምሮ : ሃገራዊ ወኒ ዝሕላገቱ ንዝደኸሙ ሓይሊ: ተስፋ ንዝቖረጹ ወኒ : ንዝወደቑ ዘተንስእ ክኸዉን´ዩ ዝግባእ:: እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መሪሕነት ብሪኦ እዞም ድኻማት እዚኦም´ዩ ዘለዎ :: ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣይኣምንን:: ፊን ከምዝበሎ ይወፍር ከም ቃሕትኡ ድማ ይምለስ:: ኣብ ሓንቲ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ንዘለዎ ባይቶ ዘልምስ : ሚኒስተራት ከም ቃሕትኡ ዝሽይምን ዘዉርድን : ዓመታዊ ባጀት ዘይሕንጽጽ: ናይ መቆጻጸሪ መሓውራት (ትካላት) ዘልምስ : ንፍትሒ ዝጎሰየ መሪሕነት እዩ:: ነዘን ከምዝን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ድማ ኣብቶም ናይ 10 ምዓልታት ኣኼባ ደብረዘይቲ ዘቲናሎምን ዓጊብናሎምን ኢና:: ተስፋና ዝነበረ እቲ እንመርጾ መሪሕነት ብሓቂ ነዞም ድኻማት እዚኦም ዘይደግም : ተተጋገየ´ዉን ዝመሃር ክኾነልና እዩ ኔሩ!:: እንተኾነ ግን ኣብ ግብሪ ካልእ´ዩ ኮይኑ:: እዚ ዘሎ መሪሕነት ፈጻሚ ኣካል (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ናይ ተምሃራይ ልቢ ዘይብሉ: ባህርያቱ ከም ባህርያት ተዋጋኢት ላም: ንምስልን ክዉንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ከም ቃሕ ዝበሎ ዝፍልል ኣካል እዩ :: ብኸምዚ ድማ ኣስመራ ክእቶ ከቶ ኣይክእልን እዩ ::

2.)  ሕጋዉነት (legitimacy)

ከምዝፍለጥ ሕጋውነት ዘለዎ ማሕበር ኮነ ጥርናፈ መሰረቱ ጉባኤ እዩ:: ምምስራት እዚ ሓድሽ ማሕበር መንእሰያት (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ዋላ´ዃ ብመልክዕ ንዘተ ኢሉ ዝተኣኻኸበ ኣካል ዝተመስረተ እንተኾነ ሕጋውነቱ ግና ካብቲ ምትእኽኻብ ዝተዋህበ እዩ:: ብሓባር ህልው ኩነታት ገምጊምና : ብሓንሳብ ዝሓሸ ዝበልናዮ መኺርና መወዳእትኡ ድማ ብሓንሳብን ብዓብላሊ ድምጽን ማሕበር ይመስረት ኢልና መሪሕነት ባይቶ መሪጽና:: ኩላህና ከም እንዝክሮ ዕድመ መሪሕነት ክንደይ ይኹን ምስተባህለ ካብቶም ዝቐረቡ ብዙሓት ኣማራጺታት ማለት 6 ኣዋርሕ : 9 ኣዋርሕ ከምኡ ´ዉን 12 ኣዋርሕ ዝብሉ´ዮም ኔሮም:: ብዝዓብለለ ድምጺ ድማ´ዩ ርሒብ ናይ ስራሕ ግዜ ሃልይዎም ብዙሕ መታን ክዓሙ 12 ኣዋርሕ ይኹን ኢልና ዝወሰና:: ብድሕሪ´ዚ ካብ´ታ 21 ዝኣባላታ ባይቶ 7 መርሕነት ፈጻሚ ኣካል መሪጾም ናብ ዕዮኣኦም ተዋፊሮም:: ሎሚ ልጓም ዝበተኸ : ምቕያድ ኣብዩ ዝነፍጽ ዘሎ መርሒነት ፈጻሚ ኣካል ምልስ ኢሉ ንዉዕሎ ደብረዘይቲ ክርኢ ስለዘይክኣለ እዩ:: ኣብ ሓደ ማሕበር ኮነ ሃገር ሕጋውነት እንድሕር ተጣሒሱ ኩሉ ምሓዉራት ክለምስ ብግዲ እዩ::

3.) ኣባላትባይቶንተርኦምን

ከምዝፍለጥ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል እዩ:: ኪኖ ጉባኤ ድማ ሕጋውነት ዘለዎ ላዕለዋይ ብዓል መዚ እዩ:: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባይቶ ምስ እንርኢ ዝለመሰ : ስማዊ : ከምኡ ´ዉን ኣስናን ዘይብሉ ኣንበሳ እዩ:: ንርእሰ-ብሄር (መራሒ ናይታ ሃገር ) ዘይቆጻጸር : ሓፊሱባ – ቀጢኑ ዘይብል ኢሰያስ ናብ ዝጠወዮ ዝጥወ ምሃነኑ ዘጥፈአ ኣካል ተበልናዮ ምግናን ኣይኮነን:: በዚ መንጽር እዚ እቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተመስረተ ኣካል (21 ዝኣባላቱ ባይቶ) ካብ ሀ-ፐ ጎዶሎታት ዝመለኦ : ንሓድሕዱ ዘይተሳነየ ቅኒት ዘይብሉ ህርመት´ዩ ኔሩ:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ዘላለየ መሪሕነት ፈጻሚ ድማ´ዩ ኣብ ክንዲ ብልጫታት (ዓቕሚ) ከምዘለዎ ኣመስኪሩ ንኣባላት ባይቶ ዘስታሕፈሮም ንጥርናፈ ናይ ኩላትና ጨዉዩ ከምልጥ ዝፈተነ::

ኣብ እዋኑ ብሰነድ ዝሓዝናዮ መርትዖታት ከምዝምስክርዎ, ባይቶ እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ኔሮም :: 1. ኣኼባ ጸዊዑ ከይተሳነየ ዝኸይድ 2. ናብ ኣኼባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይመጽእን´የ ንዝበለ ፈጻሚ ኣካል ብሕጊ ዘይተሓሓዝ 3. ዉሳኔታት ኣብ ምዉሳድ ዝዱንጊ ወይ ዉን ዝማታእ : ሓሊፉ ተሪፉ ዉሳኔታቱ ብጽሑፍ ኣብ ስዓቱ ወግዓዊ ዘይገብር 4. ዝብል ግን ከኣ ንዝበሎ ዘይገብር 5. ኣቐዲሙ ንዝወሰኖም ዉሳኔታ ዘፍርስ (ንዝነደቖ ባዕሉ ዘፍርስ) ወይ´ዉን (lack of consistency)ዘለዎ እዩ:: እዚኦም ገለ ካብቶ´ም ተርእዮታት ብኸፊል እዮም ::

4.)  ተራንመርገጽንናይዞምወለንታዊተበግሶዝወሰዱዘለዉዝተፋላለዩሰባት:

ከምቲ ኩላህና ዝተዓዘብናዮ ገለ ካብዞም ናይ ዕርቅን ሽምግልናን መስመር ዝሓዙ ሰባት ኣቐዲሞም እንተስ ኣብ ምስንዳእ ዘተ ደብረዘይቲ ወይ´ዉን ኣካል ናይቲ ዝተመርጸ ግዝያዊ መርሒነት ዝነበሩ እዮም:: ከምትዕዝብትና ገለ ልኡም መርገጺ ብምሓዝ ነቲ ብኣባላት ናይ´ዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ዘልዓልዎ መትከላዊ ሕቶታት “ኣይግዚኡን እዩ: ተጋኒኑባ : ከምዚ ዝኣመሰለ ወቀሳ ኣይግባእን እዩ”..….ወዘተ ዝብሉ ዝነበሩ እዮም:: ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ “ምምላስ ነይኣበር እንታይ ድኣ ምጽዳፍ” ዝበልዎ: ክምለሱ ምርኣይና ሕጉሳት ኢና:: ምምላስ ግን ነቲ መሲሉካ ዝነበረ ሓዲግካ 180 ዲግሪ ዝባንካ ሂብንካ ዘበላሸኻዮ ከተዐሪ ምስትፍትን ጥራሕ´ዩ ሰብ ዝቕበሎ:: ንይምሰል ምምላስ ዝኾነ ምስኮነ ምምላስ ኣይግድን! ኣብ´ዚ ምትዕጽጻፍ ከም ብልጫ ዝተወስደሉ ዓለም ነቲ ጻዕዳ ጻዕዳ : ነቲ ጸሊም ድማ ጸሊም ተዘይልካ ተዓጻጺፍካ ምትራፍ´ዉን ከምዘሎ ምግንዘብ የድሊ:: ትማሊ ነቲ ሓቂ እወ : ነቲ ኣይፋል ድማ ኣይፋል ክብሉ ዘይምኽኣሎም ሎሚ ከም ዝተማህሩ ከእምኑና ተዘይክኢሎም ብሓንሳብ ተኣማሚና ክንሰርሕ ከጸግመና ምዃኑ ከነዘኻኽሮም ንደሊ::

 5.) ተራኣባላትኤርትራውያንምንቅስቓስንለውጢ (EMC)

ኣባላት ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ካብ ምምስራት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2013 ኣካልን ኣባላትን ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ እዮም ኔሮም :: ነቲ በብእዋኑ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ማሕበር ኣብ ምእራምን ምንቃፍን ድማ ልዑል ግደ ኔርዎም:: ምትእኽኻቦም ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ካብ ኩለን ኣውራጃታት : ካብ ገለ ብሄራት : ጾታ : ካብ ኩሉ እምነታት ዝኾነ እዮም:: ኣብቲ ናይ ምእራም ተበግሶ ኪኖ ሓሳባቶም ምሃብ : ብጽሑፋቶም ከይተረፈ ንምእራም ዝክኣሎም ፈቲኖም እዮም:: ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ እንከለና ሕጊ ማእከል ዝገበረ : ተሓታትነት ዘለዎ ስራሕ ክህሉ ኣለዎ ምባሎም ጥራህ ዝኸፍልዎ ዋጋ ከቢድ´ዩ ኔሩ:: ኣንጻር ማዕበል ምጅላብ ዋጋ የኽፍል እዩ:: ኩሉሰብ ኣብ ዓመጽ ክሰማማዕ ከሎ ኣይትዓምጽ ዝብሉ ሰባት ዘጋጠሞም ብድሆ ብዙሕ´ዩ:: ሎሚ ኣብቲ ማሕበር (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ተስፋ ምስ ስኣኑ ሓደ ናትና ዝብልዎ ንብዙሓት ዘጽለለ: ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ : ብሕጊ ዝምእዘዝ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ መስሪቶም ኣለዉ:: ስሙ ድማ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ይብሃል::

መደምደምታ:

ኣብ መደምደምታ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሓደ ሓው ጠቒስና ክንዉድእ ኢና:: አዚ ሓው ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሂቡ:- “ኣኼባ ደብረዘይቲ ብሃታሃታ ዝተመስረተ: ንኽዉንነት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ : መሰረት ዘይነበሮ ጥርናፈ ስለዝኾነ´ዩ ፈሪሱ” ኢሉ:: እዚ ኣባህላ´ዚ ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ንሰማምዓሉ እዩ:: ኣብ ሑጻ እተሰረተት ቤት ዝናብ: ህቦብላ: ወሓይዝ ክመጹ እንከለዉ ከም እትፈርስ : ከውሒ ዝመሰረታ ቤት ግን ጽንዕትን ዘይትፈርስን ምዃና መጽሓፍ ይምህረና:: ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ:: ክንምሃረሉ ተዘይኪኢልና ግና ዳግማይ ሓደጋ´ዩ ከጋጥመና:: ኣብ ኤርትራ ሕጊ የለን:: ዓመጽ ሰፊኑ: ህዝብና ተባሳቢሱ ዘይ ናይ ኢዱ ረኺቡ ንብል እንተለና መተካእታ ሓሳባት ከነምጽእ ድማ ይግባእ:: ኢሰያስ ቀይዲ በተኽ ተኾይኑ : ፈጻሚ ኣካል ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ በየናይ መስፈር´ዩ ንኢሰያስ ክነቅፍ ዝኽእል? በይናዊ ስጉምቲ ወሲዱ ጉባኤ ዝእውጅ : ንዕዑ ንዝመስልዎ ሰባት ጥራሕ ዝሓቁፍ : ሉጋም በቲኽካ ኣለኻ ተመለስ ንዝበልዎ ከሳጉግ ዝዉዕል እንታይ ዓይነት ኤርትራ´ዩ ዝሓልም ዘሎ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም::

ንሎሚ ነዞም ሕቶታት እዚኦም ንኣንበብቲ ገዲፍና በዚ ክንሰናበት:: ኣብ ዝመጽእ ክፋላት ብዛዕባ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽን : ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ብዙሓት ማሕበራትን ብዝርዝር ከነቕርብ ኢና::

ሰናይ ቅነ ንዂልዂም

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC)

03/11/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • Zereba Seb November 8, 2013

    The people that posted this press release should tell us who they are. I am sure coming out in the open is the last thing they want to do because these are the same people who have been creating all kinds of havoc in the Eritrean opposition including in Bayto. They tried to infiltrate the leadership of EYSNS and after giving up hope they are trying to destroy movement. I think EYSNS should start to expose these people by naming them and provide details of all their tricks. To clear the confusion I think EYSNS should expose these people and the wrong information they are feeding to Ethiopian officials to weaken the movement.

  • negoda kab sudan November 8, 2013

    መጀመርያ ንወለድን ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓትኩም ይሃብኩም ንብል :

    እዚ ኣብዚ ቅንያት እዚ ንርእዮ ዘሎና ሸንኮለልን ካብ ዘይምርዳእን : ገሊኦም ድማ ብፍላጥ ነዚ መንእሰይ ዘሀውትትዎ ዘለዉ ዘለዉን እቶም ዝሓለፉ ኣቦታትና ዝገበርዎ ጌግጋ ክንምሃረሉ ይግባእ : እዚ ማለተይ ንኢሰያስ እዚ ሕጂ ዝገብረና ዘሎ ክገብር ዝገበሮ ነንዝተቓወመ ዝተፈላለየ ኣስማት እንዳጠመቕካ ምጽላምን ምቕንጻልን ስለዝነበረ እዩ : ከምድላዩ ንኸዉን ገይርዎ : ሕጂ ዉን ከምኡ ንርኢ ኣሎና ስእሊ እንዳ ገበረርካ ተስፉ ኣጽብሃ ከም ሓደ ጂግና ክትትክሱዎ ትደልዩ ዓገብ : ስበ ብግብሩን ብስርሑን ንንኣዱ : ወዲዓድና ወይ ወዲ ወረዳና ስለዝኾነ ግን ኣይግድን : ኢሰያስ ዉን እኮ ክንደይ ተባሂሉ እዩ : ብጥይት ሽሙ ዝጽሕፍ ተባሂልና ኢና እኮ : ናይዚ ኹሉ ንምርዳእ ኢንተርቪው ናይ ወዲ ተመዎ ምዉካስ ይክኣል እዩ:-
    ንሕና ኣባላት ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ኢና ኣብ ደብረዘይቲ ተሳቲፍና ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ማሕበር ንነጥፍ ኣሎና : እቲ ሕቶ ኣብ መርሒነት ባይቶን ፈጻሚትን ዘሎ ጌጋታት ይተኣረም ማለት ነቲ ማሕበር ምንቃፍ ወይ ምዕንቃፍ ዘይምኻኑ ክበርህ ዘለዎ ይመስለና : እቲ ጸገም ካብ ኣመሰራርትኡ እዩ:
    1) ዘይትፋለጥ ሃንደበት ተራኺብካ ማሕበር መስሪትካ ክትወጽእ ብጣዕሚ ዓቢ ጌጋ እዩ ተገይሩ:
    2) መምዘኒ ብቕዓት ናይቶም ዝተመርጹ መርሒነት መዐቀኒ ኣይነበሮን ትምህርትን ሰለማዊ ሰልፊ ዝኸደን ምንባሩ:
    3) እቲ ኮንፈረንስ ብደቂ ሓደ ኣውራጃ ምዕብላሉ ጥራይ ከይኣክል : እቶም ደቂ ሓደ ከባቢ ዝፋለጡን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ሓደ ዘራኽቦም ኔትዎርክ ምጽንሑን ንዝደለይዎ ከተግብሩ ኣይተጸገሙን:
    4) ኢዋይጂኤም ዝብሃል ማሕበር ብወዲጽብሃ ዝምራሕ ዝነበረ : ማሕበረይ ኣፍሪሰ ናብ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ተጸንቢረ ኣለኹ ይበል ድኣምበር ብግብሪ ግን ይቕጽል ምሃላዉ ነቲ ማሕበር ኣሸጊርዎ ይርከብ : ጽልዉኡ ድማ ወደጽብሃን ዮኤልን ዘለዎም ምሕዝነት ንቢንያም ደበሳይ ከመይ ጸልይዎ ሪኢናዮ ኢና
    5) ናይ ወደጽብሃ ካብ ሕ.መ.ኣ ስምኦን ካብ ካናዳ ተወፊና ወሪድና ኣሎና ኣባሃህልኦም ንኽትኣምኖ ዘሸግር : ሃንደበት ንኹሉ ሰብ ዘሰንበደን ስዉር ኣጀንዳን ዋሳኔን ምንባሩ :
    6) ናይ ስምኦን ሲ ድሓን ንቢዝነሱ ኢሉ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ስለዝኸደ ኢትዮጵያ ዉን ንንግዳዊ ስርሑ ኢሉ መሪጽዋ ክኸዉን ይኽእል እምበር ክሰርሕ ኣይመስለናን:
    7) ናይ ወደጽብሃ ትምህርቱን ናብራ ኣሜሪካ ዝኣክል ገዲፍካ ተወፍየ ምባል ቅዱስ እካ እንተኾነ ሓደ ኣጀንዳ ናይ ብዓል ልኡል ጋይም ምንባሩ ሕጂ ይበርህ ኣሎ እሞ ኣብ ምልክት ሕቶ ከነእትዎ ተገዲድና ኣሎና :
    8) ኣብ እዋን ምርጫ ወደጽብሃ ኣባል ዴሞክራስያዊ ሃገራዊ ባይቶ ክንሱ ናብ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ንኽኣቱ ንነብሱ ባዕሉ ተኻቲዑን ሞጉቱን እዩ ነዚ ሓላፍነት ረኺብዎ : ብኣቶ ምሓሪ ኣብርሃ ዝቐረበ ስክፍታ ተነጽገ:
    9) እቲ ዝኸፈአ ድማ ወደጽብሃን ስምኦንን ብዘይምርጫ ኣብ ባይቶ ምእታዎምን ኣባላት እታ 7 ዝኣባላታ ፈጻሚ ብምኻኖምን እዩ : ዘይዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ድማ ገይርዎ : ተወፍየ ኣለኹ ኢልካ ዝትረኽበ ሓላፍነት ድማ ፋሕፋሕ ኣእትዪሉ ይርከብ :
    10) ናይዚ ኹሉ ሽግር ሕጊ እዩ : እዚ ማሕበር እዚ ከስርሖ ዝኽእል ቅዋምን : ሕጊ ህንጻን ስለዘይብሉ : መቕጽዕን መፍረድን ኮታ መምርሒ ስራሕ ዘይብሉ ፋሉል ትካል እዩ:
    11) እቲ ዘገርመኩም እቶም ኣባላት ባይቶን ፈጻሚትን ብቕዓት ዘይብሎም ብደግፎደግፎ ዝኸዱን ብሓገዝ ናይ ብዓል ልኡል ጋይም : ሃንጆማ : በረኸት ገዛኢ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝኸይድ ዘሎ ናይ ደቂ ሓደ ከባቢ ጥሩፍነት ምኻኑ ኣይትረስዑ
    12) እዚ ማሕበር እዚ ማሕበር ዘይኮነ ክኸዉን ዝነበሮ ብሓይሊ ዕማም ደረጃ ክወጽእ እሞ ድሕሪ ዓመት ቅዋሙ ነዲፉ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝሓቁፍ ማሕበር ንኽኸዉን ዝተሓስበ ሓሳብ ብበዓል ኣማናኤል እያሱን : ሳሚኤል ዓካዓካ : መርየም ዑመር : መሓሪ ኣብራሃን : ካልድ ዓብዱን …ወዘተ ኩሎም ሰብ ርእሲ ዘምጽእዎ ሓሳብ ተነጺጉ ብሆሆ ማሕበር ኮይኑ እሞ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይጥርንፍ ብሓደ ከባቢ ዝተዓብለል ምኻኑ ሕጂ ኣብ ሽግር ኣትዩ መንእሰይ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ደረጃ በጺሑ እንዳሃለዎ ንምእራሙን ምዕራዩን ዝግበሩ ጻዕርታት ኩሎሞ : ነቶም ኣረምቲ 03 ህግደፍ : ጉጅለ ሕሹኽሹኽ እንዳበልካ ምኻድ ኣበይ ኡ ክብጻሕ እታ ሃገር ናይ ኩልና እያ : ናይቶም ሕጂ ዝበዝሑ ጥራይ ኣይኮነትን እሞ ሕሰብሉ:
    13) ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለኢ ናይ ደብረዘይቲ ከምዝሕብሮ ድማ እዚ ማሕበር እዚ ንዝሰመረን ዘይሰመረን ዝሓቑፍ ድኣ እምበር ናይ ዝሰመረ ጥራይ ዝጽዉዕ ጉባኤ ምባል ነቲ መግለጺ ተመሊስኩም ምርኣይ ከድሊ እዩ : እቲ ኣሰራርሓ ናይ ወደጽብሃ ፋሉልነት ግን ኣብ ዓዲእንግሊዝ ዝበሎ ንምጥቃስ ( ጉባኤ ዝኣቱ ኣባል ስምረት ጥራይ እዩ ) ምባሉ ንኹሉ ሰብ ኣቖጢዑን : ካበይ ከምዘምጽኦን ድማ ዘገርም እዩ :
    14) ጉዕዞ ንስራኤልን ንኤውሮጳን ናይ ወደጽብሃ ዝምልከት : ንስራኤል ብመንገዲ ኣቦ ወንበር ባይቶ ዝተማእከለን ዝተሓበረን ምኻኑ : ናይ ኤውሮጳ ግን ኣባላት ባይቶ ከምዘይፈልጥዎን : ዘይምእኩልን ብኢደዋኒኑ ዝገበሮን ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ
    15) ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኣሕዋትና ናይ ዝተፈላለየ ብሄራትን ኣዋራጃታትን ዝዉለዱ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ብበይናዊ ዉሳኔ ወደጽብሃ መንበር ኣባልነት ተኸሊኦም ተነጺጎም ተገሊሎም ይርከቡ : ናቶም መግለጺ ኣብ ኣሰና ወጺኡ ነይሩ ተወከሱ
    16) ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉዳይ ዝተገብረ ትሪክ ወይ ምትሕኑኻል ብበዓል በረኸትን ካልኦት ተገላበጥቲ ዉሳኔታት ጽባሕ ታሪኽ ስለዝኾነ ተሰኒዱ ኣሎ ባዕሎም እቶም ኣባላት ይዝርዝርዎ ይኾኑ
    17) ሽግር ናይ ኤውሮጳ ብዓንተብኡ ቢንያም ኣብ መርሒነት ክሰርሕ ዘይተደልየሉ ምኽንያት ናቱ ትንታኔ ኣለና ሕጂ ንሱ ይጽንሓልና : ናብ መፍትሒኡ እንተኸድና ግን ንዝውሰዱ ዝነበሩ ዉሳኔታት ሓደ ብሓደ እቲ ደብዳቤታት ኣብ ቀጻሊ ከነዉጽኦ ክፍትን ኢና : ብወደጽብሃ ዝተወስደ ዉሳኔ ግን ስራሕ ኢሰያስ ኣፍወርቂ እዩ ኔሩ : ኣብዚ ናይ ዶር.በረኸት ዉን ልኡም ዉሳኔ ነቲ ነገር መዕለቢ ንኸይርከቦ ሓጊዙ እዩ : ዓቢ ጌጋ ድማ ተገይሩ ::
    18) ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ግትርነት ናይ ወደጽብሃን መን ከማይ ብሃሊ ናይ ምርድዳእ ባህሪ ዘይምህላው : ብዓቢኡ ኽኣ ዓቕምን ክእለትን ዘይምህላው በቲ ሓደ ወገን ናይ ኣቦ ወንበር ባይቶ ልቢ ምዕባይ እናበልካ ክከይድ ዝጸንሐ ጌጋ ነቲ ጋግ ክዓቢ ዓቢ ተራ ኔርዎ እዩ :
    19) ካብቶም ኣብ ደብረዘይቲ ዝወዓልና ነዚ ጉዳይ እዚ ምስ ተኸስተ ንምዕራዩን ንምፍዋሱን ዝተገብረ ጻዕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ምኻኑ ክርድኣኩም ይግባእ : ንኹሉ ግን እታ ዘይተሰማምዕ ነገር ቅድሚ ሓሳብካ ምስምዖም መን ኢኻ እዩ ዘገድሶን ኔሩ
    20) 7 ዝኣባላታ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ብባይቶ ዝተመርጸት ብወደ ኣጽብሃ ተነጺጋ ከምዘላ ትፈልጡ ዶ : ሕጂ ብንሱ ዝደልዮም ኣባላት ኮሓሒሉ ከምዝወደባን ንሳ ንኢትዮጵያ ንምኻድ ብመምርሒ ወዲኣጽብሃ ትእለን ትእዘዝን ከምዘላ ምግንዛብ የድልየኩም
    21) ናይ እስራኤል ሓንቲ መንበር ኣባልነት ባይቶ ብኢደዋኒኑ ንኢሰያስ ተኽለብርሃን ዝብሃል ከምዝሃቦ እዚ ዘይሕጋውን ምልካዉን ኣሰራርሓ ምኻኑ ድማ ክፍለጥ ይግባእ
    22) ንቢንያምን ዮኤልን 3 ዝኣባላታ ክትሽምግል ዝተመዘዘት ተነጺጋ መዕለቢ ከይተረኽቦ ክሳብ ንስምረትና ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ዘይምርሳዕ
    23) ካልእ መተካእታ ናይ ካልድ ቢንያም ዮኤል ዝኾኑ ብሕርያ ናይ ብሄርን ኣውራጃን ተጎልቢቡ ዝተገብረ ምርጫ ከምዝነበረን እዚ ነቶም ብጉባኤ ዝተመርጹ ሕጋውያን ኣባላት ምስተኣልዩ ዓዶም ምርኩስ ጌርካ ዝተሃንደሰ ነበረ::
    24) ካልድ ዓብዱ ብጸገም ፋሚሊ ተባሂሉ ምስተኣልየ ንቢንያም ደበሳይ ድማ ተጋዳላይ ኣይናኣምንን ኢና : ጴንጠ ኩናት ኣይኣምንን እዩ :ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ተባሂሉ ከምዝእለ ምስተገብረ ዮኤል መባእስቱ እዩ ተበሂሉ ከምዝክድስክል ተገብረ : ተመሊሶም
    – ዓሊ በኺት ኣቦ-መንበር ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ገዛ ይነብር ምስ ዮኤል
    – ዮኤል ምክትል ኣቦ-ወንበር ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ገዛ ይነብር ምስ ዓሊ በኺት
    – ያሬድ ( ማሳዊኖ ) ካብ ስዊዝ
    ከምዝተክእዎም ይፍለጥ እዚ ኣይጸንሑን ድሕሪ ሰሙን ነዚ ዘፍርስ ሓሳብ ኣምጺኦም ንወሰን ሰገድ ምክትል ኣቦ-ወንበር ካብ ኖርወይ ተኪኦም ንዮኣኤል ከምዝእለ ተገብረ : ናይዚ ኩሉ ሰነዳት ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና : ወሰን ሰገድ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ናይ ሕጊ ምሁር እዩ ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ድማ እዩ ዝዉለድ ተባሂሉ : 03 ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጎስጋስ ጌራትሉ ምንባራ ንዝክር : ኣብዚ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ ብኤፍሬም ምሓሪ ኣድሚን ስመርር ሩም ናብ ፈጻሚት ( ወደጽብሃ ) ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ንወሰን ሰገድ ንምምራጽ ወይ ናይ ኤውሮጳ ኣማሓዳሪ ንምግባር ኣብ ቀጻሊ ክንዝርግሖ ኢና :: እዚ ዘይሕጋዊ እዩ ስራሕ ኢሰያስ (ህግደፍ) ድማ ኣዘኻኺሩና ዝደለኻዮ ትመርጽ ዘይደለኻዮ ተዉርድ :: እቶም ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ጉባኤ ዝመረጾም ሕጹያት 10 እዮም ኔሮም ናይ ኤውሮጳ ክተኻኽኡ ዉን ምተኻእለ ኔሩ እዚ ማለት እቶም 4ይ 5ይ 6ይ ዝነበሩ ክሳብ ጉባኤ ክሰርሑ ዝብል እዚ ዉን ተነጺጉ

    ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኹሉ ሕንፍሽፍሽ ሃንዳሲኡ ኣብ መጀመርታ እካ ቅኑዕ እንተመሰለ ድሒርና ከምዝተዓዘብናዮ ግን ዝተፈኦ ተምላስ ዝልሕስ ዘሎ ጴጥሮስ ክፍለ ካብ ኣየርላን ንኹልና ከም ንእከብ ገይሩ : ዮኤል ከምዚ ገይሩ ወደጽብሃ ከምዚ ፈጢሩ ኢሉ ደብዳቤ ባዕሉ ጽሒፉ ሽምና ኣብኡ ከምዝኣቱ ገይሩ ከብቅዕ ሕጂ : ከም ስራሕ ስብሓት ኤፍሬም ተገልቢጡ ናይ ክድዓት ኮሮሻ ተሰቒልዋ ይርከብ :: እቲ ተበግሶ ክወሰዶ ዘገደደኒ ዝብሎ ድማ ኣነ ወዲ ዓዱ ንዮኤል እየ ዓድና ብሓደ እዩ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝፈልጦ ረኮርድ ኣሎኒ : ኣነ ክዛረብን ክቃወምን እዩ ዘመልክዓለይ ብምባል ንሱን ካልኦት ደቂ ዓድና እዮም ዝበሎም ብምትእኽኻብ ለይትን ምዓልትን ጎስጊሱ :: ሕጂ ነቲ ንሱ ዘበገሶ ናይ ምእራም ስራሕ ተመሊሱ ኣንጻሩ የዕገርግር ምርኣይና ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ጉዳይ ጂ-15 ኣዘኻኺሩና : ኣብ ቀጻሊ ዝተረፈ ክትምሃርሉ ዘለኩም ዝበልናዮ ሰነዳትን ሓቅታትን ከነካፍለኩም ኢና :

    ቅድሚ ጉባኤ ሓድነትና ነትርር : ንከባበር : ስምረት ብተግባር ንስርሓሉ : ካብ ጸቢብብ ኣውራጃዊ ሕማም ንውጻእ : ንሕና ኣንጻር እዚ ማሕበር ኣይኮናን ንጽሕፍ ዘሎና ንዘይዕሩይ ኣካይዳ ንምእራም ግን ኣይከነቃርጽን ኢና ::

    ጉባኤ ዝግበር ኣይመስለናን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት
    ዝግበር እንተኾይኑ ግን ዕዉት ጉባኤ ክኾነልኩም ንምነየልኩም
    ካብ ተኻፈልቲ ኮንፈረንስ ደብረዘይቲ ኣባላት ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ

  • mandela November 9, 2013

    ወልዱ ተኽለ ወዳጀ ጽሓፋይ : ንጌጋታት ክእረም ኣለዎ ንዝበሉ ህግደፍ ዶ ገለ ዶ እንዳበልኻ ሽም ኣይተጠምቕ ቅዲ ህግደፍ ሒዝካ ዘለኻ ንስኻ ኢኻ : ምኽንያቱ ንG-15 ልክዕ ከምዛ ትገብራ ዘለኻ እዮም ዝገብርዎም ኔሮም ብዓል ዓሊ ዓብዱ : ንነገራት ጽን ኢልካ ተኸታተል : እዞም ትጻረፉ ዘለኹም ኩሉኹም ማልያኹም ሓንቲ እያ ኦርኒክኩም ኣርእዩ እንተትብሃሉ ሓደ ብሓደ ካብ ሓንቲ ከባቢ ዝመጻእኩም ኢኹ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ: ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ ትብሉ ተኾይንኩም ኣበይ ኣለዉ እቶም ካልኦት :ስለዚ ሕስብ ኣብሉ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ እኮ ኤርትራ ኣይኮነትን ከም ኩለን ማሕበራት ማሕበር እያ : ብወያነ ትዝወር : ብደቂ ሓደ ከባቢ ትምራሕ : ቅዋም ዘብላ : ሕጊ ዘይብላ : ብሃውሪን ብስምዒትን ትጉዓዝ ዘላ ኢና ንብል ዘለና : ስለዚ እቶም ካልእ ኣህዛብ ክስዕብኩም : ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና ኢልኩም ንነብስኹም ፈትሹ : ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ዝደለዮ ማሕበር ክምስርት ዝኽልክሎ የብሉን መን ኢኻ ንስኻ መሰል ትኸልኦን ትህቦን : ተጠርነፉ ኣንዳበልኩም ዶ ትግዕሩ የለኹምን ኢኹም : ቅዋምን መምርሒ ስራሕን ዘይብሉ ማሕበር : ብሓደ ዉልቀሰብ ወይ ከባቢ ዝዝወር ማሕበር ኣይንደልን ንዓና ዝጥርንፈና ማሕበር ምግባር እንታይ እዩ ኣዕቢድኩም : ጸርፊ ድማ ነውሪ ሓሳብ ብሓሳብ ግጠም : ዶር በረኸት ድማ ናይ ሰባይ ሰብኡት እዩ ልቢ ኣዕብዩ ብዓቕሊ ምርኣዩ ከም ገበን ተቖጺሩ : ሕጂ ወስ ምስ ኣበለልኩም ዉሕ ዉሕ ትብሉ ኣለኹም : ክንዲ ርብዑ ዘይትመጹ ኣይ ብትምህርቲ ኣይ ብተመኩሮ ኣይ ብገድሊ ከተነኣእስዎ ኣይነፍቅድን ኢና : ከምቲ ቲፎዞ ዘለኹሞ ኣለና ኣብ ጎድኑ ድማ ኣሕዋቱን ስዓብቱን ሰብ ዓቕሊ ትም ኢሉ ዝርኢ ብዙሕ ምኻኑ ኣይትዘንግዑ : ዝሃደመ ከይመስለኩም ድማ ጌና ክቃለሰኩም እዩ : ክምለስ እዩ ንቦትኡ : ኣብ ክንዲ ነገር ተዝሕሉ ኢሂን ምሂን ትብሉ በትሪ ከተወጣውጡ ኣይነፍቅድን ኢና : ኣደብ ግበሩ : ሰብ ኣለዋ እዛ ሃገር በይንኹም ከይመስለኩ ኤርትራውያን : ልቢ ምዕባይ ናይቶም ጨለታት ኣቦታትና ዝወረስናዮ ቅርሲ እዩ ::ስለዚ ክንዲ ዕጽፊኻ ክምለሰልካ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ : ጌና ካልእ ክወጽእ እዩ ኣደብ እንተዘይጌርኩም

    • Rim November 9, 2013

      ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ
      ኣብ ኣዘራርባኹም ህልው ኩነታት ሃገር ረሲዕኩም ድሕሪ ምልጋስ ስርዓት ሀግደፍ ትዛረቡ ዘለኹም ይመስል። እዚ ድማ ሃምኹምን ኩሉ ዓቕምኹምን ኣብ ስልጣን ጥራይ ዘተኮረ ከምዝኾነ ኣየጠራጥርን።
      ቀጺልኩም ኣተንብህ ከም ዘበልኩሞ ድማ ድርብ ዋጋ ክትከፍሉ ድልዋት ምዃንኩም ኢዩ። ንመንን ምስ መንን ኢኹም ድርብ ዋጋ ክትከፍሉ። ካብቲ ዘለኹሞ ሕጓ ናይ ኤውሮፓ ፈልከት ክትብሉ ዘይከኣልኩም ጥራይ ዘይኮነ ቃልሲ ንዓኹም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ቱሪስት ካብ ናይ 10 መዓልቲ ዘይሓልፍ በጺሕካ ምምላስ ኢዩ።
      ብዛዕባ ድኻም ዘይኣሳታፊ ኣሰራርሓ ደንበ ተቓውሞ ድማ ተዛሪብኩም። ብኹርምትኻ ኢዩ ዘስሕቕ ምኽንያቱ ገለ ካባኹም ናይ በይንኹም ናይ ባልቶክ ገዛ ከፊትኩም ንሰባት ክተጸልዉ ፈቲንኩም ምዃን ምስ ኣበየኩም ባዕልኹም ዶ ኣይኮንኩምን ኣቋሪጽኩም ዝጠፋእኩም። ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ ኮይኑ ነገሩ ሕጂ ንስኹም ብዛዕባ ተጻዋርነት ክትዛረቡ። መልሱሉ ድኣ ኣየጸብቐልኩምን ኢዩ። ተጻዋርነት ድኣ ኣብ ትቃለሰሉ ዘሎኻ ኮንካ ናይ ካልኦት ሓሳብ ምኽባርን ንዘይትሰማማዓሉ ድማ ኣሰኒድካ ነቲ ንስኻ ትኣምነሉን ንዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ይኾኖ ኢዩ እትብሎን ሓሳብ ኣብ ዝበዝሑ መቓልስቲ ብጾትካ ብምስራጽ ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ኣኼባ ባይታ ስዒርካ ክትወጽእ ምፍታን ዶ ኸ ኣይኮነን።
      ወይ ጉድ ኢዩ ዘብል ነገሩ። ቁስሊ ኣብ ምጉድኡ ኢዩ ዝፍወስ ኢልኩም እወ ድማ ንብለኩም። እዚ ንስኹም ትገብርዎ ዘለኹም ግን ዘይቆሰለ ኣካል ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ኢኹም ትብሕጅሩን ዘየሕዊ መርዛም ሕንዝኹም ትነዝሑ ዘለኹምን። ወዮ ድኣ ኣምላኽ ትዕግስትን ግርህነትን ናይ’ቶም ተሳተፍቲ ግዲ ርእዩ ሓጊዝዎም ተሳዒርኩም እምበር ኣተኻኽላ እዝንኹም’ሲ ሓደገኛ ኢዩ ኔሩ። ንሱ ድማ ዓው ኢልኩም ከይሓፈርኩም ኣፍኩም ከፊትኩም ማሕበር ኣይመስረትናን ክትብሉ’ውን ፈቲንኩም ኢኹም። እዚ ዘግበረኩም ድማ ፍሉጥን ካብ ማንም ዘይሕባእ ናይ ኣደባባይ ምስጢርን ኢዩ። ንሱ ድማ ሀ) እቶም ኣብ መወዳእታ ስረ ፈቲሖም ዘግድዕኹም ወይጦታት ዝሃብኩሞም ነቲ ሃርጓፍ ናይ ስልጣን ድልየትኩም ዘርዊ ስራሕ ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎምን እቶም ደቂ ማርያም ኪልዓው ኣብ ባይታ ላዕልን ታሕትን ብምባል ስለዝስዓርዎም ዝገብርዎ ጠፊእዎም ዕግንግን ምስ በሉ ዓቕሊ ጽበት እንታይ ንግበር ምስ በሉኹም ኣማራጺ የሎን ንህደም ስለዝበልኩሞምን። ለ) ከም ኣበሃህላኹም ብሃታ ሃታ ዝመስረትኩሞ ማሕበር እንታይ ከምዘድልዮ ኣይጠፍኣኩምን የግዳስ እቲ ገርሀኛታት ዘይፈለጥዎ ዕላማኹም ምፍራስ ስለ ዝነበረ ሱቕ ኢልኩም ሪእኹሞ። ሓሳብኩም ኣይሰመረን ቅዱስ ሚካኤል’ውን ኣይገደፈናን ውሃ ዘበለ ስራሕ እኳ ንስኹም ከለኹም ኣበይ ከይስራሕ ብዘይቀልዓለም ግን ብዝኾነ ይኹን ኣብ ደንበ ተቛውሞ ብዘሎ ኣካል ዘይትዓመ ስራሕ ተዓሚሙ። ንምግናን ዘይኮነ ካብ መጽሄቱ ድዩ ዋላ ራድዮኡ፡ ካብ ኣብ ምዓስከራት ኬድካ ስቓይ ናይ ህዝብኻ ብኣካል ምክፋል ድዩ ዋላ ንኣእምሮ ኣባላት ዘስፍሕን ንእትቃለሰሉ ዕላማ ኣጸቢቕካ ትፈልጠሉን ኣስተምህሮ ምክያድን። ሐ) ኣሳታፊ ክኸውንን ከይከውንን ኣበይ ምስ ርኣኽሞ ኢኹም ክንድዚ ዝግዓርኩም። እስኪ በሉ ተሓቢእካ ዘይኮነ ኣሳታፊ እትብልዎ ማሕበርኩም ከተርእዩናዶ ትኽእሉ። እዞም ስልጣን መቂርኩም ሻንጣኹም ተኾልኲልኩም ምምልላስ ተሪፍኩም ተዕገርግሩ ዘለኹም እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክንርእየኩምን ክንሰምዓኩምን ዝቐነና ብናይ ሓንቲ ኢድ ኣጻብዕ እትቑጸሩ ጉጅለ ኮረይቲዶ ኣይኮንኩምን። ሓደ እዞም ብግርህነት ዝሰርሑ ዘለዉ ብጾትኩም ዝተጋገይዎ ነገር ግን ኣሎ። ንሳ ድማ እቲ ደጋጊምኩምን ኣምሪርኩምን እትሓትዎ ዝነበርኩም ሕቶታት ኣብ ስራሕ ግዲ ኣድሂቦም ኮይኖም ኣይተረድኡልኩምን እምበር ጠለብኩም ቀሊልን ውሑድን ንኽትምልሶ ድማ ዘየሸግርን ኢዩ ኔሩ። እንታይ እሞ ተንኮለኛታት ኣይኮኑን። ሕቶታትኩም ጉባኤ መዓስ ይግበር? ብኸመይ ይግበር? ኣበይ ይግበር? ኣሰናዳኢት ብኸመይ ትምረጽ? መን ይምረጽ? ተሓታትነታ ንመን ይኸውን? ተሳታፍነት ኣብ ጉባኤ ብኸመይ? ዝብሉ ኢዮም ኔሮም። እዞም ሕቶታት እዚኦም መልሲ ክሳብ ዝረኽቡን ናብ ጥቕምኹም ክሳብ እትቕይርዎምን በቶም ዘሰለፍኩሞም ተጻወትኹም ምፍታን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዘለኩም ተመኩሮ ናይ ዝሓለፉ ጉባኤታት ዝደለኹሞ ክትገብሩ ከምእትኽእሉ ርግጸኛታት ኢኹም ዝነበርኩም። ናይ’ዚ መርኣያ ድማ ደረት ዝሓለፎ ድላይኩም ናይ ምግባር ርእሰ-ተኣማንነትኩም ኣታሊልኩም ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ ኣሕዋትኩም ስለዘሕደርኩም ካብ መድረኽ-ዘተ ደብረ-ዘይት ምስ ከድኩም እንታይ ይግበር ኣሎ ይትረፍስ ናይ ኣባልነት ፎርም ክትመልኡ’ውን ኣይሓሰብኩምን ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣፍኩም ጠሪጡልኩም ዝተመበጻዕኩሞ $100’ውን ክትከፍልዎ ዘይኮነስ ኣይዘከርኩሞን ከማን። እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ ትዕቢትኩም ሰርኒቕኩም ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከብ ጨናፍር’ውን ኣበርክቶ ኣይነበረኩምን። ናይ’ዚ ኩሉ እኩብ ድምር ድማ እቲ ኩሉ ሕቶታትኩም ንስኹም ዘይትደልይዎ መልሲ ኣስዒብልኩም። ንሱ ድማ ጉባኤ መዓስ ይግበር ንዝብል ሕቶኹም ድሕሪ ሰብኩም ፈሊጥኩም። ብኸመይን ኣበይን ይግበር ንዝብል ኣሰናዳኢት ክትነግረኩም ኢያ ተባሂልኩም። እቲ ብሃንቀውታ ዝተጸበኹሞን ዝለመድኩሞን ሓላፍነት ኣሰናዳኢት ብኻልኦት ተወሲዱ። ዓቕልኹም ኣጽቢብኩም ከምኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ዓቕለ-ጽበታዊ ምላሽ ድማ ክትፋትሑን መጋየሺ ዝኾነኩም ማሕበር ክትምስርቱን ወሲንኩም። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ክልቴኹም ተጋጊኹም። ሕቶኹም ሕቶ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ስለዝኾነ ኣነ ኣብ ቦታ ናይ’ዞም ገርሀኛታት ተቓለስቲ ኔረ እንተዝኸውን ንስለ ነዊሕ ጕዕዞናን ንስለ ፍታሕ ኤርትራዊ ሽግርናን ክብል ወልፍኹም ዝሰድድ ሓላፍነት ምስንዳው ምሃብኩኹም እሞ ንሶም’ውን መዕረፉ። ምኽንያቱ ተመኩሮ ናይ ኮዘንዘን ስለዘለኩም ኣብ ምድላው ኣይመሓመቕኩምን ንስኹም’ውን ቆለኹም ዓሪፍልኩም ሰላም ምረኸብና ኩልና። እምበር ኣብ’ዚ ኮሪኹም መስሪትኩሞ ዘለኹም ማሕበር ብዓል መን ኢኹም ኢሉ ሰብ እንተ ዝሓተኒ ኣቦይ ኢለ ከይተጋገኹ ሓሙሽተኹም ተር መበልኩኹም ኩሉኹም ድማ ኢኹም።
      ብዛዕባ መሪሕነት ድማ ተዛሪብኩም ጨለ ዝኾነ ኣገላልጻ ድማ ተጠቂምኩም። ኩለንተናዊ ብቕዓት፡ ኣርሒቑ ጠማቲ፡ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘናዲ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘናዲ፡ ካብ ጌጋኡ ዝመሃር ሃገራዊን ተስፋ ዘስንቕን ድማ ኢልኩም። ኣንቱም ሰባት! ካብዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ለባማት ሓሳባት ንየንአን ትመስሉ፧ ዝያዳ ንምብራህ እዘን ወርቃውያን ሓሳባት ንዓኹምዶ ነቶም ተጸልምዎም ዘለኹም ተብዓት ተቓለስቲ ይመስላ፧ እቲ መልሲ ፍሉጥ ኢዩ ኩርምትኹም ሑጻ ከም ዝቑርጥም ዘሎ ሓጨጭ ከምዝብለኩም’ውን ይርድኣኒ ኢዩ። እቲ ከተገርህዎ እሞ ከተጋግይዎ ዝሓሰብኩም ሓፋሽ ንኽፈልጠኩም ግን ከብርሃልኩም ንሱ ድማ፤ ኣርሒቕኩም እንተትጥምቱ ውራይ ውራይ ኣድሕን ሃገር ምዃኑ ፈሊጥኩም ውራይ ስልጣን ይጽንሓልና ኢልኩም ህግደፍ ኣብ ምውዳቕ ምነጠፍኩም እሞ ሰብ’ውን ባዕሉ ዝግበኣኩም ባዕሉ ምወፈየልኩም። እንታይ እሞ ብዓል ንዓይ ንበይነይ እንዶ ኮንኩም። ኣዛብእ። ቅልጡፍ ፍታሕ መን ኢዩ ዝደሊ፧ እቲ ኣብ ዓዲ ሃገር ኮይኑ ኣብ ንጹፍ ዓራቱ ዝሑል ቢርኡ እንዳጨለጠ ከም’ዚ ግበሩ ከም’ዚ ኣይትግበሩ ዝብል ድዩ ወይስ ካብ ማሙቕ ዓራቱ ዝፈትዎም ቤተ-ሰቡን ጉዳይ ሃገር ኣቐዲሙ ቅድመ ግንባር ምስ ዝተሸገሩ ደቂ ሃገሩ ኮይኑ ሽግር ሃገሩ ክፈትሕ ዝቃለስ፧ ካብ ጌጋኦም ክምሃሩን ከይመሃሩን ኣብ’ቲ ናይ ምዕዶ መድረኽ ከይበጽሑ ዶ ኣይኮንኩምን እቶም ከም እምኒ ዘይተንቀሳቐስኩም ክተቆጽይዎም ህርድግ ትብሉ ዘለኹም ወዳጀ መማህራን። ወዮ ድኣ ተጋግጊኹም እንበር ኣሽንባይ ንዝወደቐ ከተተንስኡ ክቃለስ ኢየ ኢሉ ነድሩ ንዘይወድአ ጉጅለ ሰባኡት ዶ’ይኮንኩምን ብሕልኮ ከተውድቑ ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘለኹም። ኣካይዳኹም እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ተልመደን ናይ ሕሳብ ውጻእ ውረድ ዝወሓዶ ይመስል ኣሎ እሞ በጃኹም ናብ ልብኹም ተመለሱን ካብ ጌጋኹም ተምሃሩን። መስኪናይ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣይ ብእግሩ ኣይ ብኢዱ ከም ምሩጽ ዕንጨይቲ ኣብ ግሃጽሃጽ ዝብል ጓህሪ ኣእቲኹም ኣጋጊኹም ከይኣክል እንታይ ስለዝተረፈኩም ኢኹም ጸይቂ ኣብ ልዕሊ ጸይቂ ንምውሳኽ ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘለኹም።
      ኣነ ዝገርመኒ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንኤርትራውያን ኣብ ዓድና እንኮለናን ብዛዕባ ህግደፍ ከነልዕልን ሕጋውነት ፈጺሙ ዘይርድኣና፧ ካብ ዓድና ወጺእና ኣብ ነንሕድሕድናን ነቶም ሽግርና ተረዲኦም ክሕግዙና ዝደልዩን ኣብ ምውቃስ ግን መሰልና ግቡእና ሕጋውነት ብምባል ሃጠውቀጠው ንብል። ኩሉ ነገር ብሕጊ ክኸይድን ክትግበርን ቅኑዕ ኢዩ። ኮይኑ ግን ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ድማ ብኢድካ ዝዓይነቱ ሕጋውነት ኣብዘይ ቦትኡ ደጋጊምካ ብምዝራብ ካብ ሰብካ ንላዕሊ ሕጋዊ ክትመስል ምፍታን ኣይቅንዑን። ዓገብ። ዝብኢስ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ ከም ዝብሃል እዚ ኣብ መዓስከራት ተጌሩ ተባሂሉ ዝሰማዕናዮ’ውን ንስኻትኩም ዝመራሕቱ ኢዩ ዝመስል።
      እቲ ዝገርም ንሰባት ምንእኣስ ክሳብ ክንደይ ቀሊሉ ከምዘሎ ኢዩ። ንሱ ድማ ነዚ ብስምዒትን ጉዳይ ሃገረይ ካብ ውልቃዊ ጉዳየይ ይዓቢ ኢሉ ክቃለስ ንዝተወፈየ መንእሰይ ኣባል ቦርድ ስምረት ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ከተመሳስሎ ናይ ገበን ገበን ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ መስርሑ ተኸቲሉ ብተደጋጋሚ ብኣብዝሓ ዝተበጽሐ ውሳነ ከም ናይ ሓደ ሰብ ውሳነ ጌርካ ምዝራብ ብልቦናን ብልሒ ሓንጎልን ናይ’ቶም ኣብ’ቲ ውሳኔ ዝተሳተፉ ኣባላት ቦርድ ምጽራፍን ኢዩ። እዚ ድማ ብሕጊ ዘይኮነ ብታሪኽ’ውን ዘተሓታትት ኢዩ እሞ ኣካይዳኹም ኣርሙ መንገዲ መዓልቲ ኣይትጋገዩ ንብል። ንሓድሕዱ ዘይተሳነየ ድማ ኢልኩም። ዘገርም ኢዩ ከም ኢሳያስ ድኣ ሓደ ልቢ ኢልኩም ከተታልሉና ደሊኹም። እምበር ካብ ኣንደበቶም ንሓደ ዘይኮን ንብዙሓት ሓቲትና ከምዝረኸብናዮስ እቲ ውሳነ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ድሕሪ ክትዕ ዝተወሰነ ምዃኑ ኢዩ። ኩሎም ሚኢቲ ካብ ሚኢቲ ኣብ ኩሉ ነገር ከምዘይተሰማምዑ ግን ኣፍሊጦምና እዚ ድማ ኢዩ ምስጢር እዚ ንርእዮ ዘሎና ዓወቶምን ብዝሒ ደገፍቶምን።
      ምስላኹም ከምዝብሎ ኣበርኩም ወዲእኩም ቀደም ሸለው ኢልኩም ከም ዝጸደፍኩም ኢዩ ዝሕብር እዚ ናይ ኩራ ደብዳቤኹም። ምኽንያቱ ድማ ከም ኣበሃህላኹምን ከምኩሉ ሰብ ዝፈልጠኩምን ስራሕኩም ምውድኽዳኽ ኢዩ። ንሱ ስለ ዝሰኣንኩም ኢኹም ድማ ዝጸደፍኩምን ኣብ ክንዲ ከም ለባማት ኣብ ውሽጢ ኮንኩም ክትልውጡ እትፍትኑ ናይ ኩራ ማሕበር ክትምስርቱ ዝመረጽኩምን። ዓተር ተረፈ ጥራጥ ተረፈ ኢዩ እሞ መንገድኹም ጻዕዳ ይግበረልኩም መን ይፈልጥ ሓደ መዓልቲ ምስ ተሰወጠኩም ትምለሱ ትኾኑ። ነቶም ኣሕዋትኩም ድማ ዕረፍቲ ይኾኖምን ኣብ’ቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኣተኲሮም ንኽሰርሑ ይሕግዞም ይኸውን። ወዳጀ ምትዕጽጻፍ ብጀካ ንጥቕምኹም ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ከም ዝነቐጸ ዕንጨይቲ ምስ ደረቕኩም ኢኹም።
      ጉዳም ዘረባ! ክሳብ ወርሒ ጥሪ ኢኹም ክኣ ከም ኣባላት ንነብስኹም ክትቖጽርዋ ጸኒሕኩም። እሞ ኣብ’ቲ ኣራሚ ጉዕዞኹም እንታይ ኣሪምኩም፧ ካብ’ቶም ዝተባህልዎ ክገብሩ ዘሰለፍኩሞም ወይጦታትኩም ወገን ዝተሰርሐ ነገር እንተሎ ገለ ዶ ምበልኩምና። ንስለ ምግሃድኩም ነመስግነኩም እንተ ንኣራምን ተጻዋርን ስራሕኩም ብዙሕ ኪዕብናኩም። ሃንደስቲ ናይ ዘይምጽዋርኩም ባዕልኹም ሰብ ከተሀምሉ ከፊትኩም ባዕልኹም ዝዓጸኹሞ ናይ ኣዕሩኽ መዛረቢ (ባል ቶክ) ምስክር ዘየድልዮ ናይ ቀረባ ሓቂ እዩ። ወዮ ሰብ ከይክዕበና መራግእቲ ከይገደፍና ከይንዛረብ ኢልና እምበር ንኽብረትና ዝፈታተን ገለ ካባኹም ውልቃዊ ዋኒኖም ዓጂትዎም ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ፊት ኮምፒዩተራትና ገዲፎምና ከይዶም ኢዮም። እንታይ እሞ ምእንቲ እታ ክብርቲ ኤርትራን ክቡር ህዝባን ዝተኸፍለ ይከፈል ኢልና ተጸሚምና እምበር መልሱስ ካልእ ኢዩ ኔሩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተፈላለየ ብሄራትን ሃይማኖታትን፡ ቆላን ከበሳን ኣውራጃታትን ዝቖመ ብዙሕነቱ መልኩዑ ምዃኑ ዘሐብኖ ክቡር ህዝቢ ኢዩ። ብናይ ሓንቲ ኢድ ኣጻብዕ እትቑጸሩ ሰባት ድኣ ኣበይ ኮንኩም ኢኹም ንኣካውንኡ እትመስልዎ። ዶስ ከም’ቲ ልኡል መንገሻ ኢሎሞ ዝብሃል ንትምህርቲ ደልዮም ኣብ ቤተ-መንግስቶም ቀሪቦም ኣቤት ዝበልዎም ተወላዶ ከባቢኦም ድሓን ደቀይ ኣብ ወጻኢ ይምሃሩ ኣለዉ እሞ ንሶም ይኣኽልኹም ኢሎሞም ዝብሃል ንስኹም ድማ ንዓና ንሕና ኢና ምስልኹም ትብሉና እንተሃሊኹም ትጻረፉ ኢኹም ዘለኹም እሞ ይኣክል ንብል። እዞም ብተወፋይነት ዝቃለሱ ዘለዉ ኣሕዋትኩም’ውን ኣንዳዕዲዖም ዝነገሩና እንተሎ ኩሉ ክሳተፈሉ ዝኽእል ባይታ ክፍጠር ክኽእል ዝብል እዩ እምበር ኣፎም መሊኦም ንኣካውና ህዝቢ ኤርትራ ንመስሎ ኢና ኣይበሉን። ካባኹም ግን ንሶም ይመስሉና። ቃልሲ ድማ ዕጽድ ኩምር ዘይኮነ ብመስርሕ እንዳጸረኻ እትኸደሉን በካይዳኻ ሰባት እተዕስለሉን ኢዩ እሞ ኣይትተሃወኹ ንብል።
      ዝኾነ ሰብ ኣብ ናቱ መደምደምታ ክበጽሕ ኣምላኽ ዝሃቦ መሰል እኳ እንተኾነ ዝወስዶ መደምደምታ ንናይ ካልኦት መሰል ዘይምትንካፉ ምርግጋጽ ውሕሉልነት ኢዩ እሞ ምጥንቃቕ ከድሊ ኢዩ። ናይ መንእሰያት ዘተ ኣብ ደብረ-ዘይት ምስ’ቲ ዝነበረ ስምዒትን ከምዝበልኩሞ ሃታሃታን እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ቅድሚ ሕጂ ብዋላሓደ ኣካል ተበጺሑ ዘይፈልጥ ኢዩ። በዚ ከኣ ነቶም ኣብ ባይታ ኮይኖም ብዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ምሰጋና ይግብኦም። እዚ ማለት ግን ከም’ቲ ሽዑ ዝተባህለ ናይ መወዳእታ ዕላማና ንጉጅለ ህግደፍ ኣጥፊእካ መሰረታዊ ፍታሕ ንክቡር ህዝቢ ኣብ ምምጻእ ምቅልጣፍ ኢዩ እሞ ውሃ ዘበለ ናይ መወዳእታ ስራሕ እኳ ተስሪሑ እንተ ዘይተባህለ ኩልና ዘይገበርናዮ ስራሕ ተሰሪሑልና ኣሎ እሞ ነመስግን።

  • abedbed November 9, 2013

    Mandela

    kkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkk wedaje ajewjew bel kid kexl hgdef ab smrets bota yelen.

  • monicasalguero November 9, 2013

    Atum mensey anxar yehwatkum tezarebu bejyajúm xelwa nay yigdef key hlwekúm hases belú ezi julu mnkkaf aynawi ember hagazi aykonen besem amlaj/Rebi besm hezbi eritra Nelmnekúm. Bejakúm n ato Tewelde Tesfamarim Endo Sem-úwo.

  • teclebrhan November 9, 2013

      Oh my god well said Teclebrhan god bless you very constructive and powerful explanation and message.

  • wuhbett November 10, 2013

    selam yehwat entay terekbe kisab kindzi xerfi. ezom sebat zibliwo zelewu mimlas do ayqelilin kab xerfi. eti zehzin eti gnay zereba mefti aykowinin eyu. eti meftihi netom telaelom zelewu hitotat nabti mahber meliskum kitftishiwo do ayhayshin. xerfi nay dukumatin nay metaqaetin bzitebahluwo ember kalie hasab zeyxaweru eyu .slezi libi nigber .wodhankum

POST A COMMENT