Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዕዞ ስ.መ.ኤ.ን.ሃ. ካብ ሃገራዊ ጥርናፈ ናብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ምትእኽኻብ

ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም

ካብ ዕለት 7-17/ ወርሒ ሸውዓተ 2012 ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ክትዓት ሓደ እማመ እዮም ኣውጺኦም:: እዚ እማመ እዚ ድማ ኣብ ፈቀዶ መራኸቢ ብዙሃን ንታሪኽ ተዘርጊሑ ይርከብ:: ገለ ካብቶም ዘካትዑና ተኣፈፍቲ ኣርእስትታት እዞም ዝስዕቡ ኔሮም:: ሕቶ ቛንቛ : ሕቶ መሬት : ሕቶ ምጽናት ዓሌታት ኣብ ዉሱናት ብሄራት ዘተኮረ : ሕቶ ኣውራጃ: ባህርያት ስርዓት ኣስመራ : ሕቶ ዲሞክራስን ስርዓተ ፍትሕን…ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም:: ነዝን ከምዝን ሕቶታት ኣልዒልካ ናብ ሓባራዊ መደምደምታ ክትበጽሕ ብሓቂ ፈታንን በዳህን እዩ ኔሩ:: እዚ ማለት ምስቲ ካብ ድሮ ናጽነት ክሳብ ሕጂ እንትርፎ ብግበር ኣይትግበር ዝብል ሕጊ ንምልዛብ ኮነ ንዘተ መድረኽ ዘይምርካብና ድርብ ዋጋ ዘኽፍል ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ:: ኣብቲ ርሱን ክትዓት ድማ ድኻም ደምበ ተቓዉሞ : ድኻም በርጌሳውያን ማሕበራት : ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖሎቲካዊ ምትእኽኻብ ከም ቀንዲ ጸገም ዘቲናሉ:: እዚ ማለት ኢሰያስ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ መተካእታ ክኸዉን እየ ኢሉ ለይትን ምዓልትን ዝግዕር ዘሎ ናይ ስደት ሓይሊ (diaspora) ከይተረፈ ዝፈሸለ ምዃኑ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና::

ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ መብርሂ ክህብ እዩ:: ኣብ ዝቕጽል እዋናት ድማ ብዝርዝርን ብዓሚቕን ንኣበጋግሳን መንፈስን ደብረዘይቲ : ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽን ተወሳኺ መብርሂ ክንህብ ኢና::

እዞም ኣብ መፋርቕ 2012 ወርሒ ሸውዓተ ንኣስታት 10 መዓልታት ዝተኣኻኸቡ መናሰያት ኤርትራ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ? ክንደይ ካብኣቶም እዮምከ ኣብዛ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ትሕምበብ ዘላ ጉጅለ ተጠርኒፎም ዘለዉ? ብሓቂ ኸ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምትእኽኻብ ኣለዎም ድዩ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም:: ከምቲ ምስላ ኣቦ “ቁስልስ ኣብ ምጉድኡ እዩ ዝፍወስ ” ዝብሎ : ቁስልኻ ሓቢእካ ፈውሲ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ:: ስለዝኾነ ድማ ኢና በቲ ሓደ ሓላፍነትና ከነዉርድ በቲ ካልእ ድማ ሰማዒ እዝኒ እንተሎ ኣቤት! ክንብል ንግደድ ዘሎና::

ድሕሪ ዝኣክል ገምጋምን ኢሂን-ሚሂን ዝተመስረተ ሓድሽ ናይ መንእሰያት ጥርናፈ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ዝብል ስያመ ኣልቢስና : መርሒነት መሪጽና : ዕማማት ኣሰኪምና ነናብ ቦታና ኢና ተመሊስና:: ገለ ካብቶም እዚ መርሒነት እዚ ብግዝያውነት ከሰላስሎም ዝግብኦ ዝነበረ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም 1.) ብሃታሃታ ንዘተ ኢሉ (dialogue forum) ዝተኣከበ ሓይሊ መንእሰይ ብኽቱር ሃገራዊ ወኒ ማሕበር መስሪቱ ምውጽኡ ንኻልኦት ኣስታፊ ክኸዉን ኣይከኣለን:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ኣብ ዉሽጢ ናይ 12 ኣዋርሕ ገደብ ግዜ መሪሕነት ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎ ጎስጓሳት ክካየድ : ንኹሉ ድማ ኣሳታፊ ክኸዉን ተሰማሚዕና:: 2.) ካልእ እዚ ምትእኽኻብ´ዚ ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸዉን : ንብሄራዊ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ : ኣውራጃ : ሃይማኖት : ጾታ…….ወዘተ ዘመቓርሐ ንምግባሩ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ክካየድ 3.) መሪሕነት ነታ ጉባኤ ንምክያድ እትምስረት ሽማግለ መዝነቱ ከረክብ : ዕዉትን ኣሳታፍን ጉባኤ ድማ ክካየድ ተማሕጺና: :

ብሓፈሽኡ እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ሃልኪ ዝተሓወሶ ኣኼባ ኢና ኣካይድና:: ስክፍትኦም ዝገለጹ ጋዜጠኛታት: ምሁራት: ዓበይቲ ኔሮም እዮም:: ይኹን ድኣምበር ነቲ ወንን ቅሩብነትን መንእሰያት ምግታእ ማለት ከም ንጋሻ ዉሕጅ ምዕጋት ´ዩ ኔሩ:: ካብዚ ብኸፊል ገሊጽናዮ ዘሎና ሓሳባት ብምብጋስ ሎሚ እዚ ማሕበር ወዲቕዎ ንዘሎ ጽፍሒ ኣብ ግምት ኣእቲና እቲ ምሓንቖ እንታይ ምዃኑ ክንርእዮ ይግባእ::

1.)  ዘይብቑዕንዘይቅርጥዉንመሪሕነት :-

ከምቲ ኩላህና እንፈልጦ መራሒ ኩሉንትናዊ ብቕዓት ዘለዎ : ሓቛፊ: ኣርሒቑ ዝጥምት : ንጸገማት ብዘይ ዉዓል ሕደር መፍትሒ ዘናዲ: መተካእታ ሓሳባት ´ዉን ዘምጽእ: ካብ ጌጋታቱ ዝመሃር ብዓል ክፉት ኣእምሮ : ሃገራዊ ወኒ ዝሕላገቱ ንዝደኸሙ ሓይሊ: ተስፋ ንዝቖረጹ ወኒ : ንዝወደቑ ዘተንስእ ክኸዉን´ዩ ዝግባእ:: እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መሪሕነት ብሪኦ እዞም ድኻማት እዚኦም´ዩ ዘለዎ :: ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣይኣምንን:: ፊን ከምዝበሎ ይወፍር ከም ቃሕትኡ ድማ ይምለስ:: ኣብ ሓንቲ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ንዘለዎ ባይቶ ዘልምስ : ሚኒስተራት ከም ቃሕትኡ ዝሽይምን ዘዉርድን : ዓመታዊ ባጀት ዘይሕንጽጽ: ናይ መቆጻጸሪ መሓውራት (ትካላት) ዘልምስ : ንፍትሒ ዝጎሰየ መሪሕነት እዩ:: ነዘን ከምዝን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ድማ ኣብቶም ናይ 10 ምዓልታት ኣኼባ ደብረዘይቲ ዘቲናሎምን ዓጊብናሎምን ኢና:: ተስፋና ዝነበረ እቲ እንመርጾ መሪሕነት ብሓቂ ነዞም ድኻማት እዚኦም ዘይደግም : ተተጋገየ´ዉን ዝመሃር ክኾነልና እዩ ኔሩ!:: እንተኾነ ግን ኣብ ግብሪ ካልእ´ዩ ኮይኑ:: እዚ ዘሎ መሪሕነት ፈጻሚ ኣካል (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ናይ ተምሃራይ ልቢ ዘይብሉ: ባህርያቱ ከም ባህርያት ተዋጋኢት ላም: ንምስልን ክዉንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ከም ቃሕ ዝበሎ ዝፍልል ኣካል እዩ :: ብኸምዚ ድማ ኣስመራ ክእቶ ከቶ ኣይክእልን እዩ ::

2.)  ሕጋዉነት (legitimacy)

ከምዝፍለጥ ሕጋውነት ዘለዎ ማሕበር ኮነ ጥርናፈ መሰረቱ ጉባኤ እዩ:: ምምስራት እዚ ሓድሽ ማሕበር መንእሰያት (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ዋላ´ዃ ብመልክዕ ንዘተ ኢሉ ዝተኣኻኸበ ኣካል ዝተመስረተ እንተኾነ ሕጋውነቱ ግና ካብቲ ምትእኽኻብ ዝተዋህበ እዩ:: ብሓባር ህልው ኩነታት ገምጊምና : ብሓንሳብ ዝሓሸ ዝበልናዮ መኺርና መወዳእትኡ ድማ ብሓንሳብን ብዓብላሊ ድምጽን ማሕበር ይመስረት ኢልና መሪሕነት ባይቶ መሪጽና:: ኩላህና ከም እንዝክሮ ዕድመ መሪሕነት ክንደይ ይኹን ምስተባህለ ካብቶም ዝቐረቡ ብዙሓት ኣማራጺታት ማለት 6 ኣዋርሕ : 9 ኣዋርሕ ከምኡ ´ዉን 12 ኣዋርሕ ዝብሉ´ዮም ኔሮም:: ብዝዓብለለ ድምጺ ድማ´ዩ ርሒብ ናይ ስራሕ ግዜ ሃልይዎም ብዙሕ መታን ክዓሙ 12 ኣዋርሕ ይኹን ኢልና ዝወሰና:: ብድሕሪ´ዚ ካብ´ታ 21 ዝኣባላታ ባይቶ 7 መርሕነት ፈጻሚ ኣካል መሪጾም ናብ ዕዮኣኦም ተዋፊሮም:: ሎሚ ልጓም ዝበተኸ : ምቕያድ ኣብዩ ዝነፍጽ ዘሎ መርሒነት ፈጻሚ ኣካል ምልስ ኢሉ ንዉዕሎ ደብረዘይቲ ክርኢ ስለዘይክኣለ እዩ:: ኣብ ሓደ ማሕበር ኮነ ሃገር ሕጋውነት እንድሕር ተጣሒሱ ኩሉ ምሓዉራት ክለምስ ብግዲ እዩ::

3.) ኣባላትባይቶንተርኦምን

ከምዝፍለጥ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል እዩ:: ኪኖ ጉባኤ ድማ ሕጋውነት ዘለዎ ላዕለዋይ ብዓል መዚ እዩ:: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባይቶ ምስ እንርኢ ዝለመሰ : ስማዊ : ከምኡ ´ዉን ኣስናን ዘይብሉ ኣንበሳ እዩ:: ንርእሰ-ብሄር (መራሒ ናይታ ሃገር ) ዘይቆጻጸር : ሓፊሱባ – ቀጢኑ ዘይብል ኢሰያስ ናብ ዝጠወዮ ዝጥወ ምሃነኑ ዘጥፈአ ኣካል ተበልናዮ ምግናን ኣይኮነን:: በዚ መንጽር እዚ እቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተመስረተ ኣካል (21 ዝኣባላቱ ባይቶ) ካብ ሀ-ፐ ጎዶሎታት ዝመለኦ : ንሓድሕዱ ዘይተሳነየ ቅኒት ዘይብሉ ህርመት´ዩ ኔሩ:: ነዚ ሃጓፍ እዚ ዘላለየ መሪሕነት ፈጻሚ ድማ´ዩ ኣብ ክንዲ ብልጫታት (ዓቕሚ) ከምዘለዎ ኣመስኪሩ ንኣባላት ባይቶ ዘስታሕፈሮም ንጥርናፈ ናይ ኩላትና ጨዉዩ ከምልጥ ዝፈተነ::

ኣብ እዋኑ ብሰነድ ዝሓዝናዮ መርትዖታት ከምዝምስክርዎ, ባይቶ እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ኔሮም :: 1. ኣኼባ ጸዊዑ ከይተሳነየ ዝኸይድ 2. ናብ ኣኼባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይመጽእን´የ ንዝበለ ፈጻሚ ኣካል ብሕጊ ዘይተሓሓዝ 3. ዉሳኔታት ኣብ ምዉሳድ ዝዱንጊ ወይ ዉን ዝማታእ : ሓሊፉ ተሪፉ ዉሳኔታቱ ብጽሑፍ ኣብ ስዓቱ ወግዓዊ ዘይገብር 4. ዝብል ግን ከኣ ንዝበሎ ዘይገብር 5. ኣቐዲሙ ንዝወሰኖም ዉሳኔታ ዘፍርስ (ንዝነደቖ ባዕሉ ዘፍርስ) ወይ´ዉን (lack of consistency)ዘለዎ እዩ:: እዚኦም ገለ ካብቶ´ም ተርእዮታት ብኸፊል እዮም ::

4.)  ተራንመርገጽንናይዞምወለንታዊተበግሶዝወሰዱዘለዉዝተፋላለዩሰባት:

ከምቲ ኩላህና ዝተዓዘብናዮ ገለ ካብዞም ናይ ዕርቅን ሽምግልናን መስመር ዝሓዙ ሰባት ኣቐዲሞም እንተስ ኣብ ምስንዳእ ዘተ ደብረዘይቲ ወይ´ዉን ኣካል ናይቲ ዝተመርጸ ግዝያዊ መርሒነት ዝነበሩ እዮም:: ከምትዕዝብትና ገለ ልኡም መርገጺ ብምሓዝ ነቲ ብኣባላት ናይ´ዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ማሕበር ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ዘልዓልዎ መትከላዊ ሕቶታት “ኣይግዚኡን እዩ: ተጋኒኑባ : ከምዚ ዝኣመሰለ ወቀሳ ኣይግባእን እዩ”..….ወዘተ ዝብሉ ዝነበሩ እዮም:: ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ “ምምላስ ነይኣበር እንታይ ድኣ ምጽዳፍ” ዝበልዎ: ክምለሱ ምርኣይና ሕጉሳት ኢና:: ምምላስ ግን ነቲ መሲሉካ ዝነበረ ሓዲግካ 180 ዲግሪ ዝባንካ ሂብንካ ዘበላሸኻዮ ከተዐሪ ምስትፍትን ጥራሕ´ዩ ሰብ ዝቕበሎ:: ንይምሰል ምምላስ ዝኾነ ምስኮነ ምምላስ ኣይግድን! ኣብ´ዚ ምትዕጽጻፍ ከም ብልጫ ዝተወስደሉ ዓለም ነቲ ጻዕዳ ጻዕዳ : ነቲ ጸሊም ድማ ጸሊም ተዘይልካ ተዓጻጺፍካ ምትራፍ´ዉን ከምዘሎ ምግንዘብ የድሊ:: ትማሊ ነቲ ሓቂ እወ : ነቲ ኣይፋል ድማ ኣይፋል ክብሉ ዘይምኽኣሎም ሎሚ ከም ዝተማህሩ ከእምኑና ተዘይክኢሎም ብሓንሳብ ተኣማሚና ክንሰርሕ ከጸግመና ምዃኑ ከነዘኻኽሮም ንደሊ::

 5.) ተራኣባላትኤርትራውያንምንቅስቓስንለውጢ (EMC)

ኣባላት ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ ካብ ምምስራት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2013 ኣካልን ኣባላትን ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ እዮም ኔሮም :: ነቲ በብእዋኑ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ማሕበር ኣብ ምእራምን ምንቃፍን ድማ ልዑል ግደ ኔርዎም:: ምትእኽኻቦም ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ካብ ኩለን ኣውራጃታት : ካብ ገለ ብሄራት : ጾታ : ካብ ኩሉ እምነታት ዝኾነ እዮም:: ኣብቲ ናይ ምእራም ተበግሶ ኪኖ ሓሳባቶም ምሃብ : ብጽሑፋቶም ከይተረፈ ንምእራም ዝክኣሎም ፈቲኖም እዮም:: ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ እንከለና ሕጊ ማእከል ዝገበረ : ተሓታትነት ዘለዎ ስራሕ ክህሉ ኣለዎ ምባሎም ጥራህ ዝኸፍልዎ ዋጋ ከቢድ´ዩ ኔሩ:: ኣንጻር ማዕበል ምጅላብ ዋጋ የኽፍል እዩ:: ኩሉሰብ ኣብ ዓመጽ ክሰማማዕ ከሎ ኣይትዓምጽ ዝብሉ ሰባት ዘጋጠሞም ብድሆ ብዙሕ´ዩ:: ሎሚ ኣብቲ ማሕበር (ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ) ተስፋ ምስ ስኣኑ ሓደ ናትና ዝብልዎ ንብዙሓት ዘጽለለ: ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ : ብሕጊ ዝምእዘዝ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ መስሪቶም ኣለዉ:: ስሙ ድማ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ይብሃል::

መደምደምታ:

ኣብ መደምደምታ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሓደ ሓው ጠቒስና ክንዉድእ ኢና:: አዚ ሓው ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሂቡ:- “ኣኼባ ደብረዘይቲ ብሃታሃታ ዝተመስረተ: ንኽዉንነት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ : መሰረት ዘይነበሮ ጥርናፈ ስለዝኾነ´ዩ ፈሪሱ” ኢሉ:: እዚ ኣባህላ´ዚ ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ንሰማምዓሉ እዩ:: ኣብ ሑጻ እተሰረተት ቤት ዝናብ: ህቦብላ: ወሓይዝ ክመጹ እንከለዉ ከም እትፈርስ : ከውሒ ዝመሰረታ ቤት ግን ጽንዕትን ዘይትፈርስን ምዃና መጽሓፍ ይምህረና:: ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ:: ክንምሃረሉ ተዘይኪኢልና ግና ዳግማይ ሓደጋ´ዩ ከጋጥመና:: ኣብ ኤርትራ ሕጊ የለን:: ዓመጽ ሰፊኑ: ህዝብና ተባሳቢሱ ዘይ ናይ ኢዱ ረኺቡ ንብል እንተለና መተካእታ ሓሳባት ከነምጽእ ድማ ይግባእ:: ኢሰያስ ቀይዲ በተኽ ተኾይኑ : ፈጻሚ ኣካል ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ በየናይ መስፈር´ዩ ንኢሰያስ ክነቅፍ ዝኽእል? በይናዊ ስጉምቲ ወሲዱ ጉባኤ ዝእውጅ : ንዕዑ ንዝመስልዎ ሰባት ጥራሕ ዝሓቁፍ : ሉጋም በቲኽካ ኣለኻ ተመለስ ንዝበልዎ ከሳጉግ ዝዉዕል እንታይ ዓይነት ኤርትራ´ዩ ዝሓልም ዘሎ? እቶም ሕቶታት ብዙሓት እዮም : መልሲ ድማ የድልዮም::

ንሎሚ ነዞም ሕቶታት እዚኦም ንኣንበብቲ ገዲፍና በዚ ክንሰናበት:: ኣብ ዝመጽእ ክፋላት ብዛዕባ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽን : ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ብዙሓት ማሕበራትን ብዝርዝር ከነቕርብ ኢና::

ሰናይ ቅነ ንዂልዂም

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC)

03/11/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • Merhay November 7, 2013

    I wonder if your organization or the executives had chased you with gun fire. Why didn’t you try to change it from within. You were not on the bush or you lost out because your splinter mind cannot handle to see other people will get more support.
    You guys disgust me.
    All you do is run away when infact you could have changed it or accept from within
    Your language is the same with the dictator. tribal excuses. I am dead sure you the ones who left for tribal issues.

    Go to hell with the dictator splinters!!!!!!
    Your set of mind is sour and dirty

    • abedbed November 8, 2013

      እዋናዊት ሕልሚ ጽገናውያን፣፣

      ህግደፍ ትንበር፣ “ንሕና ዘይብላ ብድሕሬና ሳዕሪ ኣይትብቖላ”፣

      ስምረት ፣ ልኡኻት እንተኮንኩም ኸ?

      ህግደፍ ትንበር፣ ከምኡ ኢልኩም ኣይትሕተቱና
      ከምኡ ኣንተ ድኣ ኢልኩምና፣ ኩኑ ኣይትኹኑ ነቲ ምስኪን ህዝቢ በቲ ብፈርሖ ነገር ኣምጺእና ኣውራጃውያን ኢዮም እንዳበልና ኣብ ማዕከናት ዜናና ክንጉስጉስ ኢና፣

      ስምረት፣ እሞ ዘይኮና፣ ቃልስና ቃልሲ ውጹዓትን፣ እቶም ትማሊ ልብና ብምሕደራኹም ዝሰንበረ፣ ሕቖና ብኩርማጅኩም ዝተሰብረ ደቂ ስውኣት እንርከቦ ቃልሲ ኢዩ’ኮ።

      ህግደፍ ትንበር፣ ብዘየገድስ ኣነ’ኮ ንክምለስ ኣይተጋደኩን ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይደልን፣ እቲ ሓቂ ዋላ ንሱ እንተኮነ ንሕና ጥራይ ኢና እንፈልጦ፣ ነዚ ክነላብዖ ግዜ ከም ዘይወስደልና ክትፈልጡ ይግባእ። ከም ዝፍለጥ ማዕከን ዜናና ናትና ድኣ’ምበር ናትኩም ሕልፍ ኢልና ንይምሰል ጥራይ ከም እነአንግዶ ንስኻትኩም’ውን ትስሕትዎ ኣይመስለንን፣፣

      ስምረት፣ ሃሃሃሃሃ ኣየ ጽውጽዋይ ህግደፍ ስም ቀዪረ ክረግጸኩም
      ትማሊ ዝነበሩ ገድልታት ውላኻ እንተተጨዉዩ ደቂ ህዝቢ ካብ ወሰዱ ቀለብ ህዝቢ ካብ ተቐለቡ መኻፍልቲ ሽግር ህዝቢ ካብ ኮነ ሕጋዊ ዋንኦም ንሱ ህዝቢ’ዩ ሎሚ ድማ ናብቲ ሓቐኛ ዋንኦም ንምምላስ ንቃልስ ኣሎና፣፣ ዘበት ህዝብና ዳግም ናብዚ መንቅርዮሳዊ ኣታሓሳስባ ክምለስ። ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ ይበሃል እዚ ናናትኩም ሕልሚን ሃሮም ሮምን ንስልጣን።

  • berhane November 7, 2013

    1St.. removing dictator.
    2Nd constitution.
    Talking about the constitution right now is being dictator.WWhat about the people in Eritrea. They can not decide their future constitution. Please think twice.

  • SAM November 7, 2013

    It is so sad to see such kind of defemation against an organization by far the most diverse organization. Guys, let’s grow up and think for the feature instead of pointing fingers one another. I was shocked to read your article, this shows that you don’t recognize people for who they are. When you say that organization is only for one locality or side or religion, you are not recognizing the vast majority of its members. No one authorized you to classify people the way you wanted. I personally know the leaders of EYSNS are from all zonal administration ( Awrajas) and equally divided in to the two religions. This was not planned but it happened to be that way. Let’s focus on our common enemy and let’s not hide behind names and acronyms. If you are truly fighting for a change disclose yourself, introduce your leadership and your organizational structure.

  • foo awrajawnet November 7, 2013

    fetikum steliekum wuhathiwo EYSNS nay deqi hade awraja wey kebabi eyu bkemey neryo nay hzbi ngebro ilka ab kindi mhsab kem iseyas zezteqawemekum wey ageb zbelekum hgdef 03 gujle gele gujle gele indabelkum abey ikum kitbexhu .qedamnet hager indabelka gual mengedi mimxaey aygdn . nskum si dea gubae kingebr do aytblun alekum ikum intay dea qdm hzbn hagern zeybelkum.hji anexirkum nhzbi habrwo nhna (EYSNS) nay hade kebabi ina imo ayttenkfuna bezi tethernifnayo zelona knqxl beluna imo nhna dma itom zterefna awrajatat knwudeb dehar ab guezo kinrakeb . tezeykoynu tegonbhaley ksereka ayserhn eyu yaklena ztegonbahnalkum

  • oromay November 7, 2013

    Hahaha….it isnot a real laughter. Please for God’s sake donot joke at the Eritrean population sufferings. Believe me, the Eritrean society has no any trust in you. I would like to qoute the gentle man’s wise …Look Smanuel my son, the so called youths have no the courage and commitment to save Eritrea and its people. Their mind is stolen by PFDJ and they run like a scared rabbit. We donot expect any good thing from them.”

    Nobody will stop you from propagating like , a mashroom everytime for futile ambition. EMC, E BOSS M, Executive , CEO, Manager, leader, Colonel, Marshall etc. If wishes were horses, beggars would ride.

    Please stop abuse of power and resources. You are hood for nothing. Donot mislead the real change agents.

  • Rim November 7, 2013

    ቅብጸት
    ኣብዚ ቅንያት’ዚ ንሪኦ ዘለና ዓቕሊ ጽበታዊ ደብዳብ ሕልና ኣልቦ ተጠበርቲ ብቑራቦን፣ ናይ ስልጣን ጥሙሕነት ዘለዎም ወረጃታት ማዕዶ ብቐንዱ ከኣ ብዲሞክራሲ ተጎልቢቦም ዝሰተኹ ልኡኻት ጃንዳ ህግደፍ ናይ መወዳእታ ናይ ቕብጸት ፈተነ ንምግባር ብርዖም ተኺሎም በተን ከአንግደኦም ዝኽእላ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለወን ማዕከናት ዜና ጌሮም ይረባረቡ ኣለዉ። እዚ ግን ስለምንታይ ኣብ ስምረት ጥራይ ተደልየ? ኣብዚ እዋን’ዚ እታ እነፍቅራ ሃገርና ኤርትራ በቲ ጨካን ኣረሜን ስርዓት ህግደፍ ኩነታታ ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ብልዑል ናህሪ ውዳቤኡን ዕብየቱን እንዳሓየለ ዝበጽእ ዘሎ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ጽባሕ ንጉሆ ሃገር ካብቲ ተሸሚማቶ ዘላ መጻብቦ መገዲ ካብ ጥፍኣት ኣገላጊሉ ገበነኛታት ኣብ ቅርዓት ዓደቦ ኣብ ፍርዲ ደው ምባሉ ዘየጠራጥር ሓቂ ‘ዩ። ገበርቲ እከይን ዓመጽትን ብጉልባብ ደለይቲ ፍትሒ ዘይበልዎን ዘይጸሓፍዎን ከኣ የለን፣ ቃልሲ ስምረት ቃልሲ ተቓለስቲ ውጹዓት ደቂ ሃገር ኢዩ ኩሉ ንጹር ዕላማ ኣንጻር’ዚ ገባቲ ስርዓት ዘለዎ ደላዪ ፍትሒ ከኣ ስምረት የእዳዋ ዘርጊሓ ጆባ ትብሎ። እንተ ነቶም ጥፍኣት ኤረይ ዝኣውደኣመትኩም መዳኸርቲ ግን ዘበት፣

    መርከብ ስምረት ካብቲ ማርሳ ተበጊሳ’ያ፣ ኣብ ቅድሚኣ ጠጠው ዝብል ከኣ ወይሉ።

    • Justice4all November 7, 2013

      I can’t agree more. Viva man!

    • Rim November 8, 2013

      መድሕን ሃገር
      ስምረተይ ውፍይቲ መድሕን ናይ ሃገር
      ኤረይ እንዳ ጸነተት ከመይ ኢልኳሞ ይንበር
      ህዝብኪ ይጽበየኪ ኣሎ እንዳበለ ሃረር
      ኣጆኩም ምዑታት ደቂ ህዝቢ
      ማሙቕ ገዲፍኩም ዝሰፈርኩም ኣብ ሞሮር፣፣

      ስምረተይ ተስፋ ኩሉ
      ምድሓን ህዝብና ኣባኺ’ዩ፣ ህድእ ኢልኪ ኣስተውዕልሉ
      በዓል ጃንዳ ህግደፍ ምስ መሰልቶም ዝበሉ እንተበሉ
      እንታይ ድኣ’ሞ ክትጽበዪ ካብ በዓል ጎሓላሉ
      ኣብ ግብሪ ዘየለዉ ብኣፎም ዝውሕልሉ
      ህዝብኽን ሃገርን ኣብ ምድሓን ተጋየዪ ናታቶም ኣይተቕልብሉ።

      ፍሉጥ ተቓላሳይ ህንዲ ዝነበረ ማህተማ ጋንዲ ካብ ዝበሎ፣ ጸላእትኻ
      መጀመርያ ፣ ይዓጽዉኻ (ኣፍልጦ ኣይህቡኻን)
      ብድሕሪኡ፣ የነኣእሱካ (ኣይጠቕሙን’ዮም በዓል እገለ ኢዮም ኣበይ ከይበጽሑ ይብሉኻ)
      ጽኒሖም፣ ይሃድኑኻ(ከጥፍኡኻ ከይተሓለሉ ይጽዕሩ)
      ኣብ መወዳእታ፣ ስዕረቶም ምስተቐትሉ ፣ኢዶም ብምሃብ፣ ከምዚ ኣይመሰለናን ብምባል ይቕበሉኻ።

  • selam November 7, 2013

    ኣነ ከም ኣባል ናይ መ ኤ ን ሃ እዚ ዝተባህለ ይኣምነሉ አየ ፤ ጸገም ኣሎ ናይ መሪሕነት እወ፤፤
    እዚ ዝተመርጸ ኣካል ብወገን ናይ ሓደ ወገን ኣይኮነን፤ ኩሉ ተኻፋሊ እቲ ጉባኤ ዝመረጾ እዩ፤፤
    ናብ ዝተጸወዔ ኣኼባ ከይድካ ተሳቲፍካ እቲ ዝራኣየካ ጉድለት ምርእራምን ንቅድሚት ምስጋምን ዶ
    ይሓይሽ ወይስ ኣቀዲሙ ንዝተሰርህሔ ነገር ኣፍሪስካ ሓድሸ ምምስራት፤ ቅቡል ኣይመስለንን
    ሕሰቡሉ፤

  • osama from sudan November 7, 2013

    EYSNS ornikkum aqrbu intetbhalu 90% deqi hanti kebabi ikum . Kalie awraja befstum ayteqrbun ikum .izi netom msakum koynom ageb zblukum un kitsemiewom aykalkumn slezi dagme myyth gberu . Nbeynkum tguazu alekum
    Ageb nzbelekum likie kemta nay iseyas xeleme. Laukat hgdef eya quanqakum . Alewukum do deqi metahit ? Alewukum do deqi kalue awraja .

    • Blhi November 8, 2013

      May be they are smarter than the rest!

  • halengi November 7, 2013

    tir elka okyale .ata ttemahru ttsirhu do aymhashekumn hatefteffffffffffteffffff eway ane zeikoneley. zeinebereka merzen zemexe zerebatat.

  • ahmed November 7, 2013

    ንሕና ዘይብሉ ምትእክካብ አይዕወትን እዩ ምባል ምሐሸኩም ፣
    እዚ ብኤርትራውያን ምንቅስቓሳ ንለውጢ ሂብኮሞ ዘለኩም መግለጺ ናብ ሐደ ውልቀ ሰብ ዘቅነዐ ጠቀነ እዩ፣ እቲ ጸገም ብአቦመንበር ፈጻሚት አካል እዩ ዝፍጸም ዘሎ ዝበልኩሞ፣ ካብ ሐቂ ዝራሐቀ ነቲ ሂብክሞ ዘለኩም ስም ጸቢብ አውራጃዊ መልክዕ ከዳምቀልኩም ዝተጠቀምኩሙሉ ሜላ ሙካኑ ጉሉጽ እዩ፣ ምኽንያቱ ኢቲ መበገሲ ዘይምርድዳእን ናይዚ ማሕበር ዝጀመረ፣ ኻልድ ዓብዱ ካብ ሐላፍነት ምእላይ ዘበገሶ ጸገም፣ ነቲ ቦታ ናይ ኻልድ መን ይተካአዮ ፣እቶም አብ ኤውሮጳ ዘለኩም አብ ክንዲ ተረዳዲእኩም ነቲ ቦታ ዝበቀዖ ስብ አብ ክንዲ ምትካእ ናብ ናይ ወገነይ ወገንካ እዘዓይነቱ አካይዳ ብምካድኩም፣ ነቲ ማሕበር ንፋሰ የእቲኩሙሉ ከይአክል ሕጂ ድማ ብዓብዩ ነቲ ክንደይ ዝተደከሞን ዝተሰረሖን ማሕበር ከተፍርሱ ምህቃንኩም ፣ካባኮም ካብቶም ተስፋ ዘሕደርናልኩም ሰባት ከምዚ ምፍጻምኩም ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ፣አብቲ ቀንዲ ጸገም ናይዚ ዘይምርርዳእ ተሰፉ አጽባሃ ምዃኑ ዝገለጽኮሞ ደክተር በረኸት ንምንታይ ረሲዕኩሞ ወላሰ አብዛ ሓዳስ ማሕበርኩም ስለዘሎ እዩ ወዲ ማሕበርኩም አሕሊፍኩም ክትህብዎ አይደለኩምን ፣ዶክተር በረከት ቤት ጽሕፈት ናይ ስመኤድሃ ረጊጽዎ አይፈልጥን እዩ እንተበልኩምሲ ሰብ ከይሰንብድ ስለዝፈራህኩም ዲኩም እወ ሰብ ይስንብድ አቦመንበር ባይቶ ተባሂሉ ቤት ጽሕፈት ረጊጽዎ ዘይፈልጥ እንተዀይኑ የሰንብድ አነውን ሰንቢደ እየ፣ ምሰ ሰማዕኩ ፣እታ ዝከፈአን ዘሕፍርን ስጉምቲ ዝወሰዳ ዶክተር በረክተ ነቶም አሚና ሐላፍነት ዘሰከምናዮ ከምታ ቃል ዝአተዋ አብ ጎባኤ ከረክበና ኔይርዎ እዚ ክገብር ግን ትብዓትን ቅንዕናን ይሐትት ፣ናይዚ ኩሉ ጸገም ድማ ተሐታቲ ንሱ እዩ ፣ከምቲ ገሊጽኩሞ ዘለኩም እዚ ጎባኤ ንኹሉ ኤርትራዊ አሳታፊ ክኸውን አለዎ ባሃልቲ ኢኹም ፣ካብቲ ናይ ደብረዘይቲ ኣኼባ ክንወጽእ እንከለና ኩለን ዞባታት ነናተን ሐላፍነት ተሰኪመን ወጺኤን አብ ከባቢአን ዘለዎ ደለይቲ ለውጢ ከሰምራ ፣እዚ ስራሕ ድማ ንፈጻሚት አካል ዘይኮነስ ንጨናፍር እዩ ዝምልክት ፣ተሰፉ አጽባሃ ደቂ አውራጂኡ እዩ ዝጥርንፍ ዘሎ ፣አብ ጨንፈርካ እስካ ኢካ ትጥርንፍ ፣እዚ ዘይቅቡል አዘራርባ አዩ፣ እታ ሐንሳብ ንኤውሮፓ ዝገሻ ምናልባት ከምኡ ስሚዒታት አሕዲራ ትኸውን ፣እንተኩነ ነገራት ቅርብ ኢልካ ብምርድዳእ ከፍታሕ ዝኽእል ምኽንያቱ ከይፈለጥካ ፣አብ ሐደ አፍረሲ ዝኾነ መደምደምታ መብጻሕ ርትዓዊ አይኮነን ፣ነቲ አቀዲሙ ዘይሰመረ አብቲ ንመጻኢ ስራሕካ ትሕንጽጸሉ ተሳትፎ ብምንታይ መለኪዔ እዩ፣ቀዲሙ ዘይሰመረ ከመይ ገርካ ናብ ጎባኤ ተእትዎ ፣ዘለናዮ ግዜ አብግምት የእቲካ እቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ርትዓዊ እዩ፣እዚ ድማ ናይ ወዲ አጽባሃ ሐሳብ ጥራይ አይኩነን ናይ መብዛሕቶም እቶም ኣባላት ባይቶ ሐሳብ እዩ ፣አነውን ዝድግፎ ሐሳብ እየ፣መገለጺኩም ሰሚዕናዮ አለና ነቲ ሐዲሽ ማሕበርኩም ሰሰናዮ እምነየልኩም ፣እዛ አውጺእኩማ ዘለኩም ስለትፈላለየና ሰስራሕና ንስራሕ አይንተዓናቀፍ ። 

    • Justice4all November 7, 2013

      Viva man. Great !

POST A COMMENT