Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም።

ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም።                23-04-14፡ ኣቐዲመ ንብሙሉኡ ህዝብናን ሃገርናን ርሑስ ፋሲካ ክኾነልና እምነ። ፈጣሪ ነዛ ዓለምና ሰላም ከውርደላ’ውን ምሒር እጽሊ ። ቀጺለ ከምሓደ ኣረጋውን ኣማኒ ኦርቶዶክስን ፍትሓተ-ጾመ-ልጓም ንምጽምባል ኢለ ቤተ-ክርስትያን ክስዕም ምስከድኩ ብ ዛዕባ ዘጓነፈኒ ከዕልለኩም

ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም።                23-04-14፡

ኣቐዲመ ንብሙሉኡ ህዝብናን ሃገርናን ርሑስ ፋሲካ ክኾነልና እምነ። ፈጣሪ ነዛ ዓለምና ሰላም ከውርደላ’ውን ምሒር እጽሊ ። ቀጺለ ከምሓደ ኣረጋውን ኣማኒ ኦርቶዶክስን ፍትሓተ-ጾመ-ልጓም ንምጽምባል ኢለ ቤተ-ክርስትያን ክስዕም ምስከድኩ ብ ዛዕባ ዘጓነፈኒ ከዕልለኩም ብምንቃደይ ምክትታሉ ናትኩም ይኹን።

ካብ ብዓርቡ ኣትሒዘ ነቲ ስነ-ስርዓት ስለዝቐነኹሉ ከም ናይሎሚ ዓመት’ዃ ተፈስሂኒ ኣይፈልይን። ግናኸ ከምቲ ሓደ ግዜ ዘ ዕለልኩኹም ኣይሕሱብ ነገር ስለዘይተርፍ፡ ኣብ ምስላም መስቀል ምስበጻሕኩ ቀሺ ምሒር ከተኩሩለይ ረኣኹዎም’ሞ ፍሉጥ ዓሚል ብዘ ይምንባረይ ስለዘየለለዩኒ ኮይኑ ጥራይ ኣይተራእየንን። መቸም ዕድሎትና ኣዚዙ ኣብቲ መንፈሳዊ ቦታ’ውን ንርኽ ሰት ካብንጋለጽ ነዊሕ ኣቑጺርና እንዲና፡ ዘመነ-ህግደፍ ኮይኑስ እቲ ዕጡር ገጽ ብሓደ ዘይተበርሆ ነገር ከምዝጨኹተረ ኣይሰ ሓትኩን።ዛንታን ጭብጥነትን ካብተጋጠምና እንተሃበረ “ተቓዋማይ መንግስቲ ድየ ደጋፋይ” ዝዓይነቱ መንፈስ ከምዝበሓቶም ኮይኑ’ዩ ዝተሰማዓኒ። ከምኡ እንተኾይኑ ቀሺ’ዃ ከምኡ ዝወረሶም ኣነ ዓለም’ውን ንወያ መስቀል “ናይ ተቓወምቲ ድያ ናይ መንግስቲ” ብዝመሚ ቆላሕታ ከይለኻዕኩዋ ኣይሓልፍኩን። ልክዕ እንተነይረ ሕቶ ነልዕል ሕጂ። ዋላ’ዃ ንሶም ኣቦ-ነብሰይ እ ንተዘይኮኑ “መንና ኢዩ ጽፉዕ መንከ ቅቡእ? ወዮም ኣሳላሚ ቀሺዶስ ኣነ ተሳላሚ ዓለም?” ዝዓይነቱ ሕቶ ማለተይ ኢየ።

ካልእ ገዲፈ ብዛዕባ ኣዝዩ ዝሓደሰኒ ንምዝራብ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክንድኡ ዝመጠኑ መንእሰይ ተኣኪቡ ምርኣየይ ከየተሓሳ ሰበኒ ኣይተረፈን’ሞ ምስቶም ከምዚ ከማይ ከኣ ተላዘብኩ። ከምኡ መግበርየይ ፍልጠትን ዕብየትን ካብ ምህሮ ጥራይ ኣይኮነ ን ዝርከብ። ዝበዝሐ ምህሮ ኣውራ እቲ ተወራሲ ካብ እሂን ምሂን ሰኒቕካ ብኸምኡ መልክዕ ከተውርስ ዝቐለለን ነባርን ኢዩ። እሞ ምስ ጽኑሕ ብምዝማድ መንእሰይና መስቀል ምስላሙ’ዃ እንተዘይከፍአ ክሳብ ክንድኡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምዕሳሉስ እ ዚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት? ናበይ ገጽና ኢናኸ ንሓዋሩ?” እናበልና ቀጸልና። ሽዑ ዝረኸብኩዎ ኣኽባር ግና ከምቲ ኣመጻጽኣኡ ከየዳመቕኩዎ ምሕላፈይ ንዘይተገዳስነተይ ዘመልክት ገይረ ኣይወሰድኩዎን።

ኣብ ሰዓታት ኣጋግዘ ከምቲ ልሙድ ሓያለይ ስድራታት ተጠራኒፍና ከነውግዕ ስለዝተዓደምኩ ክብረት ኮይኑ ከድኩ። ኩሉ ም ድላዋቱ እንታይ ክወጾ! ተበልዐን ተሰትየን’ሞ ምስቲ ዝተቐረበ ሽሻይ ናብታ ንብርቲ ቡን ምጭላጥ ተደርገምና። ቡን ብባህሪ ኣ ሓሳባት ናይ ምምንጫውን ምዝታይን ባይታ ስለትፈጥር፡ ኢልና ኢልና ናብታ ናይ ወጋሕታ ዕላልና ተደርገምና። ቤተ-ክር ስትያናዊ ዕጥቂ መንእሰያት ዘሐጎሰን ደቂ-ኣንስትዮ ዝወልዐዖ ዕላል ምስሰማዕና ድማ ሓቂ ንምዝራብ ፋዕራአን ኣይገበርናን። ብፍላይ’ቶም ድሮ ብጋሕጋሑ ዘውጋዕናሉ ዘበልና ግን ነንሕድሕድና ተጠማሚትና በቢልብና ብዙሕ ተባሃሃልና።

እቲ ስዒቡ ክዛረብ ዝነበሮ’ውን ከይደንጎየ ናይሎሚ መንእሰያት ሳላ ዝወጸሎም ፈተውቲ ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ብኣውራኡ  ፈጣሪ ካብ ኣፍ ናይቶም ኣዛብእ ሸየጥቲ ሰብ ሰበ-ስልጣናት ከምዘናገፎም ወሲኹ ምስ ኣድመቖ፡ ኣዴታት ከኣ ብኣ ንባኣ መ ድረኽ መንጢለን ብምብሓት ተተመላሊሰን ሳላ ከምኡ ዝኾኑ ኣምላኽ ካብዛ በላዕተኛ ሰብ ሲናን ባሕርን ኣናጊፉ ዓዲ ሰብ ስለዝደርገሞም ምስጋናአን ወሰን ኣይገበራሉን ጥራይ ዘይኮነ ሞሳኡ ምስዓም ቤተ-ክርስትያን’ውን ከምዝወሓዶ ወሳሰኻ።

እቲ ዋዛይን ቁምነገርረይን ከምዝዘባረቖ እናኣምሰለ ዝዋዘየኒ ብዕድመ ዝጸቕጠና በሊሕ መስተውዓሊ በተን ጨምጫማት ኣዒ ንቱ ክቱር ወግኣኒ። ኣስዒቡ ንኩልና ዓብሊሉ እናተቖጻጸረና ዓቲቡ ነቲ ጨዓይ ጸጉሪ መንከሱ እናደባበሰ “መሸም እንታይ ኣ ሎ መስለኩም” ኢሉ ምስጀመረ ከምሕረሉ ጉድ! ኣድህቦ ኩላትና ሰሊቡ ብምቕጻል “ኣቦታትና ክምስሉ”፡ ኢሉ ነዛ ከምኣርእስ ቲ ዝጠቐስኩዋ ምስላ ጠቒሱ እወታ ምስዓም ቤተ-ሃይማኖት ኣሞጒሱ ግንድማ ብትዕዝብቱ ናይ ሎሚ መንእሰይ፡ መንእሰይ ምዃን ብዘይምኽኣሉ ዘለዎ ማዕቀብ ደርጓሓልና።

ንዕላል ድማ ከምኡ ዕላል ዘምጽኦ ኮይኑስ ብወገነይ ሳዕቤንን ጠንቅን ናይቲ ኩሉ ሰብ ፖለቲከኛ፡ ኩሉ ሃይማኖተኛ ምዃን ዘ ምጽኦ ኣበሳ እናኣገማዳሕኩ ናይሎሚ ዘመን መንእሰይ ናብ ቤተ-ክርስትያናት ምዕሳሉ እንታይ ከይከፍእ ኢለ ነብሰይ ክጠባብ ራ ፈተንኩ። እንተኾነ በዓል መድረኽ ኣስዒቡ “እቲ ዝምልከቶ ማለት ናብኡ ዝተመደበ እንተዓሰለስ ኣይመኽፈአን”፡.….. ኢሉ ብዛዕባ ናይ’ዚ ቅንያት እዋናዊት ፕሮፖጋንዳ መንእሰይን ሃይማኖትን ዘርዚሩ ዘንጸርጸረ እናመሰለ “መንእሰይ ክኸይድ ክዕንቀ ፍ፡ ክበልዕ ክሕነቕ ንቡር ነገር ኢዩ። ብዕራይ ክጸሪ’ኮ ኣብ መስገደል ኢኻ ትቖርኖ። ሃገር ድማ ዉዑይ ደም ኢዩ ዋልታኣ! ‘ሕ ጂኸ ናይ መን ደም ክፈስስ’ ኢልካ ጣቛ ካብ ሃይቂ ደም ምውሓዝ’ኮ ኣየናገፈናን”…… ክብል ምሒር ኣስተማሰለ።

ዝሰዓበ ርሱን ናይ እንካን ሃባን ምጉት ቀሊል ኣይነበረን። እምነት ዓላማ፡ ዓላማ ድማ እምነት ኢዩ። ሰብ ኣማሚ፡ እዝጊ ፈጻ ሚ ካብኮነ፡ እዝጊ ክፍጽም ግድን ድማ ሰብ ክእምም ኣለዎ። ዓወት ዓላማ ምጭባጥ ዝካኣል ከኣ ተተኣኪብካ ምንባዕ ዘይኮነ ስ በቢሞያኻ ክትውፈ ክሳብ ምስዋእቲ ኢሉ እንክዛዝም ብዘይካ ጸጥ፡ ዝተፈለየ ርኢቶ ዘቕረበ ሰብ ኣይነበረን። ሰረተ-እምነት መንእሰይ ድማ ከምቲ ዝበሎ ንናይ ጽባሕ ራህዋ ሎሚ ኣብ መከራ ክሳጣሕ ከምዘለዎ ጽዱቅ መሰለ።

ብወገነይ ኣፈይ ኣዲበ’ዃ እንተኣጽቀጥኩ ደቂ ኤርትራ ተኣኻኺብና ናብ ከምዚታት ምድሃብናስ ጽቡቕ ድዩ ፎእ ኢለ ከየጋፋ ሕኩ ናይ ሎሚዘመን ፋሲካ ግዳ ሓንቲኣ ከምትወልድ መሰለትኒ። እንተ’ታ ዝጠቐሳ ንልምሰት መንእሰያት ዓሊማ ውሽጢ-ው ሽጢ ዝለሓመት ብከላ’ሞ እዋናዊት ትመስል’ምበር ብግብርስ ካብ ብጥንቱ ከም መሳርሒት ገዛእቲ ኮይና ኣገልጊላ ኢያ።

ብዛዕባ’ቲ ኣነ ዘምልኾ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ገለ ንምዝራብ፡ መብዛሕትና ከምዝመስለና እዛ ጨንፈር ክርስትና’ዚኣ ከም ዝገደመት ሃይማኖት ጌርና ኢና እንወስዳ። ክዉንነቱ ግና እንተዘይተጋግየ ኣብ 1050 ዓ.ም. ከምተመስረተት ይግለጽ ኢዩ። ብ ተወሳኺ “ተዋህዶ” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ንኦሪትን ሓድሽ ኪዳንን ስለዘጣመረት ጥራይ ኢዩ ። ብዙሓት ካብ ሰዓብታ ከም  ዝብሉዎ ግና ስጋ ዎደሙ ስለዝተወሃሃደ ተዋህዶ ከምዝተባህለት ይገልጹ። ብተወሳኺ ካብ ኣጀማምራኣ’ውን ስልጣን ቤተመ ንግስትን ሃይማኖትን ኣጣሚራ ክትሕዝ ዝሓለነት፡ እንተዘይካኣለት ዓቃቢት መንግስቲ ክትከውን ብዓለማዊ ውሕልነት መን ግስቲ ዝተሰርሐት ምንባራ ዝዝንቶ ዛንታ’ውን ኣሎ እንድዩ፡ ነገር ሓቅነቱን እምነቱን ግን ከከምኣረዳድኣ ሰብ ይኸውን።

ኣነ ድማ’ቲ ሰፊሕ ጥበብ ሃይማኖታዊ ፒለቲካ ተቐጀለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ካብ ብዓንተቦኣ’ውን ኣብ መሓውር ፖለቲካ ትዋሳእ ከምዝነበረት ዘከርኩ። ሃጸይ መነሊኽ’ዃ ብመሰረት ዓንቀጽ ኣርባዕተ ውዕል ውጫለ ኤርትራ ከምዘይእንታ ዮም እናፈረሙ፡ ኤርትራዊት ደብረ-ቢዘን ግና ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ክትከውን፡ ንብረትነታ ድማ ናይ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ክትኮነሎም ተተስፍዮም ኢዮም ዝተፈራረሙ። ብኡ መሰረት ኢቲዮጲያ ኣብ ኣእምሮ ኣገልገልቲ፡ ኣመሓደርትን ኣ ምለኽትን ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ሰፍ ዘይብል መንፈሳዊ ተጽዕኖ ፈጠረትሎም። ኣብ እዋን ዓደይ-ዓደይ ድማ ኦርቶዶክስ ኤርት ራ ንውህደት ምስ ኢቲዮጲያ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረት ይፍለጥ።

ብኡ ዝጀመረኒ ሃይማኖታዊ ማሕታ ትማሊ ቀልጢፉ ኣይመሓረንን። ብፍላይ እዛ ቤተ-ክርስትያን፡ ድሕሪ ናጽነት ንሳ’ውን ካ ብ ኣርዑት ኢቲዮጲያ ዝተሓረረት መሲልዋ ብርቱዕ ለውጢ ክትገብር ከምዝጀመረትን፡ ህግደፍ ድማ ብኸመይ ይጥቀመላ ከ ምዘሎን ክራኣየኒ ጀመረ። ነታ ቤተ-ክርስትያን ብኣምሳሉ ቀሪጹ፡ በቲ ሓደ ከም 09፡ ኩባንያ ምንጪ ኣታዊ ክቕይራ፡ በቲካል እ ተቓውሞ ንክድህኽ ተቓወምቲ ንምዝራግ (ክሳብ ኣብ ሓዳር ከይተረፈ) ከም ዓባይ መንፈሳዊት መሳርሒት ይጥቀመላ’ሎ፡

እዚ ንክኸውን ብቐዳምነት ነቶም ጳጳስ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ምእሳር ዘይምኽኑይ ክንሱ ዘየላቡ ዕማሙ ገበሮ። ሎሚ ድማ ን ወዮም መንእሰያት ብስም ሃይማኖት ኣብ ሓድሽ ስዉር ማሕቡስ ክድርግሞም ይርአ እንሀ። ማለተይ ንምሕጻሩ ብቐደሙ እ ዛ ቤተ-ክርስትያን ፍሉይነት ዓለምን እምነትን መምዮም ስለ’ቲ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዝሓልፉ ውፉያት ኣቕሽሽቲ ኣይኮነትን ት ስእን። ምእንቲ ርስቲ ኣንስቲ ዝዋግኣ እንተኾይነን፡ ኣቕሽሽቲኸ እንታይ ሓቢጥዎም ዘይተባተቡ! ካብ ዝብል ፍቕሪ ሃገር ብቐ ሊሉ ግዳይ ሰበ-ስልጣናት ትኸውን ከምዝነበረትን ከምዘላን ክዝክሮ ከምዘይጸገመኒ ንምግላጽ ኢየ።

ዕላልና ብቃላት መዋግዕትና ከጠቓልሎ። ንሱ ከምትዕዝብቱ፡ በዓል ግዜ መንእሰይ ናይ ባዕሉ ስነ-ምግባር ዝውንን ክኸውን ዝግብኦ ብእዋኑ ዘሕለፈ ጠስጣስ ክነብዕ ምርኣዩ እናኣሕዘኖ ሉምሉም ሰብ ጎበዝ ዓዲ ከምዘይኸውን ኢዩ ከረድኣና ዝፈተነ። ኣዋልድ ዓዲ’ውን ከምጎራዙ መጠን ኣርሓ’ንድዩ ባህገን፡ ንዝዘሓለን መንእሰይ ድማ “እዋይ ወዲያ ኩስቶስ መሽክን ኢዩ፡ ተ ውሳኹ”…. ኢላ ማዕጾ ንትኸፈተለን እናኣመስገና፡ ኣፋተን ሓታቲመን ብድንጋጸ ተተቐባቢለን ”እዋይ ተውሳኹ ደይብሉ” ዓ ጢነ፡ መኾስ ጻሕሊ፡ ዓጣን ደብሪ! ……ኢየን ዝብልኦ” ምስበለና ትዋሕ ኮነ ስሓቕ። ለካስ “ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም” ዝበሃልስ ከምዚ’ዩ!!!!!!!!!!

ኣብ ዝቕጽል ነገር ዓድዋ የራኽበና።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra April 23, 2014

    I agree with your article Ato Godefa. Why? Well, let me tell why:
    1) Most of these youth left the country because of isayas and his administration
    2) Most of these Tewahdo churches are run by Yefitahe Demetrios – and he reports to isayas
    3) Most of these churches collect and send the money to isayas
    4) isayas in turn killing/enslaving/demoralizing these youth – and they leave the country
    5) These youth attend the govt owned churches
    Add all these up and you will get your answer. Why don’t you create your own Tewahdo church that you can run it yourself, if you are true religious. You have youth priests and you can use any churches for free. Just organize that way.
    Oh by the way, your true Patriarch is under house arrest. Did you forget that?

    • Hailizghi Habte April 24, 2014

      mightyambasoyra and Godofa,
      I read your comment, and all what you said is a sign of paganism, unfortunately, our religion orthodox tewahdo will continue regardless you, the Jebha affiliated anti-Christian from your day one, what you call a struggle. Besides, the sha’ebia virus who are weakening like king of Babylon nebekenedetsor, will be demolished by the help of God, unlike you disastrous regime and regilionalist. I and people like me, will fight you parallel to our fight against dictator IA. One day you will be demolished totally by his ability.
      Bye now.

      • MightyEmbasoyra April 24, 2014

        Hailizghi,
        ብምንታይ ከምዝጅምሮ ከማን ሓርቢቱኒ። ኣይተሃወኽካን ዶ፧ ተዋህዶ ናይ በይንኻ ዝገበርካዮ ትመስል ፡ ከምኡውን ኣምላኽ ንዓኻ ከምዝቐርበካ ጌርካዮ መስለኒ።
        በትሓደ ወገን ንመንግስቲ ኢሳያስ ትጸልእ ትመስል በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንተጋደልቲ። እሞ ምስ መንደኣልካ ክትውግን፧ ምስ ኢትዮጵያ?
        ክንድምስሰኩም ኢና እንዳበልካና፥ ሃይማኖታዊ ክትመስል ትደሊ እዝስ ተገራጫዊ ነገራት’ዩ። ናይ ሃይማኖት ተጣባቒ ሰብ ድማ ትዕግስቲ ይገዝእ። መንዩ’ኸ ተዋህዶ ኣይኮናን ዝበለካ?
        ዝሕል በል፥ ካብ ናይ ስጋን መንፈስን ሕማማት ክትድሕን። ሕውነታዊ ምኽሪ።

        • Hailizghi Habte April 24, 2014

          mightyembasoyra,
          Why you got no clue, how to start; if you have an idea what has been said, you can publish a book, not only an article. Again, this idea is a campaign against orthodox tewahdo, and no one will tolerate it. Enough has been done by jebha and sha’ebia. You claim, as you are orthodox tewahdo. Read your old book that you have in your house, will it recognize by saying that I am orthodox while you are insulting. Let me give an example, will it consider you or upraise you as an Eritrean, if you do genocide in the nation. Though you still considered as an Eritrean, don’t you think you are inputting your vague images in the front. Put aside your chameleon characters, we know you, from where you coming from and how you are trying to tackle the church. Please know, Christ erected it and it will continue as it is.
          Bye Godofa and his friends

          • MightyEmbasoyra April 24, 2014

            Hailizghi:
            በዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፥ እታ ስልጣን ናይ ኢሳያስ ተትሕዛስ ሰላም ኣይመስፈንካን ኢለ ኣምን። ከመይ’ዶ ኢልካ ሓቀይ፧
            ቀዳማይ ነገር: ኤርትራ ካልእ ሃይማኖት ከምዘሎ ዘክር።
            ካልኣይ: ከምዝንስኻ ትንጽለና ዘለኻ ዘይኮነስ ኣቶ ጎደፋ ንተዋህዶ ኣይዘለፈን። የዕሪኻሞ ኣንብቦ (ከይሓረቕካ ማለተይ’ዩ)
            ሳልሳይ: ናይቲ ይኣምነሉ’የ ኢልካ ትጃሃረሉ ዘለኻ ሃይማኖት ቅዱስ መጽሓፍ “ኣረጊት መጽሓፍ” ኢልካዮ። ተዘይ ተጋግየ፥ ካብተን ሕግታት ሓንቲ ጥሒስካ መስለኒ
            ራብዓይ: ካበይ ከምዘመጻኻ ንፈልጠካ ኢና ኢልካኒሞ፥ እስከ ወደይ ንገረኒ። ሓንቲ ዓባይ ሚስጥር’ዶ ክነግረካ (ትዕቅብ ተኾንካ)፥ ወለዶ ሙቕጻር ‘ተንጅምር፣ ኢየሱስ ንዓይ ምቐረበ መስለኒ (እዚ ግን ከኾርየካ የብሉን)

  • selamawiet April 24, 2014

    nay kesar nab kesar nay amilak nab amilak nihabo
    meskel tirghumu keyterediana bizuhat dey shimu nihibo alona
    atum poleticawian nisikum midrawian ikum. silezie netom kuburat abotat kahinatina nay semayawi sirah zigebiru
    imo kia dekimna tsemiena temina keybelu kikidisu 55 mealti keyeirefu mienti selamn fikirin kiwerid nizegelgelu kidusan kahinatina mis
    misti dihir seb atirifikum zelo resah poleticakum ayiken ketemazaziniwom mis manim seb kititsiwiewom aygibaen iyu
    kalsikum felikum filetiwo.yibihal iyu ilkum nibaelikum tefiukum kalee seb aytetifiu
    kahinat kemti amilakina goitana medihanina eyesus kiristos zibelo meskeley tesekemu zibelo kidusan kahinatina tesekemti meskel iyom imber tesekemti nayti virus poletikakum zisikemu aykonin
    tsilkum ke mis men iyu? mis shabia weys mis orthodox tewahido? meninetkum anetsiruwo. orthodox tewahido semayawiet nay amilak seabiti iya itefiriy imber kem nefahito hibirom zikeyayiru sebat aytefiriyin iya

  • selamawiet April 24, 2014

    atum sebat timeslu gina bahiriatikum yikun haymanot zeybilkum orthodox tewahido zelalemawiet iya semayawiet iya.kulugizie dima mis amilak iyu rikiba iber mis poletika rikib yebilan mikiniatu poletica meshmash midirawie iyu.inte orthodox tewhido gin semayawiet hakegna iya. wey likum atum nekesti tub ade.orthodox iko adiekum iya. nay bihaki mihiret kiwerdelkum nigoitana nimedihanina niliminelkum
    hijiwien kibilekum orthodox tewahido zelalemawiet iya
    inte iti midirawie natikum gin nihatsir giezie iyu
    shabia midirawiet iya nisikum ewien midirawian ikum .

  • Denden April 24, 2014

    God bless you Almaz Gual Asmera and keep it up.

  • mule April 24, 2014

    godefa kemey wedey ab goduf tekeber biabikas menesey kisalem yeblun tibl aleka eska haymanot yeblkan wey dima kalie hbue elama zeleka seb eka

  • mule April 24, 2014

    aykonen menesey htsanat ewn kimelalesu alewom

  • tes April 24, 2014

    godefa ayzereban siwur wditatka kisab zikone tsehaf ente semae ezni gn ayktrekbn eka pastardo

  • Solomon April 24, 2014

    ዓል ግዜ መንእሰይ ናይ ባዕሉ ስነ-ምግባር ዝውንን ክኸውን ዝግብኦ ብእዋኑ ዘሕለፈ ጠስጣስ ክነብዕ ምርኣዩ እናኣሕዘኖ ሉምሉም ሰብ ጎበዝ ዓዲ ከምዘይኸውን ኢዩ ከረድኣና ዝፈተነ።

    GOdefa- sharp-pen, clear idea and message!! THANK YOU,I ENJOYED IT!!

  • KB ASMRA April 24, 2014

    AZYO AGDASE KTLO

  • Mana April 24, 2014

    ኣቦይ ጎደፋ፣ ኩሉ ጽሑፍኩም ዘሕዝን ኢዩ፥ ጽሑፍኩም ፋንኳ ኮይኑ ረኺበዮ። ካብ ኩሉ ከኣ ኣብ ዘይትፈልጥዎ ነገረ ሃይማኖትን ታሪኽን ካብ ምእታው እንታይ ገደሰኩም። ብተወሳኺ ከምዚ ከማኹም ዝኣመሰለ ሰብ ኣምኒ ኣይበሃልን ኢዩ። ይሁዳ ንጎይታ ከምዝሸጦ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንቤተክርስቲያን እትዋገዩ ኢኹም። ካብ ጽሑፍኩም ከምዝተረዳእክዎ፥
    ኣማኒ ተዋህዶ ኣይትመስሉን። ኣንተዄንኩም ድማ ዕድመኹም ዘበለዮ ኣብ ካልእ ኢዩ።
    “ደርሆ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከምዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ቤተክርስቲያን ምብዝሑ ካብ ኣሕዘነኩም ጥፍኣት መንእሰይ ኤርትራ ካብ ዘሐጉሶም ሰባት ሓደ ኢኹም ማለት ኢዩ። ከመይሲ ድሕነትን ሂወትን ኣብ ቤተክርስቲያንን ብክርስቶስን እምበር ኣብ ካልእ የለን። ኣይርከብን ውን። አረ እንተስተክዎ ኣብ ልዕሊ እዛ ቅድስት በተክርስቲያን ጽልኢ ዘለኩም ኢኹም ትመስሉ። ብካህን ዝጀመረ ወቐሳኹም ናብ እምነት ናብ ኣመንቲ፥ ናብ ኩሉ በጺሕኩም። ብሁል እኮ ኢዩ “ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ።”
    ብኣፍ ኣማኒ ኢየ፥ ሰዓቢ ኢየ ምባል ኣይጠቅምን ኢዩ። “ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ።” 1ይ ዮሐንስ 2:18-19::
    እንተ ናይ ተዋህዶ ዝብል ቃል ዝይትርጉሙ ዝሃብኩሞ፥ ንባዕልኹም ጠፊእኩም ሰብ ከይተጥፍኡ ቅኑዕ ትርጉሙ ሕጽር ብዝበለ እነሆ፥
    ተዋህዶ ማለት ቃልን ስጋን ዝተዋሃሃዶ ማለት ኢዩ። ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ሰማይ ከይተነከዮ ካብ ምድሪ ከይተወሰኾ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹኃን ድንግል ማርያም ሓዲሩ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ምውላዱ ዝገልጽ ኣምነትና ኢዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ዝበሎ ተመልከቱ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ:: እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።….እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ወ. ዮሐንስ 1:1-3, 14”
    እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ይርኣየና!

    • Hailizghi Habte April 24, 2014

      excellent response mana, ….. aman bi aman mana …… long live to orthodox tewahdo …

POST A COMMENT