Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!!

Dr. Mesghina G/Medhin Caltural Anthropologist . mmedhin@ymail.com   “ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!! እዚ “ውድብ” ዝበሃል ገድላዊ ጭርሖ፣ መሰረቱ ካብ ባዕዳውያን ዝተለቃሕናዮ ኾይኑ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ሃይማኖትን ሃገርን ሰሪዕናዮ እንኸይድ ዘለና ኣምር ኢዩ። ኣብ ሃገርና “ውድብ” ዝበሃል

Dr. Mesghina G/Medhin

Caltural Anthropologist . mmedhin@ymail.com

 

“ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!!

እዚ “ውድብ” ዝበሃል ገድላዊ ጭርሖ፣ መሰረቱ ካብ ባዕዳውያን ዝተለቃሕናዮ ኾይኑ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ሃይማኖትን ሃገርን ሰሪዕናዮ እንኸይድ ዘለና ኣምር ኢዩ። ኣብ ሃገርና “ውድብ” ዝበሃል ነገር ካብ ዝመጽእ ንደሓር፣ ውድብ ዝበለትካ ተማእዚዝካ ምኻድ፣ ንውድብ ምስ ዘይትእዘዝ ድማ መርሸንቲን ማሕረድቲን ከጋጥም ንቡር ኮይኑ። በዚ ኣገባብ ደሞም ዝፈሰሰን ኣብዚ ኣተው ከይተባህሉ ብዝወፈርዎ ጠፊኦም ዝተረፉን ደቂ ሃገር ክንደይ ክንብሎም።

ብመሰረቱ ሃገርና ንኣማኢት ዓመታት ናይ መንግስቲ ወይ ከኣ ናይ ውድብ ተጽዕኖ ብዘይብለን ንኣሽቱ ዓድታት ዝተመስረተ፣ ብኣማሓዳርነት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምራሕ፣ ባህሉን እምነቱን ክብሩን ሃገሩን ሓልዩ ዝነብር ወረጃ ህዝቢ ዝነብረሉ ኢዩ ነይሩ። ጣልያን ንኤርትራ ክገዝእ ምስ ጀመረ እተን ብደቀባት ዝምርሓ ዓድታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ርእይዎ ብዘይፈልጥ ምዕቡል ሕጊ እንዳባ ክመሓደራ ምስ ጸንሓኦ ነቲ ሕጊ እንዳባ ከም ዝነበሮ ኢዩ ገዲፍዎ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተወልዳ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ንመሬት ኤርትራ ክቆጻጸራኦ ምስ ጀመራ ግን ነቲ ወረጃ ባህልና፣ ሃይማኖትናን ሃብታም ሕጊ እንዳባን ካብ ሱሩ ሓኺኸን ካብ መሬት ኤርትራ ምስ ኣጥፍኣኦ ደርፈን፣ ሃይማኖተን፣ ሕገን፣ መምርሒአን ብ“ውድብ” ተተኪኡ።

ኣብ ሓምሳታት ተወሊድና ኣብ ሱሳታት ዝዓበና ኤርትራውያን፣ ካብ ስድራቤታትና፣ ሓወቦታትና፣ ኣኮታትና፣ ኣሞታትናን ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝወረስናዮ ነገር እንተ ደኣ ሃልዩ ሃብታም ባህሊ ኢዩ። እቲ ንኣማኢት ዓመታት ካብ ስድራና ዝወረስናዮ ሃብታም ባህሊ ግን ኣብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ከይተወርሰ እንከሎ በቲ ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ዘይንፈልጥ ባህልን ልምድን እምነትን ማርክሳውያን ስለዝተተክአ ሎሚ መብዛሕትአን ውድባት እንተላይ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት፣ በቲ ናይ ህዝብና ሃብታም ባህልን ልምድን ስነ-ስርዓትን ዘይኮነስ በቲ ኣብ ሜዳ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ቀያሕቲ ዕንባባን ኮኾብ ጽባሕን፣ ኣብ ሓራ ኤርትራ ድማ ካብ ሳዋን ካድራት ህግደፍን ዝተማህርዎ፣ ሃብታም ባህልና ንምጥፋእ ዝተበገሰ ክፉእ መንፈስ ኢዮም ዝምርሑ ዘለው።

እዝከረኒ ኣስኳላ ኣዚለን ቀዳማይ ክፍልን ኣብ ደቀምሓረ ክመሃር ከለኹ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝረኣዩ ዝነበሩ መራሕቲ፣ ደጊያት ገብራይ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር ኢዩ ዘዋጽኣና ዝብል ፓርቲ ክመርሑ ከለው ብኣንጻሩ ከኣ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ንናጽነት ኤርትራ ዝድግፍ ፓርቲ ይመርሑ ነበሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፦

ደግያት ገብራይ ማኪና ሃቡና

ንራቢጣ ክንጉሕፎም ደሊና

ተሰማ ከብዲ ሓሰማ

ገብራየ ኮኾብ ሰማየ

እናተባህለ ይድረፍ ነበረ።

ራእሲ ተሰማን ደግያት ገብራይን ግና እቲ ፍልልያቶም ካብቲ ሃብታም ባህሎም ክፈላልዮም ስለዘይደለዩ፣ ኣሕዋትን ኣዕሩኽትን ኮይኖም ይነብሩ ከም ዝነበሩ እቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ ነጊሮምኒ ኢዮም። ነዚ ከኣ ኢና ሎሚ ስኢንናዮ ዘለና። ፖለቲካዊ ፍልልያትና ንማሕበራዊ ህይወትና ኣመና በኪልዎ ስለዝርከብ፣ ከም ህዝቢ ተሰማሚዕና ብሓንሳብ ንኸይንነብር ይገብረና ኣሎ።

እቲ ሃብታም ሕግና፣ ልምድናን እምነትናን ብሰንኪ ንማርክስነትን ዴስነትን ቅድሚ ኹሉ ሰሪዖም ዝተጓዕዙ “ውድባት” 100 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ይርከብ። ብሰንኪ ውድባት ኣብ መሬትና ከም ውሕጅ ዝፈሰሰ ደም ድማ ውሑድ ኣይነበረን። ኣብቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ዘካየዳኦ ኲናት ሓድሕድ ዝጠፍኡ ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ብስም ናጽነት ሃገሮም ዘይኮነስ ብስም “ውድብ” ንኸንቱ ኢዮም ጠፊኦም። ካብቶም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዝጠፍኡ ጀጋኑ መንእሰያት ሓዲኦም ኣብ ተሓኤ፣ ሓዲኦም ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፎም ዝተሰውኡ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ግርማይ ገብረመድህንን ብርሃነመስቀል ገብረመድህንን ኢዮም። ኣብ ሓደ ኲናት ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ስኢነ ኢየ። ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለዎም ኤርትራውያን ስድራ 2

ቤታት እውን ብዙሓት ኢዮም። ዝኾነ ሰብ እዞም ክልተ ኣሕዋተይ ምእንቲ ሃገሮም ኢዮም ተሰዊኦም እንተበለኒ ክቕበሎ ኣይክእልን ኢየ። ኣሕዋተይ ኣብ ናይ ክልተ ውድባት ቁሩቁስ ኢዮም ጠፊኦም።

ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ብስም ፋሉል ዝተቐትሉን ዝተረሸኑን ኣዕሩኽትናን መማህርትናን ቁጽሮም ወሰን የብሉን። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር እውን መንካዕ ተባሂሎም ዝተረሸኑ መሳቱናን ኣዕሩኽትናን ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣባላት ተሓኤ ኢኹም ተባሂሎም ብህዝባዊ ግንባር ዝተረሸኑ፣ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኢኹም ተባሂሎም እውን ብተሓኤ ዝተረሸኑ ኣዕሩኽትና ንርስዖ ኣይኮነን።

ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ክብሕቶ ብምድላይ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ጀጋኑ ክሳብ መሬት ሱዳን ክሃድኖም እንከሎ ነቶም ዝተረፉ እውን እቲ መጋድልቶም ዝነበረ፣ ናይ ሎሚ መራሒ ሃገር ብዘይንንሕስያ ኣረሺንዎም ኢዩ። እዚ ጨካን “መራሒ ውድብ” ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ፣ ሓሚሙ ሕክምና እናረኸበ፣ ክሳብ ዝመውት ነቲ “ውድብ”ን ሃገርን ይመርሖ ኣሎ። “ውድብ” ዝበሃል ነገር ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን።

ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ምስ ኣወጀ፣ ብዙሓት እንፈልጦም ኤርትራውያን ተኣሲሮምን ተረሺኖምን ኢዮም። ሓደ ካብኣቶም ብኣባላት ጸጥታ ህዝባዊ ግንባር ዝተረሸነ መምህር ግርማይ ገብረሃዋርያት ኢዩ። መምህር ግርማይ ገብረሃዋርያት እንኮ ሓጥያቱ ኣባል ተሓኤ ምንባሩ ጥራይ ኢዩ።

ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት በዚ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ውድብ ዕጉብ ስለዘይነበረ፣ ናይ ሓያለ ዓመታት ሕልሙን ድሌቱን ንሱ ጥራይ ዝኣምነሉን ዝውንኖን ውድብ ምጅማር ስለዝነበረ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ምጽዳቕ ዝበጽሐ ዓንደ ሕጊ ሰሪዙ፣ ነቶም ዘይተሰማምዑዎ ሚኒስተራት ኣሲሩ፣ ነተን ክልተ ተበሃግቲ ወደባትና ኣምኪኑ፣ ብሚልዮናት ናብ ኤርትራ ክመጹ ዝግባእ ኣጋይሽ ከልኪሉ፣ ነቲ ምሁር ኣካል ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝስደድ ገይሩ፣ ንሕልሙ ዕንቅፋት ክኾንዎ ዝኽእሉ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣሲሩ፣ መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝጀመሮ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ኣብ ሳዋ ከም ዝቕጽልዎ ብምግባር፣ ንነብሱ፣ ንስድራኡ፣ ንዝህቡን ንሃገሩን ንኽዋረዱ ዝገበረ፣ ጨካንን ሕሱምን መራሒ ኢዩ።

ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኤርትራዊ ነዚ ህግደፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድብ 100% ክድግፍ ኢዩ ዝግደድ። 1% ተቓውሞ እንተ ደኣ ኣስሚዑ ግና ብዘይ ገለ ንሕስያ ክርሸንን ክእሰርን ይኽእል ኢዩ። በዓል ሸሪፎን ሙስጠፋን’ኮ 99% ውፉያት ሰዓብቲ ኢሳያስ ኢዮም ነይሮም። ካብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ቁሩብ ስለዘጉደሉ ግና ኢሳያስ ንሞት ኣሕሊፉ ሂብዎም። ድሩዕ ነቲ ክፉእ ኣሰራርሕ ኢሳያስ ክእርም ብምሕሳብ ቅድሚ ማእሰርቱ ኣብ ጀርመን ንኢሳያስ ኣምሪሩ ወቒስዎ ኢዩ። ናይ ኤውሮጳ ጉዕዞኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ክምለስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ምስ ኣቦና ሱናበራ ከም ኣጋጣሚ ተራኺቦም ነይሮም። ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኣነ’ውን ናብ ኣስመራ ንምኻድ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምንባረይ ብሓንሳብ ከዕልሉ ኣማዕድየ ስለዝረኣኹዎም ንድሩዕ ከኣ ስለዘይፈልጦ፣ ምስቶም ንነዊሕ ዓመታት ዝፈልጦም ኣቦና ስናበራ ተራኺበ ከዕልል ጋዜጣ እናንበብኩ ተጸብየዮም። ኣብታ ነፋሪት ምስ ኣተና ድሩዕ ንበይኑ ኮፍ ምስ በለ ኣነ ከኣ ኣቦይ ሱናበራ ንበይኖም ተቐሚጦም ምስ ረኣኹዎም ብሓንሳብ ተቐሚጥና ጉዕዞና ናብ ኣስመራ ኣምሪሕና።

ኣቦና ሱናበራ ኣብ ዕላሎም “ምስግና ወደይ እዞም ምሁራት ናብዛ ኣስመራ ቅልቅል እንተበልኩም ንኢሳያስ ባህ ስለዘይብሎ ኩነታት ክሳብ ዝልወጥ ኣብቲ ኣሜሪካ እንተጸናሕኩም ኢዩ ዝምረጽ። ምዃን በዓል ንስኻ’ኳ ናይ ፖለቲካ ሰባት ስለዘይኮንኩም ንግዚኡ እንተተመላለስኩም ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን። ሕጂ ግን ንኣይ ዘሰክፈኒ ዘሎ ድሩዕ ኣብዛ እዋን እዚኣ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሱ ኢሳያስ ከይወዓለ ከይሓደረ ክኣስሮ ስለዝኽእል ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኑ ክቃለስ ለሚነዮ ክሰምዓኒ ኣይከኣለን። ዶክተር እንድዒ ደኣ ረቢ ባዕሉ ይሓልዎ እምበር ኣነስ ንድሩዕ ካልኣይ ግዜ ዝርእዮ ኣይመስለንን” ብምባል ኣቦይ ሱናበራ መንዲሎም ኣውጺኦም ንብዓቶም ደረዙ። ድሩዕ ንኢሳያስ ጽቡቕ ገይሩ ኣይፈለጦን ምስ በሉኒ ብኡ ንብኡ ድቃስ ስለዝወሰዶም እቲ ዝናፍቖ ዕላል ኣቦይ ሱናበራ ከይመነኹዎ ተፈላለና።

እቲ ዘሕዝን ንኢሳያስ ድሩዕ ጥራይ ኣይኮነን ዘይፈልጦ። ኣቦይ ሱናበራ እውን ጽቡቕ ገይሮም ኣይፈለጥዎን። ከመይሲ ንሶም እውን ምስ ከም በዓል ኣቦይ ዓብዱ ዝኣመሰሉ መሳቱኦም ዕጫ ድሩዕ ገጢምዎም ስለዝኾነ። እቶም ኣዝየ ዝፈትዎም ኣቦይ ዓብዱ የኑስ ብዘይካ ሰሓቕን ዕላልን ፖለቲካ ፈጺሞም ዘየዕልሉ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ብዛዕባ ኢሳያስን ውድቡን ሕማቕን ጽቡቕን ዘይዛረቡ፣ ምስ ወዶም ዓሊ ዓብዱ ፈጺሞም ዘይሰማምዑ ሰብ ኢዮም ነይሮም። ኣቦይ ዓብዱ ግና ንሳልሳይ ግዜ ብትእዛዝ ኢሳያስ ተኣሲሮም ይርከቡ። ንኣቦይ ሱናበራ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ምስ በጻሕኩዎም፣ ብሓጺር ግዜ ረሲዕ 3

ኮይኖም ጸኒሖምኒ። ነዊሕ ከይጸንሑ እውን ሞይቶም። ብርግጽ “ውድብ” ክበሃል ከሎ ብዘይካ’ቶም ሰዓብቱ ንወረጃታትን ዓበይቲ ዓዲን ክሰምዕ ኣይደልን ኢዩ።

ሓደ ሰብ ኣብታ ናይ ህግደፍ ቁራዕ እንተ ኣትዩ ካብ ወለዱን ሃይማኖቱን ቤተሰቡን ንላዕሊ ንውድቡ ኢዩ ዘቐድም። ኣብዚ እዋን ኣብ ካይሮ እትነብር ጓል ኣቦይ ሱናበራ ናይ ህግደፍ ካድረ ኮይና ኣላ። ብባህልና ግና ከምዚ ዓይነት ጠባይ ፉንፉን ኢዩ። ንሳ ግና ኣብታ ቁራዕ ስለዝኣተወት ልዕሊ ሱናበራ ንህግደፍ ኢያ እተቐድም። እግዛብሄር ከኣ ናብ ልባ ይምለሳ!! ከም በዓል ኢሳያስን ንሱ ዝመርሖ ውድብን ሃገር ትዕኖ ኣይትዕኖ፣ ሃይማኖት ይሃሉ ይጥፋእ፣ ግዲ የብሎምን። ንኣታቶም ህይወቶም እቲ ውድብ ስለዝኾነ። ሞራል ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዓንዩ፣ እታ ሃገር ናይ ዝሙትን ስኽራንን ምዃና እውን ኣየሕምሞምን ኢዩ።

ገለ ዓመታት ይገብር፣ ናብ ሆቴል እምባሶይራ ኣብ እተደይብ ኣስካላ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ኣንጎሎ ተጸጊዖም ክሰዓዓሙን ስምዒቶም ከርውዩን ከለው ዝረኣያ ኣደ ሰንቢደን ንእግዚኣብሄር ምስ ኣማረራ፣ እታ መንእሰይ ትቕብል ኣቢላ “ኣደ ኣይትሰንብዳ፣ ንዕነ ንኹልና ይኣኽለና ኢዩ!” ብምባል ተላገጸትለን። እቲ ንዓይ ዝገርመኒ ግና ኣብታ ጸግዒ ኣስካላ ክልተ መንእሰያት ተጸጊዖም መጽሓፍ ቅዱስ እንተዘንብቡ፣ መንግስቲ ህግደፍ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ኮንቴነራትን ኣብ ናይ ትሕቲ መሬት መዳጎኒታትን ምኣሰሮም እሞ ነዊሕ ከይጸንሑ ከኣ ህይወቶም ምሓለፈት።

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ብሰንኪ ሃይማኖቶም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ሃይማኖትና ክሒድና ኢና ብማለት ገሊኦም ከኣ እንተ ብቤተሰብ እንተ ብተኣምራት ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ናብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ምስ መጹ፣ ገለ ካብኣቶም ነብያትን ሃዋርያትን ዝብል መዓርግ ለቢሶም ካብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ናብ ሱዳንን ግብጺን ኢትዮጵያን እናተመላለሱ ካብ ገለ ወጻእተኛታትን ኤርትራውያንን ብዝኣከብዎ ገንዘብ ገይሮም ዓለም ክዛወሩ ንርእዮም ኣለና። ካብ ከምኡ ግና ኣብቲ ትምህርቲ ዘለዎ ሃገር እንተወሓደ 12 ክፍሊ’ኳ እንተዝውድኡ ዝሓሸ ኢዩ። ሓያሎ ኣብ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣብያተ ጸሎት ዝጀመሩ እውን ኣለው። ነቶም ብድሕሪኦም ኣብ ኮንቴነራት ተኣሲሮም ዘለው ኣሕዋቶም ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ብምዃን ኣብ ጎደናታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር እንተዝሕለቑሎም ንእግዚኣብሄርን ንህዝቦምን ዘሐጉስ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምኾነ። እንተዘይኮነ ግና “ንሕና መንፈሳውያን ኢና፣ ነብያትን ሃዋርያታትን ስለዝኾንና ጉዳይ ሃገር ኣየእትወናን ኢዩ። ሃገርና ካብዚ ቤተክርስትያን ዝዓጹ ክፉእ መራሒ ምስ ተገላገለት፣ ናብ ሃገርና ኣቲና ነቲ ዝጀመርናዮ መንፈሳዊ ስርሓት ክንቅጽል ኢና” ምባል ግን ዕሽነትን ግብዝናን ኢዩ።

እዚ ኣብ ሃገርና በትረ መንግስቲ ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንባር (ደሓር ህግደፍ) ኣብ ሃገርና ዘተኣታተዎ ባህሊ፣ ቀዳማይ ፍርሒ ካልኣይ ድማ ጽልኢ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብና ብፍርሒ ሕልናኡ ዓሪቡ ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎስ’ኳ ከይእሰር ይፈርሕ፣ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ግን ስለምንታይ ብፍርሕን ራዕድን ከም ዝነብር ኣይርደኣንን። ሓደ እዋን ሓደ ተጋዳላይ ሻዕብያ ናብ ጁባ መጺኡ ንግዲ ከዋፍር ምስ ጀመረ፣ ሓደ ምሸት ምስ ሓደ ካድር ህግደፍ ከዕልሉ ኣምስዮም። መስተ ሒዞም እናዕለሉ ከለው እቲ ካድር ከምዚ ኢሉ መኸሮ፦ “ዝዓርከይ ኢድ ኣያይ ኢሳያስ ነዋሕ ስለዝኾነት ኣብዚ ሃገር ከኣ ኣብ ገለ እዋናት ከም ኣንጭዋ ተመሲሉ ይረአ ስለዝኾነ ክትቃወም ኢልካ ከይትፍትን”። ንምሸቱ እቲ ናይ ራዕዲ ቃላት ክምገብ ዘምሰየ ተጋዳላይ ናብቲ ዝድቅሰሉ ሆቴል ኣትዩ ምስ ደቀሰ፣ ኣብ መንጎ ክሸይን ኢሉ ምስ ተበራበረ ሓንቲ ኣንጭዋ ኣብቲ ሽቓቕ ክትዕንድር ምስ ረኣያ፣ ወዮ’ቲ ካድር ዝበሎ ተዘኪርዎ “ኣንታ ኣያይ ንነዊሕ እዋናት ዘሳቐኻኒ ይእከልካ!!” እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ብዝጸንሖ ኣስኮባ ነታ ኣንጭዋን ብጾታን ብዘይንሕስያ ቀተለን። ካብቲ ተጻዒንዎ ዝጸንሐ ፍርሒ ከኣ ናጻ ኮነ። እዚ ምሳሌ’ዚ ንምእማኑ ዘሸግር ክመስል ይኽእል ይኸውን። ናይ ብሓቂ ዘጋጠመ ግን ኢዩ። በዚ ሎሚ እዋን ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ብሰንሰለት ፍርሒ ተኣሲሩ ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ የብሉን።

በዓል ሙሕየዲን ሸንገብ፣ ዓሊ ዓብዱ፣ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ፣ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፣ ወዘተ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ኮይኑ። ክሳብ ሕጂ ሓንቲ ቃል ከውጽኡ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት “ፍርሒ ኢሳያስ”፣ “ፍርሒ ህግደፍ” ለይትን ቀትርን ኣብ መንፈሰ ሕልናኦም እናመጸ ስለዘናውጾም ይመስለኒ።

ኣብ በዓል ኣሜሪካ ማሕበር ገብርኤል፣ ማሕበር ሚኪኤል ዝበሃላ ማሕበራት ኣብ ዝጀመራሉ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ብዘይ ንሕስያ ኢዩ ኣፍሪሱወን። ናይ ዓድን ኣውራጃን እንተጀሚሩ’ሞ ንመስረትቲ እተን ማሕበራት ወላ ኣብ ሓዳሮም ኣትዩ ክፈታተኖም ኢዩ ዝፍትን ዝነበረ። ሕጂ ግና እቲ ታሪኽ ተቐይሩ ኢዩ። ሎሚ ብስም ውድባት ህዝቢ ዓዲምካ ኣኼባ 4

ክተካይድ እንተፈቲንካ ካብ 20 ሰባት ንላዕሊ ኣይመጹልካን ኢዮም። ብማሕበር ሚኪኤል፣ ብማሕበር ገብርኤል፣ ብደቂ ባጽዕ፣ ብደቂ ኣባሻውል፣ ብደቂ ኸረን፣ ወዘተ እንተጸዊዕካ ግን ኣዳራሽ ይንእሰካ። እዘን ኩለን ማሕበራት ንሓንቲ ኤርትራ ኢለን ንሓደ ሰሙን ኣኼባ እንተዝገብራ፣ ንህግደፍ መንበርከኽኦ በሃላይ ኢየ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሓደ ሜላ፣ ንህዝብና ብኣውራጃታት ምፍልላይ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ገለ ውሑዳት ተበለጽቲ “ኢሳያስ ወዲ ላምና! ጅግና ሓማሴናይ ኢዩ!” እናበሉ ዝፍክሩ ኣለው። ብዘረባ ናይዞም ዉሑዳት ሰባት ተደናጊሮም ብህዝቢ ሓማሴን ዝማረሩ ከኣ ኣለው። ብናተይ ተመኩሮ ግን ህዝቢ ሓማሴን ካብ ህዝቢ ኩለን ኣውራጃታት ዝያዳ ዝተጎድአ ወረጃ ህዝቢ ኢዩ። ሎሚ እቲ ዝሓርሰሉን ንከብቱ ሳዕሪ ሓዚኡ ዘስብሓሉን መሬቱ ተሓዲጉ እተን ዝነበራ ጥሪቱ ሸይጡ፣ መሬቱ ብሃብታማት ተመንዚዑ፣ ሎሚ ኣሽንኳይ’ዶ ዝሓርሰሉን ማሉ ዘብልዓሉን መሬት፣ ምራኹት ዝውዕላሉ መሬት እውን የብሉን። ህግደፍ

እቲ ካልእ ዝጥቀመሉ ብልሓት ከኣ ተዋህዶ ንካቶሊክ፣ ከኒሻ ንጴንጤ፣ ክርስትያን ንኣስላም ከም ዝጸልእ ምግባር ኢዩ። ነዚ ክፉእ መንፈስ ዘገልግልዎ ሰባት ከኣ ካብቶም መሻይኽን ካህናትን ኢዩ ዝምልምል። ንኣብነት ሃይማኖት ከኒሻ ንሓያሎ ዓመታት ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸብረ፣ ንበዓል ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ይስሃቕ ተወልደመድህንን በዓል ቀሺ እምባየን ቀሺ ገብረስላሴን ዘፍረየ ሃይማኖት ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናብ ኣስመራ መጺኣ ዝመረቐቶን St. George ዝተባህለ ናይ ኣንጀሊካል ቤት ክርስትያን ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ቤትክርስትያን’ዚ ደርግ ክዓጽዎ ምስ ደለየ ናይ ሉተራንን ኣንጀሊካልን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ጀነቫ ተኣኪቦም St. George ንዝተወሰነ ግዜ ብሓላፍነት ወንጌላዊት ቤት ክርስትያን ክሕሎ፣ እቲ ብእንግሊዝኛ ስርዓተ ጸሎት ዝካየደሉ ናይ ወጻእተኛታት ቤተ ክርስትያን ግን ክቕጽል ተሰማሚዖም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ። ቀሺ ኣስፋሃ ፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ዝነበሩሉ ግዜ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝተዋህባ ሕድሪ ስለዘጽንዐት እቲ ናይ ወጻእተኛታት ቤተ ጸሎት ስርሑ ብግቡእ ክቕጽል ጸኒሑ። ኣብ መወዳእታ ግና ቅድሚ ክልተ ዓመት ቀሺ ዮሴፍ ዝተባህሉ ናይ ህግደፍ ካድር ፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ኮኑ ከም ኣጋጣሚ እቶም ህንዳዊ ቀሺ ክቕድሱ ኣነ ከኣ ክምህር እናተዳለና ከለና ንዓና ን5 ደቒቕ ከየዛረቡና እቲ ቤተ ክርስትያን ብወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝተወርሰ ኣርድኡና። እቶም ህንዳዊ ቀሺ ኣብ ሰሙኖም ተሰጒጎም። እቲ ናይ እንግሊዝኛ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከኣ ተዓጽወ። ቀሺ ዮሴፍ ከኣ ንናይ’ቲ ቤተ ክርስትያን ቪላ፣ መኪናን ቤት ትምህርቲን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእተውዎ። ብዘይካ’ዚ ምስ በዓል ቀሺ ገብረመድህን ኣብ ግብጺ ዝተማህረ ቀሺ ሳሙኤል ዝተባህለ ናይ ህግደፍ ካድር፣ ብገንዘብን ሽመትን ናይ ህግደፍ ተታሊሉ ንበዓል ቀሺ ገብረመድህን፣ ቀሺ ሃብቶም፣ ዶክተር ፍጹም ምስ ኣእሰሮም ኣብ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ካብቶም ቀንዲ ገባርን ሓዳግን፣ ኣሳርን ፈታሕን ኮይኑ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ትምህርቲ ሰንበት ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

እቲ ካልእ ኢሳያስ ዝጥቀመሉ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተሰብ ባእስን ጥልመትን ምፍጣር ኢዩ። ካብ ተመኩሮይ ተበጊሰ ገለ ክብል። መምህር ኣልጋነሽ ዘርአ እትበሃል ብመውስቦ ዝምድና ዘለና ኾይና ኣብቲ መጀመርያ ካብ ስደት ናብ ኤርትራ ዝኣተኹሉ ግዜ፣ ኣብቲ ከም ሓላፊት ናይ መዋእለ ህጻናት እትሰርሓሉ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ቃኘው ካብ መኻዚኖ 10,000 ብር ከም ዝተሰርቃ እቲ ገንዘብ ከኣ ከይወዓለት ከይሓደረት እንተዘይመሊሳቶ በዓል ልኡል ገብረኣብ ከም ዝኣስራኣ ብምግላጽ “ደቀይ ከዕቢ ሓግዘኒ!!” ትብለኒ’ሞ ኣነ ድማ ነተን ተሰሪቐናኒ ዝበለተን ገንዘብ ይኸፍለላ። እዛ ንብዙሓት ሰባት ዘደናገረት ሰብ፣ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት “ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝጸሓፍካዮ ብምሉኡ ኣብ ኢድና ኣትዩ ናብ እንዳ ጸጥታ ስለዘረከብናዮ እንተ ደኣ 20,000 ዶላር ዘይከፊልካ ክኣስሩኻ ኢዮም። ስለዚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ሕጂ ክፈለን” ዝብል መፈራርሒ ሓዘል ምኽሪ፣ ፍስሃየ ካሕሳይ ብዝተባህለ ሰብ ሰደደትለይ። ኣነ ከኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ህግደፍ ቤት ማእሰርቲ ክመውት ስለዘይደለኹ ንፍስሃየ “ነቲ ገንዘብ ቀዳም ንግሆ ክህበካ ኢየ” ምስ በልኩዎ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ከይነገርኩ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ሃገረይ ገዲፈ ናብ ዳግማይ ስደት ኣምሪሐ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክፉኣት ሰባት ብግዜ ሃይለስላሴ/ደርግ ነይሮም ሕጂ ከኣ ኣብ ግዜ ህግደፍ ንሓያሎ ሃብታማት ብዘይ ንብረት ከም ዝስደዱ ገይሮሞም ኢዮም።

እቲ ይትረፍ ንብምልእታ ሃገር ንሓንቲ ስድራ ቤት’ኳ ክፈላሊ ዝረአ ዘሎ ህግደፍ ዘንገሶ ክፉእ መንፈስ ሕስድና፣ ካብ ተራ ሰባት ሓሊፉ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ እውን ብግሁድ ኢዩ ዝረአ። ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፣ ሓደ ካብ ዕሉላት መራሕቲ መሓውር ጸጥታ ህግደፍ ዝኾነ ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ኣብ ኣፈይ ዝበለኒ ከም ኣብነት 5

ክንወስዶ ንኽእል። እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ሓደ ናይ ዕላል ኣጋጣሚ፣ ኣብ Eri-tv ብዛዕባ ዝገበርኩዎ ንኣተኣላላያ ጭንቀት ዝምልከት ቃለ መጠይቕ ክዛረብ ምስ ሰምዓኒ፣ “ዶክተር ከኣ ስቕ ኢልካ ኢኻ፣ ኣነ ጭንቀት ዘይብሉ ለይቲ ዝሓድር፣ ደም ሃብታም ሰትየ ምስ ዝሓድር ጥራይ ኢዩ” በለኒ። ኣነን እቶም ምሳይ ዝነበሩን ሰባት ካብ ኣፍ’ዚ ብኣጋጣሚ ዝተሓወሰና ሰብ ነዚ ቃላት’ዚ ምስ ሰማዕና ዝተሰምዓና ስምዒት ክትገልጾ ዝከኣል ኣይነበረን። ህግደፍ ማለት እምበኣር ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ደም ሰብ እንተዘይሰትዮም ዝጭነቑ ሰባት ዝምራሕ ውድብ ኢዩ።

ነዚ ስሱዕን ጭንቀት ዝዕድምን ኣንደበት ሰበስልጣን ህግደፍ ዘዘካኽር መደብ ኣብ ዝሓለፈ ኣውደኣመት ልደት ብኤሪ-ቲቪ ክፍኖ ምስ ረኣኹ መሊሲ ድንጽው ኢሉኒ። ኣብዚ ዓቢ መንፈሳዊ በዓል ዝተኸብረሉ ዕለት፣ ክርስትና ዝእምነቶም ቤተሰብ ሕሩድ ሓሪዶም፣ ሰቲ ነስኒሶም፣ ሓድሽ ኪዳን ተኸዲኖም፣ ዓበይቲ ስዋኦም እናሰተዩ ኣዴታት ቡናአን እናፍልሓ፣ መንእሰያት ናይ ልደት ኬክ እናቖረሱ፣ ብሓባር ኣብ ዝነበርናሉ ገዛ “ኣብ ሃገርና’ኸ ኣብ መዓልቲ ኣውደኣመት እንታይ ኮን ይበሃል ይህሉ!?” ኢልና ኤሪ-ቲቪ ምስ ወላዕና እቲ ክፍኖ ዝጸንሓና ፕሮግራም፣ ጭንቅን ስቓይን ሞትን ዘዘክር ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እናተዋግኡ ዝስውኡ ተጋደልቲ ዘርኢ ነበረ። መቸም ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ግብጺ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ መሪር ውግኣት ሓሊፉ ኢዩ። ብዘይካ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ግን ኣብ ግዜ ልደትን ፋሲካን ሓድሽ ዓመትን ሮመዳንን ውግእ ዝረኣየሉ ናይ ቲቪ ፕሮግራም ዘለዋ ሃገር የላን።

ብዝኾነ ህግደፍ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተጠቕመ ሜላ እንተተጠቕመ፣ ዕምሪ ስልጣኑ ክንዲ’ቲ ዝደልዮ ከንውሖ ኣይክእልን ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዝደፍኦም ስኢኖም እምበር ደኺሞም ኢዮም። ንምህዳም ዝቀራረቡ ኢዮም ዝመስሉ ዘለው። ኣብዚ ቀረባ እዋን ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ኣብ ደሴት ላምፔዱዛ ምስ ጠሓሉ ምክትል ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጸውዖ ናይ ጸሎተ ፍትሓት ስነ-ስርዓት ንምስታፍን ንኤርትራ ወኪሉ መደረ ከስምዕን ብጋዜጠኛታት ተሰንዩ ኣብቲ ኣነ ዝካፈለሉ ኢንተርናሽናል ቤተ ክርስትያን ሰንበት ምድሪ ምስ መጸ ደመይ ፈሊሑኒ ካብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ክርስትያን ከም ዝስጎግ ገይረ። ጽቡቕ ከኣ ተሰሚዑኒ። ንሱ እውን ብዘይ ተቓውሞ ርእሱ ኣድኒኑ ተመልሰ። ኣነ ሓደ ሰብ ንኣምባሳደር ህግደፍ ሓፊሩ ከም ዝወጽእ ክገብር ዝኽእል እንተኾይነ ንሕና ኤርትራውያን እንተሓቢርና ብዙሕ ክነስልጥ ንኽእል ኢና።

ህዝብና ካብዚ ዘለዎ ባርነት ክወጽእ እንተኾይኑ፣ ብውድብ ወዲ ውድብ ዘይኮነ ብሓደ መንፈስ ሓቢሩ ንኢሳያስን ንሱ ዝመርሖ ውድብን ካብ ሱሩ ነቒሉ ክድርብዮ ቆሪጹ ክለዓል ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ስደት ውድባት ጸዊዐን ካብ ዝእክባኦ ህዝቢ ንላዕሊ ብማሕበር ሚኪኤል፣ ማሕበር ገብርኤል፣ ማሕበር ኣባሻውል፣ ማሕበር ከረን፣ ወዘተ ተጸዊዑ ዝእከብ ህዝቢ ይበልጽ። ናይ ውሩያት ሰባት ተበግሶ እውን ህዝቢ ብቐሊሉ ክስዕቦ ዝኽእል ስሕበት ኣለዎ። ንኣብነት ተበግሶ ወዲ ቫካሮ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ኤርትራውያን ንወዲ ቫካሮ ንምስማዕ ኣብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ይሳተፉ ኣለው። ውድባት ኣኼባ እንተዝጽውዓ ግን 50 ሰብ እውን ክእክባ ኣይምኸኣላን። ወዲ ቫካሮ ግን ከም ሽማግለ ዓዲ ኾይኑ ንዝኾነ ውድብ ከይወከለ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሓድነት ጻውዒት ታሪኽ ዘይርስዖ ዓቢ ተግባር ኢዩ። በዓል ወዲ ቫካሮ ንኢሳያስ ራሕሪሖም “ግዜኻ ኣኺሉ ኢዩ ብሰላም ውረድ!!” ክብልዎ ከለው፣ እቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ንዝነብር ህዝብና ዘውረሶ ናይ ፍርሂ መንፈስ ንኽቕንጠጥ ዓቢ ድፍኢት ዝፈጥር ተበግሶ ኢዩ። ድምጻዊ ወዲ ትኳቦ እውን እንተኾነ ንሕብረትን ሓድነትን ዝምልከት ደርፊ ምስ ኣውጽአ፣ ብሓደ እዋን ክሳብ 100 ሽሕ ሰማዒ ከም ዝረኸበ በዓል BBC ኣውርየናሉ ኢየን።

ትምኒቶም ክሳብ ሕጂ ሸቶኡ ኣይውቃዕ እምበር ድሕሪ ምብትታን ተሓኤ ብትምህርቶም ኣብ ድላዮም ክበጽሑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብዙሓት መሳቱና ፍቕሪ ሃገሮምን መስዋእቲ መጋድልቶምን ብምዝካር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ውድባት ኣትዮም ክቃለሱ ጸኒሖምን ኣለውን። ኣነ ብወገነይ ኣብ ዝኾነ ውድብ’ኳ ኣባል እንተዘይኮንኩ ነዞም ልዕሊ 40 ዓመት ተስፋ ከይቆረጹ ዝተጋደሉ ከም ጀጋኑ ኢየ ዝርእዮም። እዞም ኣብ ስደት ተወዲቦም ዝተጋደሉ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ወላ’ኳ ገለ ኤርትራውያን ከዳዓት ኢሎም እንተ ኣናሸውዎም፣ ነቲ ኹሉ ጸርፊን ሓርፋፍ ናብራን ሒዞም ክሳብ ሕጂ ጠጠው ኢሎም ክነብሩ ምኽኣሎም ይገርመኒ። ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዘድንቖም ገዳይም ተጋደልቲ ድማ እቲ ኣብ ሱሳታት ኣብ ኣሜሪካ ብPh.D ብወርቂ ተመሪቑ ዝነበሮ ክብሪን ሓላፍነትን ገዲፉ ናብ ቃልሲ ዝተሰለፈ፣ ኣብ ህይወቱ ሓንቲ መዓልቲ እውን ከይጠዓሞ ንሱን ስድራቤቱን ብብዙሕ ግፍዒን ፈተናን ዝተሳቐዩን፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ዶክተር በየነ ኢዩ። ፈለጥቱ ብህይወት ክሳብ ዘለና ድማ ጽንዓቱ ካብ ዝኽርና ኣይክሃስስን ኢዩ። 6

እዘን ኣብ ስደት ዝርከባ ውድባት፣ ምምሕዳረንን ኣተሓሳስባአንን ምስ ዘመንና ዘይከይድ፣ ብፍላይ ከኣ ኣመራርጻ መራሕተን ንነዊሕ ዓመታት ለውጢ ከየርኣየ ዝጓዓዝ ዘሎ፣ ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮ ሜዳ ዘይተገላገላ ብምዃነን ህዝቢ ክስዕበን ኣይከኣለን። ኣብ መንጎአን ስኒትን ፍቕሪን ስለዘይብለን፣ ጸገመን ከኣ ንግሆን ምሸትን ናብ ህዝቢ ብኢንተርነት ስለዝዝርጋሕ እቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ኣብኣተን ዝነበሮ ተስፋ ዝቐሃመ ይመስል። እቲ ንሓያሎ ዓመታት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ ክበራበር ስለዘለዎ ግን ብዙሕ ስራሕ ዝጽበየን ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ።

እቲ ኣብ ኣዋሳ ዝተመስረተ ባይቶ’ውን ከምተን ውድባት ዝደስከለ ኢዩ ዝመስል። ሕጂ’ውን ብወረ ከም እንሰምዖ እቲ ባይቶ ክበራበር እንተኾይኑ፣ ውድባትን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛዊሮም ክምለሱ ዝደልዩ ሰብ ድያስፖራ ኤርትራውያንን ዘይኮነስ ክእለትን ብቕዓትን ዘለዎም ወላ’ውን ምስ ውድባት ፈጺሞም ዘይሰማምዑ ወላ’ውን የማነ ገብረኣብ ናብቲ ባይቶ ከም ተዛራባይ ኮይኑ ንኽመጽእ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ዘይዕደመሉ ምኽንያት የለን። የማነ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ክሳተፍ ግን ብዙሕ ጾምን ጸሎትን የድሊ።

ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓናስ ንህዝቢ ዓለም እውን ይመርሮ ኢዩ ዘሎ። ህግደፍ ምስ ህዝቡ ክዕረቕ ንኽውስን ሓጺር ግዜ ኢዩ ዘለዎ። ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ሃብታም ባህሊ እንተ ደኣ ሃልዩ ንዝበደሉና ይቕረ ምባል ኢዩ። ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣብዛ ሕማቕ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ “በዲልናካ ኢና’ሞ ሕጂ ከኣ ብሰላም ካብ ስልጣን ወሪድና ንዝተወሰነ እዋናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ፈተውቲ ኤርትራን ተዓሪቕና ብዝመረጽካዮ ሰብን ብዓንዲ ሕጊን ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ 3-6 ወርሒ ክነረክብ ዕድል ሃበና” እናበሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ሰሚናራት እንተዝገብሩ ህዝብና ዝነጽጎም ኣይመስለንን። በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ኢሳያስ ክሳብ ክንድኡ ለቢሙ ከምኡ ዝብለሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ምስ ጠባዩን ባህሉን ስለዘይከይድ እንተኣብዩ ከመይ ኢሉ ከም ዝወድቕ ሓቢርና ንርእዮ።

ሓደ ካብቶም ብሃብቲ፣ ገንዘብን ሓይልን እናተመክሑ ከለው ሃንደበት ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ሊብያ ጋዳፊ ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እናተዓበየ ዝምካሕ ዝነበረ ጋዳፊ ንሊብያ ን40 ዓመት ምስ መርሐ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ሊብያ ተኣለየልና ክብሎ ናብ ኣደባባይ ምስ ወጸ “ኣናጹን ደማሙን” እናበለ ኢዩ ዝጸርፎ ዝነበረ። ደሓር ግን ኣብ ኢዶም ምስ ወደቐ ነቲ ዘኪርዎ ዘይፈልጥ ረቢ ብምዝካር “ምእንቲ ረቢ መሓሩኒ” እንተበሎም ብዘይንሕስያ ኢዮም ረሺኖሞ። ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ ከም ዝበሃል ደቂ ጋዳፊ እውን ዕቡያት ስለዝነበሩ ምስ ኣቡኦም ተረሺኖም። ኢሳያስ ንነብሱ ክብል ካብ ተመኩሮ ጋዳፊ እንተዘይተማሂሩ ዕጫኡ ዕጫ’ቲ ናይ ተንኮል ዓርኩ ዝነበረ ጋዳፊ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።

ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን

(ዶክተር ምስግና ገብረመድህን ናይ ኣንትሮፖሎጂን ቲዮሎጂን ምሁር ኾይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ መስራትን ግዝያዊ ኣቦ መንበርን ናይቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ዓበይቲ ዓዲ ኤርትራ ኢዩ። ዶክተር ምስግና በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክርከብ ይከኣል፦ mmedhin@ymail.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
191 COMMENTS
  • semere January 19, 2014

    I would like to add my comment on the topic. As I never met Dr. Misghena, I cannot say much about his personal life. Mine is on the level of general principle.
    My opinion is that academic titles are nor so important as far as they emanate from a knowledgeable and experienced person. I would also say that there is a distinction between intellectual integrity and moral integrity. However they are so much linked they closely affect each other. Personally I find it difficult to swallow the “words” of somebody who life is unbecoming and somehow scandalous. If the actions and writings of similar people are obvious they neutralize his/her words. There is an old English adage which goes: “your action speaks so loud, I can’t hear your voice”.

    • huq January 19, 2014

      keshi zibelo ghiber, zighebero aytigber. THE ARTICLE WRITTEN BY DR. MISGHINA IS GOOD. WE CANNOT JUDGE ABOUT HIS PRIVATE LIFE. WE NEED TO HEAR FROM BOTH SIDES.AFTER ALL TO ERR IS HUMAN, TO FORGIVE IS DIVINE. DR. MISGHINA KEEP UP YOUR GOOD WORK.

  • Bokre January 19, 2014

    Militia, your point makes a lot of sense. We were cursed to be led by people who were trying to impose alien Marxisim, retarded Naser’s Arab nationalism and Fascist Baathist ideology from Iraq and Syria. Some were trying to be more Marxist than the Soviets others were trying to be more Arab than the Arabs. Some do not even still know who they are. Some are still living in the 1960s and 1970s wudbawi Hashewye long trashed in the garbage: Marxism and Iraqi Arab Baathism.
    However, the majority of the Tegadelti were open minded, nationalist people who fought against tyranny.

    ማሊሻ on January 18, 2014 said:

    ዝኸበርካ መምህር፣
    ጽሑፍካ መሃሪ ስልዝኾነ ግርም እዩ። እንተኾነ ግና ንውድብ ወይ ኦርጋናይዘሽን እትብሎ፣ ብልምዲ ድማ ማሕበር ወይ ዕቑብ ወይ ዓዲ ወይ ነገድ እንብሎስ ኣይንጽለኣዮ። እንታይደኣ ናይቲ ውድብ ዕላማ፣ ቅርጺ፣ ጽርሃን መገድን እምበር።
    ካልእ ዝረሳዕካዮ ውን ኣሎ ውድባትና ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ማርክሳዊ ጥራይ ኣይኮናን ተለቂሔን፣ ዓረባዊ ሃገራውነት ናይ ጀማል ዓብደልናሰር፣ ባዓዛዊ ፋሽሽትነት ናይ ዒራቕን ሶርያን እውን ከም ማንቲለታት ቨትሪናርያ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዕንወቱ ተፈቲኑ እዩ።
    ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባህሉ ታሪኹን መንነቱን ዘይተሰረተ ፖለቲካ ኣይመባልዕቱን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ እንደገና እንተዘንጊዑ ከም ሃገር ይትረፍ ከም ህዝቢ ውን ቂሂሙ ከምዝበርስ ርግጸኛ እየ። ብመንነቱን እንታይነቱን ዘይተኣማመን ህዝቢ፣ ከም ዓረ ተሪሩ ደው ዝብል ውድብ ክምስርት ዘይሕሰብ እዩ።

  • Bokre January 19, 2014

    Militia, your point makes a lot of sense. We were cursed to be led by people who were trying to impose alien Marxisim, Naser’s Arab nationalism and Fascist Baathist ideology from Iraq and Syria. Some were trying to be more Marxist than the Soviets others were trying to be more Arab than the Arabs. Some do not even still know who they are. Some are still living in the 1960s and 1970s wudbawi Hashewye long trashed in the garbage: Marxism and Iraqi Arab Baathism
    However, the majority of the Tegadelti were open minded, nationalist people who fought against tyranny.

    ማሊሻ on January 18, 2014 said:

    ዝኸበርካ መምህር፣
    ጽሑፍካ መሃሪ ስልዝኾነ ግርም እዩ። እንተኾነ ግና ንውድብ ወይ ኦርጋናይዘሽን እትብሎ፣ ብልምዲ ድማ ማሕበር ወይ ዕቑብ ወይ ዓዲ ወይ ነገድ እንብሎስ ኣይንጽለኣዮ። እንታይደኣ ናይቲ ውድብ ዕላማ፣ ቅርጺ፣ ጽርሃን መገድን እምበር።
    ካልእ ዝረሳዕካዮ ውን ኣሎ ውድባትና ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ማርክሳዊ ጥራይ ኣይኮናን ተለቂሔን፣ ዓረባዊ ሃገራውነት ናይ ጀማል ዓብደልናሰር፣ ባዓዛዊ ፋሽሽትነት ናይ ዒራቕን ሶርያን እውን ከም ማንቲለታት ቨትሪናርያ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዕንወቱ ተፈቲኑ እዩ።
    ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባህሉ ታሪኹን መንነቱን ዘይተሰረተ ፖለቲካ ኣይመባልዕቱን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ እንደገና እንተዘንጊዑ ከም ሃገር ይትረፍ ከም ህዝቢ ውን ቂሂሙ ከምዝበርስ ርግጸኛ እየ። ብመንነቱን እንታይነቱን ዘይተኣማመን ህዝቢ፣ ከም ዓረ ተሪሩ ደው ዝብል ውድብ ክምስርት ዘይሕሰብ እዩ።

    • Nahom January 20, 2014

      Bokre

      Since you are speaking about alien affiliation it is very fair to mention those who want to be more Ethiopians than the Amhra themselves and who are still dreaming of mama Ethiopia.

      • Musa January 20, 2014

        Nahom,

        I am surprised to see people shout more marxist than the Chinese or more Arab than the Arab, with alien and borrowed identity. We, Eritreans have our own languages and history such as Afar, Tigre or Tigrinya. We do not need to be ashamed of ours. We are not their slaves.
        If one has no pride in his own, then he is worthless in somebody’s costume.

      • Geje January 20, 2014

        Nahom,

        did the writer hit a nerve that you react with a typical bark like a Pavlovian?

      • Khalighe January 20, 2014

        ” … who are still dreaming of mama Ethiopia.”, like Bokre, of course.

  • Kebiz January 20, 2014

    I think this article achieved two great points.
    1. The destruction of Higindaba in our culture
    2. The character of the author himself got unmasked through his flawed character

  • kk January 20, 2014

    Dr. I like the honesty in your article, however you seem to be proud of traditional laws and culture, I agree with you to some extent but always as the society becomes more civilized then you need to introduce civized laws. For example in the kebesa culture people have very strong loyalty to their leader, more often they don’t criticize their leader, and this is the very fundamental by which you upbringing a dictator

  • Zeray January 20, 2014

    “ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!!
    Maybe it will be right if you said it in a singular format.

    Stop trashing private citizens without giving them a chance in court. Otherwise, you have become like PFDJ. When you write, separate public individuals from private citizens.

    Thank you

  • Meresa January 20, 2014

    mefekr H.G hizbawi gmbar “nwdbna dihr aynbln”merahi gujile HGDF hzbawimengsti kefked msibay nhade ayneswur lambadina abrihka aynu keqfetelu mesebay malet u

  • Dawit Meconen January 20, 2014

    The author of the article might have committed all the wrong he is being implicated with, but until and unless the circumstance under which the alleged wrong is committed is fully laid out before us, I think it is prudent upon us to save our judgment.

    Far and beyond however, since the guy is expressing his ill experience in the hands of the impostor, Isaias Afewerqi and his running dogs, and since we know the extent of malicious character and bodily assassination this impostor has been waging against would be his rivals in any field of operation, and since those who are writing against him have not exhibited any level of impartiality, we must be careful of jumping over their bandwagons, lest we would be aiding the impostor.

    We must remember also that this impostor, Isaias Afewerqi, have not only been killing, incarcerating and character assassinating those of whom he is afraid but also has been driving wedges between happily married couples. I am afraid that this guy could be one of his victims who escaped his bloody claws.

    And if this guy were of such criminal character as some are portraying him, he would have been behind bars in the country where he is residing now because character trait pursues you wherever you go. More than likely, therefore, this guy is a victim who escaped the claws of the impostor, who has launched gangs to get him through remote control. We must not fall into the hands of this criminal tigrai impostor.

    Let us all Eritreans, including PFDJs, YPFDJs, EDFs, EPLFs, ELFs etc., Unit against this bloody impostor, Isaias Afewerqi and his tegaru inner circle.

    We Shall Succeed.

    • Haqqi Nezareb January 20, 2014

      Dawit Mekonen,

      I hope the following facts illuminate on Ato Misgina moral integrity. All the facts below are not not facts to many Eritrean who live in Los Angels and its environ, particulary La Mirada city;

      1. He drove his first wife into depression and when things became bad she had to go Eritrea leaving her children with the callous husband. Later one of her sons committed suicide in Arizona.

      2. He snatched his second wife from one of his best friends (NASA engineer)
      3. He made his second wife to sell her house from her first marriage with a plan of building one in Asmara. Later on, he was found changing the title only to his name. However, he was caught red handed and when she pressed a charge against him in court in Eritrea he escaped Eritrea with the help of his friend.
      4. While her second wife fight her breast cancer, Ato Mesghina was having babies from a third young wife. This case was also additional reason for him to escape Eritrean instead of challenging his case in court.
      5. He also killed human being in Adi-Keh as a teenager. He admitted this crime in his book written in 1989 (Eritrea: The Agony of My People). But lately in most of his interviews he is making no mention of this horrible crime.
      6. He is claiming to be a doctor but he does not have a Ph.D. He has Masters from BIOLA UNIVERSITY in La Mirada, California. Why he has to lie in this age of technology.

      Let me stop here, otherwise I can keep about other evil schemes he hatched around people close to him. This guy really needs a
      prayer to cleanses himself from all the bad things he did in his life.

      • Haqqi Nezareb January 20, 2014

        Dawit Mekonen,

        You might think the facts I mention above is fabricated ones (smear campaign) but it is all true. To disprove my facts,
        ask people in Los Angels, particularly La Mirada city. They will tell more facts not listed in my response to you. The guy did so many injustice to other people. Do you think by having such an evil person in the opposition camp will be benefit it-not at all.

        • MightyEmbasoyra January 20, 2014

          Since there are many accusation are popping up here, the good Dr, need to defend them. If not, everyone will think these are true.
          I thought he was a pastor or so and I was wondering why those many wives. Just a thought.

          • Meretse Asmelash January 21, 2014

            Dear Mighty,
            Here is an old saying : “Do what the priest tells you to do, but do not do his deeds”. If readers decided to take his message serious so be it; and I guess that’s what it matters to. Unless otherwise , 90% of the acusation is damn right.
            If there is one thing I am not sure is about the murder. Years ago I read his book ” The agony of Eritrea” and I could not recall such a story. But the good thing is – I still have the book and I could prove the truth at least for myself.

          • Haqqi Nezareb January 21, 2014

            MightyEmbasoira,

            I just heard also a fourth wife in Addis Abeba, but not confirmed yet. The fourth wife is from Adi-Keh. I have to get more evidences in order to be 100% sure. Knowing Ato Mesghina, probably it is true. The guy is a maniac.

          • MightyEmbasoyra January 21, 2014

            Ato Meretse,
            I conquer with your comment.
            Haqqi Nezareb,
            If the murder case is not on the book, almost the accusations are NOT valid. Since a lot of people do now know this Dr. (including me), we will pay attention on the subject. Hopefully, you can understand why.

          • Haqqi Nezareb January 21, 2014

            Mighty,

            Read the book and prove me wrong. I am quite sure about it. The book is in PDF on Internet. Have a good read of “Eritrean: The Agony of My People”.

      • Zeray January 21, 2014

        Haqqi Nezareb

        I would like to say the same thing I said to the author of the article. Whatever, his flaws are I don’t think you have the right to expose such personal stuff. We have to understand he has children, brothers, sisters etc… and for their sake and for the desire to be civil as Eritreans please retract your comments. Please reserve judgements because none of us are without sin.

        However, those who are holding public office in the goverment and those who are abusing Eritreans must be exposed and if possible stopped by any means. Let’s separate civilians from public officials.

        • Haqqi Nezareb January 21, 2014

          Zeray,

          Do you think Ato Mesghina can fight to bring justice to the Eritrean people when infliction of injustice to others is his modus operandi.

          • Zeray January 23, 2014

            Haqqi Nezareb

            As I read his writing the word “resentful” came to my mind. He is doing this because he is angry at something and blaming the world for his disfunctionality.

  • EFREM January 20, 2014

    Dr Misghina ms colonel Teame intay ainet rikeb eyu nerukum 2. $20,000 kefel ztebahalkas kedmi nab eritrea teklilka mkadka entay elka ansar highdef shifka sle zneberka eyu meas eyu ke 3. highdef kemzi ztekeskayo sr”at mquanu meas terediuka 4. bzaeba etom kereba betesebka ab lieliom zefesemkayo bedel mehatetkuka nhgi ghen yesnahalna.

1 3 4 5 6 7 9

POST A COMMENT