Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!!

Dr. Mesghina G/Medhin Caltural Anthropologist . mmedhin@ymail.com   “ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!! እዚ “ውድብ” ዝበሃል ገድላዊ ጭርሖ፣ መሰረቱ ካብ ባዕዳውያን ዝተለቃሕናዮ ኾይኑ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ሃይማኖትን ሃገርን ሰሪዕናዮ እንኸይድ ዘለና ኣምር ኢዩ። ኣብ ሃገርና “ውድብ” ዝበሃል

Dr. Mesghina G/Medhin

Caltural Anthropologist . mmedhin@ymail.com

 

“ውድብ” ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን!!

እዚ “ውድብ” ዝበሃል ገድላዊ ጭርሖ፣ መሰረቱ ካብ ባዕዳውያን ዝተለቃሕናዮ ኾይኑ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ሃይማኖትን ሃገርን ሰሪዕናዮ እንኸይድ ዘለና ኣምር ኢዩ። ኣብ ሃገርና “ውድብ” ዝበሃል ነገር ካብ ዝመጽእ ንደሓር፣ ውድብ ዝበለትካ ተማእዚዝካ ምኻድ፣ ንውድብ ምስ ዘይትእዘዝ ድማ መርሸንቲን ማሕረድቲን ከጋጥም ንቡር ኮይኑ። በዚ ኣገባብ ደሞም ዝፈሰሰን ኣብዚ ኣተው ከይተባህሉ ብዝወፈርዎ ጠፊኦም ዝተረፉን ደቂ ሃገር ክንደይ ክንብሎም።

ብመሰረቱ ሃገርና ንኣማኢት ዓመታት ናይ መንግስቲ ወይ ከኣ ናይ ውድብ ተጽዕኖ ብዘይብለን ንኣሽቱ ዓድታት ዝተመስረተ፣ ብኣማሓዳርነት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምራሕ፣ ባህሉን እምነቱን ክብሩን ሃገሩን ሓልዩ ዝነብር ወረጃ ህዝቢ ዝነብረሉ ኢዩ ነይሩ። ጣልያን ንኤርትራ ክገዝእ ምስ ጀመረ እተን ብደቀባት ዝምርሓ ዓድታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ርእይዎ ብዘይፈልጥ ምዕቡል ሕጊ እንዳባ ክመሓደራ ምስ ጸንሓኦ ነቲ ሕጊ እንዳባ ከም ዝነበሮ ኢዩ ገዲፍዎ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተወልዳ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ንመሬት ኤርትራ ክቆጻጸራኦ ምስ ጀመራ ግን ነቲ ወረጃ ባህልና፣ ሃይማኖትናን ሃብታም ሕጊ እንዳባን ካብ ሱሩ ሓኺኸን ካብ መሬት ኤርትራ ምስ ኣጥፍኣኦ ደርፈን፣ ሃይማኖተን፣ ሕገን፣ መምርሒአን ብ“ውድብ” ተተኪኡ።

ኣብ ሓምሳታት ተወሊድና ኣብ ሱሳታት ዝዓበና ኤርትራውያን፣ ካብ ስድራቤታትና፣ ሓወቦታትና፣ ኣኮታትና፣ ኣሞታትናን ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝወረስናዮ ነገር እንተ ደኣ ሃልዩ ሃብታም ባህሊ ኢዩ። እቲ ንኣማኢት ዓመታት ካብ ስድራና ዝወረስናዮ ሃብታም ባህሊ ግን ኣብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ከይተወርሰ እንከሎ በቲ ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ዘይንፈልጥ ባህልን ልምድን እምነትን ማርክሳውያን ስለዝተተክአ ሎሚ መብዛሕትአን ውድባት እንተላይ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት፣ በቲ ናይ ህዝብና ሃብታም ባህልን ልምድን ስነ-ስርዓትን ዘይኮነስ በቲ ኣብ ሜዳ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ቀያሕቲ ዕንባባን ኮኾብ ጽባሕን፣ ኣብ ሓራ ኤርትራ ድማ ካብ ሳዋን ካድራት ህግደፍን ዝተማህርዎ፣ ሃብታም ባህልና ንምጥፋእ ዝተበገሰ ክፉእ መንፈስ ኢዮም ዝምርሑ ዘለው።

እዝከረኒ ኣስኳላ ኣዚለን ቀዳማይ ክፍልን ኣብ ደቀምሓረ ክመሃር ከለኹ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝረኣዩ ዝነበሩ መራሕቲ፣ ደጊያት ገብራይ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር ኢዩ ዘዋጽኣና ዝብል ፓርቲ ክመርሑ ከለው ብኣንጻሩ ከኣ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ንናጽነት ኤርትራ ዝድግፍ ፓርቲ ይመርሑ ነበሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፦

ደግያት ገብራይ ማኪና ሃቡና

ንራቢጣ ክንጉሕፎም ደሊና

ተሰማ ከብዲ ሓሰማ

ገብራየ ኮኾብ ሰማየ

እናተባህለ ይድረፍ ነበረ።

ራእሲ ተሰማን ደግያት ገብራይን ግና እቲ ፍልልያቶም ካብቲ ሃብታም ባህሎም ክፈላልዮም ስለዘይደለዩ፣ ኣሕዋትን ኣዕሩኽትን ኮይኖም ይነብሩ ከም ዝነበሩ እቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ ነጊሮምኒ ኢዮም። ነዚ ከኣ ኢና ሎሚ ስኢንናዮ ዘለና። ፖለቲካዊ ፍልልያትና ንማሕበራዊ ህይወትና ኣመና በኪልዎ ስለዝርከብ፣ ከም ህዝቢ ተሰማሚዕና ብሓንሳብ ንኸይንነብር ይገብረና ኣሎ።

እቲ ሃብታም ሕግና፣ ልምድናን እምነትናን ብሰንኪ ንማርክስነትን ዴስነትን ቅድሚ ኹሉ ሰሪዖም ዝተጓዕዙ “ውድባት” 100 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ይርከብ። ብሰንኪ ውድባት ኣብ መሬትና ከም ውሕጅ ዝፈሰሰ ደም ድማ ውሑድ ኣይነበረን። ኣብቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ዘካየዳኦ ኲናት ሓድሕድ ዝጠፍኡ ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ብስም ናጽነት ሃገሮም ዘይኮነስ ብስም “ውድብ” ንኸንቱ ኢዮም ጠፊኦም። ካብቶም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዝጠፍኡ ጀጋኑ መንእሰያት ሓዲኦም ኣብ ተሓኤ፣ ሓዲኦም ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፎም ዝተሰውኡ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ግርማይ ገብረመድህንን ብርሃነመስቀል ገብረመድህንን ኢዮም። ኣብ ሓደ ኲናት ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ስኢነ ኢየ። ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለዎም ኤርትራውያን ስድራ 2

ቤታት እውን ብዙሓት ኢዮም። ዝኾነ ሰብ እዞም ክልተ ኣሕዋተይ ምእንቲ ሃገሮም ኢዮም ተሰዊኦም እንተበለኒ ክቕበሎ ኣይክእልን ኢየ። ኣሕዋተይ ኣብ ናይ ክልተ ውድባት ቁሩቁስ ኢዮም ጠፊኦም።

ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ብስም ፋሉል ዝተቐትሉን ዝተረሸኑን ኣዕሩኽትናን መማህርትናን ቁጽሮም ወሰን የብሉን። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር እውን መንካዕ ተባሂሎም ዝተረሸኑ መሳቱናን ኣዕሩኽትናን ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣባላት ተሓኤ ኢኹም ተባሂሎም ብህዝባዊ ግንባር ዝተረሸኑ፣ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኢኹም ተባሂሎም እውን ብተሓኤ ዝተረሸኑ ኣዕሩኽትና ንርስዖ ኣይኮነን።

ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ክብሕቶ ብምድላይ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ጀጋኑ ክሳብ መሬት ሱዳን ክሃድኖም እንከሎ ነቶም ዝተረፉ እውን እቲ መጋድልቶም ዝነበረ፣ ናይ ሎሚ መራሒ ሃገር ብዘይንንሕስያ ኣረሺንዎም ኢዩ። እዚ ጨካን “መራሒ ውድብ” ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ፣ ሓሚሙ ሕክምና እናረኸበ፣ ክሳብ ዝመውት ነቲ “ውድብ”ን ሃገርን ይመርሖ ኣሎ። “ውድብ” ዝበሃል ነገር ንዓና ንኤርትራውያን መባልዕትና ኣይኮነን።

ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ምስ ኣወጀ፣ ብዙሓት እንፈልጦም ኤርትራውያን ተኣሲሮምን ተረሺኖምን ኢዮም። ሓደ ካብኣቶም ብኣባላት ጸጥታ ህዝባዊ ግንባር ዝተረሸነ መምህር ግርማይ ገብረሃዋርያት ኢዩ። መምህር ግርማይ ገብረሃዋርያት እንኮ ሓጥያቱ ኣባል ተሓኤ ምንባሩ ጥራይ ኢዩ።

ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት በዚ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ውድብ ዕጉብ ስለዘይነበረ፣ ናይ ሓያለ ዓመታት ሕልሙን ድሌቱን ንሱ ጥራይ ዝኣምነሉን ዝውንኖን ውድብ ምጅማር ስለዝነበረ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ምጽዳቕ ዝበጽሐ ዓንደ ሕጊ ሰሪዙ፣ ነቶም ዘይተሰማምዑዎ ሚኒስተራት ኣሲሩ፣ ነተን ክልተ ተበሃግቲ ወደባትና ኣምኪኑ፣ ብሚልዮናት ናብ ኤርትራ ክመጹ ዝግባእ ኣጋይሽ ከልኪሉ፣ ነቲ ምሁር ኣካል ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝስደድ ገይሩ፣ ንሕልሙ ዕንቅፋት ክኾንዎ ዝኽእሉ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣሲሩ፣ መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝጀመሮ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ኣብ ሳዋ ከም ዝቕጽልዎ ብምግባር፣ ንነብሱ፣ ንስድራኡ፣ ንዝህቡን ንሃገሩን ንኽዋረዱ ዝገበረ፣ ጨካንን ሕሱምን መራሒ ኢዩ።

ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኤርትራዊ ነዚ ህግደፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድብ 100% ክድግፍ ኢዩ ዝግደድ። 1% ተቓውሞ እንተ ደኣ ኣስሚዑ ግና ብዘይ ገለ ንሕስያ ክርሸንን ክእሰርን ይኽእል ኢዩ። በዓል ሸሪፎን ሙስጠፋን’ኮ 99% ውፉያት ሰዓብቲ ኢሳያስ ኢዮም ነይሮም። ካብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ቁሩብ ስለዘጉደሉ ግና ኢሳያስ ንሞት ኣሕሊፉ ሂብዎም። ድሩዕ ነቲ ክፉእ ኣሰራርሕ ኢሳያስ ክእርም ብምሕሳብ ቅድሚ ማእሰርቱ ኣብ ጀርመን ንኢሳያስ ኣምሪሩ ወቒስዎ ኢዩ። ናይ ኤውሮጳ ጉዕዞኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ክምለስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ምስ ኣቦና ሱናበራ ከም ኣጋጣሚ ተራኺቦም ነይሮም። ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኣነ’ውን ናብ ኣስመራ ንምኻድ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምንባረይ ብሓንሳብ ከዕልሉ ኣማዕድየ ስለዝረኣኹዎም ንድሩዕ ከኣ ስለዘይፈልጦ፣ ምስቶም ንነዊሕ ዓመታት ዝፈልጦም ኣቦና ስናበራ ተራኺበ ከዕልል ጋዜጣ እናንበብኩ ተጸብየዮም። ኣብታ ነፋሪት ምስ ኣተና ድሩዕ ንበይኑ ኮፍ ምስ በለ ኣነ ከኣ ኣቦይ ሱናበራ ንበይኖም ተቐሚጦም ምስ ረኣኹዎም ብሓንሳብ ተቐሚጥና ጉዕዞና ናብ ኣስመራ ኣምሪሕና።

ኣቦና ሱናበራ ኣብ ዕላሎም “ምስግና ወደይ እዞም ምሁራት ናብዛ ኣስመራ ቅልቅል እንተበልኩም ንኢሳያስ ባህ ስለዘይብሎ ኩነታት ክሳብ ዝልወጥ ኣብቲ ኣሜሪካ እንተጸናሕኩም ኢዩ ዝምረጽ። ምዃን በዓል ንስኻ’ኳ ናይ ፖለቲካ ሰባት ስለዘይኮንኩም ንግዚኡ እንተተመላለስኩም ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን። ሕጂ ግን ንኣይ ዘሰክፈኒ ዘሎ ድሩዕ ኣብዛ እዋን እዚኣ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሱ ኢሳያስ ከይወዓለ ከይሓደረ ክኣስሮ ስለዝኽእል ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኑ ክቃለስ ለሚነዮ ክሰምዓኒ ኣይከኣለን። ዶክተር እንድዒ ደኣ ረቢ ባዕሉ ይሓልዎ እምበር ኣነስ ንድሩዕ ካልኣይ ግዜ ዝርእዮ ኣይመስለንን” ብምባል ኣቦይ ሱናበራ መንዲሎም ኣውጺኦም ንብዓቶም ደረዙ። ድሩዕ ንኢሳያስ ጽቡቕ ገይሩ ኣይፈለጦን ምስ በሉኒ ብኡ ንብኡ ድቃስ ስለዝወሰዶም እቲ ዝናፍቖ ዕላል ኣቦይ ሱናበራ ከይመነኹዎ ተፈላለና።

እቲ ዘሕዝን ንኢሳያስ ድሩዕ ጥራይ ኣይኮነን ዘይፈልጦ። ኣቦይ ሱናበራ እውን ጽቡቕ ገይሮም ኣይፈለጥዎን። ከመይሲ ንሶም እውን ምስ ከም በዓል ኣቦይ ዓብዱ ዝኣመሰሉ መሳቱኦም ዕጫ ድሩዕ ገጢምዎም ስለዝኾነ። እቶም ኣዝየ ዝፈትዎም ኣቦይ ዓብዱ የኑስ ብዘይካ ሰሓቕን ዕላልን ፖለቲካ ፈጺሞም ዘየዕልሉ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ብዛዕባ ኢሳያስን ውድቡን ሕማቕን ጽቡቕን ዘይዛረቡ፣ ምስ ወዶም ዓሊ ዓብዱ ፈጺሞም ዘይሰማምዑ ሰብ ኢዮም ነይሮም። ኣቦይ ዓብዱ ግና ንሳልሳይ ግዜ ብትእዛዝ ኢሳያስ ተኣሲሮም ይርከቡ። ንኣቦይ ሱናበራ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ምስ በጻሕኩዎም፣ ብሓጺር ግዜ ረሲዕ 3

ኮይኖም ጸኒሖምኒ። ነዊሕ ከይጸንሑ እውን ሞይቶም። ብርግጽ “ውድብ” ክበሃል ከሎ ብዘይካ’ቶም ሰዓብቱ ንወረጃታትን ዓበይቲ ዓዲን ክሰምዕ ኣይደልን ኢዩ።

ሓደ ሰብ ኣብታ ናይ ህግደፍ ቁራዕ እንተ ኣትዩ ካብ ወለዱን ሃይማኖቱን ቤተሰቡን ንላዕሊ ንውድቡ ኢዩ ዘቐድም። ኣብዚ እዋን ኣብ ካይሮ እትነብር ጓል ኣቦይ ሱናበራ ናይ ህግደፍ ካድረ ኮይና ኣላ። ብባህልና ግና ከምዚ ዓይነት ጠባይ ፉንፉን ኢዩ። ንሳ ግና ኣብታ ቁራዕ ስለዝኣተወት ልዕሊ ሱናበራ ንህግደፍ ኢያ እተቐድም። እግዛብሄር ከኣ ናብ ልባ ይምለሳ!! ከም በዓል ኢሳያስን ንሱ ዝመርሖ ውድብን ሃገር ትዕኖ ኣይትዕኖ፣ ሃይማኖት ይሃሉ ይጥፋእ፣ ግዲ የብሎምን። ንኣታቶም ህይወቶም እቲ ውድብ ስለዝኾነ። ሞራል ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዓንዩ፣ እታ ሃገር ናይ ዝሙትን ስኽራንን ምዃና እውን ኣየሕምሞምን ኢዩ።

ገለ ዓመታት ይገብር፣ ናብ ሆቴል እምባሶይራ ኣብ እተደይብ ኣስካላ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ኣንጎሎ ተጸጊዖም ክሰዓዓሙን ስምዒቶም ከርውዩን ከለው ዝረኣያ ኣደ ሰንቢደን ንእግዚኣብሄር ምስ ኣማረራ፣ እታ መንእሰይ ትቕብል ኣቢላ “ኣደ ኣይትሰንብዳ፣ ንዕነ ንኹልና ይኣኽለና ኢዩ!” ብምባል ተላገጸትለን። እቲ ንዓይ ዝገርመኒ ግና ኣብታ ጸግዒ ኣስካላ ክልተ መንእሰያት ተጸጊዖም መጽሓፍ ቅዱስ እንተዘንብቡ፣ መንግስቲ ህግደፍ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ኮንቴነራትን ኣብ ናይ ትሕቲ መሬት መዳጎኒታትን ምኣሰሮም እሞ ነዊሕ ከይጸንሑ ከኣ ህይወቶም ምሓለፈት።

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ብሰንኪ ሃይማኖቶም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ሃይማኖትና ክሒድና ኢና ብማለት ገሊኦም ከኣ እንተ ብቤተሰብ እንተ ብተኣምራት ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ናብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ምስ መጹ፣ ገለ ካብኣቶም ነብያትን ሃዋርያትን ዝብል መዓርግ ለቢሶም ካብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ናብ ሱዳንን ግብጺን ኢትዮጵያን እናተመላለሱ ካብ ገለ ወጻእተኛታትን ኤርትራውያንን ብዝኣከብዎ ገንዘብ ገይሮም ዓለም ክዛወሩ ንርእዮም ኣለና። ካብ ከምኡ ግና ኣብቲ ትምህርቲ ዘለዎ ሃገር እንተወሓደ 12 ክፍሊ’ኳ እንተዝውድኡ ዝሓሸ ኢዩ። ሓያሎ ኣብ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣብያተ ጸሎት ዝጀመሩ እውን ኣለው። ነቶም ብድሕሪኦም ኣብ ኮንቴነራት ተኣሲሮም ዘለው ኣሕዋቶም ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ብምዃን ኣብ ጎደናታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር እንተዝሕለቑሎም ንእግዚኣብሄርን ንህዝቦምን ዘሐጉስ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምኾነ። እንተዘይኮነ ግና “ንሕና መንፈሳውያን ኢና፣ ነብያትን ሃዋርያታትን ስለዝኾንና ጉዳይ ሃገር ኣየእትወናን ኢዩ። ሃገርና ካብዚ ቤተክርስትያን ዝዓጹ ክፉእ መራሒ ምስ ተገላገለት፣ ናብ ሃገርና ኣቲና ነቲ ዝጀመርናዮ መንፈሳዊ ስርሓት ክንቅጽል ኢና” ምባል ግን ዕሽነትን ግብዝናን ኢዩ።

እዚ ኣብ ሃገርና በትረ መንግስቲ ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንባር (ደሓር ህግደፍ) ኣብ ሃገርና ዘተኣታተዎ ባህሊ፣ ቀዳማይ ፍርሒ ካልኣይ ድማ ጽልኢ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብና ብፍርሒ ሕልናኡ ዓሪቡ ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎስ’ኳ ከይእሰር ይፈርሕ፣ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ግን ስለምንታይ ብፍርሕን ራዕድን ከም ዝነብር ኣይርደኣንን። ሓደ እዋን ሓደ ተጋዳላይ ሻዕብያ ናብ ጁባ መጺኡ ንግዲ ከዋፍር ምስ ጀመረ፣ ሓደ ምሸት ምስ ሓደ ካድር ህግደፍ ከዕልሉ ኣምስዮም። መስተ ሒዞም እናዕለሉ ከለው እቲ ካድር ከምዚ ኢሉ መኸሮ፦ “ዝዓርከይ ኢድ ኣያይ ኢሳያስ ነዋሕ ስለዝኾነት ኣብዚ ሃገር ከኣ ኣብ ገለ እዋናት ከም ኣንጭዋ ተመሲሉ ይረአ ስለዝኾነ ክትቃወም ኢልካ ከይትፍትን”። ንምሸቱ እቲ ናይ ራዕዲ ቃላት ክምገብ ዘምሰየ ተጋዳላይ ናብቲ ዝድቅሰሉ ሆቴል ኣትዩ ምስ ደቀሰ፣ ኣብ መንጎ ክሸይን ኢሉ ምስ ተበራበረ ሓንቲ ኣንጭዋ ኣብቲ ሽቓቕ ክትዕንድር ምስ ረኣያ፣ ወዮ’ቲ ካድር ዝበሎ ተዘኪርዎ “ኣንታ ኣያይ ንነዊሕ እዋናት ዘሳቐኻኒ ይእከልካ!!” እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ብዝጸንሖ ኣስኮባ ነታ ኣንጭዋን ብጾታን ብዘይንሕስያ ቀተለን። ካብቲ ተጻዒንዎ ዝጸንሐ ፍርሒ ከኣ ናጻ ኮነ። እዚ ምሳሌ’ዚ ንምእማኑ ዘሸግር ክመስል ይኽእል ይኸውን። ናይ ብሓቂ ዘጋጠመ ግን ኢዩ። በዚ ሎሚ እዋን ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ብሰንሰለት ፍርሒ ተኣሲሩ ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ የብሉን።

በዓል ሙሕየዲን ሸንገብ፣ ዓሊ ዓብዱ፣ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ፣ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፣ ወዘተ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ኮይኑ። ክሳብ ሕጂ ሓንቲ ቃል ከውጽኡ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት “ፍርሒ ኢሳያስ”፣ “ፍርሒ ህግደፍ” ለይትን ቀትርን ኣብ መንፈሰ ሕልናኦም እናመጸ ስለዘናውጾም ይመስለኒ።

ኣብ በዓል ኣሜሪካ ማሕበር ገብርኤል፣ ማሕበር ሚኪኤል ዝበሃላ ማሕበራት ኣብ ዝጀመራሉ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ብዘይ ንሕስያ ኢዩ ኣፍሪሱወን። ናይ ዓድን ኣውራጃን እንተጀሚሩ’ሞ ንመስረትቲ እተን ማሕበራት ወላ ኣብ ሓዳሮም ኣትዩ ክፈታተኖም ኢዩ ዝፍትን ዝነበረ። ሕጂ ግና እቲ ታሪኽ ተቐይሩ ኢዩ። ሎሚ ብስም ውድባት ህዝቢ ዓዲምካ ኣኼባ 4

ክተካይድ እንተፈቲንካ ካብ 20 ሰባት ንላዕሊ ኣይመጹልካን ኢዮም። ብማሕበር ሚኪኤል፣ ብማሕበር ገብርኤል፣ ብደቂ ባጽዕ፣ ብደቂ ኣባሻውል፣ ብደቂ ኸረን፣ ወዘተ እንተጸዊዕካ ግን ኣዳራሽ ይንእሰካ። እዘን ኩለን ማሕበራት ንሓንቲ ኤርትራ ኢለን ንሓደ ሰሙን ኣኼባ እንተዝገብራ፣ ንህግደፍ መንበርከኽኦ በሃላይ ኢየ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሓደ ሜላ፣ ንህዝብና ብኣውራጃታት ምፍልላይ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ገለ ውሑዳት ተበለጽቲ “ኢሳያስ ወዲ ላምና! ጅግና ሓማሴናይ ኢዩ!” እናበሉ ዝፍክሩ ኣለው። ብዘረባ ናይዞም ዉሑዳት ሰባት ተደናጊሮም ብህዝቢ ሓማሴን ዝማረሩ ከኣ ኣለው። ብናተይ ተመኩሮ ግን ህዝቢ ሓማሴን ካብ ህዝቢ ኩለን ኣውራጃታት ዝያዳ ዝተጎድአ ወረጃ ህዝቢ ኢዩ። ሎሚ እቲ ዝሓርሰሉን ንከብቱ ሳዕሪ ሓዚኡ ዘስብሓሉን መሬቱ ተሓዲጉ እተን ዝነበራ ጥሪቱ ሸይጡ፣ መሬቱ ብሃብታማት ተመንዚዑ፣ ሎሚ ኣሽንኳይ’ዶ ዝሓርሰሉን ማሉ ዘብልዓሉን መሬት፣ ምራኹት ዝውዕላሉ መሬት እውን የብሉን። ህግደፍ

እቲ ካልእ ዝጥቀመሉ ብልሓት ከኣ ተዋህዶ ንካቶሊክ፣ ከኒሻ ንጴንጤ፣ ክርስትያን ንኣስላም ከም ዝጸልእ ምግባር ኢዩ። ነዚ ክፉእ መንፈስ ዘገልግልዎ ሰባት ከኣ ካብቶም መሻይኽን ካህናትን ኢዩ ዝምልምል። ንኣብነት ሃይማኖት ከኒሻ ንሓያሎ ዓመታት ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸብረ፣ ንበዓል ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ይስሃቕ ተወልደመድህንን በዓል ቀሺ እምባየን ቀሺ ገብረስላሴን ዘፍረየ ሃይማኖት ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናብ ኣስመራ መጺኣ ዝመረቐቶን St. George ዝተባህለ ናይ ኣንጀሊካል ቤት ክርስትያን ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ቤትክርስትያን’ዚ ደርግ ክዓጽዎ ምስ ደለየ ናይ ሉተራንን ኣንጀሊካልን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ጀነቫ ተኣኪቦም St. George ንዝተወሰነ ግዜ ብሓላፍነት ወንጌላዊት ቤት ክርስትያን ክሕሎ፣ እቲ ብእንግሊዝኛ ስርዓተ ጸሎት ዝካየደሉ ናይ ወጻእተኛታት ቤተ ክርስትያን ግን ክቕጽል ተሰማሚዖም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ። ቀሺ ኣስፋሃ ፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ዝነበሩሉ ግዜ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝተዋህባ ሕድሪ ስለዘጽንዐት እቲ ናይ ወጻእተኛታት ቤተ ጸሎት ስርሑ ብግቡእ ክቕጽል ጸኒሑ። ኣብ መወዳእታ ግና ቅድሚ ክልተ ዓመት ቀሺ ዮሴፍ ዝተባህሉ ናይ ህግደፍ ካድር ፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ኮኑ ከም ኣጋጣሚ እቶም ህንዳዊ ቀሺ ክቕድሱ ኣነ ከኣ ክምህር እናተዳለና ከለና ንዓና ን5 ደቒቕ ከየዛረቡና እቲ ቤተ ክርስትያን ብወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝተወርሰ ኣርድኡና። እቶም ህንዳዊ ቀሺ ኣብ ሰሙኖም ተሰጒጎም። እቲ ናይ እንግሊዝኛ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከኣ ተዓጽወ። ቀሺ ዮሴፍ ከኣ ንናይ’ቲ ቤተ ክርስትያን ቪላ፣ መኪናን ቤት ትምህርቲን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእተውዎ። ብዘይካ’ዚ ምስ በዓል ቀሺ ገብረመድህን ኣብ ግብጺ ዝተማህረ ቀሺ ሳሙኤል ዝተባህለ ናይ ህግደፍ ካድር፣ ብገንዘብን ሽመትን ናይ ህግደፍ ተታሊሉ ንበዓል ቀሺ ገብረመድህን፣ ቀሺ ሃብቶም፣ ዶክተር ፍጹም ምስ ኣእሰሮም ኣብ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ካብቶም ቀንዲ ገባርን ሓዳግን፣ ኣሳርን ፈታሕን ኮይኑ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ትምህርቲ ሰንበት ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

እቲ ካልእ ኢሳያስ ዝጥቀመሉ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተሰብ ባእስን ጥልመትን ምፍጣር ኢዩ። ካብ ተመኩሮይ ተበጊሰ ገለ ክብል። መምህር ኣልጋነሽ ዘርአ እትበሃል ብመውስቦ ዝምድና ዘለና ኾይና ኣብቲ መጀመርያ ካብ ስደት ናብ ኤርትራ ዝኣተኹሉ ግዜ፣ ኣብቲ ከም ሓላፊት ናይ መዋእለ ህጻናት እትሰርሓሉ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ቃኘው ካብ መኻዚኖ 10,000 ብር ከም ዝተሰርቃ እቲ ገንዘብ ከኣ ከይወዓለት ከይሓደረት እንተዘይመሊሳቶ በዓል ልኡል ገብረኣብ ከም ዝኣስራኣ ብምግላጽ “ደቀይ ከዕቢ ሓግዘኒ!!” ትብለኒ’ሞ ኣነ ድማ ነተን ተሰሪቐናኒ ዝበለተን ገንዘብ ይኸፍለላ። እዛ ንብዙሓት ሰባት ዘደናገረት ሰብ፣ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት “ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝጸሓፍካዮ ብምሉኡ ኣብ ኢድና ኣትዩ ናብ እንዳ ጸጥታ ስለዘረከብናዮ እንተ ደኣ 20,000 ዶላር ዘይከፊልካ ክኣስሩኻ ኢዮም። ስለዚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ሕጂ ክፈለን” ዝብል መፈራርሒ ሓዘል ምኽሪ፣ ፍስሃየ ካሕሳይ ብዝተባህለ ሰብ ሰደደትለይ። ኣነ ከኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ህግደፍ ቤት ማእሰርቲ ክመውት ስለዘይደለኹ ንፍስሃየ “ነቲ ገንዘብ ቀዳም ንግሆ ክህበካ ኢየ” ምስ በልኩዎ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ከይነገርኩ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ሃገረይ ገዲፈ ናብ ዳግማይ ስደት ኣምሪሐ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክፉኣት ሰባት ብግዜ ሃይለስላሴ/ደርግ ነይሮም ሕጂ ከኣ ኣብ ግዜ ህግደፍ ንሓያሎ ሃብታማት ብዘይ ንብረት ከም ዝስደዱ ገይሮሞም ኢዮም።

እቲ ይትረፍ ንብምልእታ ሃገር ንሓንቲ ስድራ ቤት’ኳ ክፈላሊ ዝረአ ዘሎ ህግደፍ ዘንገሶ ክፉእ መንፈስ ሕስድና፣ ካብ ተራ ሰባት ሓሊፉ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ እውን ብግሁድ ኢዩ ዝረአ። ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፣ ሓደ ካብ ዕሉላት መራሕቲ መሓውር ጸጥታ ህግደፍ ዝኾነ ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ኣብ ኣፈይ ዝበለኒ ከም ኣብነት 5

ክንወስዶ ንኽእል። እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ሓደ ናይ ዕላል ኣጋጣሚ፣ ኣብ Eri-tv ብዛዕባ ዝገበርኩዎ ንኣተኣላላያ ጭንቀት ዝምልከት ቃለ መጠይቕ ክዛረብ ምስ ሰምዓኒ፣ “ዶክተር ከኣ ስቕ ኢልካ ኢኻ፣ ኣነ ጭንቀት ዘይብሉ ለይቲ ዝሓድር፣ ደም ሃብታም ሰትየ ምስ ዝሓድር ጥራይ ኢዩ” በለኒ። ኣነን እቶም ምሳይ ዝነበሩን ሰባት ካብ ኣፍ’ዚ ብኣጋጣሚ ዝተሓወሰና ሰብ ነዚ ቃላት’ዚ ምስ ሰማዕና ዝተሰምዓና ስምዒት ክትገልጾ ዝከኣል ኣይነበረን። ህግደፍ ማለት እምበኣር ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ደም ሰብ እንተዘይሰትዮም ዝጭነቑ ሰባት ዝምራሕ ውድብ ኢዩ።

ነዚ ስሱዕን ጭንቀት ዝዕድምን ኣንደበት ሰበስልጣን ህግደፍ ዘዘካኽር መደብ ኣብ ዝሓለፈ ኣውደኣመት ልደት ብኤሪ-ቲቪ ክፍኖ ምስ ረኣኹ መሊሲ ድንጽው ኢሉኒ። ኣብዚ ዓቢ መንፈሳዊ በዓል ዝተኸብረሉ ዕለት፣ ክርስትና ዝእምነቶም ቤተሰብ ሕሩድ ሓሪዶም፣ ሰቲ ነስኒሶም፣ ሓድሽ ኪዳን ተኸዲኖም፣ ዓበይቲ ስዋኦም እናሰተዩ ኣዴታት ቡናአን እናፍልሓ፣ መንእሰያት ናይ ልደት ኬክ እናቖረሱ፣ ብሓባር ኣብ ዝነበርናሉ ገዛ “ኣብ ሃገርና’ኸ ኣብ መዓልቲ ኣውደኣመት እንታይ ኮን ይበሃል ይህሉ!?” ኢልና ኤሪ-ቲቪ ምስ ወላዕና እቲ ክፍኖ ዝጸንሓና ፕሮግራም፣ ጭንቅን ስቓይን ሞትን ዘዘክር ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እናተዋግኡ ዝስውኡ ተጋደልቲ ዘርኢ ነበረ። መቸም ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ግብጺ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ መሪር ውግኣት ሓሊፉ ኢዩ። ብዘይካ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ግን ኣብ ግዜ ልደትን ፋሲካን ሓድሽ ዓመትን ሮመዳንን ውግእ ዝረኣየሉ ናይ ቲቪ ፕሮግራም ዘለዋ ሃገር የላን።

ብዝኾነ ህግደፍ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተጠቕመ ሜላ እንተተጠቕመ፣ ዕምሪ ስልጣኑ ክንዲ’ቲ ዝደልዮ ከንውሖ ኣይክእልን ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዝደፍኦም ስኢኖም እምበር ደኺሞም ኢዮም። ንምህዳም ዝቀራረቡ ኢዮም ዝመስሉ ዘለው። ኣብዚ ቀረባ እዋን ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ኣብ ደሴት ላምፔዱዛ ምስ ጠሓሉ ምክትል ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጸውዖ ናይ ጸሎተ ፍትሓት ስነ-ስርዓት ንምስታፍን ንኤርትራ ወኪሉ መደረ ከስምዕን ብጋዜጠኛታት ተሰንዩ ኣብቲ ኣነ ዝካፈለሉ ኢንተርናሽናል ቤተ ክርስትያን ሰንበት ምድሪ ምስ መጸ ደመይ ፈሊሑኒ ካብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ክርስትያን ከም ዝስጎግ ገይረ። ጽቡቕ ከኣ ተሰሚዑኒ። ንሱ እውን ብዘይ ተቓውሞ ርእሱ ኣድኒኑ ተመልሰ። ኣነ ሓደ ሰብ ንኣምባሳደር ህግደፍ ሓፊሩ ከም ዝወጽእ ክገብር ዝኽእል እንተኾይነ ንሕና ኤርትራውያን እንተሓቢርና ብዙሕ ክነስልጥ ንኽእል ኢና።

ህዝብና ካብዚ ዘለዎ ባርነት ክወጽእ እንተኾይኑ፣ ብውድብ ወዲ ውድብ ዘይኮነ ብሓደ መንፈስ ሓቢሩ ንኢሳያስን ንሱ ዝመርሖ ውድብን ካብ ሱሩ ነቒሉ ክድርብዮ ቆሪጹ ክለዓል ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ስደት ውድባት ጸዊዐን ካብ ዝእክባኦ ህዝቢ ንላዕሊ ብማሕበር ሚኪኤል፣ ማሕበር ገብርኤል፣ ማሕበር ኣባሻውል፣ ማሕበር ከረን፣ ወዘተ ተጸዊዑ ዝእከብ ህዝቢ ይበልጽ። ናይ ውሩያት ሰባት ተበግሶ እውን ህዝቢ ብቐሊሉ ክስዕቦ ዝኽእል ስሕበት ኣለዎ። ንኣብነት ተበግሶ ወዲ ቫካሮ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ኤርትራውያን ንወዲ ቫካሮ ንምስማዕ ኣብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ይሳተፉ ኣለው። ውድባት ኣኼባ እንተዝጽውዓ ግን 50 ሰብ እውን ክእክባ ኣይምኸኣላን። ወዲ ቫካሮ ግን ከም ሽማግለ ዓዲ ኾይኑ ንዝኾነ ውድብ ከይወከለ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሓድነት ጻውዒት ታሪኽ ዘይርስዖ ዓቢ ተግባር ኢዩ። በዓል ወዲ ቫካሮ ንኢሳያስ ራሕሪሖም “ግዜኻ ኣኺሉ ኢዩ ብሰላም ውረድ!!” ክብልዎ ከለው፣ እቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ንዝነብር ህዝብና ዘውረሶ ናይ ፍርሂ መንፈስ ንኽቕንጠጥ ዓቢ ድፍኢት ዝፈጥር ተበግሶ ኢዩ። ድምጻዊ ወዲ ትኳቦ እውን እንተኾነ ንሕብረትን ሓድነትን ዝምልከት ደርፊ ምስ ኣውጽአ፣ ብሓደ እዋን ክሳብ 100 ሽሕ ሰማዒ ከም ዝረኸበ በዓል BBC ኣውርየናሉ ኢየን።

ትምኒቶም ክሳብ ሕጂ ሸቶኡ ኣይውቃዕ እምበር ድሕሪ ምብትታን ተሓኤ ብትምህርቶም ኣብ ድላዮም ክበጽሑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብዙሓት መሳቱና ፍቕሪ ሃገሮምን መስዋእቲ መጋድልቶምን ብምዝካር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ውድባት ኣትዮም ክቃለሱ ጸኒሖምን ኣለውን። ኣነ ብወገነይ ኣብ ዝኾነ ውድብ’ኳ ኣባል እንተዘይኮንኩ ነዞም ልዕሊ 40 ዓመት ተስፋ ከይቆረጹ ዝተጋደሉ ከም ጀጋኑ ኢየ ዝርእዮም። እዞም ኣብ ስደት ተወዲቦም ዝተጋደሉ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ወላ’ኳ ገለ ኤርትራውያን ከዳዓት ኢሎም እንተ ኣናሸውዎም፣ ነቲ ኹሉ ጸርፊን ሓርፋፍ ናብራን ሒዞም ክሳብ ሕጂ ጠጠው ኢሎም ክነብሩ ምኽኣሎም ይገርመኒ። ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዘድንቖም ገዳይም ተጋደልቲ ድማ እቲ ኣብ ሱሳታት ኣብ ኣሜሪካ ብPh.D ብወርቂ ተመሪቑ ዝነበሮ ክብሪን ሓላፍነትን ገዲፉ ናብ ቃልሲ ዝተሰለፈ፣ ኣብ ህይወቱ ሓንቲ መዓልቲ እውን ከይጠዓሞ ንሱን ስድራቤቱን ብብዙሕ ግፍዒን ፈተናን ዝተሳቐዩን፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ዶክተር በየነ ኢዩ። ፈለጥቱ ብህይወት ክሳብ ዘለና ድማ ጽንዓቱ ካብ ዝኽርና ኣይክሃስስን ኢዩ። 6

እዘን ኣብ ስደት ዝርከባ ውድባት፣ ምምሕዳረንን ኣተሓሳስባአንን ምስ ዘመንና ዘይከይድ፣ ብፍላይ ከኣ ኣመራርጻ መራሕተን ንነዊሕ ዓመታት ለውጢ ከየርኣየ ዝጓዓዝ ዘሎ፣ ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮ ሜዳ ዘይተገላገላ ብምዃነን ህዝቢ ክስዕበን ኣይከኣለን። ኣብ መንጎአን ስኒትን ፍቕሪን ስለዘይብለን፣ ጸገመን ከኣ ንግሆን ምሸትን ናብ ህዝቢ ብኢንተርነት ስለዝዝርጋሕ እቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ኣብኣተን ዝነበሮ ተስፋ ዝቐሃመ ይመስል። እቲ ንሓያሎ ዓመታት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ ክበራበር ስለዘለዎ ግን ብዙሕ ስራሕ ዝጽበየን ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ።

እቲ ኣብ ኣዋሳ ዝተመስረተ ባይቶ’ውን ከምተን ውድባት ዝደስከለ ኢዩ ዝመስል። ሕጂ’ውን ብወረ ከም እንሰምዖ እቲ ባይቶ ክበራበር እንተኾይኑ፣ ውድባትን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛዊሮም ክምለሱ ዝደልዩ ሰብ ድያስፖራ ኤርትራውያንን ዘይኮነስ ክእለትን ብቕዓትን ዘለዎም ወላ’ውን ምስ ውድባት ፈጺሞም ዘይሰማምዑ ወላ’ውን የማነ ገብረኣብ ናብቲ ባይቶ ከም ተዛራባይ ኮይኑ ንኽመጽእ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ዘይዕደመሉ ምኽንያት የለን። የማነ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ክሳተፍ ግን ብዙሕ ጾምን ጸሎትን የድሊ።

ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓናስ ንህዝቢ ዓለም እውን ይመርሮ ኢዩ ዘሎ። ህግደፍ ምስ ህዝቡ ክዕረቕ ንኽውስን ሓጺር ግዜ ኢዩ ዘለዎ። ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ሃብታም ባህሊ እንተ ደኣ ሃልዩ ንዝበደሉና ይቕረ ምባል ኢዩ። ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣብዛ ሕማቕ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ “በዲልናካ ኢና’ሞ ሕጂ ከኣ ብሰላም ካብ ስልጣን ወሪድና ንዝተወሰነ እዋናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ፈተውቲ ኤርትራን ተዓሪቕና ብዝመረጽካዮ ሰብን ብዓንዲ ሕጊን ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ 3-6 ወርሒ ክነረክብ ዕድል ሃበና” እናበሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ሰሚናራት እንተዝገብሩ ህዝብና ዝነጽጎም ኣይመስለንን። በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ኢሳያስ ክሳብ ክንድኡ ለቢሙ ከምኡ ዝብለሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ምስ ጠባዩን ባህሉን ስለዘይከይድ እንተኣብዩ ከመይ ኢሉ ከም ዝወድቕ ሓቢርና ንርእዮ።

ሓደ ካብቶም ብሃብቲ፣ ገንዘብን ሓይልን እናተመክሑ ከለው ሃንደበት ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ሊብያ ጋዳፊ ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እናተዓበየ ዝምካሕ ዝነበረ ጋዳፊ ንሊብያ ን40 ዓመት ምስ መርሐ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ሊብያ ተኣለየልና ክብሎ ናብ ኣደባባይ ምስ ወጸ “ኣናጹን ደማሙን” እናበለ ኢዩ ዝጸርፎ ዝነበረ። ደሓር ግን ኣብ ኢዶም ምስ ወደቐ ነቲ ዘኪርዎ ዘይፈልጥ ረቢ ብምዝካር “ምእንቲ ረቢ መሓሩኒ” እንተበሎም ብዘይንሕስያ ኢዮም ረሺኖሞ። ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ ከም ዝበሃል ደቂ ጋዳፊ እውን ዕቡያት ስለዝነበሩ ምስ ኣቡኦም ተረሺኖም። ኢሳያስ ንነብሱ ክብል ካብ ተመኩሮ ጋዳፊ እንተዘይተማሂሩ ዕጫኡ ዕጫ’ቲ ናይ ተንኮል ዓርኩ ዝነበረ ጋዳፊ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።

ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን

(ዶክተር ምስግና ገብረመድህን ናይ ኣንትሮፖሎጂን ቲዮሎጂን ምሁር ኾይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ መስራትን ግዝያዊ ኣቦ መንበርን ናይቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ዓበይቲ ዓዲ ኤርትራ ኢዩ። ዶክተር ምስግና በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክርከብ ይከኣል፦ mmedhin@ymail.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
191 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS January 20, 2014

    ¨ ኤርትራውያን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ድኣ ኣበይ ኣትዮም¨ ???

    ክቡራት ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን,

    እቲ ኣነ ዝጽሕፎ ርእይቶታት ሰብ ክፈትወኒ ወይ ንመን ኮን ባህ የብሎ ብዝብል መንፈስ ተበጊሰ ሓንቲ ምዓልቲ እኳ ጌረዮ ኣይፈልጥን፣ንብድሕሪ ሕጂ እውን ከምዘይውዕሎ ይማባጽዓልኩም።ኣንጻር ማንም ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ኣይኮንኩን።ነታ ሓቂ ንምግላጽ ግን ሰብ ከይፈርደለይ ክብል ንሰይጣን መልኣኽ ወይ ብኣንጻሩ ድማ ንመልኣኽ ሰይጣን ጌረ ንከየቕርብ እቶም ብሓቅነት ዘዕበየኒ ትምህርቲ ወለደይ ዓቢ ብሎኮ ስለ ዝኾነኒ።
    ክቡራት ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ኣብ ወጻኢ ምስ ወጻእኩ ፣ኣብ ብዙሓት ሃይማኖት እስልምና ዝዓብለለን ሃገራት ዝተፋላለየ ግፍዒ ኣንጻር ክርስትያንን ካልእ ሃይማኖትን ፣ምንም እኳ ብውሑዳት እንተተፈጸመ፣እቲ ብዝሓ ህዝቢ እውን ተጻዊርዎ ክርኢ፣ ዶ እምበር እቲ ኣብ ዓደይ ዝፈልጦ ሃይማኖት እስልምና ድዩ ፧ብሓቂ የብለኒ።
    ኣነ ከም ኣነ ግን፣ ንሰብ ብተግባሩ እምበር ብእምነቱ ጥራይ ስለ ዘይፈርዶ ነቶም ኣጸቢቐ ጠባዮም ዝፈልጦ ናይ ድምበዛን ጎረባብተይ ትግረን ብሌንን (ወረ ብጠቕላላ ካብ መታሕት ዝመንጨዉ ሰባት)ከምኡ እውን እቶም ኣብ ከተማ ዝፈልጦም ጀበርቲን ክምስክር እንተኾይነ፣እዞም ሕያዎት ተኸተልቲ እስልምና ፣ናይ ካልእ ሃይማኖት ዘኽብሩ ፣ንኽስታናይ ኣብ በረኻ እንተረኸብዎ ፣ሃይማኖቱ ከይሓተቱ ቡን ቆልዮም ዝጋብዝዎ__ሕያዎት ፣ነቲ ድኻ ኣስላማይ እኳ ብዒድ ክዳውንቲ ህያብ ክህቡ፣ መታን ኣላህ ጥራይ ክርእየሎም ፣እቲ ተቐባላይ ድማ ከይስከፍ ብማለት ለይቲ ብፕላስቲክ ጠቕሊሎም ኣብ ቀጽሪ ገዝኡ ደርብዮሙሉ ዝኸዱ፣ደቂ ኣምላኽ እዮም ።እዚ ሓቂ ስለ ዝኾነ እምበር ንኤርትራዊ መታን ከቃራርብ ኢለ ዝምህዞ ዘለኹ መቃራረቢ ሓሶት ኣይኮነን።
    ኣብ ኤርትራ ንሳቶም ብፍላይ ክቕተሉን ክርገጹን ክጭቆኑን፣ ካብ ጊዜ ጃንሆይ ጀሚሩ (እቲ ¨ገድሊ¨ኣብ ሰፈሮም ስለ ዝጀመረን በዚሓ ኣስላም ስለ ዝነበርዎ ፣ድማ ተጋደልቲ ተኵሶም ክስወሩ ከለዉ ሕንሕነ ነቲ ሰላማዊ ኣስላማይ ሕነ ይወርዶ ኔሩ)እግሪ መገዱ ድማ ነት ክስታናይ ካብቲ ¨ገድሊ¨ንምንጻል እዩ። ወረ እታ ባባ ኢሳያስ ናይ ሓረድትን ቀተልትን ኣስላም ኢሉ ዝውንጅላ ጀብሃ ፣ዝገበረቶ ቀጥታዊ ግፍዒ እንተሎ ዓዲ ምስያም ዝብሃል ብጠቕላላ ጀበርቲ ዝቕመጡላ ቁሸት እያ።እንታይ ዝዓይነታ ናይ ኣስላም ውድብ እያ ቁሸት ክርስትያን ገዲፋ ቁሸት ኣስላም ጀበርቲ ተጋፍዕን ትቐትልን ።ይመስለኒ እቲ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ዘይኮነ፣ ቀቢላዊ ቃና ኔርዎ ከይከውን። እዚ ኣብ ጀብሃ ፣እስላማውያን ሓይሊ (ካብ ኤርትራውነት ንላዕሊ እስልምናን ዓረብነትን ዘማዕብሉ ሓይልታት) ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ።እዚኦም ሓይልታት ይመስለኒ መጻሕፍቲ ትግረ ዘቃጸሉ፣መታን ዓረባውነት ክስ ስን። ግን እዚ ናይ ኤርትራውያን ኣስላም ገላጺ ባህሪ ስለ ዘይኮነ፣ክሳዕ እታ ብኣቢሲንያዊ ሓይልታት ሻዕብያን ወያነን ተደፊኣ እትወጽእ፣ናይ ብሓቂ ኣስላማይን ክርስትያናይን ብንቕሓት ትሓቁፍ ዝነበረት፣እዛ ዘይጥርንፍቲ፣ ግንከ ንቕሕቲ ዝኾነት ውድብ እያ ኔራ።ሰብ ፈትዩ እዩ ዝስርዓላን ዝስለፈላን ኔሩ።ግን ብግምት ኣብ 1978 ,ከምቲ ናይ ኣቢሲንያዊት ሻዕብያ ፣ህዝቢ ብሓይሊ ግትገፍፍን ከተካላብትን ፣በቶም ሓጥያቶም ቅሉዕ ዝኾነ መሪሕነታ ድማ ነውራ ቅሉዕ ስለ ዝነበረ ፣ናብ ሽፍታ ተቐይራ፣ምናልባሽ እውን ሓይሊ ከበሳ ዘደንገጾም ኣሻጥረኛታት መራሕቲ ከም ዝነበሩ እውን ይጥርጥር ኣነ።
    እዛ ከም ጀብሃ እኳ ብዝመስል ቅኑዕ ኩራዊ ዕላማ ዘይተበገሰት ፣ካብ ሱራ ብሽፍትነትን ሸፈጥን ተጠኒሳ ዝተወልደት ሙዳዳ (ሻዕብያ)__እቲ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር ባባ ኢሳያስ ድማ ፣ጀብሃ፣ደቂ ከበሳ ከይሓዝና ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና ኢላ ህዝቢ ክርስትያን ንምሕዋስ ኣሚና ቻይና ክትሰዶ ከላ እኮ ሽሙ ሱሌማን ወይ ምሓመድ ስለ ዝመሰላ ኣይኮነን። ግን እዚ ኣቢሲንያዊ ዝኾነ ኢሳያስ ነዛ መስመር ቃልሳ ሓዋሲን ኣካብን ክትገብሮ ዝፈተነት ውድብ ፣ከም ከም ክርስትያናይ ዝተጨቆነላን ከም ጂሃዲስትን ጌሩ ኣቕሪብዋ።ኣብ ድምበዛን ኣይተቐበልናዮን፣ ኣብ ዝርኣናዮ እምበር ኣብ ዝተነግረና ስለ ዘይንኣምን ።ነዚ ትኣፋፊ ሓሶት ¨ኣስላም ቀተልቲ ፣ኣስላም ሓረድቲ ፣ኣስላመይቲ ጀብሃ ካራ እንተተሳእና ፣ላማ ኣይስኣናን እዩ ኢሉ፣ንክርስትያን ኤርትራውያን በቲ ኣሉታዊ ጎኖም ኣትዩ ነዛ ሓሳዊት ጉዳይ መዝሚዝዋ።ነዚኣ ከማዕብል ድማ እታ ዝመቸወት መገዱ ኩነታት ቶርዓን ጸንዓድግለን እዩ።እቲ ጉዳይ ኣዕሚቘ ስለ ዘይፈልጦ ዓቢ ትንታነ ክህበሉ ኣይክእልን።ግን ሓደ ዘይሕከኽ ሓቂ፣ሙዳዳ (ሻዕብያ)መተካእታ ማሕበር ኣንድነት ምዃና ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
    ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ድማ እቶም መብዛሕትኦም ሓወቦታተይ ዝነበርዋ ኮማንድስ,ናይ ጃንሆይ ንመታሕት ኣስላም ኣሕዋትና ¨ደቂ ሓሊማ¨እናበለት ኣካል ናይቲ ግፍዒ ኣንጻር መታሕት ኣስላም ኣሕዋትና ከም ዝተኻየደ ካልእ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።ካብ ኮለል ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ከም ዝብሃል ኣብቲ ቀንዲ መልእኽተይን ምኽረይን ክኣቱ።እዞም ክግለሉን ክቋናጸቡን ዝነበሩን ዘለዉን ኣስላም ኣሕዋትና ኣብተን ተቓወምቲ ዝብሃላ እውን ቍንጣሮ እንተዘይኮይኖም ከምቲ ብዝሖም ነቲ ሰልፊ ተቓወምቲ ክሕወስዎ ኣይርኤን።መንከ ክፈርደሎም ፧ እቶም ጨቆንቲ ዝብሃሉ ይኹን እቶም ¨መድሓንቲ¨ነዚ ናይ ካብ 50% – 58% ዝኸውን ተኸታሊ ሃይማኖት እስልምና ኣሕዋትና፣እንታይ ጸገምኩም ዝብሎም ኣይረኸቡን ፧ ከምቲ ዝገለጽኩልኩም፣እቲ ጸገሞም እንታይ ከም ምዃኑ ንምፍላጥ ናይ ሮኬት ሳይንቲስት ምዃን ኣይሓትትን።
    እዚ ሓድሽ ትውልዲ ነዚ ዛዝዩ ዘሎ ፣ንብዝሒ ክፋል ሕብረተሰብና ኣገሊሉ ዘሎ ኣሰራርሓ ንኸዔሪ ኣጥቢቐ ይምሕጸኖ።እቶም ኣስላም ናይ ሃይማኖት ጸገም ስለ ዘለዎም ባዕሎም ዝተገለሉ ጌሮም ዝገልጹልኩም ።እቲ ሓቅነት እዚ ኣነ ዝገልጸልኩም ዘለኹ እዩ ።ምንም እኵ እዛ ዝወረስኩማ ሃገር፣ናይ ሓሶት ሃገር ትኹን እምበር ሓቢርኩም ብሰላም ክትነብሩላ መፍትሒኡ ካባኹም እዩ።እቶም ክርስትያን ዝኾንኩም ሓደሽቲ ትውልዲ ፣ሓወቦይ SYE (SAVIONG YOUNG ERITREANS) ገሊጹልና ማዕረ ኽንደይ ከም ዝተገለልኩም,ንዑ ተኣኪብና ንዛራረብ በልዎም ፣እንተዘይኮነ ሃገር ንሓዴኹም ወይ ንኹሉኹም ከይኮነት ክትዓኑ እያ።ዝኾነት ሃገር (ቀበሌ) ስለ ዘውረስናኩም።
    ክቡራት ደቀይን ን ኣሽቱ ኣሕዋተይን ሓቂ እንተሒዝካ ዝኾነ ቴማ ኣየባእስን እዩ፣ኣነ ከምቶም ብዕድመይ ዝርከቡ ኣቦታትኩምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን ፣እናተሰከፍኩ ፣እዚ ክፈላልየና እንድዩ፣እዚስ ብጣዕሚ ተኣፋፊ ጉዳይ እዩ ኢለ ሻለል ኣይብሎን እየ።ናተይ ኣጀንዳ ፣ነዛ ዘውረስናኩም TIME BEMB ሃገር (ቀበሌ) ከመይ ጌርኩም ብሰላም ከም ትነብሩላ እዩ እምበር፣ወይ ሙታንታ ኣምሓሩ ወይ ካልሲ ተጋሩ ኮይነ ኣይኮንኩን።
    ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብ$65000 ዶላር ዶ ሕልቕቲ ደርሆ ምገዛእኩም,ዝብል ናይ መጨረሻ ጽሑፈይ ክኸውን እዩ ፣ብውሑዱ ንሰለስተ ወርሒ ክገድፈኩም እየ ።ነዚ ዝበልኩኹም ኣብ ግብሪ ከተውዕልዎ።ኣጆኹም ደቀይ ሃበርም።
    You can take my practical advice or listen to the fantasy filled invented Eritrean bed time history from others of my age group.

    worried Uncle SYE (SAVING YOUNG ERITREANS)

  • SAVING YOUNG ERITREANS January 20, 2014

    please include ..TIME BOMB ዝኾነት ሃገር (ቀበሌ) ስለ ዘውረስናኩም።

    thank you

  • Wedi Elum January 21, 2014

    Dr. Mesghina’s personal problems or sins are not Eritrea’s problems at this time. We have got a dictator and we are looking for a way to get rid of this dictatorshp. When you say he stole somebody’s wife you are forgetting that you are insulting women. A wife is not a piece of a furniture. Marriage involves a man and a woman and this woman wouldn’t leave her husband and go with DR. Misghena unless she hated her husband.

    This guy’s writing is good in content and Tigrinya grammar that has been missing in all these writings we read everyday.Even though it is long it is not boring to read because it is entertaining So, please don’t scare good writers we want them to write more so that we can learn from them.

  • halengi January 21, 2014

    atayo saving young eritreans abzey natka toblok gedefo . naimatka natka aykonen hasas

  • Tsige Asfaha January 21, 2014

    Shallow in substance and incoherent in presentation, reading such a rambling piece from a gentleman who claims to be a PhD holder in Anthropology and Theology is irritating to say the least. That is a telling sign of flawed personality. You are no asset but a drag to any serious political effort.

  • Rahayta January 21, 2014

    Saving young Eritreans:
    good comment on the characters of the nefarious camps in sawra. I was surprised one day when I heard an Amhara-Jeberti from Wollo Ethiopia who migrated to keren to ask the people to burn Tigre and Bilen languages in order to adopt a foreign language — Arabic.
    It is unthinkable for Eritrea to be worthy if its people are ashamed of their own history and languages.

  • Khalighe January 22, 2014

    Rahayta, you got a new nickname …, this time you picked an Afar name.
    But the substance of your comments on this blog for the last two years have not changed.
    Anyway, keeping enjoying insulting people you hate for no good reason, because, you won’t find this freedom in Eritrea in future. When Issu has gone, soon I hope, people like you will have their big mouth shut.

  • Truly Truly i say to you January 22, 2014

    part 1
    Please, Haqqi Nezarab stop your Pharisees mis behave! You seems here a moral apostle, who never dead any sin in whole life. If you think self holly, whichever sin has no committed person , then may through the first stone at him. Ok! like your strong allegation if there are affected families, may the victimized person has full right to take its case to court and accuse the person there in private issue, but not in political.
    Dr. Misgina didn´t claim to be a president of Eritrea. So why is this all allegation? Why is his private life or sin is now so important for you guys? Even he claims, as far as since he doing a right thing in politic, since have competence knowledge and a right altitude , who cares about his private life? And why not he couldn´t be president?

  • Truly truly i say to you January 22, 2014

    part 2
    Didn´t you know as are many developed nations presidents who married for the fourth time, but as it couldn´t be obstacle their fourth time marriage for their political carrier? Even didn´t you not know the prince of Monaco before he became prince some Phrases, like you so called Haqqi Nezareb and alike as attempted to defame so that not to be prince of their country, because he got a child from one African woman? But could the case hinders him to become prince? Never! Because first it was his private issue, but the most important point his altitude was so human, and right it was. The second but the first important point the prince didn´t deny or attempt to hide as he has child from African woman to his public. For your surprise he even during in his crowning ceremony i think when a journalist asked him about, i remembered as he answered, as he strongly work for justice and human dignity of all race uses the diversity the child he got from African woman. But if wicked mind isayas and you alike people were be in his position with might and wealth like him ;i never doubt as you order a woman and a child to be killed, so that your sin not to be known and come to light. Isayas already in this aspect also as have done sin and let people to be killed, so that to bury his sin unknown,i have heard allegations from a lot of people.
    But imagine to what the prince answered, he vowed to do good to stand for justice of human race using the incident. This is what relevant not with whom he sleep. Actually about big people to talk who am i? I know as i am not worthy and poor guy i am, but because i got big lesson from that and i believe if i share to our society ,it will be helpful the lesson even for the world it is , i dare to talk about to what i think.

  • Truly Truly i say to you January 22, 2014

    part 3
    This prince in my view, in this aspect he has done a right altitude even more than King David, that of in bible mentioned i would say. Every bible readers knows King David because once committed adultery sin with his General´s wife ,just his sin to bury and not to be come in to light, the bible tells us as he committed another crime by killed his General just to cover up his first sin. (2nd Samuel chapter 11) read the whole story if like (However, David was a man of repentance and quality not stubborn like Isayas to God.
    But the important lesson, if a person despite some wrong doings (sin)in flesh did, if in his spirit doing the right thing and have a right altitude for instance repentance ;i believe no one has right longly to defame and accuse such person.
    This is why Almighty God pleases with people who are honest and doing right and repent, even they do wrong he gives mercy, he doesn´t let any allegation against them to work. This is why King David despite his transgression God witnesses about him, ” i have found that David son of Jesse is the kind of man i like,a man who will do all i want him to do.”said. ( Acts 13, 22) And this is why any allegation against the prince we seen as didn´t work and he crowned prince. Because the people also most are civilized and intelligent.

POST A COMMENT