ኤርትራ “ደጊኣ ዘጌጸ ልቕልቕቲ መቓብር”
ዝኸበርኩም ኣብ ስቅያትን ኣብ ኣርዑት ጭቆናን ዘለኹም ኤርትራዊያን!! ምናልባት እዛ ኣርእስቲ ምስ ኣንበብኩም ተሰንብደኩም ትኸውን፤ትሕዝቶ ነይዛ ጽሕፍቲ ጥልቕ ኢልኩም ምስ ኣንበብኩማ ግን እታ ኣርእስቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐት ከም ዘይኮነት ክትርድኡለይ ተስፋ እገብር።ኤርትራ ከምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ
ዝኸበርኩም ኣብ ስቅያትን ኣብ ኣርዑት ጭቆናን ዘለኹም ኤርትራዊያን!!
ምናልባት እዛ ኣርእስቲ ምስ ኣንበብኩም ተሰንብደኩም ትኸውን፤ትሕዝቶ ነይዛ ጽሕፍቲ ጥልቕ ኢልኩም ምስ ኣንበብኩማ ግን እታ ኣርእስቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐት ከም ዘይኮነት ክትርድኡለይ ተስፋ እገብር።ኤርትራ ከምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ወይ ንምቕሻሽ ብዝተፈላለዩ ናይ ምትላል ሜላታት ከም ንግደት ፤ ኣውደኣመት፣ምጅማር ሰውራ፣መዓልቲ ነጻነትን ካልእ ፈስቲቫላትን እናኣዳለወ ነቲ ድኻ ህዝቢ ከይፈተወ ግዜኡ ኣብ ምስዕሳዕን ኣብ ምጭፋርን ዘሕልፎ እንርእያ ኣይኮነትን።ኤርትራ ከምቲ ተመሃሮ ንሰለስተ ወርሒ ብግዴታ ካብ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ብዝተፈላለዩ ኣጭርቕቲ ተሻላሊሞም ዘርእዩዎ ታዕሊማትን ሳዕሳዒትን ኣይኮነትን።ኤርትራ ከምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሃገር ኣልሚዐ ኣለኹ ንኽብል ኣብ ገለ ጀራዲን ጋሽ-ባርካን ወይ ብናይ ኣጋጣሚ ኣዝመራ ዝለምዐ ዞባ-ደቡብን እናኸደ ሸዊት ዕፉን ወይ ሸዊት መሸላ ሒዙ ዝሰኣሎ ስእሊ ኣይኮነትን።ከምቲ “All that glitters is not gold” ዝበሃል ኣብ ኤርትራ እቲ ዘንጸባርቕ ኩሉ ሓቀኛ ዘይኮነ ስኑዕ ወርቂ ኢዩ። ውጹዕ ህዝብና ድማ ከምቲ ኣሜሪካዊያን ዘርእዩዋ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ነታ “መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ” እትብል ምስላ ጽቡቕ ጌሩ ክኢሉዋ ኣሎ።ስለዚ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት ከምቲ ብደጊኣ እንርእያ ዘይኮነት ኢሳይያስ ንሕዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ንምትላል ብዝፈጥሮ ዘሎ ስኑዕ መልክዕ እንተ ዘይኮይኑ ውሽጣ ግዳያት ውልቀ-መላኺ ብዝኾኑ ረያሱን ኣድራሻኦም ዘይፍለጥ ዝሓቁ ዘለዉ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ዝኾኑ ዓይኒ ዘለዎም ረያሱ እሱራትን መሊኣ ስለ ዘላ፤ኤርትራ ደጊኣ ዘጌጸ ልቕልቕቲ መቓብር ኮይና ኣላ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።ነዚ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ሓደ ሓደ ኣብነታት ንምጥቃስ፤ 1. እቶም ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሮም ሰለይቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ ተባሂሎም ዝተጨውዩ መማህራንን ካልኦት ከም በዓል ጅግና ቢትወደድ ኣብርሃን ኣበይ ኣለዉ? 2. 2.እቶም ተዋጊኦምን ኣዋጊኦምን ሃገር ዘረከቡና ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ብ2002 ምስ ተሰወሩ ሃለዋቶም ኣበይ ኣለዉ? 3. እቶም ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ብምፍጻም ንህዝቦም መንፈሳዊን ዓለማዊን ኣገልግሎት ኣብ መሃብን ንመንእሰያቶም ብስነ-መለኮት ኣብ ምኹስኳስን ዝነበሩ ብመንፈሳዊን ዓለማዊን ትምህርቶም ዝበሰሉ ሊቃውንቲ ካህናትን፤እቶም ዕድሜኦም ምሉእ ብምንኩስና ኣብ ገዳም ዘሕለፉ ቅዱስ ኣቦ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ፤ጉጅለ ውልቀመላኺ ሕፍር ከይበሉ ምስ ሲ.ኣይ.ኤ ርክብ ነይርዎም ብዝብል ጸለመ ምስ ኣእተዎም ኣበይ ኣለዉ?
4. እቶም ናይ ምስልምና ብስም ሙጃሀዲን ምንቅስቓስ ጌሮም ብዝብል ናይ ፈጠራ ውንጀላ ዝጨወዮም ደቂ ሃገር ኣበይ ኣለዉ? 5. እቶም ናይ ዝተፋላለያ ጋዜጣታት ጸሓፍትን ስነ ጥበባዊያንን ካብ 2003 ጀሚሮም ዝተሰወሩ ኣበይ ኣለዉ?
6.እተን በብግዚኡ ዝተጨወያ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ደቂ-ኣንስትዮ መሕቀቒኤን ዘይፍለጥ፣ሰብ’ዶ ከም ጨው ሓቒቑ ይተርፍ’ዩ? 7. እቶም ኣመንቲ ናይ’ተን ናእሽቱ ሃይማኖታት ብዘይካ ብእምነቶም ምስባኽ ካልእ ገበን ዘይብሎም ካብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ተዓፊኖም ምስ ተጨውዩ ኣበይ ተዋሕጡ? 8.እቶም ብድሕሪ ጅግና ስዉእ ጀነራል ወዲ ዓሊ ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ከካብ ገዝኦም ዝተዓፈኑ ሓቦኛታት ደቂ ሃገር ኣበይ ኣለዉ?
ስለዚ እዚ ኩሉ እከይ ተግባራትን ኣበሳን ኣብ ውሽጢ ከርሳ ሰቲራ እትነብር ሃገር ልቕልቕቲ መቓብር’ውን ክንእሳ’ዩ።
ኣንቱም ኣብ ኤርትራ ዘለኹም ጀነራላትን ኮሎኔላትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን፤ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማእሰርቲ፣ስቅያት፤ጭቆና፤ጥሜት፤ስደትን ጠቕላላ ከርፋሕ ናብራን እናፈለጥኩም ንግዜያዊ ጥቕምኹም፤ ነዚ ውጹዕ ህዝቢ ጸማም እዝንኹም ብመሃብ ናይ ተንኮል ስቕታ መሪጽኩም መሳርሒ ናይዚ ጨቛኒ ስርዓት ኪትኮኑ ኣዚዩ ዘሕፍር’ዩ።ኣነ ዝላበወኩም ግን “ዕፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም ከም ቆልዓ ይሕዘል” ከይኮኖኩም ካብ ናይ’ዚ ግፍዐኛ ሰብ’ዚ ወደ መዝሙርነት ተላቒቕኩም፤ንህዝብኹም ሓርነቱ ዘጓናጽፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ነባሪ ታሪኽ እንተ ትገድፉ ምሓሸኩም እብል።
ሓፋሽ ህዝቢ ግን ህዝባዊ ናዕቢ እንተ ፈተነ ዕጫኡ ኣብቶም ናይ ማይ ሓባር ስንኩላን ዝተፈጸመት ግፍዒ ከም እትወርዶ ስለ ዝርዳእ “ግዜ ክሳብዝወጸለይ ናይ ኣቦይ ባርያ ይግዛኣኒ” ብምባል’ዩ፣ ምህልላኡን ጸሎቱን ናብ ኣምላኹ ኣብ ምዕራግ ዝርከብ።
ውጹዕ ህዝቢ ይንገስ፤ውልቀ-መላኺ ይደምሰስ!!!
መሓረናዝጊ መርሃዊ
H.K September 5, 2013
Dear Maharenazgi,
Thanks for your excellent article.
Now what is missing is action!! Action and action!!
We cannot fight politically for Mafias but face them with power only!!
Armed struggle is the answer!!
No political solution with this Bandits!!
ahmed saleh September 5, 2013
Maharena hawey
NEZN WEDI KEMZN MISEMAEKA UKA IYU – ATA GIDEFUNI UNDO AYTBKE INDIYU ZEBKIYENI ZELO ZITEBAHLE .
REBI (FETARI) terah idu yebarekhelna tzelot weldna semi’ou terah nibel . Like my sister said ” AHMED hawey , Adey
……..,next neighbor close friend of my mam leave the house for church everday by 3 A.M . to ask for forgiveness to
bring as an example.
Anyway , you name them in deed most of all in short term to bring awareness to advocate for the victims of those thugs (SHEFATU ) government .
abeba abraha September 5, 2013
ብሓቂ ዝተለቅለቀት መቃብር ኦ ህዝቢ ኤርትራ ሃገርካ ክትዝመት ዶ ዓይንካ ይዕመት ሃገር ማለት ህዝቢ ኢዩ ህዝቢ ዝሓሰረሉ ሃገር ሃገር አይኮነን።
Zeray September 5, 2013
Our solution will come from God. For this I call upon all religious leaders (Christians and Muslims and all those who believe in God), all over the world including within Eritrea to declare a DAY OF PRAYER AND FASTING monthly. We need God the Almighty to give us Peace and raise leaders who stand for human decency and human rights. I could be wrong, but the last time we had a Day of Prayer and Fasting as a nation was when our gallant warriors were ready to liberate Eritrea in 1991 and Eritrea was faced with a destructive force in Dekemhare as the enemy was marching towards Asmara. I remember war could have continued but God melted the hearts of the enemies and started fleeing. This was the answer to our national prayer. Let’s not forget God has the answer even now.
Meretse Asmelash September 5, 2013
Dear Zeray,
I like your faith based comments. It is true having faith in God, praying for Him to alleviate your pains is wonderful. In that I second you, but with one condition, you and I have also to do our part. In these days, religious leaders of every creed are failed to lead the masses; for they are bigotry and for obvious reason divided. So, in order God to answer your prayers and mine, being rich spiritually alone is not enough, unless it supported by making right the right.To be the right person I believe it does not take much effort; it only requires to be the right witnesses for what you see and hear. Let’s all practice that along the faith in God
Zeray September 5, 2013
I agree Meretse we all have to do our parts even unto sacrifice for our brothers. The reason I brought it up is:
1. Exactly (of the point you mentioned) because of the failures of religious people who don’t have the guts to stand against evil and stand for good.
2. There is something about calling all people for Prayer and fasting, it has a unifying effect and I believe if all churches and mosques were to have vigilance prayers for peace to God on the same day monthly, the devil would be scared to death and God would answer the prayers. Again it is a belief. It won’t hurt to try my friend!
Meretse Asmelash September 7, 2013
Brother Zeray,
I’m glad we are on the same page.
Meretse Asmelash September 5, 2013
Correction: typo error …is supported by making right the right
…………should be read by taking the right steps
andeberhan kahsay September 5, 2013
ዘገርም ሎሚ ብዙሕ ገጽ ዝሓዘ ጸለመ ጽሑፍ ነቶም ወጊድ ህግደፍ ዝበሉ ካህናትን መእመናን ነቢበ ዝገርም እዩ ተጣባቒ ተዋህዶ ኮይኑ ክቀርብ እዩ ዝደሊ፡፡ እዚ በሰሮ ሰብ ብዙሕ ሃለውለው ኢሉ ከምቲ ትሕዝቶ ጽሕፉ ዝእምቶ እምነቱ ኣብ ዝፈጠሮ ኣምላክን ተዋህዶ ሃይማኖት ዘይኮነ እምነትuን ኣምልኮኡን ኣብወልቀ መላኪ እዩ፡፡ ህግደፍ ከምተሓላቂ ሃይማኖትን ህዝብን ገይሩ ከቕርቦ ፈቲኑ ኩላትና ካብታ ሃገር ዶ ኣይኮናን ተሰዲድና ክፍጠሩ ከለዉ መርግጾም ኣብ ልዕሊ ፈጣሪን ሃይማኖትን ሕርሕራይ ገይርና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ፡፡ስለምንታይ ደኣ እዚ ኩሉ ግፃት ክጽሕፍ ተገዲዱ እቶም ምስ ፕትርያርክን ሃይማነቶምን ደው ዝበሉ ስለዝበርትዕዎም ዶ ኣይኮነን?እወ ካብ ቶም ተለኣኵቲ ወልቀ መላኪ ዝተዋህቦም ፈላልይ መምርሒ ፈልጥናዮ ኣሎና ወይከፈልከት ኣብ ዓዲ ፍትሒ ራዕዲ ክጥቀሙ ጉዳማት ኣብ ሕጊ ምስቀረቡ ኣጋግዮምና ክበሃልዶ ኣይኮነን፡፡ ንስኩም ንወልቀ መላኪ ትፈትዉዎ ንሱ ግን ኣይፈትወኩምን እዩ፡፡ ሕደግ ዶ ንስኩም እቶም ትማል ትማል ዘጣቕዑ ዝቕፍዱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣበይ ኣቢሎም ኢልኩም ዘይትሓቱ?
ኣጣቕዑ ክሳብ ወሻጠኩም ኣትዩ ዝሸመኩም ቁሩብ ሕሰቡ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ሰብ ክተፈራርሑን ሳዐበኑ እንታይ ምኳኑ ደጋጊምኩም ሕሰቡ፡፡
Suleiman Salim September 5, 2013
ኣቶ ዓንደ-ብርሃን ካሕሳይ
እዛ መደባት ኣውጺእካ በዚኣ ኢና ንኸይድ ምባል ኣይትጽላኣያ። ነዚ ንስኻ ውልቀ-መላኺ ትብሎ ዘሎኻ ለባማት ሰባት ብኣዘራርባ ፈረንጂ ሊደርሺፕ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ሓደራኻ ንገዛእ ርእስኻ ተጋጊኻ ንካልኦት ገርሀኛታት ኣይተጋጊ።
ogbai September 5, 2013
wegid wegidenet trah eyu medhanitu
Suleiman Salim September 5, 2013
እዚ ሓውና እከለ ኣበይ ኣሎ ኢሉ ክዛረብ እንከሎ ኣብ ከም በዓል ምስሪ ዝኣመሰላ ሃገራት እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዝከታተል ኣይመስልን እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሰብ ብገበን እንተ ተኣሲሩ፡ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ንኩስቶ ወዲ ኣቦይ ኩስቶ ኣሲሮሞ ኢልካ ምውጫጭ ክተርፍ ኣለዎ።
ኣብ ሃገርና ብዘይካ ድኽነትን ድንቁርናን ካልእ ዲክታቶርን ጸቓጥን ዝበሃል ነገር የሎን። ነዞም ክልተ ተረርቲ ቆጸይቲ ምዕባለ ድማ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር – ምስ ሰፊሕ ተሳትፎ ሓፋሸ – ብጻዕሪ ክምክቶም እቲ ዝድለ ይገብር ኣሎ። እሞ ሃየ ኩልና ኣብ ዘዘሎናዮ እጃምና ነበርክት።
ዘይስማዕ'ኳ የለን ? September 6, 2013
Suleiman Salim፡
ኣብ ሃገርና ብዘይካ ድኽነትን ድንቁርናን ካልእ ዲክታቶርን ጸቓጥን ዝበሃል ነገር የሎን።
ጭብጢ፣ ጭብጢ. እዚ ሓውና ?
ahmed saleh September 6, 2013
Suleiman
You said their is NO dictatorship except poverty and arrogance .
Do you think the country can defeat those negative elements while your alike run the country . For now enjoy yourself
with couple of dollars at your old age to recoup the missing tranquility . You guys have never take advantage in diaspora life . To see now act to like a big shots in front the poor society to have free flow of private life . We know each other guys personally in our surroundings . GHIZYE AKAHIDA INA ZELENA ABZI UWAN .
ተወልደመድኅን September 6, 2013
…….ኤርትራ ደጊኣ ዘጌጸ ልቕልቕቲ መቓብር ኮይና ኣላ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን…….እዚ ኣዘራርባዚ ሓቂ ኢዩ።ኤርትራ መቃብር ዜጋታት ኢያ።ብዘይካ ኡ ህዝባ ናይ ጸሃይ ብርሃን ኣብዝረኽበሉን ዘይረኽበሉን ክልተ ቤትማእሰርቲ ዝ ኣተወ ሕዩር ኢዩ።ውጺኢት ናዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ከኣ ንቕድሚት 10 ዓመት ኬድና ዝረአ ኢዩ።……………………….ግን ሃደ ነገር ኣሎ ክፍለጥ ዘለዎ።ናብዚ ኩነታትዚ መን ኣብጺሑና።መልሱ ከከም ኦኣቕምና ከከም ኣረኣእያና ከከም ግሉጽነትና ንምስክሮ’ዩ።ገለ ናይ ህግደፍን ህግ ኣሳአይቲ ዚነበሩ ን ኢሳያስ የሸክሙ።ገለ ካል ኣይ ይውስኹ፡ገለ ሳስላይ ይውስኹ፡ገለ 10 ኢዮም ይብሉ፡ገለ ከኣ 40 ዝኾኑ ሰባት ዘለውዎ ጉጅለ ኢዮም ይብሉ።…………………እቲ ሓቂ ግን ንሳቶም ሃንደስቲ ሕማቕ እንተኾኑ ፈጸምቲ ንሕና ኢና።ገሌና ንረብሃ፡ገሌና ብዕሽነትና፡ገሌና ምስ ገለ ሰባት ስለዝተሃላለኽና፡ገሌና መንግስቲ ናይ ፍሉይ ዞባን ሰባትን ገይርና ብምውሳድ ከም ሻራ ብምውሳድና፡ገሌና ከኣ ይገብሩ ስለዝረኣዩሞ ናይቲ ግዜ ቅዲ ወይ ሞዳ ስለዝወሰድናዮ ኢዩ።ብሓጺሩ እቲ ኣብ ህዝቢ ኣኤርትራ ዝነበረ ኣተሃሳስባ ነቲ ሕማቕ ዕላማ ገለ ሰባት ዕድል ሂቡ ኣብዚ በጺህና።ስለዚ ዝኾነ ሰብ ንርእሱ ፈሪዱ ናብ ግሉጽነት ከየምረሃ ንካልእ ምንቃፍ ነቲ ዚመጽእ ኦኣድል’ውን ኣብ ቀውሲ ዘእቱ ኢዩ።ነነጻነት ጥራሕ ክሰርሑ ኣከያይዳ ዘይጠመቱ ተጋደልቲ ኣለው።ሎሚ ነቲ ውጺኢት ጥራሕ ክጥምቱ ዝገበሩዎ ኣከያይዳ ግጉይ ምንባሩ ተረዲኡዎም።ምኽንያቱ ኣገዳሲ ውጺኢት ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ነጻነት ዝገብረ ኣከያይዳ’ውን ክልካዕ ክጥንቐቕሉ ዚነበረ ኢዩ።ሎሚ’ውን ስሮኣት ኢሳያስ ንምውዳቕ መዝገበ ቃላት ምድርዳር ዘይኮነ ናብ ለውጢ እንተጋዓዝካ ክግበር ዝግበኦ ኣሎ።ንሱ ከኣ ኣተሃሳስባካ ምንጻሕ ግሉጽ ምኳን’ዩ።ገለ ሰባት ኣብቲ ዝጸንሃ ጉዕዙይ ስራሕ ተኣሊካ ጸኒሃ ኣብ ርእሳ ምስበጽሃ ተቃዋሚ ተባሂሉ እንተገዓረ ዋጋ የብሉን ምኽንያቱ መልሓሱ’ምበር ኣተሃሳስባኡ ካብቲ ሕማቕ ዚገብረሉ ዚነበረ ኩነታት ኣይረሃቐን።ስለዚ ክብራት ኣሃዋት ኣተሃሳስባና እንተዘይተቀይሩ ዚመጽእ ለውጢ’ውን ከምቲ ናይ ግብጺ ክከውን ይኻል’ዩሞ ኣተሃሳስባና ንለውጥ።ቅድሚ ኩሉ ከኣ ናይዚ ኣብ ኣኤርትራ ዘሎ ኩነታት ነፍሲ ወከፍና መራግእቲ ሃውሲና ዘጾኣናዮ፡ባደላ ጭቃ ኣብኪዑና ዘቐበልናዮ መንደቕ ዝተሰርሃ ምኳኑ ክን ኣምን ኣሎና።