Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ “ደጊኣ ዘጌጸ ልቕልቕቲ መቓብር”

ዝኸበርኩም ኣብ ስቅያትን ኣብ ኣርዑት ጭቆናን ዘለኹም ኤርትራዊያን!!    ምናልባት እዛ ኣርእስቲ ምስ ኣንበብኩም ተሰንብደኩም ትኸውን፤ትሕዝቶ ነይዛ ጽሕፍቲ ጥልቕ ኢልኩም ምስ ኣንበብኩማ ግን እታ ኣርእስቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐት ከም ዘይኮነት ክትርድኡለይ ተስፋ እገብር።ኤርትራ ከምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ

ዝኸበርኩም ኣብ ስቅያትን ኣብ ኣርዑት ጭቆናን ዘለኹም ኤርትራዊያን!!
   ምናልባት እዛ ኣርእስቲ ምስ ኣንበብኩም ተሰንብደኩም ትኸውን፤ትሕዝቶ ነይዛ ጽሕፍቲ ጥልቕ ኢልኩም ምስ ኣንበብኩማ ግን እታ ኣርእስቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐት ከም ዘይኮነት ክትርድኡለይ ተስፋ እገብር።ኤርትራ ከምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ወይ ንምቕሻሽ ብዝተፈላለዩ ናይ ምትላል ሜላታት ከም ንግደት ፤ ኣውደኣመት፣ምጅማር ሰውራ፣መዓልቲ ነጻነትን ካልእ ፈስቲቫላትን እናኣዳለወ ነቲ ድኻ ህዝቢ ከይፈተወ ግዜኡ ኣብ ምስዕሳዕን ኣብ ምጭፋርን ዘሕልፎ እንርእያ ኣይኮነትን።ኤርትራ ከምቲ ተመሃሮ ንሰለስተ ወርሒ ብግዴታ ካብ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ብዝተፈላለዩ ኣጭርቕቲ ተሻላሊሞም ዘርእዩዎ ታዕሊማትን ሳዕሳዒትን ኣይኮነትን።ኤርትራ ከምቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሃገር ኣልሚዐ ኣለኹ ንኽብል ኣብ ገለ ጀራዲን ጋሽ-ባርካን ወይ ብናይ ኣጋጣሚ ኣዝመራ ዝለምዐ ዞባ-ደቡብን እናኸደ ሸዊት ዕፉን ወይ ሸዊት መሸላ ሒዙ ዝሰኣሎ ስእሊ ኣይኮነትን።ከምቲ “All that glitters is not gold” ዝበሃል ኣብ ኤርትራ እቲ ዘንጸባርቕ  ኩሉ ሓቀኛ ዘይኮነ ስኑዕ ወርቂ ኢዩ። ውጹዕ ህዝብና ድማ ከምቲ ኣሜሪካዊያን ዘርእዩዋ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ነታ “መሸላ እናሓረረ ይስሕቕ” እትብል ምስላ ጽቡቕ ጌሩ ክኢሉዋ ኣሎ።ስለዚ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት ከምቲ ብደጊኣ እንርእያ ዘይኮነት ኢሳይያስ ንሕዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ንምትላል ብዝፈጥሮ ዘሎ ስኑዕ መልክዕ እንተ ዘይኮይኑ ውሽጣ ግዳያት ውልቀ-መላኺ ብዝኾኑ ረያሱን ኣድራሻኦም ዘይፍለጥ ዝሓቁ ዘለዉ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ዝኾኑ ዓይኒ ዘለዎም ረያሱ እሱራትን መሊኣ ስለ ዘላ፤ኤርትራ ደጊኣ ዘጌጸ ልቕልቕቲ መቓብር ኮይና ኣላ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።ነዚ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ሓደ ሓደ ኣብነታት ንምጥቃስ፤                                                                                      1. እቶም ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሮም ሰለይቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ ተባሂሎም ዝተጨውዩ መማህራንን ካልኦት ከም በዓል ጅግና ቢትወደድ ኣብርሃን ኣበይ ኣለዉ?                                                                                2. 2.እቶም ተዋጊኦምን ኣዋጊኦምን ሃገር ዘረከቡና ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ብ2002 ምስ ተሰወሩ ሃለዋቶም  ኣበይ ኣለዉ?                                                                              3. እቶም ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ብምፍጻም ንህዝቦም መንፈሳዊን ዓለማዊን ኣገልግሎት ኣብ መሃብን ንመንእሰያቶም ብስነ-መለኮት ኣብ ምኹስኳስን ዝነበሩ ብመንፈሳዊን ዓለማዊን ትምህርቶም ዝበሰሉ ሊቃውንቲ ካህናትን፤እቶም ዕድሜኦም ምሉእ ብምንኩስና ኣብ ገዳም ዘሕለፉ ቅዱስ ኣቦ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ፤ጉጅለ ውልቀመላኺ ሕፍር ከይበሉ ምስ ሲ.ኣይ.ኤ ርክብ ነይርዎም ብዝብል ጸለመ ምስ ኣእተዎም ኣበይ ኣለዉ?                 
4. እቶም ናይ ምስልምና ብስም ሙጃሀዲን ምንቅስቓስ ጌሮም ብዝብል ናይ ፈጠራ ውንጀላ ዝጨወዮም ደቂ ሃገር ኣበይ ኣለዉ?                                                                                                               5. እቶም ናይ ዝተፋላለያ ጋዜጣታት ጸሓፍትን ስነ ጥበባዊያንን ካብ 2003 ጀሚሮም ዝተሰወሩ ኣበይ ኣለዉ?   
 6.እተን በብግዚኡ ዝተጨወያ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ደቂ-ኣንስትዮ መሕቀቒኤን ዘይፍለጥ፣ሰብ’ዶ ከም ጨው ሓቒቑ ይተርፍ’ዩ?                                                                                                                  7. እቶም ኣመንቲ ናይ’ተን ናእሽቱ ሃይማኖታት ብዘይካ ብእምነቶም ምስባኽ ካልእ ገበን ዘይብሎም ካብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ተዓፊኖም ምስ ተጨውዩ ኣበይ ተዋሕጡ?                                                             8.እቶም ብድሕሪ ጅግና ስዉእ ጀነራል ወዲ ዓሊ ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ከካብ ገዝኦም ዝተዓፈኑ ሓቦኛታት ደቂ ሃገር ኣበይ ኣለዉ?
ስለዚ እዚ ኩሉ እከይ ተግባራትን ኣበሳን ኣብ ውሽጢ ከርሳ ሰቲራ እትነብር ሃገር ልቕልቕቲ መቓብር’ውን ክንእሳ’ዩ።
    ኣንቱም ኣብ ኤርትራ ዘለኹም ጀነራላትን ኮሎኔላትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን፤ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማእሰርቲ፣ስቅያት፤ጭቆና፤ጥሜት፤ስደትን ጠቕላላ ከርፋሕ ናብራን እናፈለጥኩም ንግዜያዊ ጥቕምኹም፤ ነዚ ውጹዕ ህዝቢ ጸማም እዝንኹም ብመሃብ ናይ ተንኮል ስቕታ መሪጽኩም መሳርሒ ናይዚ ጨቛኒ ስርዓት ኪትኮኑ ኣዚዩ ዘሕፍር’ዩ።ኣነ ዝላበወኩም ግን “ዕፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም ከም ቆልዓ ይሕዘል” ከይኮኖኩም ካብ ናይ’ዚ ግፍዐኛ ሰብ’ዚ  ወደ መዝሙርነት ተላቒቕኩም፤ንህዝብኹም ሓርነቱ  ዘጓናጽፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ነባሪ ታሪኽ እንተ ትገድፉ ምሓሸኩም እብል።
ሓፋሽ ህዝቢ ግን ህዝባዊ ናዕቢ እንተ ፈተነ ዕጫኡ ኣብቶም ናይ ማይ ሓባር ስንኩላን ዝተፈጸመት ግፍዒ ከም እትወርዶ  ስለ ዝርዳእ “ግዜ ክሳብዝወጸለይ ናይ ኣቦይ ባርያ ይግዛኣኒ” ብምባል’ዩ፣ ምህልላኡን ጸሎቱን ናብ ኣምላኹ ኣብ ምዕራግ ዝርከብ።
ውጹዕ ህዝቢ ይንገስ፤ውልቀ-መላኺ ይደምሰስ!!!
መሓረናዝጊ መርሃዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • andeberhan kahsay September 6, 2013

    ሱለማን ሳልም ግርም እባ ናትካ ንመን ኢካ ክተደናገር እቲ ጽሑፈይ ኣናዊጹካ እምበኣር በል ንስካን ደቂ ምዛሙርትካ ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ሰመን ኣመሪካ ዓዲ ፍትሒ ክተፈራርሑን ክትድህሉን ኣይትፈትኑ ንስኩምን እቶም ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዉሕ በሉ ዝብሉኩም ዓዲ ሕጊ ከምዘለኩም ኣይትረስዑ፡፡እንቶ ናይ ህግደፍ ካልእ ዘውድቆ ኣካል ኣይረኣየንን ባዕሉ በቲ ኣረመን ተግባራቱ ብኣባላቱ ከምዝፍርከሽ ፍሉጥ እዩ፡፡

POST A COMMENT