Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊነት? ኤርትራዊት/ኤርትራዊ?

ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓልፍነት ዝስምዖ፡ ግዱስን፡ ተቖርቛርን ብህዝቡን፡ ብሃገሩን! ንዝተሰዉኡን፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን፡ ኣደራዕ ዝዓሰሎ ኣገልግሎትን ዝርከቡ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ከይደቀሱ ንዝሓድሩን፡ ኩሎም ጽንዓትን፡ ኣስተውዕሎን፡ ንጹርን ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ሕላናኦም ከየዕረቡ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን፡ ሰላምን ትዕግስትን

ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓልፍነት ዝስምዖ፡ ግዱስን፡ ተቖርቛርን ብህዝቡን፡ ብሃገሩን! ንዝተሰዉኡን፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን፡ ኣደራዕ ዝዓሰሎ ኣገልግሎትን ዝርከቡ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ከይደቀሱ ንዝሓድሩን፡ ኩሎም ጽንዓትን፡ ኣስተውዕሎን፡ ንጹርን ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ሕላናኦም ከየዕረቡ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን፡ ሰላምን ትዕግስትን ምስ ኩሉ ተጻዋርነት፡ ኣብ ክብ ዝበለ ምርድዳእን፡ ምክብባርን ክህሉዉ እናተመነኹ፡ ብዓቕሊ ከተብቡለይ እምሕጸን።

ኣስዕብ ኣቢለ ንዶክተር ረዘነ ኣብ ጀነቫ ጀሚሩ ንዝገበሮ ዝቕጽሎ ዘሎን፡ ከም ኡውን ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ ደልወር ዩንቨርሲቲ ህዝብና ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣብ ዘዘለዎ ይጠራነፍ ዝበልዎ ከመስግን ይፈቱ።

“እንክውዕይ ብማንካ፡ እንክዝሕል ብኢድካ”

ከም ዝባሃል፡ ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ክንጥንቀቕ ይግባኣና። ኔርትራ መን ይሓልየላ ዳኣምበር መን ይበታትና ኣድላይነት የብሉን። “ጸሊም ተመንውን፡ ይናኸስ እዩ” ነብሲሄር ታርጉድ ማርሻል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝነበረ። ከም ዝበልዎ። ብስም ተገዳስነት ካብ ዝበታትኑ ዜጋት ሓርግጽ ወይ ኣትማን ንጠንቀቕ።

በታተንትን፡ ወይ ኣብ ጥርጠራን ፍርሕን፡ ዘየታኣማምንን ዝፈጥሩ ቃላታት ኢሳያስነት ወይ ህግደፍነት!!!!

“ትውልዱ ኣበይ እዩ? ወያነ እዩ ኢሎሞ? ካብ ኢትዮጵያ ትውልዲ ኣለዎ? ንምዃኑ ኤርትርዊ ድዩ? ኣበይ ነይሩ?  ካባና ድዩ? ኣብ ግዜ ቃልሲ ክንቃለስ ከለና ተሓቢኡ ይማሃር ነበረ፡ ሕጂ መን ዘምጻኣሉ ዓዲ ክምህርዶ፡ ክመክርዶ! ዝብል፡ ንምኽዋኑ እንታዋይ እዩ?”

እዚ ብሓጺሩ በታታኒ ብባዶ 03 ዝፍኖ ብመርበብ መስከረም ዝደጋገም መናፍሕ ማፍያ ስርዓት ኢሳያስ እዩ።

ኤርትራ ካብ መዓስ ኤርትራ ኮነት? ወይ ተባህለት? ብመንከ ተባህለት?

ኤርትራ ዝበሃል ዘርኢ፡ ወይ ዓልየት ኣይነበረን፡ ኤርትራ ዝባሃል ዜግነት ግና ፈጠርና ካብ ጣልያን ተለቂሕና።

ናይ ሎሚ ኤርትራ ብምዕራብ ህዝቢ መንዓምርን፡ ህዝቢ በጃን ኣብ መርየት ሱዳን ኣሕዋት ኣለዉዎም። ህዝቢ ኩናማን ባዛን፡ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ጀበርቲ ወሲኽካ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ኣሕዋት ኣለውዎም። ህዝቢ ቢለንን፡ ዓፋርን ኣብ ምድሪ ዛጙኤ ወሎ ኢትዮጵያ ኣለዉዎም፡ ህዝቢ ጉራጌ ካብ ጉራዕ መጻእና ይብሉ።

ካብ ኢትዮጵያ ምውላድ ዘሔፍር እንተኾይኑ? ስለምንታይ ፕረሲዳንት ኢሳያስ ወዲ ኣፈወርቂ ወዲ ኣብራሃም ወዲ ሓጎስ ወዲ ምራጭ ብዓል ተምቤን ትግራይ ኢትዮጵያ ክሓፍር ምተገብኦ። ስዒቦም፡ መኳንቲ ኤርትራ ሓጎስ ክሻን፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ምስ ኢትዮጵያነት ዘርኢ ከምዘለዎም ማንም ሰብ ይፈልጥ።

እዛ እንፈትዋን፡ እንምነያን፡ ቢለን ዓይንና ዝኾነት ሃገር ኤርትራ! ዕድመኣ ሓጺር እኳ እንተኮነ? ዝተፈጥረትሉ 1890 ዓ.መ.ፈ. ብጣልያን እዩ። ጣልያን ካብ ንጉስ ምነሊክ ብዓል ሽዋ ከም ዝገዝኣ “ዉዕል ዉጫሌ” ኣብ ዝተገብረሉ ተፈጸመ። ናይ ዋጋ ቁጽሪ ገንዘብ “ጥብቂ ምስጢር” ኮይኒ ብገንዘብ ማርያ ትረዛ ከም ዝተኸፍለ መዛግብ ታሪኽ ይምስክሩ፡ ንመወከሲ፡ ብዶክተር/ደገዝማቲ ዘውደ ገብረስላሴ ዝተሓትመት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኦዳጋ ንመሸጣ ቀሪባ ትርከብ።

ኤርትራዊነት፡ ካብ ኩናማን፡ ባዛን ጀሚሩ ክሳብ በለው ከለው፡ ቀጺሉ ሰማውያን፡ ሃማዉያን፡ የመናዉያን፡ ኣግኣዝያን፡ ስዒቡ ሃጸይ ኣላሚዳ ንግስነት ዱባርዋ ክኸውን እንከሎ። ሃጸይ ኣላሚዳ ናብ ኣኽሱም ጊዕዙ ኣክሱም ዘበነ መንግስቲ ቆርቆረ ይብል ታሪኽና።

ኣኽሱም ዘበነ መንግስቲ ምስ ፈረሰ! ብዘበነ መሳፍንቲ ተተኪኡ ክስብ ዘበነ ንጉስ ምካኤል ስሑል ገዛኢ ትግራይን ሕጂ ኤርትራ፡ ስዒቡ ደገዝማት ዉቤ ብዓል ደምብያ ጎንደር፡ ቀጺሉ ሃጸይ ተድሮስ፡ ሃጸይ ተኽለ ገርግስ ብዓል ዝጙኤ (ላስታ) ናብ ሃጸይ የውሃንስ ራብዕይ ብዓል ተምቤን። ኣስዕብ ኣቢሉ ሃጸይ የውሃን ወኪል ዝኾኖም፡ ንራእሲ ኣሉላ ኣብ ኤርትራ ገዛኢ ኮይኖም፡ ሰራየን ሓማስየን ሰምሃርን ባርካን ጋሽን በርካ፡ጋሕተላይ ሰምሃርን የመሓድሩ ነበሩ።

 

ሻለቃ ኣሉላ፡ መረብ ሰጊሮም ኣብ “ማይ ጎዳጉዲ ጉንደት ሰራየ” ምስ ወራሪ ግብጻውያን ኩናት ገጢሞም ምስ ተዓወቱ፡ ንተምቤን ትግራይ ኣይተመልሱን፡ ንዓዲ ተኽላይ ሓማሴ መጺኦም ተቐመጡ። ካብ ተምቤን ልዕሊ ክልተ ሽሕ (2000) ደቂ ተንቤን ሰራዊት ነበርዎም፡ እዞም ሰራዊት እዚኣቶም ኣብ ማእከል ሓምሴን ተመርዕዮም፡ ወሊዶም ተዋሊዶም ይነብሩ ኣለዉ። ራእሲ ኣሉላ ኣርብዓ ዓመት ዝገበረ ዜግነት ክረክብ ኣወጁ። ደቂ ኣርብዓ ተባሂሎም ነበሩ።

ራእሲ ኣሉላ ዶብ ኢትዮጵያ ስግር ባሕሪ ማዃኑ፡ ቅድሚ ኩናት ዶጎዓሊ ንጣልያን ኣመልኪቶሞ ነበሩ። ስለ ዘይተኣዘዘ ኩናት ደጓዓሊ ና 550 ዓሳክር ጥልያን ህልቀትን ሞትን ኣስዓበ። ንጉስ ምነሊክ መፍደይ ሕነን ዝኸውን መሳርያ 5500 ጠበንጃ፡ ኤርትራ ብ ኣሻሓት ዝቑጸር ማርያ ትረዛን መሸጣ ዉዕል ዉጫለ ኣቃላጠፈ።

 

ሃጸይ የውሃንስ ንድርቡሽ ወይ ማህዳውያን ናይ ሱዳን ወራር ክከላኸሉ ምስ ሰራዊቶም ንመተማ ክኸዱ ከለዉ፡ ንጉስ ምነሊክ ስምምዕ ምስ ጣልያን፡ መሸጣ ኤርትራ ተሰማሚዑ ፈጸመ። ጣልያን ካብ ባጽዕ ንዝባን ከበሳ ሓማሴን ኣተወ ኣስመራ ሰጊሩ ክስብ መረብ ብዘይ ኩናት ተፈጸመ።1890 ኤርትራ ከም ሃገር ግዝኣት ጣልያን ተባሂላ ተጸውዔት።

ኣብ ኤርትራ ብብግዜኡ ብመዉስቦን፡ ብወተሃደራዊ ዓመጸን እናቐጸል ንብዙሕ ዘበናት ክኸይድ ጸንሔን ትውልዲ ተፋረየን፡ ሕጂውን ኣይተረፈን ኣሎን።ኤርትራውነት፡ ዝተሓዋወሰ ናይ ቅዱምን ድሑርን ኣመጻጽኣን፡ ፍልሰትን ብሄራትን፡ ዓልየትን ዝተሓናፈጸ ወሎዶታት ዘለዎ ህዝቢ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮነ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ወይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዘበነ ቃልሲ” ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝድግፈናን ዝቃለስ ምሳናን ኤርታዊ እዩ” ዝብል ጭርሖ ነበረ።

 

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወርሒ ግንቦት 1991 ኣስመራ ኣትዩ፡ ነጻነት ኤርትራ ምስ ተቖጻጸረ፡ ረፈረንዱም ክገብር ስለ ዝነበሮ! መን እዩ? ንረፈረንዱም ዘድምጽ? ዝብል ሕቶ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዝቐረበ፡ ነዚ ዝስዕብ እማመ ከም ዘቕረበ ብኣዋጅ ክዝከር ይግባእ።

  1. ኤርትርዊ ብኣቡኡን ብኣዲኡን ዝኾነ/ዝኾነት፡
  2. ብኣቦ ወስ ብኣደ ዝውለድ፡
  3. ብቕድሚ 1929 ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ
  4. ብቕድሚ 1974 ኤርትራ ዝተወልዱ ወይ ልዕሊ 20 ዓመት ዝተቐመጡ

ዝብል እማመ ወጺኡ ህግሕኤ መሰረት ዜግነት ኤርትራ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብኣእምሮ

ምዝካር ስለ ዝኾነ ንመረጋገጺ ኣዋጅ “እማመ ረፈረንዱም ኤርትራ” 1992 ተመልከቱ።

ኣብ ኤርትራ ሓደ ሃይማኖት ወይ ሓደ ብሄር ስለ ዘየልቦ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከሽካዕልል ኣይግባእን።

 

ኤርትራውነት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ቀዳምነት ዘይዋሃበሉ ምንም ምኽንያት የልቦን? ሓልፍነት ህዝብን ሃገርን ንኽወስድ እሙንን ርጡብን፡ ብቕዓትን፡ ክእለትን፡ ፍትሓውነትን፡ ጹረትን፡ ተዓግስነት ክህልዎ ኣለዎ ማለት ናይ ጭዋታት እዩ።

እቶም ኣብዚ ሰዓት እዚ ተገደስቲ መሲሎም ኣብ ኣእምሮ ዜጋታት ጥርጠራ ንኸሕድሩ ዝጽዕሩ ብስም ተገዳስነት ንነብሶም ዘይጸረዩ ብዝረኸብዎ ኤርትራዊ ዜግነት ዝጠራጠሩ፡ እዚ ናይ ኤሳያስ ስርዓት ጥራሕ እዩ ዝሕልወና ዝብሉ ብነብሶም ዘይታኣማመኑ ጭልቅዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጥራሕ እዮም ክኾኑ ዘለውም።

ኣብዚ እዋን እዚ ዘበነ ጸነተ ምፍልላይን፡ ምብትታንትን፡ ተጣራጣርነት፡ ዘይእሩም፡ ኣተሓሳስባብን፡ ኣነ ይፈልጥ እናበለ መናፍሕ 03 ናይ ህግደፍ ዘንጸባርቕን፡ ዓንቃፊ ስነ ሓሳብ ዝዝርግሕ ከነለልዮ ይግባእ። ምንም እኳ ብስም መሰል ናይ ምጽሓፍን፡ ናይ ምዝራብን፡ ናይ ምሕሳብን፡ ሱቕ ናይ ምባል መሰሎም ሕሉው እንተኾነ፡ ሓቅነትነቱ ንምጽራይ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓልፍነት እዩ።

ኤርትራውነት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ፡ ኤርትራውያን ዝተመርዓወን መሰል ከምዘለዎ ክንፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሰልን ግደታን፡ ሓላፍነትን ከምዘለዎም ከነኽብሮ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

31 ሓምለ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • weygud July 31, 2015

    ናይ ብሃቂ አዋናዊ ሃበረየታ ነቶም ኣነ አንታይ አየ ኢሎም ኪሃሰቡ ዘየደለዩ ደለዉ ኣሀዋተና አዩ ስለዚ ጋል መንገዲ ዘረባ አናኣምጹ ኮለል ደበሉና ደለዉ ግዘየ ኣየንሃቦም ደኮነ ኣብ ኣለም ደሎ ዘጋ ከነከብሮም ኣለና መሁራት ኣሀዋት ከኣ ኣብ ከመዚ ደኣመሰለ ኣስተመሀሮታት ብብዝሂ አንተተደሀቡ ነረኩም በዙህ ሰብ ኣፈለቶ መደለበ ነሩ ሀማቅ ዘረባን ተገባርን አዩ ነሰብ ብ ዜግነቱ ከነከበሮን ከነሀሰሮን ሰለኣዚ ኪበረት ብ ጎረባበተካ አዩ ዝጅመር ኢልና ጎሰጋስ ነገብረሎም ሃፈቲ የማነ ገበረመስቀል ጎሮብየተና ነራ ካብ ኣደዋ መወላደይ የሀብነኒ ትበል ነራ ካበዞም ተጋሩ ገለ ነበሎም ደኮነ ሃላፊ አዘየኦም ከመዚ አዮም ተጋሩ ኪበል ደሰማአናዮ ሰብ ኣሎ ደዩ የለን ምኪንያቱ አሳቶም ኣየበሉን አዮም አሳቶም ደየበሉ ደኣ አቲ ህዘብና ካበይ አዩኡ ደመጾ ደሎ አዚ ኩሉ ዘረባ ሰለዚ አንታይ ኣለና ህጂ ኣበዛ ገዘየ ኢዛ ደለናያ አንተነገደስ ከኣ ጽብቅ ነሩ ታሪክ ገዘየኡ ሃለዩ ኪሀበረና አዩ

  • hagose tekle July 31, 2015

    ሰላምን ጥዕናን ነዳለውቲ ኣስሰና ,ቲ ዘይሕለል ጻዕርኹም ክትቅጽልዎ እንዳተመነኹ ዞም መታለልቲ መስከረም ነት መሽረፈት ዝመርሖም ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ዝተዓስቡ ሓዲግ መርገጺ ዘሎዎም ዘይገንዘብ ካልእ ዘመድ ዘይብሎም ከነለልዮምን ከነቃልዖምን ግደታና አዩ ኩሉ ጽሑፋቶም ኣለሊና ንታሪኽ ክንስንዶውን ዪግባአ ስለምንታይሲ ጽባሕ ኑግሆ ተሓተቲ ስለዝኮኑ ብዛዕባ ዶክቶር ረዘነ ሎሚ ኤረትራዊ ጽባሕ ኤረትራዊ ቲ ዘይ ኤረትራዊ ኣዳላዊ መስሽረፈት መስከረም በዲኡ ትግራዋይ ብመንፈሱ ድማ መንነት ዘይብሉ ድሁል መላኹ ገንዘብ ትጥራይ አዩ ዓወትና ግንድ ዩ ክትስሕቅ ትነብር ስኒ የላን ክትነብዕ ትነብር ዓይኒ ድማ የላን

  • k.tewolde July 31, 2015

    God bless Hiale! Maestro, that will teach a little lesson about Eritrean nationalism to the knuckle head hgdef cadres.’NATIONS ARE THE INEVITABLE PRODUCTS OF CAPITALISM [COLONIALISM]’ K.M. Case closed.

  • Simon G. July 31, 2015

    ሃይለ: ሓበን ኤርትራ!
    መጀመርታ ንፉዕ ተራኽን ፈላስፋን ምዃንካ ዝጠራጠር ‘ተልዩ ናትካ ጽሑፋት ዘየንበበ ወይድማ ሓንጎሉ ናብ ህግደፍ ዘረከበ ጥራይ ‘ዩ። ካልኣይ ድማ፥ ብመንነትካ ትኾርዕ ዜጋ ብምዃንካ ኣዝየ ይሕበን (ማሕታ ነብሲ ኣለኻዶ?)። ከማኻን ወዲ ከማኻን ተዝበዝሑ: ኣሰር ህግደፍ ኣብ ጎሓፍ ቀደም ምተደርበየ ኔሩ። ኣጆኻ ዘድልየካ ኣይኮንካን’ሞ: ተዓወት! ምባል ጥራይ ይኣክል።

  • asmayt August 1, 2015

    Dear Haile

    Well writen, it is timely article. I agree with you in most points but what you mention regarding ..ጣልያን ካብ ንጉስ ምነሊክ ብዓል ሽዋ ከም ዝገዝኣ “ዉዕል ዉጫሌ” ኣብ ዝተገብረሉ ተፈጸመ። ናይ ዋጋ ቁጽሪ ገንዘብ “ጥብቂ ምስጢር” ኮይኒ ብገንዘብ ማርያ ትረዛ ከም ዝተኸፍለ መዛግብ ታሪኽ ይምስክሩ፡ ንመወከሲ፡ ብዶክተር/ደገዝማቲ ዘውደ ገብረስላሴ ዝተሓትመት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኦዳጋ ንመሸጣ ቀሪባ ትርከብ። I have little reservation on this point, because to my understanding the Wuchale agreement was about Djoubuti not on Eritrea, and it is difficult to quote also the writer as he is extreemly biased on our beloved country. Regarding Dr. Daniel, I am really wondering about those who write on the name of his friends, where they have been for such a long time to identify his identity? why are now talking about him? From what so over Dr Daniel comes, I 100% endorse what he is doing!!! please keep it up doing the good job, cheers, we are on your side.

    • Haile G.Tensae August 1, 2015

      Dear Asmayt:
      Thank you for your comments and you have a reservation on”Wuchale Agreement” between then King Menelik of Shoa. The agreement brought Menelik to power, he become the Emperor of Ethiopia.
      What Menelik did; after Ras Alula killed 550 Italian soldiers at Dogali battle near Massawa vincinity or by the Red Sea coasts. King Menelik send Ras Mokennen the father of King Haileselassie to Rome and asking guns to take a revenge on behalf of the dead Italian soldiers, therefore, King of Kings Yohanes IV would be weakened. Thus, the cornerstone to his power. Then, come the Wuchale sealed the fate of Eritrea and then, Emporore Yohanes IV dead at the hands of Mahdi (Durbush). It was King Menelik’s betrayal dealing with Mahdist as well as the Italian. The Power of Tigray weakened most of the Ras were murdered by Mahdi armies. King Menelik become the powerful king in Ethiopia; thus, supported by Italy, Great Britain, French and Russian.
      Wuchale was the key for the Eritrean future and the shift of power from Tigray to Shoan. The Shoa ascended to power for the next hundred years.

      • asmayt August 1, 2015

        Tack

        Haile for the elaborations.

      • nationalist eritrean August 1, 2015

        I am glad We, Eritreans were able to fulfil Hatsei Minilik’s agenda by separating from Ethiopia.
        This is what Ferdinando martini wrote about Bahta SEgeneiti ,the Habesha Hero…..Quote” the Italian families that came were given land in Seraye, near Akle Guzai in the area that was under Bahta Hagos and he did not like this. Other Italians were also given 25 hectares from Akle Guzai. He wrote three letters to Menelik, complaining about the confiscation of land and asking for his permission to attack the Italains. If Menelik did not agree, he asked him to raise the complaint to Italy. Menelik replied twice asking for patience and that he was waiting for a response from Italy. It is not known if Menelik gave the permission for the attack,..END OF QUOTATION…
        I wonder why he would ask permission from Hatsei Minilik, instead of from ELF or EGYPT..Ohh..I remmember now ,Eritrea was part of Ethiopian (abyssinian) Empire until ,we were told we are better thatn the habeshas, of course by the Italians & then by Arabs..AniHna mush Habeshi ,aniHna Arabi Eritryun…ኩሉ ሰብ ዝኣምኖ ሓሶት ምእማን ክጥዕም።

  • Amdemariam Berhane August 1, 2015

    ኣቶ ሃይለ ካብ ኢንዲያ ናፖሊስ
    ብጣዕሚ ተመስገን ጽቡቕ ስራሕን ትምህርትን። ክቡር ሓው ጽቡቕ ኣበርክቶ።

    እዚ ኣብ መስከረም ኔት ጸሓፊኢ ዘይሕብር ንዶክተር ዳኒኤል ዝምልከት ዝቐርብ ጸለመ ዋጋ ዘለዎ ኣይኮነን።እዚስ ሕንፍሽፍሽ ንምትእትታው ዝግበር ፈተነ ኢዪ። ሕኑቕ ብዘይካ ዓፍራ ዘምጽኦ ነገር የብሉን።ዝወደቕን ዝተሳዕረን ብፍላይ ዓሻ እንተኾይኑ ከም ህግደፍን ሰዓብቱን ንስዕረቱ ጋል መንገዲ ኢዩ ዝደልየሉ።።ብእኩይ ተግባራቱ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ ጉጅለ ዜጋታት ብምውንጃል ንውድቀቱ ከቀናጅዎ ክጽዕር ኢዩ።
    ሓንሳብ ካልእ ዜጋ ኢኻ ክብል ጸኒሑ ተመሊሱ ናይ ካልእ
    ሃገር ሰነድ ኣለካ ይብል።።እዚ ቆሎ ጥጥቖ ንቃልሲ ህዝቢ ኣይዓግቶን ኢዩሞ ንታሪኻዊ ትምህርቲ ሓው ሃይለ ከም መምርሒ ንምምካት መደናገርቲ ንጠቐመሉ።

  • Harmaz August 1, 2015

    Nice explanation
    Hade neger kntnkek zelena gin dhri ezi kulu geltemtem hanti Kuwam zelewa hager Eritrea ktmsret kem zelewa eyu. Ember Ethiopiawi eyu Sudanawi eyu emo nay kedem simbrat kdegmo silezkiel …kab b hji mirhaku abi gega eyu.
    Eti kendi nay Eritrea shigr controlling system silezeyele eyu.
    Ab hade tkal zemed yikun rhuk bhansab kserhu tekoynom filut job description filut rules & regulation endhir zeyele eti zemed keman kigedid eyu ab enwet nay ta tikal.
    Silezi yehwat shigrna Kuwam zeymhlaw eyu. Deret siltan zeymhraw eyu.

  • Temesghen August 1, 2015

    ዝኸበርካ ሃይለ
    እቲ ዝተባህለ ኩሉ ጽቡቕ ስለዘሎ ምዝራብ ኣየድልን፣ ኤርትራውያ ከም ኤርትራውያን ክንሓስብ ክንክእል ይግባእ እዚ ንህዝቢ ንምፍልላይ ዝግበር ዘሎ ዘመተ ጠጠው ክብል ይግባእ ንሓደ ውልቀሰብ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ሃገር ኣይወዲ ሃገርን ምባል ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ዓቢ በደልኵን እዩ፣ ተሰዲድካ ትቕመጠሉ ዘለኻ ሃገረይ ብዝብል ፓስፖርት ብምሓዝ ክትመርጽን ክትምረጽን ዕድል ተዋሂቡካ ትንቀሳቀስ ኣለኻ ብኸመይ መለክዒ እዩደኣ ንሰባት ኣስማቶም እናጠቀስካ ክትጻረፍ ምውዓል መዕገቲ እንተተገብረሉ ይሓይሽ፡

  • hara August 1, 2015

    egziabiher ybarikka ! lebam zereba
    enqaE kemaku zibelu lebamat wn weledet eritra
    n ‘elfi BEHAMAT afom zet hizu KETSLO thanks

  • Zahlay August 1, 2015

    Dear Haile,
    As always you dig deep into the roots and climb up to the top of the roof.
    Fantastic job keep it up.

1 2 3 4

POST A COMMENT