Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! – ካልኣይ ክፋል – ኣለና

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣይኮነን። እምበኣር ሃባርም ደቂ ኤርትራ! ሓደራኹም እዛ ዱላ ካብ ኢድኩም ኣይተርሕቑዋ”

ቃል ኣቶ ብሃይማኖት ዝተባህሉ ኣቦ ተቐማጣይ ሽላሎ ኣብ 1989 ዓ.ም ዝተዛረብዎ፤ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መደብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቀቅድሚ ዜና ዝንበብ ዝነበረ ወርቃዊ ቃላት ኢዩ።

በዛ ዱላ እትብል ወርቃዊት ቃል ኣቦይ ብሃይማኖት ንካልኣይ ክፋል እዚ ጽሑፍ’ዚ ክጅምር እከለኹ ድማ መዓሙቕ ባሕሪ ልበይ ባህ ኢሉኒ። ሎሚ ኤርትራዊ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሃይማኖቱ ክኣምነሉ ዝግበኦ ሰረተ-እምነት፤ ንገበነኛ ኢሳይያስን ቁንጣሮ ጭፍራ ህግደፍን ብዱላ ምዝባጥ ዝብል ክኸውን ይግባእ።

እቶም ካብ ምንጋጋ ኣረሜናዊ ፍጡር ኢሳይያስ ፍትሒ ንምርካብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ መፍትሒ ዝብሉ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ገለ ሰልፊታትን ውድባትን፤ ውሑዳት ተበለጽቲ ምሁራትን፣ ብጥንታዊ ማሕላ ዝጸንዑ እሙናት ደቂ ዕቁብ ኢሳይያስ ምዃኖም እናተፈልጡ ይመጽኡ ኣለዉ። ሰላም ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትጥጥዕ ተኽሊ’ምበር፣ ንሱ ብሂወት ኣብ ዘለወሉ ግዜ እትዝራእ ፈልሲ ኣይኮነንትን።

ዓመተ-2012፣ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ  ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ኢና ዘሎና። ሎሚ ኢሳይያስ በብዝወፈሮ ከም ኮቦሮ ጥሪ ይጭልገም ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወገን ናቕፋ ይኹን ሳዋ፣ ብወግን ደቡብ ይኹን ምብራቕ ኣብ ዘዝኸፈቶ ኣኼባትት ብህዝቢን ብሰራዊትን ንርእሱ ዘናውጹ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ቀደም ከም ሓደ ወረጃ መራሒ፣ ከም ነቢዪ ከይተረፈ ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ ሎሚ  የለን። ስለዚ ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ዕምሪ በላዒና ኢሳይያስ ኣራዊት ንምሕጻር ሎሚ ንዕደም ኣሎና።

ከምቲ ብዕራይ ሰነ ነቲ ግናይ ወርሓት ፉፍፍፍ! እናበለ ጥራይ ዝሓልፎ፤ ኣባ-ጓይላ ጭፍራ ህግደፍ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ዘለዎ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን መዋጥር ንምስጋር ዘየሎ ክነሱ፤ ኣለኹ እናበለ ክሰሓግ ክንሰምዖ ወሪሕና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመን ኣፍ-ኣርክቡ ንሕና ደቂ ሔማ ኤርትራ’ምበኣር እንታይ ንግበር? ቅድሚ ኩሉ ጉዳያትና ኣብ ጉዕዞና ንሓርነት፣ መጓዕዝትናን ዘይመጓዓዝትናን ሰባት ነለሊ። ካብ ዘረባን ጽሑፋትን ናብ ግብሪ ክንሰግር ንሕተት ኣሎና። ካብ ፋሕ-ፋሕ ምባልን ምውንጃልን ናብ ዝጸበበ ደምበ ክንጥርነፍ ግዜ ይሓተና ኣሎ። ኣይንህመም! ንስመር፣ ኣብ ሓደ መስርዕ፤ ኣብ ሓደ መንደቕ ንልገብ!!

መልኣከ-ሞት መራሒ ህግደፍ; ድምጹ ብማይክሮፎን ኣብ ዝሰማዕናሉ ግዜ፣ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና” ክብለና ቀንዩ። ኣብ ግራት እንጣጢዕ ዝተኻዕወ ዘርኢ ድማ፣ ኣብ ግራት ሽዕበት ከም ዝተዘርአ ስርናይ ብርንሃዮ ክኸውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብድሕሪ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2012፣ ጽባሕ ቢጊሓት ኣብ ጽላል ቀባሮ ወዛሕዛሕ ክንርኢ ኢና’ሞ፣ እቶም ብረብሓን ብትውልዲን ኣብ መስርዕ ኢሳይያስ ዝለገብኩምን ብኣግኡ ጸሊም ካባታትኩም ዓድጉ ክንብለኩም ንደሊ።

‘ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፣ ወዲቓ ዘይትስበር ሞይታ እውን ዘይትቕበር’ ዝብል፤ ንስም ዝገልጽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝነበረ ኣብ እትዝክረሉ ግዜ፣ ሓርበኛታት ኣቦታትና እኒ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ዓብደል ቃድር ከቢረ ራእሲ ተሰማ ወ.ዘ.ተ… ዝገደፉልና ካብ ስም እትዓቢ ሓያል መሳርሒ፣ ዘይትወድቕን ዘይትስበርን ሃብቲ ከም ዘላትና የዘኻኽረና። እምነት ኢያ!! እምነት ነንበይኑ መልክዓት ዘለዋ ባህርያዊት ህያብ ኢያ።

እምነት ምስ ፍቕሪ ሃገር፣ ሃይማኖታዊ ክብሪታትን ባህርያዊ ፍቕሪን ዝተሓዋወሰት ህያብ ኢያ። እምነት ንዓና፣ ልዕሊ መዳፍዕን ልዕሊ ሚሳይላትን ኢያ። እምነት ንኤርትራውያን ንጊንጢ ኩነታት ብተኣምር እትቕይር ዘይትበርስ ባህርያዊ ህያብ ደቂ ሰባት ኢያ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተመንዝዐ ሓርነትና ንምርካብ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፤ ብርግጽ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ክንስዕሮ ኢና ኢልና’ዶ ንኣምን ኢና? ገለ ምንቅስቓሳትን መራሕተንን ንጉዳይ ተቓውሞ ከም መንበሪ ወረቐት ወይ ፍቓድ ንግዲ ጥራይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ’ምበር ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ክርቢት ሰውራ ክሽርጥጡ ሓሊሞም’ውን ኣይፈልጡን ኢዮም። ካብ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘራጊቶ እዋን ንክነብሩ ዝመርጹ፤ ሓርነት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ህንጻ ቅዋማዊ መንግስቲን ማዕርነታዊ ኣነባብራን  ኣለርጂ ዝገብረሎም ሰብት ኣይሰኣኑናን ኢዮም።

ብሕልና ምግዛእ ምልክት ሰብኣዊ ክብረት ኢዩ። ወዲ ሰብ ብመልሓሱ ዚዛረቦን ብሕልንኡ ዝፈርዶን ማዕረ ምስ ዘይከውን፣ ሕልና ኣልቦ ፍጡር ይበሃል። ሎሚ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን ወዲነይ-ወዲነየ፤ ሓያሎይ ደቂ ሃገር ገለ ብረብሓ ገለ ከኣ ብክቱር ፍርሒ ንሕልንኦም ጸቒጦም ዓይኖም ንዝረኣየቶ ንክምስክሩ ኣይከኣሉን። ኣብ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ገዲም ወዲ ዕቁቦም ስለዝቖጸርዎ፤ ውሑዳት ድማ ኣጸቢቖም ዝጠዓስሉ ገበናት ስለዝፈጸሙ፤ ብዛዕባ ዕላማን መንገዲን ኢሳይያስን ኣከያይዳ ህግደፍን ሕልንኦም ዝወሰኖ ፍርዲ ክዛረቡሉ ኣይደለዩን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።

ገለ’ውን ንኢሳይያስ ከም ወዲ ሃይማኖቶም ስለዝቖጽርዎ፣ ንሱ እንተዘየለ ብካልኦት ሃይማኖታት ክንግዛእ ኢና ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምድጋፉ መሪጾም። ሎሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ሰዓት ኣፍ-ኣርክቡ ተመሊሱ ትንፋስ ክዘርእ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ኣጸቢቑ ስለዝተለለየ፣ ኣብ ደገ ብዝስማዕ ጣቕዒት ተበለጽቲን ዘይንቑሓትን ንትርግታ ልቡ ከህድእ ዝከኣል ኣይኮነን።

ከምቲ መሬት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ሓዲራ በብቑሩብ ከብዲ ኣድጊ ትኸውንን ጸሓይ ኣዱንያ ትበርቕን ከኣ፤ መንነትን እንታይነትን ኢሳይያስ እናበርሀን እናተቐልዐን ክመጽእ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። ከምቲ ደጋጊምና ዝጸሓፍናዮ፤ ኢሳይያስ ወገን፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ፣ ሃይማኖት ዘይብሉ ኣረሜን ሰብ ኢዩ።

ሰባት ምእንታና ክብሉ ተሰዊኦም ክነሶም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ባዕልና እውን ለበውኦም መዝጊብናን ብቑንጣሮ ሓመድ ኣብ ግዜ ሃታ-ሃታ ቀቢርናዮምን ኢና። ስለዝኾነ ኢና’ምበኣር ንሕና ደምበ ኣለና ናይ ሕልና ዕረፍቲ ንምርካብ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም መንደዓት ዝተሰከምናዮ ሕድሪ ንምትግባር ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት ጽሑፍና “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፤ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ” ናብዚ ሳልሳይ ክፋል ጽሕፍና “ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ” በጺሕና ዘሎና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብእንብሰሮ ሞት ኢሳይያስ ክሳብ እንሰምዕ ድማ ብዘይ ምሕላል እጅገና ሰብሲብና ክንቃለስ ኢና። እቲ ምንታይ ናይ ሕልና ምርጫና ስለዝኾነ።

“ተሓቢኤን ይጠንስኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ከም ዝበሃል፣ ኢሳይያስ እቲ ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት ኤርትራውያን ንምጽናት፣ ነዛ ሃገር ድማ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ከም ዘይብላ መርከብ ናብ መኣዝኑ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸልማት ንምድቕዳቕ ተሓቢኡ ዝጠነሶ ሰባብ ድቂ፤ ሎሚ ኣብ ዘመን ሳልሳይ ወለዶ ኤርትራ ተጋሂዱ ኣሎ።

ናብቲ እንብህጎ ርሻን ሓርነት ንምብጻሕ፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ መንገዲ ክንጥምት ይግበኣና። ኢሳይያስ ቅድሚ ትማሊ፣ ትማሊን ሎሚን ከመይ ዝኣመሰለ ሕብርታት ይቐያይር ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ድማ ሕሩድን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

ንሕና ደቂ ቆላን ከበሳን ኤርትራውያን ዘይነጽፍ ፈለግ ኣሎና። ናይ ሎሚ መንነትና፣ ተግባራት ህግደፍ ዝሓምሮጎ ሓበጀራዋይ’ኳ እንተመሰለ፤ ኣይተረኮነን። ካብ ኤርትራዊ ክውንነት፣ ስነ-ምግባርን ባህሊን ዝሓከለ ዕሉል ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እተን ንኣርበዓ ዓመታት ዝቓንየን ዝነበረ ስልኪታት ክራሩ ተበታቲኸን ኢየን። ሎሚ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዕምሩ ኣትይሉ ኣብ ዘለወሉ ተሃዋሲ ግዜ ድማ በታ ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ዘይተበትከት ስልኪ ክራሩ ገይሩ ናይ ቀደም ደርፊ ንክደርፍ ዝመጣጠር ዘሎ ዘይክውንነታዊ ፍጡር ምዃኑ ካብ እንግንዘብ ኣይወሓደን።

‘ተካል ሓሙ ሸዊት ሓጋይ ይእዝዝ’ ከም ዝተባህለ፤ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዝበጽሐ ውጹዕ ድማ ዘይእዝዞ ነገር የለን። ኢሳይያስ ካብ ቃሬዛ ንምምላስን ነቲ ኣብ ቀብሩ ንክብላዕ ዝተኣዘዘ ቋሬጣ ንምድንጓይን፣ ካብን ናብን የዕለብጥ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ክዘባዘብ ዝጸንሓ ወፍሪ ማዕድናት፣ መሸጣ ወደብ ዓሰብ ብሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝበሃል ሕሹኽሹኽታ ተወሲኽዎ ቀንዩ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ዘመነ-ሚለንየም፣ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት እናተቐየረት ትኸደሉ ዘላ ዘመነ-ዓውላማ፣ ኢሳይያስ ብሂወት ኣብ ልዕሊ መሬት ክሳብ ዘሎ፤ ሃገርና ኤርትራ ናይ ዓለምና ጸልማት በዓቲ ኮይና ንክትጸንሕ ተፈሪዳ ኢያ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ፣ ፍትሒ፣ ሰብኣውነት፣ ቅዋም፣ ጽጋብ፣ ፍቕሪ ወ.ዘ.ተ… ኣብ መቓብር ኢሳይያስ ጥራይ ኢየን ክጥጠዓ ዝኽእላ።

ሕልሚ ‘ትግራይ ትግርኚ’ ጠጂኡ ንሜዳ ዝወፈረ ኢሳይያስ፣ ናብቲ ዝሓለሞ ጥርዚ ንምብጻሕ ክጻብኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ዜጋታት ኤርትር በብሓደ እናለቐሞም ኢዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ። እቲ ኣብ ደበንገረ ኮይኑ ዝሓለሞ ፎእ ሕልሚ ከኣ ካብ ኣመና ስስዐ ዝተበገሰ ጥሙሕ፣ ጌሶን ጥጅእን ስለዘብዝሓሉ፣ ናብቲ ዝሓለሞ ጽራይን ሕትሞን ከይበጽሐ እንከሎ መጺጹን ስዋ ኣብሖ ኮይኑን ኢዩ ዝተረፈ። ሎሚ ብድሕሪ ፍርቂ ዘመን ካብ ከውታ ድቃስ ብር እንተበለስ፤ “ትግራይ ትግርኚ” የለ “ግዝኣተ-ዓባይ ኢትዮጵያ”።

ኣብ መዝገበ-ቃላት ታሪኽ ውልቀ-መልኽቲ ‘ተመስገን’ ዝብል ቃል የለን። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ዕሉል ጉሒላ ኢሳይያስ፣ ኣብ ክንዲ ተመስገን! ናብ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ወ.ዘ.ተ… ከስፋሕፍሕ ክብል ኣብ ኣፍ-ኣርክቡን ዱሮ ምኽንባልን በጺሑ ንርእዮ ኣሎና። ሕልሚ ኢሳይያስ፣ ሕልሚ ስሱዕ ባዕላዊ ሕልሚ’ምበር ዝገሃድ ሕልሚ ኣይኮንን። ከምቲ፦

‘’ኣጣል እንታይ ኢዩ ደሃየን?”

“…እምቤእእእ!”

“እንታይ የውጽኣ ኣለዋ እየ ዝበልኩኻ?”

“ዓኾር” ዝብል ተረካብ ዘረባ፤ ሕልሚ ኢሳይያስ ዓኾር ካብ ዝኸውን ኣይወሓደን።    ኢሳይያስ ናብ በዓቲ ዓላ ካብ ዝተሓወሰላ ሰንካም ዕለት ንደሓር በብሓደን ብጉጅለን ሰባት እናኣሕቀቐ እንከሎ ስለ መሰል ወዲ ሰብ ወይ ስለ’ቲ በጃ ህዝቢ ንምሕላፍ ንበረኻ ዝወፈረ ተጋዳልይ እሕሕ ዝበለ ኣባል መሪሕነት ኣይንበረን። ካብ “ዘመነ-መንካዕ” 1973 ክሳብ “ዘመነ-ጂ 15” 2001 ኣብ ዝነበረ ናብ ምእሳርን ቅንጸላን ደቀባት ኤርትራ፣ ኩላቶም እቶም እናረኣዩ ኣዒንቶም ዝጸቐጡ፣ እታ ሰባብ ካራ ኣረኻኺባትሎም ኢያ። እዞም ሎሚ’ውን ጎሮሮኦም ክሳብ ዝልሕትት  ትንፋስ ክልቅብሉ ዝደልዩ ዘለዉ ቃንጥሻታት፣ ዝልቀብ ዕምሪ እንተረኺቡ ሓደ መዓልቲ ከረኻኽበሎም ኢዩ።

ብሰንኪ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፣ ኣብ ክንዲ ስርናይ ክርዳድ ኮይኑ ሕብስትና። ኣብ ክንዲ ዕምባባታት ተካእቲ ወለዶ ድማ ጨው ፈሪና ንሕና ኤርትራውያን። ኣብ ዱኻን ወላኻን ኤርትራ እሾኽ ዳንዴር ንክዘርእ ኣንጊሁ መርዛም ስንቂ ተኾልኲሉ ዝወፈረ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንጹር መልክዑን መንነቱን ብድሕሪ ዕስራ ናይ ናጽነት ዓመታት ብጋህዲ ተረጋገጸ። ኢሳይያስ፣ ስጋ ደቂ ኤርትራ በሊዑ ዝሰወደ እሙን ልኡኽ ባዕዲ ኢዩ። ክሳብ ግብኣት መሬቱ ድማ ኣብ ዝኽተሎም ሜላትት ጥማዕ ለውጢ ወይ ጽገና ክገብር ኢዩ ማለት ዘበት ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ኩሉ ግዜ ነቲ ትማሊ ዝነበረን ኢሳይያስ ዝብሎ ዝነበረን ብዓቢ መደምሰስ ኢና ክንድምስሶ ጸኒሕና። ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ጓህማም ሃገር ንምግባራ፣ ስለምንታይ ቅንጸላ ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ ተደልየ? ስለምንታይ ህልቂት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ብሰበብ ኲናት ባድመ?

‘ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ’ ከም ዝተባህለ፤ ናይ ሳሕልሲ ይጽናሕ፣ ስለምንታይ’ከ ነቶም ሙሉእ ሂወቶም ስለ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋደሉ መራሕቲን ተጋደልቲን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢርትራ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ቀለብ ኣራዊት ፍልፍል-ሰለሙና ገበሮም? ስለምንታይ ዘዝተወልደ ንስደት? ስለምንታይ ጥሜትን ዓጸቦን? ስለምንታይ ፍልልይ ንህዝቢ ኤርትራ? ስለምንታይ ኣልማማ ስደት? ስለምንታይ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ኤርትራውያን መንእሰያት? ስለምንታይ…ስለምንታይ!…

 

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፣ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!

alenakoena@gmail.com

 

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!

ብዓወትና ንኣምን!

ሞት ክናና

ንኢሳይያስ!!

 

 ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • HGDF January 19, 2012

    Alena wouldn’t run out of adjectives for his articles. The “Zemene qintset” went on and it gave up before seeing any change. Now has come another title ” Aferkibu and hamed Dibe”. This are to different phrases expressing different things in tigrigna. But Alena wanted to use them together to make his title more attractive to Weyanes and agents. If he believe it is believes it is already “hamed dibe” ie funeral, then no need to invite some one for “Aferkibu” i.e visit the dying person. Anyway Alena doesn’t care about logic but about piling up adjectives to make his articles look strong. I don’t know what adjectives he can find after 10 to 20 parts of this article. He thought the “zebene qibtset” was the end. He gave up and when the weyane started new accusations he started adding to it. Then he gave up again. And started this new one when the UN was preparing to decide on the accusations by weyane. Part 2 of this article is coming now when weyane started another round of accusations.

  • Yonas January 19, 2012

    ክቡር ሓው ኣለና ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ካብ ጽሑፍካ ተቃውሞይ ክገልጽ ኣፍኡቅደለይ፡ ህዝቢ ኤርትራንዘበናት ኣብ ውግእን፡ሞትን፡ስደትን፡መከራን ጸኒሑን ኣሎን ንሰላምን ፍትሕን ክምጽእ ንሰላሳ ዓመት ጎነጻዊ ቃልሲ ኣካይዱ፡ እወ ልክዕ አዩ ነጻነት ኣምጺኡ ግን ብድሕሪኡ ዚመጸ ሪኢናዮ። 20 ዓመት ኣብ ቲሕቲ ምልኪ፡ ኣሻሓት ዘጋታት ኣብ ማእሰርቲ፡ ውግእ ምስ ጎረባብቲ፡ ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 40,000 ዘጋታት ሂወቶም ሲእኖም፡ ክንዶኦም ዚኾኑ ኣካለ ሲንኩላን ኮይኖም፡

  • Yonas January 19, 2012

    ልዕሊ 100,000 መንእሰያት ተሰዲዶም። በዞም ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎም ምኽንያታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎነጽ ዘሎዎ አምንቶ ብጣዕሚ ቱሑት አዩ፡ አሞ ኩቡር ሓው ኣብ ደገ ዘለና ኣብ ፍትሒን ሰላምን ዘለዎ ሃገር ኮይና ጎነጽ አዩ መፍትሒ አልና ክንዛረብ ክንስከፍ ዪግባእ፡ ምኽንያቱ አቲ ግዳይ ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ህዝብና ባዕሉ ኣብ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ዘዋጽኦ ክገብር አዩ። ብወገና ግን ካል ኣገባብ ቃልሲ ማለት ዘይ ጎነጻዊ ቃልሲ ጥቅምታቱን ኣገባቡን ብኸመይ ንህዝብና ነረድእ፡ ናይ ሓበረታ መርበባት አናተጠቀምና ንህዝብና ንመሰሉ ክሓትት ከም ዘለዎ ምዝኽኻር።

  • Yonas January 19, 2012

    ከም ናይ በዓል ሂንዲ,ዩጎዝላቪያ, ክሮሽያ, ፖላንድ, ዛምቢያ, ቱኒሲያ ኣገባብ ቓልሲ ተጠቂሙ አታ ቲድለ ዘላ ሰላምን ፍትሕን ከምጻኣ ከምዝኸል ምሕባር። ንሓበረታኻ…ደላይ ሰላም ኩሉ እዩ፡ ምሁር፡ ፖለቲከኛ፡ ሓረስታይ፡ ወታሃደር፡ ተበላጺ ከብሎ ግን ኣይግባእን።ምክብባር ምትሕልላይ ምፍቃር፡ ሰላም የምጽእ እዩ። “እቶም ካብ ምንጋጋ ኣረሜናዊ ፍጡር ኢሳይያስ ፍትሒ ንምርካብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ መፍትሒ ዝብሉ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ገለ ሰልፊታትን ውድባትን፤ ውሑዳት ተበለጽቲ ምሁራትን፣ ብጥንታዊ ማሕላ ዝጸንዑ እሙናት ደቂ ዕቁብ ኢሳይያስ ምዃኖም እናተፈልጡ ይመጽኡ ኣለዉ። ሰላም ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትጥጥዕ ተኽሊ’ምበር፣ ንሱ ብሂወት ኣብ ዘለወሉ ግዜ እትዝራእ ፈልሲ ኣይኮነንትን።”

  • Cambo January 19, 2012

    To listen how worthless it has become to be Eritrean, please listen Wednesday, Jan 18-19, 2012 Radio Erena’s broadcast by Meron of ICER interviewing recently enslaved 14 Eritreans in the hands of the evil mafia Egyptian Bedeuines? Rashaida collaborators are enslaving farm workers in the border. These young Eritreans were ambushed and kidnapped by the Sudanese police and Sudanese civilians right at the border and sold right away to Arab Rashaidas outside of Kesella.
    The worthless Higdef regime and the good for nothing Eritrean opposition is doing nothing to defend poor enslaved Eritreans in Eritrea and around Kesela, let alone to defend or liberate Eritreans.
    This is what you call Eritrea or liberation — to be Arab Rashaida slaves.
    Imagine, what Mengistu Hailemariam would have done. Send his Mig 21, 23 and bomb the Arab Rashaidas villages but the Arab slave Issaias would not care

  • Cambo January 19, 2012

    ካብ myspace እተወስደ ብ ቺቸሮ ፓራዲዞ:
    ሓደ እዋን ወዲገበያ ይብል፤ ኣነን ኢሳያስን እኳ ዳርጋ ሓደ ኢና። ክልቴና ናይ ርእሲ ዓሶ ኣብ ጋሽባርካ ሓሚምና። ክልቴና ብዙሕ ዘረባን ሃተፍተፍን ነብዝሕ። ፍልልይና ድማ፥ ኣነ ምስ ሓመምኩ ዕማኾ ከኒና ኣሰኪሞም፥ ንገዛይ ኣፋንዮምኒ። ኢሳያስ ግና ብናይ ኣመሪካ ፍልይቲ ነፋሪት ናብ እስራኤል ክሕከም ብቕጽበት ተወሲዱ።

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    To a certain degree you are right ,I do have some regionalism in me . But, what I was trying to do was to bring it to the table so that it does not go out of hand. And farmers do not cause inter-regional conflict ,the so called educated/half baked individuals do.As for me let alone with my brothers from Akeleguzay ,Blen or Seraye ,…I even live with Mexicans……..you know what , I used to bash Dru´e …thinking all of them are the same…kind of narrow mentallity ,after by coincidence ,I heard his last speach ,I cried & I hated myself፣ I found him to be gennuine & a hero like his grand fathers . To react to the individuals I do not care much, I did what I oppose ,regionalism, I suspected a decent & caring human being.I learned ……..continues

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    HGDF,
    I will not tell you ,I do not have it now, but, I know how to deal with it. I really think our problem is because ,what we speak in public & what we talk with our fellow Awrajians is different. As for me ,I always rebuke when I hear such things from my Awraja.I am not the one who said ,in the corridors of University Asmara “this university is not going to be Akeleguzay´s play Ground”. IT WAS PFDJ ´S AUTHORITY CALLED ANDEBIRHAN. Like I said if there is no regionalism at all to the extent that is fairly alarming ,I stand corrected. Thank you for reading my piece.

    • Mr. T January 20, 2012

      SINGAPOOR-ETHIOPIAN,

      Anonymity is where you feel cozy and comfortable so you may as well forgive me for changing your pen-name in order to bring you closer to your own home: Ethiopia. Can I kindly ask you to provide us a hard-copy of the allegation you have made about “PFDJ’S AUTHORITY CALLED ANDEBRAHAN”?

      • SINGAPO-ERITREAN January 21, 2012

        Mr T ,
        You are insulting all of us , Eritreans . Why do you think only Ethiopians are as smart & intelligent like me. I know it sounds oxymoron, but , I am Eritrean & I am wise ,& smart. WHY DO YOU PEOPLE THINK ERITREANS THINK LIKE “HERD”. NOT ALL OF US ARE BRAIN DEAD .THERE ARE SMART ERITREANS LIKE ME .AND IT IS NOT BECAUSE MY GRANDMOTHER ORIGINATED FROM ADWA, PLEASE STOP INSULTING ERITREANS !!I FEEL OFFENDED !!!

  • alexdublin@live.com January 19, 2012

    To All Eritrean in Diaspora
    We all had very bad experience With PFDJ!
    So what we all should do now?
    Are we together to fight those, who make our life and our people life hard, to fight them until them dead or alive? Tell me please anything that is helpful to over through the regime.
    Your
    Brother.

POST A COMMENT