Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! – ካልኣይ ክፋል – ኣለና

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣይኮነን። እምበኣር ሃባርም ደቂ ኤርትራ! ሓደራኹም እዛ ዱላ ካብ ኢድኩም ኣይተርሕቑዋ”

ቃል ኣቶ ብሃይማኖት ዝተባህሉ ኣቦ ተቐማጣይ ሽላሎ ኣብ 1989 ዓ.ም ዝተዛረብዎ፤ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መደብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቀቅድሚ ዜና ዝንበብ ዝነበረ ወርቃዊ ቃላት ኢዩ።

በዛ ዱላ እትብል ወርቃዊት ቃል ኣቦይ ብሃይማኖት ንካልኣይ ክፋል እዚ ጽሑፍ’ዚ ክጅምር እከለኹ ድማ መዓሙቕ ባሕሪ ልበይ ባህ ኢሉኒ። ሎሚ ኤርትራዊ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሃይማኖቱ ክኣምነሉ ዝግበኦ ሰረተ-እምነት፤ ንገበነኛ ኢሳይያስን ቁንጣሮ ጭፍራ ህግደፍን ብዱላ ምዝባጥ ዝብል ክኸውን ይግባእ።

እቶም ካብ ምንጋጋ ኣረሜናዊ ፍጡር ኢሳይያስ ፍትሒ ንምርካብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ መፍትሒ ዝብሉ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ገለ ሰልፊታትን ውድባትን፤ ውሑዳት ተበለጽቲ ምሁራትን፣ ብጥንታዊ ማሕላ ዝጸንዑ እሙናት ደቂ ዕቁብ ኢሳይያስ ምዃኖም እናተፈልጡ ይመጽኡ ኣለዉ። ሰላም ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትጥጥዕ ተኽሊ’ምበር፣ ንሱ ብሂወት ኣብ ዘለወሉ ግዜ እትዝራእ ፈልሲ ኣይኮነንትን።

ዓመተ-2012፣ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ  ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ኢና ዘሎና። ሎሚ ኢሳይያስ በብዝወፈሮ ከም ኮቦሮ ጥሪ ይጭልገም ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወገን ናቕፋ ይኹን ሳዋ፣ ብወግን ደቡብ ይኹን ምብራቕ ኣብ ዘዝኸፈቶ ኣኼባትት ብህዝቢን ብሰራዊትን ንርእሱ ዘናውጹ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ቀደም ከም ሓደ ወረጃ መራሒ፣ ከም ነቢዪ ከይተረፈ ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ ሎሚ  የለን። ስለዚ ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ዕምሪ በላዒና ኢሳይያስ ኣራዊት ንምሕጻር ሎሚ ንዕደም ኣሎና።

ከምቲ ብዕራይ ሰነ ነቲ ግናይ ወርሓት ፉፍፍፍ! እናበለ ጥራይ ዝሓልፎ፤ ኣባ-ጓይላ ጭፍራ ህግደፍ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ዘለዎ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን መዋጥር ንምስጋር ዘየሎ ክነሱ፤ ኣለኹ እናበለ ክሰሓግ ክንሰምዖ ወሪሕና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመን ኣፍ-ኣርክቡ ንሕና ደቂ ሔማ ኤርትራ’ምበኣር እንታይ ንግበር? ቅድሚ ኩሉ ጉዳያትና ኣብ ጉዕዞና ንሓርነት፣ መጓዕዝትናን ዘይመጓዓዝትናን ሰባት ነለሊ። ካብ ዘረባን ጽሑፋትን ናብ ግብሪ ክንሰግር ንሕተት ኣሎና። ካብ ፋሕ-ፋሕ ምባልን ምውንጃልን ናብ ዝጸበበ ደምበ ክንጥርነፍ ግዜ ይሓተና ኣሎ። ኣይንህመም! ንስመር፣ ኣብ ሓደ መስርዕ፤ ኣብ ሓደ መንደቕ ንልገብ!!

መልኣከ-ሞት መራሒ ህግደፍ; ድምጹ ብማይክሮፎን ኣብ ዝሰማዕናሉ ግዜ፣ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና” ክብለና ቀንዩ። ኣብ ግራት እንጣጢዕ ዝተኻዕወ ዘርኢ ድማ፣ ኣብ ግራት ሽዕበት ከም ዝተዘርአ ስርናይ ብርንሃዮ ክኸውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብድሕሪ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2012፣ ጽባሕ ቢጊሓት ኣብ ጽላል ቀባሮ ወዛሕዛሕ ክንርኢ ኢና’ሞ፣ እቶም ብረብሓን ብትውልዲን ኣብ መስርዕ ኢሳይያስ ዝለገብኩምን ብኣግኡ ጸሊም ካባታትኩም ዓድጉ ክንብለኩም ንደሊ።

‘ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፣ ወዲቓ ዘይትስበር ሞይታ እውን ዘይትቕበር’ ዝብል፤ ንስም ዝገልጽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝነበረ ኣብ እትዝክረሉ ግዜ፣ ሓርበኛታት ኣቦታትና እኒ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ዓብደል ቃድር ከቢረ ራእሲ ተሰማ ወ.ዘ.ተ… ዝገደፉልና ካብ ስም እትዓቢ ሓያል መሳርሒ፣ ዘይትወድቕን ዘይትስበርን ሃብቲ ከም ዘላትና የዘኻኽረና። እምነት ኢያ!! እምነት ነንበይኑ መልክዓት ዘለዋ ባህርያዊት ህያብ ኢያ።

እምነት ምስ ፍቕሪ ሃገር፣ ሃይማኖታዊ ክብሪታትን ባህርያዊ ፍቕሪን ዝተሓዋወሰት ህያብ ኢያ። እምነት ንዓና፣ ልዕሊ መዳፍዕን ልዕሊ ሚሳይላትን ኢያ። እምነት ንኤርትራውያን ንጊንጢ ኩነታት ብተኣምር እትቕይር ዘይትበርስ ባህርያዊ ህያብ ደቂ ሰባት ኢያ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተመንዝዐ ሓርነትና ንምርካብ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፤ ብርግጽ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ክንስዕሮ ኢና ኢልና’ዶ ንኣምን ኢና? ገለ ምንቅስቓሳትን መራሕተንን ንጉዳይ ተቓውሞ ከም መንበሪ ወረቐት ወይ ፍቓድ ንግዲ ጥራይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ’ምበር ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ክርቢት ሰውራ ክሽርጥጡ ሓሊሞም’ውን ኣይፈልጡን ኢዮም። ካብ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘራጊቶ እዋን ንክነብሩ ዝመርጹ፤ ሓርነት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ህንጻ ቅዋማዊ መንግስቲን ማዕርነታዊ ኣነባብራን  ኣለርጂ ዝገብረሎም ሰብት ኣይሰኣኑናን ኢዮም።

ብሕልና ምግዛእ ምልክት ሰብኣዊ ክብረት ኢዩ። ወዲ ሰብ ብመልሓሱ ዚዛረቦን ብሕልንኡ ዝፈርዶን ማዕረ ምስ ዘይከውን፣ ሕልና ኣልቦ ፍጡር ይበሃል። ሎሚ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን ወዲነይ-ወዲነየ፤ ሓያሎይ ደቂ ሃገር ገለ ብረብሓ ገለ ከኣ ብክቱር ፍርሒ ንሕልንኦም ጸቒጦም ዓይኖም ንዝረኣየቶ ንክምስክሩ ኣይከኣሉን። ኣብ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ገዲም ወዲ ዕቁቦም ስለዝቖጸርዎ፤ ውሑዳት ድማ ኣጸቢቖም ዝጠዓስሉ ገበናት ስለዝፈጸሙ፤ ብዛዕባ ዕላማን መንገዲን ኢሳይያስን ኣከያይዳ ህግደፍን ሕልንኦም ዝወሰኖ ፍርዲ ክዛረቡሉ ኣይደለዩን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።

ገለ’ውን ንኢሳይያስ ከም ወዲ ሃይማኖቶም ስለዝቖጽርዎ፣ ንሱ እንተዘየለ ብካልኦት ሃይማኖታት ክንግዛእ ኢና ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምድጋፉ መሪጾም። ሎሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ሰዓት ኣፍ-ኣርክቡ ተመሊሱ ትንፋስ ክዘርእ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ኣጸቢቑ ስለዝተለለየ፣ ኣብ ደገ ብዝስማዕ ጣቕዒት ተበለጽቲን ዘይንቑሓትን ንትርግታ ልቡ ከህድእ ዝከኣል ኣይኮነን።

ከምቲ መሬት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ሓዲራ በብቑሩብ ከብዲ ኣድጊ ትኸውንን ጸሓይ ኣዱንያ ትበርቕን ከኣ፤ መንነትን እንታይነትን ኢሳይያስ እናበርሀን እናተቐልዐን ክመጽእ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። ከምቲ ደጋጊምና ዝጸሓፍናዮ፤ ኢሳይያስ ወገን፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ፣ ሃይማኖት ዘይብሉ ኣረሜን ሰብ ኢዩ።

ሰባት ምእንታና ክብሉ ተሰዊኦም ክነሶም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ባዕልና እውን ለበውኦም መዝጊብናን ብቑንጣሮ ሓመድ ኣብ ግዜ ሃታ-ሃታ ቀቢርናዮምን ኢና። ስለዝኾነ ኢና’ምበኣር ንሕና ደምበ ኣለና ናይ ሕልና ዕረፍቲ ንምርካብ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም መንደዓት ዝተሰከምናዮ ሕድሪ ንምትግባር ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት ጽሑፍና “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፤ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ” ናብዚ ሳልሳይ ክፋል ጽሕፍና “ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ” በጺሕና ዘሎና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብእንብሰሮ ሞት ኢሳይያስ ክሳብ እንሰምዕ ድማ ብዘይ ምሕላል እጅገና ሰብሲብና ክንቃለስ ኢና። እቲ ምንታይ ናይ ሕልና ምርጫና ስለዝኾነ።

“ተሓቢኤን ይጠንስኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ከም ዝበሃል፣ ኢሳይያስ እቲ ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት ኤርትራውያን ንምጽናት፣ ነዛ ሃገር ድማ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ከም ዘይብላ መርከብ ናብ መኣዝኑ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸልማት ንምድቕዳቕ ተሓቢኡ ዝጠነሶ ሰባብ ድቂ፤ ሎሚ ኣብ ዘመን ሳልሳይ ወለዶ ኤርትራ ተጋሂዱ ኣሎ።

ናብቲ እንብህጎ ርሻን ሓርነት ንምብጻሕ፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ መንገዲ ክንጥምት ይግበኣና። ኢሳይያስ ቅድሚ ትማሊ፣ ትማሊን ሎሚን ከመይ ዝኣመሰለ ሕብርታት ይቐያይር ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ድማ ሕሩድን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

ንሕና ደቂ ቆላን ከበሳን ኤርትራውያን ዘይነጽፍ ፈለግ ኣሎና። ናይ ሎሚ መንነትና፣ ተግባራት ህግደፍ ዝሓምሮጎ ሓበጀራዋይ’ኳ እንተመሰለ፤ ኣይተረኮነን። ካብ ኤርትራዊ ክውንነት፣ ስነ-ምግባርን ባህሊን ዝሓከለ ዕሉል ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እተን ንኣርበዓ ዓመታት ዝቓንየን ዝነበረ ስልኪታት ክራሩ ተበታቲኸን ኢየን። ሎሚ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዕምሩ ኣትይሉ ኣብ ዘለወሉ ተሃዋሲ ግዜ ድማ በታ ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ዘይተበትከት ስልኪ ክራሩ ገይሩ ናይ ቀደም ደርፊ ንክደርፍ ዝመጣጠር ዘሎ ዘይክውንነታዊ ፍጡር ምዃኑ ካብ እንግንዘብ ኣይወሓደን።

‘ተካል ሓሙ ሸዊት ሓጋይ ይእዝዝ’ ከም ዝተባህለ፤ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዝበጽሐ ውጹዕ ድማ ዘይእዝዞ ነገር የለን። ኢሳይያስ ካብ ቃሬዛ ንምምላስን ነቲ ኣብ ቀብሩ ንክብላዕ ዝተኣዘዘ ቋሬጣ ንምድንጓይን፣ ካብን ናብን የዕለብጥ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ክዘባዘብ ዝጸንሓ ወፍሪ ማዕድናት፣ መሸጣ ወደብ ዓሰብ ብሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝበሃል ሕሹኽሹኽታ ተወሲኽዎ ቀንዩ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ዘመነ-ሚለንየም፣ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት እናተቐየረት ትኸደሉ ዘላ ዘመነ-ዓውላማ፣ ኢሳይያስ ብሂወት ኣብ ልዕሊ መሬት ክሳብ ዘሎ፤ ሃገርና ኤርትራ ናይ ዓለምና ጸልማት በዓቲ ኮይና ንክትጸንሕ ተፈሪዳ ኢያ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ፣ ፍትሒ፣ ሰብኣውነት፣ ቅዋም፣ ጽጋብ፣ ፍቕሪ ወ.ዘ.ተ… ኣብ መቓብር ኢሳይያስ ጥራይ ኢየን ክጥጠዓ ዝኽእላ።

ሕልሚ ‘ትግራይ ትግርኚ’ ጠጂኡ ንሜዳ ዝወፈረ ኢሳይያስ፣ ናብቲ ዝሓለሞ ጥርዚ ንምብጻሕ ክጻብኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ዜጋታት ኤርትር በብሓደ እናለቐሞም ኢዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ። እቲ ኣብ ደበንገረ ኮይኑ ዝሓለሞ ፎእ ሕልሚ ከኣ ካብ ኣመና ስስዐ ዝተበገሰ ጥሙሕ፣ ጌሶን ጥጅእን ስለዘብዝሓሉ፣ ናብቲ ዝሓለሞ ጽራይን ሕትሞን ከይበጽሐ እንከሎ መጺጹን ስዋ ኣብሖ ኮይኑን ኢዩ ዝተረፈ። ሎሚ ብድሕሪ ፍርቂ ዘመን ካብ ከውታ ድቃስ ብር እንተበለስ፤ “ትግራይ ትግርኚ” የለ “ግዝኣተ-ዓባይ ኢትዮጵያ”።

ኣብ መዝገበ-ቃላት ታሪኽ ውልቀ-መልኽቲ ‘ተመስገን’ ዝብል ቃል የለን። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ዕሉል ጉሒላ ኢሳይያስ፣ ኣብ ክንዲ ተመስገን! ናብ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ወ.ዘ.ተ… ከስፋሕፍሕ ክብል ኣብ ኣፍ-ኣርክቡን ዱሮ ምኽንባልን በጺሑ ንርእዮ ኣሎና። ሕልሚ ኢሳይያስ፣ ሕልሚ ስሱዕ ባዕላዊ ሕልሚ’ምበር ዝገሃድ ሕልሚ ኣይኮንን። ከምቲ፦

‘’ኣጣል እንታይ ኢዩ ደሃየን?”

“…እምቤእእእ!”

“እንታይ የውጽኣ ኣለዋ እየ ዝበልኩኻ?”

“ዓኾር” ዝብል ተረካብ ዘረባ፤ ሕልሚ ኢሳይያስ ዓኾር ካብ ዝኸውን ኣይወሓደን።    ኢሳይያስ ናብ በዓቲ ዓላ ካብ ዝተሓወሰላ ሰንካም ዕለት ንደሓር በብሓደን ብጉጅለን ሰባት እናኣሕቀቐ እንከሎ ስለ መሰል ወዲ ሰብ ወይ ስለ’ቲ በጃ ህዝቢ ንምሕላፍ ንበረኻ ዝወፈረ ተጋዳልይ እሕሕ ዝበለ ኣባል መሪሕነት ኣይንበረን። ካብ “ዘመነ-መንካዕ” 1973 ክሳብ “ዘመነ-ጂ 15” 2001 ኣብ ዝነበረ ናብ ምእሳርን ቅንጸላን ደቀባት ኤርትራ፣ ኩላቶም እቶም እናረኣዩ ኣዒንቶም ዝጸቐጡ፣ እታ ሰባብ ካራ ኣረኻኺባትሎም ኢያ። እዞም ሎሚ’ውን ጎሮሮኦም ክሳብ ዝልሕትት  ትንፋስ ክልቅብሉ ዝደልዩ ዘለዉ ቃንጥሻታት፣ ዝልቀብ ዕምሪ እንተረኺቡ ሓደ መዓልቲ ከረኻኽበሎም ኢዩ።

ብሰንኪ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፣ ኣብ ክንዲ ስርናይ ክርዳድ ኮይኑ ሕብስትና። ኣብ ክንዲ ዕምባባታት ተካእቲ ወለዶ ድማ ጨው ፈሪና ንሕና ኤርትራውያን። ኣብ ዱኻን ወላኻን ኤርትራ እሾኽ ዳንዴር ንክዘርእ ኣንጊሁ መርዛም ስንቂ ተኾልኲሉ ዝወፈረ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንጹር መልክዑን መንነቱን ብድሕሪ ዕስራ ናይ ናጽነት ዓመታት ብጋህዲ ተረጋገጸ። ኢሳይያስ፣ ስጋ ደቂ ኤርትራ በሊዑ ዝሰወደ እሙን ልኡኽ ባዕዲ ኢዩ። ክሳብ ግብኣት መሬቱ ድማ ኣብ ዝኽተሎም ሜላትት ጥማዕ ለውጢ ወይ ጽገና ክገብር ኢዩ ማለት ዘበት ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ኩሉ ግዜ ነቲ ትማሊ ዝነበረን ኢሳይያስ ዝብሎ ዝነበረን ብዓቢ መደምሰስ ኢና ክንድምስሶ ጸኒሕና። ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ጓህማም ሃገር ንምግባራ፣ ስለምንታይ ቅንጸላ ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ ተደልየ? ስለምንታይ ህልቂት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ብሰበብ ኲናት ባድመ?

‘ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ’ ከም ዝተባህለ፤ ናይ ሳሕልሲ ይጽናሕ፣ ስለምንታይ’ከ ነቶም ሙሉእ ሂወቶም ስለ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋደሉ መራሕቲን ተጋደልቲን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢርትራ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ቀለብ ኣራዊት ፍልፍል-ሰለሙና ገበሮም? ስለምንታይ ዘዝተወልደ ንስደት? ስለምንታይ ጥሜትን ዓጸቦን? ስለምንታይ ፍልልይ ንህዝቢ ኤርትራ? ስለምንታይ ኣልማማ ስደት? ስለምንታይ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ኤርትራውያን መንእሰያት? ስለምንታይ…ስለምንታይ!…

 

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፣ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!

alenakoena@gmail.com

 

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!

ብዓወትና ንኣምን!

ሞት ክናና

ንኢሳይያስ!!

 

 ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • hggum brhan January 18, 2012

    kla dhur eka

  • SINGAPO-ERITREAN January 18, 2012

    COMMENTING ON ALENA….2ND PART ….ASSENNA ..
    QUOTING ..ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! – ካልኣይ ክፋል – ኣለና (ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።……….ኣሜን ብኣሜን ሓቂ፣ ብዙሓት ከል ዕልዎ ዘይደልዩ ኣርእስቲ፣ ከም ኣውራጃይ መጠን እዚ ሕማም ፣ ሕልፍ ክብልን´ውን ዘይትንክፎ ዝቖጽሮ ዝነበርኩ ብመጠኑ ኣተምብህ ኣቢልካዮ ዝሓለፍካ ጉዳይ ፣ ምስ መርመርኩስ ገሪሙኒ። ሕማም ኤርትራ ´ውን ብግኑን ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ከም ዘይኮነ….ኣብ ተጋሩ ናይ ኤርትራ፣ the so called Hzbe-Tigrigna ምዃኑ በቲ ነቶም ትሕቲ ታፔቶ ከጽንሕዎ ዝደልዩ ሰባት ቀጨውጨው ዘምጽእ ግጥምታተይ ክውጭጭ ቀንየ እየ። ነታ ኣካል ሽግርና ዝኾነት ወገነይ ወገንካ ብምጡን ዓቕመይን ተሞክሮይን ክገልጻ፣ ምኽያቱ ቅድሚ ንኢሳያስ ምቕያርና ንነብስና ክንቅይራ ኣለና ፣ ….. continues

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    COMMENTING ON ALENA….2ND PART ….ASSENNA ..
    QUOTING ..ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! – ካልኣይ ክፋል – ኣለና (ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።……….ኣሜን ብኣሜን ሓቂ፣ ብዙሓት ከል ዕልዎ ዘይደልዩ ኣርእስቲ፣ ከም ኣውራጃይ መጠን እዚ ሕማም ፣ ሕልፍ ክብልን´ውን ዘይትንክፎ ዝቖጽሮ ዝነበርኩ ብመጠኑ ኣተምብህ ኣቢልካዮ ዝሓለፍካ ጉዳይ ፣ ምስ መርመርኩስ ገሪሙኒ። ሕማም ኤርትራ ´ውን ብግኑን ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ከም ዘይኮነ….ኣብ ተጋሩ ናይ ኤርትራ፣ the so called Hzbe-Tigrigna ምዃኑ በቲ ነቶም ትሕቲ ታፔቶ ከጽንሕዎ ዝደልዩ ሰባት ቀጨውጨው ዘምጽእ ግጥምታተይ ክውጭጭ ቀንየ እየ። ….. continues

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    ነታ ኣካል ሽግርና ዝኾነት ወገነይ ወገንካ ብምጡን ዓቕመይን ተሞክሮይን ክገልጻ፣ ምኽያቱ ቅድሚ ንኢሳያስ ምቕያርና ንነብስና ክንቅይራ ኣለና ፣ ነቲ ረሳሕ ክዳውንትና ´ውን(OUR DIRTY LAUNDRY ) ኣብ ገበላ ከነውጽኦ መታን እቲ ማክያ ተራእዩ ክሕጸብ…ኣሻኻኻዕ እናተጻወትና ህዝብና ብናይ ሕልሚ ብርኩታ ከይነሐልሎ ። ሓው ኣለና፣ እቲ ሽግርና ብዘይሽፍንፍን ክእረም ስለ ዝደልዮ ፣ ብመብዛሕትኡ ህዝቢ ከም sensitive ዝቑጸር ፣ እና “ፈስ ያለው ዝላይ ኣይችልም” ከም ዝብሃል እዚ ጉዳይ እዚ ክልዓል ከሎ …ቀደም ዝሓለፈ ወገንነት ሕጂን´ዶ ኣይተልዕሎ…ዝብል ግብዝ (fake/hypocratic) ዝኾነ መልሲ ዝህቡ ምሁራትን ,ለባማትን ውሑዳት ኣይኮኑን ።እቲ ኣብ ኩላትና ዘሎ ሕማም ስለ ዘጥቅዖም´ዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ መጠን እዩ። እቲ ናይ እንዳያይ ወገንነት ምስ እድያቱ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ዘይወዲ ኣውራጅኦም tottally ከም ዘይናቶም ስለ ዝወስድዎ እዩ ይብል ኔረ። ..continues

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    እቶም ሓሻካ (ናተይ ደቂ ግራት´ውን) ካብቲ ሕማም ከምዘይወጹ ብዝበለጸ San diego ምስ መጻእኩ እዩ ዝበርሃለይ ። ….ፈሊጥናየን ኣለን ኦዚኣተን ደይ ሽመት ደልየንየነ.” ክብሉ ክሰምዕ…..የቕሕረኒ። ሶማል ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለዉ…ብሃይማኖት ወይ ብቐቢላ ኣይኮነን ….ብእንዳ/ገዛ/ወለዶ.. (clan) እዩ.ካብ ቁጽጽር ንኽወጽእ ቀሊል እዩ ። እቲ ንኢሳያስ ብቅሱን መገዲ ዘንብሮ ዘሎ ድማ እዚ እዮ።መብዛሕትኦም ደቂ ኣውራጃይ በዚ ሕማም ዝጥቅዑconfront ክገብሮም ከለኹ እቲ ናይ ኣውራአጃና ወገንነት፣ ነቲ ናይ እንዳ´ያይ ካብ “መንካዕ ጀሚሩ ዝግበር ኣሻጥር reaction እምበር እምበር ሓማሴናይ ወገናዊ ከም ዘይኮነ ትፈልጥ እያ ይብሉኒ so stupid it fits the stereo type ….። ጎረቤተይ ኮኬይን ስለ ዝወስዱ እየ ድራግ/ኣብሾ ዝወስድ እምበር ኣብሾ ኣብ ኣፈይ ኣየቕርባን እየ።
    cont

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    ነቶም እንዳ´ደይ፣ (ብዓል ኣብ ዓዲ ወግሪ ፍርዲ ቤት ኣንጻር ወዲ ሓወቦይ ብዋለኻ መሬት file ከፊተ´ለኹ confront ክገብሮም ከለኹ ድማ፣ እቲ ናይ ቀደም ከብቲ ምዝራፍ ዝተገብረ፣ወይ እንዳያይ ትምክሕተኛታት ስለ ዝኾኑ…እንዳያይ ስልጣን እንተሒዞም ነገር ከም ቃኘው ከም ትኸውን …..ኣብ እንዳያይ ዘለዎም ቅርሕንቲ ዓሚቝን ናይ “ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታውየይ እዩ “ዓይነት መርገጺ ይመስል.ካብ እንዳደይን እንዳቦይን እዚ ዕባራ ግን ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል……..ዘሕዝን ምኽንያታት ይሰምዕ .ከም ኣውራጅኡ ዝኸድዔ ሓማሴናይ ዝወስዱኒ´ደቂ ሓማ´ውን ኣለዉ።
    ብመጨረሻ እንዳያይ (ብዓል መኻይድኻ ፍለጥ) ከም Jewish ኩሉ ዘምርሮም ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ከልዕሎ እንከለኹ..ንሓድሕዶም ይጣማመቱ እሞ ብዓይኒ ተጣቓቒሶም,ካብ ጣውላ ተሲኦም,ጉዳይ ኣላትና ኢሎም ብሓደ ይትስኡ… .cont

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    ….ብጊዜ ጃንሆይ ዝነበረ …ወይ ኢትዮጵያ በሉ …ወይ …..መሬትኩም ለቒቕኩም ኪዱ ዓይነት ጉዳይ ከም ዝነበረ ይፈልጥ…….ኣብ ርእሲ ካልእ ኣውራጃ ዘለዎም ቅርሕንቲ ግን ስለ ዘይፈልጥ …ብግምት ክጽሕፍ ልክዕ ኣይኮነን .
    እቲ ሕማምናን ዓንቃፊናን stem cell research ወይ same sex marriage ኣይኮነን. ናይ ሃይማኖት እንተኾነ፣ ብናተይ ግምት ኣስላምን ክርስትያንን ኣይኮነን።ዘዛራረብኩዎም ትግረን ብሌንን ናይ መንነት ቅልውላው ከምዚ ናይ “ህዝበ ትግርኛ”ስለ ዘይብሎም፣ ዘጣራንፍ ዘረባ እምበር ዓቢ ቅርሕንቲ ኣይሰማዕኩሎምን ። ብግርህነትን ንጹር ዝኾነ ኣገባብ ስለ ዝዛረቡ ድማ ነቲ ነገር የቕልሎ። ኣይተቓለስኩን፣ ኣብ ወጻኢ ዝፈልጦን ዘጋጠመንን እምበር፣ መስተውዓሊን,ደላይ ሓቂን መፍትሒን ካብ ሙዃን ሓሊፈ ብትምህርቲ ዛንታ ዝደለብኩዎ ትዕዝብቲ ኣይክኮነን. ክልተ ኣማራጺ ኣለኩም,እዚ ፈላላዪ ክትብሉኒ ትኽእሉ,ዝፈላልየኩም ኣተዓባብያኹም እንከሎ , cont

  • SINGAPO-ERITREAN January 19, 2012

    ,ወይ ክኣ እዚ ዓጃው ሎምስ እባ ንጹር መፍትሒ ኣምጺኡ ኢልኩም ገጽኩም ኣብ መስትያት ብምርኣይ ,ነቲ ዘይምትእምማን ንጎኒ ጌርኩም ህዝብና ክድሕን ይኽእልዩ. ሽዑ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ዋላ እካብ ንኣሽቱ ዓድታት መንግስቲ ገሽናሽም፣ ደቂዘርኡ፣ እንገርነ፣ ሰገነይቲ። ። ። ኢልኩም ኣማሓዳድርዋ፣ እንተደሊኹም ከም trailer house ንሲንጋፖር ጎቲትኩም ውሰድዋ፣ ናተይ ድሌት ፣ ኣደይ ለተማርያምን ፣ ይማ መርየምን ፣ ቡንን ኣፍሊሔን ብዘይ ናይ ሸፋቱ ግፍዒ ክነብራ እዩ።
    ካብ ኣመና ምስትውዓል መርዘን ዝሓዞ ሓውኩም – SINGAPO-RITREAN

    • HGDF January 19, 2012

      SINGAPO-ERITREAN
      The Eritrean people don’t have problem of regionalism. That problem is only found in people like you who try to use regionalism to achieve your evil agenda. Have you ever seen people from the regions you are mentioning in you comments come in conflict or see each other with hatred? There arise occasional small grazing land or farm land conflicts between some villages. But I have never heard of a conflict of Awrajas. The Awrajas were by the way just administrative regions. They don’t designate people with different identities. You are playing a character of being from one of the Awrajas. Let’s assume it is your real place. Then do you see yourselve as different from people on the other side of the administrative boundary? There are individuals like you who have a sick minds from all corners of the country who try to use regionalism to achieve political agendas but our people never hate each other. Go to Eritrea and try to visit the villages on the borders of the regions and see how peacefull and caring they are towards one another.

  • Cambo January 19, 2012

    Alena wrote “ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ” I agree!
    Did anyone listen Wednesday, Jan 18, 2011 Radio Erena’s broadcast by Meron of ICER interviewing recently enslaved 14 Eritreans in the hands of the evil mafia Egyptian Bedeuines? These young Eritreans were ambushed and kidnapped by the Sudanese police and Sudanese civilians right at the border and sold right away to Rashaidas outside of Kesella.
    Unlike the coward Higdef regime of Eritrea, you know what Mengistu Hailemariam/ መንግስቱ ሃይለማርያም would have done — send his best pilots and bomb every Rashaida village with their camels to ash.
    No nation, be it Sudan or Somalia or Kenya have mistreated any Ethiopian, forget enslaving them, while መንግስቱ ሃይለማርያም was the leader of Ethiopia.
    Now, who looks better — Mengistu or the Eritrean?
    How can you call yourself “liberated” when every Sudanese and Egyptian is treating you like a stinking dog? Not only Issaias is coward but also the Gujle Hawasa who are afraid to raise their voices against the Arab mafia.

    • RASHAIDA BUSTER January 19, 2012

      cambo ,
      It is not that Isaias is not a coward ,but it is the isaia;s government that is behind this, PFDJ charges the`people who are running away from it $ 3000 dlls & then through calculated strategy gives them to the Rashaida ,that are it:s agents & the Rashaida to bedouins ,that decide either to disect them or rape them .

      • ahmed saleh January 19, 2012

        Rashaida Buster
        If you visit Eritrea recently you can see those sun of the gun animals
        in TESSENEY CITY with their Land Cruisers dominating the place. Sorry
        to say “ADNA B”SHEFATU TEWERIRA ALLA ” just for know though.
        Rashaida people in Eritrea sold us out at the bad time. It is Ok there
        is time to every one.

  • ahmed saleh January 19, 2012

    We could not afford to see the other way and neglect to bear witness on all the suffering
    of our people on daily basis. HGDF’s contradictory system of governing marked by waves
    of death, illegal imprisonment and thousands and thousands of our youth fleeing to
    neighbourong places. Its sad consquences with its own pschological drama will haunt us
    where ever we are unless it ends for good. This is not politics, there is nothong to do with politics. The fact is, I”m talking a question about humanity and social justice. It seems some
    people do not understand or denying to aknowledge the extent of the attrocities committed
    on all level you can imagine left a life-long scars and affected badly in to many Eritrean
    families lives.There is nothing wrong to weep and scream loud for humanity especially for
    Eritrean humanity and social justice. You know why? Because I felt like I owe it to my
    people. OK know, would they still say something like you are against Eritrean people and
    ” do not make a big deal out of it” ? Somehow I doubt it. You are lucky to get opportunity
    to settle inside free world but Eritrean people deserve better than this too, show a little
    compassion for GOD sake please.

1 2 3

POST A COMMENT