Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ቃል ኪዳን ብፍትሕ እምበር ብዕርቂ ዝፍታሕ ኣይኮነን!!

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 20 ዓመታት ብገርህነቱ ተታሊሉ ምስቲ ሓራ ከውጽኣካ ኢሉ ዝወጸ ናይ ተጋዳላይ ሽም ሒዙ ዝመጸ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ቃል ኪዳን ኣሲሩ፡ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕርን ሓልዮትን ዘለዎ ናብራ ከሕልፍ ትጽቢቱ ኔሩ፡

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 20 ዓመታት ብገርህነቱ ተታሊሉ ምስቲ ሓራ ከውጽኣካ ኢሉ ዝወጸ ናይ ተጋዳላይ ሽም ሒዙ ዝመጸ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ቃል ኪዳን ኣሲሩ፡ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕርን ሓልዮትን ዘለዎ ናብራ ከሕልፍ ትጽቢቱ ኔሩ፡ ፤ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ለውሃቱን ሕያውነቱን ግዳይ ሕሰምን መከራን፡ ስደትን ምብትታንን፡ ኮታ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕታት ተፈጺምዎ ኣብ ኣፍ ደገ ምጽናት ይርከብ፡ ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ሓይልታት ዝፈልዮ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ፡ ፡ 1. ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ኣብዛ ሃገር ግፍዕታት ተፈጺሙ፡ ፡ ካብቲ ስርዓት ደርጊ ዝፈጸሞም ግፍዕታት ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ኤርትራውያን ተፈጺሙ፡ 2. ኣብ ኤርትራ ሎሚ ካብቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ንላዕሊ ቤት ማእሰርትታት በዚሖም ህዝቢ ይሳቐየሎም ይርከብ፡ 3.ኤርትራ ሎሚ ብኤኮኖሞያዊ መዳይ ተደምሲሳ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሰም ናብራ ይሳቐ ይርከብ፡ ፤ ማይ መተርከሲ ጎሮሮ ዘይርከባ ሃገር ኮይና መራሒ ህግደፍ ህዝቢ ንኽስደድ ብዕሊ ኣዊጁ ኣሎ፡ 4. ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ተሰዲዱ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ጎቦታት ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ይጸንት ኣሎ፡  5. ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብሰንኪ ጸጥታዊ መሓውር ህግደፍ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ርዒዱ ኣፉ ዓቢሱ ይነብር ኣሎ፡ 6. ኤርትራ ሎሚ ናይ ውሑዳት ውልቀ ሰባት ንብረት ኮይና ህዝባ ኣብ ባርነት ይነብር ኣሎ፡ ፤እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ብፍትሕ ድዩ ክድምደም ዘለዎ ወይስ ብዕርቂ ንዝብል ሕቶ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ክምልሶ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ እብል፡ ፤ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ግን ናይ ውልቀይ ርእይቶ ክህብ ደስ ይብለኒ፡ ፡

ኣብ ሓዳር ዓለም ፍቕርን ስኒትን፡ ሓልዮትን ምክብባርን ካብቶም መሰረታውዮም መእሰሪ ቃል ኪዳን ኢዮም፡ ፤ ብሃገር ደረጃ ክርአ ከሎ ከኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን ሓደ ንኽልቲኦም ዝጠምሮምን ዝቕይዶምን ስርዓተ ሕጊ ክህሉ ኣለዎ፡ ፤ እዚ ስርዓተ ሕጊ እዚ መሰላት ዜጋታት ዘኽብር፡  መንግስቲ ከም ድላዩ ህዝቢ ከይረግጽ ዝቕይድ ቃል ኪዳን ኢዩ፡ ፤ህዝቢ መሰሉ ተሓልይሉ ከም ድልየቱ መራሕቱ መሪጹ ከውርድን ከደይብን ዝኽእለሉ ባይታ ክፍጠረሉ ኣለዎ፡ ፤ እዚ ምስዘይግበር ግን እቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ቃል ኪዳን ክህሉ ኣይክእልን፡ ፤ ኣብ ኤርትራ እምበኣር እዚ ሕጊ አዚ የለን ኣይነበረን ከኣ፡ ፤ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ርጉም ሰብኣይ ንሰበይቱ መዓልታዊ ዝሃርማን ዝጭቁናን ልክዕ ከምኡ ጌሩ ንህዝቢ ኤርትራ ይጭፍልቖ ኣሎ፡ ፤ ምጭፍላቕ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ገጽ ምድሪ ንኸጽንቶ ተላዒሉ ኣሎ፡ ፤ እሞ ደኣ እንታይ ኢዩ ዝግበሮ? ክሳብ ህዝቢ ጠቕሊሉ ዝጸንት ብፍርሂ ተዋሒጥና ስቕ ክንብል ወይ ይኣክል ክንብል ንመርጽ? ዝነገሰ ንጉስና ኢልና ብሰማይ መድሓኒ ክመጻና ምጽባይ ወይ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኮይና ሰሚርና ነዚ ዲያብሎስ መንግስቲ ምቅላስ ይሓይሽ? መንእሰይ ወለዶ ዘለኻ ሓላፍነት ቀሊል ኣይመስልንን፡ ፡ ቀደም ኣቦታትካ ምእንቲ ናጽነት ደምዮምን ተሰዊኦምን ኢዮም፡ ንስኻ’ኸ ንሓርነት ህዝቢ ክተምጽእ ድሉው ዲኻ? ሓርነት ብዘይ ዋጋ ስለ ዘይትመጽእ መስዋእቲ ክትከፍል ድሉው ዲኻ? ኣባል ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዝኾነ ሓደ ውፉይን ጅግናን ተቓላሳይ መንእሰይ ከምዚ ይብል፡ ”  ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራና ዘሎ ዝምድና ዝዕረቕ ዘይኮነስ ዝፍታሕ ጥራይ ኢዩ። እዚ ማለት ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን፡ ንዕኡ ንምትግባር ዝጥቀመሉ መሓውራት ሓምሽሽካ ኣብ ዑና መቃብሩ ሓቀኛ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኢዩ። ልዑላውነት ህዝቢ ምርግጋጽ ኢዩ። ኩሉ መድያዊ ሓርነት ምርግጋጽ ኢዩ። ቋንቋ ህግደፍ ስነ መጎት ሓይሊ ኢዩ በዚ ዝርዶ ከአ ክንገጦም ኢና”፡ ፡ እዚ ዘረባ እዚ ቀሊል ኣይኮነን፡ ፤ህግደፍ ብዝርድኦ ክንገጥሞ ኢና ዝብል ሞገተ እታ እንኮ መፍትሒት ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኢያ ኢለ እኣምን፡ ፤ ብበትሪ ዛአምን ስርዓት ብሰላም ክትስዕሮ ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ጨካን ስርዓት ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ንዜጋታት ኤርትራ ከይሞቱ ከለዉ ከም ዝብኢ ይበልዖም ኣሎ፡ ፤ ህግደፍ ብእሂን ምሂን ዘይኣምን፡  ብዘይካ ሓይሊ ካልእ ቋንቋ ዘይርድኦ እኩይ ጉጅለ ኢዩ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ወይ ብዕርቂ ዝመጽእ ለውጢ ኣይቅበልን ኢዩ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ መሓውራት ህግደፍ ካብ ገጽ ዓለም ሓግሒጉ ኣብ ጋህሲ ከእትዎ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን መዝሙር ደለይቲ ፍትሒ እንዳ ዘመሩ ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ለውጢ ንኽቖጽዩ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ኣይተሳእኑን፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ ግን በዚኣቶም ተደናጊሩ ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ቀዳድ ከይእትወሉ ክጥንቀቕ ይግባእ፡ ፡ መንእሰይ ወለዶ ከይፈርሀ ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ኮይኑ ንስርዓት ህግደፍ ክገጥሞ ምዃኑ ብግልጺ ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጽ ኣለዎ እብል፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ እዚ ናይ ህግደፋውያን መፈራርሂ ሜላታት ካብቲ ሓሲብዎ ዘሎ ቅዲ ቃልሲ ንሓርነት ከተዓናቕፎ የብሉን፡ ፤ ብኢትዮጵያ ሕለፍ፡  ብሱዳን ሕለፍ፡  ብጂቡቲ ሕለፍ፡  ዝክአል እንተኾይኑ’ውን ብሰማይ ሕለፍ ብዘይገድስ ፈውሲ ህዝቢ ኤርትራ ክተናዲ ይግብኣካ፡ ፤ ወላ ሓደ ሰብ ኣብቲ ንስኻ ትወስዶ ምርጫ ከተዓናቕፈካ ዝኽእል ሰብ ጉጅለ ማሕበር ክህሉ ክትፈቅድ የብልካን፡ ፤ ምኽንያቱ እዚ ዘመን እዚ፡  እዚ ታሪኽ እዚ፡  እዚ ዓውዲ እዚ፡  እዚ ዘውዲ እዚ ንብረትካ ስለዝኾነ፡ ፤ ህዝቢ ልብኻ የንብቦ ኣሎ፡ ፤ ትሓስቦ ዘለኻ ሓሳብ ተረዲእዎ ኣሎ፡ ፤ልብኻ ዝበለካ፡ ሓንጎልካ ዝኣዘዘካ ንስኻ ትፈልጣ ኢኻ፡ ፤ብዝኾነ ኣቕጣጫ ምጻእ ሓርነታዊ ዓወት ክሳብ ዘምጻእኻ ስኽፍ ክብለኻ የብሉን፡ ፤ እዞም ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ጎሓላሉ ኣብ እዋኖም ሓገዝ ሓቲቶም ኢዮም፡  ነዞም ሎሚ ወያኔ’ባ ለመንቲ’ባ ዝብልዎም ዘለዉ ኣብቲ ቀውጢ ጊዜ ተሓጋጊዞም ኢዮም ናጽነት አምጺኦም፡ ፡  ሎሚ እታ ሕማቕ ጊዜ ምስ ሓለፈት ታሪኽ ክቕይሩ እኳ እንተፈተኑ፡  ታሪኽ ግን ብውልቀሰባት፡  ብጉጅለ ዝቕየር ኣይኮነን፡  ታሪኽ ታሪኽ ስለዝኾነ፡ ፤ ናአኻ ንምድንጋር ኢትዮጵያ እትብል ቃል ከም ሕማም መንሽሮ ንክትፈርሃ ዘመተታት የካይዱ ኣለዉ፡  እቲ ሓቂ ሒዝካ ንእትገብሮ ሓርነታዊ ቃልሲ ክትስከፈሉን ክትፈርሃሉን ኣይግብኣካን፡ ፤ ህግደፋውያንን መሰልቶምን ካብ ጸለመ ከምዘይዓርፉ ተረዲእኻ እቲ ንስኻ ትኽክል እትብሎ ቃልሲ ሓቅነትካ ሒዝካ ክትቅጽሎ ይግብኣካ፡ ፡

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Kalighe September 16, 2013

    “እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ብፍትሕ ድዩ ክድምደም ዘለዎ ወይስ ብዕርቂ ንዝብል ሕቶ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ክምልሶ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ እብል፡ ፤”

    ወልዱ ተኽለ

    Are you trying to confuse people or it’s a lapsus-calamae ?

    There is nothing called “ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ” when it comes to a relationship between a government and people of a country. If you are trying to talk about that, then please correct the title.
    Obviously, “ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ” in Tigrigna that I and you know, it’s about people-to-people relationship, unless you add to it ‘mis menghisti’, as you have put in the following paragraphs: “ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን .. “. The way it’s now, the title is misleading.
    Besides, usually, the relationship between a government and the people, who is the only owner of sovereignty, is based on accountability and respect of law, those who love their governments end up being slaves of the State. It’s high time that we change our perception of authority and what governments are or should do. We are suffering, because, we have put everything in the hands of cruel monkeys. Will we ever learn from our mistakes ?

    • fithawi September 16, 2013

      My brother, if you get the concept, you don’t need to waste time and energy to explain us about the title. The worst is your comment lacks modesty, and tends for insulation.

  • Footscray September 16, 2013

    Why Dr. Assefaw Tekeste and B/G Tekeste Haile and others are participating in the Bologna Summit 2013?

    Why are they Supporting this Summit if they are considered on the right track of the opposition side against the dictatorial regime in Eritrea. We are really confused with this Bologna Summit.

  • woldu tekle September 16, 2013

    Dear Kalighe
    It is obvious that the title implies that the relationship between the Eritrean people and the PFDJ junta. Actually I don’t believe there is a government in Eritrea. Anyway if you read in the beginning of the first paragraph, I have mentioned the relationship between the Eritrean people and PFDJ. so the message is very clear and please read it again if you will.

  • rezen September 16, 2013

    Dear Mr.Weldu Tekle,
    Take this as an honest critique.
    1. The very first FOUR WORDS in the Title refers to the “relationship among Eritrean people”[ ab mengo hizibi eritrea]
    2. But from your clarification it is meant to be “relationship between the Eritrean people and its government [ab mengo hizibi eritrean mengistinun”

    Now to my comment
    Let me start with N0.2: There is no question that the solution is a DIVORCE. In fact there has never been a governemnet OF the Eritrean people in the true sense of the term ‘government of the people.’ What is installed is self sppointed government.

    Now let us go to No 1, which is tricky and sensitive. But the time has come for Eritreans to come out of their SHELL and face REALITY. Eritreans tried their best to hide the truth for decades. Eritrea, sociologically speaking, has been a dysfunction entity with serious differences among the societies that have been collared by fascit Italy ARBITRARIRLY without consideration of sosiological and cultural differences. The cancerous diseases, of course, is RELIGION.
    With this background and the reality that we read in the internet it may very well be it is time for consideration of the DIVORCE — if not, external realities will do it for Eritrea — as it has been accustomed to be ‘forged’ by external forces since (we were told) the Ottoman Empire!!!

  • Kalighe September 16, 2013

    ” The worst is your comment lacks modesty, and tends for insulation”

    fithawi

    Tell me where is my lack of modesty, if that is the case, I like to stand to be correced, and I am not ashamed to admit it. BTW, I didn’t get what you mean by “insulation” in this context.

  • Semhar September 16, 2013

    Thank you ወልዱ ተኽለ for exposing the tyrant dictator and his blind followers HIGDEF.

    You stood for what you believe in.
    You stood for justice, liberty, equality and freedom.

    You stood for our martyrs.
    You stood for all our fallen heroes.
    You stood for our culture.
    You stood for our provinces.
    You stood for our people.
    You stood for our country.
    You stood for our liberation flag!
    The flag of our martyrs, the flag of our forefathers, our LIBERATION FLAG!
    You told us the truth, nothing but the truth.

    You represented Eritrean people and you stood against the mad dog tyrant dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Seraye!
    Let freedom ring in Hamassien!
    Let freedom ring in Semhar!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Washington DC besiha ala!

  • Semhar September 16, 2013

    Thank you ወልዱ ተኽለ for exposing the tyrant totalitarian and his blind followers HIGDEF.
    As long as ድያብሎስ!Isayas and HIGDEF are in Eritrea misery and death will continue.
    The only solution is to get rid of crazy mad dog ድያብሎስ! Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.
    Eritreans should unite and get rid the tyrant mad dog ድያብሎስ! Isayas, his son and his blind followers the HIGDEF.

  • Semhar September 16, 2013

    Kalighe , fithawi, Woldu, Footscray and Rezene we should all thank our brother ወልዱ ተኽለ for exposing and dealing with the tyrant mad dog wedi Berad Isayas and his blind followers.

  • woldu tekle September 16, 2013

    Dear Rezen.
    ዝኸበርካ ኣቶ ረዘነ፡

    ዝጸሓፍካለይ ርእይቶ ኣንቢበዮ ብጣዕሚ ሕጉስ ኢየ፡ ፤ ብስነስርዓትን ብምክብባርን ዝውሃብ ርእይቶ ሓናጺ ስለዝኾነ ኩሉ ጊዜ ተጻዋርነት ናይ ነቔፈታ ክህልወና ደስ ይብለኒ ምኽንያቱ ብርእይቶን ነቔፈታን ክንምዕብል ስለንኽእል፡ ፡

    ኣብ ዋና ሓሳበይ ክምለስ፡ እታ ዝሃብኩዋ ኣርእስቲ ብግርህነት ዝጎደለት ቃል ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ክብል ኢየ ደልየ ኮይኑ ግን ኣብ መእተውየይ ስለዝተገልጸት ሕቡእ ምስጢር ዘለዋ ኣይኮነትን፡ ፡ እታ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝሃብካያ ርእይቶ ግን ምሳኻ ኣይሰማማዕን ኢየ፡ ፤ ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን ኣስላምን መሰረታዊ ዝኾነ ጽልእን ቅርሕንትን ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡ ፤ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያናይ ቅርሕንቱን ጽልኡን ስርዓት ህግደፍን መራሒኡን ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኢዮም፡ ፡ ኣነ ፍትሕ ኢዩ መፍጥሒኡ ዝበልኩ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ዝተፈጸመ ዘይቅዱስ መውስቦ ኢዩ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብሓበራ ኣብ ንንሕድሕዱ ብፍቕርን ሰላምን ዝነብር ጭዋ ህዝቢ ኢዩ ኢለ እኣምን፤እንኮስ እዚ እኩይ ስርዓት ጥራሕ ይትኣለ እምበር ክርስትያኑ ኣስላማዩ ብሓባር ብሰላም ከምዝነብር ጥርጥር የብለይን፡ ፡ ስለዚ እዚ ንስኻ ዘምጻእካዮ ሞገተ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ግምታዊ መርትዖ ኢዩ ወይ ከኣ ኣነ ዘይፈልጦ ክተመሓላልፎ ዝደለኻ መልእኽቲ ክህሉ ይኽእል ይኸውን፡ ፤ኣብ ሓድነት ህዝብና ዝኣምን ዜጋ ስለዝኾንኩ ንምፍልላይ ቦታ ኣይህቦን ኢየ ግን ህዝብታት ምስ ዝብደሉ ግን ኣየናይ ወገን ወይ ኣውራጃ ብዘየገድስ ንመሰሎም ክቃለሱ ከምዘለዎም ኣእምን፡ ፤ወደሓንካ!!!

    ሰላምን ጥዕናን ይምነየልካ

    ኤርትራዊ ሓውካ

    • Kalighe September 17, 2013

      ” ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን ኣስላምን መሰረታዊ ዝኾነ ጽልእን ቅርሕንትን ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡ ፤ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያናይ ቅርሕንቱን ጽልኡን ስርዓት ህግደፍን መራሒኡን ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኢዮም፡ ፡ ኣነ ፍትሕ ኢዩ መፍጥሒኡ ዝበልኩ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ዝተፈጸመ ዘይቅዱስ መውስቦ ኢዩ፡”

      woldu tekle

      Thank you.

      Please keep up the good job, keep writing and expose the brute and his system.

    • Suleiman Salim September 18, 2013

      ወልዱ ተኽለ

      ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ጸገም የሎን ግን ኩሉ ፖለቲካዊ ዝመስል ተቃውሞ መሰረቱ ሃይማኖትን ኣውራጃን ኤትኒካዊ መቦቀልን ዝመበገሲኡ ጽልኢ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ክትሽፍን እንተ ደሊኻ ሓሳውን መታለልን ሰብ ጥራሕ ኢኻ ክትከውን ትኽአል።

  • woldu tekle September 16, 2013

    Dear Semhar
    First of all I want to thank you for your comments and encouragements. Although I don’t deserve all the good words you said about me, I will always fight until our beloved country win freedom and democracy. We all could do it if we are united and believe in ourselves. Keep fighting and don’t give up please. Again you are great and keep the good work. I hope You add me in your facebook too because I write poems and post them there.
    thank you
    woldu tekle

POST A COMMENT