Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናጽነትን ውሽጣዊ ለውጥን

ኣማኑኤል ሳህለ ብቱርኪ እዩ ጀሚሩ እቲ መግዛእቲ ኤርትራ። ጸኒሑ ናይ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእትታት ተኸታቲሉ መጺኡ። ርግጽዩ እቲ መግዛእቲ ንኹላ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና ሃገር ዚጥርንፍ ኣይነበረን። ገሊኡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ

ኣማኑኤል ሳህለ

ብቱርኪ እዩ ጀሚሩ እቲ መግዛእቲ ኤርትራ። ጸኒሑ ናይ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእትታት ተኸታቲሉ መጺኡ። ርግጽዩ እቲ መግዛእቲ ንኹላ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና ሃገር ዚጥርንፍ ኣይነበረን። ገሊኡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ ተሓጺሩ ተሪፉ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ከበሳ ደዪቡ ነይሩ። እቲ ጽልዋኡን ጽላሎቱን ግን ሓያልን ነዊሕን እዩ ነይሩ።

ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብጥንቲ ዘጥረኻዮ ወግዕን ክብርታትን ከም ዘይናትካ ትርእዮ፡ ንባህልኻን ንማሕበረሰብካን ለኪሙ ኪፈርስ ከሎ ድማ ትም ኢልካ ትርእይ። ነቲ ናትካ ክትንዕቆ ስለ ዝመሃሩኻ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሰፊኑ ይርከብ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ብስነኣእምሮኣዊ መገዲ ካብቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይተላቐቓን ኪብሃል ይከኣል። ብፍላይ እተን ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሕጂውን እንተ ኾነ፡ ኩሉ ዕዮ ገዝአን ፈረንሳ ክትገብረለን እየን ዚጽበያ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣሞ፡ እቲ ንፈረንጂ ’’ጎይታይ’’ ኢልካ ምጽዋዕ ክሳዕ ሕጂ ኣየቋረጸን።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘልዓልናየን ሃገራት ግሩም ዝኾነ ከተማታትን ትሕተቅርጽን ኣለወን። ናይ ኣእምሮአን ትሕተቅርጺ ግን ፍሩስ እዩ። ብደገ ደኣየን ናጻ ዚመስላ እምበር፡ ብውሽጠንሲ ገና ሞግዚነት ባዕዲ ሃሰው ዚብላ ዘለዋ እየን ዚመስላ።

ኣነ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መግዛእቲ ርእየ። ናይ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ፡ ናይ ደርጊ። ብመሰረት ባህርያቱ ሰለስቲኡ መግዛእቲ ዳርጋ ፈላሊኻ ኪረአ ዘለዎ ኩነት እዩ። ናይ ጥልያን መግዛእቲ እኳ እንተ ዘይረኣኹ፡ ነቲ ሓያል ጽልዋኡ ግን ኣርኪበሉ እየ። ብሩታ ራሳ ኪብሃል ከሎ እሰምዕ ነይረ። ክፉእ ዓሌት ማለት እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሃይለ ስላሰ ዝወርድ (1974) ናይ ጣልያን ብድዐ ይረአ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣስመራ ኣብቲ ቦውሊን ዚጽወተሉ ዝነበረ ናይ እንዳ ደናዳይ ክላብ፡ ሓበሻ ወይ ኤርትራውያን ኪኣትዉ ዳርጋ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ (1960ታት)። ኣብቲ ቺርኮሎ ኢታልያኖ ዚብሃል ዝነበረ መጻወቲ ጠላዕ ከኣሞ፡ ሓበሻ ረኣኹ ሸይጣን ረኣኹ ማለት እዩ ነይሩ (1960ታት)።

ኣምሓርኛ ብዘይምኽኣልና፡ ኢትዮጵያውያን ኣይኮንኩምን ንብሃል ኔርና። ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ማለተይ እየ። መጻሕፍቲ ነዲዱ፡ እቲ ቋንቋና ድማ ቋንቋ ጨራሩ ተባሂሉ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕድን ናይ ፊውዳልን ቅድታትን ብምሕዋስ ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ ኣሉታዊ ስምብራት ገዲፉ እዩ።

ኣብዘ እተጠቕሳ መግዛእትታት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኮሎንያል መንታሊቲ ኣብ ኤርትራውያን ነይሩ ድዩ? ብመጠኑስ ነይሩ እዩ። ግን ኣይትጋነነን። ግን ከኣ፡ ነቲ ድሒሩ ዝመጸ ባዕዳዊ ይኹን ዘቤታዊ መግዛእትታት መሰረት ንምዃን ኣይሓመቐን።

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ እዩ ንነጻነቱ ተቓሊሱ። እቲ ፍረ ናጽነት ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት ኣብቲ ኣእምሮኡ ዓቢ ጽገና ኪገብር ከም ዝኾነ ብምትእምማን ድማ ብተስፋ ይጽበ ነይሩ። ግን ኣብቲ መሪሕነት ዘይነበረ ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብቲ ህዝቢ ምንም ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ድሩቕን ኣኽራርን ናይ ኻልእ ርእይቶን መደባትን መድረኽን ዘይቅበልን ኣመለኻኽታ ኣብቲ ህዝቢ ከም ዚሰፍን ደኣ ኮነ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ኣብዛ ሃገርና ንነዊሕ እተጓዕዘ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ክኢሉ ማለት እዩ።

ናጽነት ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ባዕላን ለውጢ ኣምጺኡዶ? እወ፡ ግን እቲ ለውጢ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ኣወንታዊ እዩ ኪብሃል ኣይከኣልን።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይፍለ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኮሎንያል መንታሊቲ ንኸይጠፍእ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። እዚ ኮሎንያል መንታሊቲዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ልኡምነትን ናይ ክቱር ተኣዛዝነትን ባህርያት ንኺሰርጽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ናብራ እንተ ረኣና እቲ ሶሻል ፋብሪክ ወይ ማሕበራዊ ኣውታር ተበታቲኹ እዩ። ኣብ ቝጠባ እንተ ሓለፍና፡ ሃገርና ምስተን ዝደኸያ ሃገራት ክትስራዕ ክኢላ ኣላ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተ ተዓዘብና፡ ካብተን ኣብ ዓለምና ደሞክራስያዊ ኣንፈት ዘይብለን ሃገራት፡ ኤርትራ ሓንቲ እያ። ልዕሊ ዕስራ ዓመት ንኸንቱ። ብስደተኛታትን ጽግዕተኛታትን ብዝሒ፡ ኤርትራ ድሕሪ ሶርያ ተሰሪዓ ኣላ። እሞ ድሕሪ ናጽነት ከኣ። ናይ ህዝብና ተጻዋርነት ተወዳዳሪ ይስእን ኣሎ።

ኣብ ኣተሓሳስባ እንተ ረኣና፡ እታ ሃገር ናብ ዓቢ መዓስከር ስለ እተለወጠት እቶም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኪምሃሩን ኪዕምብቡን ዚግባኦም ዝነበረ መንእሰያትና፡ እቲ ከፍርዩሉን ከልምዑሉን ዚግባኦም ዝነበረ ግዜ ኣብ ውግእን ልምምድ ውግእን ኣብ ከርተትን ስደትን ስቓይን መከራን ኣሕሊፎምዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣነጺሩ ኪሓስብ ኣይክእልን። ኣብ ሰንኮፍ ኩነታት ስለ ዚርከብ፡ እቲ ዝመጾ ሓሳባት ሃናጺ ኪኸውን ኣይክእልን።

ብጓህን ጽልእን ጥርጠራን ዝመልአ ኣእምሮ፡ ብስቓይን መከራን ዝላደየ ህይወት፡ ኣርሒቑ ንምሕሳብ፡ ኣዚሩ ንምርኣይ፡ ንምጽዋር፡ ንምስማዕ፡ ንምምካር ወዘተ..ግዜን ሓይልን የብሉን። ነዚ ኹሉ፡ ናይ ተስፋ ምቝራጽ መንፈስ ምስ ተሓወሶ፡ እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣብቲ ንግዜኡ ውሕስነትን ከንቱ ዕግበትን ዚህቦ ነገራት ጥራይ እዩ ዘድህብ። ስደትን፡ ኣብኡ ኴንካ ድማ ነቲ ኣብ ሃገራካ ከሎኻ ብተደጋጋሚ እትሰንቆ ዝነበርካ ናይ ጽልእን ፍልልይን ምህሮታት ምንጽብራቕ፡ ናብቲ ንኣእምሮኻ ተዛማዲ ዕረፍቲ ዝህቦ እምነታትን ኣተሓሳስባን ምጕያይ፡ ሕልማዊት ዓለም ንምፍጣር ምዕልባጥ ወዘተ…

ካብቲ ክፉእ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዝምህሩኻ ዚብል ብሂል ንኩነታት መንእሰያትና ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ፡ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሃገር ዕንወት፡ እቲ ፈጺሙዎ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ዕንወት ዝለዓለ ምዃኑ ኪፍለጥ ይግባእ።

ምስዚ ኩሉ ግን እቲ ልኡማዊ ናይ ኮሎንያል መንታሊቲ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ምስ መግዛእቲ ተሳኒዩ ይነብር ኣሎ። ማይ፡ ሉቸ.. መጺኣ ኢልካ እትሕጎሰሉ ግዜ መጺኡ። ማይን ሉቸን ደኣ ግቡእካ እንድዩ? እንታይ ኪወቅጥ ድዩ እቲ መንግስቲ ኣብ ላዕሊ ተኾዲሙ ዘሎ? ድሕሪ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሉቸ ክትመጽእ ከላ፡ ድሕሪ ዓመታት ጻዕዳ ባኒ ኪዕደል ከሎ፡ እልል ኪብሃል ቅሩብ እዩ ዚተርፎ። እዚ ከኣ እቲ ህዝብና ክሳዕ ክንደይ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ወሪዱዎ ከም ዘሎ ይገልጸና።

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካልእ ሰብኣይ ብበትሪ ገይሩ ኣብ ርእሱ ይዘብጦ ነበረ። እቲ ዝህረም ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ጸጸኒሑ ’ኣሰይ…ኣሰይ’ ይብል። ሽዑ እቲ ሃራማይ ገሪሙዎ፡ ስለምንታይ ኢኻ እናሃረምኩኻ ከለኹስ ኣሰይ እትብል ብምባል ተወከሶ። ሽዑ እቲ ተሃራማይ፡ ኣሰይ ዝብለሉ ዘለኹ ነቲ ማህረምቲ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዘሎ ሓጺር ናይ ዘይማህረምቲ ህሞት እየ ብምባል መለሸ ይብሃል። ከምዚ ኪብል ከሎ ነቲ ናይ ምህራም ቃንዛ ኣብ ክንዲ ምዝካር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዝነበረ ቃንዛ ዘይብሉ ህሞት ብምዝካር ደስ ይብሎ ነይሩ ማለት እዩ።

ምናልባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ፈጺምና ኣይኣቶናን ንኸውን፡ ግን ናብኡ ገጽና ከይንዝምብል ክንጥንቀቕ ይግባኣና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • nebelbal7@gmail.com May 17, 2015

    ክቡር መምህር ኣማኒኤል፡- መጀመርያ ስለ’ቲ ውሕልሉል ገለጻካን ኣስተምህሮኻን ምስጋናይ ከብጽሕ ይፈቱ።
    ብምቅጻል ናይ ሎሚ ጽሕፍካ ካብ’ቲ ዝሓለፋ ጽሑፋት ሓለፋ እሎዋ። ማለት እንተወሓደ ንዓይ። ተምሳጠይ ከኣ ኣብ ሕምብርቲ ጽሑፍካ ዝተሰርዓ ኣርባዕተ ምልኣተ ሓሳባት ዘተኾረ እዩ፡-
    “ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ እዩ ንነጻነቱ ተቓሊሱ። እቲ ፍረ ናጽነት ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት ኣብቲ ኣእምሮኡ ዓቢ ጽገና ኪገብር ከም ዝኾነ ብምትእምማን ድማ ብተስፋ ይጽበ ነይሩ። ግን ኣብቲ መሪሕነት ዘይነበረ ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብቲ ህዝቢ ምንም ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ድሩቕን ኣኽራርን ናይ ኻልእ ርእይቶን መደባትን መድረኽን ዘይቅበልን ኣመለኻኽታ ኣብቲ ህዝቢ ከም ዚሰፍን ደኣ ኮነ” ።

    ኣነ እዚ ኣባሃህላ’ዚ ናይ ብሓቒ ሱር መሰረት ናይ’ዚ ሕጂ ኤረትራ ዘላቶ ኹነታት እዩ ኢለ ይኣምን። ከመይሲ ኣብቲ ግዜ ቃልሲ ናይ ምምሕዳር ካድራት(ኣስተምሃርቲ) ተባሂሎም ዝተመዘዙ ተቃለስቲ፣ ፈለጥና ተባሂሉ ክንደይ ናይ ዕድመ ጸጋ ዝነበሮም ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓድን (ኣቕሽትን ዓለምን)ኣኪቦም ንሕና ዝበልናኩም ጥራሕ ስምዑ፣ እሺ ልመዱ፣ ብምባል ቅርቅርቶም ከምዝደፍኡ ተግይሩ እዩ። ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ንዘቅረበ ከኣ፡ “ኮፍ በል ኣታ ሰብኣይ” ፣ “ኮፍ በሊ ኣቲ ሰበይቲ”.. እናበሉ ምስ ኣናሽውዎም ወዘተ መሬት ቀስቂሶም ጥራሕ ክከዱ ናትና ኢሎም ሒዞሞ ኔሮም።
    ወዲ ሰብ ርእሱ ስለ ዘድነነ ይሰምዓኒ’ሎ ኢልካ ክትትኣማመን ኣይትክእልን ኢካ። ከመይሲ ብልቡ ይረግመካ’ውን ክህሉ ይክእል እዩ። ስለዚ እቲ መርገምስ ሎሚ ኣይተጀመረን። እዃ ደኣ እቲ ኣፈ- ልጓም ነዊሕ ግዜ ዘቝጸረ እዩ። ኣቦይ ዓቢ፡ ኣደይ ዓባይ፣ ኣቦ ቐሺ፡ ኣቦይ ሸክና ከም ድሕረት ተቖጺሩ ኣታን/ኣትን ተኪኡ ዝኣተወ ሓይሊ ሰናይ ኣይትጽበየሉን ኢካ። እንተኮነስ እቲ ሕማቅ ኣቀዲሙ ዝተረኣዮ’ውን ኣቱም ዓዲ >> ግናይ ይኣትወኹም ኣሎ እንተተባህለ ሰሚዑ ዘስተባህል ውሑድ ብምንባሩ’ዩ ኣብዚ ተበጺሑ ዝብል ግምት የሕድር።
    ሰሰናዩ..

  • Stefanos Temolso May 18, 2015

    መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ፡ ተቓወምቲ ይኹኑ ደገፍቲ ህግደፍ ክምሃሩሉ ዝግብኦም ዝነኣድ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ። ብፍላይ ሰዓብቲ ወይ ደገፍቲ ኢሰያስ ከምኡውን ተጋደልቲ ብምስትብሃል ከንብቡዎን ንትሕዝቶኡ ተረዲኦም ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽኡ ክጽዕሩ ይግብኦም። ሃገር ክብሃል ከሎ መንግስቲ ማለት ኣይኮነን። ንመምህር ኣማኒኤል ስለቲ ብርይህን ቀሊል ኣቀራርባን ተጠቒሙ፡ ስምዒት ከይሓወሰ ንሰባት ከረድእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ወትሩ ከመስግኖ እፈቱ። ጽኑዕ የርግጽካ፡ ዕድመኻ የንውሓዮ።

  • Wedifre May 18, 2015

    Dear Amanuel,
    Thank you for your simple but very strong style of expression which is easily digestible to any reader.
    We cannot expect freedom from a group who has not practiced freedom all their revolutionary life.

    Please keep it up.

  • Ogbai Ghebremedhin May 18, 2015

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል ሳህለ፡-
    ብመጀመርያ ናይ መተዓብይቲ ሰላምታይ ይብጻሕካ። ጽሑፋትካ ወትሩ ከም ዝከታተሎ፡ ብትሕዝቶኡን ልኡም ትግርኛኡን እዋናውን መሃርን ብምዃኑ ናይ ልበይ ተዛሪቡለይ ዘብል ኢዩ። እወ! ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽና ሎሚ ብኹሉ መኣዝን ህይወት ኣብቲ ዝኸፍአ ጸልማት ንርከብ ኣለና? ስለምንታይ`ዩ ኢልና ሱር ጠንቁ ምርዳእን ነባሪ ፍታሕ ምርካብን ከኣ ናትና ሓላፍነት`ዩ። ግን ከምቲ ዝበልካዮ ስለምንታይ ኢልካ ንምሕታት ክንክእል `ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ` የድልየና ኣሎ።
    ሓድጊ ናይ ተኻታታሊ መግዛእትታት ናይ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና“ ናይ ግዙእነት/ምእዙዝነት ኣተሓሳስባ ዓሚቕ ስምብራት ኣለና።ከምቲ ዝበልካዮ ብፍላይ ናይ ጣልያን ብደዐ ኣብቲ ብብዝሒ ዝነበሩሉ ዝዓበናሉ ኣካባቢ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ገዲፉልና ኢዩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ/ኦፊችዮ ላቮሮ ሓደ ወዳባት ሰራሕተኛ ንሓደ ወሃብ ስራሕ ጣልያን ከሲሱ ምስ ዝቐርብ እቲ መሃይም ጣልያን ኣብ መምበር ኮፍ ኢሉ እቲ ከሳሲ ወዳባት ከኣ ደው ኢሉ ኢዩ ጥርዓኑ ዘቕርብ። እቲ ፍርዲ ንረብሓ መን ከም ዝኸውን ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።
    ካብዚ ዝተጠልመ ናጽነት ንነጀው ኣተሓሳስባና ኪረአ ኸሎ እቲ ዝተቓለስናሉ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ/ጭቆና ጥራይ እምበር ኣንጻር ግዳማውን ውሽጣውን ጭቆና ከም ዝነበረ ዝተረስዐ ይመስል። “ወዲ ላምካ ኣይውጋእኳ“ እኳ ዝበሃል። እዚ ኹሉ ናይ ኣተሓሳስባ ሽግር ምዃኑ ኪበርህ ይግባእ። ኢሳያስ ውልቀመላኺ ኪኸውን ባይታ ዘጣጥሑሉ መጀመርያ እቶም ምስኡ ዝነበሩ መሪሕነት ስልጣኖም ብምሉኡ ንዕኡ ኣረኪቦም ዝበሎም ይገብሩ ብምንባሮም ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ እቲ ኹሉ ብደዐን ግህሰትን ኪገብር ኪሎ ትም ምባሎም ንህዝቢ ጸሊዩዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣልዒልካዮ ዘለኻ ናይ ኣተሓሳስባ ሽግር ዘምጽኦ ምዃኑ የነጽሮ። እቲ ባህሪያዊ መስርሕ ሓሳብ ንቓል ይወልድ፣ ቃል ኸኣ ናብ ግብሪ ይትርጐም። ኣተሓሳስባ እንተ ዘይጠዓየ እምበኣር ቃልን ግብርን ኪጥዒ ኣይኽእልን ኢዩ። ንምልኪ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ካብ ባህሪ ስለ ዝተዓደሎ ፍሉይ መለኮታዊ ሓይሊ ሃሊዩዎ ኣይኮነን፤ ናይ ኣተሓሳስባና ድኽመት ነቲ እከይ ሕልሙ ጥጡሕ ባይታ ስለ ዝፈጠረሉ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ፡ ካብዚ ዘለናዮ ዓዘቕቲ ጸልማት ክንወጽእ ምእንቲ ካብቲ ኣርሒቕናን ኣስፊሕናን ከይንጥምት ዓፊኑና ዘሎ ኩልመት ጸቢብ ኣተሓሳስባ ንነፍስና ሓራ ከነውጽእ ይግብኣና። —ካብ ሓውኻ ዑቕባይ ገብረመድህን(ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

  • asmara May 18, 2015

    Dear Amanuel, i absolutely agree with you. Our mind has been colonized for many years. I would love to hear from you about ways to De-colonize the already colonized mind.

  • Guram May 18, 2015

    “ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ።”

    እቲ ኳ፤ ኣይ “ህዝባዊ ግምባረይ፤ እሳተ ጎመራ” እንዳበሉ እንዲዮም ብደርፊ ዘጽምሙና ዘለዉ። ንሓደ ጨቛኒ ውድብ ከም ናይ ተፈጥሮ ውጽኢት ጌርካ ምቕራብ። ሃይለስላሴ ካብኡ ሓሊፉ ‘ዶ እንታይ ኢሉዩ? ዘይ ንነብሱ “ስዩመ እዝጋብሔር” ‘ዩ ዝበላ። ሕጂ ድማ ያኢ ብመባእስቶም ጌርና ሓይሎም ክንመዝን ‘ንዲዩ ቲ ሓሳባቶም፤ ጽላኢና CIA ‘ዩ ይብሉና ኣለዉ

  • Yohannes May 18, 2015

    Dear Amanuel:

    Good, articulate and reflective article. Please continue educating. This is the best contribution to the Eritrean people towards the efforts to pull itself out of the quagmire.

    Yohannes,

  • A. Akal May 18, 2015

    Dear Ayaan Amanuel Sahle,
    A very good article. Keep up the good job. However, I would like to ask you a question if you ddon’t mind. Did we have arab colonization for you mentioned in your article as ” megzaeti arab”. Thanks.

  • መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ጋዜጠይና ኣማኑኢል ኢያሱ ተመስገኑ ትምህሩናን ተረድኡናን ኣለኹም የቐንየልና።

    መምህር ኣማኑኤል ጽሑፋትካ ይጠቕመና ኣሎ በጃኻ ቀጽል ቀጽል

  • Ahberet H. May 19, 2015

    Hi Amanuel,

    I truly enjoy your articles and thanks for all your effort.
    You brought back memories of growing up in Asmara. My neighbor was Italian and I used to play with her at times and she used to call me “Bruta Neira/Nero”, but I always give it back to her by calling her “Ciciliano”. This is to say that an Eritrean will find a way to retaliate back and taking the risk of consequences.

    I was also a member of EFLNA in the 70’s and the same attitude was being manifested
    by the leading hoodlomes of the DC area. If someone has a divergent view, he/she gets ostrasized and even expelled from the cultish organization.

    Thanks again.

    Ahberet.

    • rezen May 19, 2015

      I am writing this little note out of excitement >>> NOT a good trait.Anyway, here it is
      First: The name Ahberet! What a wonderful meaningful name!

      Second: “If someone has a divergent view, he/she gets ostrasized and even expelled from the cultish organization.”

      Oh! Good Lord! Don’t we have it NOW — among ourselves???!!! Don’t we ever learn???!!! I could go on, and on, and ……..

      Suggestion to Amanuel Sahle: Would you consider writing about TRAGEDY (in Tigrigna, of course)from classical perspective? I like this phrase which I heard from somewhere: እንታይ’ሞ ክገብር፥ ፍጥረተይ ኮይኑ። Ahhh…….

Post a Reply to Halafi mengedi Cancel Reply