Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናጽነትን ውሽጣዊ ለውጥን

ኣማኑኤል ሳህለ ብቱርኪ እዩ ጀሚሩ እቲ መግዛእቲ ኤርትራ። ጸኒሑ ናይ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእትታት ተኸታቲሉ መጺኡ። ርግጽዩ እቲ መግዛእቲ ንኹላ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና ሃገር ዚጥርንፍ ኣይነበረን። ገሊኡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ

ኣማኑኤል ሳህለ

ብቱርኪ እዩ ጀሚሩ እቲ መግዛእቲ ኤርትራ። ጸኒሑ ናይ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእትታት ተኸታቲሉ መጺኡ። ርግጽዩ እቲ መግዛእቲ ንኹላ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና ሃገር ዚጥርንፍ ኣይነበረን። ገሊኡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ ተሓጺሩ ተሪፉ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ከበሳ ደዪቡ ነይሩ። እቲ ጽልዋኡን ጽላሎቱን ግን ሓያልን ነዊሕን እዩ ነይሩ።

ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብጥንቲ ዘጥረኻዮ ወግዕን ክብርታትን ከም ዘይናትካ ትርእዮ፡ ንባህልኻን ንማሕበረሰብካን ለኪሙ ኪፈርስ ከሎ ድማ ትም ኢልካ ትርእይ። ነቲ ናትካ ክትንዕቆ ስለ ዝመሃሩኻ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሰፊኑ ይርከብ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ብስነኣእምሮኣዊ መገዲ ካብቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይተላቐቓን ኪብሃል ይከኣል። ብፍላይ እተን ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሕጂውን እንተ ኾነ፡ ኩሉ ዕዮ ገዝአን ፈረንሳ ክትገብረለን እየን ዚጽበያ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣሞ፡ እቲ ንፈረንጂ ’’ጎይታይ’’ ኢልካ ምጽዋዕ ክሳዕ ሕጂ ኣየቋረጸን።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘልዓልናየን ሃገራት ግሩም ዝኾነ ከተማታትን ትሕተቅርጽን ኣለወን። ናይ ኣእምሮአን ትሕተቅርጺ ግን ፍሩስ እዩ። ብደገ ደኣየን ናጻ ዚመስላ እምበር፡ ብውሽጠንሲ ገና ሞግዚነት ባዕዲ ሃሰው ዚብላ ዘለዋ እየን ዚመስላ።

ኣነ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መግዛእቲ ርእየ። ናይ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ፡ ናይ ደርጊ። ብመሰረት ባህርያቱ ሰለስቲኡ መግዛእቲ ዳርጋ ፈላሊኻ ኪረአ ዘለዎ ኩነት እዩ። ናይ ጥልያን መግዛእቲ እኳ እንተ ዘይረኣኹ፡ ነቲ ሓያል ጽልዋኡ ግን ኣርኪበሉ እየ። ብሩታ ራሳ ኪብሃል ከሎ እሰምዕ ነይረ። ክፉእ ዓሌት ማለት እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሃይለ ስላሰ ዝወርድ (1974) ናይ ጣልያን ብድዐ ይረአ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣስመራ ኣብቲ ቦውሊን ዚጽወተሉ ዝነበረ ናይ እንዳ ደናዳይ ክላብ፡ ሓበሻ ወይ ኤርትራውያን ኪኣትዉ ዳርጋ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ (1960ታት)። ኣብቲ ቺርኮሎ ኢታልያኖ ዚብሃል ዝነበረ መጻወቲ ጠላዕ ከኣሞ፡ ሓበሻ ረኣኹ ሸይጣን ረኣኹ ማለት እዩ ነይሩ (1960ታት)።

ኣምሓርኛ ብዘይምኽኣልና፡ ኢትዮጵያውያን ኣይኮንኩምን ንብሃል ኔርና። ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ማለተይ እየ። መጻሕፍቲ ነዲዱ፡ እቲ ቋንቋና ድማ ቋንቋ ጨራሩ ተባሂሉ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕድን ናይ ፊውዳልን ቅድታትን ብምሕዋስ ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ ኣሉታዊ ስምብራት ገዲፉ እዩ።

ኣብዘ እተጠቕሳ መግዛእትታት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኮሎንያል መንታሊቲ ኣብ ኤርትራውያን ነይሩ ድዩ? ብመጠኑስ ነይሩ እዩ። ግን ኣይትጋነነን። ግን ከኣ፡ ነቲ ድሒሩ ዝመጸ ባዕዳዊ ይኹን ዘቤታዊ መግዛእትታት መሰረት ንምዃን ኣይሓመቐን።

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ እዩ ንነጻነቱ ተቓሊሱ። እቲ ፍረ ናጽነት ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት ኣብቲ ኣእምሮኡ ዓቢ ጽገና ኪገብር ከም ዝኾነ ብምትእምማን ድማ ብተስፋ ይጽበ ነይሩ። ግን ኣብቲ መሪሕነት ዘይነበረ ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብቲ ህዝቢ ምንም ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ድሩቕን ኣኽራርን ናይ ኻልእ ርእይቶን መደባትን መድረኽን ዘይቅበልን ኣመለኻኽታ ኣብቲ ህዝቢ ከም ዚሰፍን ደኣ ኮነ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ኣብዛ ሃገርና ንነዊሕ እተጓዕዘ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ክኢሉ ማለት እዩ።

ናጽነት ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ባዕላን ለውጢ ኣምጺኡዶ? እወ፡ ግን እቲ ለውጢ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ኣወንታዊ እዩ ኪብሃል ኣይከኣልን።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይፍለ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኮሎንያል መንታሊቲ ንኸይጠፍእ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። እዚ ኮሎንያል መንታሊቲዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ልኡምነትን ናይ ክቱር ተኣዛዝነትን ባህርያት ንኺሰርጽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ናብራ እንተ ረኣና እቲ ሶሻል ፋብሪክ ወይ ማሕበራዊ ኣውታር ተበታቲኹ እዩ። ኣብ ቝጠባ እንተ ሓለፍና፡ ሃገርና ምስተን ዝደኸያ ሃገራት ክትስራዕ ክኢላ ኣላ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተ ተዓዘብና፡ ካብተን ኣብ ዓለምና ደሞክራስያዊ ኣንፈት ዘይብለን ሃገራት፡ ኤርትራ ሓንቲ እያ። ልዕሊ ዕስራ ዓመት ንኸንቱ። ብስደተኛታትን ጽግዕተኛታትን ብዝሒ፡ ኤርትራ ድሕሪ ሶርያ ተሰሪዓ ኣላ። እሞ ድሕሪ ናጽነት ከኣ። ናይ ህዝብና ተጻዋርነት ተወዳዳሪ ይስእን ኣሎ።

ኣብ ኣተሓሳስባ እንተ ረኣና፡ እታ ሃገር ናብ ዓቢ መዓስከር ስለ እተለወጠት እቶም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኪምሃሩን ኪዕምብቡን ዚግባኦም ዝነበረ መንእሰያትና፡ እቲ ከፍርዩሉን ከልምዑሉን ዚግባኦም ዝነበረ ግዜ ኣብ ውግእን ልምምድ ውግእን ኣብ ከርተትን ስደትን ስቓይን መከራን ኣሕሊፎምዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣነጺሩ ኪሓስብ ኣይክእልን። ኣብ ሰንኮፍ ኩነታት ስለ ዚርከብ፡ እቲ ዝመጾ ሓሳባት ሃናጺ ኪኸውን ኣይክእልን።

ብጓህን ጽልእን ጥርጠራን ዝመልአ ኣእምሮ፡ ብስቓይን መከራን ዝላደየ ህይወት፡ ኣርሒቑ ንምሕሳብ፡ ኣዚሩ ንምርኣይ፡ ንምጽዋር፡ ንምስማዕ፡ ንምምካር ወዘተ..ግዜን ሓይልን የብሉን። ነዚ ኹሉ፡ ናይ ተስፋ ምቝራጽ መንፈስ ምስ ተሓወሶ፡ እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣብቲ ንግዜኡ ውሕስነትን ከንቱ ዕግበትን ዚህቦ ነገራት ጥራይ እዩ ዘድህብ። ስደትን፡ ኣብኡ ኴንካ ድማ ነቲ ኣብ ሃገራካ ከሎኻ ብተደጋጋሚ እትሰንቆ ዝነበርካ ናይ ጽልእን ፍልልይን ምህሮታት ምንጽብራቕ፡ ናብቲ ንኣእምሮኻ ተዛማዲ ዕረፍቲ ዝህቦ እምነታትን ኣተሓሳስባን ምጕያይ፡ ሕልማዊት ዓለም ንምፍጣር ምዕልባጥ ወዘተ…

ካብቲ ክፉእ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዝምህሩኻ ዚብል ብሂል ንኩነታት መንእሰያትና ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ፡ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሃገር ዕንወት፡ እቲ ፈጺሙዎ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ዕንወት ዝለዓለ ምዃኑ ኪፍለጥ ይግባእ።

ምስዚ ኩሉ ግን እቲ ልኡማዊ ናይ ኮሎንያል መንታሊቲ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ምስ መግዛእቲ ተሳኒዩ ይነብር ኣሎ። ማይ፡ ሉቸ.. መጺኣ ኢልካ እትሕጎሰሉ ግዜ መጺኡ። ማይን ሉቸን ደኣ ግቡእካ እንድዩ? እንታይ ኪወቅጥ ድዩ እቲ መንግስቲ ኣብ ላዕሊ ተኾዲሙ ዘሎ? ድሕሪ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሉቸ ክትመጽእ ከላ፡ ድሕሪ ዓመታት ጻዕዳ ባኒ ኪዕደል ከሎ፡ እልል ኪብሃል ቅሩብ እዩ ዚተርፎ። እዚ ከኣ እቲ ህዝብና ክሳዕ ክንደይ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ወሪዱዎ ከም ዘሎ ይገልጸና።

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካልእ ሰብኣይ ብበትሪ ገይሩ ኣብ ርእሱ ይዘብጦ ነበረ። እቲ ዝህረም ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ጸጸኒሑ ’ኣሰይ…ኣሰይ’ ይብል። ሽዑ እቲ ሃራማይ ገሪሙዎ፡ ስለምንታይ ኢኻ እናሃረምኩኻ ከለኹስ ኣሰይ እትብል ብምባል ተወከሶ። ሽዑ እቲ ተሃራማይ፡ ኣሰይ ዝብለሉ ዘለኹ ነቲ ማህረምቲ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዘሎ ሓጺር ናይ ዘይማህረምቲ ህሞት እየ ብምባል መለሸ ይብሃል። ከምዚ ኪብል ከሎ ነቲ ናይ ምህራም ቃንዛ ኣብ ክንዲ ምዝካር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዝነበረ ቃንዛ ዘይብሉ ህሞት ብምዝካር ደስ ይብሎ ነይሩ ማለት እዩ።

ምናልባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ፈጺምና ኣይኣቶናን ንኸውን፡ ግን ናብኡ ገጽና ከይንዝምብል ክንጥንቀቕ ይግባኣና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Ahberet H. May 19, 2015

    I named myself “Ahberet” in order to bring unity among us all. I am not sure this is doable, however,it is certainly worth a try.

    My experience in EFLNA was to say the tyranny was not limited to Gedle or Meda. It was happening in the diaspora as well. We wasted our youth following their cultish attitudes… sorry for venting out on your watch.

    Ahberet

    • rezen May 19, 2015

      “sorry for venting out on your watch.”

      Ahberet,
      You have absolutely no need to be “sorry”. In my own way, perhaps clumsily, I was only trying to emphasise by lamenting that the 1970-era is still with us after forty years! That is all. I was in total agreement with your commentary. Cheers!

  • Halafi mengedi May 19, 2015

    This nails the thesis right on the head, thank you Memhir,

    “ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብጥንቲ ዘጥረኻዮ ወግዕን ክብርታትን ከም ዘይናትካ ትርእዮ፡ ንባህልኻን ንማሕበረሰብካን ለኪሙ ኪፈርስ ከሎ ድማ ትም ኢልካ ትርእይ። ነቲ ናትካ ክትንዕቆ ስለ ዝመሃሩኻ።”

  • Masawa May 20, 2015

    —————

    ካብ ፈይስቡክ እተረኽበት፥

    “ዝገርም እኮ’ዩ ሓደ ጊዜስ እታ ስርዓት ህግደፍ ብኽራይ ዘምጽኣን “ንግስቲ ንህቢ” ኢሉ ዝሰመያን ኢትዮጵያውያን ክኣ ከላግጹ “ኣንድ ለናትዋ” እናበሉ ዝጽውዕዋ ዝነበሩ ብስም መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክትበርር ዝጀመረት ግን ክኣ ገና “Egypt Airlines” ዝብል ኣሰር ጽሑፋ ኣብ ውሽጣ ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐንጠጠ ነፋሪት ፈላሚ ጉዕዞኣ ናብ ዓዲ ጣሊያን ገበርት’ሞ፡ እተን ንፈልጠን ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝርከባ ሰብ ቆለ ኣውሊያታት ህግደፍ፡ ባንዴራ ኤርትራ ዝእዲያቱ ልብስታተን ተኸዲነንን ኣምበልቢለንን ከበሮ እናደሰቓን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኢጣሊያ ተረኺበን ብዕልልታን ዳንኬራን ክህውጻ ዝተዓዘበ ጻዕዳ ኢጣሊያዊ፡ ኤርትራውያን ምዃነን ድሕሪ ምርግጋጽ ” እንታይ ተረኽበ፡ ፕረዚደንትኽን ዲኽን ትቕበላ ዘለኽን?” ክብል ንሓንቲ ካብተን ዝዘላ ዝነበራ ሓተተ’ሞ ተሓታቲት ” ኣይፋልናን ናይ ዓድና ነፋሪት ኢያ መጺእ ንቕበላ ዘለና” ኢላ ትምልሰሉ። ወዮ ጻዕዳ ብምግራም “ኣየ! ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ተገርሙ ህዝቢ ኢኹም። ኣብ ሂወተይ ንመጀመርታ ጊዜይ ኣብ ዓለም ነፋሪትና መጺኣ ክንቅበላ ዝብሉ ህዝቢ ንዓኹም እርኢ ኣለኹ” ክብል መሊሱ።”

  • tabbachi May 23, 2015

    U r great as always and ever. Ur articles are simple but with strong current needed messages, educative and refreshing:
    I would like to see you have a web sight,( amanuelsahle .com) 4 example…in which we can read all ur articles wrote in hadas Eritra, and more . Yes and sure you can make money , presenting them in a written form, if u r eager to do so and I am sure many would like to own the book, coz the way u express things is peculiar
    coz u wrote volumes, I am one of many , I suppose,who wants to own ur articles in a written book form or in a digital form.
    Grazie infinite Carro!
    My father knows u, that is why tabbachi..haha

POST A COMMENT