Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናጽነትን ውሽጣዊ ለውጥን

ኣማኑኤል ሳህለ ብቱርኪ እዩ ጀሚሩ እቲ መግዛእቲ ኤርትራ። ጸኒሑ ናይ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእትታት ተኸታቲሉ መጺኡ። ርግጽዩ እቲ መግዛእቲ ንኹላ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና ሃገር ዚጥርንፍ ኣይነበረን። ገሊኡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ

ኣማኑኤል ሳህለ

ብቱርኪ እዩ ጀሚሩ እቲ መግዛእቲ ኤርትራ። ጸኒሑ ናይ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእትታት ተኸታቲሉ መጺኡ። ርግጽዩ እቲ መግዛእቲ ንኹላ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና ሃገር ዚጥርንፍ ኣይነበረን። ገሊኡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ ተሓጺሩ ተሪፉ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ከበሳ ደዪቡ ነይሩ። እቲ ጽልዋኡን ጽላሎቱን ግን ሓያልን ነዊሕን እዩ ነይሩ።

ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብጥንቲ ዘጥረኻዮ ወግዕን ክብርታትን ከም ዘይናትካ ትርእዮ፡ ንባህልኻን ንማሕበረሰብካን ለኪሙ ኪፈርስ ከሎ ድማ ትም ኢልካ ትርእይ። ነቲ ናትካ ክትንዕቆ ስለ ዝመሃሩኻ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሰፊኑ ይርከብ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ብስነኣእምሮኣዊ መገዲ ካብቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይተላቐቓን ኪብሃል ይከኣል። ብፍላይ እተን ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሕጂውን እንተ ኾነ፡ ኩሉ ዕዮ ገዝአን ፈረንሳ ክትገብረለን እየን ዚጽበያ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣሞ፡ እቲ ንፈረንጂ ’’ጎይታይ’’ ኢልካ ምጽዋዕ ክሳዕ ሕጂ ኣየቋረጸን።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘልዓልናየን ሃገራት ግሩም ዝኾነ ከተማታትን ትሕተቅርጽን ኣለወን። ናይ ኣእምሮአን ትሕተቅርጺ ግን ፍሩስ እዩ። ብደገ ደኣየን ናጻ ዚመስላ እምበር፡ ብውሽጠንሲ ገና ሞግዚነት ባዕዲ ሃሰው ዚብላ ዘለዋ እየን ዚመስላ።

ኣነ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መግዛእቲ ርእየ። ናይ እንግሊዝ፡ ናይ ኢትዮጵያ፡ ናይ ደርጊ። ብመሰረት ባህርያቱ ሰለስቲኡ መግዛእቲ ዳርጋ ፈላሊኻ ኪረአ ዘለዎ ኩነት እዩ። ናይ ጥልያን መግዛእቲ እኳ እንተ ዘይረኣኹ፡ ነቲ ሓያል ጽልዋኡ ግን ኣርኪበሉ እየ። ብሩታ ራሳ ኪብሃል ከሎ እሰምዕ ነይረ። ክፉእ ዓሌት ማለት እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሃይለ ስላሰ ዝወርድ (1974) ናይ ጣልያን ብድዐ ይረአ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣስመራ ኣብቲ ቦውሊን ዚጽወተሉ ዝነበረ ናይ እንዳ ደናዳይ ክላብ፡ ሓበሻ ወይ ኤርትራውያን ኪኣትዉ ዳርጋ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ (1960ታት)። ኣብቲ ቺርኮሎ ኢታልያኖ ዚብሃል ዝነበረ መጻወቲ ጠላዕ ከኣሞ፡ ሓበሻ ረኣኹ ሸይጣን ረኣኹ ማለት እዩ ነይሩ (1960ታት)።

ኣምሓርኛ ብዘይምኽኣልና፡ ኢትዮጵያውያን ኣይኮንኩምን ንብሃል ኔርና። ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ማለተይ እየ። መጻሕፍቲ ነዲዱ፡ እቲ ቋንቋና ድማ ቋንቋ ጨራሩ ተባሂሉ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕድን ናይ ፊውዳልን ቅድታትን ብምሕዋስ ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ ኣሉታዊ ስምብራት ገዲፉ እዩ።

ኣብዘ እተጠቕሳ መግዛእትታት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኮሎንያል መንታሊቲ ኣብ ኤርትራውያን ነይሩ ድዩ? ብመጠኑስ ነይሩ እዩ። ግን ኣይትጋነነን። ግን ከኣ፡ ነቲ ድሒሩ ዝመጸ ባዕዳዊ ይኹን ዘቤታዊ መግዛእትታት መሰረት ንምዃን ኣይሓመቐን።

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ እዩ ንነጻነቱ ተቓሊሱ። እቲ ፍረ ናጽነት ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት ኣብቲ ኣእምሮኡ ዓቢ ጽገና ኪገብር ከም ዝኾነ ብምትእምማን ድማ ብተስፋ ይጽበ ነይሩ። ግን ኣብቲ መሪሕነት ዘይነበረ ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብቲ ህዝቢ ምንም ሃናጺ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ድሩቕን ኣኽራርን ናይ ኻልእ ርእይቶን መደባትን መድረኽን ዘይቅበልን ኣመለኻኽታ ኣብቲ ህዝቢ ከም ዚሰፍን ደኣ ኮነ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ኣብዛ ሃገርና ንነዊሕ እተጓዕዘ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ክኢሉ ማለት እዩ።

ናጽነት ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ባዕላን ለውጢ ኣምጺኡዶ? እወ፡ ግን እቲ ለውጢ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ኣወንታዊ እዩ ኪብሃል ኣይከኣልን።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይፍለ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኮሎንያል መንታሊቲ ንኸይጠፍእ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። እዚ ኮሎንያል መንታሊቲዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ልኡምነትን ናይ ክቱር ተኣዛዝነትን ባህርያት ንኺሰርጽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ናብራ እንተ ረኣና እቲ ሶሻል ፋብሪክ ወይ ማሕበራዊ ኣውታር ተበታቲኹ እዩ። ኣብ ቝጠባ እንተ ሓለፍና፡ ሃገርና ምስተን ዝደኸያ ሃገራት ክትስራዕ ክኢላ ኣላ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተ ተዓዘብና፡ ካብተን ኣብ ዓለምና ደሞክራስያዊ ኣንፈት ዘይብለን ሃገራት፡ ኤርትራ ሓንቲ እያ። ልዕሊ ዕስራ ዓመት ንኸንቱ። ብስደተኛታትን ጽግዕተኛታትን ብዝሒ፡ ኤርትራ ድሕሪ ሶርያ ተሰሪዓ ኣላ። እሞ ድሕሪ ናጽነት ከኣ። ናይ ህዝብና ተጻዋርነት ተወዳዳሪ ይስእን ኣሎ።

ኣብ ኣተሓሳስባ እንተ ረኣና፡ እታ ሃገር ናብ ዓቢ መዓስከር ስለ እተለወጠት እቶም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኪምሃሩን ኪዕምብቡን ዚግባኦም ዝነበረ መንእሰያትና፡ እቲ ከፍርዩሉን ከልምዑሉን ዚግባኦም ዝነበረ ግዜ ኣብ ውግእን ልምምድ ውግእን ኣብ ከርተትን ስደትን ስቓይን መከራን ኣሕሊፎምዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣነጺሩ ኪሓስብ ኣይክእልን። ኣብ ሰንኮፍ ኩነታት ስለ ዚርከብ፡ እቲ ዝመጾ ሓሳባት ሃናጺ ኪኸውን ኣይክእልን።

ብጓህን ጽልእን ጥርጠራን ዝመልአ ኣእምሮ፡ ብስቓይን መከራን ዝላደየ ህይወት፡ ኣርሒቑ ንምሕሳብ፡ ኣዚሩ ንምርኣይ፡ ንምጽዋር፡ ንምስማዕ፡ ንምምካር ወዘተ..ግዜን ሓይልን የብሉን። ነዚ ኹሉ፡ ናይ ተስፋ ምቝራጽ መንፈስ ምስ ተሓወሶ፡ እቲ ኣእምሮ ሰብ ኣብቲ ንግዜኡ ውሕስነትን ከንቱ ዕግበትን ዚህቦ ነገራት ጥራይ እዩ ዘድህብ። ስደትን፡ ኣብኡ ኴንካ ድማ ነቲ ኣብ ሃገራካ ከሎኻ ብተደጋጋሚ እትሰንቆ ዝነበርካ ናይ ጽልእን ፍልልይን ምህሮታት ምንጽብራቕ፡ ናብቲ ንኣእምሮኻ ተዛማዲ ዕረፍቲ ዝህቦ እምነታትን ኣተሓሳስባን ምጕያይ፡ ሕልማዊት ዓለም ንምፍጣር ምዕልባጥ ወዘተ…

ካብቲ ክፉእ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዝምህሩኻ ዚብል ብሂል ንኩነታት መንእሰያትና ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ፡ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሃገር ዕንወት፡ እቲ ፈጺሙዎ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ዕንወት ዝለዓለ ምዃኑ ኪፍለጥ ይግባእ።

ምስዚ ኩሉ ግን እቲ ልኡማዊ ናይ ኮሎንያል መንታሊቲ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ምስ መግዛእቲ ተሳኒዩ ይነብር ኣሎ። ማይ፡ ሉቸ.. መጺኣ ኢልካ እትሕጎሰሉ ግዜ መጺኡ። ማይን ሉቸን ደኣ ግቡእካ እንድዩ? እንታይ ኪወቅጥ ድዩ እቲ መንግስቲ ኣብ ላዕሊ ተኾዲሙ ዘሎ? ድሕሪ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሉቸ ክትመጽእ ከላ፡ ድሕሪ ዓመታት ጻዕዳ ባኒ ኪዕደል ከሎ፡ እልል ኪብሃል ቅሩብ እዩ ዚተርፎ። እዚ ከኣ እቲ ህዝብና ክሳዕ ክንደይ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ወሪዱዎ ከም ዘሎ ይገልጸና።

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካልእ ሰብኣይ ብበትሪ ገይሩ ኣብ ርእሱ ይዘብጦ ነበረ። እቲ ዝህረም ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ጸጸኒሑ ’ኣሰይ…ኣሰይ’ ይብል። ሽዑ እቲ ሃራማይ ገሪሙዎ፡ ስለምንታይ ኢኻ እናሃረምኩኻ ከለኹስ ኣሰይ እትብል ብምባል ተወከሶ። ሽዑ እቲ ተሃራማይ፡ ኣሰይ ዝብለሉ ዘለኹ ነቲ ማህረምቲ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዘሎ ሓጺር ናይ ዘይማህረምቲ ህሞት እየ ብምባል መለሸ ይብሃል። ከምዚ ኪብል ከሎ ነቲ ናይ ምህራም ቃንዛ ኣብ ክንዲ ምዝካር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዝነበረ ቃንዛ ዘይብሉ ህሞት ብምዝካር ደስ ይብሎ ነይሩ ማለት እዩ።

ምናልባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ፈጺምና ኣይኣቶናን ንኸውን፡ ግን ናብኡ ገጽና ከይንዝምብል ክንጥንቀቕ ይግባኣና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Bhdma hager badima May 17, 2015

    Fantastic article. Thank you memhr Amanuel, keep it up.
    As you have said we are in illusion and confusion. i really don’t know how we can undo the situation.

  • Salih May 17, 2015

    excellenet. Thank you memhr Amanuel Sahle

  • Mesinas May 17, 2015

    ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካልእ ሰብኣይ ብበትሪ ገይሩ ኣብ ርእሱ ይዘብጦ ነበረ። እቲ ዝህረም ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ጸጸኒሑ ’ኣሰይ…ኣሰይ’ ይብል። ሽዑ እቲ ሃራማይ ገሪሙዎ፡ ስለምንታይ ኢኻ እናሃረምኩኻ ከለኹስ ኣሰይ እትብል ብምባል ተወከሶ። ሽዑ እቲ ተሃራማይ፡ ኣሰይ ዝብለሉ ዘለኹ ነቲ ማህረምቲ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዘሎ ሓጺር ናይ ዘይማህረምቲ ህሞት እየ ብምባል መለሸ ይብሃል። ከምዚ ኪብል ከሎ ነቲ ናይ ምህራም ቃንዛ ኣብ ክንዲ ምዝካር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዝነበረ ቃንዛ ዘይብሉ ህሞት ብምዝካር ደስ ይብሎ ነይሩ ማለት እዩ።” እዚ ተግባር’ዚስ ቀደም ሓሊፍናዮ ክቡር መምህር!

  • Mesinas May 17, 2015

    “እቲ ካብ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይፍለ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኮሎንያል መንታሊቲ ንኸይጠፍእ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። እዚ ኮሎንያል መንታሊቲዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ልኡምነትን ናይ ክቱር ተኣዛዝነትን ባህርያት ንኺሰርጽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

    ምስዚ ኩሉ ግን እቲ ልኡማዊ ናይ ኮሎንያል መንታሊቲ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ምስ መግዛእቲ ተሳኒዩ ይነብር ኣሎ። ማይ፡ ሉቸ.. መጺኣ ኢልካ እትሕጎሰሉ ግዜ መጺኡ። ማይን ሉቸን ደኣ ግቡእካ እንድዩ? እንታይ ኪወቅጥ ድዩ እቲ መንግስቲ ኣብ ላዕሊ ተኾዲሙ ዘሎ? ድሕሪ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሉቸ ክትመጽእ ከላ፡ ድሕሪ ዓመታት ጻዕዳ ባኒ ኪዕደል ከሎ፡ እልል ኪብሃል ቅሩብ እዩ ዚተርፎ። እዚ ከኣ እቲ ህዝብና ክሳዕ ክንደይ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ወሪዱዎ ከም ዘሎ ይገልጸና።

    ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካልእ ሰብኣይ ብበትሪ ገይሩ ኣብ ርእሱ ይዘብጦ ነበረ። እቲ ዝህረም ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ጸጸኒሑ ’ኣሰይ…ኣሰይ’ ይብል። ሽዑ እቲ ሃራማይ ገሪሙዎ፡ ስለምንታይ ኢኻ እናሃረምኩኻ ከለኹስ ኣሰይ እትብል ብምባል ተወከሶ። ሽዑ እቲ ተሃራማይ፡ ኣሰይ ዝብለሉ ዘለኹ ነቲ ማህረምቲ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዘሎ ሓጺር ናይ ዘይማህረምቲ ህሞት እየ ብምባል መለሸ ይብሃል። ከምዚ ኪብል ከሎ ነቲ ናይ ምህራም ቃንዛ ኣብ ክንዲ ምዝካር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማህረምቲ ዝነበረ ቃንዛ ዘይብሉ ህሞት ብምዝካር ደስ ይብሎ ነይሩ ማለት እዩ።

    ምናልባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ፈጺምና ኣይኣቶናን ንኸውን፡ ግን ናብኡ ገጽና ከይንዝምብል ክንጥንቀቕ ይግባኣና።” ቃል ክቡር መምህር ኣማኑኤል ሳህለ። ፋህማት ይመኽሩ ኣለዉ፣፤ እቲ ኣብሪም(ልቢ) ዘሎዎ ዜጋ ልቢ ይበል!

  • Teclay May 17, 2015

    መምህር አማኑአል

    መምህር thank you for contributing the articles and from today’s the last paragraph.Having said that, i am confused really confused,would you help me please ? It is my genuine concern.
    You were not my teacher but my friends’,so take my questions as if from your student.
    1,Colonialism ,,Is it something abstract or it has a materialistic nature ???Because i am confused i just went to Wikipedia to find out what this mysterious terminology mean. And here is what i found out ,,,”Colonialism is the establishment, exploitation, maintenance, acquisition, and expansion of colony in one territory by a political power from another territory. It is a set of unequal relationships between the colonial power and the colony and often between the colonists and the indigenous population. ”
    So if i try to apply this definition with what was in Eritrea at least in the 80s which i remember good ,i can not find any matching…well what about inside Ethiopia ? i found out to the contrary..The Eritreans had been accepting as superior ,in all parameters from economical to social…At this stage if i was told the position of General Aman Andom i would be mad.
    መምህር would you help me sorting out please??
    2,Do you really believe arbitrary colonial lines should be taken seriously by the victims of white colonialists.Do you really believe these lines will ever be stable ? at this time my mind is in Burundi.

    With all respect!

  • ambabi May 17, 2015

    it is the matter of time and the bomb is ticking anything can happen at any moment I can feel it we are on the maximum threshold.

  • Masawa May 17, 2015

    እዚ እዩ እቲ ቐንዲ ሱር ሕማምን ቅልውላውን ኩነታት ኤርትራ።

    መምህር ኣማኑኤል ይብል: “ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብጥንቲ ዘጥረኻዮ ወግዕን ክብርታትን ከም ዘይናትካ ትርእዮ፡ ንባህልኻን ንማሕበረሰብካን ለኪሙ ኪፈርስ ከሎ ድማ ትም ኢልካ ትርእይ። ነቲ ናትካ ክትንዕቆ ስለ ዝመሃሩኻ።”

  • Masawa May 17, 2015

    ኤርትራ፣ ንሕሰረትን ዉርደትን፤ ዲኖ ህበይ ተኸዲና፣
    ኣብቲ ነውራም ስርዓት ተቐይዳ፤ ንወርሒ ግንቦት ትዝክራ ኣላ።

  • Yerhiwo May 17, 2015

    Excellent article Amanuel Sahle! I admire your simplicity in conveying your message. As you said it, Eritrea is heading downward spiral…it is a matter of time “Wedi Berad’s Eritrea” will fall down if one pushes it slowly!

    It is sad to see the so called “tegadlity” and “Gedli” turn into colonial power, but a different type of colonialism that speaks same language like colonized.

    Dear Amanuel Sahle, I hope to tell us something about the “colonizers” such as Wedi Berad and Sibhat Golfo in the next article. as Asmarino and Wedi Geza Kenisha, I know for sure you know more dirty about this brutal individuals.

  • Yerhiwo May 17, 2015

    Excellent article Amanuel Sahle! I admire your simplicity in conveying your message. As you said it, Eritrea is heading downward spiral in all aspects of life. A country with no rule of law, no elected president, a country that tortures and rapes its own citizens, a country that does not mourn about the lost citizens, a country with brutal dictator and killers, etc, Eritrea is a failed state that is not better that Somalia. It is a matter of time that “Wedi Berad’s Eritrea” collapses with a simple push!

    It is sad to see the so called “tegadlity” and “Gedli” turn into colonial power, but a different type of colonialists that speak the same language like the one they are colonizing.

    Dear Amanuel Sahle, I hope to tell us something about the “colonizers” such as Wedi Berad and Sibhat Golfo in your next article. As Asmarino and Wedi Geza Kenisha yourself, I know for sure you know more about this brutal individuals.

1 2 3

Post a Reply to Halafi mengedi Cancel Reply