Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታደሰ ኪዳነ!

   ታደሰ ኪዳነ!   ናይቲ መድፍዓጂ ቀዳድ ድርዒ ታንኪ በጦሎኒ ፍትሒ ደሃዩዶ ኣሎኪ? ዋላ ሓደ ይኹን ካብዞም ሰራዊትኪ ጸጸር ካብ ምድርባይ እንተ በዂሩኪ ደሃዩ ግበሪ ኣሰና ቀልጢፍኪ!                ደምበ ደላይ ፍትሒ’ወ ህዝባዊት ኣሰና              ደሃዩዶ ኣሎኪ ናይ ቃልሲ ብጻይና?              ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሮ

   ታደሰ ኪዳነ!
 
ናይቲ መድፍዓጂ ቀዳድ ድርዒ ታንኪ
በጦሎኒ ፍትሒ ደሃዩዶ ኣሎኪ?
ዋላ ሓደ ይኹን ካብዞም ሰራዊትኪ
ጸጸር ካብ ምድርባይ እንተ በዂሩኪ
ደሃዩ ግበሪ ኣሰና ቀልጢፍኪ!
 
             ደምበ ደላይ ፍትሒ’ወ ህዝባዊት ኣሰና
             ደሃዩዶ ኣሎኪ ናይ ቃልሲ ብጻይና?
             ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሮ ልደትና
             ሕማም ኣውራጃነት ምስ ኣስተምሃረና
             ኣዋርሕ ሓሊፉ ካብ ዚስወረና
             ኣሰና ኣጣይቕኪ ደሃዩ ሃብና!
 
እዛ ሕጽይቲ ጓል ክሳዕ እትምርዖ
ሕሱም ጸላኢና ብሓባር ክንወቕዖ
ሓደ ኣካል ኴንና መጒትና ክንረትዖ
ነፍሲ ወከፍ ውፉይ ድኻም ከይስምዖ
ክሳዕ ፍጹም ዓወት ከነተባብዖ
ፍቕርን ሓድነትን ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖ
ከዘኻኽር ኣሕዋት ንኸይንርስዖ!
 
            ቆፎ ናይ ኣናህብ ኣሰና ሽተነ
            እቲ ዘይሕለል ውፉይ፡ ታደሰ ኪዳነ
            ብዘይተጸበዮ ከይህሉ ኣብ ፈተነ
            ደሃዩ ግበሪ እንታይ ከም ዚኾነ!
 
ኣዒንቲ ከሎዎም መቕዘፍቲ ዘይሪኡ
ኣእዛን እንከሎዎም ኣውያት ዘይሰምዑ
የዋሃት ከንቅሕ ብምልኪ እተዘርዑ
ዛራኣ ክቅጽል ዘይትነጽፍ ብርዑ
ኣለኹ ኪብለና ብዓውታ ጸውዑ
ብዓል ድርብ ሞያ ጅግና ኣይትረስዑ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-04-2014
 

*ሓበሬታ፥

ክቡር ሓው ታደሰ ኪዳነ፡ ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር ብዕለት 23/12/2013 ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱንውልቃዊ ትዕዝብቲ መበል 17 ክፋል”  ብዚብል ኣርእስቲ ምስ ጸሓፈ፡ ብድሕሪኡ ደሃዩ ኣብ ሊሰዩም (ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ ዚወሃበሉ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ኣይትስምዐን። ስለዚ ድማ’የ ሕጂ ደሃዩ  ክሓትት ተቐሲበ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Suleiman Salim April 28, 2014

    ዊንተር ህትፍ ኢሉ
    በረድ ተዓዚሩ
    ንፋስ ናይ ቀውዒ ቅልቅል ቅልቅል ኢሉ
    ሳመር ምስ ጸሓዩ እነሆ ኣርኪቡ
    እሞ ታዴ ደኣ ኣበይ ተሸሪቡ?

    ኣብ ሕጽኖት እዩ ዝህሉ ምስ ሓንቲ ምጭውቲ ጓል ሳንዳይ። ርሑስ ጋማ ይግበረሉ። ( መሲናስ ዘይዕደመሉ መርዓ ደኣ መርዓ ዶ ይቑጸር ? እንድዒ ! )

    • ERITRAWIT April 29, 2014

      Suleiman Salim,
      Tezarebe elka deka? nsnetom tekalesom senkelom neta Eritrea tbahal arekebomka kebal nska gen gedel tetwa alekum ms hzba kurub ba ageb gber amlak frah.

      • Suleiman Salim April 29, 2014

        ኣንቲ ኤርትራዊት ሓፍተይ እንታይ ደኣ ዋዛ ዝበሃል ነገር ጠፊኡኪ? ኣነን ወዲ ኪዳነን ብትሪ ናይ ኣራኣእያ ፍልልይ እኳ እንተ ኣሎና ገለ ሕማቕ ነገር ከጓንፎ ግን ከም ዘይምነ ክትፈልጢ ኣሎኪ።

  • Almaz Gaul Asmara April 29, 2014

    ሓው መሲናስ ጻዕርኻ፣ ሰፊሕ ልቦናኻን እዋናውን ዛዕባኻን ዝንኣድ እዩ። ብርሃን ሕብረተሰብ ስለዝኾንካ ቀጽሎ ኣብለካ።
    ተጋዳላይ ታደሰ ድማ፤ ተረፍ ምዓት ምዃኑ ተሓቢርና ኔርና ኣሞ ጥዕና ኪህቦ፣ ነቲ ኣብ ዘመኑን ታሪኹን ከምዚ ሎሚ ጃጅዩ ዘይፈልጥ ሕዝብና ዳግማይ ብኣስተምህርኡ ተስፋ ከስንቖ ኣምላኽ (ኣላህ) ዕድመ ይሃቦ።
    መሬት ኣብ ምውግሑ እዩ እሞ ኣጆኹም፣ ኣጆና!!!
    ናይ ዘመንና ኢሰፓን እቲ ደም ሰብ ከም ማይ ምስታይ ዝለመደ ገበል ኣያኹምን…ድሕሪ ወጋሕታ የራኽበና።

    • Suleiman Salim April 29, 2014

      ኣልማዝ ጓል ኣስመራ? ትግራወይቲ ምዃንኪ ብሩህ እንከሎ ከም ሓውኺ ” ካው ፈይስ ” መንነት ናይ ኤርትራውያን ኣይትስረቒ።

      • Almaz Gual Asmera April 29, 2014

        ሕጊ-ግደፍ ውሕ ውሕዶ ኣብዚሕኩም ሓቀይ። ንኹሉ ገግዜኡ እዩ ዘሎዎ። ጸሓይኩም ዓሪባ እያ። ክንደይ ሳዕ ኣሎ ብደም ጀጋኑ ምሽቓጥ፣ ብስውኣት እንዳመሓልካ ኣንስቲ ስውኣትን ደቆምን ደም ኣንቢዕኩም። ሕዝቢ ብምረት ዝኣክል ክሳብ ዘመነ-ደርጊ ዝናፍቐሉ ሞራሉ ኣውዲቑ። ጃጅዩ ዘይፈልጥ ሕዝቢ ብሰንኪ ወዲኒ ንውዲኒ ዝመርሕዎ ናይ ብድሕሬይ ሳዕሪ ኣይብቆል ፖሊስኹም ሃገር ባዲማ።
        ደጊም ይኣክል ኢሉ እዩ ሕዝቢ፣ ኩለን ሽጣራታትኩም ከኣ ሕዝቢ ነቒሑለን እዩ። ንስኻትኩም ደቂ ሹቕ ኪትኮኑ፣ ሕዝቢ ባዕሉ ሹቕ ኮይኑ ሓሊፉ ጸኒሕኩም እዩ። ደጊም ምኒን እንዳበልካን እንዳቖዘምካን ናብ መቓብር እያ። ወዲ ትካቦን ልዕሊ 60 ሽሕ ዶላር ውጽኢት ናይ ሕዝቢ ኣትላንታ ርእኹም …ደጊም እኸለ በሉ ኣበ ንስሓኹም ጸዊዕኩም ተናዘዙ።

        • Suleiman Salim April 30, 2014

          እዚ ትዛረብዮ ዘለኺ ናይ ጀዋሲስ ዘረባ እዩ።

  • H.K. April 29, 2014

    Great Mesinas!!!
    This is appreciation at the same time follow up about your comrades in action!!!

    Thank you on his behalf untill we are aware where he is.

  • johns April 29, 2014

    Thx for asking dear brothers mesinas and H.K our brother Tadese kidene will back soon by his good willing and im sure he’s well in Bermingham

  • HGDEF April 29, 2014

    Tadesse has exhausted his Awraja issue. He is now planning to write on sub-Awraja issues. Give him a break.He will come up with “Adawi poletika” soon.

    • Suleiman Salim April 29, 2014

      ነብስኻ ከም እዛ ኣብ ነፋሪት ተሰቒልካ ዘሎኻ ጌርካ ወሲድካ ነብስኻ ምስ ኩርስኻ ብናይ ድሕነት ቁልፊ ከረው ኣቢልካ እሰሮ ….ታደሰ ኪዳነ ብድሕሪ ናይ ኣውራጃውን ዓዳውን ፖለቲካ ናይ ክሽነን ሽቓቕን ገዛ ከልብን ፖለቲካ ዝምልከት ጽሑፍ ሒዙልካ ክመጽእ እዩ። ገለ ሰባት ኣብቲ ሓድሽ ናይ በርሚንጋም ቤተ-መጻሕፍቲ መጻሕፍቲ እንዳ ገናጸለ ምርምር ክገብር እንከሎ ዝረኣይዎ ኣለዉ!!

  • ERITRAWIT April 29, 2014

    HGDEF = TEWELJE Hzbey Eritrea getemkum Eu N men Emo Ekum gedefkumo kula eya terekeba you time is over!!!!!!

    • HGDEF April 29, 2014

      You call HGDEF “Tewelje”. That is a typical example of “Adawi poletika”. I expect you people can even go to a lower level. For example “Endawi poletika” or clan politics. I am no more surprised by how low you people can go.

      • Suleiman Salim April 29, 2014

        ነቲ ከዳሚ ዎያነ ምስ ጎይቶቱ ኮይኑ ዝሓንጸጾ መደብ ኣብ ጸገም ስለ ዝኣተወ እኳ እዮም እዞም ናትና ንብሎም ስልቲ ገረብ ብሓኽላ ተኸቲሎም ንውዲት ናይ ጸላኢ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ። ፎእ ካብ ኩርኩር ዎያነ( ካብ ዓለም ዝመሽመሸ ድርባይ ፍጥረት ) ምዃን የድሕነና።

  • msnnit April 29, 2014

    Ala HGDEF hawna eti shmka eka neytuom ab zeben Wobeye zi tsememes Wobeye kibil nebere eyou emo dekiska aloka teberaber haw.

  • msnnit April 29, 2014

    Tegetimkom ekom lomis HGDEFAWYAN tsehaykom ariba eya!

  • msnnit April 29, 2014

    HIGDEF hawna kab etom zeyrdeom dea hade mikanka aflitkana ember Tadese Kidane hawna dea eti kiwonen hakin eyou zitsehafe gin eti zredeo terediuwo alo zeyteredeakum kea dhri Awet yerakibena.

  • መን ከም ሐቂ April 29, 2014

    ወይ ደቂ ገርሂ ልባ ጌና አይተሰቆረኩምን፣፣ ትማሊ ትማሊ እኮ ቲቪ ኤረ ብጋህዲ ብሞት ውጩ ሶሙናት ክትቁዝም ፣፣ ብመስዋእቲ ቫይናክ ሃንጆም ደሱ ታሪኮም ካብ ውጩ ዘይንአስ እንተይ ዛየደ 3 ትንፋስ አብ ሐደ ረፍዲ ክቁጸዩ እንታይ ደአ ጹሙዋ ዊሒጥዋ ቲቪ ኤረ ንሳ እንዶ አይኮነተን እውራጃነት ዘጥቅዐ ዘሎ፣፣

POST A COMMENT