Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታደሰ ኪዳነ!

   ታደሰ ኪዳነ!   ናይቲ መድፍዓጂ ቀዳድ ድርዒ ታንኪ በጦሎኒ ፍትሒ ደሃዩዶ ኣሎኪ? ዋላ ሓደ ይኹን ካብዞም ሰራዊትኪ ጸጸር ካብ ምድርባይ እንተ በዂሩኪ ደሃዩ ግበሪ ኣሰና ቀልጢፍኪ!                ደምበ ደላይ ፍትሒ’ወ ህዝባዊት ኣሰና              ደሃዩዶ ኣሎኪ ናይ ቃልሲ ብጻይና?              ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሮ

   ታደሰ ኪዳነ!
 
ናይቲ መድፍዓጂ ቀዳድ ድርዒ ታንኪ
በጦሎኒ ፍትሒ ደሃዩዶ ኣሎኪ?
ዋላ ሓደ ይኹን ካብዞም ሰራዊትኪ
ጸጸር ካብ ምድርባይ እንተ በዂሩኪ
ደሃዩ ግበሪ ኣሰና ቀልጢፍኪ!
 
             ደምበ ደላይ ፍትሒ’ወ ህዝባዊት ኣሰና
             ደሃዩዶ ኣሎኪ ናይ ቃልሲ ብጻይና?
             ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሮ ልደትና
             ሕማም ኣውራጃነት ምስ ኣስተምሃረና
             ኣዋርሕ ሓሊፉ ካብ ዚስወረና
             ኣሰና ኣጣይቕኪ ደሃዩ ሃብና!
 
እዛ ሕጽይቲ ጓል ክሳዕ እትምርዖ
ሕሱም ጸላኢና ብሓባር ክንወቕዖ
ሓደ ኣካል ኴንና መጒትና ክንረትዖ
ነፍሲ ወከፍ ውፉይ ድኻም ከይስምዖ
ክሳዕ ፍጹም ዓወት ከነተባብዖ
ፍቕርን ሓድነትን ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖ
ከዘኻኽር ኣሕዋት ንኸይንርስዖ!
 
            ቆፎ ናይ ኣናህብ ኣሰና ሽተነ
            እቲ ዘይሕለል ውፉይ፡ ታደሰ ኪዳነ
            ብዘይተጸበዮ ከይህሉ ኣብ ፈተነ
            ደሃዩ ግበሪ እንታይ ከም ዚኾነ!
 
ኣዒንቲ ከሎዎም መቕዘፍቲ ዘይሪኡ
ኣእዛን እንከሎዎም ኣውያት ዘይሰምዑ
የዋሃት ከንቅሕ ብምልኪ እተዘርዑ
ዛራኣ ክቅጽል ዘይትነጽፍ ብርዑ
ኣለኹ ኪብለና ብዓውታ ጸውዑ
ብዓል ድርብ ሞያ ጅግና ኣይትረስዑ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-04-2014
 

*ሓበሬታ፥

ክቡር ሓው ታደሰ ኪዳነ፡ ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር ብዕለት 23/12/2013 ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱንውልቃዊ ትዕዝብቲ መበል 17 ክፋል”  ብዚብል ኣርእስቲ ምስ ጸሓፈ፡ ብድሕሪኡ ደሃዩ ኣብ ሊሰዩም (ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ ዚወሃበሉ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ኣይትስምዐን። ስለዚ ድማ’የ ሕጂ ደሃዩ  ክሓትት ተቐሲበ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • ታደሰ ኪዳነ April 29, 2014

    የቀንየለይ መሲናስ!
    ሓቅኻ ጠፊአ፣ ኣለኩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅልቅል ክብል አየ። ጽሑፈይ ክሳብ ዘይጸላእኩሞ ብዓቕመይ ቁሩብ ክድርቢ ኢየ። እቲ እንዳና ዝወረሰ ምጹጹላይ ጭርኡ ዶጒሉ ክሳብ ዝሃድም ዕረፍቲ የለን። ኣጆኹም ኣጆና- በብዘለናዮ ዓዓቕምና- ንደርቢ ጸጸጸርና – ሽዑ ክምለስ’ዩ መሰላትና- ክጠፍእ ጸላኢና
    ታደሰ ኪዳነ

  • Mahta April 29, 2014

    So, Tadesse Kidane tefiu ileka teshaqileka wey gud! antum sebat….

    • ERITRAWIT April 30, 2014

      Mahta,
      hawna sebeytka tfelet do tkewen kndmntay seley kemzeleka mhret yewrdelka.

  • Truly Truly i say to you April 29, 2014

    ኽቡር ሰብ ይትረፍ ብዛአባ ሃለዋት ደቂ ሰባት ብዛእባ እንሰሳቱ´ዃ ከይተረፈ ከምዘጨንቆ፡ መጽሓፍ ቅዱስና ብከምዚ ይገልጾ። “ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።” (ከም ኢሳያስ ይትረፍ ንእንሰሳቱ ንፈተውቱ። (መጽሓፈ ምሳሌ 12; 10)
    ኽቡር ሓውና መሲናስ`ከኣ ኣቢ ሰብኣዊነት ከምዝውንን በቲ ተገዳስነቱ ምርግጋጽ ይከኣል። ብሃቂ ንምዝራብ ይትረፍ ሃቂ ተዛሪቦም ንህዝቦም ዘምህሩ ቅኑኣ ሰባት: እቶም ምስ ሓሳብናን ትምኒትናን ዘይሰነይ ጹሑፋት እናቕረቡ ብሕዝብናን ሃገርናን ዘባጭዉ ሰባት ዋላ ትግራዎት ይኸኑ፣ ከም ባዓል ሓዎቦና ዩጎዝላቮ ዝኣምሰሉ ሰባት´ኳ ደሃዮም ምስ ዘጥፍኡ ዘሰክፍ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ጌግኦም እንበር እንጸልዖ:ገለ ክፉእ ንከጋጥሞምስ ፈጺማና ስለዘይንትምነይ። ልክእ ክም መሲናስ ሃውና መሓመድ ሳልህም ገለ የሕዋት ሃለዋት ምስዘጥፍኡ ክምዝግደስም ስለዘስተባህልኩሉ ናይብሃቂ ኣቢ ሰብ እዩ። ተስፋ እገብር እቶም ንሰሙናት ድሃይ ኣጥፊኣኦም ዘለዉ የህዋት፣ ብእረፍቲ ምኽንያት እንበር ገለ ክፉእ ኣጋጢምዎም ከምዘይኮነ። ኣዋርህ ክሃልፍ ከሎ፣ ኩላህና ብዛእባ ሃለዎትና ንጠያየቕ´ድኣ! በቲ ብኣምላኽ ዝወርድ ሕማም ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዙህ ሰብ በቲ ናይ ኢስያስ ክፍኣትን ብካልኦትን ረቂቕ ተንኮልን ዝጠፍእ ዘሎ ስለዝበህ።

  • Mesinas April 30, 2014

    “ኣጆኹም ኣጆና- በብዘለናዮ ዓዓቕምና- ንደርቢ ጸጸጸርና – ሽዑ ክምለስ’ዩ መሰላትና- ክጠፍእ ጸላኢና!” ሕጂ ግርም!
    መርሓባ ሓው ታደሰ! ደሃይካ ኣይተሓባእ! ብርግጽ ክጠፍእ’ዩ ረጋጺ መሰልና!

POST A COMMENT