Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገንዘባ ክዘምት፥ ልኡኻት ናብ ኣመሪካን ካናዳን ኣዋፊሩ ኣሎ። ንምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገንዘባ ክዘምት፥ ልኡኻት ናብ ኣመሪካን ካናዳን ኣዋፊሩ ኣሎ። ንምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ቤተ ክርስትያንና ከነመሓድር ንኽእል ኢና ናጻ ግደፉና ኢድኩም ኣውጽኡልና፥ ዝበሉ ኣቦና እንጦንዮስ ድሕሪ ምእሳሩን

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገንዘባ ክዘምት፥ ልኡኻት ናብ ኣመሪካን ካናዳን ኣዋፊሩ ኣሎ።

ንምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ነቶም ቤተ ክርስትያንና ከነመሓድር ንኽእል ኢና ናጻ ግደፉና ኢድኩም ኣውጽኡልና፥ ዝበሉ ኣቦና እንጦንዮስ ድሕሪ ምእሳሩን ነቶም እንኮ ምሁር ኣቦና መንቀርዮስ ታተ በሉና እምበር ኣይትሓንግሩና ዝበሉን፥ ፈሊጡና ኢሎም ካብ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገበርዎም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ድሕሪ ምእሳርን ምስጓጉን እዞም ክልተ ለባምን ምሁርን ኣቦታት፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከባ ቤተ ክርስትያናት ተዋህዶ፥ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ህግደፍ ወዲቐን እየን። ኩሉ ምምሕዳራትን ሞባእን ገቢቱ፥ ኣብ ሓደ ናቱ ሕሳብ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብስም ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ከም ዝኣቱ ገበሮ።  እንተ ኾነ ነቶም ቀንዲ መጋበርያታት ዝገበሮም ቀሺ ሃብቶምን ዮፍታሄን ከምቲ ዝደለይዎ ናይ ገንዘብ ምንጪ ክኾኑ ስለ ዘይከኣሉ፥ ኣብ ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይውን ብድንገት  ብድንገት ንክልቲኦም ጎሓፎም።

እቲ ስርዓት፥ ድሕሪ እቲ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ምንጪ ክጥቀመሉ ኣይከኣልኩን ኢሉ ተጠቂሙ ዝጎሓፎ ዮፋታሄ ቀሺ ድሜጥሮስ፥ ሞባእን ምሕደራን ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ንምዕማጽን ንምግፋፍን ካልእ ኣዝዩ ረቂቕ ሜላ እዩ ምሂዙ ዘሎ።

ድሕሪ ምስጓግ ዮፋትሄ ግርማይን ካሕሳይን ዝበሃሉ፥ ኣሰር ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዘይብሎም፥ ክልተ ነጨለባሽ በጋሚዶ፥ ፍጹም ናይ ግብረ ክህነት ትምህርቲ ዘይተማህሩ፥ ዲቁና ተዋሂቦም፥ ነቶም ብዕድመ ዝሸምገሉ ጳጳሳት መራሕቲ ኮይኖም ከካይድዎም፥ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፥ ነቦና ጳጳስ ሉቃስ ኣእሚኑ ኣስሊኹ ዘእትዎም ሃሱሳቱ እዩ ክፍጽሞ መሪጹ።

እቲ ሓቂ እዚ እዩ።

ህግደፍ ምቁጽጻር እታ ሓንቲ ከም ሚንስትሪ ዝቖጽራ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንኽጥዕሞ፥ ንምምሕዳራ መንፈሳዊ ጉዳያትን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ብዝብል ሰራም ነገር ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ።

እቶም ጳጳሳት ነታ መርሕዋን ከመሓድርዋን ዝመሓሉላ ሃይማኖት ኣብ ዝኾነ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኢዶም ከየእትዉ፥ ጥራይ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙን ክባርኹን እምበር ንብረት ቤተክርስትያን ከይፈልጡ መንፈሳዊ ምምሕዳር ጥራይ ብዝብል ኣፈሪምዎም ስልጣኖም ገፊፍዎም ኣሎ። እቶም ጳጳሳት ገንዘብና ኣበይ ኣሎ ናበይ ኣተወ ኢሎም ከይሓቱ፥ ወይ ገለ ብልሕ ዝበለ ጳጳስ ከይለዓል እሞ ህዝቢ ከይፈልጥ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ተገይሩሉ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሉ ነቶም ጳጳሳት ንሓድሕዶም ከም ዝፈራርሁን ከም ዘይተኣማመኑን ፈላልዩ፥ ኣብ ንሕድሕዶም ከም ዝተፋነኑ ገይርዎም ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ምምሕዳር ድማ፥ እዞም ክልተ ሃሱሳት ግርማይን ካሕሳይን ዝተባህሉ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት በጋሚዶታት ዘመሓድርዎ፥ ገንዘባውን ምምሕዳራውን ዝብል እዩ። እዚኦም ብቐጥታ ርክቦም ንሃገራዊ ድሕነት እዮም። ዋላ እቶም ጳጳሳት ዝዛረብዎን ዝብልዎን ብቐረባ ተረኺቦም ሪፖርት ዘመሓላልፉ እዮም። እዞም ክልተ ሸፋቱ ሓላፊ ምክትል ኣማሓዳርን ምክትል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ስለ ዝኾኑ፥ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ከይተረፈ ዝእከቡን ዝመርሑን ብቐጥታ ዝተገብረ ነገር ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዘበጻጽሑ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ጳጳስ ኣቦና ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣነ እየ። ዝሃብኩኻ ጥራይ ትጽሕፍ ዝተባህለ በጋሚዶ ካሕሳይ፥ ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ስለ ዝጠርዐ፥ እቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ሲኖዶስ ኣቦና ጰጥሮስ ከም ዝሕደጉ ተገይሩ፥ ንኣቦና ሉቃስ ተደሪቡ ከም ዝወሃቦም ተገይሩ። እቶም ብግድምናን ብመዓርግ ልዕል ዝበሉን ቀዳሞት ጳጳሳት፥ ግን ካብ ዝኾነ እዮም ተገሊሎም ዘለዉ። ኣቦና ቄርሎስ፥ ኣቦና ሰላማ ኣቦና ዮውሃንስ፥ እዚኦም ብግድምናን ብመዓርግን ዘለዓሉ እዮም። ብህግደፍ ግን እሙናት ኣይኮኑን ስለ ዝኾኑ፥ ዝኾነ ዕድል የብሎምን።

ኣቐዲሙ ናይ ኣቡን ሉቃስ መራሕ መኪና ኣብ ጋሽ ባርካ ዝነበረ፥ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ብውሽቲ ቁጹር ኮይኑ፥ ዝዓበየን ዝነኣሰን እቶም ኣቡን ዝገብርዎ መዓልታዊ ሪፖርት ዘመሓላልፍ እዩ ነይሩ። ሕልፍ ሓሊፉ ገንዘብ እገለ ሂብኩም እንኩም ኢሉ እናሃበ፥ ብሕቡእ ናብ ዮፍታሄ እናሓበረ፥ ነዞም ኣቡን ኣብ ኣብ ከቢድ ናይ ገንዘብ ምምርሳሕ ከም ዝኣትዉ ገይሮሞም ኣለዉ። በዚ ድማ ኣቦና ሉቃስ ብገንዘብ ምጥፍፋእ ገበነኛ ኢኹም፥ ካብ ዝበልናዮን ዝኣዘዝናዮን እንተ ወጺእኩም፥ ከነቃልዓኩም ኢና ኢሎም የፈራርህዎም፥ በቲ ካሊእ ድማ ኣጆኹም ጥራይ ቀጽሉ እምበር ፓትርያርክ ክንገብረኩም ኢና። ዝብል ርኹስ ውዲት ምሂዞም እቶም ኣቡን ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ክበኽዩን ክነብዑን ከንጸርጽሩን ይረኣዩ።

እቲ ስርዓት ዝበሎም ንኽፍጽሙ ድማ ኣብ ብዙሕ ዘየድሊ ናይ ዘረባ ጌጋታት ክወድቁ ይረኣዩ።

ካብቲ ዝጋገይዎ ጌጋታት ህግደፍ ንኣቦና እንጦንዮስ ባዕሉ ኣሲርዎም ከብቅዕ፥ ኣቦና እንጦንዮስ መናፍቕ ኮይኖም ንሕና ኣውሪድናዮም፥ ህግደፍ ንኣቦና መንቀርዮስ ነቲ ክፉእ ውዲቶም ስለ ፈለጥዎም፥ ኣቦና ሉቃስን ግን ህግደፍ ንምሕጓስ ተሃድሶ ኮይኖም ሰጊግናዮም። ህግደፍ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ከዕኑ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቤተክርስትያን ኣቃጺሉ ከብቅዕ። እቲ ዝነደደ መጻሕፍቲ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነስ መጽሓፍ ርኩስ እዩ። ክብሉ ኣዝዩ ነውሪ ቃል ክጋገዩ ተገዲዶም። ኣቦና ሉቃስ ብዕድመ ልዕሊ 80 ዓመት እዮም ግን ሕጂውን ገና የጋግዮምን ይጻወተሎምን ኣሎ።

እቲ ናብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ቀንዲ ኣንቀሳቒስዎም ዘሎ ጉዳይ ድማ፥ ህግደፍ በቲ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ናይ ገንዘብ ሞባእ ቤተክርስትያን ምዝማትን ጉዕዞ እዩ። ህግደፍ ዋላ በተን ኣብ ትሕተይ ኣለዋ ዝብለን ኣቦና እንጦንዮስ ዘይቅበላ ዝበሃላ ቤተ ክርስትያናትውን ሰብ እንዳተረድኦ ስለ ዝመጸ፥ ተቓውሞውን ኣብ ውሽጠን ስለ ዝተላዕለ ንምትህድዳእን ንምጥባርን።

ብስም ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስትያን ክንሰርሕ መሬት ዓዲግና ኣሎና ተባሂሉ ዶላራት ክዋጻእን፥ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ኣብቲ ሕሳብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ክኣቱ ክግበር ዝብል ጁባ ህግደፍ ንምህጣር ዝተማህዘ እዩ። ካልእ ገንዘብ ብማእከላውነት ቤተ ክርስትያን ክመሓደር ምሕዳርን ሃይማኖትን ተፈላልዩ እዩ። መንግስትና ደጋፊና እዩ፥ ንዮፍታሄ ኣልዩ ቤተ ክርስትያን ኣረኪቡና ኣሎ። ሕጂ ባዕልና ኢና ንመሓደር፥ ብዛዕባ ኣቦና እንጦንዮስ ንዝለዓል ሕቶ ወይ ምፍርራህ ወይ ድማ ምጽላም። ናብ ኣሜሪካ ዘለዉ ሰዓብቲ፥ ኣቦና እንጦንዮስ መንግስቲ ካብ ቤተክርስትያን ይውጻእ፥ እሱራት ይፈትሑ ሕጊ ይምርሓና ዝበሉ፥ ንምድሃልን ንምክፋእን እንተ ተኻኢሉ ድማ ካብ ህዝቢ ምንጻሎምን ዝብል እዩ።

ደለይቲ ፍትሒ ኣጆኹም ነዚኦምውን ኣለልይዎም እስከ ዕድል እንተ ረኸብኩም ሕተትዎም።

ኣቦኹም እቶም ዝቐብኡኹም ኣበይ ኣለዉ? ምስኦም ዘይተዓረቕኩምን ዘይተፋቐርኩምን ከመይ ኢልኩም ተፋቐሩ ኢልኩም ክትምህሩ?

ግርማይ ኣበየናይ ገዳም ተማሂርካ ዛቒንካ?

ቅድሚ ሕጂ ፖፕ ሽኖዳ ዝሃብዎ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣበይ ኣትዩ?

ብፖፕ ሽኖዳ ካዲላክ መኪና ንፓትርያርክ ዝተዋህበት ስለምንታይ ንቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተዋሂባ?

ስለምንታይ 350 መንእሰያት ተቐዚፎም ኣብ ሃገር ጸሎት ዘይገበርኩም ሓዘን ዘይኣወጅኩም?

ስለምንታይ መኣሰያት ብሰማእትነት ክሳዶም ኣኽረርቲ ኣስላም ተቖሪጾም ሰማእትነቶም ዘየኽበርክሙሎም?

ስለምንታይ ቤተ ክርስትያንና ካብ ኣሓታ ናይ ዓለም ቤተክርስትያናት ተነጺላ?

 

ግዱሳት ካብ ሕምብርቲ ኤርትራ ኣስመራ።

ክወግሕ እዩ ገበነኛ ክግለጽ እዩ።

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • miriam May 28, 2015

    ቅሉዕ መልእኽቲ ንጳጳስ ኣባ ሉቃስ።
    ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። ኣብ ፍቕሪ ዘየሎ ኣብ ኣምላኽ የሎን። ኣብ ኣምላኽ ዘየሎ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ ኣይከኣልን። ከም ብዕድመ ኣረጊት ኣቦ ኣብ ታሪኽኩም ፍቕሪ ዘይትገድፉልና? ይቕረ በሉለይ ዘይትብልዎም ነቶም ኣቦኹም እሞ፥ ንሕና ድማ ይቕረ በሉልና ኣቦና ክንብለኩም። ዘሎና መሲልኩም ድዩ ሰብ እኮ ይጠፍእ እዩ ዘሎ።
    በጃኹም ምእንቲ እቲ ዝፈተረኩም ኣምላኽ ነቶም ዝባረኽኹም ኣቦኹም ምሕረት ሃቡኒ በልዎም። ከምዛ ዘሎኹማ እንተ ሞትኩም ታሪኽኩም እዩ ዝበላሾ። ንሎሊ ኩሉ ድማ ኣምላኽ ኣበይ ኣላ እታ ፍቕረይ ከይብለኩም ኣቦና በጃኩ ብወላዲተ ኣምላኽ ብኹሎም ጻድቃን፥ በቲ ጻድቕ ኣቡነ ሊባኖስ፥ ብሰንክኹምን ብሰንኪ እዞም ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ሃገረስብከትን ክትተሃላለኹ ሃይማኖት ትጥፈእ ኣላ።
    ዘክብረኩም ጓልኩም ወለተማርያም

  • Abisho May 31, 2015

    They were not represented to us,because they were not followed the one who Innocent leader,or patriarch.So how we faith to those fathers, in my opinion they were came just to collect money for Isease,beside that I thing so they don’t have any Agenda.
    personal I’m not believed them,i just i believed for Abune Antoniyos the one who stile in jail other wise the others all puppet of Isease. They don’t have faith they were faithless.

  • Abisho May 31, 2015

    They were not represented to us,because they were not followed the one who Innocent leader,or patriarch stile in prison .So how we faith to those fathers, in my opinion they were came just to collect money for Isease,beside that I thing so they don’t have any Agenda.
    personal I’m not believed them,i just i believed for Abune Antoniyos the one who stile in jail other wise the others all puppet of Isease. They don’t have faith they were faithless.

Post a Reply to Abisho Cancel Reply