Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገንዘባ ክዘምት፥ ልኡኻት ናብ ኣመሪካን ካናዳን ኣዋፊሩ ኣሎ። ንምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገንዘባ ክዘምት፥ ልኡኻት ናብ ኣመሪካን ካናዳን ኣዋፊሩ ኣሎ። ንምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ቤተ ክርስትያንና ከነመሓድር ንኽእል ኢና ናጻ ግደፉና ኢድኩም ኣውጽኡልና፥ ዝበሉ ኣቦና እንጦንዮስ ድሕሪ ምእሳሩን

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገንዘባ ክዘምት፥ ልኡኻት ናብ ኣመሪካን ካናዳን ኣዋፊሩ ኣሎ።

ንምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ነቶም ቤተ ክርስትያንና ከነመሓድር ንኽእል ኢና ናጻ ግደፉና ኢድኩም ኣውጽኡልና፥ ዝበሉ ኣቦና እንጦንዮስ ድሕሪ ምእሳሩን ነቶም እንኮ ምሁር ኣቦና መንቀርዮስ ታተ በሉና እምበር ኣይትሓንግሩና ዝበሉን፥ ፈሊጡና ኢሎም ካብ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገበርዎም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ድሕሪ ምእሳርን ምስጓጉን እዞም ክልተ ለባምን ምሁርን ኣቦታት፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከባ ቤተ ክርስትያናት ተዋህዶ፥ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ህግደፍ ወዲቐን እየን። ኩሉ ምምሕዳራትን ሞባእን ገቢቱ፥ ኣብ ሓደ ናቱ ሕሳብ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብስም ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ከም ዝኣቱ ገበሮ።  እንተ ኾነ ነቶም ቀንዲ መጋበርያታት ዝገበሮም ቀሺ ሃብቶምን ዮፍታሄን ከምቲ ዝደለይዎ ናይ ገንዘብ ምንጪ ክኾኑ ስለ ዘይከኣሉ፥ ኣብ ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይውን ብድንገት  ብድንገት ንክልቲኦም ጎሓፎም።

እቲ ስርዓት፥ ድሕሪ እቲ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ምንጪ ክጥቀመሉ ኣይከኣልኩን ኢሉ ተጠቂሙ ዝጎሓፎ ዮፋታሄ ቀሺ ድሜጥሮስ፥ ሞባእን ምሕደራን ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ንምዕማጽን ንምግፋፍን ካልእ ኣዝዩ ረቂቕ ሜላ እዩ ምሂዙ ዘሎ።

ድሕሪ ምስጓግ ዮፋትሄ ግርማይን ካሕሳይን ዝበሃሉ፥ ኣሰር ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዘይብሎም፥ ክልተ ነጨለባሽ በጋሚዶ፥ ፍጹም ናይ ግብረ ክህነት ትምህርቲ ዘይተማህሩ፥ ዲቁና ተዋሂቦም፥ ነቶም ብዕድመ ዝሸምገሉ ጳጳሳት መራሕቲ ኮይኖም ከካይድዎም፥ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፥ ነቦና ጳጳስ ሉቃስ ኣእሚኑ ኣስሊኹ ዘእትዎም ሃሱሳቱ እዩ ክፍጽሞ መሪጹ።

እቲ ሓቂ እዚ እዩ።

ህግደፍ ምቁጽጻር እታ ሓንቲ ከም ሚንስትሪ ዝቖጽራ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንኽጥዕሞ፥ ንምምሕዳራ መንፈሳዊ ጉዳያትን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ብዝብል ሰራም ነገር ኣብ ክልተ መቒልዎ ኣሎ።

እቶም ጳጳሳት ነታ መርሕዋን ከመሓድርዋን ዝመሓሉላ ሃይማኖት ኣብ ዝኾነ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ኢዶም ከየእትዉ፥ ጥራይ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙን ክባርኹን እምበር ንብረት ቤተክርስትያን ከይፈልጡ መንፈሳዊ ምምሕዳር ጥራይ ብዝብል ኣፈሪምዎም ስልጣኖም ገፊፍዎም ኣሎ። እቶም ጳጳሳት ገንዘብና ኣበይ ኣሎ ናበይ ኣተወ ኢሎም ከይሓቱ፥ ወይ ገለ ብልሕ ዝበለ ጳጳስ ከይለዓል እሞ ህዝቢ ከይፈልጥ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ተገይሩሉ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሉ ነቶም ጳጳሳት ንሓድሕዶም ከም ዝፈራርሁን ከም ዘይተኣማመኑን ፈላልዩ፥ ኣብ ንሕድሕዶም ከም ዝተፋነኑ ገይርዎም ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ምምሕዳር ድማ፥ እዞም ክልተ ሃሱሳት ግርማይን ካሕሳይን ዝተባህሉ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት በጋሚዶታት ዘመሓድርዎ፥ ገንዘባውን ምምሕዳራውን ዝብል እዩ። እዚኦም ብቐጥታ ርክቦም ንሃገራዊ ድሕነት እዮም። ዋላ እቶም ጳጳሳት ዝዛረብዎን ዝብልዎን ብቐረባ ተረኺቦም ሪፖርት ዘመሓላልፉ እዮም። እዞም ክልተ ሸፋቱ ሓላፊ ምክትል ኣማሓዳርን ምክትል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ስለ ዝኾኑ፥ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ከይተረፈ ዝእከቡን ዝመርሑን ብቐጥታ ዝተገብረ ነገር ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዘበጻጽሑ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ጳጳስ ኣቦና ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣነ እየ። ዝሃብኩኻ ጥራይ ትጽሕፍ ዝተባህለ በጋሚዶ ካሕሳይ፥ ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ስለ ዝጠርዐ፥ እቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ሲኖዶስ ኣቦና ጰጥሮስ ከም ዝሕደጉ ተገይሩ፥ ንኣቦና ሉቃስ ተደሪቡ ከም ዝወሃቦም ተገይሩ። እቶም ብግድምናን ብመዓርግ ልዕል ዝበሉን ቀዳሞት ጳጳሳት፥ ግን ካብ ዝኾነ እዮም ተገሊሎም ዘለዉ። ኣቦና ቄርሎስ፥ ኣቦና ሰላማ ኣቦና ዮውሃንስ፥ እዚኦም ብግድምናን ብመዓርግን ዘለዓሉ እዮም። ብህግደፍ ግን እሙናት ኣይኮኑን ስለ ዝኾኑ፥ ዝኾነ ዕድል የብሎምን።

ኣቐዲሙ ናይ ኣቡን ሉቃስ መራሕ መኪና ኣብ ጋሽ ባርካ ዝነበረ፥ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ብውሽቲ ቁጹር ኮይኑ፥ ዝዓበየን ዝነኣሰን እቶም ኣቡን ዝገብርዎ መዓልታዊ ሪፖርት ዘመሓላልፍ እዩ ነይሩ። ሕልፍ ሓሊፉ ገንዘብ እገለ ሂብኩም እንኩም ኢሉ እናሃበ፥ ብሕቡእ ናብ ዮፍታሄ እናሓበረ፥ ነዞም ኣቡን ኣብ ኣብ ከቢድ ናይ ገንዘብ ምምርሳሕ ከም ዝኣትዉ ገይሮሞም ኣለዉ። በዚ ድማ ኣቦና ሉቃስ ብገንዘብ ምጥፍፋእ ገበነኛ ኢኹም፥ ካብ ዝበልናዮን ዝኣዘዝናዮን እንተ ወጺእኩም፥ ከነቃልዓኩም ኢና ኢሎም የፈራርህዎም፥ በቲ ካሊእ ድማ ኣጆኹም ጥራይ ቀጽሉ እምበር ፓትርያርክ ክንገብረኩም ኢና። ዝብል ርኹስ ውዲት ምሂዞም እቶም ኣቡን ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ክበኽዩን ክነብዑን ከንጸርጽሩን ይረኣዩ።

እቲ ስርዓት ዝበሎም ንኽፍጽሙ ድማ ኣብ ብዙሕ ዘየድሊ ናይ ዘረባ ጌጋታት ክወድቁ ይረኣዩ።

ካብቲ ዝጋገይዎ ጌጋታት ህግደፍ ንኣቦና እንጦንዮስ ባዕሉ ኣሲርዎም ከብቅዕ፥ ኣቦና እንጦንዮስ መናፍቕ ኮይኖም ንሕና ኣውሪድናዮም፥ ህግደፍ ንኣቦና መንቀርዮስ ነቲ ክፉእ ውዲቶም ስለ ፈለጥዎም፥ ኣቦና ሉቃስን ግን ህግደፍ ንምሕጓስ ተሃድሶ ኮይኖም ሰጊግናዮም። ህግደፍ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ከዕኑ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቤተክርስትያን ኣቃጺሉ ከብቅዕ። እቲ ዝነደደ መጻሕፍቲ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነስ መጽሓፍ ርኩስ እዩ። ክብሉ ኣዝዩ ነውሪ ቃል ክጋገዩ ተገዲዶም። ኣቦና ሉቃስ ብዕድመ ልዕሊ 80 ዓመት እዮም ግን ሕጂውን ገና የጋግዮምን ይጻወተሎምን ኣሎ።

እቲ ናብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ቀንዲ ኣንቀሳቒስዎም ዘሎ ጉዳይ ድማ፥ ህግደፍ በቲ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ናይ ገንዘብ ሞባእ ቤተክርስትያን ምዝማትን ጉዕዞ እዩ። ህግደፍ ዋላ በተን ኣብ ትሕተይ ኣለዋ ዝብለን ኣቦና እንጦንዮስ ዘይቅበላ ዝበሃላ ቤተ ክርስትያናትውን ሰብ እንዳተረድኦ ስለ ዝመጸ፥ ተቓውሞውን ኣብ ውሽጠን ስለ ዝተላዕለ ንምትህድዳእን ንምጥባርን።

ብስም ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስትያን ክንሰርሕ መሬት ዓዲግና ኣሎና ተባሂሉ ዶላራት ክዋጻእን፥ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ኣብቲ ሕሳብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ክኣቱ ክግበር ዝብል ጁባ ህግደፍ ንምህጣር ዝተማህዘ እዩ። ካልእ ገንዘብ ብማእከላውነት ቤተ ክርስትያን ክመሓደር ምሕዳርን ሃይማኖትን ተፈላልዩ እዩ። መንግስትና ደጋፊና እዩ፥ ንዮፍታሄ ኣልዩ ቤተ ክርስትያን ኣረኪቡና ኣሎ። ሕጂ ባዕልና ኢና ንመሓደር፥ ብዛዕባ ኣቦና እንጦንዮስ ንዝለዓል ሕቶ ወይ ምፍርራህ ወይ ድማ ምጽላም። ናብ ኣሜሪካ ዘለዉ ሰዓብቲ፥ ኣቦና እንጦንዮስ መንግስቲ ካብ ቤተክርስትያን ይውጻእ፥ እሱራት ይፈትሑ ሕጊ ይምርሓና ዝበሉ፥ ንምድሃልን ንምክፋእን እንተ ተኻኢሉ ድማ ካብ ህዝቢ ምንጻሎምን ዝብል እዩ።

ደለይቲ ፍትሒ ኣጆኹም ነዚኦምውን ኣለልይዎም እስከ ዕድል እንተ ረኸብኩም ሕተትዎም።

ኣቦኹም እቶም ዝቐብኡኹም ኣበይ ኣለዉ? ምስኦም ዘይተዓረቕኩምን ዘይተፋቐርኩምን ከመይ ኢልኩም ተፋቐሩ ኢልኩም ክትምህሩ?

ግርማይ ኣበየናይ ገዳም ተማሂርካ ዛቒንካ?

ቅድሚ ሕጂ ፖፕ ሽኖዳ ዝሃብዎ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣበይ ኣትዩ?

ብፖፕ ሽኖዳ ካዲላክ መኪና ንፓትርያርክ ዝተዋህበት ስለምንታይ ንቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተዋሂባ?

ስለምንታይ 350 መንእሰያት ተቐዚፎም ኣብ ሃገር ጸሎት ዘይገበርኩም ሓዘን ዘይኣወጅኩም?

ስለምንታይ መኣሰያት ብሰማእትነት ክሳዶም ኣኽረርቲ ኣስላም ተቖሪጾም ሰማእትነቶም ዘየኽበርክሙሎም?

ስለምንታይ ቤተ ክርስትያንና ካብ ኣሓታ ናይ ዓለም ቤተክርስትያናት ተነጺላ?

 

ግዱሳት ካብ ሕምብርቲ ኤርትራ ኣስመራ።

ክወግሕ እዩ ገበነኛ ክግለጽ እዩ።

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • UNCLE SYE May 27, 2015

    እዋእ ንሕናኸ ንህግደፍ ስቕ ኢልና ዲና ንምቀለሉ፣ኣእምሮ የብልናን ዲና ንብል ዘለና፧ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን እውን ሓለዋ ሰውራ ኣለዎ ድዩ ወይሲ ብቐደምና ተሪር ሃገራዊ (ቀበሌያዊ)እምነት ስለ ዘይነበረና እዩ ፧ኩሉ ጉዳይ ኤርትራና ኣብ ሓሶትን ሃይማኖታዊ ምፍልላይን ጥበራን ተመርኵሱ ስለ ዝነበረ መሊስና ከነዔርዮ ፍያቶ የብልናን ዘይንብል።ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን ይብሃል__ኢሳያስ ወናኒ ውድብ ኔሩ ሕጂ ድማ ወናኒ ሃገር ኣሎ ፣ዝተቐየረ ነገር የለን።

  • Hana May 27, 2015

    I think you guys are using assenna for your evil mission, you need first to know what you are saying. Girmay is highly educated and dedicated man and has been serving the church along his professional job.we hate hgdf but doesn’t mean we spoil people name for our purpose. Girmay was serving orthodox church since 1980s. if you do not know you need to ask. I think assenna needs to verify the sources rather than posting a raw material.I am sorry for the church fragmentation due to hegdf evil policies to collect money and control the church. I am strongly opposing the regime but I also read, understand and cross check to find the truth.

    Yes they are in US but who are they and what are going to do? we need to find out either by attending their congregation or get first hand information. we cannot tell the content of the book by seeing the cover. There are lot of people opposing hgdf while they are working for the government. We need to be very attractive to them to join us and stand against hgdf. spoiling names will not serve the purpose.

    • Tesfit May 28, 2015

      Thanks for the info.
      As you know, Girmay is a common name. May be these are two different Girmays. We don’t even have last name.

  • Sara May 27, 2015

    አብ ሓቂ ክንምርኮስ ምሓሸ ኒሩ። ውልቀ ሰባት ምጽላእን ነቲ ስርዓት ምቅዋምን ነንበይኖም ኢዮም። እዞም ናይ ሃገራዊ ድሕነት አባላት ምኽኖም እንታይ መረጋገጺ አሎ። ኩሉ ተጻሒፉ ዘሎ ብዙሕ ሰብ ዘንብቦ ስለዝኸነ ነቲ ዊብ ሳይትውን ሚዛናዊነቱ አብ ሕቶ ዘ እትው ጉዳይ ክኸውን የብሉን። ንሕና አሰና ቀጻሊ ኢና ነንብብን ንውከስን፤ ከምዚ ዝኣመሰለ ንፓፓሳት ዘነ ኣእስ ጽሑፍ አይድለየናን አዩ። ንሕና ዘድልየና ናባና ዝሓብርሉ መንገዲ አብ ጎኒ ህዝቦም ዝኾኑሉ አገባባት ድኣ እምበር፤ ልኡኻት ህግደፍ ኢዮም? ክኾኑ ይኽእሉ ከይኮኑውን ይኽእሉ። አብ አውሮፓ ዘገበርዎ አኺባታት ውጽኢታዊ ኒሩ። ምስ ናይ ህግደፍ ጥራሕ ድዮም ተራኺቦም? ሕተት። አነ ከም ደላይ ፍትሒ መጠን፤ ብልዝብን ብክእለትን ነቶም ንደልዮም ዓላማታት ክንፍጽም ድኣ እምበር፤ ብጸርፊ ዝመጽእ ዋላ ሓደ ነገር የለን። እንተ ምትፍናን።

    ግርማይ ሓደ ካብቶም ቁሩባት አብ ኤርትራ ዝነጥፉ ላዕለዎት ክኢላታት ናይ ዕደና ላዕለዋይ ክኢላ ኢዩ። ካብ አ.አ. ዩኒቨርስቲ 1986 ጀሚሩ አብ ቅድስቲ ማርያም በተኽርስትያን አዲስ አበባ ናይ ሰንበት መምህር ኒሩ። ብድሕሪ ናጽነት ድማ አብ ኪዳነ ምህረት ቤተ ክርስትያን አስመራ መምህር ኢዩ። ዱቁና መን ሂብዎ፤ ንስኻውን ንምጽሓፍ ዕድል ረኺብካ ንሱውን መንፈሳዊ ትምህርቲ አነ ካብ ዝፈልጦ ስጋብ ሕጅ የገልግል አሎ። ነቲ ብዙሕ ደሞዝ ዘኽፍል ስርሑ ገዲፉ ነዚ ቤትክርስተያን ከገልግል ይጽዕር አሎ። አነን ንስኻን ድማ አብ መሮር ሰፊርና እንካን ሃባን ንብል አለና። እንተኺኢልአ ተጸነበር አብ ውሽጡ አቲኻ ድማ እቲ ክኸውን አለዎ ትብሎ ፈተን። ሎሚ ኦርቶዶክስ ኤርትራ አብ አዝዩ ከቢድ ኩነታት ተርክብ አላ። ንስኻውን እጃምካ ግበር፤ ብስም ኦርቶዶክስ ብዙሕ ነገርውን ይግበር አሎ። አብ መተከልካ ጠጠው በል። አብ ጎንኻ አለኹ። ንአሰና ግን መሳርሒ አይንገበራ። አሰና ዓብይ ዕማም ኢያ ትዓምም ዘላ። ሚዛና ክትሕልው ስምዒትና ዘይኮነ፤ ውልቃዊ ጽልኢታትና ዘይኮነ፤ ጭቡጥ ሓበሬታ ንመግባ። እዚ ወደሓንካ። እንካ ሰላምታ አይደልን ኢየ። ነብስኻ ፈትሽ።

  • Eritra May 27, 2015

    When I read about government interference in religious affairs, I feel sad for my country and its people. In a country where a cruel dictatorship is trying to remain in power at any cost, manipulating religions can lead to unnecessary troubles for our different communities. Higef has no religion, they are godless. If they feel they are about to lose power, they don’t mind instigating a bloody conflict along confessional lines. People should be aware of this danger, do everything possible to remain united, and confront the evil together, before we get there.

  • abrham May 27, 2015

    ሃናን ሳራን ብዛዕባ ውልቀ ሰባት ስለምንታይ ተዘርበ ትብላ ኣሎኽን። ኣቱም ሰባት ኢሳያስውን እኮ ውልቀ ሰብ እዩ። ኣገልገልቱ ዕሱባቱንውን ውልቀ ሰባት እዮም።
    ብዛዕባ ናይ ግርማይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብስነ መዓድን ምምራቑን ኣብ ቤተ ክርስትያን ምግልጋሉን ትዛረቡ ኣሎኹም። ጸሃፍቲ ዝሓተትዎ? ኣብ መን ዲቁና ተዋሂቡ? ኣብ እግሪ የነታ ፈጺሙ ፊደል ዘይቆጸረ ውዳሰ ማርያም ዘይተማህረ፥ ሰኣታት ዘይፈልጥ፥ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣባል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን ዝኾነ፥ ድሕሪ ዮፍታሄ ንሃይማኖታዊ ጉዳያት ብዘለዎ ቅርበት ዝተመርጸ፥ ናይ ፖለቲካ ሰብ እዩ።
    ኣብ ኤውሮጳ ዘቕረቦ ጽሑፍ ትኽክል እቶም ጸሃፍቲ ዝሃብዎ እዩ። ቤተ ክርስትያንን ኣብ ክልተ ምምሕዳር ተኸፊላ፥ እቲ መንፈሳዊ እቶም ጳጳሳት እቲ ምምሕዳራዊ ድማ ንሕና ንሰርሖ ዶ ኣይኮነን ዝበለ? እሞ ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊት እቶም ኣቦታት ባዕሎም ዘመሓድርዋ፥ ካሊእ ሓገዝ እንተ ደለዩ፥ ውዳሴ ማርያም ዝደግሙ፥ መቕደስ ዝገሰሱ፥ ምስጢር ቤተ ክርስትያን ዝፈልጡ፥ ብየነታ ዝተመረቑ፥ ብዘመናዊ ትምህርቲ እንተ ኾነ ንግርማይ ዝዓጻጽፍዎ ሰብ PHD የለዉን ድዮም? ስለዚ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሓበላ ክንሓብእ ኣይንፈትን። ርእሰ ምትዕሽሻው እዩ።
    ሓቀኛ እንተ ኮይኑ፥ ፓትርያርክና ስለምንታይ ተኣሲሮም ክብል ዘይከኣለ እንታይ ኮይኑ፥ ኣሳሰይቲ ናይ በዓል ኣባ ሉቃስ ምዃኑ ኣበይ ክትሓብእዎ ትደልዩ ኣሎኹም? ኣብ ክንዲ ትጋገ ኣሎኻ ትብልዎ ደለይቲ ፍትሒ ተመሲልኩም ኣብ ነጸላ ህግደፍ ተሓቢእኩም ሰብ ከተደናግሩ ኣይትፈትኑ።
    መገዲ ህግደፍ ዘይፈልጥ የለን።

    • Tes May 28, 2015

      I do agree with every word. May be Sara & Haha are related to Germay I don’t know? But I ask assenna to do the policing is a bit like asking the impossible. This article seems to me all right it shows how hgdef operates. May be girmay has been forced to do the dirty work but to try to defend him here is some thing fishy. Let him defend himself when the time comes. But for the charge against him is clear and seems believable. He is not haleka if he is why is doing things doesn’t to his level. A work of Bishops. The question should be how can bring those charged to court of law?

  • መብርሂት May 27, 2015

    ሳራን ሃናን፥ እቲ ተባሂሉ ዘሎ ካልእ ትምልስኦ ካልእ። ግርማይ ኣበየናይ ገዳም ዛቂንካ? እያ ትብል፥ ንስኻትኩም ኣዲሳበባ ነይሩ? ቤተ ክርስትያን የገልግል ነይሩ? ትብሉ ኣሎኹም ማሕበረ ቅዱሳንውን እኮ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዘለዉ። ኣባሎምውን ይኸውን። ኣብ መማህራን ኣቕሽሽቲ እቲ ሕጊ ዛቑናይ ከማልኦ ዝግብኦ ኣየማልአን። ናይ ማዕድን ክኢላ እንተ ኮይኑ ኣብ ቢሻ ይስራሕ እምበር ኣብ ቤት መቅደስ እንታይ ኣለዎ? ቤተክርስትያን እኮ ሎሚ ክንደይ ብናታ ትምህርትን ብዘመናዊ ትምህርትን ዝበሰሉ፥ ዓለም ከመሓድሩ ዝኽእሉ ሊቃውንቲ ካህናትን ሃለቃታትን ኣለውዋ? ብሓቂ ናይ ህግደፍ ልኡኽ እንተዘይኮይኑ ስለምንታይ ኣቦና ይፈትሑ ኢሉ ዘይተኻትዐ? ስለምንታይ ምስ እዞም ተወጊዞም ዘለዉ ጳጳሳት ኢዶም ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ? ስለዚ እዚኦም ናይ ቤተክርስትን እዮም ኢልካ ምዝራብ ንዕቀት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንህግደፍ ደጊፉ ዓዲ ዓዲ ዝዛውን ሰብ ጥራይ እዩ ዝርከብ።

  • Simon G. May 27, 2015

    If this guy, Ghirmay, is AA U graduate, why is he still serving HGDF, willingly? That tells you this guy is upto no good. Why is HGDF paying highest attention on Orthodox? Are they doing the samething to other religions and we don’t hear about them or there is a reason for just orthodox?

  • AHMED SALEH !!! May 27, 2015

    It just shows you that we are still at the old Ethiopian feudal system
    to corrupt Orthodox Church for political purposes . Revolutionaries
    hypocrats act like king Hailesellasie era to mix religion with politics,
    what a joke .
    The entire Eritrean sociopolitical process needs reform to bring change for promising future , Orthodox Church issues is piece
    of parcel in our difficulties because it effects social affairs of our
    people . The same goes to others religious sects of the society .
    UNITY might confront to help ease tensions but division lead life
    to be valnurable for negative forces .

  • Mizaan1 May 27, 2015

    This is a very powerful message. I love it. HIGDEF is losing everywhere but they will live or die by the church and that is why they are focusing there very much. The followers of Abune Antonios have been the biggest headache for HIGDEF in the diaspora. Ajokum awetna keribu eyu.

  • Bilenay May 28, 2015

    we all agree both Orthodox and Muslim leaders in Eritrea are elected by the dictator to run his evil agendas to control the followers by putting pressure through these leaders for that reason they are also responsible for all crimes occurred in the last 24 years. It is a shame to see a religious leaders watch and support the dictator when their followers go through the hell to survive.

    • AHMED SALEH !!! May 28, 2015

      Bilenay
      I am not to defend anyone but you can’t ignore the truth that only Orthodox church leaders showed failure to mix politics with religion to corrupt their followers mind . Other religious leaders do not take part to play HGDF politics which is exactly the truth we all agree with , be honest.

Post a Reply to Abisho Cancel Reply