Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ – መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ) ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ”

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)  ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ) ቀዳማይ ክፋል መእተዊ       ደቅ-ሰብ መሰረት ባህርያት ህይወትና ካብ ዕሸልነትና ዘሰንየና ስነ-ምግብራዊ ኣተዓባብ’ዩ ዝውስኖ። ሃካያት ዲና ህርኩታት፣በቃቓት ዲና ለጋሳት፣ ሓቀኛታት ዲና ወስለትቲ፡ እሙናት ዲና

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ

መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)

 ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ”

ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ)

ቀዳማይ ክፋል

መእተዊ

      ደቅ-ሰብ መሰረት ባህርያት ህይወትና ካብ ዕሸልነትና ዘሰንየና ስነ-ምግብራዊ ኣተዓባብ’ዩ ዝውስኖ። ሃካያት ዲና ህርኩታት፣በቃቓት ዲና ለጋሳት፣ ሓቀኛታት ዲና ወስለትቲ፡ እሙናት ዲና ሰረቕቲ፣ ሓሰብቲ ጽቡቕ ዲና ተንኰለኛታት፣ ሰብ  ጽቡቕ ቅንኢ ዲና ሰብ ጸሊም/ሕሱም ቅንኢ፡ ታተ ኢልና ምስ ከባቢና ጕዕዞ ህይወት ምስ እንጅምር’ዩ ዚህነጽ። እቲ ኣዎንታዊ መዳያት ብርእሰ ተኣማንነት ዚደልደለ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣሉታዊ መዳያት ጠባይ ናይ ርእሰ ተኣማንነት ሃጓፍ ፈጢሩ ናብ መንገዲ ጥፍኣት ዚመርሕ ምዃኑ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ኣብነታት ኣብ ዕለታዊ ህይወትና እንዕዘቦ ነገር’ዩ።

           ኣብ ዓለም ብኢዶምን ብኢድ ኣዙርን ደም ኣሽሓት ንጹሃት ሰባት ኣፍሲሶም ኣብ ሃገራት ስደት ዚነብሩ ዘለዉ ከም ጻህያይ ምሒኻ ከተውጽኦም እንተ ዚከኣልሲ ክንደይ ምልዮናት ኮን ምኾኑ? ኣርሒቕና ከይከድና፡ ኣብዛ ድሕሪ መሪርን ክቡርን መስዋእቲ ናጽነታ ዝረኸበት ኤርትራ ሃገርናኸ! ክንደይ ኮን ይህልዉ ብስም ተጋደልቲ፡ ብሓለፍቶም ተላኢኾም ድዮም ሓለፍቲ ኮይኖም ደም ንጹሃት ኣሓትን ኣሕዋትን ዜጋታት ኣፍሲሶም፡ ኣካላቶም ቀለብ ኣሞራ ኪኾኑ ደርቢዮም ሎሚ ኣብ ሃገራት ስደት ብጕልባብ ሓሶት ኣቲዮም ብሰላም ዚነብሩ ዘለዉ ኤርትራዊ ወለዶ’ምበር ኤርትራዊ ባህሪያት ዘይብሎም፡ ብታሪኽ ዚሕተቱ በላዕቲ ሰቦም ክንደይ ኮን ይህልዉ? ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ፣ ኣብ ልዕሊ መሬት ዚፍጸም ኩሉ ጽቡቕን ክፉእን ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ኸኣ ምቅልዑ ኣይተርፎን’ዩ።

ናብ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ንኽንኣቱ፡ ብጕልባብ ሓሶት ገበናታ ቀቢራ ንነዊሕ ዓመታት ተኸዊላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ ” ከም ዝበሃል፡ ብኣውያት ደም ንጹሃት እትቃላዓሉ ጊዜ ግዲ ኣኺሉ ኾይኑ፡ ብርኽቲ ፍስሃየ ከም ጥቅውቲ፡ ካልኦት ከም ገበነኛታት ዚረቍሕ፡ ብነቲሕ ሓሶት ዚሸተተ: ይጽንሓልኪ! ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ጽሒፋ፡ ኣስማት ንጹሃት ሰባት ኣጸሊማ ንኣእምሮ ነበብቲ ብምምራዝ ገንዘብ ክትድልብ እትህቅን ዘላ ዘርኢ ክርዳድ ኤርትራ መን ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ዝወዓለ ይንገርካ ኢዩሞ፡ ካብ ናይ ዕሸልነት ዕድመ ፈለጥታ ንመኣዲ ሓቂ ንቐደም በሉ።

ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ) መንያ?

ንጉስ መናግስቱ፡ ንኡስ መናእስቱ”  ከም ዝበሃል፡ ንሰብ ካብ መታዓብይቱ ንላዕሊ ባህርያቱ ኪፈልጦ ዝኽእል ሰብ የለን፤ ንምንታይ ወለዲ ንውላዶም ኣብ ቤት ብዘርእዩዎ ጥንቁቕ ጠባያት ድኣ’ምበር፡ ኣብ ደገ ዘርእዩዎ ፍኑው ጠባያት ተኻታቲሎም ንምዕዛቦም ከርክቡሉ ስለ ዘይኽእሉ፡ ንዓኣቶም ተኸዊሉ’ዩ ዚነብር። በዚ መሰረት’ዚ፡ ናይዛ ዝተጠቅሰት ሰብ  ብዛዕባ ግዳማዊ ጠባያን ኣመላን ካብ መሳቱኣ ንላዕሊ ብዘይተጋነነ መንገዲ ብጭብጢ ከቕርብ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ኮይኑ ኸኣ፡ እዛ ሰብ እዚኣ ካብ ሰዊት ዕድሜኣ ኣትሒዛ ብሕማቕ ቅንእን ተንኰልን ዝተበከለት ምንባራ ብግልጺ እንዕዘቦ ዝነበርናን ካብኣ ክንርሕቕ ዘገደደናን ኩነታት ኢዩ ኔሩ። ካብ ቅናት ኣዲኣን ካብ ማሕፎዳ ኣቦኣን ገንዘብ እናሰረቐት፡ ብዕዉር ስምዒት ተዋሒጣ ፍቕሪ ደቅ ተባዕትዮ ክትገዝእ ትፍትን ከም ዝነበረት ናይ ኣዒንቲ ምስክራት ዝነበርና ኣነን ደቂ ገዛውትና መሓዙተይን ከም ኣጻብዕ ኢድና እንፈልጣ፡ መኣዝን ክብረት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰሓተት ድኽምቲ ኤርትራዊት ዜጋ ምንባራ ይዝከር። ሳሕቲ ምስ ዕድመ ምብሳል፡ ሰብ ኣብ ህይወቱ ጽቡቕ ለውጢ የርኢ ኢዩ። እዛ ፍጮ ሃገር ግን ናይ ከምኡ ጸጋ ኣይተዓደለትን። ከምቲ ለባማት ወለዲ – ኣመል ምስ መግነዝኢሎም ዝመሰሉዎ፡ ልባ ፈልሲ ተንኰል ካብ ምዃን ዕረፍቲ ስለ ዘይረኸበት፡ ናይ ሓሶትን ስርቅን ጽዩፍ ኣመል ከይኣኽላ፡ ጸለመ ንጹሃት ዜጋታት ናብ ገበናዊ ስርሓት ኣሳዕሪራቶ ትርከብ። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ተዓጢቓቶ ትጐዓዝ ከም ዘላ ብብዙሕ ኵርናዓት ብዝተፈላለየ ትዕዝብቲ ዝፈልጡዋ ሰባት ዚምስክሩዎ ሓቂ’ዩ።

እቲ ዝዓበየ ምስክር ዙርግን ገበናውን ህይወታ ግን እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ታዕሪፋ ዘየውጽእ፡ ኣብ ናይ ፈጠራ ዓለም ከም እትነብር ዘነጽር፡  ነዳይ ርእሰ ተኣማንነት ምዃና ዝሕብር፡ ብሕማቕ ቅንእን መርዛም ተንኰልን ዘጥፍኣቶም ንጹሃት ኤርትራውያን ኣውያቶም ድቃስ ከሊኡዋ ንኽትቃላዕ ዝጸሓፈቶ፡ ብኣጻሓሕፋኡን ትሕዝቶኡን ብኣብ ደረጃ ሰዋሱዋዊ እሩም ኣዘራርባ ዘይበጽሐ ብዕሸል ዝተጻሕፈ ዝመስል መጽሓፋ ኢዩ። ሓቂ ንምጕላሕ ዝርዝር እነሆ።

ብርኽቲ ፍሰሃየ ካበይ ቦታ ከምዝመጸት ኣይፈልጥን፣ ናብቲ ኣነ ዝነብረሉ ገዛ ባንዳ (ኣዲስ ኣለም) ትመጽእ’ሞ፡ ኣባይን ኣብ ልዕሊ ብጾተይን ሕማቕ ቅንእን ጽልእን ብምሕዳር፡ ኣብ መንጎተን ፍቑራት መሓዙት ምፍልላይ ክትፈጥር ብዙሕ ፈቲና። ኣነን መሓዙተይን ግን ቀልጢፍና ተዓዘብናያ። ካብ ስድራኣ ሰሪቓ ንዕናይ ከሐሽሸኪ ትብል ዝነበረት፡ ነዲኣ ወላዲታ እዛ ጽልልቲ ሰበይቲ እንተ ዘይኮይኑ ኣደይ ኢላ ክትጽውዐን ተሰሚዓ ዘይትፈልጥ ብስድነት ዝዓበየት ኢያ ኔራ። ኣዲኣ ገንዘብ ትሰርቀን ከም ዝነበረት ስለ ዝፈልጣ ከኣ፡  ማዕጾ መደቀሲአን ብመፍትሕ ዓጺየን ኣብ ቱሽትሸን ይሕዝኦ ነበራ፡፡ እንተ ኾነ ግን፡ ብርኽቲ መፍትሕ ኣቕዲሓ ነዲኣ ትሰርቀን ከም ዝነበረት ምስ ሓፍታ ትዕግስቲ ፍሰሃየ ክባኣሳ ከለዋ ክነግረልኪ ኢየ ኢለን ሓድሕደን ብምክሳስ ጉደን ዝዋጽኣ ዝነበራ ኣሓት ኢየን።

ኣብዚ ጊዜ ንእስነትና እዛ ሓሳዊት ደራሲት ንሓደ ዮውሃንስ ርእሶም ዝተባህለ መልክዐኛን ስነ ስርዓት ዝነበሮን ወዲ ትፈቱ’ሞ፡ ንዓኡ ንኽትረክብ ዘይትገብሮ ነገር ኣይነበራን፣ ገንዘብ ሰሰሪቓ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዝበለጸ ክዳውንቲ ትኽደንን ትረግጽን ኔራ። እንተ ኾነ ግን፡ እቲ ዝፈተወቶ ወዲ ኣብ እዋን ልደት ብሓንቲ መሓዛና ጌሩ እፈትወኪ ኢየ ትብል ካርድ ስለ ዝለኣኸለይ ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣብ ልዕለይ ፍሉይ ጽልኢ ኣሕደረት። ብድሕሪ’ዚ ምስ ሓደ መኮነን ኣለማየሁ ዝተባህለ ወዲ ዕርክነት ትገብር። መኮነን ክእለት ዘረባ ዝነበሮ፡ ሕማቕ ዘይወጾ፡ ምስዕሳዕ ዝፈቱ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ብርኽቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ትሕዝ ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ፡ ገንዘብ ኣምጽእለይ ዝዓይነቱ እናተዛረባ ምስ ካልኦት ክወጽእ ትርእዮ ስለ ዝነበረት ጽልኢ ኣብ ርእሲኡ ኣሕደረት።

ብሓጺሩ፡ ብርኽቲ ፍሰሃየ ናይ ሰብ ጽቡቕ ዘይትፈቱ፡ ንሳ ንበይና ክትጽብቕን ክትክደንን፡ ኩሉ ወዲ ኣስመራ ንዓኣ ጥራይ ክፈቱ ትደሊ፡ ብሕማቕ ቅንኢ ተወሪሳ ዝነበረት ሰብ ኢያ። ብኣንጻሩ፡ ብኹሉ ሰብ ከም ሓሳዊት፡ ሰራቒት፡ ስዲን፡ ምስ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ትኸይድ ከም ዝነበረት ትፍለጥ። ካብ ገዝኣ ከይወጸት ከላ ኣብ ንእስነታ ዝዓወለት ፋሉል ኢያ ነይራ። ካብ ወለዳ ከይወጸት ከላ፡ ጓል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ጥቓ ማይ ጃሕጃሕ፡ ገዛ ባንዳ ገዛ ምስ ዝተኻረዩ ኣወዳት ትምህርቲ ኣቋሪጻ ምስኦም ትውዕልን ትሓድርን ከም ዝነበረት ንፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትወጽእን ክትኣቱን ንርእያ ኔርና ኢና።

እቲ ዘኽብሮ በዓል ቤተይ ንኽጽሕፍ ኣተባቢዑኒ ዝበለቶ ተስፋይ ኣርዓዶም፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓደ መሬት ይፍጠሩ ከም ዝበሃል፡ ሓደ ባህርያት ስለ ዘለዎም፡ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ናብ ምንታይ ክበጽሕ ከም ዝደለየ ኣጸቢቑ ስለ ዝርድኣኒ ብዙሕ ኣይጭነቀሉን ኢየ፡፡ እቲ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ዓመታት ዝረኸበቶ ሰብኣየይ ትብሎ ኣብ ሓደ ከተማ ንቕመጥ ስለ ዝነበርና፡ ታሪኸይ ክትነግረለይ ኢያ’ሞ ከይቀደመትኒ ክቕድማ ኢዩ ነገሩ!!! በዓል ቤትኪ ተስፋይ ኣርዓዶም ከምዚ ናትኪ ዝዓይነቱ ሕማም ስለ ዘሎዎ’ዩ፡ ከምቲ ባዕልኺ ኣተባቢዑኒ ዝበልኪዮ፡ ነዚ ክትገብሪ ደፋፊኡኪ። ንምዃኑ ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ 2008 ምስ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ (ሒምኡ) ከምዝነበረ ኢዩ ዝርድኣኒ። ንስኺ ግን ምስ ዝፈትዎ በዓል ቤተይ ኢልኪ ስእልኹም ኣብቲ ናይ ሓሶት መጽሓፍኪ ለጢፍኪዮ። ን ተ.ሓ.ኤ. ኣታሊልኪ፣ ሕጂ ድማ ን ህግደፍ ከተታልሊ ምሳኹም እየ፡ ናትኩም ኢየ፡ ኣብ ቅኑዕ መትከል ተሰሊፈ፡ ፈስቲቫል እባ ውዒለ እንዳ በልኪ ከም ቈልዓ ክትጥብርዮም ትፍትኒ ኣሎኺ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • Yonas January 10, 2014

    This is a typical cat fight. Or should I say, two pussies fighting over an old dick? In any case, the “article” can potentially render Assenna a tabloid site. It is better to remove it and I suggest Gual Langano and Gual Birjwa take their fight to Jerry Springer’s Show.

    • D.L. January 10, 2014

      You like everyone else has an opinion and that’s completely fine. However, I think it would be a better representation of your own character if you refrained from such vulgarity. Gual Langano is only defending herself after having been accused of many things in the book.

  • nobel January 10, 2014

    this article reminds me – SEB ZEWE ENTEBLKOS BEAL BELES.

  • mai_Edaga January 10, 2014

    Aman, bejaka iza wiriziyiti web site dimixi wuxuat mengsti kitikiyir inda texebenasi inda komaro inda MEDIHIN BERAD ayitgibera iba

  • luna January 10, 2014

    The message is useless and must have been deleted from the start before even contemplating to post it. Where is the responsibility of the Assenna staff? It is shameful for the article to take this much valuable space. Please, respect the readers!

    The forum is a stage for transmitting information, teaching and entertaining the wider public. There was a lapse of judgement by Assenna staff. They are expected to have good judgement in order to differentiate good from bad article at all times. By the way, I didn’t understand what the intention or motive was for using such slanderous vocabularies?

  • John January 10, 2014

    Gual Langano,

    How old are you? I expect this from a 13 year old girl. Please grow up and do not let Mr Adhanom’s name be used in vain. I know him very well and he is a gentleman. Sorry to read that you are his daughter. May god help you.

  • Sam January 10, 2014

    Judging from the title and looking at the cover of a book, I thought this article is going to be a critical review of the book. Now I regret wasting my time reading it and how it lowered the standard of this site.

    Trashy thoughts doesn’t come to any normal person naturally. They have to be trash them selves in order to accommodate such thoughts. whoever you are (the writer of this article)what you wrote reflects more about you than the person you are trying to character assassinate. I don’t care to know who that person (the author) is either. If you have any self respect and respect for others, you should have focused on the content of the book rather than the writer. At least that person you are trying to attack wrote a book, what do you have to show for your self?

    To the assenna editor, please remove this article simply to maintain the respect and standard of this site. Also, such articles should have been filtered out before they make it to the front page. Please try to maintain the quality of articles released on your site. At the end of the day, the articles on the site reflect the quality and standard of the site.

    Thanks,

  • mesel January 11, 2014

    ኢሂ’ታ ፥ አንታይ ኮይንኩም ጫቕጫቕ ትብሉ!!
    ኣነ ጽሑፍ ናይ ጽገወይኒ ብሓቂ ኣይጸላኩዎን። ዋላ ‘ካ ስም ክረኽበሉ እንተዘይካኣልኩ ኣብኡ እንከሎ ግን ደስ ኢሉኒ። ነቐፌታ ናይታ መጽሓፍ ኣይኮነ ገምጋም፥ ግን ደስ ኢሉኒ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ”ዝኾነ ጽሑፍ ንኣተሓስሳባን ባህርያትን ጸሓፊኡ የንጸባርቕ።” ፥ እወ የንጸባርቕ። ሓሳዊ ዝጸሓፎ እልቢ ዘይብሉ ሓሶት ኣለዎ። ጨካን ሰብ ዝጸሓፎ መዓት ጭካነ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ዘይፈርሕ ሰብ ዝጸሓፎ ከምኡ ንቃል ኣምላክ ክብሪ ዘይህብ ምከናታት ክርከቦ ግድን እዩ። እቲ ጸሓፊ ንድኻታት ይሓሊ ዶ ኣይሓልን ክትፈልጥ ኣብ ጽሑፋቱ ነቶም ድኻታት ጌሩ ዝሃንጾም ጠባያት ከመይ ጌሩ ይሃንጾም ባዕሉ ዩ ዝዛረብ። ብዝኾነ እዚ ጽገወይኑ ዝበለቶ ኣብ ኣገባብ እንተዘይኮይኑ ”ሓሳዊ ሓሶት ይጽሕፍ” ምባላ ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ውን ቅኑዕ’ዩ። ዳሕራይ ኣነ ብወገነይ ካብ ኣንስተይቲ ተስፋይ ኣርዓዶም ጽቡቕ ክጽበ እጸግመኒ ዩ። ንሱን ኣተሓሳስብኡን ምኽሪታቱን ኣብ ጽሑፍ ሰበይቱ ክርከብ ግድን ስለ ዝኾነ፥ እዚ መጽሓፍ ናይ’ዛ ኣንስተይቲ ተስፋይ ጨው ክህሉዎ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሳዋ መምህራን ክትኮኑ ተባሂልና ምስ ከድና 8 ወርሒ ተደርቢና ኣብ መዓስከር ገሊኣ ብጭንቀት ተጸሊላ ገሊኣ ድማ ነብሰ-ቅትለት እናገበረት፥ ተስፋይ ኣርዓዶም ሓንቲ ብጻብዕትኻ ተተንኪፍካ ትሰርሕ ኢንተርነት ዘለዋ ሞባይል ጌሩ መደረ ሓሶት ከስማዓና እንከሎ፥ እቶም መንእሰያት ድማ ”ግዳይ ደናቁር ካድረታት ህግደፍ ዝኾነ ዶክተር የ ባሃሊ” እናበሉ ክስሕቅሉ ከለዉ እዝከረኒ። ልዕሊኡ ንቕሓት ንዘለዎም መንእሰያት ግን ከኣ ብብረት እናተሓለዉ ንዝሰምዑዎ ዘለዉ መንእሰያት ይምህር ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ምሁር የ በሃሊ። ሕጅስ ነዚኦም ድኣ እንተተኻኢሉ ሓሳባቶም ጥራይ ዘይክነስ ዘርኦም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ከይድገም እምበር ደው ተብሎ። ምኽንይያቱ ነቲ ዝተፈጥርሉ ሕብረተ-ሰብ እንትርፎ ክጎድእዎ ክጠቕሙዎ ስለ ዘይክእሉ።

  • hager January 11, 2014

    Hi please dont turn our channel to your private affair.

  • jack January 11, 2014

    Assenna waa not suppose to post such personal issues, assenna foundation has so many things to post.We need to maintain the quality we shouldn’t go down. Assenna has hunderds of thousands readers.

  • solomon January 11, 2014

    HEFTINA ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ) EZI ERIYRAY NAY MENGEDI TSIHUFKI ENTEZITERFEKI MIHESHE SEB KABZI NATKI TSUHUF ENTAY EIYU KIMIHER TIDELIYI ZELOKI ??????????????????????????? KAB SOLOMON

POST A COMMENT