Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ – መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ) ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ”

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)  ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ) ቀዳማይ ክፋል መእተዊ       ደቅ-ሰብ መሰረት ባህርያት ህይወትና ካብ ዕሸልነትና ዘሰንየና ስነ-ምግብራዊ ኣተዓባብ’ዩ ዝውስኖ። ሃካያት ዲና ህርኩታት፣በቃቓት ዲና ለጋሳት፣ ሓቀኛታት ዲና ወስለትቲ፡ እሙናት ዲና

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ

መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)

 ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ”

ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ)

ቀዳማይ ክፋል

መእተዊ

      ደቅ-ሰብ መሰረት ባህርያት ህይወትና ካብ ዕሸልነትና ዘሰንየና ስነ-ምግብራዊ ኣተዓባብ’ዩ ዝውስኖ። ሃካያት ዲና ህርኩታት፣በቃቓት ዲና ለጋሳት፣ ሓቀኛታት ዲና ወስለትቲ፡ እሙናት ዲና ሰረቕቲ፣ ሓሰብቲ ጽቡቕ ዲና ተንኰለኛታት፣ ሰብ  ጽቡቕ ቅንኢ ዲና ሰብ ጸሊም/ሕሱም ቅንኢ፡ ታተ ኢልና ምስ ከባቢና ጕዕዞ ህይወት ምስ እንጅምር’ዩ ዚህነጽ። እቲ ኣዎንታዊ መዳያት ብርእሰ ተኣማንነት ዚደልደለ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣሉታዊ መዳያት ጠባይ ናይ ርእሰ ተኣማንነት ሃጓፍ ፈጢሩ ናብ መንገዲ ጥፍኣት ዚመርሕ ምዃኑ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ኣብነታት ኣብ ዕለታዊ ህይወትና እንዕዘቦ ነገር’ዩ።

           ኣብ ዓለም ብኢዶምን ብኢድ ኣዙርን ደም ኣሽሓት ንጹሃት ሰባት ኣፍሲሶም ኣብ ሃገራት ስደት ዚነብሩ ዘለዉ ከም ጻህያይ ምሒኻ ከተውጽኦም እንተ ዚከኣልሲ ክንደይ ምልዮናት ኮን ምኾኑ? ኣርሒቕና ከይከድና፡ ኣብዛ ድሕሪ መሪርን ክቡርን መስዋእቲ ናጽነታ ዝረኸበት ኤርትራ ሃገርናኸ! ክንደይ ኮን ይህልዉ ብስም ተጋደልቲ፡ ብሓለፍቶም ተላኢኾም ድዮም ሓለፍቲ ኮይኖም ደም ንጹሃት ኣሓትን ኣሕዋትን ዜጋታት ኣፍሲሶም፡ ኣካላቶም ቀለብ ኣሞራ ኪኾኑ ደርቢዮም ሎሚ ኣብ ሃገራት ስደት ብጕልባብ ሓሶት ኣቲዮም ብሰላም ዚነብሩ ዘለዉ ኤርትራዊ ወለዶ’ምበር ኤርትራዊ ባህሪያት ዘይብሎም፡ ብታሪኽ ዚሕተቱ በላዕቲ ሰቦም ክንደይ ኮን ይህልዉ? ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ፣ ኣብ ልዕሊ መሬት ዚፍጸም ኩሉ ጽቡቕን ክፉእን ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ኸኣ ምቅልዑ ኣይተርፎን’ዩ።

ናብ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ንኽንኣቱ፡ ብጕልባብ ሓሶት ገበናታ ቀቢራ ንነዊሕ ዓመታት ተኸዊላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ ” ከም ዝበሃል፡ ብኣውያት ደም ንጹሃት እትቃላዓሉ ጊዜ ግዲ ኣኺሉ ኾይኑ፡ ብርኽቲ ፍስሃየ ከም ጥቅውቲ፡ ካልኦት ከም ገበነኛታት ዚረቍሕ፡ ብነቲሕ ሓሶት ዚሸተተ: ይጽንሓልኪ! ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ጽሒፋ፡ ኣስማት ንጹሃት ሰባት ኣጸሊማ ንኣእምሮ ነበብቲ ብምምራዝ ገንዘብ ክትድልብ እትህቅን ዘላ ዘርኢ ክርዳድ ኤርትራ መን ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ዝወዓለ ይንገርካ ኢዩሞ፡ ካብ ናይ ዕሸልነት ዕድመ ፈለጥታ ንመኣዲ ሓቂ ንቐደም በሉ።

ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ) መንያ?

ንጉስ መናግስቱ፡ ንኡስ መናእስቱ”  ከም ዝበሃል፡ ንሰብ ካብ መታዓብይቱ ንላዕሊ ባህርያቱ ኪፈልጦ ዝኽእል ሰብ የለን፤ ንምንታይ ወለዲ ንውላዶም ኣብ ቤት ብዘርእዩዎ ጥንቁቕ ጠባያት ድኣ’ምበር፡ ኣብ ደገ ዘርእዩዎ ፍኑው ጠባያት ተኻታቲሎም ንምዕዛቦም ከርክቡሉ ስለ ዘይኽእሉ፡ ንዓኣቶም ተኸዊሉ’ዩ ዚነብር። በዚ መሰረት’ዚ፡ ናይዛ ዝተጠቅሰት ሰብ  ብዛዕባ ግዳማዊ ጠባያን ኣመላን ካብ መሳቱኣ ንላዕሊ ብዘይተጋነነ መንገዲ ብጭብጢ ከቕርብ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ኮይኑ ኸኣ፡ እዛ ሰብ እዚኣ ካብ ሰዊት ዕድሜኣ ኣትሒዛ ብሕማቕ ቅንእን ተንኰልን ዝተበከለት ምንባራ ብግልጺ እንዕዘቦ ዝነበርናን ካብኣ ክንርሕቕ ዘገደደናን ኩነታት ኢዩ ኔሩ። ካብ ቅናት ኣዲኣን ካብ ማሕፎዳ ኣቦኣን ገንዘብ እናሰረቐት፡ ብዕዉር ስምዒት ተዋሒጣ ፍቕሪ ደቅ ተባዕትዮ ክትገዝእ ትፍትን ከም ዝነበረት ናይ ኣዒንቲ ምስክራት ዝነበርና ኣነን ደቂ ገዛውትና መሓዙተይን ከም ኣጻብዕ ኢድና እንፈልጣ፡ መኣዝን ክብረት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰሓተት ድኽምቲ ኤርትራዊት ዜጋ ምንባራ ይዝከር። ሳሕቲ ምስ ዕድመ ምብሳል፡ ሰብ ኣብ ህይወቱ ጽቡቕ ለውጢ የርኢ ኢዩ። እዛ ፍጮ ሃገር ግን ናይ ከምኡ ጸጋ ኣይተዓደለትን። ከምቲ ለባማት ወለዲ – ኣመል ምስ መግነዝኢሎም ዝመሰሉዎ፡ ልባ ፈልሲ ተንኰል ካብ ምዃን ዕረፍቲ ስለ ዘይረኸበት፡ ናይ ሓሶትን ስርቅን ጽዩፍ ኣመል ከይኣኽላ፡ ጸለመ ንጹሃት ዜጋታት ናብ ገበናዊ ስርሓት ኣሳዕሪራቶ ትርከብ። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ተዓጢቓቶ ትጐዓዝ ከም ዘላ ብብዙሕ ኵርናዓት ብዝተፈላለየ ትዕዝብቲ ዝፈልጡዋ ሰባት ዚምስክሩዎ ሓቂ’ዩ።

እቲ ዝዓበየ ምስክር ዙርግን ገበናውን ህይወታ ግን እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ታዕሪፋ ዘየውጽእ፡ ኣብ ናይ ፈጠራ ዓለም ከም እትነብር ዘነጽር፡  ነዳይ ርእሰ ተኣማንነት ምዃና ዝሕብር፡ ብሕማቕ ቅንእን መርዛም ተንኰልን ዘጥፍኣቶም ንጹሃት ኤርትራውያን ኣውያቶም ድቃስ ከሊኡዋ ንኽትቃላዕ ዝጸሓፈቶ፡ ብኣጻሓሕፋኡን ትሕዝቶኡን ብኣብ ደረጃ ሰዋሱዋዊ እሩም ኣዘራርባ ዘይበጽሐ ብዕሸል ዝተጻሕፈ ዝመስል መጽሓፋ ኢዩ። ሓቂ ንምጕላሕ ዝርዝር እነሆ።

ብርኽቲ ፍሰሃየ ካበይ ቦታ ከምዝመጸት ኣይፈልጥን፣ ናብቲ ኣነ ዝነብረሉ ገዛ ባንዳ (ኣዲስ ኣለም) ትመጽእ’ሞ፡ ኣባይን ኣብ ልዕሊ ብጾተይን ሕማቕ ቅንእን ጽልእን ብምሕዳር፡ ኣብ መንጎተን ፍቑራት መሓዙት ምፍልላይ ክትፈጥር ብዙሕ ፈቲና። ኣነን መሓዙተይን ግን ቀልጢፍና ተዓዘብናያ። ካብ ስድራኣ ሰሪቓ ንዕናይ ከሐሽሸኪ ትብል ዝነበረት፡ ነዲኣ ወላዲታ እዛ ጽልልቲ ሰበይቲ እንተ ዘይኮይኑ ኣደይ ኢላ ክትጽውዐን ተሰሚዓ ዘይትፈልጥ ብስድነት ዝዓበየት ኢያ ኔራ። ኣዲኣ ገንዘብ ትሰርቀን ከም ዝነበረት ስለ ዝፈልጣ ከኣ፡  ማዕጾ መደቀሲአን ብመፍትሕ ዓጺየን ኣብ ቱሽትሸን ይሕዝኦ ነበራ፡፡ እንተ ኾነ ግን፡ ብርኽቲ መፍትሕ ኣቕዲሓ ነዲኣ ትሰርቀን ከም ዝነበረት ምስ ሓፍታ ትዕግስቲ ፍሰሃየ ክባኣሳ ከለዋ ክነግረልኪ ኢየ ኢለን ሓድሕደን ብምክሳስ ጉደን ዝዋጽኣ ዝነበራ ኣሓት ኢየን።

ኣብዚ ጊዜ ንእስነትና እዛ ሓሳዊት ደራሲት ንሓደ ዮውሃንስ ርእሶም ዝተባህለ መልክዐኛን ስነ ስርዓት ዝነበሮን ወዲ ትፈቱ’ሞ፡ ንዓኡ ንኽትረክብ ዘይትገብሮ ነገር ኣይነበራን፣ ገንዘብ ሰሰሪቓ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዝበለጸ ክዳውንቲ ትኽደንን ትረግጽን ኔራ። እንተ ኾነ ግን፡ እቲ ዝፈተወቶ ወዲ ኣብ እዋን ልደት ብሓንቲ መሓዛና ጌሩ እፈትወኪ ኢየ ትብል ካርድ ስለ ዝለኣኸለይ ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣብ ልዕለይ ፍሉይ ጽልኢ ኣሕደረት። ብድሕሪ’ዚ ምስ ሓደ መኮነን ኣለማየሁ ዝተባህለ ወዲ ዕርክነት ትገብር። መኮነን ክእለት ዘረባ ዝነበሮ፡ ሕማቕ ዘይወጾ፡ ምስዕሳዕ ዝፈቱ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ብርኽቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ትሕዝ ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ፡ ገንዘብ ኣምጽእለይ ዝዓይነቱ እናተዛረባ ምስ ካልኦት ክወጽእ ትርእዮ ስለ ዝነበረት ጽልኢ ኣብ ርእሲኡ ኣሕደረት።

ብሓጺሩ፡ ብርኽቲ ፍሰሃየ ናይ ሰብ ጽቡቕ ዘይትፈቱ፡ ንሳ ንበይና ክትጽብቕን ክትክደንን፡ ኩሉ ወዲ ኣስመራ ንዓኣ ጥራይ ክፈቱ ትደሊ፡ ብሕማቕ ቅንኢ ተወሪሳ ዝነበረት ሰብ ኢያ። ብኣንጻሩ፡ ብኹሉ ሰብ ከም ሓሳዊት፡ ሰራቒት፡ ስዲን፡ ምስ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ትኸይድ ከም ዝነበረት ትፍለጥ። ካብ ገዝኣ ከይወጸት ከላ ኣብ ንእስነታ ዝዓወለት ፋሉል ኢያ ነይራ። ካብ ወለዳ ከይወጸት ከላ፡ ጓል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ጥቓ ማይ ጃሕጃሕ፡ ገዛ ባንዳ ገዛ ምስ ዝተኻረዩ ኣወዳት ትምህርቲ ኣቋሪጻ ምስኦም ትውዕልን ትሓድርን ከም ዝነበረት ንፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትወጽእን ክትኣቱን ንርእያ ኔርና ኢና።

እቲ ዘኽብሮ በዓል ቤተይ ንኽጽሕፍ ኣተባቢዑኒ ዝበለቶ ተስፋይ ኣርዓዶም፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓደ መሬት ይፍጠሩ ከም ዝበሃል፡ ሓደ ባህርያት ስለ ዘለዎም፡ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ናብ ምንታይ ክበጽሕ ከም ዝደለየ ኣጸቢቑ ስለ ዝርድኣኒ ብዙሕ ኣይጭነቀሉን ኢየ፡፡ እቲ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ዓመታት ዝረኸበቶ ሰብኣየይ ትብሎ ኣብ ሓደ ከተማ ንቕመጥ ስለ ዝነበርና፡ ታሪኸይ ክትነግረለይ ኢያ’ሞ ከይቀደመትኒ ክቕድማ ኢዩ ነገሩ!!! በዓል ቤትኪ ተስፋይ ኣርዓዶም ከምዚ ናትኪ ዝዓይነቱ ሕማም ስለ ዘሎዎ’ዩ፡ ከምቲ ባዕልኺ ኣተባቢዑኒ ዝበልኪዮ፡ ነዚ ክትገብሪ ደፋፊኡኪ። ንምዃኑ ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ 2008 ምስ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ (ሒምኡ) ከምዝነበረ ኢዩ ዝርድኣኒ። ንስኺ ግን ምስ ዝፈትዎ በዓል ቤተይ ኢልኪ ስእልኹም ኣብቲ ናይ ሓሶት መጽሓፍኪ ለጢፍኪዮ። ን ተ.ሓ.ኤ. ኣታሊልኪ፣ ሕጂ ድማ ን ህግደፍ ከተታልሊ ምሳኹም እየ፡ ናትኩም ኢየ፡ ኣብ ቅኑዕ መትከል ተሰሊፈ፡ ፈስቲቫል እባ ውዒለ እንዳ በልኪ ከም ቈልዓ ክትጥብርዮም ትፍትኒ ኣሎኺ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • harmazh January 14, 2014

    I dont know to say! but i think she is realy talent.

  • Abeba G/Juesus January 21, 2014

    I 2nd this “ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ ”

  • Denden Hager January 25, 2014

    “ብሕማቕ ቅንእን መርዛም ተንኰልን ዘጥፍኣቶም ንጹሃት ኤርትራውያን ኣውያቶም ድቃስ ከሊኡዋ ንኽትቃላዕ ዝጸሓፈቶ፡ ” Hope their cries will be hared and she will brought to justice.

POST A COMMENT