Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ንሓያለ ሰዓታት ብመካይንን ነፈርትን ተጓዒዞም፣ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ቅድሚ ምእታዎም ካብ ኣንጊሆም ኣብ ኒውዮርክ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ብዘየማትእ መንገዲ ክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ብምምስካር፣ እቲ ስርዓት ማዕረ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምእተፍጸመ ስግኣት ከምዘለዎም ንዓለም ምግላጹ እናኣመስገኑ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውንታዊ ጻዕሩ ብምቕጻል ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርብ ምትሕብባር  ክገብር ጸዊዖም።

ኣብቲ ሎሚ ብውዕዉዕ ሃገራውን ናይ ለውጥን መንፈስ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ፣ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ቆሪጾም ካብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ሓያለ ግዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ተሳቲፎም።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ከፊቶሞ። ድምቀት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቓልቦ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑን ዝቕመጡን ተቐማጦ ኒውዮርክ ‘ውን ስሒቡ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ነዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንዘካይዱዎ ሰልፍታት ንምትዕንቓፍ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ዝንቀሳቐሱ ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሰሮም ጠፊኡ ተሓቢኦም ‘ምውዓሎም እዩ። እዚ ድማ፣ ሚዛን ሓይሊ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ዘንቢሉ ህላዉ ዘረጋግጽ እዩ።

ስእላዊ መግለጺ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምርኣይ ቀጽሉ

IMG_4801

 

 

 

 

 

 

IMG_4789IMG_4751IMG_4750ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ነቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ሰለማዊ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ቪድዮ፣ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
80 COMMENTS
  • mulugeta tekle October 29, 2015

    Proud my great eritrian old and young thank you for showing the unity

  • AHMED SALEH October 29, 2015

    NEW YORK HEARD ERITREAN JUSTICE SEEKERS VOICES IN UNISON .
    We made it brothers and sisters peacefully with civility.
    I admire the dedication of those who traveled from far places
    to attend on behalf the forgotten voiceless oppressed fellows .
    Congratulation for the job well done .
    POWER TO OUR PEOPLE .

    • AHMED SALEH October 29, 2015

      I want say ; proud of you , to all our sisters some with modern some
      with traditional dressings that made the demonstration a reflection
      of Eritrean society desire for justice and equality .
      Viva geghanu awald deki adey , kibretkn yihabkn .

      • Genet-orginal October 31, 2015

        Thank you

      • Genet-orginal October 31, 2015

        Dear AHMED SALEH.
        Thank you for the encouragement. The event was empowering. We spoke the truth without fear. We sent the message to our people in Eritrea that we are on their side NOT on the dictator’s side. On behalf of them, we spoke up. We became their voice. Our people are suffering in silent inside Eritrea. We told them we feel their pain.
        God bless our people and country!
        We shall overcome!
        Genet-O

  • Tesfaldet abraha October 29, 2015

    If this report is fail are going to start VANDELAIZiNG.embassy like you did before

    • Erena October 29, 2015

      You are frustrated aren’t you? Yes, it was a successful demonstration against the dictator. Why can’t you wish the Eritrean people what you have, which is FREEDOM?

    • Stefanos Temolso October 30, 2015

      Poor guy! You were simply dreaming for the failure of the demo! Well it was successful. What will you say now. Man, come tou your senses!!! Do not act as an imbecile.

  • wedi selam October 29, 2015

    The end of the dictator is approaching. Supporters of the regime will be equally responsible.

  • wedi selam October 29, 2015

    To those supporters of the dictator, look the momentum of people of wisdom and big heart. No one will stop it until the downfall of the dictator. You will never stop running for cover for the entire of your life.

  • Habte October 29, 2015

    Tesfaldet abraha “If this report is fail are going to start VANDELAIZiNG.embassy like you did before”

    ጥሪት ህግደፍ (Tesfaldet abraha)፡ ሳዕሪ በሊዕካ መጉስዕካ ምለስ። ደለይቲ ፍትሒ ብሕጂ እንታይ ከምዝገብሩ እንተነገሩኻ ውን ናይ ምርድኡ ዓቕሚ የብልካን።

    ክብረት ይሃብኩም ኩልኻትኩም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ህዝቢ ብዘይ ዕርፍቲ እትደኽሙ ዘለኹም፡ ብፍላይ ክኣ ኣብ ውዕሎ ኒው ዮርክ እምባሕ ክትብሉ ዝወዓልኩም!! ብውዕሎ ኒው ዮርክ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሕጉስን ኩሩዕን እዩ። እንቛዕ ከምዚኣ ኰነት!!

  • Negusse October 29, 2015

    በመጀመርያ አዳለውቲ ራድዮ ኤረና ብፍላይ ጅግና አማኒኤል እያሱ አብ ሀገርና ፍትሒ ነጊሱ ሕዝብና ቅሳናት ረኺቡ አብ ሀገሩ ሐረስታይ ክሐርስ ፤ ነጋዳይ ከነገደ፤ ተማሀራይ ተማሂሩን ተመራሚሩን ስውአት ኣቦታቱን የሕዋቱን እታ ካብ ኩሉ ክብርቲ ህይወቶም ከፊሎም ዘረከብዎ ሀገሩ ክሀንጽን ከማዕብልን ካብ ምሕሳብ ትገብሮ ዘለኻ ዘይተሐለለ ጻዕሪ አንታይ ቃላት መሪጸ ከምዘድንቐኻ ይጠፍአኒ።ሕጂ ድማ ነቶም ብዝተፈላለየ ምክንያት ዕድል ሲኢና በአካል አምበር በመንፈስ ካብቲ ታሪኻዊ ሰልፊ ኒውዩርኽ ዘይተፈለና ነቲ ዝተኽምየደ ዕዉት ናይ ኒውዮርኽ አብ ሐጺር ጊዜ ልኽዕ ብአካል ከምዝነበርና ኾይኑ ከምዝስመዓና ጌርኻ ብምቕራብኻ ሕጅውን አዝየ የድንቐኻ።
    አቱም ጀጋኑ ሰብ ሞራል ሕቐኛታት ደለይቲ ፍትሒ ደቒ ሀገረይ ከምቲ ናይ ጅነቫን ኢትጵያን እስራኤልን ጸባ ስተዩ ጸባ አስቲኹምና። አትን ክቡራት ጽቡቓትን ተባዓትን ዘይከምተን አብ ሬሳታታ አሕዋትን ዘይሳዕሳዕን አብዚ ክቡርን ረዚን ታሪኽ ኤርትራ ተረኺብን ምስ አቦታትኽንን አያታትኽን አሕዋትኽን ተሐዊስኽን አብ ኽንዲ እቲ አፎ ተዓቢሱን ተአሲሩን ይጭፍለቕን ዘሎ ሕዝብክን ደው ምባልኽን የድንቕኽን።
    ሽፍታ ኢሳያስን ሕሱራት ደገፍቱን ሕዝቢ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ከም ዝፈንፈኖም ካብዚ ንላዕሊ መረዳእታ የለን። ደጊም ዓለምውን ዝአኻላ መረዳእታ ረኺባ እያ።
    አቱም ካብ ኤውሮጳን አውስትራልያን ካልእ ነዊሕ መንገዲ ገዚፍ ወጻኢ ጌርኹም መስዋእቲ ዝኸፈልኹም ብሐቒ ኤርትራ ሀገርና አብ ሐጺር አዋን መንግስታ ተረኺባ ንቕድሚት ብኻርታ ተወንጪፉ ከምተረክብን ሕዝቢ ኤርትራ ከምዝከሐስን ኒውዮርኽ አረጋጊጻትልና እያ።
    አጆኹም አጆና ህግደፋውያን ንርእየን አለና ጭረኤን አብመቐመጩኤን ደጊለን ተዳሂለን ይሕበአ አለዋ።
    Good job New York.

    • Negusse October 31, 2015

      መአረምታ ፤
      ይቕረታ፤

      ረድዮ ኤረና ብረድዮ አሰና ይተአረም ፤

  • Negusse October 29, 2015

    ከቢድን ረዚንን ምስጋና ንአዳለውትን ወደብትን
    ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርኽ፤

    ክቡራት የሕዋት አዳለውትን ውደብትን ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርኽ፤ኒዚ ታሪኻውን መዘና ዘይርከቦ እዋናዊ ሰላማዊ ሰልፊ ሰፍ ዘይብል ሞራልን ጉልበትን ገንዘብን ጊዜ ክቡራት ቤተሰብኹምን መስዋእትን ትብዓትን ከፊልኹም ነዚ ዓቢ ሰልፊ ዕውት ምጋባርኹም ዘለኒ ምስጋናን ኽብረትን መወዳዳሪ የብሉን።
    ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ተሐገስልኹም ከምዘሎን ሕዝቢ አስመራ በዚ ዕውት ሰልፊ አብ ኩሉ ቦታታት ብሕልፊ ቡናቤታትን ቤት ትምህርትን ዝተፈላለየ ቦታታትን ተስፉ ረኺቡ ተሐጒሱ ከምዘሎ ከረጋግጸልኹም ይፈቱ።
    ብሐቒ ጅጋኑ ኢኺም ።አነ ኹትዕ እየ ብአኹም የሕዋተይን አሐተይን።
    ደጊም ዝተረፈ ተአኻኺብኻ እሂን ምሂን ኢልኻ ከመይ ንግበር? አንታይ ንግበር ጥራሕ እዩ። ስምረትን ውህደትን ሐድነትን ካብ ናይ ጀነቫን እስራኤልን ኢትዮጵያን ሕጂ ድማ ብዓቢኡ ካብዚ ንላዕሊ ሐድነት ኤርትራውያን መረጋገጺ የለን።
    እዋአኹም ህግደፍያውያን ሕጅኸ አንታይ ክትብሉ ኢኺም? ወያነ አዳልያቶ አሜሪኻ መዊላቶ ተባሉ ትኾኑ።ሐሳውን ሕሱሩን መዓስ ይሐፍር ኾይኑ።
    ቪቫ ኒውዮርኽ። ጀጋኑ።

  • koreri October 30, 2015

    ብራሕቂ ዐዲ ብአካል እንተዘይተሳተፍና በመንፈስ ምሳኹም ውዒልና አገናዕ ደለይቲ ፍትሒ ጸባ ስተዩ፣ ጸባ አስቲኹምና።

  • mm October 30, 2015

    THANK YOU. FORSA,FORSA,FORSA,GEGANU TEHASUWO IT BAHRIE,MWDAETA NATKUME EY KEBRE.

POST A COMMENT