Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ንሓያለ ሰዓታት ብመካይንን ነፈርትን ተጓዒዞም፣ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ቅድሚ ምእታዎም ካብ ኣንጊሆም ኣብ ኒውዮርክ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ብዘየማትእ መንገዲ ክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ብምምስካር፣ እቲ ስርዓት ማዕረ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምእተፍጸመ ስግኣት ከምዘለዎም ንዓለም ምግላጹ እናኣመስገኑ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውንታዊ ጻዕሩ ብምቕጻል ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርብ ምትሕብባር  ክገብር ጸዊዖም።

ኣብቲ ሎሚ ብውዕዉዕ ሃገራውን ናይ ለውጥን መንፈስ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ፣ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ቆሪጾም ካብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ሓያለ ግዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ተሳቲፎም።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ከፊቶሞ። ድምቀት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቓልቦ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑን ዝቕመጡን ተቐማጦ ኒውዮርክ ‘ውን ስሒቡ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ነዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንዘካይዱዎ ሰልፍታት ንምትዕንቓፍ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ዝንቀሳቐሱ ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሰሮም ጠፊኡ ተሓቢኦም ‘ምውዓሎም እዩ። እዚ ድማ፣ ሚዛን ሓይሊ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ዘንቢሉ ህላዉ ዘረጋግጽ እዩ።

ስእላዊ መግለጺ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምርኣይ ቀጽሉ

IMG_4801

 

 

 

 

 

 

IMG_4789IMG_4751IMG_4750ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ነቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ሰለማዊ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ቪድዮ፣ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
80 COMMENTS
  • netsanet October 30, 2015

    Good job ,I am proud of you . Just May God keep our unity forever.

  • Nsane October 30, 2015

    Bravo deki Erey
    Nice demonstration
    kitwegih eya meret.

  • dictator October 30, 2015

    ዓወት ህዝቢ። thank you guys ኣናብስ ብ ሓቒ። ኢሰይያስ እዚ ፈራሕ ህታሙ ክጠፍእ ኢዩ ሕጂ፡ እዚ ድሁል ፍጥረት፡፡

  • Stefanos Temolso October 30, 2015

    ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ምስታፍ ቀሊል ዝመስሎም ኣለዉ። ልክዕዩ ዕላማ ንዘለዎ ቀሊል ክኸውን ይኽእልዩ። ነቶም ላንግ ላንጋን ተወፋይነት ዘይብሎምን ግን ኣዝዩ ከቢድ ዓቐበት እዩ። ብዝኾነ ኣብዙ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝተሳተፍኩም ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ጻማኹም ክትረኽቡ ምዃንኩም ድማ ርግጸኛ እየ። ካብ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ንንየው ጭፍራ ህግደፍ ሞራላዊ ባይታ ከም ዘይብሉ ተመስኪሩ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ እቶም ደገፍቱ ኢና ዝብሉ ህጣሞም ጠፊኡ ዘሎ። ድምጺ ህዝቢ ኵሉ ግዜ ቀስ እናበለ እዩ ናብ ማዕበል ዝቕየር። እዚ ጨካን ጭፍራዚ ዝእለየሉ መዓልቲ ድማ ቀሪቡ እዩ። ተዓዊትኩም ኣዕዊትክሉምና ደለይቲ ፍትሒ። ኣጆኹም ኣጆና!!!

  • semere 2 October 30, 2015

    Congratulations
    We are all behind you guys! We shall soon celebrate in the same mood and style in Asmara!!!!!!!
    Thanks be To God!

  • simon October 30, 2015

    Congradulationtoe all eritreanes who particepate in this demonasteration and realy you spoken on beahalf of the eritrean pouple and we are happay.

    all live to our poepul inside eritrea he living in a bad condition and meserey.

    dowen dowen dictator.
    \

  • Amanu October 30, 2015

    The reasons and the couse of this demonstration wast to support that crime against humanity may have been committed in Eritrea
    1 to say yes because there are Eritreans in prisons never brought to court for trial and never been given the right to defend themselves
    2.members of national service kept in the army for indefinite period
    3 members of the national service made to work against their welling
    4 Action taken by individuals, to distory the Eritrean culture and tradition
    5 the Eritrean regiem start the war against Ethiopa and should to take accounteblity for Eritreans lost in the War
    6 Refusing the right to express
    7 refusing freedom of religion
    8 Eritreans killed with out justice
    9 unjustified imprisment and killing

  • Wedi Mai Abashawul October 30, 2015

    Viva Eritreans. Next time we will meet in Asmera, at Harenet Square. Viva Eritreans and down with Isayas and his friends.

  • Mehret Ghebreyesus October 30, 2015

    We are proud of you. It is a brave act to stand against injustice in public, especially with so many Eritreans still in denial or in closet.

    Such a united front is what the PFDJ devils are scared of.

    Keep up the good job.

    Mehret

  • Efrem tadese October 30, 2015

    ዝኸበርኩም ኩቡራት የሕዋት ደለይቲ ፍትሒ ናይ ብሓቂ ንመላኺ ኢሳያስን ዕሱባቱን ዘሰንብድን ዘርዕድን ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድኩም ኣቃልቦ ዓለም ዝሳሓበ ንንሕና ንሱ ዝብሉ ክሳዶም ዘድነነ ጸብለልትነት ደላይ ፍትሒ ዘምስከረት መዓልቲያ ወትሩ ነባሪ ሓቂ ዝስዕር!!

POST A COMMENT