ህግደፋዊ ሰብ ድዩ ብዕራይ – ዋላ ንጥፍኣቱ ዝብሉ ሕራይ
ህግደፋዊ ሰብ ድዩ ብዕራይ ዋላ ንጥፍኣቱ ዝብሉ ሕራይ Tesfamariam W/giorgis 19/06/2014 ህዝብኻ እና ሃለቐስ ናብ ጓይላ ብጥልሉ ሬሳ ተጓሒፉ ኣብ ዒላ ተራእዩኳ ድዩ ኣብ ልዕሊኡ ዝላ ወለዲ ተሰምዓስ እንታየን ክብላ ኣንቱም ጨካናት ጥሪት ህግደፍ ሕማም ተላገብ ጉልሓይ መንደፍ ደስታ ዝስምዖም ህዝብና ክቕዘፍ ንግዜኡ ተላገጹ ላክሳብ ዝሓልፍ ፍርሕን
ህግደፋዊ ሰብ ድዩ ብዕራይ
ዋላ ንጥፍኣቱ ዝብሉ ሕራይ
Tesfamariam W/giorgis
19/06/2014
ህዝብኻ እና ሃለቐስ ናብ ጓይላ
ብጥልሉ ሬሳ ተጓሒፉ ኣብ ዒላ
ተራእዩኳ ድዩ ኣብ ልዕሊኡ ዝላ
ወለዲ ተሰምዓስ እንታየን ክብላ
ኣንቱም ጨካናት ጥሪት ህግደፍ
ሕማም ተላገብ ጉልሓይ መንደፍ
ደስታ ዝስምዖም ህዝብና ክቕዘፍ
ንግዜኡ ተላገጹ ላክሳብ ዝሓልፍ
ፍርሕን ራዕድን ጭካኔን ከይ ነገሱ
ከይ ሳዕረረ ምስ ህዘብኹም ተመለሱ
ግዜ እንተወሲዱ ኣይርከብንዩ ፈውሱ
ካልእ ሕማም ከየድህበልኩም ተቓለሱ
እንሆ ይወናወኑ ንዕብዳን ቦሎኛ
ዕጠቕ ተሸባሽብ ንጥፍኣት ህዝብና
መቓብርና ረጊጽኩም አይትነቕኑቑና
ኣይሪኡ ኣይሰምዑ ኢልካ ጠሊምካና
ናትክን ከፊኡና ብዓል ውንጅ ምንጅር
በዋርቕክን ጸሚምና ደቂስና ከይንሓድር
ሰላም ሃባና ግደፎኦ ኣብ ርእሰና ዕግርግር
ኮቦሮ ተበዝሐ ናብ ቅዝፈት ገጹዩ ዝቐየር
ዘገርመና ዘሎ ናይተን ኣደታት ዝሸምገላ
ሓደ እግረና ንጉድጓድ እቲ ሓደ ንጓይላ
እዚአንሲ ኣርሆ እምበር ኣደታት ክባሃላ
እናጠፋእና ንዓማጺ ኣብ ጎነኻለና ዝብላ
ንዕቐትን ብድዐን ምስ ተፍአ ኣጉሊሑ
ጳጳሳትና ተቖጢዖም ደሞም ፈሊሑ
ሕልና ተገዲዶም መልእኽቲ ዘርግሑ
ዘስፈርዎ ጽሑፍ ኣብ ዓለም ተባጺሑ
ጳጳሳት ሃዋርያት ካቶሊካዊት ኤርትራ
ካብዘን ዘለዋናስ እምነትኩም ሲዒራ
ጀሚርኩሞ ዘለኹም መንፈሳዊ ሰውራ
መስዋእቲ እዩ ምእንተ ህዝቢ ኤርትራ
በዛ ኣርእስቲ ዝሰንበደ ሓውኻ ኣበየሎ
ኣብ ማሕንቖ ኣእቲኹሞ ንህግደፍ ጃሎ
መዋጽኦ ዘብይላ ሽግሩ ፈቲሑ ዘይክእሎ
ብህዝቢ ተፈንፊኑ ሕጂኸ ኣበዩ ዘብሎ
ዓማዊሉ ከይጎርሑ ብጣዕሚ ተሻቒሉሎ
ኤረና ከሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
ተፈጸመ
Delaii fithi June 21, 2014
Wedi medihin berad kitsawetelikum kinebir