Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፋዊ ሰብ ድዩ ብዕራይ – ዋላ ንጥፍኣቱ ዝብሉ ሕራይ

ህግደፋዊ ሰብ ድዩ ብዕራይ ዋላ ንጥፍኣቱ ዝብሉ ሕራይ Tesfamariam W/giorgis 19/06/2014 ህዝብኻ እና ሃለቐስ ናብ ጓይላ ብጥልሉ ሬሳ ተጓሒፉ ኣብ ዒላ ተራእዩኳ ድዩ ኣብ ልዕሊኡ ዝላ ወለዲ ተሰምዓስ እንታየን ክብላ   ኣንቱም ጨካናት ጥሪት ህግደፍ ሕማም ተላገብ ጉልሓይ መንደፍ ደስታ ዝስምዖም ህዝብና ክቕዘፍ ንግዜኡ ተላገጹ ላክሳብ ዝሓልፍ   ፍርሕን

ህግደፋዊ ሰብ ድዩ ብዕራይ

ዋላ ንጥፍኣቱ ዝብሉ ሕራይ

Tesfamariam W/giorgis

19/06/2014

ህዝብኻ እና ሃለቐስ ናብ ጓይላ

ብጥልሉ ሬሳ ተጓሒፉ ኣብ ዒላ

ተራእዩኳ ድዩ ኣብ ልዕሊኡ ዝላ

ወለዲ ተሰምዓስ እንታየን ክብላ

 

ኣንቱም ጨካናት ጥሪት ህግደፍ

ሕማም ተላገብ ጉልሓይ መንደፍ

ደስታ ዝስምዖም ህዝብና ክቕዘፍ

ንግዜኡ ተላገጹ ላክሳብ ዝሓልፍ

 

ፍርሕን ራዕድን ጭካኔን ከይ ነገሱ

ከይ ሳዕረረ ምስ ህዘብኹም ተመለሱ

ግዜ እንተወሲዱ ኣይርከብንዩ ፈውሱ

ካልእ ሕማም ከየድህበልኩም ተቓለሱ

 

እንሆ ይወናወኑ ንዕብዳን ቦሎኛ

ዕጠቕ ተሸባሽብ ንጥፍኣት ህዝብና

መቓብርና ረጊጽኩም አይትነቕኑቑና

ኣይሪኡ ኣይሰምዑ ኢልካ ጠሊምካና

 

ናትክን ከፊኡና ብዓል ውንጅ ምንጅር

በዋርቕክን ጸሚምና ደቂስና ከይንሓድር

ሰላም ሃባና ግደፎኦ ኣብ ርእሰና ዕግርግር

ኮቦሮ ተበዝሐ ናብ ቅዝፈት ገጹዩ ዝቐየር

 

ዘገርመና ዘሎ ናይተን ኣደታት ዝሸምገላ

ሓደ እግረና ንጉድጓድ እቲ ሓደ ንጓይላ

እዚአንሲ ኣርሆ እምበር ኣደታት ክባሃላ

እናጠፋእና ንዓማጺ ኣብ ጎነኻለና ዝብላ

ንዕቐትን ብድዐን ምስ ተፍአ ኣጉሊሑ

ጳጳሳትና ተቖጢዖም ደሞም ፈሊሑ

ሕልና ተገዲዶም መልእኽቲ ዘርግሑ

ዘስፈርዎ ጽሑፍ ኣብ ዓለም ተባጺሑ

 

ጳጳሳት ሃዋርያት ካቶሊካዊት ኤርትራ

ካብዘን ዘለዋናስ እምነትኩም ሲዒራ

ጀሚርኩሞ ዘለኹም መንፈሳዊ ሰውራ

መስዋእቲ እዩ ምእንተ ህዝቢ ኤርትራ

 

በዛ ኣርእስቲ ዝሰንበደ ሓውኻ ኣበየሎ

ኣብ ማሕንቖ ኣእቲኹሞ ንህግደፍ ጃሎ

መዋጽኦ ዘብይላ ሽግሩ ፈቲሑ ዘይክእሎ

ብህዝቢ ተፈንፊኑ ሕጂኸ ኣበዩ ዘብሎ

ዓማዊሉ ከይጎርሑ ብጣዕሚ ተሻቒሉሎ

ኤረና ከሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተፈጸመ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS

Post a Reply to Delaii fithi Cancel Reply