Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE 3: ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ግፍዓዊ ቅንጸላ ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐዝፉ ክረግገጽ ከሎ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ 5 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተረሸኑ ተፈሊጡ።

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም ታዕሊም 4200 ተዓለምቲ ጽዒነን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ዝሓልፋ ዝነበራ 18 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣስመራ ድሕሪ ምእታወን ዝተኸፍተ ቶኽሲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ካ እንተነበረ ብድሕሪኡ ህዝቢ ተነዓዒቡ ግፋን ተፍትሽን ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ከምዝቐጸለ ኣብቲ ትማሊ ብኢንተርነት ዝዘርጋሕናዮ ዜና ተጠቒሱ እዩ።

ህዝቢ ኣብ መንጎ ናብቶም ብቶኽሲ ዝህደኑ ዝነበሩ መሳኪን ተዓለምቲ ተሓዊሱ ተቓውሞኡ ብምግላጽ ነቲ ቅንጸላ ናይቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደው እንተዘየብሎ እቲ ስርዓት ገበናዊ ተግባሩ ደው ናይ ምባል ኣንፈት ከምዘይነበሮ ‘ውን ይግለጽ።

ቁጽሪ ናይ ቁሱላት ክንደይ ምኻኑ ዛኢግት ኣይተፈልጠን፡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ህዝቢ ምእታው ከልኪሉ ከምዘሎ ውን ‘ቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ድሕሪ ‘ቲ ግፍዓዊ ፍጻሜ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት መንፈስን ሃዋህውን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ደቂ ማህጸኑ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክዝሕዝሑ ዝረኣየ ህዝቢ ኣስመራ በዚ ጉዳይ’ዚ ተባሒቱ ቁጥዐን ሕርቃንን ዝተሓወሶ ዕላሉ እዚ ጉዳይ ‘ዚ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ‘ውን ናብ ሱዳን ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ሓደ ኤርሚያስ ዝብሃል ዘዋሪ ታክሲ ወዲ ኣስመራ (ገዛ ባንዳ) ዝርከቦም 5 መንእሰያት ‘ውን ኣብ ጋሽ ከምዝተረሸኑ ምንጭታት ብኻልእ ወገን ሓቢሮም።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጥፍኣትካ ዝወጠነ ኣረሜናዊ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ብሕጊ ዝሕተት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዘይተኸልካ እዚ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣመና ስለ ዝተጻወርካዮ ዝደጋገመካ ዘሎ ቅዝፈት መንእሰያትካ ገና ክቕጽል እዩ። ስለዚ ስለ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ረኺብካ ክትቀስን፡ ብሩህ መጻእን ቀጻልነትን ወለዶኻ ‘ውን ከተውሕስ ብህጹጽ ተለዓል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • Dawit April 5, 2016

    issayas Afewarki is standing behalf of Ethiopia to destroy Eritrea & to heat your identity to recolonies again simply so if we Really care about Eritrea this is the right time to get together & save our family and before he kill them.

    • gergish Hansu April 6, 2016

      ዳዊት ከመይ ዝበለ ፀማም ርእሲ እዩ ዘለከ? ናይ ባዕልኻ ፀገም ባዕልኻ ትፈትሕ እምበር ኢ/ያ እንታይ አምፀኦ

    • Genet-orginal April 6, 2016

      Dawit
      Well said!

  • Simon G. April 6, 2016

    ዘይጎድል መኽዘን
    ዘይውዳእ ሓዘን
    ወይ መርገም! ናይ ሎምዘመን
    ኡይ ኢለ ሰማዒ ስኢነ
    እዋናት ሓሊፉ: ተረሚሰ: ተደቚሰ: ብሓዘን ማህሚነ
    ወይ ኣነ!
    ካን ከምዚ ዄነ?

    ካብ ሕማቕ: ናብ ዝበኣሰ
    ካብ ድኹም: ናብ ዝተረመሰ
    ካብ ልሙስ: ናብ ዝተሎኽመሰ
    ኮይኑ ናብራይ: ቅያር ስኢነሉ
    ብሰንኪ ጨካናት
    ናይ ግዜና ካህናት
    ኡፍ! ተመስገን: ኣምላኽ ዝብለሉ?
    ምስ ፈተውተይ ዘብዕለሉ
    ህግደፍን መስለቶምን ዘይብሉ!

    ኣነ ኣዴኹም: ኤርትራ ሓዚነ
    ብሰንኪ ህግደፍ ማሲነ
    ተረሚሰ: ለሚሰ: ካብ ብጾተይ ንድሕሪት ተሪፈ
    ተድቚሰ፥ ማህሚነ: ተሰኒፈ
    ከምዘይነበርኩ: ምዕብለቲ ካብ ናቕፋ ናብ ሰንዓፈ
    ከም ሕሉፍ ተሃሪፈ!

    ይነብዕ ኣለኹ ንውሽጢ
    ኣየ ሕማቕ ለውጢ

    እንታይ ኣብስኩ እዚኹሉ?
    ናይ መን ሓጥያት ኮን ‘ዩ
    ደቀይ ከምዚ ዝተፈድዩ

    ንገሩኒ
    ዝሓስቦ ጠፊኡኒ
    ድንግርግር ኢሉኒ
    በጃኹም ሓብሩኒ
    ናይ ምንታይ ኣበሳ ኔሩኒ?

    ህግደፍ: ኦ ህግደፍ
    በጃኻ ሃገር ግደፍ
    ሰብ ከዕርፍ

    ተዘይ ኮይኑ
    መፍትሕ ተሳኢኑ

    ነብሰይ ምፍንጃር ተሪፉኒ
    ንዓኻ ለኪመ! ንዝተረፉ ዜጋታት ኣቕ

    ስውእ ሙኻን ይሕሸኒ
    ዝተረፉ ‘ ኳ መረቑኒ
    የማሙቑኒ
    ግርማ ይህቡኒ!
    ኣምላኽ የድሕንኩም ደቀይ: የድሕነኒ!

  • Kibret April 6, 2016

    A sad news very tragic news 25 years after independence people are still bleeding,fleeing, dying in oceans, lost their respects are called
    refugees. We eritreans in diaspora must show courage now at least we must organize demonstrations worldwide on 24 of may (independence day?), in every big cities to expose this cruel act of barbarism, and call to stop not to limit the national service. Let us be an example to or people inside eritrea by takeing this small action.
    My deep prayer and condolence the the families.

  • gansheraanbetha April 6, 2016

    ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጥፍኣትካ ዝወጠነ ኣረሜናዊ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ብሕጊ ዝሕተት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዘይተኸልካ እዚ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣመና ስለ ዝተጻወርካዮ ዝደጋገመካ ዘሎ ቅዝፈት መንእሰያትካ ገና ክቕጽል እዩ። ስለዚ ስለ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ረኺብካ ክትቀስን፡ ብሩህ መጻእን ቀጻልነትን ወለዶኻ ‘ውን ከተውሕስ ብህጹጽ ተለዓል።

    ጨለ ዘረባ መንዩ ሞ ደሙ ክህብ ኣሕዋት ሰበስልጣን መንግስቲ ክንቀትተል እና ከዚ ከምቲ ዶ ቅድም ቅተልዎም ደሓር ከኣ ሰብ ይስዕበኩም እምበር መሳኪን ናይ ጽርየት ሰራሕተኛታትን ናይ ቀጣና ሰራሕተኛታትን ግዳይ ማእሰርርቲ ኮይኖም( ኣብ ዜና ከምዝሰምማዕናዮ) ዝገብር ነዲኡ ነይነግር ሰብ ኣይተወዱኡ ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር ተበግሶ ተግባር=================ዓወት!!!!!!!!!!!

  • semere 2 April 6, 2016

    It is really tragic story. The destiny for our people is either prison or death. I don’t blame ONLY our people inside the country. I blame all of us, especially those who live in a democratic country and yet still support the criminal Dictator Isayas Afeworki.
    When the Berlin Wall collapsed, all the communist regimes of the Soviet Union disintegrated. Let is hope that the Berlin Wall of Eritrea collapses very soon.

  • tedi April 6, 2016

    ሓደ ልቢን ባህግን

    ኣበይ ደኣሉ ዘሎ እቲ ሓደ ልቢን ባህግን ኤርትራውያን። ብዕለት 3 ሚያዝያ 2016 ዕሸላት ዉላድኩምን የሕዋትኩምን (ሓንቲ ጓል ትርከቦም ሹድሽተ መንእሰያት ) ኣብ ቅድሜኹም ኣብ ከተማ ኣስመራ ደሞምን ኣንጎዖምን እንዳተኻዕወን ኣንዳዛረየን ወየ ሓደ ልቢን ባህግን ደኣ ኣበይ ኣበለ።

    ህግደፍ *መንነቱ* ብኑጹር ኣብ ቃልዕ ኣብ ጎደና ኣስመራ ናይ ደቅኹም ኣስከሬን ብውዕዩ ኣምጽኡ ኣረኪብኩም እዩ። እሞኽደኣ ጽባሕ ግደኹም እያ ጥንቅቕ ምባል የድሊ ።

    እቶም ኤርትራዊ መንነት እንዳበሉ ኣብ ወጻኢ ዝግዕሩ ዘለዉ ፈላጣቲና ባሃልቲ እስከ ይተሓተቱ? እዞም ብህግደፍ ብዕለት 3 ተረሺኖም ዘለዉ 6 ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ * ኤርትራዊ መንነት ስለዘይብሎም ድዮም* ወይስ ኤርትራ ንምንባር ዝምልከቶ ከም ኢሳያስን ሃጎሽ ክሻን *መንነት ብፍቃድ* ዝሓዘ ጥራሕ እዩ ብዝብል ኣረኣእያ ድዩ እቲ ስጉምቲ ንዂዉሰድ ተመሪጹ። አስከ መልስኹም ሃቡና ሙሁራት ፈላጣት ናይ መንነት።

    ስደት ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ጸገም ኣይኮነን ናይ ቁጠባ ጸገም ዘስዓቦ እዩ አንዳበኑ ዝግዕሩ ዘለዉ ናይ ሙሁራት ማሃይማትከ እዚ ናይ ኣብ ኣስመራ ምርሻን መንእሰያት ኣብ ናይ ቁጠባ ጸገም ድዩም ከቐምጥዎ። እስከ መልሱልና ኣዳኸርቲ ከዳዓት።

    ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ንጉዳይ ኤርትራ ልዕሊ ፕሮፈሰራትን ዶክተራትን ስለዝፈልጦ ከይተዋረድኩም ከለኹም ኣፍኩምን እግርኹምን ኣክቡልና ይብለኩም ኣሎ።

    “ዎ” ኤርትራዊ ዜጋ መንነቶም ብዘይፍለጥ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ዋና ከተማኻ ተኾይጦም ናይ ደቅኻ ደም እንዳሰተዩ ኣብ ቅድሚ ዓይኒኻ ዘርእኻ እዳብረሱ ከለው ስቅ ኢልካ ትሪኦም ኣለኻ ። እቲ ሓደ ልቢ ዚብል ቴማ ኣብ ፍሬዘር ዘዓይነቱ ፍሪጅ ዲኻ ዓቂብካዩ ዘለኻ ምስጸነትካ ሂወት ብምዝራእ ንዓኻ ንኽዉክለካ ።

    “ሃየባ ተበገስ ብኣፍ ምዝራብ ዘይኮነ ብተግባር ኣርእዮም እቲ ሃደ ልብኻ” ምእንቲ ክሰምረልካ እቲ ባህግኻ።

    • Oromai Eritrea April 6, 2016

      Tedi,

      ንሕና እዞም ወጻኢ ዘለና እኳ ክንከይድ ክንቃለስ ካብ ንብል እዋን ኮይኑ ኣሎ፣ግን እተን ታክስታትና ዝሕዘልና እናስኣንና ድሓር ክ ኣ ኣብ ቃልሲ ዌልፌር የለን ምስ ሰማዕና ከመይ ጌርናቅ ቅጫ ጥራይ እናበላዕና ንቃለስ ኢልና እንዳተረፍና፣ግን ኣብ ፱፰ መንእሰያት ኤርትራ ንዓጋመ ብሳልስቲ ደፊኦም ኣዲስ ኣበባ ከእትውዎም ኢልና ዳርጋ ፍርቂ ቢልዮን ዶላራት ኣዋጺእና ኔርና።ስለዚ መንእሰያት ንምጥፋእ (ንምንቃሕ ዝብል ኣፍዩ)ዘይጽዓርናዮ የለን፣ኣብቲ ጊዜ ውግእባድመ ነቶም ተጋሩ ሰብ ታክሲ ኣይንዛረቦምን ኔርና፣ ግን ሕጂ ንዛረቦም ኢና፣ ክሳዕ ካልእ ውግእዝጅመር።ሃገራውያን ደቂ ወጻኢ እምባሕ ጥራይ ንበል !!!

  • tesamo nfthiy April 6, 2016

    the time changing is near but need more a cation

  • ኣርዓዶም April 6, 2016

    ቐደም ዶ ንበሎ፡ ብዛዕባ መንግስቱ ሃይለማርያምን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣዘኻኺሩኒ፡
    መንግስቱ ሃይለማርያም ከምዚ ሕሱም ናይ ህግደፍ መግዛእቲ ፍጹም ኣይነበሮን፡ ትኣስሪሮም ዝብጽሑ፡ እሱራት ብኽንክን ዝትሓዝሉ ኩነታት ነይሩ ኢዩ።

    ምናልባት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብግዜ መግዛእቲ መንግስቱ ሃይለማርያምን ሃይለስላሴን ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝተወጽዐ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ህዝቢ ትግራይ ነቶም የሕዋትና ኢዮም፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዮም፡ ከይበሉ ዝውጽዕዎም ዝነበሩ ከም መንግስቱ ሃይለማርያም ዝመርሖም፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ብግዲኡ፡ የሕዋትና ኢዮም ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዮም ኢሉ ከይንሓፈ ብረታዊ ቓልሲ፡ ምስ የሕዋቱ ኢትዮጵያውያን ጥምጥም ገጢሙ። ጀጋኑ ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝነበሮም ጸቕጢ ከይተዳህሉ፡ ንመግዛእቲ መንግስቱ ሃይለማርያም መኪቶሞ፡ የሕዋትና ክንቐትል ወይ ክንትኩስ ኣይበሉን፡ ምኽንያቱ፡ ከምኡ ኢሎም ተዝኾኑ፡ ሽግሮም ፍጹም ኣይምተወድአን።

    ሕጂ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንኮ ፍታሕ ብረታዊ ቓልሲ ኣልዒልካ ነዚ ገፋዕን ጨቝንን ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ምሒኻ ምስ እተልግሶ ጥራይ ኢዩ ሽግርካ ዝውዳእ። ሓወይ ድየ ክወቕዕ ወይ ክትጉስ፡ ወይ ንሱ ድዩ ናባይ ክትኩስ ዝብሉ ናይ ደናቑር ካብ ሓንጎልካ ኣልጊስካ፡ ተወዲብካ ምምካት ጥራይ ኢዩ ዘዋጽእ። እምበርከ እቲ ሓወይ ኢዩ፡ ኢልካ ንሒፍካዮ ዘለኻ ኢዩ እኮ፡ ኣብ ከምዚ ሽግርን መከራን ክትዳረግ ዝገበረ ! ይስቖረካ ድዩ እታ ህዝቢ፡ ትኣዙዙ ዝብሃል ናይ ነታይሕ ነቲሕ ዝኮነ ምኽኒት ምኽኒት ኣይኮነን፡ ትኣዚዙ፡ ሓዉክ ኣስርን ክቐትልን ከሎ፡ ትኣዚዙ ዘይኮነስ ብድሌቱ ዝገብሮ ዘሎ ኣረሜናዊ ስራሕ ኢዩ። ንሱ ዕላምኡ ኮይኑ ሰብ የበሳብስን ይኣስርን ይቐትልን ኣሎ፡ ንስኻ ድማ ሓርነትን ተስፋን ሰላምን ዕላማኻ ስለዝኮነ፡ ንዕላማኻ ተዋዲቕካ ክትረኽበን ኣለካ። እምበር ከይብሉኒ ኢልካ ከልቢ ኮይንካ ክትነብር ዓገብ ኢዩ።

    ኣብነት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ውሰድ፡ ሓውይ ከይወቕዕ ኢሎም እንተዝነብሩ እዚ ሰላምን ምዕባለን ፍጹም ኣይምበጽሕዎን፡ ምኽንያቱ ዕላምኦም እዚ በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ ምዕባለን ሰላምን ስለዝነበረ፡ ግድን ምስ የሕዋቶም ኢትዮጵያውያን ተዋዲቖም ትዓዊቶም ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ።

    ሰብ ከይሞተን ከይሰንከለን ብዙሕ ክፈሪ ኣይክእልን ኢዩ፡
    ኣብነት ድማ ሓንቲ ስርናይ ሞይታ ልዕሊ 100 ፍረ ትፈሪ፡ ህዝቢ ሰላም ደሞክራሲ ሕጊ ኢዩ ዘፍርዮ፡ ንዕ ኡ ክኣ ተዋዲቕካ ኢዩ ዝርከብ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍርሒ
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና።

    • Oromai Eritrea April 6, 2016

      ኣርዓዶም,

      ናይ ወያነ ተጋሩ ተጨቍንና ኢሎም ዝተቓለስዎ ብዙሕ ኣዕጋቢ ኣይነበረን፣ሱቕ ኢሎም ካብ ሚኒሊክ ክሳዕ መንግስቱ ስለ ዝረገጽዎምን ዘድከይዎምን መንነቶም ጨፍሊቖም ከም ሰብ ስለ ዘይቆጸርዎም እዩ፣ እዚ ግን ዘቃልስ ኣይነበረን፣ዘቃልስ ምኽኛት ናትና ናይ ኤርትራውያን እዩ።ፋሽሽቲ ጣልያን ሓልዮምልና መታን ብትምህርቲ ከይንጽለል ክሳዕ ራብዓይ ጥራይ ክንምሃር እንተፍቀዱልና፣ ጨቋኒ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ግን ብሽም ን 3000 ዓመታት ናይ ሓባር ታሪኽን ስልጣኔን ኣለና ኢሉ፣ጣፍ ካብ ሽራሮን ጎጃምን ብሕሱር ፣ቡን ካብ ከፋ ብትሑት ዋጋ፣ሽኮር ካብ ወንጂ ብዘስሕቕ ዋጋታት እናሰደደ ንህዝብና ከብዱ ከም ዝገፍሕ ዝገበረ ጨቋኒ እዩ።መንግስቱ እውን እቶም ሓለይትና ተጋደልቲ ኣብ 91 ኣስመራ ቅድሚ ምእታዎም እዚ ጀዋሲስ ዝኾነ ህዝቢ ኣስመራ ሓንቲ ምለሊኽ እኽሊ ኣይትኣትዎን ኢሎም ክኽልክሉ ፣ጨቋኒ ደርጊ ግን ብኣይሮፕላን ጌሩ ምግቢ የእትወልና ኔሩ።ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ጭቆና ንላዕሊ እንታይ ኣሎ።ወያነ እውን ዝተጨቆኑ ኣሕዋትና እናበለ ኩሉ ምግብን ናውቲ ገዛን እናእተወ ጨቍኑና።ህዝብና ብርስንን ሓምሊ ኣድግን በሊዑ ብህድኣት ከይነብር ፣ኢትዮጵያ ከይዱ ሃብቲሙ ስጋን ጠስምን ምብላዕምስ ጀመረ Cholesterol ናይ ደሙ ሰማይ በጺሑ ክንደይ ኤርትራዊ ኣስቢዳለ ኣትዩ፣ እዚ እዩ ዘቃልስ፣እምበር ቃልሲ ትግራይ ሱቕ ኢሉ እዩ ከምታ ወዳ ሞይትዋ ሱቕ ኢላ ትበኪ ኣደ እዩ።

  • tsadu April 6, 2016

    I feel very sad for a person like you who is always in dire situation of belittling a country who gave you a scholarship and yet you choose to bite the hands that fed you ……you are an idiot not of your own making but that of western of the so called human right activist ….shame on your idiocy

  • zahra April 6, 2016

    Anta kab 5,6 zeybezhu sebat ekaeyom hagern hzbin zebesabsu zelowu. Bsenki hade nay aemro segem zelowo seb hzbi kkelabet? Bejakum habo ngber. Neziom mukan knsen?

POST A COMMENT