ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ናይ ኮምፒተርን ኔትዎርክን ብዓል ሞያ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ በረኸት ገብረብርሃን ዝተባህለ ክኢላ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕርሖ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ናይ ኮምፒተርን ኔትዎርክን ብዓል ሞያ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ በረኸት ገብረብርሃን ዝተባህለ ክኢላ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕርሖ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ 41 ብጽኑዕ ዝሕለዋ ዝነበራ ኮምፒተራት ተኸዚኑ ዝነበረ ኤለትሮኒካዊ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ብ25 ሰነ 2009 ብምሉኡ ተጓሕጕሑ ከምዝተወስደ ምንጭታት ሓቢሮም::

ካብ ቻይና ናብ ሆንግኮንግ ዝተመሓላለፈ ቼክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦት መርበባትን ድሕሪ ምዝርግሑ ዝሰንበደ ፕረዚደንት ኢስያስ፡ እቲ ዜና ምስ ተቓልሐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ንኽካየድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።