ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ደጊሞም ግምርግጋጽ፡ ብሓደ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣብ ኣስመራ ቀጻሊ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።
ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሚኒስተርን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ለንደን ዝነብር ዘሎ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ረፋድ ክሳብ ወጋሕታ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ።