ብዕለት 18 ምያዝያ ኣብ ሳንፍራንሲኮ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ካሊፎርንያ ዝመጹ ተቓወምቲ ዜጋታት ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዝወዓለ ዜጋ ብዕድመ ይኹን ብብሄራዊ መልክዑ ዝተዛነቐ ብምንባሩ፡ ምዉቕ መንፈስ ሃገራውነትን ሓደነትን ዘንጸባርቕ ሃዋሁው ክፈጥር ክኢሉ። ካብ ናይ ቀደም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝያዳ ብርክት ዝበላ ደቀ-ኣንስትዮ እውን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣማዕሪገንኦ ውዒለን።
መጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ