(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ) ዝኸበርኩም አሕዋትን አሐትን ደቂ ሃገር!! ሎሚ መዓልቲ መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከለና፣ ብሐደ ወገን ህዝብና ከይተሐለለ ተስፋ ከአ ከይቆረጸ አቐዲሙ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ አቀላልሳ፣ ቀጺሉ ከአ 30 ዓመታት ዝወሰደ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ጸረ ባዕዳዊ ሐይሊታት ብሰዓርነት ነጻነቱ
(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ) ዝኸበርኩም አሕዋትን አሐትን ደቂ ሃገር!! ሎሚ መዓልቲ መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከለና፣ ብሐደ ወገን ህዝብና ከይተሐለለ ተስፋ ከአ ከይቆረጸ አቐዲሙ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ አቀላልሳ፣ ቀጺሉ ከአ 30 ዓመታት ዝወሰደ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ጸረ ባዕዳዊ ሐይሊታት ብሰዓርነት ነጻነቱ
ካብ 2017-18 ክኸውን ዘለዎ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ውድባትን፣መንእሰያትን፣ ህዝብን (ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ) ኣቐዲመ ንማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ፣ ሓድሽ ውደባን ኣሰራርሓን ኣማዕቢላ፣ ንዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎም ጸሓፍቲ ከተተኣናግድ ብዝገበረትልና ዕደመ ዝለዓለ ምስጋናይ አቕርብ። ኣስዒበ ከኣ ንኹልኹም ኣባላትን ኣጋይሽን ዕድሜና ኣኽቢርኩም በዓል ነጻነትና ብፍሉይ ኣገባብ ንምብዓል
ብቐዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕካ። ኣብ ሂይወትካ ዝተማልኤ ጸጋ-ጥዕናን ሰላምን ቅሳነት ንኽህልወካ ናይ ወትሩ ትምኒትና እዩ። ንሕና ብዘይካቲ ናይ ኩልና ሻቕሎት ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ጽቡቕ ኣለኹ። ዝኸበርካ ረድኢ፡ ኣብ መደብ ህይወትና ምስ ራድዮ ድምጺ ኣሰና ዝገበርካዮ ቃለ-ምልልስ ክንሰምዖ ክኢልና፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓሙሻይን
ትማሊ ምሸት፡ 27 ግንቦት፡ ኣብ ከተማ ህዩስተን፡ ዝርከቡ ኤርትራውያን (ደለይቲ ፍትሒ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ካልእ ክፍላተ ዓለምን በቢ እዋኑ ዝጥሕሉ ዘለዉ ደቀተባዕትዮ፡ ደቀ ኣንስትዮን ቈልዑትን ኣመልኪቶም፡ ናይ ሓዘን ሽምዓ ወሊዖም ኣምስዮም። እዚ ነቲ ብምኽንያት መበል 26 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ተመዲቡ ዝነበረ ለይታዊ ትልሂት
“ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይትኹና ወደን ክሕረድ ንሰን ይቁነና” ዝብል ዛንታ ክስምዕ እንከለኹ፡ መንቅሊ’ቲ ዛንታ፡ ሓቅነቱን ዝርዝራቱን ዘይፈልጥ’ኳ እንተኾንኩ፡ ናይ ብሓቂ ድዩ ኣደ ንጉሰ ወደን ክሕረድ እንከሎ ይቁነና ነይረን ኢለ፡ ምስቲ ዝወለደት ኣደ ጨኪና ኣይትፈልጥን’ያ ዝብል እምነት ይገራጨወኒ። እዚ ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብገለ ውሑዳት
መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 24 ጉንበት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዓሚቅ ዘተ ብምከያድ ኣገባብ ቃልስና ብምግምጋምን ሽምዓ ናጽነት ብምብራህን ተኸቢሩ ። ኣብቲ ዕለተ ዝኽሪ ዝተረኽበ ዕዱም ተጋ/ የማነ ተኽለገርጊስ ተመኩሮታት ገድሊ ንተሳተፍቲ ብምክፋል ኤርትራዊ ሃገራውነት ከነቀድም ጸዊዑ ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብቲ ንኹሉ ክፉት ዝነበረ መድረኽ ተጠቂሞም ርእይትኦምን ሕቶታቶም ኣወሒዞም
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እንተረኤና ካብ ፖሊካዊ ቃልሲ ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክሳብ ሕጂ እውን ክፍታሕ ዘይተኻእለ ፖሊቲካዊ ምሕደራን ሃይማኖትን ፈሊኻ ዘይምርኣይ ኢዩ፣ምንጪ ናይ ግርጭት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ መንነት ወይ ድማ ካብ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ
ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ ንቁሩባት’ዶ ንህዝቢ መንቢዒ ንሰላም’ዶ ንጨካናይ ረጋጽ ፍትሒ ንዲሞክራሲ’ዶ ንሕጊ ኣልቦ መራሒ ብቐጻሊ ህዝቢ ዘጽንት ህድገፋዊ ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ። መንእሰይ ነፊጹ ካብ ዝፈትዋ ዓዱ ሽግር በዚሒዎም ከይፈተዉ ዝተገዱ ብኹሉ ማእዝናት ክወጽኡ ክስደዱ ነጻነት ኤርትራ ባርነት ወሊዱ ንእሽቶ ዓብዩ ብስቓይ ተቐርዲዱ ንሃገሩ ጠንጢኑ ንስደት’ዩ ከይዱ ካብ ስቓይ ሃዲሙ ኣብ ስቓይ ተኣጉዱ ነጻነት ምስ ተነፊገ ኣብ
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ልክዕ ከምቲ ንዝሓለፉ ሓያለ ዓመታት ክገብሩዎ ዝጸንሑ ኣብ ክልተ ደምበታት ማለት ደለይቲ ፍትሕን፣ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓትን ተኸፋፊሎም ብዝተፈላለየ መልክዕን ኣገባብን ክጽምብሉዎ ቀንዮም። እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝቕጽል ዘሎ ጽምብል ደለይቲ ፍትሒ፣
ሚኒስተር ጥዕናን ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረኢየሱስ፣ ሎሚ 23 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሕብራት ሃገራት፣ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኮይኑ ብልዑል ድምጺ ተመሪጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ኒው-ዮርክ ታይምስ፣ ዶር ቴድሮስ፣ ኣብ መወዳእታ ዙርያ ናይቲ ምርጫ ካብ 186 ሃገራት ናይ 136
ኣብ’ቲ ትማሊ ምሸት 22 ግንቦት፣ ብኣመሪካዊት ውርይቲ ደርፊት ኣርያና ግራንደ ኣብ ማንቸስተር ኣሬና ዝቐረበ ምርኢት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ሓደ ካብቶም መዋጽኦታት ናይቲ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ነብሰ ቅትለታዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ቆልዑ ዝርከቡዎም 22 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 59 ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣረጋጊጾም። ፖሊስ፣ እቲ ዝተሰነዐ ቦምባ
ከም ግቡእ፡ እቲ ልዑል መስዋእቲ ከፊሉን ሓሳረ መከራ ተጻዊሩን ንባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒሩ ልኡላውነት ኤርትራ ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽምብል ናጽነት ሃገሩ’ውን ብሓደ ልቢ፡ ብፍቅሪ፡ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ከብዕሎ ነይሩዎ። እንተኾነ ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከም ዝብሃል፡ ብሰንኪ ጨፍላቂ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ዕድል’ዚ ክገብር ኣይተዓደለን፡፡
ሓደ ዘደንጹ ብህሎ ብተደጋጋሚ ክበሃል ካብ እንሰምዖ ነጻነት ተጨውያ ዝብል እዩ። ወረግ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክዝረብ ዝሰማዕኩዎስ: ፍጹም ዘደንጹ እዩ። "ነጽነት ኤርትራ ተጨውዩ እዩ ይብሉኻ። መን ብኸመይ ጨውይዎ ኢልካ ምስ እትሓቶም መልሲ ስኢኖም ጥርቅም ይብሉ። ነጻነት ዘይነበሮ ሽፍታ ገድሊ ከመይ ቢሉ ነጻነት ክምጥው ? ህዝቢ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ፡ ዘለናዮ ዘመን ንሕዝብና እቲ ዝሓሰመን ዝመረረን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ`ውን ስለዝኾነ፥ ዘመን ኣፈርክቡ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ናጽነታ ተጎናጺፋ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ሕዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ዝተኸፍለ ሕይወትን ዝባደመ ንብረትን ባጃ
ሕድሕድ ምንቛትን ምክፍፋልን ንህዝብና ዘረብሕ ኣይኮነን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ተቓዉሞ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ድሕረ ገጽ ፈይስቡክ ዝቐርብ ዘሎ ኣብ ሃይማኖት፡ ኣውራጃን፡ ብሄርን ዘተኮረ ናይ ዘተ ዛዕባታት፡ ነቲ ንህዝብና ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ጊሂሱ: ኣደዳ ጭቈና፡ ህልቂት፡ ስደትን ኣጻጢሕዎ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት
ኣለኹ በል ኣብ ህጉም ዘለኻ ኣብ ምድረበዳ ኣጻምእ፡ በረኻ ጸጋም እንተበልካ ነቕጺ የማን እንተበልካ ነውጺ ጽሓይ ህሮርማ ነራእስ ፈላጺ ቍሪ ለይቲ ንጸጕሪ ዝላጺ ማሕቡስ ዒራዒሮ የብሉን መግለጺ ማእሰርቲ ናዅራ የብሉን መግለጺ ዓዲ ኣበይቶ’ኸ እንታይ’ኺ ትገልጺ፧ ዛንታኺ ንገሪ ብዙሕ ኣይትምጸጺ መንዩ ዓጽሚ ዝሰብር ዘሎ ኣእጋር ሰብ ዝቖጺ መንዩ ዝፈትሕ፡ መን’ዩኸ ንሞት ዝሓጺ ቂዕ በሊ፡ ኣተንብሂ፡ ሃቢ ድምጺ ሰራው እኳ
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 7 ግንቦት 2017 ብሕክምናን ኣድላዪ ጉዳይን ተባሂሎም፥ ብዘይድላዮም ካብ ቤት ማእሰርቶም ተወሲዶም። በቲ ዕለት ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ ሕክምና ሰብ ኣብ ዘይብሉ ጻንያ ቦታ ወሲዶም፥ መርፍእ ድሕሪ ምውግኦም፥ ኣብ ህይወቶም ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ፍሉይ ናይ ሕቖ ሕማንን
ኣብ ሕብረተሰብና፡ መርዚ ወይ ስሚ ጎዳእን ቀታልን ስለዝኾነ፡ ኣሽምባይዶ ክትቀምሶ፡ ስሙ ክጽዋዕ’ውን ኣይድለን’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን ግን፡ ነቲ ንኽትጎስሞ ወይ ክትርዕሞ ከም ስሚ ወይ ከም መርዚ ዝቀትል ሓቂ፡ ንኽትቅበሎ ዘገድድ ኩነታት ይመጽእ እሞ ከይፈተኻ ትውሕጦ። እቲ እናፈለጥካ ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢልካ ሸለል ትብሎ ዝነበርካ
05/14/2017 ፍትሓዊ ኣገባብ ዝክር በዓል ነጻነት ኤርትራ, 2017 ክቡራት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን ፡ ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን። 24 ግንቦት, 2017፡ ዝክር ዕለት ናይ’ታ ብብሁሕ እሽሓት ዝቑጸር መስዋአትን ናይ ኣካላት ስንክልናን፡ ናይ ሚልዮናት ንዋትን ተኸፊሉዋ፡ ዝተርኽበት በዓል ነጻነት፡ ብሓባር እንዝክረላ ኣግዳሲት ዕለት እያ። ይኹን እምበር እዛ ክሳዕ ኪንድ’ዚ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ፡ ዘለናዮ ዘመን ንሕዝብና እቲ ዝሓሰመን ዝመረረን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ`ውን ስለዝኾነ፥ ዘመን ኣፈርክቡ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ናጽነታ ተጎናጺፋ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ሕዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ዝተኸፍለ ሕይወትን ዝባደመ ንብረትን ባጃ
“ተመርዒኻ ተዓሰብ” 1ይ ክፋል፡ 12.05.17፡ ኣብ ሕ/ሰብና መውስቦ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘተኣሳስረና ኣፋትል ሂወት ብምዃኑ ማሕበራዊ ጠባይ ዝሰረቱ ግድነታዊ መስ ርሕ ምስረታ ስድራቤት ኢዩ። ስለኡ ጾታ ብዘይፈሊ ዝኾነ ክንዲ-ሰብ ዝኣኸለ ውሉድና ነታ ጽባሕ ዝምስርታ ስድራ ክን ዲ ዝከኣሎ ምድላዋት ምስ ገበረ’ዩ ዝዋሰብ። መርዓ እምባኣር ከም ክቡር
ሕግደፍ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ነቲ ናይ ቨልድሆፈን ሆላንድ ውድቀቱ ንምሽፋንን ከምኡ ከይድግመን ከይቅጽልን ንምግባር ህርግድግድ ኣብ ምባል ይርከብ። ቀንዲ ኣትኩሩሎ ዘሎ ህዝባዊ መኸት ብማለት ናይ መበለሓቲ ኣኸባታት ናይቶም ኮራኹሩ ኣብ ኩሉ ከተማታት ጀርመን ምኽያድ እዩ። ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ብዕለት 7.05.201 እዩ እቲ ብህጹጹ ዝተጸወዓኤ እከባኦም ተኻይዱ። እዚ
ካብቲ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሳ ነፈርቲ ኵናት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ቅድሚ ትማሊ 8 ግንቦት ብዘካየዳኦ ደብዳብ፣ ሓደ ንቡር ህይወቱ ንዝመርሕ ዝንበረ ገፋፍ ዓሳ ትወላዲ ብሄረ ዓፋር ክቐትላ ከለዋ ምስኡ ንዝነበሩ ሽዱሽተ ካልኦት ሰላማውያን ብኸቢድ ከምዘቝሰላ፣ ካብ ምንቅስቓስ
ዜና ኣኼባ መኸተ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሽወደን ብ17 መካይን 74 ፖሊስን ሓንቲ ሂሊኮፕተርን ተሓልዩ። ብዕለት 07.05.2017 ካብ ሰዓት 13.00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 18.00 ዝነበረ ብሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ዮተቦርግ ከባቢኣን ከተማ ስኮራ ዮንሾፒን ሊድሾፒንግን ዝመጹ ከቢድ ተቋውሞ ራዕድን ስለ ዘጋጠሞ ብ6ተ ፖሊስን ሓንቲ መኪና ዝጀመረ፡
ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ንንጣር ሓዊ ብእግርኻ ረጊጽካ ናይ ምጥፍኡ ተኽእሎ`ሎ። ሸለል እንተልካዮ ኸኣ ንቁጽን ጥሉልን ከም ዘንድድ ዓሻን ለባምን ዝርድእዎ`ዩ።ብማዕረ`ዚ ኸኣ ናይ ዝኾነ ሾቨንያዊ፡ ኣድሓርሓሪ፡ ኣዕናዊ ቂልዒ ሓሳብ ብኣጋ ብእግርኻ ዘይምርጋጽን ኣበይ ከይበጽሕ ኢልካ ብ ሓንጎል`ታ ብ ኣባጎብየ ዝተቀደመት ማንቲሌ ምሕሳብ ጌጋ`ዩ። ንኤርትራዊ ጂኦ ፖለቲካዊ ሓድነት ዘቋስል
ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ኣህዛብ ዓለም ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ክትህልዎ እዩ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ዝኸፈለ። እንተኸነ እቶም ንትጽቢታቱ ከማልኡ እምነት ዘንበረሎም ኩሉ ዝውንኖ ዓቕሚ ብምውፋይ ዘሔየሎም ብናይ ፖልቲካ መራሕቲ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮንስ ፣ እታ ሃገርን ህዝባን ኣብ ሓያል ሓደጋ
መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ዎርልድ ኣትላስ ብ24 ሚያዝያ፡ ኤርትራ ብተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዕዮ፡ ምስ ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ከም እተሰርዐት ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ መደባት፡ ቊጠባዊ ሓርነትን ንተሳታፍነት ደቂ- ኣንስትዮ ዘተባብዐን ዕድላት ዘርሓወን ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ገሊጸን። ተራ
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብሰሪ ተናኻሲ፡ ዘይርጉእን ዘይዉርዙይን ፖሊሲታቱ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘጋጠሞ ተነጽሎ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ግዳምን፡ በቲ ንሱ ጥራይ ዝውንኖ መራኸቢ ብዙሓንን ካድራቱን ኣቢሉ ናይ ሓይለብኡ ይሰርሕ ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ገበናቱ ንምሕባእን ህዝቢ
ድሕሪ ቅትለት ካሕሳይ መኮነን ኣብ ጀርመን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዘለዎም ጽልዋን ጸቕጥን ጎሊሑ ክርአ ብምጅማሩ፣ ባይቶ ሆላንድ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ንዕለት 6 ግንቦት 2017 ካብ ሰዓት 02:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲ ኢና። ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል ኢልና ዝቐረብናዮ እማመ
ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ፖፕ ፍራንሰስ፣ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ጥንታውያን ማሕበረሰባት ክርስትና ብቐጻሊ ግዳያት እላማውያን ኣሸበርቲ ኮይኖም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ መራሕቲ እስልምና ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ኣብ ምዅናን ሕቡር ድምጺ ከስምዑ ትማሊ ዓርቢ ከምዘተሓሳሰቡ ‘ዘ ኢንድፐንደንት’ ሓቢሩ። እቲ ጳጳስ ፍራንሰስ ስኒት ኣመንቲ
ወያ ቡርኩታስ ግድን እምኒ ኣላታ! 20.04.17፡ ብዕለት 16 ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ’ዩ ነይሩ ብድምጺ ኣሰና መስዋእቲ ናይ’ዛ ብዕለት 13.04.17 ዝዓረፈት ሓርበኛ ተጋዳሊት ም ሕረት ኢዮብ ተኹሉ ዘሕዝን ዜና ዝሰማዕናዮ። ምኽንያት መስዋእታ ድማ ብዝነበራ ሕዱር ሕማም ምዃኑ ክግለጽ ቀንዩ ። እንተኾነስ ሕጂ’ውን ብድምጺ ራዲዮ መድረኽ ዝተፈነወ ዜና ከምዝሕብሮ ሓርበኛ
ሓውና ምስግና ገብረመድህን ብሕማም ምኽንያት ብዕለት 07/03/2017 ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝዓረፈ ብምዝካር፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ደቂ ማሕበሩን ጽንዓት ይሃቦም። ምስግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብዘሕ ብድሆታት ኢዩ ኣጋጢሙዎ። ግን ንኹሉ ብትብዓትን ትዕግስትን ሓሊፉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከዕርፍ ካብ ሕቡራት ኣመሪካ ጠቕሊሉ ኢዩ ኣትዩ ነይሩ። ካብቶም ዓበይቲ ምስግና ዝልለየሎም ጠባያት ንምጥቃስ፦ ምስግና
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ ኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ሆላንድ! ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ- ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምሳኹምን ኣብ ጎኒኹምን ኣለና። ሃብሮማትን ጀጋኑን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ንዝወሰድኩምዎ ተባዕ ተበግሶ ነሞጉስ። ተዓዊትኩም የዐዊትኩምና። ብዙሕ ምሽብሻብን ምድላውን ንዝተገብረሉ መደብ ህግደፍ፡ የውሃና ይብጻሓኩም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን
Tesfamariam wel.15/04/2017 oslo Norway እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ ቅያ ተሰሪሑ ኣብ ሆላንድ ኤንድ ሄቨን ንህግደፍ ሓዘን ንደላይ ፍትሒ ሓበን ታኣምር ክንሪኢና ሓዲኡሎ ሎምዘበን ክንሪኢና ህግደፍ ክበላልዓ ሕድሕደን ኤውሮ ክግሕጡ ከም ቀደም መሲሉዎም ተራኣኻስ ባዶ ተሰኪሞም ጽርግ ንዓዶም ህግደፍ ህግደፋውያን ተጋሊጹ ጉድኩም ፈኸራኹም ተሳዒሩ
ምሕረት ዝኣዘዝኪ ንብዙሓት ነዛ ግልኺ ዶ ተነፍገኪ ድሕነት ኣንቲ ክኣሊቱ መምህር ምስ ኣደነት፣ ‘ታይ ‘ሞ ፋይድኡ ‘ወየ’ ድሕሪ ‘ቲ ሞት ከለኺ በኺና ወዲእናዮ ንብዓት! መለሳ ህላወ ካብ ወሳዲኺ ሞት ባዕልኺ ዘይገለጽክዮ ትርጉሙ ንህይወት እምበር ጽንጽንታ ዶ ጠፊኡና ናይዘን ተካል ዓመታት ካብ ንምዉታት ከምዝብከየልና ንህልዋት! እንተ ሕማም ኣምላኽ ዘይውቀስ ኣንደበት ናብ ደበስ ዘስግር ተመኒኻ ገነት፣ እንተ ግፍዒ ሰይጣን
ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ተመቝሐ ሃለዋቱ ን 16 ዓመት መመላእታ ጠፊኡ ዘሎ ሓርበኛ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሰ ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ ኣብ መበል 65 ዓመታ ብቕድሚ ትማሊ 13 ሚያዝያ 2017 ዓሪፋ። ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ ንሓያለ እዋን ብሕማም ክትሳቐ ድሕሪ
ትማሊ ድንዕ፡ ሎሚ’ውን ትንዕ፡ ጽባሕ’ሞ ገማዕ! 14. 04. 17፡ እንኳዕ ናብ ድሮ ፋሲካን ድሮ ሙሉእ ሓርነትን ኣብጻሓና ደቂ ኤርትራ ደቂ’ዛ ለዋህን እዝውትን መሬት! “ዓሻስ ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ይጻወት” ኢሎሞ ወለድና ከምዚ ናይ ትማሊ ሓሙስ ምስረኸቡ። ህግደፍ ኣብ ቃሬዛ ተጋዲ ሙ ክንሱ ኣለኹ ማለት ብክንደይ ሸፍኖ ከውሎ ክምስጠር
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመሪሕነት የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ኣብ ሆላንድ ሎሚ 13 ሚያዝያ ከካይዶ ጀሚሩ ዝነበረ ኣኼባ ኩርኩር ህግደፍ (YPFDJ) ብ ሳላ ተባዕ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ ተሰሪዙ፣ ኩሎም ልኡኻት ህግደፍ ካብ ሆላንድ ብህጹጽ ክወጽኡ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነቲ ኣኼባ