Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕድሕድ ምንቛትን ምክፍፋልን ንህዝብና ዘረብሕ ኣይኮነን

ሕድሕድ ምንቛትን ምክፍፋልን ንህዝብና ዘረብሕ ኣይኮነን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ተቓዉሞ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ድሕረ ገጽ ፈይስቡክ ዝቐርብ ዘሎ ኣብ ሃይማኖት፡ ኣውራጃን፡ ብሄርን ዘተኮረ ናይ ዘተ ዛዕባታት፡ ነቲ ንህዝብና ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላቱ

ሕድሕድ ምንቛትን ምክፍፋልን ንህዝብና ዘረብሕ ኣይኮነን

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ተቓዉሞ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ድሕረ ገጽ ፈይስቡክ ዝቐርብ ዘሎ ኣብ ሃይማኖት፡ ኣውራጃን፡ ብሄርን ዘተኮረ ናይ ዘተ ዛዕባታት፡ ነቲ ንህዝብና ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ጊሂሱ: ኣደዳ ጭቈና፡ ህልቂት፡ ስደትን ኣጻጢሕዎ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ንምእላይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብቐጣ ዝሕግዝ ኣይኮነን።

ዝኾነ መራኸቢ ብዙሓን፡ ከም መሳርሒ ጽቡቕ እዃ እትነኾነ፡ እቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ግና ሚዛናዊን ሓላፍነታዊን ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ’ዚ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ተራ መራኸቢ ብዙሓን ንምግላጽ ዘይኮነ፡ ኣቶ ሰለሙን ገብረየሱስ፡ ምስ ኣቶ ኣረጋይ ሓጎስ፡ ብ 19 ምያዝያ 2017፡ ኣብ Eritrean News Network፡ ኣብ ዘካየዶ ክትዕ፡ ንብዙሓት ኣባላት ስምረት መንእሰያት ኤርታራ ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ፡ (EYSC-NA) ብኣውራጃውነት፡ ሽርሕን ውዲትን፡ ክውንጅሎም ተሰሚዑ። ኣብ’ቲ ዘተ ኣባላትና፡ ከም ዘይሰርሑን፡ ደገፍቲ ናይ’ቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ምዃኖም’ውን ዘንጸባርቕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ናይ ስምረት መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ ቀንዲ ጸገም ዝነበረ፡ ናይ ኣውራጃውነት ወይ ጉጅለኣዊ ኣሰራርሓ ዘይኮነ፡ ብወገን ፈጻሚት፡ ቦርድ ብዘይ ወሰኖን፡ በዘይ ፈልጦን፡ ንመትከላት፡ ዕላማን ራኢን ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ብዘይ ውክል፡ መግለጺታት ይወሃብን፡ ስራሓት ይፈጸምን ስለ ዝነበረ እዩ። ከም ኣብነት፡ መን፡ ብኸመይ ተወሲኑ፡ ምንጪ ቑጠባ ካበይ ከም ዝተረኸበ ብዘይፍለጥ፡ ፈነወ ራድዮ ክጅመር ምዃኑ ተወሲኑ።

ብመሰረት ሕጊ ህንጻ እዚ ምንቅስቓስ (ኢዋይኤሲ)፡ ዓንቀጽ 5፡ ክፍሊ 2፡ ቦርድ ላዕለዋይ ኣካል ምዃኑ የረጋግጽ።

ከምኡ ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ቦርድ ዝነበሮ ዕቃበታት ንምግላጽ፡ ዝካየድ ዝነበረ ስርሓት ንምክትታል፡ ወይ’ውን ክትግበሩ ዘለዎም ኣጀንዳታት ንኽዝተየሎምን ውሳኔ ንኸሕልፈሎም፡ ኣኼባ ክካየድ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ፡ ብወገን ኣቦ ወንበርን፡ ምክትሉን ተቐባልነት ይረክብ ኣይነበረን። ቦርድ፡ እቲ ጸገም ናብ ግዳም ንኸይወጽእ ብዙሕ ተጸሚሙ መፍትሒ ክርከብ ኣይተኻእለን። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ክግበር ዝነበሮ ኣኼባታት፡ ብኣብያ ኣቦ ወንበር ንብዙሕ ወርሓት ተመሓላሊፉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሽዑ ዝተቐድሐ ናይ ፓልቶክ ድምጺ ከም ዘረጋግጾ፡ ቦርድ፡ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ፡ ንኣቦ ወንበር ካብ ሓላፍነቱ ኣዉሪድዎ። 4 ኣባላት ፈጻሚት ኣብ ዝተረኸበሉ ምልኣት ኣኼባ ቦርድ፡ ብኣብዝሓ ድምጺ፡ (13 እወ፡ 2 ኸኣ ድምጺ ዓቂቦም) ብ 2 መጋቢት 2013፡ ንኣቦ ወንበር እቲ ምንቅስቓስ ዝነበረ፡ ኣቶ ዳኒኤል ገብረሚካኤል ኣውሪድዎ።

ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ዓንዲ ሕጊ፡ ዓንቀጽ 6፡ ክፍሊ 3፡ ለ፡ ለ (Section 3: B, b)፡ ኣቦ ወንበር ምስ ዘይህሉ፡ ምክትል ንኣቦ ወንበር ይትክእ ይብል። ቦርድ፡ ነቲ ሽዑ ምክትል ኣቦ ወንበር ዝነበረ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ከም ኣቦ ወንበር ኮይኑ ንኽመርሕ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት፡ ኣቶ ሰለሙን ተቐቢልዎ።

ኣቶ ሰለሙን፡ ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ ኣኼባ፡  ነቲ ምንቅስቓስ እንታይ ከስርሖ ዘይከኣ፡ ኣብ ሓንጐሉ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ናይ ኩሎም ኣባላት ቦርድ ምትሕብባር ከይፍለዮ ብምልባዉ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

“እንታይ ከስርሓና ከም ዘይከኣለ ኣብ’ዚ ኦርጋኒዜሽን ብዙሕ ተረዲአ። ከም ሰብ ኩሉ ኣብ ሓንጎለይ ኣሎ ኢለ ይሓስብ። ነዚ ንምፍታሕ ኸኣ፡ ካብ’ቲ ዝነበርናዮ፡ ናይ ተዓዛባይን ወናኒ ዓይነት ኣካይዳ ወጺእና፡ ኩላትና ብሓንሳብ ተጠርኒፍና ክንከይድ ዘይንኽእለሉ ኣብነት የልቦን። ኣነ ኩሉ ግዜ ናይ ድሌት ሰብ እየ። እቲ ዓቕሚ እሎ። እቲ ኽእለት ኣሎ። ኣጆኹም ኣጆና። ኩላትና ለውጢ ንኸነምጽእ ኢልና ኣብዚ ዘሎና። ኣብ ሜዳስ ክንደይ ሰብ ተቓቲሎም’ዮም መጺኦም። ኣብዚ ዝተቓተለ የልቦን። ቁርብ ናይ ቃላት ምልውዋጥ ኢና ገይርና። ፕረስ ረሊዝ’ውን ኣብ ውሽጢ 45 ሰዓታት ከነውጽእ ኢና። እቲ ዝገበርናዮ ሕጋዊን ዲሞክራስያዊን መንገዲ ንህዝቢ ከነፍልጥ ኢና። ኣብ ዝሕጸረ ግዜ ብዛዕባ ትራንዚሽን ክንዘራረብ ኢና። EYSC ከም ኦርጋኒዜሽን፡ ካብ’ቲ ኣቲዎ ዝነበረ ታኼላ ወጺኡ ብኸመይ ንቕድሚት ይኸይድ? ብከመይ እቲ ስርሓት ይዕመም? ዝብል ክንዘራረበሉ ኢና። ኩላትና ተረዳዲእና ኣብዚ ደረጃ ምብጻሕና ንባዕሉ ዓወት እዩ። የቐንየለይ!” ክብል ኣቶ ሰለሙን ዘረብኡ ዛዚሙ።

እዚ ነቲ፡ ኣቶ ሰለሙን፡ ንኣባላት ቦርድ ዘቕረቦ ናይ ኣውራጃውነት ጸለመ፡ ሓቂ ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ። እቶም ኣባላት፡ ብናይ ኣውራጃውነት ሓሳባት ዝተጠቕዑ ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ኣቶ ሰለሙን ክመርሕ ኣይምፈቐዱን ነይሮም። እንተኮነ፡ ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መንገዲ ተቐቢሎም፡ ናይ ቦርድ ውሳኔታት፡ ህዝቢን ኣባላትን ናይ ምሕባር ሓላፈነት ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብ፡ ብዛዕባ ምቕያር መሪሕነት ናብ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝዝርጋሕ ተገይሩ።

ነቲ ናይ ኣውራጃውነት ጸለመ ዉዱቕ ዝገብሮ ካልእ ነጥቢ፡ ኣቶ ዳኔኤል ኣብ ቦርድ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ዝወከልዎ ጨንፈር፡ ሎስ ኣንጀሎስ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ኣቶ ዳኔኤል ካብ ሓላፍነቱ ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ እቶም ዝወከልዎ ጨንፈር፡ ብቕዓትን ፖለቲካዊ መርገጺታቱን እምነት ካብ ዘጉድሉ ወርሓት ሓሊፍዎ ነይሩ። ናይ ኣባላት ሕቶታት ብብቕዓትን ብቕንዕናን ይምልስ ኣይነበረን። ከም ኣብነት፡ ብዛዕባ “ናይ ኤርትራ ሽግር ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ጭርሖ።

ብዛዕባ ኣገባብ ቃልሲ። ብዛዕባ መሰረታዊ ለውጢ ድዩ ወይስ ጽገናዊ ለውጢ ዝብሉን ካልእን ሕቶታት ኣብ ዝቐርብሉ እዋን፡ ወይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ፡ ምስ’ቲ መትከላት ናይ’ቲ ማሕበር ይቃዶ ኣይነበረን። በዚን ካልእን ኣቶ ዳኒኤል ምስ ኣባላት ጨንፈሩ ምርድዳእ ብምስኣኑ፡ ምዱብ ኣኼባ ካብ ምግባር ሓንጊዱ ነበረ። እዚ ነቲ ኣቶ ሰለሙን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቦርድ EYSC-NA ዘቕረቦ ናይ ኣውራጃውነት ጠቐነ መሰረት ከም ዘይብሉ ዘረጋግጽ ተወሳኺ ሓቂ እዩ።

ብዛዕባ’ቲ ኣይሰርሑን እዮም ዝብል ወቐሳ፡ ብመሰረቱ፡ እቶም ኣባላት ቦርድ፡ ከም ግቡእ፡ እቶ ዝበዝሐ ስርሖም፡ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ሓገግቲ እምበር፡ ናይ ምፍጻም መዝነት የብሎምን። ንዕላማን ራኢን ማሕበር፡ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ንኹሉ ስርሓትን ጥዕናን ምንቅስቓስ ይሕልዉን የደንፍዑን። ከም ኩሉ ኣባል ኸኣ፡ ኣብ ጨንፈራቶም ወይ ከተማታቶም ኮይኖም፡ ንጥፈታት ማሕበር የሰላስሉ።

ኣባላት ናይ’ዚ ቦርድ፡ ኣብ’ቲ ናይ ባዕሎም ምንቅስቓስ ጥራይ ከይተሓጽሩ፡ ከም ኩሉ ደላዪ ፍትሒ፡ ኣብ’ቲ ንደሞክራሲን ሓርነት ሃገርና፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሰይያስ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉድያት ብምስራሕ፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብዙሓት ከተማታት ካብ ህግደፍ ሓራ ንኽወጻ ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለዉን።

  • ነቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ምድላዉን ብኣካልን ተሳቲፎሞ
  • ምስ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ማሕበር ጠበቓታት ኮይኖም፡ ንጉጅለ መርማሪት ሰብኣዊ መሰላት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ጭብጢ ምስክርነት ብምቕራብ ንኽዕወት ኣበርኪቶም።
  • ኣብ ምድላውን ምዝርጋሕን እታ “ስዉእ ተዛሪቡ’’ ዝተሰምየት ሓጻር ፊልም ኣባላት እዚ ቦርድ ዓቢይ እጃም ኣበርኪቶም እዮም።
  • ብምትሕብባር ምስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብምድላው ምሕታምን ምዝርጋሕን ሂወት ታሪክ ኣባላት ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን ጽሑፋት ዝሓዘት ዓውድ ኣዋርሕ (ካሌንደር) ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ መሪሕ ታራ ተጻዊቶም።
  • ኣብ ኒው ዮርክን ዲሲን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊታት ንኽዕወት፡ ብሃገርን ክፍሊ ግዝኣትን ደረጃ ኣካል ናይ’ቶም ዘዳልዉን ብምዃን ዕዉት ሰለማዊ ሰልፍታት ንኽግበር ሰሪሖም።
  • ኣብ ዊኒፔግ ካናዳ ዘላ ብህድሞና ትፍለጥ ጨንፈርና፡ ቆንስል ስርዓት ህግደፍ ካብ’ታ ሃገር ንኹስጎግ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣካይዳ። ከምኡ’ውን፡ ነቲ ብምትሕብባር ናይ ዕደና ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተቃልዖ ኣላ።
  • ኣብ በይኤርያ፡ ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ፡ ኣብ ላስ ቬጋስ፡ ኣብ ህዩስቶን፡ ኣብ ዲሲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዊኒፐግ፡ ዝርከቡ ኣብላትና፡ ኣብ ክፍሊ ግዝኣቶም ዝካየድ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡

ኣብ ከተማታቶም ዝካየድ ኮሙኒታዊ ማሕበራዊ ስርሓት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ላምፓዱሳ፡ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወረደ ከቢድ ናይ ሓደጋ፡ ናይ ሽምዓ ምውላዕን ካልእን ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለዉን።

  • ልዕሊ 60 ሚእታዊት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ናይ ዓርቢ ሓርነት፡ ኣባላት ናይ’ዚ ምንቅስቓስ እዮም። ብቐጻሊው’ን ይሰርሑ ኣለዉ።
  • ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተፈላለየ ዑደንት ሰሚናራትን ንኽካየድ ይንቀሳቐሱ እዮም። ወዲ ቫካሮ፡ ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ዶር. ዳኔኤል ረዘነ፡ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ የማነ ሃብተገርጊዮስ፡ ኪብሮም ዳፍላ፡ ኤልሳ ጭሩም ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም።
  • ምስ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ብምትሕግጋዝ፡ ዝተፈላለየ ናይ ሙዚቃን ባህልን ዑደት ንኽካየድ ይንቀሳቐሱ። ወዲ ትካቦ ካብ ህግደፍ ንኽፍለ ተሓጋጊዞም። ገና’ውን ንሰርሑ ኣለዉ።
  • ብውሑድ ዓቅሚ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከባ ደቂኣንስቲዮ ኣሕዋትና ናይ ፋይናንሳዊን ሞራልዊን ሓግዝ ኣብ ምብርካትውን ኣባላት ቦርድ እዛ ማሕበር ተሳቲፎምን ንካልኦትውን ኣሳቲፎም እዮም ።

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ፡ እዚ ብናኣሽቱ ጉጅለታት ወይ ውድባት ኮይንካ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ነዊሕን ኣድካሚን፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ህዝብና ዝደልዮ ዘላቒ ለውጢ፡ ማለት ሰላም፡ ፍትሒ፡ ደሞርክራሲን ምዕባለን ንኽመጽእ ዘውሕስ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለዎ። ከም ምንቅስቓስ ኸኣ፡ ካብ ናይ ባዕሉ ጉጅለኣዊ ሓሳብ ወጺኡ፡ ሓደ ንኹሉ ኣካዉና ሕብረተሰብና ዝወከል ሓድነት ዘለዎ፡ ዓቢን ሓያልን ምንቅስቓስ ንምፍጣር፡ ብዓቕሙ ጻዕርቲታ ከካየድ ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ሓደ ናይ ሓድነት ንድፊ ብምድላው ኸኣ፡ ምስ ኣባላት ስምረት ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ካብኦም ዝተፈንጨሉ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት (ኣብ ኣወስትራልያ፡ ኣውሮፓ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምዕራብን) ዝርከቡ ጉጅለታት ብተደጋጋሚ ርክባት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ምንቅስቓስ ኸኣ፡ ኣብ ግሉጽነት፡ ፍትሒን ማዕርነትን ዝተሞርኮስ ምስ ተመሳሳሊ ዕላማን ራኢን ዘለዎም ኩሎም ምንቅስቓሳት ናይ ምርኻብን ሓድነት ናይ ምፍጣርን ከም ስልቲ ሒዙ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ ኣሎ። ንኹሉ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይድ ጉጅለ፡ ምንቅስቓስ፡ ውድብ፡ ግንባር፡ ባይቶን ከም ኣካሉ ገይሩ ይርእዮም። ምስ ጎረባብትናን ዓለምን ኸኣ፡ ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ማዕርነት ዝተመስረተ ንረብሓ ህዝብና ይጣበቕን ይሰርሕን።

ስለ’ዚ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ምስ’ቲ ዝተፈንጨለ ወገን ዝነበሮ ቀንዲ ጸገማት፡ ክግምግሞ ከሎ፡ ከም’ቲ ኣቶ ሰለሙን ገብረየሱስ ዘቐመጦ ኣውራጃዊ፡ ድኻምን ደጋፊ ናይ ሓደ ጉጅለ ኢዩ ብዝብል ኣይኮነነ። እንታይ ድኣ፡ እቲ ዝነበረ መሪሕነት፡ ኣባላት ናይ’ዚ ምንቅስቓስ ሓዊስካ፡ ናይ ህዝብና መዓት ቀዳምነት ካብ ዘይምስራዕ፡ እኹል ናይ ዲሞክራሲ ባህሊን ተመኩሮን ዘይምውናን፡ ኣብ ግልጽነትን ተሓታትነት ዘይምእማን፡ ብሕጊ ህንጻን፡ ኣብዝሓ ድምጺ ውሳኔን ዘይምምእዛዝ፡ ዝኣመሰልዎም ጸገማት እዩም ነይሮም ዝብል እምነት ኣለዎ።

ናይ’ዚ ምንቅስቓስ ይኹን ናይ ካለኦት ሓይሊታት ምክፍፋልን ምድኻምን፡ ንስርዓት ኢሰይያስ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንረብሓ ህዝብና ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ንህዝብና ዝበታትን ዘሎ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዞባና፡ ኣህጉርናን ዓለምናን፡ ዘሎ ህሉው ፓለቲካዊ ኩነታት ብግቡእ ክጽናዕ። ነቲ ዝርከብ ውጽኢት ንምምሕዳሩ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ። ንስርዓት ኢሰይያስ ብተግባር ክኣሊ ዝኽእል ሓይሊ ፈጢርና፡ ኣብ ሃገርና ከባቢናን ሰላምን ራህዋን ንምስፋን ክንጽዕት ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ፡ ተራ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዓቢ ምኻኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

 

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ

ሰሜን ኣሜሪካ

19 ግንቦት 2017

EYSCNA@GMAIL.COM TEL 240-560-8826

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT