Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኼባ መኸተ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሽወደን ብ17 መካይን 74 ፖሊስን ሓንቲ ሂሊኮፕተርን ተሓልዩ።

ዜና ኣኼባ መኸተ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሽወደን ብ17 መካይን 74 ፖሊስን ሓንቲ ሂሊኮፕተርን ተሓልዩ። ብዕለት 07.05.2017 ካብ ሰዓት 13.00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 18.00 ዝነበረ ብሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ዮተቦርግ ከባቢኣን ከተማ  ስኮራ ዮንሾፒን ሊድሾፒንግን ዝመጹ

ዜና

ኣኼባ መኸተ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሽወደን ብ17 መካይን 74 ፖሊስን ሓንቲ ሂሊኮፕተርን ተሓልዩ።

ብዕለት 07.05.2017 ካብ ሰዓት 13.00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 18.00 ዝነበረ ብሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ዮተቦርግ ከባቢኣን ከተማ  ስኮራ ዮንሾፒን ሊድሾፒንግን ዝመጹ ከቢድ ተቋውሞ ራዕድን ስለ ዘጋጠሞ ብ6ተ ፖሊስን ሓንቲ መኪና ዝጀመረ፡ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ብብዝሒ ደለይቲ ፍትሒ ጎልጎል ምስ መልኤ 16 መካይን ፖሊስን ኣኽላባት 74 ፖሊስ፡ ብመርሪ ጋዝ ብምጥቃም ንኩልና ደልይቲ ፍትሒ ናብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ዝነበረ፡ ካብ ምእታው ከልኪሎምና።  ደገፍቲ ዉልቀ መላኺ ህግደፍ ዋላ ፍቃድ መኤከቢ ይሃልዎም እቲ ዕድመ ኣኼባ ግና ንኩሉ ኤርትራዊ ተቀማጣይ ዮተቦርግ ስለ ዝብል ስለ ዝኾነ ብስነ ስርዓት ኣቲና ክንሰምዕ ክንሓትታ ኢና ብምባል ምስ ሓለውቲ ስነ ስርዓት ፖሊስ ተራዳድእና ። ፖሊስ ኽሓቶም እየ ኢሉ ሓቲቱ ኣኼባ ንኣባላት ጥራሕ እዩ ፡ ስለዚ ኣይፍቀደኩምን ስለ ዝበለና ኣብ ዝተወሰነልና  ቦታ ኮንና ክጭርሕን ክንዕዘብን ወሰና ። ዝገርም ኩሎም ሓለውቲ ብጫ ጂለ ጌሮም ዝነበሩ ኩሎም ካብ ስቶኮልምን ከባቢ ዮተቦርግን ዝመጹ ነበሩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሕለፈ 25/26.03.2017 ጉባኤ ህግደፍ ናይ ሙሉእ ሽወደን  ብሚስጢር ኣብ ዮተቦርግ ዝገበርዎ፡  ኣብ ክልተ ስለ ዝተጋማምዑን መራሕቲ እውን ስለ ዝቀያየሩን፡ ዝመጽዎም ካብ ዮተቦርግ  ስለ ዘይኣመኑ ሓገዝ ጠሊቦም ኩሎም ሓለውቲ ክልተ ሚኒባስ መሊኦም ካብ ስቶኮልም ኣምጺኦም። ድሕሪ ክልተ ሰዓት ካብ ዝተወሰነ ቆጸሮኦም ኣባላቶም ተቀማጦ ዮተቦርግ ዘርጠብጠብ ብምባል ገለ ገለ ዓያሹን ገለ ኣዋልድን ክመጹ ጀመሩ። ጸኒሑ ብብዝሒ ህዝቢ እቲ ከባቢ ሽወደናውያንን ሓለፍቲ መገድን  ተገሪሞም፡ ብዝሒ መካይንን ፖሊስን ምስ ረኣየ ንዝምልከቶም ክድውልን ክሓቱን ከለዉ  ናይ ሃገር ሽወደን ቲቪ እውን ከተፍ በሉ። ምስ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ቃለ ሓተታ ጌሮም ንዝተጋጠመ  ሰኒዶም ከዱ። ኣብ ዕላዊ ቲቪ ዜና ናይ ሃገር ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ክቃላሕ ኣምሲሰየ። ቀጺሎል ሓያሎ ጋዜጠኛታት መጹ። ኩሉን መዓልታውያን ጋዜጣታት ሃገር ሽወደን ከኣ ፖሊስ ንኤርትራውያን ተቋወምቲ ብመሪ ጋዝ ደው ኣቢለሞም፡ ዕግርግር ኣብ ከተማዮተቦርግ ዝብል ኣርእስታት ሂበን ብስእልታት ዝተሰነየ ጺሒፈን። ንጽባሒቱ በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ደለይቲ ፍትሒ ዝተወስደ ናይ መሪር ጋዝን ኣብ ልዕሊ 12 ሰባት የዕንቶም ዝወረደ ፡ ንጨካን ዲክታቶር  ፍቋድ ምሃብ ጌጋ ምኳኑን ናይ ምትላል ጸዊዒቶ  ቅዳሕ ጌርና፡ ምስ ፖሊስ ተራኺብና ኣገዳሲ ዘተ ጌርና ። ኣብቲ ርክብ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተመደቡ ፖሊስ ሃገር ሽወደን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ንጹር ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮም ሓላፊ ፖሊስ እውን ተኣሚኑ። ኣብ መደምደምታ ዘሎና ሰነዳት ተላዋዊጥና ንቀጻሊ ብኸመይን እንታይ ከም እንገብርን ተራዳዲእና።

ወኪል ዜና ሰዲህኤ ሽወደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ንጉሰ ገብረማርያም አብርሃ ( ካሊፎርንያ ኦረንጅ) May 10, 2017

    ኤርትራ ብዘይ ወደብ ዓሰብ ምስ ኢሳያስ አፈወርቒ
    ዶ ወይስ
    ኤርትራ ምስ ዓሰብ ብዘይ ኢሳያስ አፈወርቒ ??

  • ንጉሰ ገብረማርያም አብርሃ ( ካሊፎርንያ ኦረንጅ) May 10, 2017

    ሕቶ ን በዓል ” ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ፤”

    ” ኤርትራ ብዘይ ዓሰብ ምስ ኢሳያስ ፤
    ዶ ወይስ ፤
    ኤርትራ ምስ ዓሰብ ብዘይ ኢሳያስ??

  • ንጉሰ ገብረማርያም አብርሃ ( ካሊፎርንያ ኦረንጅ) May 10, 2017

    መቸስ ነዞም ርእሶም አድኒኖም ዘለውን ተሳዒሮም ዘለውን ደገፍቲ ህግደፍ በየናይ መንገዲ እቲ ኹነታት ተረዲእዎም ምስ ደለይቲ ፍትሒ የሕዋቶም ተሐዊሶም ነዚ ንኤርትራ ዘጥፍአ ዘሎ ስርዓት አሊኻ ኤርትራ ” ሀገረ ሕጊ ሰላምን ቅሳነትን ንምግባራ ንክርድኡ ዘይተፈተነን ዘይተጻዕረን አይኾነን። እንተኾነ ” ብጊዜ ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ጸደፈ ” ኮይኑ ነገሩ።
    ድርግ ” ኤርትራ ለዓረብ አትሸጥም አትለወጥም፤ ኢሉ ክሳብ ዝጽንቕቕ ተዋጊኡ ተሳዒሩ ከይዱ።
    እቲ ትንቢት ግን ገዲፉ ከይዱ ክውን ኮይኑ ንርእዮ አለና ኢሳያስ ንኤርትራ ንዓረብ ይሸጣን ይጣላዓላን አሎ።
    እሞ የሕዋት እታ ክቡራት ስውአትናን ስንኩላትናን ዘረከቡና፤
    ኤርትራ ምስ ዓሰብ ብዘይ ኢሳያስ ዶ
    ወይስ ፤
    ኤርትራ ብዘይ ዓሰብ ምስ ኢሳያስ?

POST A COMMENT