Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እሩም ኣቀላልሳና ቀዋሚ ዋሕስ ንሓርነት ኢዩ

(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ)  ዝኸበርኩም አሕዋትን አሐትን ደቂ ሃገር!! ሎሚ መዓልቲ መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከለና፣ ብሐደ  ወገን ህዝብና ከይተሐለለ ተስፋ ከአ ከይቆረጸ  አቐዲሙ  ብሰላማዊ ፖለቲካዊ አቀላልሳ፣ ቀጺሉ ከአ 30

(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ)

 ዝኸበርኩም አሕዋትን አሐትን ደቂ ሃገር!! ሎሚ መዓልቲ መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከለና፣ ብሐደ  ወገን ህዝብና ከይተሐለለ ተስፋ ከአ ከይቆረጸ  አቐዲሙ  ብሰላማዊ ፖለቲካዊ አቀላልሳ፣ ቀጺሉ ከአ 30 ዓመታት ዝወሰደ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ  ጸረ ባዕዳዊ ሐይሊታት ብሰዓርነት ነጻነቱ ዝተጓናጸፈሉ ብምዃኑ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንብሎ። በቲ ሐደ ሸነኽ ከአ ንፍረ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራን ደቁን  ጨውዩ ዝወሰደ፣ ንመቓልስቱ አብ ስልጣን ሐንጊሮም  ዘደይብዎ ከይተረፈ ዝጠለመን ዝኸሐደን፣ ብኢሳያስ አፍወርቂ ኩብራርያነት ዝምራሕ መላኺን ገባቲን ስርዓት ይሳቐን ይደምን፣ ይምቋሕን  ይእሰርን፣ ይብተንን ይስደድን ምህላዉ ድርብ ሐዘንን ጓሂን ይስመዓና። ነቶም አብዚ ቅንያትዚ  አብ ባሕሪ ዝጠሐሉ ንጹሃት አሕዋትናን አሐትናን ከአ አምላኽ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶም፣ ንቤተሰቦምን  ህዝቦምን ከአ ጽንዓት ክህብ ንልምን። እግዚአብሄር ከአ ንአበሳን መርገምን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ልዕሊኡ ይቐንጥጥ።

ንሕና  ከም አካል ሕብረተሰብና መጠን አብ ዝሃለና ንሃሉ፣ ፈቲና ጸሊእና እቲ ኩሉ ሃገርናን ህዝብናን ዝሐልፍዎ ዘለዉ አደራዕን ሕሰምን ይጸልወናን የሳቕየናን ኢዩ።  ስለዝኾነ ከአ አብ ኩሉ መዳያት ናይ ቃልሲ ዓውዲታት  ብዝተኻለና መጠን ብዓቕሚታትና  ክንሳተፍ  ሃገራዊ ግዴታና  ምዃኑ ንአምን። ብዛዕባ አብ ሃገርና ዘሎ መላኺ ስርዓት ዝገብሮን ዝፍጽሞን  ግፍዒታት፣  ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ መዘና አልቦ አሰቃቒ ተግባራት ካብቶም ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእትና ዝሐሰመን ዝመረረን ኢዩ እንተተባህለ፣ እዚ መግለጺዚ እውን ክውሕዶ ኢዩ። ጽዩፍ ተግባራቱ ሸፊንካ ዘይሽፈን  ንኹሉ ቅሉዕ ዝኾነ፣ ፍሉጥን ልሙድን ስለዝኾነ ከአ ብዛዕባኡ ብዙሕ ጊዜ እንተዘየጥፋእና ተመራጺ ኢዩ።

ብአንጻሩ ግን ብዛዕባ እቲ ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን  ደው ክብል ኢየ፣ ብልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ እትመሐዳደር ሃገረ ኤርትራ ክምስርት ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ሃገራዊ ቀዳማይን ቀንዲን  ዕላማኡን ዕጥቁን አንጻርቲ መላኺን ገባቲን ስርዓት ከቕንዕን ሐይሉ ከወሃህድን ይግብኦ። ሎሚ አብዚ ብዓልዚ ብዛዕባ ግፍዕታትን ሕሉፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ ገበንን ስርዓት ኢሳያስ ክንዛረብ ግዜና ከነባኽንን አይኮንናን። ንሱስ ግደፍ ኤርትራዊ ኰንካ ተፈጢርካ፣ ዓለም ብዓለማ

ዘግኒኑዋ ንምስማዑ’ኳ

ንጋዶ  ኰይኑዋ

አሎ። ብሰንኩ ከአ እቲ ጭዋን ተቓላሳይን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ደቁን መጸዊዕኡ ካብ ሃገሩ ዝተባታተነ ስደተኛ ተሰይሙ አሎ።

ንስርዓት ህግደፍ እቲ ቀንዲን ዋናን መቐጸሊ ዕድመኡን ግፍዕታቱን ኮይኑ ዘሎ ሐይሊን ደጋፊን ስለዝረኸበ አይኮነን። የግዳስ ኩሉና ክንርዕመሉን ክንቅበሎን ዘሎና ሐቅታት አሎ። ንሱ ከአ ናይቲ ሰንደቕ ዕላማ ሐርነት አልዒሉ ዘሎ ሃገራዊ ሐይልታት ጉዳይ ኢዩ። ብዛዕባዚ ኢና ከአ ብዝያዳ ክንዛረብን ክንዝትን ዝግብአና

ብአንጻሩ ግን ብዛዕባ እቲ ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን  ደው ክብል ኢየ፣ ብልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ እትመሐዳደር ሃገረ ኤርትራ ክምስርት ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ሃገራዊ ቀዳማይን ቀንዲን  ዕላማኡን ዕጥቁን አንጻርቲ መላኺን ገባቲን ስርዓት ከቕንዕን ሐይሉ ከወሃህድን ይግብኦ። ሎሚ አብዚ ብዓልዚ ብዛዕባ ግፍዕታትን ሕሉፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ ገበንን ስርዓት ኢሳያስ ክንዛረብ ግዜና ከነባኽንን አይኮንናን። ንሱስ ግደፍ ኤርትራዊ ኰንካ ተፈጢርካ፣ ዓለም ብዓለማ  ዘግኒኑዋ ንምስማዑ’ኳ ንጋዶ  ኰይኑዋ አሎ። ብሰንኩ ከአ እቲ ጭዋን ተቓላሳይን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ደቁን መጸዊዕኡ ካብ ሃገሩ ዝተባታተነ ስደተኛ ተሰይሙ አሎ።

ንስርዓት ህግደፍ እቲ ቀንዲን ዋናን መቐጸሊ ዕድመኡን ግፍዕታቱን ኮይኑ ዘሎ ሐይሊን ደጋፊን ስለዝረኸበ አይኮነን። የግዳስ ኩሉና ክንርዕመሉን ክንቅበሎን ዘሎና ሐቅታት አሎ። ንሱ ከአ ናይቲ ሰንደቕ ዕላማ ሐርነት አልዒሉ ዘሎ ሃገራዊ ሐይልታት ጉዳይ ኢዩ። ብዛዕባዚ ኢና ከአ ብዝያዳ ክንዛረብን ክንዝትን ዝግብአና።

አካይዳ መደበር ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ከመይ አሎ? አወዳድባኡን አሰላልፋኡን’ከ? ሕድሕዱ ምውህሃዱን ምቅብባሉን’ከ ከመይ አሎ? ብሐቂ’ዶ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሐባርን ብጥርኑፍን ከሳትፎ ዝኽእል ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ብዘዕግብን ብዝማርኽን ተሰሊፉ’ሎ?  ዝብል በዳሂ ሕቶታት ግቡእን ሐቀና መልሲን ክረክብ ይግብኦ። ብርግጽ  ኩነታት አተሃላልዋን አሰላልፋን አካይዳን ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ፣ ከምቲ ህዝብና ዝብህጎን ዝሃርፎን፣ ልቡ መሊኡ ከአ ንኽጽንበሮን ዝዕድም ሃለዋት የለን እንተበልና ቃል ዓለም የብሉን።

አብ ጉዕዞ ብረታዊ ነጻነት ኤርትራ ወላኳ አዝዩ በዳሂ ዝኾነ ምርጻማትን ይንበሮ፣ ውሽጣዊ ፍልልያቱን አሰላልፋኡን ብዘየገድስ፣ አንጻር ጸላኢን አብ ጉዳይ ነጻነት ዝምልከት አመለኻኽታኡ ሐደ ስለዝነበረ፣ ሳላ ከም ሐደ ህዝቢ ከአ ተጠርኒፍና ብሐባር ዝተቓለስናን ዝመከትናን ኢዩ ዓወታትና ተረጋጊጹ። ምሉእ ሐርነትና’ውን እንተኾነ ብሐባር ተጠርኒፍና ክሳብ ዘይተቓለስና ክዉንን ጋህዲን አይከውንን ኢዩ።

ናብ አዝዩ ሐደገኛ ክውንነትን  ናብ ቃልዕን ዘሳጥሕ ጐደና ኢና ነምርሕ ዘለና። ጽቡቕ አለና ንስጉም አለና ዝብል አበሃህላ ነብሰ ጥበራ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ምንቅስቓስ የለን ክንብል አይንኽእልን ንክብደት ሕቶ ናይዚ መድረኽዚ ግን ዝምልስ አይኮነን። አብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ  ከም ሎሚ ጌሩ ዝተዳቐቐን መእሰሪ ዘይብሉ ዝተሐማተኸን ፖለቲካዊ ሃለዋት ተራእዩ አይፈልጥን። ስርዓት ህግደፍ ከም ገለ እንተወደቐ’ውን እግዚአብሄር ናቱ ፍሉይ አሰራርሐ ስለዘለዎ ባዕሉ ጽላሉን ፍታሑን ንህዝብናን ሃገርናን ድአ የውርደልና’ምበር፣ ከምዚ ዝኸዶ ዘሎ ፍንጡሕ አተሃላዋና’ስ፣ እቲ ሕጂ እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና ክውንነት በብዝመስለካ ምውዳብን፣ ፊን ብዘበለካ መንገዲ ምኻድን፣ ከም ደሞክራስያዊ መሰል ተቖጺሩ፣  ወግሔ ጸብሔ ዝቦቕላ ውድባትን ጉጅለታትን ምቝጻርን፣ ሕድሕድካ ቂምን ቅርሕንትን ምጥርጣራትን እንዳአልዓልካ ምክሳስን ምውንጃልን ዝተዓብለለ ምዃኑ ከመይከ ዘየስግእ። ሕሉፍ ሐሊፉ’ስ እቲ አብ ስሳታት ዘበነ ክፍልታት ተፈቲኑ ዝፈሸለን ዝወቐን፣ ክሳብ ናብ ዓደይ ዓድኻ አውራጃይ አውራጃኻ  ነምርሕ እንዳተባህለ ዝካየድ ምልዕዓላትን ጎስጓሳትን ከመይከ ዘየሰክፍ፣  ሃገራት ብሐደ ኮይነን ሐይለን አብ ዘደልድላሉ፣ ንሕና ከአ ብአንጻሩ ካብ ዝፈረየ ናብ ዝደቐቐ ታሕቲ መዓሙቕ ዘውርድ ከም ሜላ ናይ ቃልሲ ዝቃልሐሉ እዋን በጺሕና ምህላውና፣ ዘየተሐሳስብ አይኮነን። ወረግ ናበይ ገጽና ኢና ነምርሕ ዘለና?

ሐዲሽ ወለዶ መንእሰይ’ውን እንተኾነ አብ ክንዲ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ታሪኽን ባህልን ወሪሱ ዝቕጽል፣ ከቶ ዕድል አይረኸበን ተወጺዑን ተበዲሉን ከአ ኢዩ። ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ወለዶ ብቂምን ቅርሕንትን ዝተባዕጠ ፖለቲካዊ ፍልልያት ግዳይ (VICTIM) ኢዩ ኮይኑ። አያታቱን አቦታቱን ዝሐለፍናዮ ናይ ህልኽን ፍልልይን ዝመልኦ አኽሳሪ ተመኩሮታትና አይተማህረሉን። ስለዝኾነ ከአ ዓቕሉ ጸቢቡዎ በብዝመሰሎ መእሰሪ ዘይብሉ ፍኑው አገባብ አካይዳ ክጉዓዝን ሕድሕዱ ክዋጠጥን ኢና እንርእዮ።

ብሐድነት ሰሚርካን ተወሃሂድካን ናይ ምቅላስ አድላይነቱ አገዳስነቱን ተራእዩ፣ አብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ቁጽሪ ዘይብሉ ዘተን ጉባኤታትን ተኻይዱ ኢዩ። ብወገነይ መብዝሕትኡ ዝርኤ ፍልልያት አብ መትከላትን ናይ ስምረት አገዳስነት ዘይኮነስ  አብ ቦታ ስልጣን አቦ መበር መን ይኹን ብመንከ ይዕብለል ዝብል ቀንዱ ማእከሉ ዝገበረ፣ መሰረቱ  ከአ ስእነት ሕድሕድ ምትእምማን ዝወለዶ ጠንቃም ሕማም ኢዩ። ምትእምማን ዘይብሉ ቃልሲ ከአ ፍጹም ክዕወት ማለት ዘበት ኢዩ።

ስለዚ እንታይ እሞ ሕጂ ይገበር ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝሐምም ኤርትራዊ ዕዮ ገዛ ኢዩ። ብወገነይ እቲ ሐደ መዋጽኦ ዝኸውን ኩሉ ሸነኻት ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ነቲ ኩሉ ዝሐለፎ ዳግም ገምጊሙ፣ ንአሉታውን አወንታውን ሸነኻቱ መዚኑ፣ ሐዲሽ መዋጽኦ ዝኸውን ርእይቶ ሒዙ፣ ጊዜ ከይወሰደ ዳግም ክልዓል ይግብኦ።  አብ ሕድሕዱ ከአ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተበዳደሎ  ብግልጺ ተቐቢሉ ይቕረታ ሕድሕዱን ሕድገትን ናይ ግድን ክገብር አለዎ።  እዚ ንዝያዳ ብርታዔን ሐይልን ንምጥራይ ቀንዲን ሐጋዚን ኢዩ።

ብመን ከማይነት መን ንመን ክብሎ  ብዝብል ትዕቢት እንተተሳዒሩ ግን፣  እዚ ሐይልታትዚ ናይ ጊዜ ጉዳይምበር ካብ መድረኽ ከልግስ ኢዩ።  ካብ ቁጹጽሩን ድሌቱን ወጻኢ ዝኾነ፣ ብዞናውን ዞባውን  ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ሐደስቲ ምዕባሌታት ዝተጸልወ፣ ናይ አሰላልፋ ሐይልታትን እንዳመጸ ምስ ከደ ከአ ንባዕሉ ተሸጊሩ ንሃገር ከሸግር ኢዩ። ስለዚ ሕጂውን ጊዜ ብኸንቱ ከይከደ ነዚ ህጹጽ ግዳ ከአ ንኩሉ ሃናጺ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ ዘየላቡ ኢዩ።

ስለዚ ሕጂውን ብሐዲሽ ጻውዒት፣ ንኹሎም ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዝኾኑ ሐይልታት ማለት ውድባት ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ናይ ሲቪክ ትካላት፣ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ እምነታት፣ መንእሰያትን ደቀ አንስትዮን ዝሳተፍዎ ዳግም ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ መማረጺ የብሉን። ካብ ምስንዳዉ አትሒዙ ክሳብ አፈጻጽማኡ ከአ ናይ ነብሲ ወከፍ ተሳትፎ ግዴታ ኢዩ።  ነብሲ ወከፍ አለኒ ዝብሎ ንዋዕላ ሐጋዚን መወሃሃድ ዝኾነ እማመ ናይ ምቕራብ ነጻነት ክውሃቦ አለዎ።

ቀጺሉ ጉባኤ ዝተመሰማማዓሉ ማእከላይ መትከላዊ መምርሕን መቐየዲን መወከሲን ዓውደ ተቓውሞ ክኸውን፣ ክሳብ ውድቀት መላኺ ስርዓት ከአ፣ መላእ ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ብእኡ ጥራሕ ክምራሕን ክቕየድ፣ ምርጫ መሪሕነት ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፣ ብውክልና ውድባትን ማሕበራትን ዘይኮነ ብሃገራዊ ንጽህናኦምን ብቕዓቶምን ዝተመስከረሎም፣ ንኹሉ ከአ ቅቡላት ዝኾኑ ካብ መላእ ተሳተፍቲ  ጉባኤ ብቐጥታ ክመርጾም። ምሉእ ግዜኦም አብ ምምራሕን ምምእካልን እቲ ዝቖመ ባይቶ ጥራሕ ክውሰኑ። መካየድኦም ካብቲ ዝቖመ ናይ ቁጠባ ማእከል ባጀት ክስልዓሎም። እዚ እቲ ሐርፋፍ ውልቃዊ ርእይቶ ኮይኑ፣ ናይ ብዙሐት ምኩራትን ምሁራት ሐሳብ ምስ ተወሰኾ ዝህብትምን ዝዓሙቕን ኢዩ። ብሐጺሩ ብሐደ ጓሳን ሐደ መጓሰን ዝዓይነቱ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ክካየድን ናብ ጐደና ዓወት ምምርሻንን ኢዩ እቲ እንኮ መዋጽኦ። ብሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውድበይ ውድብካ፣ ጉጅለይ ጉጅለኻ፣ ወገነይ ወገንካ ፍንጡሕ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ጸወታ ናይ ምጻሩን ምሽካሙን ፈጺሙ ሸውሃት የብሉን።  ንሱ’ስ ናብ ጥፍአትን ምብትታንን ዘምርሕ ጐደና ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ አስተውዒሉሉ  ኢዩ።

 

ተስፋይ ተኽለ ሳንድየጎ ( ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ)

ክብርን ዝኽርን ንመላእ ስዉአት ኤርትራ!!

ነጻ ኤትራን ሐርነት ዝለበሰ ህዝባን ንዘለአለም ይንበሩ!

ስዕረትን ውድቀትን ንሐይልታት ግፍዕን ጭቆናን!!

እግዚአብሄር  ንኤርትራን  ህዝባን ይባርኽ!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde June 2, 2017

    Great news.We are slow learners but we are learning,things are pointing in the right direction,it is time instead of small steps,to take big strides towards our intended goal,we don;t have the luxury of time.HGDEF is not smarter than us because we know them intimately and this very fact even makes it easier for us to beat them but we have to talk ,act ,behave,organize,conduct our business even sing differently than them.You cannot win the affection of your sweetheart by looking and behaving like her abusive ex-boyfriend.Small example,the format of our meetings should look like group discussions instead of like our adversaries typical monologue a couple of individuals on the podium and the rest listening,lets portray how democracy looks like while we are in the process of working towards building it.Lets dare to look different especially from the one who is trying to cleanse us entirely.

  • Henock .hagos June 7, 2017

    k tewelde always you says great news it’s shame for us wake up

POST A COMMENT