Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ተመርዒኻ ተዓሰብ”

“ተመርዒኻ ተዓሰብ”                                                                                                                                                 1ይ ክፋል፡  12.05.17፡ ኣብ ሕ/ሰብና መውስቦ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘተኣሳስረና ኣፋትል ሂወት ብምዃኑ ማሕበራዊ ጠባይ ዝሰረቱ ግድነታዊ መስ ርሕ ምስረታ ስድራቤት ኢዩ። ስለኡ ጾታ ብዘይፈሊ ዝኾነ ክንዲ-ሰብ ዝኣኸለ ውሉድና ነታ ጽባሕ ዝምስርታ ስድራ ክን

“ተመርዒኻ ተዓሰብ”                                                                                                                                                 1ይ ክፋል፡  12.05.17፡

ኣብ ሕ/ሰብና መውስቦ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘተኣሳስረና ኣፋትል ሂወት ብምዃኑ ማሕበራዊ ጠባይ ዝሰረቱ ግድነታዊ መስ ርሕ ምስረታ ስድራቤት ኢዩ። ስለኡ ጾታ ብዘይፈሊ ዝኾነ ክንዲ-ሰብ ዝኣኸለ ውሉድና ነታ ጽባሕ ዝምስርታ ስድራ ክን ዲ ዝከኣሎ ምድላዋት ምስ ገበረ’ዩ ዝዋሰብ። መርዓ እምባኣር ከም ክቡር ሰባዊ-መሰል ብቃል-ኪዳን መጻምዲ ዝጸንዕ መ ስርሕ ውዕል ልፍንታዊ ናብራ ሂወት ክኸውን እንከሎ፡ ምስረታ ስድራ-ቤት ድማ ምስክር ብቕዓት መጻምዲ ኢዩ። ብተ ወሳኺ ብመንጽር ሰባዊ ክብሪ እንክርአ፡ ሓደ ‘ወዲ’ ክስመ ዝጸንሐ ኮተትየ ተባዕታይ ናብ “ሰብኣይ”፡ ጓል ክትስመ ዝጸን ሐት ጎርዞ ድማ “ሰበይቲ” ዝስመዩሉ መድራኽ ደረጃ ዕድመ ሂወት ደቂ-ሰብ ምዃኑ’ውን ክጥቀስ ይኽእል።

ሓቂ’ዩ ኣብ ሂወት ብዙሕ ዝዓይነቱ ዓወት ውዕሎታት ኣሎ። ኩሉ ሰብ ብስርሑ፣ ብትምህርቱ፣ ብሃብቱ፣ ብስልጣኑን ካ ልኡን ክምካሕን ክኸብርን ይኽእል’ኳ እንተኾነ ኣይክንዲ ብሓዳርን። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ልዕሊ ኣገዳስነቱ መጋየጺነቱ ክዓቢ ይኽእል። ሓዳር ግና ብቀንዱ ክቡር ውህብቶ ማሕበራዊ ውርሻ’ዩ። ኛእታ ህጻን ምስተሰምዐ’ሞድማ ወለዲ ናብ ደረጃ ኣቦን ኣደን ከምዝዓረጉ ዘበስር ጽቡቕ ስማዕ ብምዃኑ ወለዲ ወሊዶም ክስዕሙ፣ ኮስዂሶም ከዕብዩ፣ ክንዲ ሰብ ዘ ዝኣኸሉ ውሉዳት ከምስሉ፣ ዘዝመሰሉ ዕንባባታት ድማ ክፈርዩ ክጸግዩ፣ ነቶም ነባን ን’ኖ-ሓጎታትን ዝመስሉ ኣደስቲ ተኽ ሊው’ን ክስዕሙ ክኹስኩሱ፣ ኮታ እቲ ዑደት ሂወት ኢዩ እቲ ምስጢር ብቕዓትን ዋሕስነትን ናይቲ ዝመሓላልፍ ውርሻ ሃገራዊ መንነት። ስድራ-ቤት እምባኣር ስለ’ቲ ሂወታውን ሕ/ሰባውን ባህሪያታ ጥራይ ዘይኮነትስ ብፖለቲካዊ መዳያታ’ው ን መሰረት ሃገርን ዘላቕነታን ተውሕስ ምዃና’ውን ፍጹም ሓቂ’ዩ። ከመይሲ ከምቲ ሓዳር ብቃል-ኪዳን ትጸንዕ፡ ሃገር ድ ማ ብቃል-ኪዳን ህዝብን መግስትን ዝጸንዕ ውዕል ፖለቲካዊ መንነት ብምዃኑ። ሂወት ብነብሳ’ውን’ኮ ብሕጊ ተፈጥሮኣስ ብልፍንቲ’ያ ትቐውምን ትሰርርን።

ድሕሪ’ዚ ገዚፍ ዓለማዊ ናይ ዕብየትን ክብደትን ህልኪ፡ ዑደተ-ጂር ይቕጽል፣ ውልቀ-ታሪኽ ግና ይዛዘም። ዜርካ-ዜርካ ና ብ ቤት፡ ኔርካ-ኔርካ ናብ መሬት ብምዃኑ ኣኸለ!

ተመርዒኻ ተዓሰብ’፡ ይብል ርጉም ረጋሚ” ኢዩ ዝብል ምስላ ወለድና። ትርጉሙ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ንምጥርና ፉ ግና ወያ ንክንድኡ ክብረትን ዕብየትን ከምኡ’ውን ንዘላቕነት ትውልድን ሃገርን ትምስረት ሓዳር ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽ ሐት መርዓዊ ብቁጠባዊ ኮነ ጸጥታዊ ወይ’ውን ካልእ ምኽንያት ነታ ዘይመነዋን ዘይትምኖን ከይጠልማ ብቃል-ኪዳን ዝ መሓለላን ተናፋቒት ገዛእ መርዓቱ ራሕሪሕዋ ክሰቱኽ ምስዝግደድ፡ ክብረትን ዕብየትን ድማ ምስ መርዓትን ሃገርን ስለዝ ተርፍ ዕድል ናይቲ ዝነፈጸ መጻምዲ ናብ ማዕሰብቲ ስለዝወርድ’ዩ ከም መግለጺ ግናይ መርገም ዝምሰል።

ብርግጽ ድማ ክፉእ መርገም’ዩ። ከመይሲ ወያ ዝተመስረተት ስድራ ዓይነቱ ብዘየገድስ መኻልፍ ምስትኹለፍ ወዮ ዝተረ ኽበ ሰባዊ ክብሪ ብዘለዎ ይድኳዕ። ዕድል ናይ’ቶም ብዝመስረቱዋ ስድራ ኮሪዖም “ኣቱም፡ ኣትን” ክበሃሉ ዝተመነዩ መጻ ምዲ ተማዓድዮም ምንባሮም ጥራይ ከይኣክል፡ ኣብ እንዳማቶም በታ “ኣታ፡ ኣቲ” ኦም ክድኽደኹን ብኡ ኣቢሎም ሂወ ቶም ክትዛዘምን ክርአስ ካብኡ ዝኸፍእ ውርደት የለን። ተመርዒኻ ማዕሰብቲ ውርደትን ብርሰትን ስለዝኾነ።

ብዛዕባ ሕማም ድሓር ተመርዒኻ ማዕሰብቲ ዝምልከት’ውን ሓደ ፍጹም ሓቂ ኣሎ። መርዓዊ ዋላ’ኳ ብኣካል ካብ መርዓ ቱ እንተበዓደ፡ ስለ’ቲ ክቡር ቃል-ኪዳን ንሳ ኩሉሳዕ ኣብ መንፈሱ ኣላ። ዘሪኡ ኣፍርዩ እንተነይሩ በለጸ፡ እንተዘይኮነ’ውን ስለ’ቲ ጽባሕ ዝሕደስ ኪዳን፡ ተዓሲቡ ንዝዓቖረን ቁጻሩ ክትዕቅበሉ ምእንቲ ንሳ ኩሉሳዕ ኣብ ጁባኡ የቐምጣ። የማነ-ጸጋ ም ከይጸድፍ ምእንቲ ንመርዓቱ ኣብ ስረ ውሽጡ ይሸጒጣ። ኣዒንቱ ከይዝምዋ ክሕርመን፣ ኣፍንጫኡ ካልእ ከይሽትታ ክውትፈን፣ ኮታ ሂወቱ ኣብ ቃል-ኪዳኑ ከምትጸንዕ ስለዝፈልጥ ሎሚ-ጽባሕ ንዓዱ ዘየቛምት መርዓዊ ኣይተራእየን። ዕድ ል ናይታ ኣሚና ክትጽበ ዕድመኣ ዘዕረበት ወይ ብከምቲ ናቱ ዝነፈጸት መርዓት’ሞድማ መግለጺ’ኳ ኣይርከቦን።

ካልእ ሓቂ ድማ ኣሎ። ኣብ እዋን ወፍሪ ናጽነት ዝተራእየ ልዕሊ ተመርዒኻ ማዕሰብቲ ዝትመን ዝኽትምና መጻምዲ መ ደበስታ ከምዘይርከቦ እሙን ኢዩ። እንተኾነስ ኩሉ ክብረት ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለዝርከብ ናጽነት መዳርግቲ ኣይነበራን።

“ከምኡ እንተኾይኑ መሲልካድኣ እንታይ ኣምጺእካ?” ኢልኩም ትውከሱኒ እንተሊኹም፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኣነ ምስታ ኣ ብ እዋን ናጽነት ዝተወልደትን እቲ ክበዓል ንዳለወሉ ዘለና ናጽነት ድማ ካብ ዓዳ ምስ ዝሰጎጓን በኹሪ ጓለይ ብተሌፎን ዝገበርናዮ ዕላልን ኣዘኻኺርኩሙኒ። ወያ መሰታ ናጽነት ጓለይ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ማዕዶ ብስልኪ ከተዕልለኒ ከላ፦

“ናጽነት ኣምጺእኩም እንታይዶ ጌርኩሙልና ኢኹም? ዘይስሚንቶን ቆርበትን ዓደማትና ክንውልውል ንውዕል ዘለና። ን ሱ’ኳ እንተተረኺቡ! መንግስትኹም ንዓኹም ማሪኹ ማሪኽና ኣሎ” . . . . ክትብል ሃለዋታን ናይቶም ኣብ ብዓለሙ ዝተ

ዘርኡ መሳቱኣን መሰታ ናጽነትን ኣሕዋታ ደርጎሓትለይ።

“ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ዓይኒ ኣይተብኪ” ከምዝበሃል ቅጽበት ድማ ብህሎኣ እታ “ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምጺእና” ትብል ጥቕሲ ተ/ይ የማነ ተኽለገርግሽ ተደቀነትኒ’ሞ ነብሰይ ድማ ብስምዒ ሕሹኽታ ከምዚ ክትብል ሰማዕኩዋ፡-

“ሓቆም’ዮም፡ ብረመጨት መግዛእቲ ተለብሊብና በረኻ ወጺናስ ነዛ ብሽብርያታት ናጽነት ዝወቀበት ጎዱፍ መግዛእቲ ሒ ዝና መጺእና! ግናስ ጓለይ ንዓይን ንዓዓን ኣሕቢሩ ዝደኩዓና ከዳዕ ፖለቲካ’ምበር መዓስ ባንዴራ ወይ ናጽነት ኮይና?” . .

ንሱን ማእለያ ዘይብሉ ከምኡን እናደርደረ ንዝተዓጀበ መንፈሰይ ድማ ክቱር ተዓጀብኩሉ። ኣነ እንተመሰልኩ፡ የማነን ካ ልኦት ተጋደልቲ ነበር’ውን እንተሓተቱን መልሱ ሓደን ሓቅን ጥራይ ኢዩ። ብምኽንያት ጥልመትን ብቀንዱ’ውን ዕስበትን መራሒና ሃገር ኣምጺእና ከነብቅዕ እንደገና ኣብ ብዓለሙ ተዓሲብና ንነብር ኣለና!

ለካ እዚ ኣብ ዓለም ብዘሎ ጽልእን ክፍኣትን ተዓሲቡ ዘህልቐና ዘሎ ህግደፋዊ ስርዓት፡ ነቲ ናጽነት ሃገሩ ምስ መንግስቱ ኮይኑ ከምሓዳሩ ክውፈየሉ ምስ ዝዓጠቐሉ ዳግማይ ወፍሪ ትንሳኤ ሃገር ከይዕወት’ዩ በቲ ሓደ ነቲ ዝምድና ህዝብን መ ንግስትን፡ ብቀንዱ’ውን ኣብ ዕንወት’ታ ስድራ-ቤት ከምዘነጻጸረ ንርኢ ዘለና። ስለኡ’የ “ተመርዒኻ ተዓሰብ” ንትብል ምስ ላ ኣልዒለ ዘለኹ። ስለምንታይ’የ ከምኡ ምባል መሪጸ ሓበሪታ ዝወሓዶ እንተልዩ’ውን ንእሽቶ ክውስኸሉ።

መቸም በዚ ሎሚ ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ኤርትራ ኣብ ማዕበላዊ ባሕሪ ከም ደሴት ሰላም፡ ኣብ ምድረ-በዳ ድማ ከም ም ድረ-ገነት ከም ዝኾነት ክውረየላ’ኳ እንተጸንሐ፡ ናይ ሰላሳ ዓመታት ምህርቲ መስዋእትና ከም ጨው ሓቒቑ ጥራይ ዘይኮ ነስ ኣብታ ቃጽዖና’ውን ጫዂርና ዘፍረናዮ ከይንለክፍ መሬትና ገቢቱ ተጸበይቲ ኩቦን ዝገበረናን ደቅና ድማ ናብ መዓስ ከር ባርነት ምስዳጎኖምን ወዮ ዘይጻዓድ ህዝቢ ሓጹር ሰሰጊሩ ኣብ ብዓለሙ ተፈንዩ እንሆ። ከምቲ ወላዲት ዝሓብአት ት ሕባእ ሓበላ ዓይኒ ክትሓብእ ዘይከኣላ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ከመኽንዩሉ ንዝፍትኑ ድማ ከም ፖለቲካዊ እምነት ዘይኮነ ንፖለቲካ ዊ መንነት መራሕትና ንምሽፋን ብወግዒ ትግራይ-ትግርኚ ክዝመር ንሰምዖ ኣለና። መበቆልን ዜግነትንከ እንታይ ኣራኸ ቦ? ዝኾነስ ይኹንን ይዘመርን፡ እምኒ ኩርናዕ ፖለቲካ ንምዝራብ ካብ ናጽነት እንታይ ተጸቢናን ናጽነትከ ንዓና እንታይ ምዃናን ክንዲ ምዝታይ፡ ክንድዚ ምኽኒትን ምውድልዳልን እንታይ ኣምጽኦ? ዶስ ናብ ጸድፊ ዘዝተገምገመ ከምኡ’ዩ?

ካብቲ ብደዉ ዝሓሰኸ ስርዓት ኣስመራ ከምንዕዘቦ ንሱ ነቶም ጥርሖም ደገፍቱ ኣኪቡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ዘህደሞ ምኽንያት ቁጠባዊ’ምበር ፖለቲካዊ ነገር ከምዘይኮነ ኣምሲሉ ኣእምሮኦም ክሰርቆም ይርአ። እንተኾነ በዚ እዋን’ዚ ዋላ’ ውን’ቲ ምሒር ዝተደፍነ ግደፍ ነዚ ርኡይ ናይ ብርሰት ፖሊሲ፡ ፖለቲካ ልሳን ቁጠባ ምዃና ዘይተረድኦ ሰብ የለን።

ግደፍ ከምዚ ከማይ ተራ ህዝብስ ወዮም ስሩዓት ናይታ ክንዲ-እምባ ጀግንነትን ጽሬትን ዘሰክሙዋ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበ ሩ’ውን ዋላ’ኳ ንድሕነት ሰልፎምን መራሒኦምን ከምሕሱም እንተሓለፉሉ፡ ኣማስያኡስ ጭብጢ ከምዘጫብጥ፡ ማእሲ ድማ ከምዘጋላብጥ ፈሊጦም ክዛረቡ ይራኣዩ እነዉለ። ርግጽ’ዩ ምኽንያት ዘረባኦም ክልተ መልክዕ ክህልዎ። በቲ ሓደ  ሎሚ ክሕባእ ዝኽእል እኪት ናይ መራሒኦም ነበር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ከምቲ ዝተዋህቦም መምርሒ ነቲ ህዝቢ ተመሳሲ ሎም ክሳብ ዕርበቱ ከገልግልዎ። በቲ ቀንዱ ዋላ’ኳ ዕብየትኮነ ሽመትን ሃብትን ዘይጽላእ እንተኾነ ግናኸ ምስ ዕብየት ሃገ ሩ ክዓቢ ዝተመነየ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ኣባል ነዛ ንሪኣ ዘለና ሃገር ኢሉ ዝተጋደለ ፍጹም ከምዘይነበረ’ሞ ብወገነይ ክምስ ከሉ እደፍር። ዝኾነ ድማ ይኹን ንሳቶም በቲ ሓደ ምስ ዝመተ ክመቱ ስለዘይብሎም ፈጺሞም ዝበተኹን በቲ ካልእ ብስ ም ተቓውሞ ትተርፍን ትዝራእን ሂወት ዝጽበዩ ምዃኖም ከየገደሰ እንተ ንኣብያ’ሞ ከምሎሚ’ኳ ነይተራእየ።

“ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምጺና” ዝበለ ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ነበርን ተጋ/ የማነ ተኽለገርግሽ ከይሓሰበ ሉ ኣይኮነን ንመጽሓፉ ከምኡ ሰምይዋ። ደራሲ “ንኣርባዓ ዓመታት . .  . ‘ ዝጸሓፈ ተስፋይ ተምነዎ፡ “ትልሚ ንዘርኢ ክ ርዳድ” ብረድኢ መሓሪ፣ “ጻማከ ለከንቱ” ብኣበድ ተስፋይ፣ ኮታ ከምኣብነት ጥራይ ንምጥቃስ ይኣኽሉና’ምበር ሎሚ ዘ ይመከተ የለን ክንብል ንኽእል። ብተወሳኺ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብኣካል ካብ ዝቐረቡ ከም መስራት ን መራሕን ሰልፍን ግንባርን ነበር ተ/ይ ኣሕመድ ኣልቀይሲ ድማ ከምቲ ዝሓለፈ ሎሚ’ውን ኣብ ራዲዮ ኤረና ቃለ-መሕ ትት ከምዝገበረ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ከምኡ’ውን ቃለ-መሕትት ኣምባሳዶር ዓንደብራሃን ሰሚዐ። ካብዚ መድረኽ’ዚ ንዕዘቦ ፖለቲካ እንተልዩ ኩሉ ዜጋ ብሓደ ቃል ለውጢ ይደሊ ከምዘሎ ከነስምረሉ ንኽእል።

እዋኑ ድሮ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኢዩ። ናጽነት ብምንም ተኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ጉዳይ ኣይኮነን። ግናስ እዋናዊ ሕቶና “ወያ ናጽነትናስ ብሓቂ ናጽነታዊ ጣዕሚ ኣለዋ ዲዩ? እምበርከ ብሓቂ ኣላ ዲያ? ሃገርናስ ኳዂቶን ተኾርባን’ምበር ምድረ-ገነት ተቐይራ ሰቲ-ብሰቲ ተነስኒስዋ ዲዩ? ‘ዕሱብ ኣይዕሰብ . . .’ ከምዝበሃል ብዘይካ ተጻብኦ ናይቲ ተዓሲቡ ዝዓ ሰበና ዕሱብከ ብሓቂ ዓለማዊ ጽላኢ ወሪርና ዲዩ?” ኢና ንብል ዘለና። ምስ’ዛ ጎረቤትና ኢቲዮጲያ ክንነጻጸር’ኩ ምንም’ኳ ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ውዲት እንተኾነ ኣበይ ከምዝተረፍና ግና ምሂርና ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ቁስልና ንጎድኣሉ ዘለና ንሕው የትና ዝዓለመ ከም ዝኾነ ርግጸኛታት ክንከውን’ምበር ሰማይ ከይጸድፈና እንተኾይኑ ስግኣትና በንጻሩ ንሰማይ ንሕና ከ ምንጸድፎ ክንፈልጥ ይግባእ።

ታሪኽ ስለታሪኽነቱ ንምዝታይ ስለዘይከፍእ ኣብቲ በዚ ኣርእስቲ ዝቕጽል ጽሑፈይ ነቲ ድሮ ቀሪቡዘሎ ናይ ገለ ተረኽቲ በቲ ካልእ መልክዑ እንታይ ከምዝመስል ከዕልለሉ ተበሪህኒ ኣሎ’ሞ ሽዑ የራኽበና።

እንተ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ምስሊ ናጽነትና’ሞ ብርግጽ “ተመርዒኻ ተዓሰብ” ኢዩ!!

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT