ኣይፋልክን ኣቲ ስርዓት
ኣቲ ስርዓት እንታይ ግብሩ ትገብሪ__ ፈገግር ትሾሚ ጸለይትን ትኣስሪ እቲ ዝኣቶኽዮ ቃል ዘይትዝክሪ__ኣብ ልዕሊ መሳኪን ትንድሪ ሓቛቑኦም ኣስፊንክሉ በትሪ__ክሳውዶም ምስ ኣጉናድ ትጠምሪ ንኹሉ ግና ይርእዮ’ሎ ፈጣሪ።
ኣቲ ስርዓት እንታይ ግብሩ ትገብሪ__ ፈገግር ትሾሚ ጸለይትን ትኣስሪ
እቲ ዝኣቶኽዮ ቃል ዘይትዝክሪ__ኣብ ልዕሊ መሳኪን ትንድሪ
ሓቛቑኦም ኣስፊንክሉ በትሪ__ክሳውዶም ምስ ኣጉናድ ትጠምሪ
ንኹሉ ግና ይርእዮ’ሎ ፈጣሪ።
ክህውኹ ኣይተረኽቡ ክሰኽሩ__ክሰርቁ ኣይተታሕዙ ክኸትሩ
ክዕምጹ ኣይተረኽቡ ወይ ክፉእ ክመኽሩ_ ብዘይካ ክጽልዩ ክዝምሩ
ኣምላዀም ዝበሎም ክገብሩ።
ሃዲንክዮም ከም ኣራዊት__ገለን ተሰዲዶም ገለን ኰይኖም ግዳይ ሞት
መእተዊ ስኢኖም ይብሉ’ለዉ ከርተት__ታኼላ ሒዝዎም ውሒጥዎም ድበት
ጓሂ ብሒትዎም ስኢኖም ቅሳነት።
እንተ ሓዘንኪ ሓዘንቲ__ኣብ እዋን ሽግርኪ ጸለይቲ
እንተ ተዋጋእኪ ተዋጋእቲ__ንምዕበሌኺ ጸዓርቲ
ምስ ዝቖስሉ ቖሰልቲ__ ምስ ዝስውኡ ተሰዋእቲ
ዘይብልሽዋት ጥቑዋቲ__ካብ ልቦም ሃገርና በሃልቲ
ኩሉሳዕ ጽቡቕኪ ሓለምቲ__ስሞም ኣጸሊምኪ ከም ጠለምቲ
ኣሕሊፍኪ ሂብክዮም ንበላዕቲ።
ጉልቻዶ ትሰብር ኣእጋራ__ነብሪዶ ትኸልእ ኣጽፋራ
ገረብዶ ትምሑ ሰራውራ__ደምበዶ ትቕንጥጥ ሓጹራ
ኣንታ እዛ ስርዓት ከምኡ ጌራ፡ እዛ ስርዓት ጉድ ጌራ።
ላሕሚዶ ትሰብር ኣቕርንታ__ግራትዶ ተፍርስ ደረታ
ኣደዶ ትቖርጽ ኣጥባታ__ሃገርዶ ተጽንት ሓለውታ
ኣንታ እዛ ስርዓት ስሒታ__ሃገር ኣልቦ ዄንና ወዲኡና ኣስሓይታ።
እዞም መንእሰያት እንታይ ገበሩ__ህንጻኺ ዝብህጉ ኣንጊሆም ዝወፍሩ
ተኣዘዝቲ ስርዓት ንሕጊ ዘኽብሩ__ሕደጉ ተልክዮም ዝሓድጉ ግበሩ እንተልክዮም ዝገብሩ
እንታይ በዲሎም’ዮም ዝተኣስሩ__ገለውን ተገዲዶም ኣብ ምድሪ ጓና ክሰፍሩ
ከም ንታቦት ብተሓምበለ__ ከም መርዓዊ በሽናይበለ
ኣእቲናኪ ኩሉ እንዳ ዓለለ_ኩሉ ተኣኪቡ የሎን ዘይወዓለ
መሰታ ፈጣሪ ጌሮምኺ—ኢድ ነሲኦም ኣውጆም ክብረትኪ
ከም እዝጊሀር ኣምልዀ ለሚድኪ__ኣምላኽ ዘሉ ናብ ማሕዩር ደጒንኪ
ካን ዓገብ ዝብል ዝዳኒ ስኢንኪ_ ሰብ ምዃን ውሒዱስ ኣምላኽነት ጠሊብኪ።
ከምቲ ናቱዶ ተኣምራት ትገብሪ__ንሰማያትዶ በጻብዕኪ ትስድሪ
ብትንፋስኪዶ ማያት ትኹምሪ__ብቓላትኪዶ ዓለማት ትፈጥሪ
ትፈልዪዶ ንመሬት ካብ ባሕሪ__ እንታይ ደኣ ዓጀውጀው ተብዝሒ ትዓፍሪ
ናብ ዝፋን እቲ ልዑል ኣይትመጣጠሪ__ከይትሓፍሪ ከይትሰባበሪ።
ከይረኽበኪ ንሰይጣን ዝረኸበ__ናብ ከረን እቲ ልዑል ክሓኩር ምስ ሓሰበ
ኣምላኽ ክኸውንውን ምስ መደበ__ተፈሪዱ ንውርደት ክድርበ
ካብ ክብረት ናብ ውርደት ተሸርበ።
መሳኪን ትዳጉኒ ብዘይፍርዲ__ኣንተ ሓተቱኺ ክሳዶም ተኸንድዲ
ንብረቶም ትህግሪ መጻሕፍቶም ተንድዲ_ድንኳኖም ትዓጽዊ ንብረቶም ትወስዲ
ገፊፍኪ ኣጥፊእክዮም ውሉድ ምስ ወላዲ__ሰብ ክነብዕ ትስዕስዒ ተኹድዲ
ንሕጊ ኣይትግዝኢ ንሰላም ኣይትጸዓዲ__ድላይኪ ትገብሪ ብዊን ዘለኪ ትኸዲ
ካምዚ ናትክስ ኣይተራእየን ስዲ__ሽግር ነስኒስክልና ኣጽኒትክዮ ዓዲ
ንፈጣሪ ንጽበ ክህበና ፍርዲ።
ሳምሶን ኣብርሃ ካብ ሊድስ ኢንግላንድ።