ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ
ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ Tesfamariame Wel. 30/06/2015 Norway ህዝቢ ተላዒሉ ከካብ ዝነብረለን ሃገራት ብዘይ ተጽዕኖ ብሕልና ምእንተ ዉጹዓት ተወዲኡዎ ኣስተንቲኑ ብናይ ህዝቡ ምረት ቃሉ ከስምዕ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት ሰናይ ዘመን ኮነ ጠጥዕሙ ዘበስር ንደላይ ፍትሒ ቃል ኪዳን ዘተኣሳስር ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፍና ክንመክር ህዝብና
ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ
ሕልናኻ ኣቕሲንካ
Tesfamariame Wel.
30/06/2015 Norway
ህዝቢ ተላዒሉ ከካብ ዝነብረለን ሃገራት
ብዘይ ተጽዕኖ ብሕልና ምእንተ ዉጹዓት
ተወዲኡዎ ኣስተንቲኑ ብናይ ህዝቡ ምረት
ቃሉ ከስምዕ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት
ሰናይ ዘመን ኮነ ጠጥዕሙ ዘበስር
ንደላይ ፍትሒ ቃል ኪዳን ዘተኣሳስር
ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፍና ክንመክር
ህዝብና ስኒትና ሰሚዑ ተስፋ ክገብር
ቀሪቡዩ ሕጂ ክውዳእ ሽግር ናይ ህዝብና
ብሳላ ጽንዓት ደቅኤረ ቆራጻት ሰብ ሕልና
ዓዲ ሰላም ጀነቭ ተመስገኒ እንቋዕዚ ረአና
ኣብ ዓለምና ዘሎ ኣኻኺብኪ ጠርኒፍክና
ብሰማይ ብምድሪ ብኣውቶቡስ ብባቡር
ኣሽሓት ኪሎመተር ተሳጊሩ ሽግሩ ክነግር
ከምቶም ተበለጽቲ ከይበለ ገንዘብ ክዓቁር
ዕሙር ሰልፊ ኣርእዩ ምእንተ ዘፍቅራ ሃገር
ጀነቭዶ ክብለኪ ጀነቫ ዓባይ ሰራሒት ቅያ
ዓባያ ንእሽቶያ ኣብ ዓለም ዘላ ኣኻኺብክያ
ሙሁራትናን ኩቡራትን ከበድቲ ሰብ ሞያ
ብዓለም ተጸዋዕቲ ተስፋ ንሃገርና ኤሪትረያ
ኣለዉና ግርማ ዝዓሰሎም ንህዝቦም ዝሕለቑ
ህዝቢ ስዊዘርላንድ ሰልፍና ብዝረአ ተደኒቑ
ጎደናታት ጀነቭ ብሰልፈኛ መሊኡ ኣዕለቕሊቑ
ብጭቕ ከምዘይብል ህግደፍ ጎሮርኡ ተሓኒቑ
ህግደፍ ሰዓቱ ኣኺላ ባቡር ፍትሒ ነቒላ
መንገዳ ከተጽሪ ዘይናታ ከተለሊ ኣስተብሂላ
መን ከምዝኾነ ሓላይ ህዝቡ ነጺሁ ዝሓመላ
ምስ ህግደፍ ዝጋጠም ብዘይ ኮበሮ ጸረ ጓይላ
ህግደፍ ተቓሊዑ መሬት ጸቢባቶ ተሸጊሩ
እንሆ ከም ኣመሉ ንዓለም ክጻረፍ ጀሚሩ
መወዳእትኡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ተሳጊሩ
ኣማስያኡ ግን ኣርኪባቶ ጭንቀት ኣሕዲሩ
ማዳ ጥራይ ኮይኑ ዘይተቐብረ ሬሳ መሲሉ
ነዚ ከም መራሒ ዝኣምን እንተሎስ ጸሊኡሉ
ጠላማት ህግደፋውያን ጉድኩምበር ተበሊሉ
ምስ ጎይታኹም ጥፍኡ መዓልትኹም ኣኺሉ
ሓለንጊ ህግደፍ ፈሪሖም ብዋጢጥ ዝኸዱ
በትሪ ንጉስ ምጽዋዕ ከይተርክቦም ዝራዓዱ
ንሃገርን ህዝብን ሽግሩ እናፈለጡ ዝኸሓዱ
እንሆ በሉ ህግደፍ ጥርሑ ተመሊሱ ተዋሪዱ
ናይ ዘመንና ሓሳዊ ተባሂሉ ሽልማት ወሲዱ
ካብ በኣሻሓት ሰልፊ ኣበማኢት ወዲቕኩም
ክርደኦ ጀሚሩ ተጋግዩ ዝነበረ ብሓሶትኩም
ምስ ህግደፍ ዘሕለፉዎ ብጌጋኦም ሓዚኖም
ሕጂ ግን እነውለ ምስ ህዝቦም ተጸምቢሮም
ጠፋእካ ተጀሚሩ ናይ ህዝቢ ምልዕዓላት
ደላይ ፍትሒ ነቒሉ ብተግባር ብትብዓት
ብሓባር ሰሚሩ ከልግሶ ንነውራም ስርዓት
ግዝኣት ህግደፍ ክምሕዎ ግዝኣተ ብርሰት
ዕቑር ሓይሊ ተላዒሉ ቀጥ እጅገኡ ሰብሲቡ
ሓሶት ክፍኣት ናይ ህግደፍ ኣጽኒዑ ኣንቢቡ
ፎእ ኢሉዎ ንህግደፍ ምስ ህዝቡ ተወዲቡ
ኣብ ጀነቭ ውዒሉ ምሳና ከቃልሕ ንህዝቡ
ወርሒ ሰነ በጃኺ ኣሕጽርዮ ቲዘለና ሕማም
ዓለም ዘዛረበ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ዓዲ ሰላም
ህግደፍ ተደዊኑ ተጓሒፉ ኣብ ጋህሰ ኣብ ጸላም
ግብሩ በሊዓቶ ሰይጣን ፍጥረት ጋኒን ንዓለም
እነዉ ድማ ህግደፋውያን ምልክት ሓመድበ
ብኣፈርክቡ ተጸዋዊዑ ብጠፋእና ዝተኣኻኸበ
ፈሺሉ ተመልሰ ጥራይ ኢዱ ቆላሕታ ከይረኸበ
ባንደራኡ ዋጦቱ ኮቦርኡ ሒዙ ዕዝር ከይዓገበ
ጀነቭ ዓዲ ሰላመ ፍትሒ ሎምስ ኪሒስክና
ተፈላልዩ ዝነበረ ኣብ ሓደ መኣዲ ኣኪብክልና
ራዕድን ስንባደን ኣትዩዎም ሕሱራት ጸላእትና
ጫውጫውን ሓሶትን ህግደፍ ሕልሚ ኮይና
ጽጋብ ዝሸንድሓ ህግደፍ እናፈለጠት ተኾኒና፣
ምስጋና
ኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ብሓባር ኩሉኹም
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዘይርሳዕ ቁብነገር ዝሰራሕክሞ
ንዕለት 26ን ንዓኹምን ንዘለኣለም ኣይንርስዕን ኢና
ህዝብና የመስግንን ይምርቐኩምን ኣሎሞ የቐኒየልና
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
hp July 2, 2015
ይበል,,,ግጥምኻ፡ንእሻሕ መሊሱ ንጉዕቦ ላመይ ዝድብስ፡ኤረና-ኩሑሎ ለብዘ-በን ሓዲኡ’ሎ።
ERITRAWIT July 3, 2015
sgab mas kubur haw HGDEF yekelew eu ajona!!!!!