Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ

ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ Tesfamariame Wel. 30/06/2015 Norway   ህዝቢ ተላዒሉ ከካብ ዝነብረለን ሃገራት ብዘይ ተጽዕኖ ብሕልና ምእንተ ዉጹዓት ተወዲኡዎ ኣስተንቲኑ ብናይ ህዝቡ ምረት ቃሉ ከስምዕ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት   ሰናይ ዘመን ኮነ ጠጥዕሙ ዘበስር ንደላይ ፍትሒ ቃል ኪዳን ዘተኣሳስር ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፍና ክንመክር ህዝብና

ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ

ሕልናኻ ኣቕሲንካ

Tesfamariame Wel.

30/06/2015 Norway

 

ህዝቢ ተላዒሉ ከካብ ዝነብረለን ሃገራት

ብዘይ ተጽዕኖ ብሕልና ምእንተ ዉጹዓት

ተወዲኡዎ ኣስተንቲኑ ብናይ ህዝቡ ምረት

ቃሉ ከስምዕ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት

 

ሰናይ ዘመን ኮነ ጠጥዕሙ ዘበስር

ንደላይ ፍትሒ ቃል ኪዳን ዘተኣሳስር

ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፍና ክንመክር

ህዝብና ስኒትና ሰሚዑ ተስፋ ክገብር

 

ቀሪቡዩ ሕጂ ክውዳእ ሽግር ናይ ህዝብና

ብሳላ ጽንዓት ደቅኤረ ቆራጻት ሰብ ሕልና

ዓዲ ሰላም ጀነቭ ተመስገኒ እንቋዕዚ ረአና

ኣብ ዓለምና ዘሎ ኣኻኺብኪ ጠርኒፍክና

 

ብሰማይ ብምድሪ ብኣውቶቡስ ብባቡር

ኣሽሓት ኪሎመተር ተሳጊሩ ሽግሩ ክነግር

ከምቶም ተበለጽቲ ከይበለ ገንዘብ ክዓቁር

ዕሙር ሰልፊ ኣርእዩ ምእንተ ዘፍቅራ ሃገር

 

ጀነቭዶ ክብለኪ ጀነቫ ዓባይ ሰራሒት ቅያ

ዓባያ ንእሽቶያ ኣብ ዓለም ዘላ ኣኻኺብክያ

ሙሁራትናን ኩቡራትን ከበድቲ ሰብ ሞያ

ብዓለም ተጸዋዕቲ ተስፋ ንሃገርና ኤሪትረያ

 

ኣለዉና ግርማ ዝዓሰሎም ንህዝቦም ዝሕለቑ

ህዝቢ ስዊዘርላንድ ሰልፍና ብዝረአ ተደኒቑ

ጎደናታት ጀነቭ ብሰልፈኛ መሊኡ ኣዕለቕሊቑ

ብጭቕ ከምዘይብል ህግደፍ ጎሮርኡ ተሓኒቑ

 

ህግደፍ ሰዓቱ ኣኺላ ባቡር ፍትሒ ነቒላ

መንገዳ ከተጽሪ ዘይናታ ከተለሊ ኣስተብሂላ

መን ከምዝኾነ ሓላይ ህዝቡ ነጺሁ ዝሓመላ

ምስ ህግደፍ ዝጋጠም ብዘይ ኮበሮ ጸረ ጓይላ

 

ህግደፍ ተቓሊዑ መሬት ጸቢባቶ ተሸጊሩ

እንሆ ከም ኣመሉ ንዓለም ክጻረፍ ጀሚሩ

መወዳእትኡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ተሳጊሩ

ኣማስያኡ ግን ኣርኪባቶ ጭንቀት ኣሕዲሩ

 

ማዳ ጥራይ ኮይኑ ዘይተቐብረ ሬሳ መሲሉ

ነዚ ከም መራሒ ዝኣምን እንተሎስ ጸሊኡሉ

ጠላማት ህግደፋውያን ጉድኩምበር ተበሊሉ

ምስ ጎይታኹም ጥፍኡ መዓልትኹም ኣኺሉ

 

ሓለንጊ ህግደፍ ፈሪሖም ብዋጢጥ ዝኸዱ

በትሪ ንጉስ ምጽዋዕ ከይተርክቦም ዝራዓዱ

ንሃገርን ህዝብን ሽግሩ እናፈለጡ ዝኸሓዱ

እንሆ በሉ ህግደፍ ጥርሑ ተመሊሱ ተዋሪዱ

ናይ ዘመንና ሓሳዊ ተባሂሉ ሽልማት ወሲዱ

 

ካብ በኣሻሓት ሰልፊ ኣበማኢት ወዲቕኩም

ክርደኦ ጀሚሩ ተጋግዩ ዝነበረ ብሓሶትኩም

ምስ ህግደፍ ዘሕለፉዎ ብጌጋኦም ሓዚኖም

ሕጂ ግን እነውለ ምስ ህዝቦም ተጸምቢሮም

 

ጠፋእካ ተጀሚሩ ናይ ህዝቢ ምልዕዓላት

ደላይ ፍትሒ ነቒሉ ብተግባር ብትብዓት

ብሓባር ሰሚሩ ከልግሶ ንነውራም ስርዓት

ግዝኣት ህግደፍ ክምሕዎ ግዝኣተ ብርሰት

 

ዕቑር ሓይሊ ተላዒሉ ቀጥ እጅገኡ ሰብሲቡ

ሓሶት ክፍኣት ናይ ህግደፍ ኣጽኒዑ ኣንቢቡ

ፎእ ኢሉዎ ንህግደፍ ምስ ህዝቡ ተወዲቡ

ኣብ ጀነቭ ውዒሉ ምሳና ከቃልሕ ንህዝቡ

 

ወርሒ ሰነ በጃኺ ኣሕጽርዮ ቲዘለና ሕማም

ዓለም ዘዛረበ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ዓዲ ሰላም

ህግደፍ ተደዊኑ ተጓሒፉ ኣብ ጋህሰ ኣብ ጸላም

ግብሩ በሊዓቶ ሰይጣን ፍጥረት ጋኒን ንዓለም

 

እነዉ ድማ ህግደፋውያን ምልክት ሓመድበ

ብኣፈርክቡ ተጸዋዊዑ ብጠፋእና ዝተኣኻኸበ

ፈሺሉ ተመልሰ ጥራይ ኢዱ ቆላሕታ ከይረኸበ

ባንደራኡ ዋጦቱ ኮቦርኡ ሒዙ ዕዝር ከይዓገበ

 

ጀነቭ ዓዲ ሰላመ ፍትሒ ሎምስ ኪሒስክና

ተፈላልዩ ዝነበረ ኣብ ሓደ መኣዲ ኣኪብክልና

ራዕድን ስንባደን ኣትዩዎም ሕሱራት ጸላእትና

ጫውጫውን ሓሶትን ህግደፍ ሕልሚ ኮይና

ጽጋብ ዝሸንድሓ ህግደፍ እናፈለጠት ተኾኒና፣

ምስጋና

ኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ብሓባር ኩሉኹም

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዘይርሳዕ ቁብነገር ዝሰራሕክሞ

ንዕለት 26ን ንዓኹምን ንዘለኣለም ኣይንርስዕን ኢና

ህዝብና የመስግንን ይምርቐኩምን ኣሎሞ የቐኒየልና

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • hp July 2, 2015

    ይበል,,,ግጥምኻ፡ንእሻሕ መሊሱ ንጉዕቦ ላመይ ዝድብስ፡ኤረና-ኩሑሎ ለብዘ-በን ሓዲኡ’ሎ።

  • ERITRAWIT July 3, 2015

    sgab mas kubur haw HGDEF yekelew eu ajona!!!!!

Post a Reply to hp Cancel Reply