ምርጫ መንእሰይ ወለዶ
ምርጫ መንእሰይ ወለዶ ኣስተውዕሉ ዕንኪልል ኣይትበሉ መዕለቢ ግበርሉ፡ እቲ ጉዳይ ሃገር ጉዳይኩም
ምርጫ መንእሰይ ወለዶ
ኣስተውዕሉ
ዕንኪልል ኣይትበሉ
መዕለቢ ግበርሉ፡
እቲ ጉዳይ ሃገር
ጉዳይኩም…
ስቕ ኢልካ ዘይስገር፡
እንታይ’ዩ ምርጫኻ
ንገረኒ’ቲ ግዴኻ
ናበይ’ዩቲ ጉዕዞኻ
እንታይ’ዩቲ ራኢኻ፡
ህግደፋውያን ስልጣን ክብሕቱ
ንስኹም ክትጸንቱ፡
ንሶም ክነብሩ
ንስኹም ክትሓሩ፡
ንሶም ከጋይጹ
ንስኹም ክትዕመጹ፡
እንታይ’ዩ ምርጫኻ?
ግለጸሉ ንህዝብኻ
ተመያየጥ ምስ ሓውኻ፡
ዝተወልደ ንስደት
ኣብ ዓዲ ሃገር ሕስረት
ንመዋእል ክትብል ከርተት፡
ኣሕዋትካ ክደምዩ
ኩሊቶም ተቖሪጹ
ደሞም ክስተዩ
ቀባሪ ስኢኖም
ኣብ ጋህሲ ክድበዩ፡
እንታይ’ዩ ምርጫና?
እስከ ንላዘብ ሓቢርና፡
ኣብቲ ማእከላይ ባሕሪ
ኣብ ሰሃራ ኣብቲ ጓህሪ
ክጠፍእ ቆልዓ ሕድሪ፡
መንእሰይ ወለዶ
ወዲ ኤረይ ስማዕ’ንዶ፡
ምርጫ’ለካ
እንተ ዘይፈሪህካ
እንተዘይ ርዕድካ፡
ምድሳቕ’ዩ ፈውሱ
ኣብ ሕቑኡ ኣብ ኮምሱ
ንሱ እንተ ዘይሕሹ
ጥይት’ያ ምጒራሱ፡
ንሳ’ያ ምርጫኻ
ክእለ ኣበሳኻ
ክትኣቱ ንዓድኻ
ክትራኸብ ምስ ስድራኻ
ክትነብረሉ’ቲ ርስትኻ
ብሰላም ብፍቕሪ ምስ ህዝብኻ፡ ፡
ፍትሒ ይንገስ
ወልዱ ተኽለ
Semhar September 6, 2013
መንእሰይ ወለዶ
ቢረት ኣብ ኢድካ
ወዲ መድሂን በራድ ዲኣቢሎስ ኢሳያስ ኣብ መረትካ
ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧
ማሊሻ ማሊሻ ማሊሻ
በትሪ ኣብ ኢድካ
ኢስያስ ተመን ኣብ መረትካ
ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧
andeberhan kahsay September 6, 2013
CONTACT: Sunridge Gold Corp.
Greg Davis, 604-688-1263 (direct)
VP Business Development
greg@sunridgegold.com
እዚ ትካል ዕደና እዚ ሃብቲ ሃገርና ዝዘምምት ዘሎ እዚ እዩ ስልኩን ኢመይሉን ደዉሉሉ ናይ ህዝቢ ንብረት ኢካ ትዘምትት ዘሎካ በልዎ ጸሓፍሉ፡፡