መልእኽቲ ትንሳኤ
ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይውት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ'ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ
ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይውት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ’ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም ሓሳስዮም ይቀተል እንተዝብሉኻ እንታይ ምበልካ:: ከምዚ ኸማይ እንተትኸውን: “ኢሎም ይተርፉ” ኢልካ ጠንጢንካሎም ምኸድካ:: እንድዒ ንስኻ ኣንባቢ እምበር: ኣነ ብዘይቃል ዓለም ኣንጻርቲ ኩሉ ንትዕግስቲ ዝምልከት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ከምኡ ምገበርኩ:: ግና እቶም ሰብ ነገርካ: እቲ ዝበሉዎ ክገብሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰራማት እንተዝኾኑ’ሞ ኣብ ዓርቢ ሰብ አኪቦም: ኣብቲ መቕተሊ ፍርዲ ዝወሃቦ ደንደስ ደው እንተዘብሉኻ’ኸ…… የድሕነና::
እምበኣርከስ እዚ ናይ እንተታት ዛንታ አይኮነን: ዝተገብረ እዩ:: ሓደ ካብቲ ንወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር: ዘስተንክር ግና ድማ ኣነ ዓቢ ዝብሎ ታሪኽን ትምህርትን ክርስትና’ዩ:: እቶም ንመድሓኒ የሱስ ክርስቶስ: ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተሲኡዎ ምስ ሰምዑ ስየ ጌሮም ኣብ ጽርግያ ብየማነ ጸጋም ተሰጢሖም “ንጉስ” “ንጉስ” እናበሉ ዝተቐበሉዎ: ኣብ ራብዕቲ ሓንቲ ከይበደሎም: ከም ክለማመዱዋ ዝቐንዩ ደርፊ: ረምታ እንዳሓለው “ይሰቐል” “ይሰቐል” እናበሉ ብሓደ ድምጺ ክጭድሩ ከለዉ: እንታይ ናብ ከምዚ ምግልባጥ ሓሳብ ወይ ምልኽባጥ ኣብጺሑዎም ይገርመኒ::
ሰብ ከመይ ኢሉ: ኣብ ራብዕቲ ካብ ክቱር ፈታዊ እሞ ድማ ኣብ ጎደናታት ድማ ስየ ሒዙ ‘ንጉስ’ እናበለ ዝቕበል ፈታዊ: ናብ ጸላኢ – ጸላኢ ብጸላኢኡ: ኪደለይ ኣይትረኣየኒ: አይትቕረበኒ: አይመጻካንየ ጥራሕ ዝብል ዘይኮነስ – እቲ ዝኸፍአ ሞትን ኣማውታን ክትመውት ክልምን ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ዝወጽእ ጸላኢ ይቕየር:: እሞ ድማ ሓንቲ በደል ከም ዘይብልካ እናፈለጠ እንከሎ:: ዋላ አብ ቅድሚ እቶም ዘይሚዛናውያን ዝበሃሉ ፈራዶ: ሓንሳብ: ክልተሳብ ሰለስተ ሳብ ጥራሕ ዘይኮነ: ኣርባዕተ ሳብ “ገበን የብሉን” ተባሂልካ እንከለኻ:: እቶም “ንጉስ” ንጉስ” ዝበሉኻ “ይሰቕል” “ይሰቐል” ክደጋግሙ እንከለው: ንተግባራቶም እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦ:: ግብሪ ዝኾነ ካልእ: ሎም ዝውድስ ጽባሕ ሞት ዝፈርድ – ክቕኒ በሃሊ – እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦ ::
ከምዚ ኸማይ ሰብ እንተዝኸውን: ኣብቲ ደንደስ መፍረዲ’ኻ ኮንካ ናብ ታሕቲ ናብቶም “ይሰቐል” እናበሉ “ሆ” ዝብሉ ሰልፈኛታት ክትርኢ እንከለኻ: “ኣንታ እቲ’ኸ ኣብ ምንታዩ ውዒለ: ጋሻ እንከለኹ ሓጊዙኒ ነይሩ” ኢሉ ሓቂ ዘይምስክር: “ኣንታ እቲኣ’ እንታይ ኮይና: ኣብ ጸገመይ ኣማኺሩኒ ነይሩ” ኢላ ሓቂ ዘይትዛረብ:: አታ እቶም ዓቢ ሰብኣይ’ከ: ዓይነይ ድዩ … እተን ቤት ጸሎት ዝመላለሳ ዓባይ ሰበይቲ ድየን “ይሰቐል” ዝብላ ዘለዋ…እንታይ እየ ጌረዮም: ወረግ ድሓን ኣብ ክንዲ ክንዳይ ኮይኖምስ ኣይጨድሩ: ግና ንምንታይ’ከ ትም ዘይብሉ: ዘይበደለ ሰብ ክፉእ ክፍደ ዝያዳ ስጉምቲ ዝኸዱስ እንታይ ይጥቀሙ ? ኣበይ እባ’ለው እቶም ሰዓብተይ: ብምሉኦም ተባታቲኖም? ሓደ’ሞ ቁልቁል ዝኣፉ “አይፈልጦ ኣይጥይቖ” ኢሉ ክሒዱኒ…. ኢለ መስተማሰልኩ ::
እዞም ከይበደልካዮም ካብ ፈታዊ ናብ ጸላኢ ዝቕየሩ: ዓይነት ሰባት እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦም: ምናልባት መትከል ኣልቦ ዝብል ስም ዶ ይገልጾም ይኽውን:: ከም ናይ ቸስ ባሊቃ: ክሳብ ካብ ሜዳ ጸውታ ዝግለፉ ሎሚ ኣብ ጻዕዳ ጽባሕ ኣብ ጸሊም እናረገጹ ከይሓፈሩ ኣዒንቶም ብጨው እናሓጸቡ ዓይኒ ካልእ ሰብ ኣፍጢጦም ዝርእዩ:: ግና ከምቲ ክፉእ ክንዲ ዝስተር ይግተር ከምዝብሃል: ገባር ክፉእ ውን ከምኡ ስለዝኾነ ስኽፍ አይብሎን’ዩ:: ግብሪ ዶኸ አይኮነ እቲ ዝዓበየ መልክዕ ሰብ:: እምብኣር’ከስ እዚ መትከል ኣልቦ ሰብ: ንዑኡ ዝጠቕሞ ዝመስሎ ኣጋጣሚ ክርከብ እንከሎ ካብ ምቅድዳምን ኣብ ቅድሚት ምስራዕን ስየ ሒዝካ ምድባልን ኣባጓይላ ምዃንን ዘትርፎ የብሉን:: ዝጎድኦ ክመስል እንከሎ ድማ ክሳድ ንጹህ ሰብ ንሓረድቲ ኣሕሊፉይህብ::
ሓደንዓናዝኸውንካብቲትምህርቲድማእዚ‘ዩ – ካብ ወደስትና ንጠንቀቕ
እቶም ንየሱስ ዝተቐበሉዎ: ኣብ ዮርሳሌም መአከቢኦም ቀንዲ ምኽንያት የሱስ ኣይነበረን:: ብኻልኦም ዝተኣኻኸቡ እዮም ነይሮም:: ንንግደት በዓል ቅጫ ከኽብሩ ንፌስቲቫልን ጓይላን ዝመጹ እዮም ነይሮም:: ኣብኡ እንከለው ግና ሓደ ንዝሞቱ (ኣልኣዛር) ዝተስእ ሰብ ይመጽእ ኣሎ ምስ ሰምዑ:: በቲ ዘለዎ ተኣምራታዊ ሓይሊ ተሳሕቡ:: እዚ ሓድሽ ሓይሊ’ዚ ገለ ክጠቕሞም ከምዝኽእል ድማ ገምገሙ:: ገለ ካብ ቢታንያ ክስዕቡዎ እንከለው ገለ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ዝንኡ ሰሚዖም ተጸበዩዎ:: ኣብቲ ሽዑ ናይ ሮማዊ ጭቆናን: ምልኪ ጲላጦስን መግዛእቲን መሪሩዎም ዝነበሩ ሰባት: ብምኽንያት በዓልን ፈስቲቫልን ጓይላን ተኣኻኺቦም ነዚ ሓዲሽ ሓይሊ ንጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ከውዕሉዎ ተጓየዩ::
ካብታ ንንጉስ እተዘመረት መዝሙር 118 “እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ ዩ::” ትብል ሓንቲ መስመር ቀንጢቦም: ኣብታ መዝሙር ዘየለ: ንሱ እየ ዘይበሎም “ንጉስ እስራኤል” ዝብል መማቕርቲ ባዕሎም ወሲኾም ሆሳእና እናበሉ ዘመሩ:: (ኣብቲ ዳሕራይ እዛ ባዕሎም ዝመልኡዋ “ንጉስ” ትብል መማቕርቲ: መኽሰሲ ተጠቀሙላ) ብቕንጥብጣብ ድርዳር ቃላት ሽሒጦም: ” ጥራሕ እዚኣ ግበረልና እምበር: ኣጆኻ ኣብ ጎንኻ አለና” ዝዓይነቱ መዝሙር ዘመሩሉ:: ነቲ ብናቱ ዕላማ ዝመጸ: ከምቲ ናቶም መረዳእታ ምድራዊ “ንጉስ” ክኾነሎም እሞ ካብቲ ምረት መግዛእቲ ሮማ ጥራሕ መድሓኒ ክጥቀሙሉ ሓሰቡ::
ንዓይ ብዝመስለኒ: መግዛእቲ ናይ ሮማ ይኹን ናይ ካልእ መሪር’ዩ:: ኣብታ ዝተወለድካላ ዝቦቖልካላ ቤትካ ብሰላም ክትመላለስ ዘይምኽኣል ዘቕስን ኣይኮነን:: ካብኡ ክትላቐቕ ክትቃለስ’ውን ሓላል ዩ:: ኣብዚ ቃልሲ’ዚ: ኣብ ዕቑብ በዓቲ የዕቂልካ: ነቶም ሓይሊ ይኾኑ እዮም ዝበልካዮም መሪጽካ: “ንጉስ ባ” “ጅግና ባ” እናበልካ ኣርሲንና አራሳሲንካ ኢደ በይዛ ኮይኖም ብሓዊ ክልብለቡልካ’ሞ ክትጥቀመሎም ክትደሊ ግን ናይ ሕልና ሕቶ ዘልዕል ዩ::
እዞም ብንዘመናት ዝኸደ ስደትን መግዛእትን ዝተመረሩ ኣይሁድ እምበኣር: እዚ ሓድሽ ሓይሊ: ነቲ ዘመረሮም መግዛእቲ ክስዕረሎም: ምድራዊ ኩናቶም ክዋጋአሎም ደለዩ:: እዚ ሓድሽ ሓይሊ ናቶም ኣጀንዳ ከተግብር ዝመጸ: እምበር ናቱ ዕላማ ዘይብሉ ጃለ ገይሮም ተረድእዎ:: ንሱ ግና እቲ ንግስነት ምድራዊ ከምዘይኮነ ከርኢን: ትንቢት ክፍጽምን: ኣብታ ዝሓሰረት ዒሉ ደይቡ መጾም:: እቲ ኣብ ርእሶም ተጸብዮሞ ዝነበሩ: እቲ ክጥቀሙሉ ሓሲቦሞ ዝነበሩ ስለዘይሰመረሎም ድማ ናብ ሕርቃን ኣድሃበሎም:: ንሕና ዝሓሰብናዮ ዘይትገብር እንተኾንካ ብዘስምዕ ድማ “ይሰቐል” ክበሃል እንከሎ ሰሚሮም ክጭድሩ ኣይተሰከፉን::
እዚ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ቅድሚ 2000 ዓመት ጥራሕ አይኮነን: ኣብ ዘመንና ውን ዘሎ ዩ::
ንድልየቶም ክትገብር ዝደፋፍኡ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳባትን ዕላማን ክህልወካ: ዘይደልዩ ወይ ግዲ ዘይብሎም: ዕላማ ከምዘለካ ምስ ፈለጡ ግና ኣብ ናይ ዕንጨይቲ ኣይኹን እምበር: አብ ናይ ኢንተርነት ናይ ወረ በለካ ለኽዓካ መስቀል ዝሰቕሉ ከምዘለው ኩሉ ግዝየ ምዝካር ከድልየና ዩ:: እቶም ብዘይ ፍልጠት ዝንእዱኻ: ብዘይበደልካዮ ከምዝሰቕሉኻ: ዘርኢ ካብዚ ዝዓቢ ትምህርቲ የለን:: ምኽንያቱ ብቐደሙ እቲ ባዶሽ ናእዳ’ውን ዕላማ ዘለዎ ስለዝኾነ:: ስለዚ: ካብቶም ከይፈለጡኻ ዝንእዱኻ ተጠንቀቕ:: ባዕሎም እቶም ኣልዕል ኣቢሎም “ንፉዕ” “ሃብሮም” ዝብሉኻ: እቲ ክትሰከሞ ዘዳለውልካ ዕላማ: ወይ ክትቅበሎ ዝበሉኻ ማሕለኻ ክትሕሰሞ እንከለኻ: ጓጉዶም ዝጎድል ስለዝመስሎም ከጽድፉኻ ድንዕ ክብሉ ምዃኖም አይትጠራጠር: ሰንኮፍ እንተጸኒሕካ ድማ ብጸድፊ ሸለው ምባል ኣሎ::
ስለዚ: ሰባት ንዕላማኻ ክፈልጡ ድኣ ጽዓር እምበር: ክንእዱኻ ኣይትጽዓር:: ባዶ ናእዳ: ዋንኡን ተቐባሊኡን ሒዙ ዝጠፍእ ሰልሚ እዩ:: ናባኻ ከብል እንከሎ: ኣብ ዒሉ ተወጢሕካ ከምዘለኻ ብትሕትና ኣዘክሮም እምበር ኣብ መጋል ፈርስ ደይብካ ረኣዩኒ ኣይትበል::
ምስዚ ኩሉ ግና ንሓቂ ክሰቕሉ ዝፍትኑ ኩሉ ግዝየ ክህልዉ እዮም::
ምናልባት: እዛ ዛንታ ብሞት እቲ ናእዳ ዝተሓሰመ ዝተወድአ ዝመስሎም: መልሲ አይስኣኖምን ዩ:: “እንታይ’ሞ ጽቡቕ ረኺቡ?” “ዓርቢ አጋ ምሸት: ከትኪቶም ምስ ጸገቡ: ሰፍነግ ኣስትዮም: ጎኑ በሲዖም: ኣብ ርእሱ እሾኽ ጌሮም: ኣብ ከብዲ ኣእዳው መስማር ተኺሎም: ከም ቆርበት ኣውድኣመት: ኣብ መስቀል ብመስማር ወጢሮም ሰሚሮም ኣሲሮም’ዶ ኣየፋነውዎን?” “እሞ ድማ ቀሊል እንከሎ: ሰኣን ሕራይ ድልየትኩም ክግብር እየ: ሕቶኹም ክምልስ የ ስኣን ምባል” ዝብል ኣቃጫጭ ዝምልሱ አይሰኣኑን
ነቶም ሓቂ ንፈልጥ ግና ንዓርቢ ጥራይ ዘይኮነ ንፈልጥ: ንሰንበት’ውን ንፈልጥ ኢና:: ስቕለት ንፈልጥ: ትንሳኤ ድማ ንፈልጥ::
ሓቂን ኣብ ሓቂ ዝኣመነን ዛንትኡ ኣብ መስቀል ከምዘይውዳእ ድማ ንኣምን::
ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኹልና!!!
በረኸት ስቲፋኖስ
Hazhaz May 4, 2013
እንቝዕ ጾመ ልጓሙ ፈትሓልኩም።
ርሑስ ፋሲካ።
ክፍለየ ሱስ May 4, 2013
ruhus beal afasika kuluna amenti krstna
Hzbi May 5, 2013
real true writer Bereket stifanos,i agree with the whole article.
NEW HOPE ERITREA May 5, 2013
I am not comparing any person with Jesus…..,Jesus does not grant useless Independence signature..like PM Meles-….but
May 05/1998…Meles loves Eritrea more than Isaias..his mom is from Seraye..people have more respect in Ethiopia than in our Eritrea. We are one …. people separated by Hatsie Minilik..Tigrinya- Tigray there is no difference..
May 06/1998….Meles Arayi beles..nezen AAgame weyane bsalsti Adis Abeba Keneitwen ina…Crucify Meles..,crucify him….