Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ትንሳኤ

ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይውት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ'ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ

ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይውት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ’ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም ሓሳስዮም ይቀተል እንተዝብሉኻ እንታይ ምበልካ:: ከምዚ ኸማይ እንተትኸውን: “ኢሎም ይተርፉ” ኢልካ ጠንጢንካሎም ምኸድካ:: እንድዒ ንስኻ ኣንባቢ እምበር: ኣነ ብዘይቃል ዓለም ኣንጻርቲ ኩሉ ንትዕግስቲ ዝምልከት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ከምኡ ምገበርኩ:: ግና እቶም ሰብ ነገርካ: እቲ ዝበሉዎ ክገብሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰራማት እንተዝኾኑ’ሞ ኣብ ዓርቢ ሰብ አኪቦም: ኣብቲ መቕተሊ ፍርዲ ዝወሃቦ ደንደስ ደው እንተዘብሉኻ’ኸ…… የድሕነና:: 

እምበኣርከስ እዚ ናይ እንተታት ዛንታ አይኮነን: ዝተገብረ እዩ:: ሓደ ካብቲ ንወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር: ዘስተንክር ግና ድማ ኣነ ዓቢ ዝብሎ ታሪኽን ትምህርትን ክርስትና’ዩ:: እቶም ንመድሓኒ የሱስ ክርስቶስ: ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተሲኡዎ ምስ ሰምዑ ስየ ጌሮም ኣብ ጽርግያ ብየማነ ጸጋም ተሰጢሖም “ንጉስ” “ንጉስ” እናበሉ ዝተቐበሉዎ: ኣብ ራብዕቲ ሓንቲ ከይበደሎም: ከም ክለማመዱዋ ዝቐንዩ ደርፊ: ረምታ እንዳሓለው “ይሰቐል” “ይሰቐል” እናበሉ ብሓደ ድምጺ ክጭድሩ ከለዉ: እንታይ ናብ ከምዚ ምግልባጥ ሓሳብ ወይ ምልኽባጥ ኣብጺሑዎም ይገርመኒ::

ሰብ ከመይ ኢሉ: ኣብ ራብዕቲ ካብ ክቱር ፈታዊ እሞ ድማ ኣብ ጎደናታት ድማ ስየ ሒዙ ‘ንጉስ’ እናበለ ዝቕበል ፈታዊ: ናብ ጸላኢ – ጸላኢ ብጸላኢኡ: ኪደለይ ኣይትረኣየኒ: አይትቕረበኒ: አይመጻካንየ ጥራሕ ዝብል ዘይኮነስ – እቲ ዝኸፍአ ሞትን ኣማውታን ክትመውት ክልምን ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ዝወጽእ ጸላኢ ይቕየር:: እሞ ድማ ሓንቲ በደል ከም ዘይብልካ እናፈለጠ እንከሎ:: ዋላ አብ ቅድሚ እቶም ዘይሚዛናውያን ዝበሃሉ ፈራዶ: ሓንሳብ: ክልተሳብ ሰለስተ ሳብ ጥራሕ ዘይኮነ: ኣርባዕተ ሳብ “ገበን የብሉን” ተባሂልካ እንከለኻ:: እቶም “ንጉስ” ንጉስ” ዝበሉኻ “ይሰቕል” “ይሰቐል” ክደጋግሙ እንከለው: ንተግባራቶም እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦ:: ግብሪ ዝኾነ ካልእ: ሎም ዝውድስ ጽባሕ ሞት ዝፈርድ – ክቕኒ በሃሊ – እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦ ::

ከምዚ ኸማይ ሰብ እንተዝኸውን: ኣብቲ ደንደስ መፍረዲ’ኻ ኮንካ ናብ ታሕቲ ናብቶም “ይሰቐል” እናበሉ “ሆ” ዝብሉ ሰልፈኛታት ክትርኢ እንከለኻ: “ኣንታ እቲ’ኸ ኣብ ምንታዩ ውዒለ: ጋሻ እንከለኹ ሓጊዙኒ ነይሩ” ኢሉ ሓቂ ዘይምስክር: “ኣንታ እቲኣ’ እንታይ ኮይና: ኣብ ጸገመይ ኣማኺሩኒ ነይሩ” ኢላ ሓቂ ዘይትዛረብ:: አታ እቶም ዓቢ ሰብኣይ’ከ: ዓይነይ ድዩ … እተን ቤት ጸሎት ዝመላለሳ ዓባይ ሰበይቲ ድየን “ይሰቐል” ዝብላ ዘለዋ…እንታይ እየ ጌረዮም: ወረግ ድሓን ኣብ ክንዲ ክንዳይ ኮይኖምስ ኣይጨድሩ: ግና ንምንታይ’ከ ትም ዘይብሉ: ዘይበደለ ሰብ ክፉእ ክፍደ ዝያዳ ስጉምቲ ዝኸዱስ እንታይ ይጥቀሙ ? ኣበይ እባ’ለው እቶም ሰዓብተይ: ብምሉኦም ተባታቲኖም? ሓደ’ሞ ቁልቁል ዝኣፉ “አይፈልጦ ኣይጥይቖ” ኢሉ ክሒዱኒ…. ኢለ መስተማሰልኩ ::

እዞም ከይበደልካዮም ካብ ፈታዊ ናብ ጸላኢ ዝቕየሩ: ዓይነት ሰባት እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦም: ምናልባት መትከል ኣልቦ ዝብል ስም ዶ ይገልጾም ይኽውን:: ከም ናይ ቸስ ባሊቃ: ክሳብ ካብ ሜዳ ጸውታ ዝግለፉ ሎሚ ኣብ ጻዕዳ ጽባሕ ኣብ ጸሊም እናረገጹ ከይሓፈሩ ኣዒንቶም ብጨው እናሓጸቡ ዓይኒ ካልእ ሰብ ኣፍጢጦም ዝርእዩ:: ግና ከምቲ ክፉእ ክንዲ ዝስተር ይግተር ከምዝብሃል: ገባር ክፉእ ውን ከምኡ ስለዝኾነ ስኽፍ አይብሎን’ዩ:: ግብሪ ዶኸ አይኮነ እቲ ዝዓበየ መልክዕ ሰብ:: እምብኣር’ከስ እዚ መትከል ኣልቦ ሰብ: ንዑኡ ዝጠቕሞ ዝመስሎ ኣጋጣሚ ክርከብ እንከሎ ካብ ምቅድዳምን ኣብ ቅድሚት ምስራዕን ስየ ሒዝካ ምድባልን ኣባጓይላ ምዃንን ዘትርፎ የብሉን:: ዝጎድኦ ክመስል እንከሎ ድማ ክሳድ ንጹህ ሰብ ንሓረድቲ ኣሕሊፉይህብ::

ሓደንዓናዝኸውንካብቲትምህርቲድማእዚ –  ካብ ወደስትና ንጠንቀቕ

እቶም ንየሱስ ዝተቐበሉዎ: ኣብ ዮርሳሌም መአከቢኦም ቀንዲ ምኽንያት የሱስ ኣይነበረን:: ብኻልኦም ዝተኣኻኸቡ እዮም ነይሮም:: ንንግደት በዓል ቅጫ ከኽብሩ ንፌስቲቫልን ጓይላን ዝመጹ እዮም ነይሮም:: ኣብኡ እንከለው ግና ሓደ ንዝሞቱ (ኣልኣዛር) ዝተስእ ሰብ ይመጽእ ኣሎ ምስ ሰምዑ:: በቲ ዘለዎ ተኣምራታዊ ሓይሊ ተሳሕቡ:: እዚ ሓድሽ ሓይሊ’ዚ ገለ ክጠቕሞም ከምዝኽእል ድማ ገምገሙ:: ገለ ካብ ቢታንያ ክስዕቡዎ እንከለው ገለ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ዝንኡ ሰሚዖም ተጸበዩዎ:: ኣብቲ ሽዑ ናይ ሮማዊ ጭቆናን: ምልኪ ጲላጦስን መግዛእቲን መሪሩዎም ዝነበሩ ሰባት: ብምኽንያት በዓልን ፈስቲቫልን ጓይላን ተኣኻኺቦም ነዚ ሓዲሽ ሓይሊ ንጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ከውዕሉዎ ተጓየዩ::

ካብታ ንንጉስ እተዘመረት መዝሙር 118  “እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ ዩ::” ትብል ሓንቲ መስመር ቀንጢቦም: ኣብታ መዝሙር ዘየለ: ንሱ እየ ዘይበሎም “ንጉስ እስራኤል” ዝብል መማቕርቲ ባዕሎም ወሲኾም ሆሳእና እናበሉ ዘመሩ:: (ኣብቲ ዳሕራይ እዛ ባዕሎም ዝመልኡዋ “ንጉስ” ትብል መማቕርቲ: መኽሰሲ ተጠቀሙላ) ብቕንጥብጣብ ድርዳር ቃላት ሽሒጦም: ” ጥራሕ እዚኣ ግበረልና እምበር: ኣጆኻ ኣብ ጎንኻ አለና” ዝዓይነቱ መዝሙር ዘመሩሉ:: ነቲ ብናቱ ዕላማ ዝመጸ: ከምቲ ናቶም መረዳእታ ምድራዊ “ንጉስ” ክኾነሎም እሞ ካብቲ ምረት መግዛእቲ ሮማ ጥራሕ መድሓኒ ክጥቀሙሉ ሓሰቡ::

ንዓይ ብዝመስለኒ: መግዛእቲ ናይ ሮማ ይኹን ናይ ካልእ መሪር’ዩ:: ኣብታ ዝተወለድካላ ዝቦቖልካላ ቤትካ ብሰላም ክትመላለስ ዘይምኽኣል ዘቕስን ኣይኮነን:: ካብኡ ክትላቐቕ ክትቃለስ’ውን ሓላል ዩ:: ኣብዚ ቃልሲ’ዚ: ኣብ ዕቑብ በዓቲ የዕቂልካ: ነቶም ሓይሊ ይኾኑ እዮም ዝበልካዮም መሪጽካ: “ንጉስ ባ” “ጅግና ባ” እናበልካ ኣርሲንና አራሳሲንካ ኢደ በይዛ ኮይኖም ብሓዊ ክልብለቡልካ’ሞ ክትጥቀመሎም ክትደሊ ግን ናይ ሕልና ሕቶ ዘልዕል ዩ::

እዞም ብንዘመናት ዝኸደ ስደትን መግዛእትን ዝተመረሩ ኣይሁድ እምበኣር: እዚ ሓድሽ ሓይሊ: ነቲ ዘመረሮም መግዛእቲ ክስዕረሎም: ምድራዊ ኩናቶም ክዋጋአሎም ደለዩ:: እዚ ሓድሽ ሓይሊ ናቶም ኣጀንዳ ከተግብር ዝመጸ: እምበር ናቱ ዕላማ ዘይብሉ ጃለ ገይሮም ተረድእዎ:: ንሱ ግና እቲ ንግስነት ምድራዊ ከምዘይኮነ ከርኢን: ትንቢት ክፍጽምን: ኣብታ ዝሓሰረት ዒሉ ደይቡ መጾም:: እቲ ኣብ ርእሶም ተጸብዮሞ ዝነበሩ: እቲ ክጥቀሙሉ ሓሲቦሞ ዝነበሩ ስለዘይሰመረሎም ድማ ናብ ሕርቃን ኣድሃበሎም:: ንሕና ዝሓሰብናዮ ዘይትገብር እንተኾንካ ብዘስምዕ ድማ “ይሰቐል” ክበሃል እንከሎ  ሰሚሮም ክጭድሩ ኣይተሰከፉን::

እዚ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ቅድሚ 2000 ዓመት ጥራሕ አይኮነን: ኣብ ዘመንና ውን ዘሎ ዩ::

ንድልየቶም ክትገብር ዝደፋፍኡ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳባትን ዕላማን ክህልወካ: ዘይደልዩ ወይ ግዲ ዘይብሎም: ዕላማ ከምዘለካ  ምስ ፈለጡ ግና ኣብ ናይ ዕንጨይቲ ኣይኹን እምበር: አብ ናይ ኢንተርነት ናይ ወረ በለካ ለኽዓካ መስቀል ዝሰቕሉ ከምዘለው ኩሉ ግዝየ ምዝካር ከድልየና ዩ:: እቶም ብዘይ ፍልጠት ዝንእዱኻ: ብዘይበደልካዮ ከምዝሰቕሉኻ: ዘርኢ ካብዚ ዝዓቢ ትምህርቲ የለን:: ምኽንያቱ ብቐደሙ እቲ ባዶሽ ናእዳ’ውን ዕላማ ዘለዎ ስለዝኾነ:: ስለዚ: ካብቶም ከይፈለጡኻ ዝንእዱኻ ተጠንቀቕ:: ባዕሎም እቶም ኣልዕል ኣቢሎም “ንፉዕ” “ሃብሮም” ዝብሉኻ: እቲ ክትሰከሞ ዘዳለውልካ ዕላማ: ወይ ክትቅበሎ ዝበሉኻ ማሕለኻ ክትሕሰሞ እንከለኻ: ጓጉዶም ዝጎድል ስለዝመስሎም ከጽድፉኻ ድንዕ ክብሉ ምዃኖም አይትጠራጠር: ሰንኮፍ እንተጸኒሕካ ድማ ብጸድፊ ሸለው ምባል ኣሎ::

ስለዚ: ሰባት ንዕላማኻ ክፈልጡ ድኣ ጽዓር እምበር: ክንእዱኻ ኣይትጽዓር:: ባዶ ናእዳ: ዋንኡን ተቐባሊኡን ሒዙ ዝጠፍእ ሰልሚ እዩ:: ናባኻ ከብል እንከሎ: ኣብ ዒሉ ተወጢሕካ ከምዘለኻ ብትሕትና ኣዘክሮም እምበር ኣብ መጋል ፈርስ ደይብካ ረኣዩኒ ኣይትበል::

ምስዚ ኩሉ ግና ንሓቂ ክሰቕሉ ዝፍትኑ ኩሉ ግዝየ ክህልዉ እዮም::

ምናልባት: እዛ ዛንታ ብሞት እቲ ናእዳ ዝተሓሰመ ዝተወድአ ዝመስሎም: መልሲ አይስኣኖምን ዩ:: “እንታይ’ሞ ጽቡቕ ረኺቡ?” “ዓርቢ አጋ ምሸት: ከትኪቶም ምስ ጸገቡ: ሰፍነግ ኣስትዮም: ጎኑ በሲዖም: ኣብ ርእሱ እሾኽ ጌሮም: ኣብ ከብዲ ኣእዳው መስማር ተኺሎም: ከም ቆርበት ኣውድኣመት: ኣብ መስቀል ብመስማር ወጢሮም ሰሚሮም ኣሲሮም’ዶ ኣየፋነውዎን?” “እሞ ድማ ቀሊል እንከሎ: ሰኣን ሕራይ ድልየትኩም ክግብር እየ: ሕቶኹም ክምልስ የ ስኣን ምባል” ዝብል ኣቃጫጭ ዝምልሱ አይሰኣኑን

ነቶም ሓቂ ንፈልጥ ግና ንዓርቢ ጥራይ ዘይኮነ ንፈልጥ: ንሰንበት’ውን ንፈልጥ ኢና:: ስቕለት ንፈልጥ: ትንሳኤ ድማ ንፈልጥ::
ሓቂን ኣብ ሓቂ ዝኣመነን ዛንትኡ ኣብ መስቀል ከምዘይውዳእ ድማ ንኣምን::

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኹልና!!!

በረኸት ስቲፋኖስ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hazhaz May 4, 2013

    እንቝዕ ጾመ ልጓሙ ፈትሓልኩም።
    ርሑስ ፋሲካ።

  • ክፍለየ ሱስ May 4, 2013

    ruhus beal afasika kuluna amenti krstna

  • Hzbi May 5, 2013

    real true writer Bereket stifanos,i agree with the whole article.

  • NEW HOPE ERITREA May 5, 2013

    I am not comparing any person with Jesus…..,Jesus does not grant useless Independence signature..like PM Meles-….but

    May 05/1998…Meles loves Eritrea more than Isaias..his mom is from Seraye..people have more respect in Ethiopia than in our Eritrea. We are one …. people separated by Hatsie Minilik..Tigrinya- Tigray there is no difference..
    May 06/1998….Meles Arayi beles..nezen AAgame weyane bsalsti Adis Abeba Keneitwen ina…Crucify Meles..,crucify him….

Post a Reply to Hzbi Cancel Reply