መሰረታዊ ሓቅታት ኤርትራን ህዝባን
ኤርትራ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትርከብ። ኣብ ዘበናዊ መዋእል ካብ 1989-1941 ብጥልያን ድሕሪ ምግዛኣ ብ 1952 ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ትቝረን ን12 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕድራ እንግሊዝ ጸኒሓ። ይኹንእምበር ንጉስ ኢትዮጵያ ሃይለስላሰ ድሕሪ 10
ኤርትራ
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትርከብ። ኣብ ዘበናዊ መዋእል ካብ 1989-1941 ብጥልያን ድሕሪ ምግዛኣ ብ 1952 ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ትቝረን ን12 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕድራ እንግሊዝ ጸኒሓ።
ይኹንእምበር ንጉስ ኢትዮጵያ ሃይለስላሰ ድሕሪ 10 ዓመታትፈደረሽን ኣፍሪሱ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ግዝኣቱ ምስ ኢትዮጵያ ቆሪኑዋ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነቱን ልኡላውነት ሃገሩን ን30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ኣካይዱ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነቱ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብቃልሲ ዝተረኽበ ናጽነት፡ ብ1993 ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ተዓዛብነት፡ ብረፈረንደም፡ ዳርጋ ብሚእቲ ካብ ሚእቲ ህዝባዊ ድምጺ ሕጋውነት ምስ ለበሰ ድማ፡ ኤርትራ ብወግዒ ከም ሃገር ተፈሊጣ ምስ ዓለማ ተጸምቢራ።
እቲ ንዳርጋ 3 ዓመታት ብዝተኻየደ መስርሕ ንድፊ ቅዋም ሓሊፉ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ክሳብ ‘ለይቲ ሎሚ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ስለዚ ኤርትራ፡ በቲ ንግዚኡ ተባሂሉ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዝመጸ መራሒ ናይቲ ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ዝመርሐ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ኣላ።
እቲ ብዘይ ወግዓዊ ምርጫ ዝቖመ ግዝያዊ ኣህገራዊ ባይቶ ‘ውን ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ፈሪሱ እዩ።
ኤርትራ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣይተፈቕዳን። ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝብሃል መተካእታ ናይቲ ሓርነታዊ ውድብ ኮይኑ ዝቐጸለ እንኮ ፖለቲካዊ ውድብ’ዩ ንፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ብሒቱዎ ዘሎ።
ኣብ ኤርትራ መሰል ምቛም ነጻ ማሕበራት የልቦን። ነጻ ቤትፍርዲ የልቦን። ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣይክበርን።
ኣብ ኤርትራ ህላወ ነጻ ጋዜጣታት ፍቑድ ኣይኮነን። ነቲ ስርዓት ዘገልግል፡ ብሚኒስትሪ ዜና ዝመሓደር፡ ነቲ ስርዓት ዘገልግል ማዕከናት ዜና ጥራይ እዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝሰርሕ ዘሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽ ኣይክእልን። መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ሓርነትን ተሓሪሙዎ ይርከብ።
ሚኒስትሪ ዜና ነዘን ዝስዕባ ማዕከናት የመሓድር፡
ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ
ብዝሒ ህዝቢ ፡ 5.2 ሚልዮን
ርእሲ ከተማ፡ ኣስመራ
ወደባት ኤርትራ፡ ምጽዋዕን ዓሰብን
ስፍሓት መሬት፡ 117,400 ትርብዒት ኪሎሜተር
ዝውቱራት ቋንቋታት፡ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ዓረብ፡ እንግሊዝኛ
ቀንዲ ሃይማኖታዊ እምነታት፡ ክርስትና፡ እስልምና
ጸጋ ዕደመ፡ 59 ዓመት (ደቂ ተባዕትዮ) 64 (ደቂ ኣንስትዮ)
ባጣራ፡ ናቕፋ
ኢንተርነት ዶሜይን፡ .er
ኣህጉራዊ መደወሊ ኮድ፡ +291
ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ ብስእሊ
merhawirezene November 19, 2013
radio asena nberley
merhawirezene November 19, 2013
nmewael nberi
merhawirezene November 19, 2013
wedi vacaro and wedi tkabo ab israel zelena meneseyat wun nxtibeyekum alena