Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ( ዓስራይ ክፋል) ብ ኣለና

Alenaህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨፍጫፊ ስታሊናዊ ሜላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንበይኑ ኣብ ውሻጠ ገዝኡ’ምበር ኣብ ጽርግያ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንክዛረብ ኣይተዓደለን።

Alenaህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨፍጫፊ ስታሊናዊ ሜላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንበይኑ ኣብ ውሻጠ ገዝኡ’ምበር ኣብ ጽርግያ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንክዛረብ ኣይተዓደለን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • yelekumin December 8, 2013

    ንኸምዚ ዓይነት ምንጪ ዘይብሉ ብጽልእን ቂምን ዝተላዕጠጠ ጽሑፍ ክትኣምኖ ብጣዕሚ እዩ ዘሸግረካ ፣ ጸሓፋይ ኣሽኳይ እዚ ጽሒፍዎ ዘሎ ታሪኽ ”ንጽቡቓት ዘናቢል – ኮሎክዮና’’ ትብል ድርፊ ከማን ናይ መን ከምዝኾነት ከየጻረየ ንሱ እዩ ዝኸውን ኢሉ ብምግማት ናይ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ከምዝኾነት ጌሩ ጽሒፍዋ ኣሎ። እዚ ሰብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ታሪኻዊ ጽሑፍ ክጽሕፍ ከሎ ሓቅነትን ምንጪ ጽሑፍን ምርኩስ ጌሩ ክስንድ ኔርዎ። ጽቡቓት ዘናቢል ኣብ ካሴታት ዘላን ዝኾነ ካብ 30 ዕድመ ዘለዎ ኤርትራዊ ናይኢ ለጀንድ ሃይለ ገብሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ምስ ዮሱፍ ያሲን ተኣሲሩ ከሎ ህዝቢ ንምንቕቓሕን ንሕና መሓርቲ ኢና ኢሉ ህዝቢ ከእምን ደርጊ ኣብ ዘዋደዶ ባህላዊ ምርኢት ኣብ ሲነማ ካፒቶል ምሉእ ህዝቢ ኣስመራ ኣብ ዝተረኽበሉ ሃይለ ገብሩ ምስ ዮሱፍ ያሲን (ሳርቶ) እንዳተቐባበሉ ብድራማ መልክዕ ዝደረፍዋ እያ። ድሒሩ ኣብ ስደት ሃይለ ገብሩ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ድማ ኣብታ ብሮራ እትፍለጥ ካሴቱ ደሪፉ ናብ ህዝቢ ኣቕሪብዎ። እዚ ዝገልጾ ዘለኹ ድኽመትን ኣፍልጦን ናይ ጸሓፋይ ብቐሊሉ ምግማት ንኸኽእል እምበር ንዮማነ ገ.ሚካኤልን ሃይለ ገብሩን ከወዳድር ኣይኮንኩን። እዚ ንኣብነት ዝጸሓፍክዎ እምበር ኣብቲ ኩነታት ናይ ኣሶሳ ባዕለይ ብኣካል ስለዝነበርኩ እቲ ታሪኽ 90% ሓሶት እዩ። ብዛዕባ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ድማ ብዙሕ ሕሜታት ኣሎ ፤ ብውድብ ተቐቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ውን ይኣምን እየ ፣ የግዳስ ክሳብ ሎሚ ካብ ዘንበብክዎ ጽሑፋት ኩሉ ግምታትን ነንሕድሕዱን ዝጋጮ እዩ ፣ ናይቶም ካልኦት ገዲፍና ናይዚ ጸሓፋይ ጥራይ እኳ እንተረኣና 5 ቀተልቲ ሳይለንሰር (ድምጺ ኣልቦ) ሒዞም ክድይቡ ተራእዮም ኢሉ ከብቅዕ ጽንሕ ኢሉ ድማ ነቲ ተዅሲ ዝሰምዑ ኣባላት ታዕሊም ተጓይዮም….. ይብለና ፣ እምቧዕ ድምጺ ኣልቦ ብረት ጌሮም እንተቐቲሎሞ ደኣ ከመይ ኢሉ ድምጺ ተዅሲ ተሰሚዑ? ምናልባት መስርሕ ቤት-ፍርዲን ምስክርነት ዘይትፈልጥ እንተዄንካ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምቕራብካ ጽፉፍ ጭብጥታት ዘለዎ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ትረትዓሉ ክሲ ከተቕርብ ይግበኣካ። እዚ ካብ ብዙሕ ብጭልፋ ኢዩ። ኣብ ቀጻሊ ነታ መጽሓፍካ ምስ ኣንበብኩ ብዙሕ ሕጋዊ መኣረምታ ክጽሕፈልካ እየ። ብሰንኪ እሙን ምንጪ ምስክርነት ምቕራብ ወንጀለኝታት ኣብ ፍርዲ ከይቀርቡ ካብ ምግባር ክንቁጠብ ይግበኣና። ንጽሕፎ ኩሉ ድማ እሙን ክኸውን ይግባእ።

Post a Reply to yelekumin Cancel Reply