ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ንከባቢን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡
ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ንከባብን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡ ንሱ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ 2008 ሰሜናዊ
ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ንከባብን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡ ንሱ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ 2008 ሰሜናዊ ግዝኣት ሃገሩ ድሕሪ ምውራሮም ነቲ ውጥረት ንምእላይ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከምዘቕረበ ኣመልኪቱ፡፡ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፡ ሃገሩ ነቲ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕበራት ሃገራት ዓረብ፡ እስላማዊ ጉባኤን ሕቡራት ሃገራትን ምሕጽንታ ብምቕራብ ዘካየደቶ ፈተነ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ከምዝሃበቶ ገሊጹ፡፡ ነቲ ዶባት ክምልከትን ብኤርትራ ዝተታሕዙ እሱራት ክፍትሑን ብኣሚር ቐጠር ዝተገብረ ጻዕሪ ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ከምዝዓንቀፈቶ ሓቢሩ፡፡ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ኣስዒቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ከምኡ እውን 2011 እቲ ወጥሪ ክፍታሕ እሱራት ክልቀቑ ውሳኔ ከምዘሕለፈ ኣዘኻኺሩ፡፡ እቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣምሊጦም ቃለምስክርነቶም ድሕሪ ምሃቦም እውን እንተኾነ ፡ ኤርትራ ዛጊት ንተግባራታ ከምዝኸሓደት ኣፍሊጡ፡፡ ሃገሩ ሰላም ንምስፋን ኣብ ዘተን ምርድዳእን ከምእተኣምን ብምርግጋጽ ድማ፡ ንልኡላውነት ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየእቱ ኣጠንቂቑ፡፡
berhan October 3, 2015
Hanti aygbern eyu sakt eyu. If he has been saying it for the last five years. He is useless he needs to act. Issais is using it for his personal purposes to stay on power. If he doesn’t know this he isn’t politician at all.
mihretaeb October 3, 2015
It seems sadly for king Esayas, it is very easy to be unfriendly with many and yet very difficult
to be friendly with even one. Indeed, with friends like Esayas who needs enemies! But it is sadly and unfortunately bad news for Eritrea as she (Eritrea) desperately needs all the friends in her dark days.
Geshu October 3, 2015
DIA finds Eritrea too small to satisfy his taste for power, and most probably it was his dream to rule the horn, by ruling Ethiopia first and then reviving the defunct Italian East African Empire, this time ruled under the hegemony of emperor IA and his cronies. The president of Djibuti is another dictator like DIA.
zimerero October 3, 2015
Diablos Isayas after alienating himself from everyone who came close to him, he is left with two Agames (Kisha & Hibey/monkey) carrying his baskets for exile. No one but his two cronies will stand up for him and the three Agaminos are planning to exile to Ethiopia or Djibouti with lots of Bisha Gold mine cash.
Berhe Tenesea October 4, 2015
The Tembenay loves wars and disterbances. The only thing that is preventing the cruel dictator is the fear of mass desertation by his unwilling and abused hungry ,and forced rag tag army.
The land of the heroes is reduced to a failed and pathetic state.
Eritrea under pfdj is capable of building prisons and concentration camps like Sawa and so on.
Death to DIA and his drunkard and homeless like generals and official.
Abate October 5, 2015
በቲ ግዕዙይ መልእኽትኻ ሳኽራምስ እስኻ፣ እስከ ብዛዕባ እከይ ተግባራት ኢሰያስ ንምግላጽ “ተምበናይ ገለ እንታይ ኣድለየ። ተምቤን መበቆል ሃርበኛታትን ጀጋኑን ምዃኑ ፍለጥ። ወይጦ ኢሰያስ ብተምቤን ክልለ ጋዶ እዩ።
Wedi Haki October 4, 2015
I don’t know what to say about this little poor, thorny, unfriendly nation that ONE MAD MAN who is bent to destroy while the cowardly people who call it “Adina” simply sit by and watch its destruction. Very sad.
aron October 5, 2015
deybelos zeserero sereat eritrea zeketello seaben eyu gorebabeten hegeren anawetsewa delo bebelshewena.
Abate October 5, 2015
Nuovo Eritrea ወይ ከዓ ሓዳስ ኤርትራ ኢሎም ኢጣልያውያን ዝሰመዩዋ እዛ ኢህወደግ ክልል ትግራይ ኢሎም ዘለልዩዋ ጂኦግራፍያዊ ጠረር (ትግራይ ትግርኚ) ናይ ምፍጣር ሕልሚ ከምዝነበሮ ይኹን ደኣምበር እቲ ገባቲን ውልቀመላኺ ባህርዩን ድፈልጡ ወያነ ብትሩር መቅጻዕቲ ሃደኽደኽ ኣቢሎሞ ተሪፉ። ናይዚ ትምኒት እዚ መርኣያ እታ ጋዜጥኡ ምዃና ዘክሩ።
Abate October 5, 2015
ትግራይ ናብ ኤርትራ ጸምቢርካ ናይ ምግዛእ ሕልሚ እዩ ዘግሃደ ጽባሕ ምሕራር ኤርትራ
ጌታቸው October 8, 2015
ትግራይ ናብ ኤርትራ እትፅምበረሉ ምኽንያት እነታይ እዩ?
1. ብታሪኽ ኢትዮጵያ እትኾርዐሎም ልዕሊ 80% ታሪኻዊ ሓድግታት ኣብ ትግራይ ይርከብ
2. አትዮጵያዊነት ልዕሊ ኩሉ ኣብ ሕድሕድ ትግራዋይ ዝተወሃሃደን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቁልፊ ተራ ዘለዎ ህዝቢ´ዩ
3. ምስ ኤረትራ ብመንፈስን ኣተሓሳስባን ንዘበናት ዝፀነሐ ዘይምስምማዕ ብፍላይ ኤረትራዉያን “ተጋሩ ገዘዚኦምና ን ራእሲታትና ኣሲሮም ወሲዶም ቀቲለምዎም ራእሲ ኣሉላ በዲሉና ወዘተ” ዝብሉ ኽስታት ዝነበረ ሕዉነታዊ ርክብ ዘህሰሰ ኣብ ክልቲኡ ትግራዋይ ዘሎ ኣፈላላይ ዘጋድድ ንሕና ተጋሩ ኣይኮናን ዝብል ን ፖለቲካ መግዛእቲ ጥልያን ዘጉልህ ፖለቲካ ከም ሕሱም ኤርትራዉያን ሰሪሕኹምሉ
4. ንኹሉ ዝድምስስ ኣ 1977 ድርቂ ትግራዋይ ረድኤት ከይረክብ መገዲ ዓፂኹም ንትግራዋይ ሞት ፈሪድኩምሉ
5. ፀላኢና ድኽነት´ዩ ኢሉ ዝፅዕር ዝነበረ ህዝቢ ከም ዝብኢ ኣገሪህኹም ባድመ ወሪርኩምን ዕሸላት ደቅና ቤት ትምህርቲ ዓይደር ብክላስተር ጨፍጪፍኩምዎም
6. ህዝቢ ትግራይ ልቢ አዕቢዩ ንቶም ደቅና ዝቐተሉ ደቂ ደመኛና እዮም ኢሉ ከም ኢድኩም ኣይበለን የግዳስ ሕዉነት ይሓይሽ ኢሉ ደቅኹም ተቐቢሉን አዕቚቡን ይርከብ እዙይ ማለት ብሓደ ንምንባርስ ይትረፍ ኤረትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ 0.01% ኣይርከብን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ሰናይ ጉርብትና ወፃእ ኣይኮነን ሎሚ ኣብ 1993 ዮሃና ኢሉ ከፋነዉኩም ከሎ ካብ ሰላማዊ ጉርብትና ወፃእ ድሌት ከምዘይብሉ ምርዳእ የድሊ
ሰላም ኣብ ዘዘለናዮ
ጌታቸው October 8, 2015
ሰላም ኤረትራውያን
ቅድሚ ኹሉ ሰላም ረኺብኩም ካብ ዝወርደኩም ዘሎ ስቓይ ናፃ ክትወፁ ይምነ ከም ጎረቤት ኣብ ኤርትራ ዝፍጠሩ ማሕበራዊ ኢኮኖምያዊ ይኹን ፖለቲካዊ ቀውሲ ብቐጥታ ሳዕቤን ስለዘለዎ
ኮይኑ ግን ፖለቲካ ደቀባት ኦ ሃይማኖት ንኤረትራ ናብዘየዛሪ ኵናት ሕድሕድ ከይሽማማ የስግእ
ደቀባት ዝበሃሉ “ፍሉያት ኢና ባሃልቲ” ንናፅነት ኤረትራ እጃም ኩሉ ኤርትራዊ ዝኸሓደ ፍሉያት ወነንቲ ናይ ምኳን ተርእዮ ነቲ ምእንተ ናፅነት ኤረትራ ዝተቓለሰ ዘሕዝን ተርእዮ እዩ
ብተወሳኺ ኢሳያስ ትግራዋይ ስለዝኾ´ዩ ንኤረትራ ከፅንት ዝፅዕር ዘሎ ኢልካ ምኽሳስ ሓደገኛ ኣቀራርባ´ዩ እዙይ እትብሉ ፖለቲከኛታት ደቀባት ኤረትራ ክልተ መልእኽቲ ኣለወን!
1. ኩሎም ክፍኣት ካብ ትግራይ/ተጋሩ/ እዩ ዝነቅል ዝብል ዘስምዕ´ዩ
2. ንናፅነት ኤረትራ ዝተቓለሰ ሰብ ከምኒ ኢሳያስን ካልኦት ትግራይ ዝመወለዶም ኤረትራዉያን መራሕትን ኩሎም ዜጋታት ኤርትራዊ መንነቶም ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ እዩ
ከም ትግራዋይ ኣቱም ደቀባት ትበሃሉ በየናይ መዐቀኒ እያ ኤረትራ ንዓኹም ሓለፋ ትብፀሐኩም? እስከ ካብ ብወረን ጃህራን ሓሊፋ ኣብ ሕጊ ኣፅድቑዋ ሽዑ እቲ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ ደቀባት ኢና በሃልቲ ደቂቃንን እቲ ዝተረፈ ዜጋን ክረአ
ብዝተረፈ ኣብ ዝዓበየን ዝነኣሰን ጉዳያት ናብ ትግራይን ተጋሩን ኣይተዋጣዉጡ ስለዘይጠቅም ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝደሊ ንሰላም ኩሉ ዝገበረን ኩሩዕ ህዝቢ እዩ