Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ – ብካህን ራእዩ ይሄሉ

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ብካህን ራእዩ ይሄሉ   መንፈሳዊ ስላምታይ እናኣቐደምኩ ህጹጽን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝኾነ እዋናዊ መልእኽተይ አቕርበልኩም። እዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ማለት ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትርያርክ

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ

ብካህን ራእዩ ይሄሉ

 

መንፈሳዊ ስላምታይ እናኣቐደምኩ ህጹጽን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝኾነ እዋናዊ መልእኽተይ አቕርበልኩም። እዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ማለት ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝወሰድኩሞ ዘይሃይማኖታዊ ግህሰት ኮይኑ፡ ንካልኣይ ግዜ ከይድገም ንምጥንቃቕ እዩ። ካብ ግህሰትኩም ተመለሱ።

ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዘይተራእየ ባዕልኹም ከሰስቲ፡ ባዕልኹም መስከርቲ ኮይንኩም ጠቐነን ጸላምን ከዲንኩም ኣሕሊፍኩም ኣሊኹሞም። ሕጂ ድማ ነታ ተገኒዝኩምን ተጠማምኩምን መኒንኩም በቃ ዝሓደግኩማ ዓለም፡ ኣነ ኣነ እናበልኩም ናብ ስልጣን ንምምጻእ ትቀዳደሙ ኣለኹም። ምንኩስና ኣቦታት ኣንጦንስ፡ መቃርስን ጳኩምስን ቀዳሞት ኣቦታትትኩም ነዚ ሕጂ ንስኻትኩም ትገብርዎ ዘለኹም ዓለማዊ ምትህልላኽ ንስልጣንን ሽመትን ኮኒኖም ኢዮም።

እንሆ እምብኣር ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ብብዙሓት ተቐባልነት ዘይብሎም እኳ ክነሶም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ክኾንዎም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተቐብኡ ዘይሕጋዊ ጳጳስ ኣቡነድዮስቆሮስ ብሕማም ስትሮክ ኣካላቶም ለሚሱ ብከቢድ ሓሚሞም ይርከቡ። ናብ ስራሕ ናይ ምምላስ ተስፍኦም ውን ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ።

ነዚ ዘስተውዓሉ ብጾቶም ጳጳሳት ድማ ነዛ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ዝነበርዋ ስፍራ ክሕዙ እናተጠማመቱ ከይሓነኹን ከይሓፈሩን ይተሃላለኹን ይሰሓሓቡን ኣለዉ።

ኣቦታት ካብ ህግሰትኩም ተመለሱ፡ ነቶም ናይ ቅብኣት ኣቦኹምን ንገለኻትኩም ድማ ሓውኹምን ዝኾኑ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናብ መንበሮምን ናብቲ ንቡር መዓርጎምን ብኣኽብሮት ምለስዎም።

ክቡራት ኣቦታት ኣስተውዕሉ ሰብ ኣይኮንኩምን ኣሲርኩም ዘለኹም ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብሰንክኹም ትጠፍእ ኣላ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ውድቀትን ዕንወትን ኣስዒብኩም። እንሆ መንእሰያት ፎቖድኡ ሞትን ከርተትን፡ ስደትን ጥሜትን ወሪድና ኣሎ። እግዚኣብሄር ክዕረቐና፥ ሰላሙ ከንግሰልና ንስኻትኩም ካብቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ተመለሱ። ተመለሱ ኣበሳኹም መዐንቀፊ ኮይንኩምሲ ካብ ኩሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ ዝገሃስኩሞ ህግሰት ካባኹም ደርብዮ (ህዘ፡18፡30-31)

ነታ ኣቐዲምኩም ሕጊ ኦርቶኮስ ተዋህዶ ብምግሃስ ዝወሰድኩሞ ስጉምቲ ሕጂ ውን እንተደጊምኩሞ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ኢዩ። እዚ ከይከውን ድማ በጃኻትኩም ኣይትተሃወኹ እናበልኩ እላበወኩም።

ህዝበይ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ ከምዝብሎ ቃል ነቢይ፡ ነቲ ብጌጋ ሓበሬታ ዘይኮነ ከምዝኾነ፡ ዘይተገብረ ከምዝተገብረ፡ ዘይተባህለ ከምዝተባህለ ዝተነፍሐ ዕንዱራ ሓሶት በጃኹም ናብ ሓቂ ብሓቂ ጌርኩም ቀይርዎ።

ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ርእሳ ኪእላ ባዕላ ንባዕላ ክተመሓደር ትኽእል እያ። ህዝባ ሒዛ ምእመናኣ ሒዛ ናይ ፖለቲካ ተጸጋዕነት ፈጺሙ ዘድልያ ኣይኮነን። ብርእሰ-ተኣማንነት ብሓቅን ብቅንዕናን መስቀልኩም ኣልዒልኩም ደው በሉ።

ንዓለምን ነቲ ኣብ ዓለምን ዘሎ ኩሉ ፍትወቱ ንዒቕኩም ሞትኩም ዝተገነዝኩምሉ፡ ብድሓር ዘፍርሓኩም ወይ ከኣ እትፈርሕዎ ኸ መን እዩ? እንታዋይ’ከ ኢዩ “በዚ ስም እዚ ከይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን! እንሆ ከኣ ንኢዮሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩማ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕልና ከተምጽኡ ትደልዩ ኣለኹም፡” ኢሉ መርመሮም። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዝግባእ ብምባል (ግብ፡5፡27-29) ኣብ ሓቂ ጸንዑ እምበር ፈሪሖም ቃሎም ኣይቀየሩን፡ እዚ ትብዓት ናይ ኣቦታትኩም ሃዋርያት ትርእይዎን ትስምዕዎን ኣለኹም። በብግዚኡ ውን ተንብብዎ ኣለኹም። ማእሰርትን ሞትን ፈሪሕኩም ምስ ፖለቲካውያን ትመሳሰሉ፡ ንናይ መን ረብሓ ድኣ ምስ ፖለቲካውያን ኢድን ጓንትን ኮይንኩም እትኸዱ ዘለኹም? ንድሕነት እዛ ሃይማኖት ድዩ ዋላስ ንጥፍኣት? እዚ ናይ ጥፍኣት ጥፍኣት’ዩ።

ስለዚ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ከምኡ ውን መራሒ ሃይማኖት ምስ ፖለቲከኛታት ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒታት ርክብ ከምዘይብሉ ኣረጋጊጽኩም ክትፈልጡ ይግባእ። ዘይትፈልጥዎ ኮይንኩም ዘይኮነ፡ ንገለ ገለ ዓለማዊ ረብሓታት ከምዘገልግል ንምዝኽኻር’ዩ። ንሰበስልጣናት መንግስቲ ከተሐጉሱ ኢልኩም ንሃይማኖት መጋበርያ ኣይትግበርዋ። ከምቲ ናይ ሃዋርያት ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዝግባእ። እወ ብርግጽ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ብዓውታ መስክርሉ።

ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ኣይክንሓድግን ኢና። እሞ ካብ ንኣምላኽ ንዓኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተኾይኑ ባዕልኻትኩም ፍረዱ (ግብ፡4፡19-20) ብምባል ጴጥሮስ ንዮሓንስ መስኪሩ{ ንስኻትኩም ከ እንታይ ትብሉ?

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቶም ገለ ከይራኣዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነብያታት ወይልኦም። እቶም እግዚኣብሄር ከይለከሙስ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ ኢሎም ቃሎም ከምዝፍጸም ዘተስፍዉ ኮንትነት ትንቢት ሓሶትን ኢዮም ዝረኣዩ (ህዘ፡  13፡ 1-7)። እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ዘመንና ዘለዉ መራሕቲን ሃይማኖት ዝርአ ዘሎ ይመስል ኣሎ እሞ፡ ንዑ ተመለሱና። ነዛ ኣሲርኩማ ዘለኹም ሃይማኖት ተዋህዶ ኣፍትሕዋ፡ ኣብ ንቡር ምለስዋ። ንመራሒኣ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ክብረቶምን ስልጣኖምን መሊስኩም ጉዕዘኹም ብቅዱስና ፈልሙ። ኣምላኽ ክዕረቐናን ክምለሰናን ኢዩ።

ካህን ራእዩ ይሄሉ

ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Haile October 15, 2014

    Ewe eti haki Nisu eyu Wo merahti haymanot kemtom hawariyat “meskelkum hizkum ab kidmi negestat dew belu , neti EKUY bi SENAY gitemiwo ” menfes kudus” kidgifekum eyu . Tsegiu yebzihalkum . May the lord bless Eritrea!!!

  • wedi Hager October 15, 2014

    Every orthodox believer has to make copy all documents and distribute to the Churches members special to Hgdf churches members.

  • Berhe Haile October 15, 2014

    Dear father,

    I honor your!! The message you are trying to convey to our Orthodox Church leaders (Our Holy Fathers) is not just very important but very timely. We (orthodox Church followers) are on the verge of Collapse, just because of the errors our leaders are doing.
    However, how do you make sure this message reaches your target (Whether they change or not is a different story)?
    Is there some one concerned about our religion (like you are) back home and throw this message on a print out to their homes?

    Very respectfully,

    Berhe

  • semere October 15, 2014

    Hasewti weyane haqi enteloka nisika kid ni eritrea kemuu giber adi amatka sefirkas minikas hasawiti lieli sebkum tifeltu timeslu lomi koshinet kem kedem aykonen mexhaf qudus ab eid kuluna eyu zelo

  • Agaze 2014 October 15, 2014

    ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣን ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠንቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185
    ነቲ ብሕርየት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአ ርእሰ-ኣቦታት (ሊቀ ጳጳስ) ብዘይካ በዘን ዚስዕባ ሰለስተ ጉድለታት ብዝኾነ ካልእ ምኽንያት ካብ መዓርጉ ኣይእለን እዩ።
    ልቡ እንተ ሰሓተ እሞ ከም ዘይኃዊ እንተ ተረጋገጸ።
    ምሉእ ክሕደት ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ከም ዘለዎ ምስ ዚረጋገጽ።
    ኣብ ዝሙትን ቅትለትን እንተ ተረኽበ (ፍትሕ መ. 4፡87-91)።

  • Agaze 2014 October 15, 2014

    “ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ጳጳሳት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልሲ “ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝኽእል የሎን። ሕጊ ድማ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ክብሉ ሓጺርን ንጹር ብዝኾኑ ቃላት ንልዕልና ሕጊ ገሊጸሞ እዮም። ኣቦና እዚ ክብሉ ከለዉ ንዝኾነ ፓትርያርክ ብኣድማ ይኹን ብጸለመ–ሻራ ከተውርዶ ከምዘይትኽእል ብምግላጽ፡ ፓትርያርክ ገለ ገበን እንተገበረ ግና ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈቕዶን ዲድስቅልያ ብዝእዝዞን መሠረት ተኸሲሱ ካልእ ፓትርያርክ ናብ ዝመርሖ መንፈሳዊ ጉባኤ ከተቕርቦ ከምዝከኣል ሓቢሮም እዮም። ነዚ ዝምልከት ኣብ ቅዱስ ወንጌል እቶም ሕጊ ገዲፎም ‘’ሰይፊ ዘልዕሉ ኵሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ’’ ከም ዝበለ እቶም ንልዕልና ሕጊ ዘኽብሩ ድማ ብኽብረት ክነብሩን ክዝከሩን ምዃኖም ክንፈልጦ ዘሎና ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ማቴ 26፡52።”

  • Ermias October 15, 2014

    ክቡር ካህን ራእዩ ይሄሉ፤

    እታ ሓቂ እምበኣር እዚኣ እያ፤ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ክብረቶምን ስልጣኖምን ክምለሱ ብዘይ ወዓል ሕደር፤ ብተወሳኺ ድማ እዚ ህግደፍ ዝባሃል ጭፍራ ኣጋንንቲ ካብ ሃይማኖት ኣቦታትና ፈጺሙ ኢዱ ከውጽኣልና፤ እዞም ነብስና መኒንና ኢና ኢሎም ኣብ ገዳማት ሰፊሮም ዘለው ሰባት ብዘይ ምውልዋልን ፍርሒን ክጠልቡ ይግባእ። ስግኡ ዝመነነ ሰብ ንምንታይ ንሞት ወይ ንማእሰርቲ ወይ ንሕሰም ይፈርሃ፤

  • Berhe October 15, 2014

    Hayltat siol nbetekrstian kmelkuwa aykelun eyom.

  • sussun October 16, 2014

    Our poor father ABUNE ANTONIOS the whole Eritrean Orthodox chuchs followers are bihinde you we need you. we hope you are in a good health may OUR mighty help you.

  • ogbai October 16, 2014

    ህግደፍ ሃገር ክመርሕ ዘይበቕዔስ ናብ ቤተ ክርስትያን እንታይ ኣንጠሮ፡እቲ ጉዳይ ፍሉጥ እዩ ባህርያት መለኽቲ ንኹሉ ንምብሓትን ኣብ ክቱር ትሕተ ቁጽጽር ንምብርካኽ ድኣ’ብር ስለ ሃይማኖክም ውልቀ ስባት ከምልኹ ምስ ዘደልዩ ክጽንበሩን በቲ ህዋሃቦ መምርሒ ካብ ምኻድ ሓሊፎም ዝፈጥርዎ ንሓደ ምውራድ ነቲ ሓደ ምድያብ ፍጹም ናቶም ሓላፍነቶም ኣይኮነን፡፡ አቲ ጉድለት ብመስረቱ ነዚ ዘይንቡር ምትእትታው እሺ ኢሎም ዝትቀብሉ ካህናትን ድያቆናትን እዩ ዘግርም። ሕጂውን ከምዚ ቀሺ ራእይ ዝበልዎ እቶም ዝተጋገዩ ኣባላት ቤተ ክህነትን ሳዓብቶምን ካብ ጌጎኦም ክምለሱ ነዚ ጎባጢ ዝኾነ ስርዓትው ካብዛ ንዘመናት ክብራ ዓቂባ ዝጸንሔት ቤተ ክርስትያን ኢዱን እግሩን ክልዕለላን ብትብዓት ክትኮኑኖ ኣለዋ።

POST A COMMENT