Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ – ብካህን ራእዩ ይሄሉ

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ብካህን ራእዩ ይሄሉ   መንፈሳዊ ስላምታይ እናኣቐደምኩ ህጹጽን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝኾነ እዋናዊ መልእኽተይ አቕርበልኩም። እዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ማለት ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትርያርክ

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ

ብካህን ራእዩ ይሄሉ

 

መንፈሳዊ ስላምታይ እናኣቐደምኩ ህጹጽን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝኾነ እዋናዊ መልእኽተይ አቕርበልኩም። እዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ማለት ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝወሰድኩሞ ዘይሃይማኖታዊ ግህሰት ኮይኑ፡ ንካልኣይ ግዜ ከይድገም ንምጥንቃቕ እዩ። ካብ ግህሰትኩም ተመለሱ።

ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዘይተራእየ ባዕልኹም ከሰስቲ፡ ባዕልኹም መስከርቲ ኮይንኩም ጠቐነን ጸላምን ከዲንኩም ኣሕሊፍኩም ኣሊኹሞም። ሕጂ ድማ ነታ ተገኒዝኩምን ተጠማምኩምን መኒንኩም በቃ ዝሓደግኩማ ዓለም፡ ኣነ ኣነ እናበልኩም ናብ ስልጣን ንምምጻእ ትቀዳደሙ ኣለኹም። ምንኩስና ኣቦታት ኣንጦንስ፡ መቃርስን ጳኩምስን ቀዳሞት ኣቦታትትኩም ነዚ ሕጂ ንስኻትኩም ትገብርዎ ዘለኹም ዓለማዊ ምትህልላኽ ንስልጣንን ሽመትን ኮኒኖም ኢዮም።

እንሆ እምብኣር ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ብብዙሓት ተቐባልነት ዘይብሎም እኳ ክነሶም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ክኾንዎም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተቐብኡ ዘይሕጋዊ ጳጳስ ኣቡነድዮስቆሮስ ብሕማም ስትሮክ ኣካላቶም ለሚሱ ብከቢድ ሓሚሞም ይርከቡ። ናብ ስራሕ ናይ ምምላስ ተስፍኦም ውን ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ።

ነዚ ዘስተውዓሉ ብጾቶም ጳጳሳት ድማ ነዛ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ዝነበርዋ ስፍራ ክሕዙ እናተጠማመቱ ከይሓነኹን ከይሓፈሩን ይተሃላለኹን ይሰሓሓቡን ኣለዉ።

ኣቦታት ካብ ህግሰትኩም ተመለሱ፡ ነቶም ናይ ቅብኣት ኣቦኹምን ንገለኻትኩም ድማ ሓውኹምን ዝኾኑ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናብ መንበሮምን ናብቲ ንቡር መዓርጎምን ብኣኽብሮት ምለስዎም።

ክቡራት ኣቦታት ኣስተውዕሉ ሰብ ኣይኮንኩምን ኣሲርኩም ዘለኹም ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብሰንክኹም ትጠፍእ ኣላ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ውድቀትን ዕንወትን ኣስዒብኩም። እንሆ መንእሰያት ፎቖድኡ ሞትን ከርተትን፡ ስደትን ጥሜትን ወሪድና ኣሎ። እግዚኣብሄር ክዕረቐና፥ ሰላሙ ከንግሰልና ንስኻትኩም ካብቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ተመለሱ። ተመለሱ ኣበሳኹም መዐንቀፊ ኮይንኩምሲ ካብ ኩሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ ዝገሃስኩሞ ህግሰት ካባኹም ደርብዮ (ህዘ፡18፡30-31)

ነታ ኣቐዲምኩም ሕጊ ኦርቶኮስ ተዋህዶ ብምግሃስ ዝወሰድኩሞ ስጉምቲ ሕጂ ውን እንተደጊምኩሞ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ኢዩ። እዚ ከይከውን ድማ በጃኻትኩም ኣይትተሃወኹ እናበልኩ እላበወኩም።

ህዝበይ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ ከምዝብሎ ቃል ነቢይ፡ ነቲ ብጌጋ ሓበሬታ ዘይኮነ ከምዝኾነ፡ ዘይተገብረ ከምዝተገብረ፡ ዘይተባህለ ከምዝተባህለ ዝተነፍሐ ዕንዱራ ሓሶት በጃኹም ናብ ሓቂ ብሓቂ ጌርኩም ቀይርዎ።

ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ርእሳ ኪእላ ባዕላ ንባዕላ ክተመሓደር ትኽእል እያ። ህዝባ ሒዛ ምእመናኣ ሒዛ ናይ ፖለቲካ ተጸጋዕነት ፈጺሙ ዘድልያ ኣይኮነን። ብርእሰ-ተኣማንነት ብሓቅን ብቅንዕናን መስቀልኩም ኣልዒልኩም ደው በሉ።

ንዓለምን ነቲ ኣብ ዓለምን ዘሎ ኩሉ ፍትወቱ ንዒቕኩም ሞትኩም ዝተገነዝኩምሉ፡ ብድሓር ዘፍርሓኩም ወይ ከኣ እትፈርሕዎ ኸ መን እዩ? እንታዋይ’ከ ኢዩ “በዚ ስም እዚ ከይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን! እንሆ ከኣ ንኢዮሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩማ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕልና ከተምጽኡ ትደልዩ ኣለኹም፡” ኢሉ መርመሮም። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዝግባእ ብምባል (ግብ፡5፡27-29) ኣብ ሓቂ ጸንዑ እምበር ፈሪሖም ቃሎም ኣይቀየሩን፡ እዚ ትብዓት ናይ ኣቦታትኩም ሃዋርያት ትርእይዎን ትስምዕዎን ኣለኹም። በብግዚኡ ውን ተንብብዎ ኣለኹም። ማእሰርትን ሞትን ፈሪሕኩም ምስ ፖለቲካውያን ትመሳሰሉ፡ ንናይ መን ረብሓ ድኣ ምስ ፖለቲካውያን ኢድን ጓንትን ኮይንኩም እትኸዱ ዘለኹም? ንድሕነት እዛ ሃይማኖት ድዩ ዋላስ ንጥፍኣት? እዚ ናይ ጥፍኣት ጥፍኣት’ዩ።

ስለዚ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ከምኡ ውን መራሒ ሃይማኖት ምስ ፖለቲከኛታት ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒታት ርክብ ከምዘይብሉ ኣረጋጊጽኩም ክትፈልጡ ይግባእ። ዘይትፈልጥዎ ኮይንኩም ዘይኮነ፡ ንገለ ገለ ዓለማዊ ረብሓታት ከምዘገልግል ንምዝኽኻር’ዩ። ንሰበስልጣናት መንግስቲ ከተሐጉሱ ኢልኩም ንሃይማኖት መጋበርያ ኣይትግበርዋ። ከምቲ ናይ ሃዋርያት ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዝግባእ። እወ ብርግጽ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ብዓውታ መስክርሉ።

ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ኣይክንሓድግን ኢና። እሞ ካብ ንኣምላኽ ንዓኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተኾይኑ ባዕልኻትኩም ፍረዱ (ግብ፡4፡19-20) ብምባል ጴጥሮስ ንዮሓንስ መስኪሩ{ ንስኻትኩም ከ እንታይ ትብሉ?

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቶም ገለ ከይራኣዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነብያታት ወይልኦም። እቶም እግዚኣብሄር ከይለከሙስ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ ኢሎም ቃሎም ከምዝፍጸም ዘተስፍዉ ኮንትነት ትንቢት ሓሶትን ኢዮም ዝረኣዩ (ህዘ፡  13፡ 1-7)። እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ዘመንና ዘለዉ መራሕቲን ሃይማኖት ዝርአ ዘሎ ይመስል ኣሎ እሞ፡ ንዑ ተመለሱና። ነዛ ኣሲርኩማ ዘለኹም ሃይማኖት ተዋህዶ ኣፍትሕዋ፡ ኣብ ንቡር ምለስዋ። ንመራሒኣ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ክብረቶምን ስልጣኖምን መሊስኩም ጉዕዘኹም ብቅዱስና ፈልሙ። ኣምላኽ ክዕረቐናን ክምለሰናን ኢዩ።

ካህን ራእዩ ይሄሉ

ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Dibe Kulu October 20, 2014

    The Church and its leaders (servers) must be free from any political binding. Church leaders must teach and guide the faithful in all that is morally and spritually accepted. Religious institutions have an obligation to abide by the rules of the land (constitutional laws). In otherwords, separation of church and state means the state does not interefere in the internal affairs of the church and the church does not get itself entangled in the affairs of the state. They do this, they will live happily there after……….

POST A COMMENT