Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል)

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል) ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ፡ ምስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተደናገጽቱን ደገፍቱን፡ ፈስቲቫሉ ኣበይ ከምዝግበር ንኸይፍለጥ ተጸጊሙ፡ ኣተሓባብእን ጭርጭር ዓበደን ክጻወት እዩ ዝቐነየ። ኣብ  መጨረሽትኡ ዝቐነዮ ሕፍረት ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ዝገደደ ኣብ ፍሽለትን

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል)

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ፡ ምስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተደናገጽቱን ደገፍቱን፡ ፈስቲቫሉ ኣበይ ከምዝግበር ንኸይፍለጥ ተጸጊሙ፡ ኣተሓባብእን ጭርጭር ዓበደን ክጻወት እዩ ዝቐነየ። ኣብ  መጨረሽትኡ ዝቐነዮ ሕፍረት ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ዝገደደ ኣብ ፍሽለትን ክስራንን  እዩ ደምዲሙ። ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ግና፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ  በይ-ኤርያ ካብ ስሩ ተማሕዩ እዩ እንዳበልና እነቃልሖን እንጽሕፈሉን ዝነበርና፡ ደጊምና ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዓቢ ዕድል እዩ ፈጢሩልና። ሓቂ ድማ ኾይኑ። ክቡራት ኣንበብቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘቕርቦ ጽሑፋት፡ ኣመና ናእዳ ኣይጠቅም ኣምብዛ ኩነኔ ኣውን ኣይዓብስን ኣብ ዝብል ኣምነት ዝረገጸ እዩ። እንተኾነ ግና ንሎሚ መዓልቲ፡ በዚ ትማሊ ቀዳም ኣብ በይ-ኤርያ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ካብ ምድላዉ ኣትሒዙ ክሳብ መውዳእትኡ ዝተገብረ ተቓዉሞን ስለዝተመሰጥኩን ዝተገረምኩን፡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ደረት እምነተይ ጥሒሸ ንምንኣዱ ተበጊሰ ኣለኹ።

እቲ ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ እዩ ነይሩ?  ዕላምኡ ብሓፈሽኡ፡ ዘለዎ ተቓዉሞ ኣንጻር ግፍዒ ኢሳያስን ተኺልዎ ዘሎ ስርዓትን ኮይኑ፡ በዚ ስለማዊ ሰልፊ እዚ ኣብ ከባቢኡ ከዐዉቶም ዘለዎ ውሳኔታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ኣርማኡን መለለይኡን ሓሶትን ክሕደትን ጥልመትን ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ኣብ በይ ኤርያ ዘሎ ህዝቢ ፎእ ኢልዎ ውራዩ በረውሮው ኢሉ ከምዝውዕል ምግባር። በይ-ኤርያ ኤርትራዊ ንዲሞክራስያው ለውጢ፡ ንህዝቢ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣብ ግብሪ ኽትርጎም። ሕቶ ስላማዊ ሰልፊ ብኣመሓደርቲ ከተማታትን ኢሚግረሽን ቤት-ጽሕፈትን ካልኦት ኣኽበርቲ ሕግን ክስማዕ። ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ከተማታት ነዚ ውሳኔታት እዚ ተኸቲለን ኣብ ከከተምአን ንምንቅስቓስ ህ.ግ.ደፍ. ደው ከብልኦ። ኣብ በይ-ኤርያ እዚ ዝተጠቕሰ ውሳኔታት ተፈጺሙ፡ ዝተረፈ ኸኣ ቀጻልን ዕቱብን ምንቅስቓስ ክግበረሉ እቲ ደላይ ፍትሒ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ዝተረፈ እንታይ እዩ? ነዚ ሰላማዊ ስልፊ ዘዐወቶ፡ ንፈስቲቫል ህ.ግ.ደ.ፍ በረውሮው ክብል ዘውዓሎ፡ እቲ ብበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝወጸ መጠንቀቕታ እዩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ብግብሪ ንኽትርጎም፡ ክሳብ እዚ ስርዓት እዚ ዝወድቕ ከኣ ክቕጸል ከም ዝኾነ ዝዓጠቕሉ ምዑታት ደለይቲ ፍትሒ ኣለዉ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ቀጻልነት ሰለዘለዎ ከም ኣዋጅ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ገይሮም ከራጉድዎን፡ ንዕኡ ዘተግብሩ ታስክ ፎርስ ክምስርቱን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን ጨንፈራት ክምስርቱ ከምዝኾኑን ይነግሩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ናብቲ ፈስቲቫል ገጹ ተወስ ዝብል መንእሰይ ወይ ከኣ ዋርሳይ ኣይተራእየን። ኣብቲ ፈስቲቫል ዝወዓሉ ሓንቲ ዘይፈልጡ ኣብዚ ዓዲ ዝተወልዱ ቆልዑትን መንእሰያትን፡ ኣረገውቲ ኣንስትን ሰብኡትን፡ ከምኡ እውን ህ.ግ.ደ.ፍ ዝመረዘተን ባንዴራ ዝተኸድና ሰብ ቁኖን ወርቅን ጥራይ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ብዝሒ ተቓወምቲ ምስ ናይ ተዳናገጽቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክዳረግ ዝኸኣለ፡ ከምኡ እውን ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ክሳራን ሕፍረትን ዝሸመመ፡ እዚ መጠንቀቕታ እዚ እዩ።

ዘመን ተገምጢሉ፡ ህ.ግ.ደፍ. ሪዒዱ ካብ ካሜራ ተቓወምቲ ክሃድም ውዒሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ገዛእ ካመራኡ ክሕባእ ክብል፡ ካሜራ ኣብዚ ውሽጢ ፈስቲቫል ከይተልዕሉ ክብል እዩ ዝወዓለ። መጠንቀቕታ ደለይቲ ለውጢ ከም ዘንጊ ዝኣተዎ ጎዶ ንህቢ ኾይንዎ፡ ዕግርግርን ሸቖጥቆጥን ውራዩ ክሓብኦ እንተበለ ኣይኮነሉን። እዚ ፈስቲቫል እዚ መቐጸልታ ናይተን ሓሶት በየን ሓደርኪ እንዳበላ ወረ ሓሶት ክኣራርያ ዝውዕላ፡ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ከም ምዃኑ መን ይጠፍኦ። ኣብ ውሽጢ እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይትደናገር። እዘን መንበድበድቲ ሓሶት እዚአን “ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ምሳና ኣሎ። ፈስቲቫልና ብዓወት ተዛዚሙ።” እንዳበላ፡ ዘቕርባልካ ስእልታት ናይ እኒ እኒ ስእልታት ከም ምዃኑ ክነርግርካ እደሊ። ምእማኑ እንተኣሸገረካ፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ልክዕ ከማኻ ምስ እዚ ስርዓት እዚ ሕቖን ከብድን ኮይኑ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ፡ ደዊልካ እትረኽቦ ሓቅነት እዩ።

 

 

 

ካልእ ዝተረፈ ስራሕ በቲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ተገሊጹ። ንኣመሓደርቲ ከተማታት ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብቐጻልነት ከም ዝፈልጡ ምግባርን፡ ምንቅስቓስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ደው ክብል ምሕባርን እዩ። ድሮ ኣብ ከተማ ርችመንድ እዚ ስራሕ እዚ ተዓዊቱ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብዚ ከተማ እዚ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ እውን ምስናይ ይቕሬታኡ፡ ደብዳቤ ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጻሒፉ። ኣመሓዳሪ ከተማ ኦክላንድ እውን ድሕሪ ሕጂ ከም ዝተሓባብር ገሊጹ። እዚ ጉዳይ እዚ ክካታተሎ ከምዝኾነ ከኣ እቲ ቦርድ ገሊጹ።

እቲ ናእዳይ፡ ንንኡድ ዝንእድ እዩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ክሳተፉ ኢሎም፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ኣሜሪካ ዝመጹ ዓቢ ናእዳ ኣሎኒ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንኣስታት 12 ሰዓት ዝተኻየደ እዩ። እዞም ዕድመ ዝደፍኡ ነባራት ተቓወምቲ ንኽንድዚ ሰዓታት እዚ ዝኣክል ደኺምና ከይበሉ ምሳና እንዳተጓዕዙ ክጭርሑ ምውዓሎም ከመይ ዘየደንቖም። ብሓፈሽኡ ከኣ እቲ ጽንዓት ናይ ኣብኡ ዝወዓለ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ዘገርም እዩ። ኣዳለውቲ እዚ ሰልፊ እዚ ንኽልተ ሰሙን ከየዕረፉ እንዳተኣከቡ ክዓጥቅሉ ቀንዮም እዮም። እዚ እኳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሸቖጥቆጥ ዘይኣትዎ!! ካብ ዝፈርሖ ድማ ኣይወጽአን። ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ለይቲ ምስ መዓልቲ ብምስራሕ ከም ሞቶር ኮይነን ዘንቀሳቕስኦ ምዑታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣለውኦ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ቃልስና ደቂ-ኣንስትዮ እንተድኣ ተሓዊሰንኦን፡ ብግብሪ እንተድኣ ተንቀሳቒሰናሉን፡ ክሳብ ክንደይ ንቕድሚት ክስጉም ከምዝኽእል ዘረጋገጸልና ተግባር እዩ። ምስቶም ሰሪሖም ዘይደኽሙ መንእሰያት ስራሕ ክቀባበላ ክትርእየን እንከሎኻ፡ ካብቲ ብዙሕ እቲ ውሑድን ዓይነታዉን ብልጫ ገይሩን ዝያዳ ኣድሚዑን ከምዝውል የረድእ። ነቲ ዝፈረየ ውጽኢትን ዝተሓፍሰ ዓወትን ምስ እትርእይ ኸኣ፡ ካብ ኣመና ዕግበት ዝተላዕለ፡ ንስኻትኩም ጸባ ስተዩ፡ ተዓዊትኩም ኣዐዊትኩምና፡ ንስኻትክን ከኣ ሽሕ ኩና ትብል።

ድሕሪ ብኣሰናን ካልኦት ወብሳይታትን፡ ብመዓልታዊ ደረጃ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ብተደጋጋሚ ምቕራብ፡ ድሕሪ እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!!” ዝብል ጻውዒት ጀጋኑ ኣቡናት፡ እቲ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ዘይተረድኦ ወይ ዘይፈልጥ ዜጋ ኣሎ ዝብል እምነት የብሉን። ስለዚ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዳነገጹ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግዜያዊ በለጽ ዓይኖም  ዒሩ ብፍላጥ ዝገበርው ዘለዉ ኣጸያፊ ባህርያት ስለዝኾነ፡ እቲ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ምስዞም ዜጋታት እዚኦም ኣብ ምቅብባጽ በጺሑ ኣሎ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ እቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ ኣስዒቡ። ስለዚ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብዚ ፈስቲቫል ብኣሉታ ንምጽላው፡ ኣብቲ ህዝብና ዝነብርሉን ዝውዕለሉን ስፍራታት በቶም መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ናይ መጠንቀቕታ ወረቐት ዘይተዘርግሖ ቦታ ኣይነበርን ክብሃል ይከኣል። እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ብመጒልሒ ድምጺ ከይተረፈ ኣብ ሳንፍራንሲኮ ተቓሊሑ። ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ በቲ መጠንቀቕታ ከም እተሰማምዐ ዘረጋግጽ ድማ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ስለዘይተሓወሶ እዩ። እቲ ሕቶ ደለይቲ ፍትሒ ተመሊሹ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብቶም ዝሓለፉ ዝፈልዮ ኣዎንታዊ መቐይሮ ብምርኣዩ ዓቢ ስጉምቲ እዩ።፡

ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኣንጻር እዚ ፈስቲቫል እዚ ዓቲቡ ዝተቓለሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ካብ ካብቲ ፈስቲቫል ዝእከብ ገንዘብ ጀሚሩ፡ ክሳብ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽትን ዝፈጥሮ ሃዋሁውን ዝጸልዎ ኣተሓሳስባን ዝምህዞ ተንኮላትን ኣትሒዙ፡ ማእለያ ዘይብሉ ነጥብታት ከስፍር ይኽእል እዩ።በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ብዛዕባ እዚ ስርዓት እዚ ዘቕርቦ ነጥብታት፡ ቆጺርካ ዘይውዳእ ይኸውን። እንተኾነ ግና ካብ ሓደ መሰረታዊ እምነት ዝነቐለ እዩ። ንሱ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ የስምር። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓስ በዚ ስርዓት እዚ ዝግበር ኣንጻር ድሌትን ጥቕምን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ብምርግጋጽ ይቃለስ ኣሎ።

ዘረባ እንተበዝሐ ኣየድምዕ፡ ጽሑፍ እንተነውሐ ኣየቕንዕ እዩ እሞ፡ ከም ደላይ ለውጥን ፍትሕን ብዛዕባ እዚኣ ሓንቲ ነጥቢ ወስ ኣቢለ ክውድእ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ዘሕለፎ ሓደገኛ መልእኽቲ ንመልከት። ነዚ መልእኽቲ እዚ ከሕልፍ ሰሚናር ኣዳልዩ እዩ ዝብሃል። ሓደ ካብቲ መዛረቢ ኣርእስቲ “እቶም ካልኦት ኤርትራውያን” ዝብል እዩ። እዚ ኣርእስቲ እዚ ትሕዝቶ እቲ መደረ ምፍላጥ ዘየድልዮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ንምብትታን ዝተኣልመ፡ ሰራም ኣርእስቲ ምዃኑ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዓሌት ብወገን ብሃይማኖት ተፈላሊና ንብል። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኢሳያስ ወግሐ-ጸብሐ ነዚ ሕማማት እዚ እንዳደርበየልና እዩ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ንብል።

እንተኾነ ግና እታ ኩዕሶ ወገንነት ትኹን ሃይማኖት ምስ ደርበየልና፡ ስለምንታይ ንሕና ካብኡ ተቐቢልና ንቕብቅባ ኣሎና? ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ እዩ። ብወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ኣይተዃሰተርናን። እዚ ኣርእስቲ እዚ ከም ኣካታዒ ነገር ንጎድኒ ገዲፍና፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰራም ኣርእስቲ፡ ዘኸተልዎ ሳዕቤናት ግና ንህዝቢ ኤርትራ ይበታትኖ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ የጽንቶ ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየዱ ሰሚናራት፡ ተንኮላቶምን ትሕዝትኦምን እንተንግምግሞም፡ ብኢሳይስ ዝተኣታተወ ስውርን ሸለል ተባሂሉ ዘይሕለፍ ምብትታን ህዝብናን፡ ነቲ ብዓሌትን ወገንን ሃይማኖትን ተፈላሊና እንብሎ እንተ ዘይዛይድዎ ዝዳረጎ እዩ። ሳዕቤናቱ ኸ? ህዝቢ ዝብትንን ሃገር ፋሕ ዘብልን፡ ከም ሳዋ፡ ውግእ ባድመ፡ ማእሰርትን ስደትን ፈጢሩ። እዚ ርኢኻ ወገነንትን ሃይማኖትን እንታይ ገይሩና ዘብል እዩ። ብሓጺሩ ከም ወገንነት ዓሊትን እንብሎ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ሽም ወይ ቅጽል ከነውጽኣሉ ዘሎና ይመስለኒ። ስለዚ ኣብዚ ፈስቲቫል በይ-ኤርያ ንኣንስትን ቆልዑትን ኣረገውትን ኣኪቡ ዝቐረበ፡ “እቶም ካልኦት ኤርትራውያን” ዝብል ኣርእስቲ፡ ወገናዊ ድዩ? ዓሌታዊ ድዩ? ኣውራጃዊ ድዩ? እንታይ ትብሎ? በታኒ ህዝቢ ዝኾነ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶን መልእኽትን ናይቲ ፈስቲቫል እዩ ኢለ ክሓልፎ እደሊ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ኣጀማምርኡን ምድላውን ውዕሎኡን መፈጸምትኡን ከኣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኸገልግልን ንምርጓድን ዝተገብረ እዩ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

08. 18. 14

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • Dibe Kulu August 22, 2014

    The opposition so far has not been able to create an iota of change in the minds & hearts of the “silent majority” because it lacks a coherent and focussed Eritrean agenda. So long as this lack of vision and purpose persists, we will never see any tangible change as far as our system of affairs back home is concerned. If history is any source of a traveller’s guide on this matter, the history of the Cuban Americans would be a good road map. They became magnets for thousands of their country men and women who wanted to leave the island nation. Castro and his system, however still exist. Since their struggle was so narrowly focussed and lacked any national agenda for the wider population, they miserably failed to capture the hearts and minds of their silent majority. After half a century of “struggling” to overthrow Castro’s government, they ended up morphing into the American system and now find themselves fighting to shape the communities they live in. That is a short history lesson for those who believe in historical precedents. No government, no system, can be reformed, changed or eliminated from a distance!

    • Geje August 22, 2014

      Thank you, for one of the best short comments I read so far this month.

      The so called Eritrean opposition will at the end accomplish nothing except to help destroy the culture, tradition and languages left in Eritrea. They have no clear wider agenda nor any capacity to lead a sovereign state from distant lands. The comparison with the Cuban Americans against Castro is a good example.
      With such detached and fragmented opposition, they will only help to produce another Somalia, Sudan, Iraq, Syria and Libya. They can talk the talk against the dictator in Eritrea but they will not walk the walk.

    • Haqqi Nezareb August 22, 2014

      Dibe Kulu,

      Your analysis is partially true because:
      1. Eritrean economy is mostly is a diaspora driven one. The recent mining is good but the government is crippled by the UN sanction to reap the profit.

      2. The other governments do not carry every year festivals in order to garner support as well as money from their people who live out side their countries.

      3. The 2% tax from Eritreans is a big source of income of foreign currency for the government of Eritrea.

      So unlike the countries in your analysis, the Eritrean opposition can have a big dent on the dictator. All they need to do is dry up and cut-off every source of income to the regime. This approach, off course, should be augmented by struggle of Eritreans inside Eritrea to topple the ugly and blood-thirsty system of the dictator.

  • Adulis August 22, 2014

    Why we Eritreans like to be called habesha? Ethiopians themselves hate being named by that very nick. If we take Tigrians as example they prefer to be called Tegaru to being called Habesha so do Galla (oromo people).
    If Ethiopians themselve back off that very nick from themselves, why we Eritreans like to adopt it? Don’t tell me that habeshas were ruling sudan kenya and so on so forth. If they did it was just a colony, no more. If being colonized by a country holds the meang of you must adopt that country’nick then we are Italians before being Eritrean.
    Do feel inferiority complex about naming your own self an Eritrean (Ertrawi)? I don’t think that there is an Eritrean who ashamed of being an Eritrean anytime under any circumstances.

  • Adulis August 22, 2014

    Why we Eritreans like to be called habesha? Ethiopians themselves hate being named by that very nick. If we take Tigrians as an example, they prefer to be called Tegaru to being called Habesha. So do Galla (oromo people). They prefer to be named as Oromo to Habesha
    If Ethiopians themselve back off that very nick from themselves, why we Eritreans prefer to adopt it to being called as Eritreans? Don’t tell me that habeshas were ruling sudan kenya and so on so forth. If they did, it was just a colony, no more. If being colonized by a country holds the meang of you must adopt that country’s nick, then we are Italians before being Eritrean.
    Do you feel inferiority complex about naming your own self an Eritrean (Ertrawi)? I don’t think that there is an Eritrean who ashamed of being an Eritrean and being named Eritrean at anytime under any circumstances.

    • ahmed saleh August 22, 2014

      You guys, what is your problem to bring Habesha-Arabs unnecessary
      arguments?
      I am afraid it has to do with inferior complexity or identity crisis in your
      heads .
      Yes we are Eritrean nationals and Habesha people so accept the true
      nature of human beings.

  • Semhar August 22, 2014

    ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ!
    Good job! Well done by the march for freedom in Bay Area.

    Why did you raise Isayas’s (PFDJ’s) flag?
    Instead of our liberation flag, Semayawit banderana.

    In the future march please raise only our liberation flag, the flag of our fathers, the flag of our martyrs. The flag represented all our nationalities, and all our provinces. The flag unified our people and marched with us from the beginning of our straggle all the way to victory, to our independence.

    At the HIGDEF festival they raised only one flag, The HIGDEF flag., (ISAYAS’S flag).
    (Followers of the mad dog, the tyrant Isayas’s flag)

    Our martyrs fought two enemies

    1) Ethiopia military in the front

    2) The mad dog Isayas and his blind followers in the back.
    They killed our people. 
They took down our liberation flag and replaced it by their own HIGDEF PFDJ flag. They terrorized and ruled us.
    We should all focus on the mad dog Isayas wedi medhin Berad the ድያብሎስ Isayas and his blind followers HIGDEF and stop them by any mines from destroying our land and our people.
    Down to the mad dog!
    Down to the tyrant dictator and his followers! 

    Victory to our people!

  • ahmed saleh August 22, 2014

    Interesting article to read .
    Thanks Weldeyesus.

  • Dawit Meconen August 22, 2014

    The woyane Trojan Horses are the main stay of the con artist and impostor isaias afewerqi.

  • Amanuel August 22, 2014

    It is one thing to destroy PFDJ festival and it is another thing to create your own festival. The opposition doest not win silent majority. The so called degefti are few minority. I would say instead of focusing your energy to destroy events held by minority, try to get the majority. I don’t think creating choas in festival is constructive. It pushes the silent majority even further from the opposition. The opposition need to have clear national agenda and work on that instead of creating chaos here and there.

  • Truly Truly i say to you August 23, 2014

    ኣንቱም ሰባት! እንትይ´ዩ ኩልግዜ ጥራህ ብዛእባ ናይ ሕግደፍ ፌስትቫል ምፍሻልን ደይምፍሻልን ዘረባ? ካን እዚኣ ኾይና ኃይልኹም!
    ፈስቲቫል ፈሸለ ኣይፈሸለ ኢሳያስ ድላዩ ንክይገብር ዝእግሞ ነገር ኣይክህልውን እዩ።። ኣነ ነቶም ናይ ሕግደፍ ፌስትቫልን ኣኼባን ንምፍሻል ክንደይ ኪሎመትር ተጓኢዝኩም ብግዜኹም፣ ገንዘብኩምን ዘሎ ኣቕምኩምን መስዋእቲ ንትከፍሉ ዘለኹም ሃገራውያን ክንደይ ግዜ መኺረ እዬ። ውጺእት ንዘየብሉ ነገር እዚ ኹሉ ኪሳራ ካብትከፍሉ፣ ማለት ከምዚ ንእዘቦ ዘለና ሃሃልፉ ብሕግደፋውያን ኮነ በቶም ዝከፈልዎም ናይጸጥታ ኣክባርቲ ኃይላት ናይ ኣካል ጉድኣትኮነ ናይ መእሰርቲ ምፍርርራህ ክሳብዝገጠመኩም፣ ሃደ ኣዋኑ ስለምንታይ እዩ ነቲ ናይኩሉ ጸገም ምንጪ ንዝኩነ ንኢስያስ ተካሪጅካ ዋጋ ንምክፋል ሃቦን ተበላሂነትን ደይህልወኩም? ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ንዘውጽእዎ መግለጺ ንምትግባር ዋጋ ንምክፋል መስዋእቲ ምክፋል ኣምበይምሃሸን´ዶ ማለተይ እዩ። ብእምነተይ ነዚ ኢልካ ዋጋ ምክፋል ብሰማይ ኮነ ብምዲሪ ብዙህ ኣስቢን ዘክብርን ኮይኑ እዩ ዝስማኣኒ። እንተ ንህግደፍ ንምቅዋም ክትብሉ ዝተፈላለየ ኪሳራታትን ጉድኣትን ዘጓነፈኩም፣ ኩነታትኩም ከምቶም ኣብክንዲ ነቲ ኩሉ ጸገም ዘምጸ ኣሎም ሥርዓት ዝቃለሱ፣ ንቁራስ እንጀራ ኢሎምን ነፍሰይ ክጥእመኒ ኢሎም ብሲናይ ብማከላይ ባህሪን ብላምፓዱዛን ክሃልፉ ክብሉ፡ ብበደዊንን ራሻይዳይን ተጨውዮም ኩሊቲም ተሸይጡ ሰብ ኣዮም ይኹን ሰበይቶም ተገሲሶም ዘህለፍዎ ውርደት ከይኣክል ኣብወዳእታ ብኣሺሃት ዝቁጸሩ ኣብ ባሕሪ ጢህሎም ከምቶም ዝሃለቁ ናታትኩም መስዋእትነት´ውን ብትሕዝቶኡ ካብዚ ፈጺሙ ኣይፍለይን እዩ። እንተ ብጽሁፍ ሕዝቢ ንምንቃህ ክሳብዝተመረጸ´ድማ፣ ኣብ ክንዲ ቂንጢ መንጦ ዘይረብህ ኣርእስትታትን ዜናታትን እናምጻእካ ብምውህታት ግዜና በኣል ፍጹም ኣብርሃም ካብዝበልእዎ፣ ከምቲ መስከረም ኔት ሃሃሊፉ ብኣገዳሲ እዋናዊ ነጥብታት ኣልኢሎም ብዛእባ ዝዛረቡሉ ኩነታት ንኣብነት ብዛእባ ዘረባ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ብዛእባ ናይሻእብያ ርክብ ምስ ራሺያ ኢራን ምስሪ ውዘተ ጺሂፎም ቤተሰብ ኣሰናውን ክንካታኣሎም ተንኽእል ክንደይ ህዝቢ ምተመሃረ ነሩ። ነታ ንፈትዋ መርበብ ዓሰናና ድማ ናይለባማት መራኸቢ ዝበሃል ሽም ንክትጥመቅ ምሃገዘ ነሩ። ብዝተረፈ ገሊኦም ናይ ግዜ መህለፊ እንበር ቁምነገ ብዘለዎ ነገር ስልዝይጽህፉ ኣዝዩ ኣተሃሳሳቢ እዩ፣ እቲ ሃገራዊነንትም ዝጉደለን ናይ ካላኦት ሃገራት ኣጀንዳም ብዘለዎ መልክኡ ገለ ሰባት ስልዝጽህፉ ኣዝዩ ኣሰካፊ እናኮነና ይመጽእ ኣሎ።

    በዚ ኣጋጣሚ ናብቲ ዋና ነጥበይ ክምለስሞ ብወገነይ ንሕና ናይሰብ ምቅታል ሽውሃት የብልናን። ነቲ ንኢስያስ ምቅንጻል ንስማሟኣሉ ምኽንያት ናይ ብዙህ ንጹህ ዜጋታት ሕይወት ንምትራፍን ንሃገርና ካብ ሃደጋ ንምህላው ከምዝጠቅመና ብምእማንን እንበር ብካልእ ጉዳይ ኣይኮነን። ነቶም ካልኦት መዳከርቱ ምቅታል ግን ናይ ሕዝቢ ምጽናትን ናይ ሃገርና ኩነታትን ብዙህ ዝቅይር ኮይኑ ስለዘይስምኣኒ ብወገነይ ኣይድግፎን እዬ። ከምቲ ዝበልኩኺም ናይለውጢ ሽውሃት እንበር ናይምቅታል ሽውሃት ኩላህና ዘለና ኣይመስለንን። ላ ልውጢ ኣይምጻእ እቶም ካልኦት´ውን ይቀተሉ ተኮይኑ ነገሩ፡ ወይ እቲ እላማ ግላዊ ቅርህንቲ እዩ ዝመስል፣ ወይ ከኣ ከምዚ ሰራቂ ንገንዘብ ኢሉ ንጹህ ሰብ ዝቀትል ከምስሎ እዩ ነገሩ። ኣይተ ኢሳያስ ግን ምህረትን ክብርን ትእግስትን እንታይ ከምድኮነ ፈጺሞም ስለዘይርድእዋ። በቲ ዝርድኦም ቛንቛ ተካሪጅካ ከምዝርድኦም ምግባር ጥራይ እዩ ዘሎ ኣማራጺ።

  • Dan August 23, 2014

    ዕዉራት ደገፍቲ ዋጋኩም ኪትፍደዩ ኢኩም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ

  • Simon G. August 23, 2014

    Failed state/SYE,
    Are you a fisherman, working in Alaska or you go to Ethiopia for training for few months?
    Your duty cycle is almost 30%.

POST A COMMENT