Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል)

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል) ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ፡ ምስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተደናገጽቱን ደገፍቱን፡ ፈስቲቫሉ ኣበይ ከምዝግበር ንኸይፍለጥ ተጸጊሙ፡ ኣተሓባብእን ጭርጭር ዓበደን ክጻወት እዩ ዝቐነየ። ኣብ  መጨረሽትኡ ዝቐነዮ ሕፍረት ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ዝገደደ ኣብ ፍሽለትን

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል)

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ፡ ምስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተደናገጽቱን ደገፍቱን፡ ፈስቲቫሉ ኣበይ ከምዝግበር ንኸይፍለጥ ተጸጊሙ፡ ኣተሓባብእን ጭርጭር ዓበደን ክጻወት እዩ ዝቐነየ። ኣብ  መጨረሽትኡ ዝቐነዮ ሕፍረት ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ዝገደደ ኣብ ፍሽለትን ክስራንን  እዩ ደምዲሙ። ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ግና፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ  በይ-ኤርያ ካብ ስሩ ተማሕዩ እዩ እንዳበልና እነቃልሖን እንጽሕፈሉን ዝነበርና፡ ደጊምና ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዓቢ ዕድል እዩ ፈጢሩልና። ሓቂ ድማ ኾይኑ። ክቡራት ኣንበብቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘቕርቦ ጽሑፋት፡ ኣመና ናእዳ ኣይጠቅም ኣምብዛ ኩነኔ ኣውን ኣይዓብስን ኣብ ዝብል ኣምነት ዝረገጸ እዩ። እንተኾነ ግና ንሎሚ መዓልቲ፡ በዚ ትማሊ ቀዳም ኣብ በይ-ኤርያ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ካብ ምድላዉ ኣትሒዙ ክሳብ መውዳእትኡ ዝተገብረ ተቓዉሞን ስለዝተመሰጥኩን ዝተገረምኩን፡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ደረት እምነተይ ጥሒሸ ንምንኣዱ ተበጊሰ ኣለኹ።

እቲ ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ እዩ ነይሩ?  ዕላምኡ ብሓፈሽኡ፡ ዘለዎ ተቓዉሞ ኣንጻር ግፍዒ ኢሳያስን ተኺልዎ ዘሎ ስርዓትን ኮይኑ፡ በዚ ስለማዊ ሰልፊ እዚ ኣብ ከባቢኡ ከዐዉቶም ዘለዎ ውሳኔታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ኣርማኡን መለለይኡን ሓሶትን ክሕደትን ጥልመትን ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ኣብ በይ ኤርያ ዘሎ ህዝቢ ፎእ ኢልዎ ውራዩ በረውሮው ኢሉ ከምዝውዕል ምግባር። በይ-ኤርያ ኤርትራዊ ንዲሞክራስያው ለውጢ፡ ንህዝቢ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣብ ግብሪ ኽትርጎም። ሕቶ ስላማዊ ሰልፊ ብኣመሓደርቲ ከተማታትን ኢሚግረሽን ቤት-ጽሕፈትን ካልኦት ኣኽበርቲ ሕግን ክስማዕ። ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ከተማታት ነዚ ውሳኔታት እዚ ተኸቲለን ኣብ ከከተምአን ንምንቅስቓስ ህ.ግ.ደፍ. ደው ከብልኦ። ኣብ በይ-ኤርያ እዚ ዝተጠቕሰ ውሳኔታት ተፈጺሙ፡ ዝተረፈ ኸኣ ቀጻልን ዕቱብን ምንቅስቓስ ክግበረሉ እቲ ደላይ ፍትሒ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ዝተረፈ እንታይ እዩ? ነዚ ሰላማዊ ስልፊ ዘዐወቶ፡ ንፈስቲቫል ህ.ግ.ደ.ፍ በረውሮው ክብል ዘውዓሎ፡ እቲ ብበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝወጸ መጠንቀቕታ እዩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ብግብሪ ንኽትርጎም፡ ክሳብ እዚ ስርዓት እዚ ዝወድቕ ከኣ ክቕጸል ከም ዝኾነ ዝዓጠቕሉ ምዑታት ደለይቲ ፍትሒ ኣለዉ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ቀጻልነት ሰለዘለዎ ከም ኣዋጅ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ገይሮም ከራጉድዎን፡ ንዕኡ ዘተግብሩ ታስክ ፎርስ ክምስርቱን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን ጨንፈራት ክምስርቱ ከምዝኾኑን ይነግሩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ናብቲ ፈስቲቫል ገጹ ተወስ ዝብል መንእሰይ ወይ ከኣ ዋርሳይ ኣይተራእየን። ኣብቲ ፈስቲቫል ዝወዓሉ ሓንቲ ዘይፈልጡ ኣብዚ ዓዲ ዝተወልዱ ቆልዑትን መንእሰያትን፡ ኣረገውቲ ኣንስትን ሰብኡትን፡ ከምኡ እውን ህ.ግ.ደ.ፍ ዝመረዘተን ባንዴራ ዝተኸድና ሰብ ቁኖን ወርቅን ጥራይ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ብዝሒ ተቓወምቲ ምስ ናይ ተዳናገጽቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክዳረግ ዝኸኣለ፡ ከምኡ እውን ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ክሳራን ሕፍረትን ዝሸመመ፡ እዚ መጠንቀቕታ እዚ እዩ።

ዘመን ተገምጢሉ፡ ህ.ግ.ደፍ. ሪዒዱ ካብ ካሜራ ተቓወምቲ ክሃድም ውዒሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ገዛእ ካመራኡ ክሕባእ ክብል፡ ካሜራ ኣብዚ ውሽጢ ፈስቲቫል ከይተልዕሉ ክብል እዩ ዝወዓለ። መጠንቀቕታ ደለይቲ ለውጢ ከም ዘንጊ ዝኣተዎ ጎዶ ንህቢ ኾይንዎ፡ ዕግርግርን ሸቖጥቆጥን ውራዩ ክሓብኦ እንተበለ ኣይኮነሉን። እዚ ፈስቲቫል እዚ መቐጸልታ ናይተን ሓሶት በየን ሓደርኪ እንዳበላ ወረ ሓሶት ክኣራርያ ዝውዕላ፡ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ከም ምዃኑ መን ይጠፍኦ። ኣብ ውሽጢ እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይትደናገር። እዘን መንበድበድቲ ሓሶት እዚአን “ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ምሳና ኣሎ። ፈስቲቫልና ብዓወት ተዛዚሙ።” እንዳበላ፡ ዘቕርባልካ ስእልታት ናይ እኒ እኒ ስእልታት ከም ምዃኑ ክነርግርካ እደሊ። ምእማኑ እንተኣሸገረካ፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ልክዕ ከማኻ ምስ እዚ ስርዓት እዚ ሕቖን ከብድን ኮይኑ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ፡ ደዊልካ እትረኽቦ ሓቅነት እዩ።

 

 

 

ካልእ ዝተረፈ ስራሕ በቲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ተገሊጹ። ንኣመሓደርቲ ከተማታት ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብቐጻልነት ከም ዝፈልጡ ምግባርን፡ ምንቅስቓስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ደው ክብል ምሕባርን እዩ። ድሮ ኣብ ከተማ ርችመንድ እዚ ስራሕ እዚ ተዓዊቱ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብዚ ከተማ እዚ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ እውን ምስናይ ይቕሬታኡ፡ ደብዳቤ ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጻሒፉ። ኣመሓዳሪ ከተማ ኦክላንድ እውን ድሕሪ ሕጂ ከም ዝተሓባብር ገሊጹ። እዚ ጉዳይ እዚ ክካታተሎ ከምዝኾነ ከኣ እቲ ቦርድ ገሊጹ።

እቲ ናእዳይ፡ ንንኡድ ዝንእድ እዩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ክሳተፉ ኢሎም፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ኣሜሪካ ዝመጹ ዓቢ ናእዳ ኣሎኒ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንኣስታት 12 ሰዓት ዝተኻየደ እዩ። እዞም ዕድመ ዝደፍኡ ነባራት ተቓወምቲ ንኽንድዚ ሰዓታት እዚ ዝኣክል ደኺምና ከይበሉ ምሳና እንዳተጓዕዙ ክጭርሑ ምውዓሎም ከመይ ዘየደንቖም። ብሓፈሽኡ ከኣ እቲ ጽንዓት ናይ ኣብኡ ዝወዓለ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ዘገርም እዩ። ኣዳለውቲ እዚ ሰልፊ እዚ ንኽልተ ሰሙን ከየዕረፉ እንዳተኣከቡ ክዓጥቅሉ ቀንዮም እዮም። እዚ እኳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሸቖጥቆጥ ዘይኣትዎ!! ካብ ዝፈርሖ ድማ ኣይወጽአን። ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ለይቲ ምስ መዓልቲ ብምስራሕ ከም ሞቶር ኮይነን ዘንቀሳቕስኦ ምዑታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣለውኦ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ቃልስና ደቂ-ኣንስትዮ እንተድኣ ተሓዊሰንኦን፡ ብግብሪ እንተድኣ ተንቀሳቒሰናሉን፡ ክሳብ ክንደይ ንቕድሚት ክስጉም ከምዝኽእል ዘረጋገጸልና ተግባር እዩ። ምስቶም ሰሪሖም ዘይደኽሙ መንእሰያት ስራሕ ክቀባበላ ክትርእየን እንከሎኻ፡ ካብቲ ብዙሕ እቲ ውሑድን ዓይነታዉን ብልጫ ገይሩን ዝያዳ ኣድሚዑን ከምዝውል የረድእ። ነቲ ዝፈረየ ውጽኢትን ዝተሓፍሰ ዓወትን ምስ እትርእይ ኸኣ፡ ካብ ኣመና ዕግበት ዝተላዕለ፡ ንስኻትኩም ጸባ ስተዩ፡ ተዓዊትኩም ኣዐዊትኩምና፡ ንስኻትክን ከኣ ሽሕ ኩና ትብል።

ድሕሪ ብኣሰናን ካልኦት ወብሳይታትን፡ ብመዓልታዊ ደረጃ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ብተደጋጋሚ ምቕራብ፡ ድሕሪ እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!!” ዝብል ጻውዒት ጀጋኑ ኣቡናት፡ እቲ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ዘይተረድኦ ወይ ዘይፈልጥ ዜጋ ኣሎ ዝብል እምነት የብሉን። ስለዚ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዳነገጹ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግዜያዊ በለጽ ዓይኖም  ዒሩ ብፍላጥ ዝገበርው ዘለዉ ኣጸያፊ ባህርያት ስለዝኾነ፡ እቲ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ምስዞም ዜጋታት እዚኦም ኣብ ምቅብባጽ በጺሑ ኣሎ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ እቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ ኣስዒቡ። ስለዚ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብዚ ፈስቲቫል ብኣሉታ ንምጽላው፡ ኣብቲ ህዝብና ዝነብርሉን ዝውዕለሉን ስፍራታት በቶም መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ናይ መጠንቀቕታ ወረቐት ዘይተዘርግሖ ቦታ ኣይነበርን ክብሃል ይከኣል። እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ብመጒልሒ ድምጺ ከይተረፈ ኣብ ሳንፍራንሲኮ ተቓሊሑ። ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ በቲ መጠንቀቕታ ከም እተሰማምዐ ዘረጋግጽ ድማ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ስለዘይተሓወሶ እዩ። እቲ ሕቶ ደለይቲ ፍትሒ ተመሊሹ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብቶም ዝሓለፉ ዝፈልዮ ኣዎንታዊ መቐይሮ ብምርኣዩ ዓቢ ስጉምቲ እዩ።፡

ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኣንጻር እዚ ፈስቲቫል እዚ ዓቲቡ ዝተቓለሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ካብ ካብቲ ፈስቲቫል ዝእከብ ገንዘብ ጀሚሩ፡ ክሳብ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽትን ዝፈጥሮ ሃዋሁውን ዝጸልዎ ኣተሓሳስባን ዝምህዞ ተንኮላትን ኣትሒዙ፡ ማእለያ ዘይብሉ ነጥብታት ከስፍር ይኽእል እዩ።በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ብዛዕባ እዚ ስርዓት እዚ ዘቕርቦ ነጥብታት፡ ቆጺርካ ዘይውዳእ ይኸውን። እንተኾነ ግና ካብ ሓደ መሰረታዊ እምነት ዝነቐለ እዩ። ንሱ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ የስምር። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓስ በዚ ስርዓት እዚ ዝግበር ኣንጻር ድሌትን ጥቕምን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ብምርግጋጽ ይቃለስ ኣሎ።

ዘረባ እንተበዝሐ ኣየድምዕ፡ ጽሑፍ እንተነውሐ ኣየቕንዕ እዩ እሞ፡ ከም ደላይ ለውጥን ፍትሕን ብዛዕባ እዚኣ ሓንቲ ነጥቢ ወስ ኣቢለ ክውድእ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ዘሕለፎ ሓደገኛ መልእኽቲ ንመልከት። ነዚ መልእኽቲ እዚ ከሕልፍ ሰሚናር ኣዳልዩ እዩ ዝብሃል። ሓደ ካብቲ መዛረቢ ኣርእስቲ “እቶም ካልኦት ኤርትራውያን” ዝብል እዩ። እዚ ኣርእስቲ እዚ ትሕዝቶ እቲ መደረ ምፍላጥ ዘየድልዮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ንምብትታን ዝተኣልመ፡ ሰራም ኣርእስቲ ምዃኑ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዓሌት ብወገን ብሃይማኖት ተፈላሊና ንብል። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኢሳያስ ወግሐ-ጸብሐ ነዚ ሕማማት እዚ እንዳደርበየልና እዩ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ንብል።

እንተኾነ ግና እታ ኩዕሶ ወገንነት ትኹን ሃይማኖት ምስ ደርበየልና፡ ስለምንታይ ንሕና ካብኡ ተቐቢልና ንቕብቅባ ኣሎና? ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ እዩ። ብወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ኣይተዃሰተርናን። እዚ ኣርእስቲ እዚ ከም ኣካታዒ ነገር ንጎድኒ ገዲፍና፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰራም ኣርእስቲ፡ ዘኸተልዎ ሳዕቤናት ግና ንህዝቢ ኤርትራ ይበታትኖ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ የጽንቶ ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየዱ ሰሚናራት፡ ተንኮላቶምን ትሕዝትኦምን እንተንግምግሞም፡ ብኢሳይስ ዝተኣታተወ ስውርን ሸለል ተባሂሉ ዘይሕለፍ ምብትታን ህዝብናን፡ ነቲ ብዓሌትን ወገንን ሃይማኖትን ተፈላሊና እንብሎ እንተ ዘይዛይድዎ ዝዳረጎ እዩ። ሳዕቤናቱ ኸ? ህዝቢ ዝብትንን ሃገር ፋሕ ዘብልን፡ ከም ሳዋ፡ ውግእ ባድመ፡ ማእሰርትን ስደትን ፈጢሩ። እዚ ርኢኻ ወገነንትን ሃይማኖትን እንታይ ገይሩና ዘብል እዩ። ብሓጺሩ ከም ወገንነት ዓሊትን እንብሎ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ሽም ወይ ቅጽል ከነውጽኣሉ ዘሎና ይመስለኒ። ስለዚ ኣብዚ ፈስቲቫል በይ-ኤርያ ንኣንስትን ቆልዑትን ኣረገውትን ኣኪቡ ዝቐረበ፡ “እቶም ካልኦት ኤርትራውያን” ዝብል ኣርእስቲ፡ ወገናዊ ድዩ? ዓሌታዊ ድዩ? ኣውራጃዊ ድዩ? እንታይ ትብሎ? በታኒ ህዝቢ ዝኾነ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶን መልእኽትን ናይቲ ፈስቲቫል እዩ ኢለ ክሓልፎ እደሊ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ኣጀማምርኡን ምድላውን ውዕሎኡን መፈጸምትኡን ከኣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኸገልግልን ንምርጓድን ዝተገብረ እዩ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

08. 18. 14

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • awget August 23, 2014

    Weldeyesus,you are a pathological liar,thanks for you tube,for your information with 2014 okland festival on you tube.Don’t lie weldyesus what is your advantage by spreading lie after lie over and over.lie is getting in your daily life like a food.Well festival was one of the best year i ever see.I inderstand that the weyane passed order to go every eritrean festivals,you just fellowing weyane orders.

  • silent August 24, 2014

    It is Sunday, a word to the human-mosquitoes and their deafening zzZZzz….

    You detached bunch of vagabonds, you may be able to disrupt the heroic Eritrean diaspora festivals in different locations in the West, assisted by right-wing fake sympathizers who look lured by your immature slogans of democracy, freedom of speech, human rights etc.
    but who are in fact abusing your stupidity to materialize their hidden agenda of ‘Integration or deportation’ of foreign residents.
    The prohibition of cultural festivals is one of the first steps to cut the link between the diaspora and their country of origin but they can’t do it openly because the progressive parties will not allow to apply it (temporarily).

    Refer to the declared objectives of the French National Front, led by J.M. Le Pen or
    the Italian Northern Party of La Lega to redress your dumb mentality and refrain from your counterproductive silly actions.

    Whatever you do, Shaebia’s Eritrea and its magnanimous people will remain non-affected
    but always triumphant and dancing your stinky tombs.

  • silent August 24, 2014

    …you bunch of traitors, read: Dancing over your stinky tombs.

  • Semhar August 26, 2014

    ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • silent August 30, 2014

    ጽብቅቲ እዋናዊት ምስላ…..ግን
    ወዬ አብዑር (ጣንጡ) አብ ፈቓድኡ ይነፍጹ፣ ይሕንግዱ፣ ይሃድሙን አለዉ…..
    ከምዚ ንሰምዖን ንርእዬን ዘሎና ድማ፣ አብ ሰሓራን ባሕርን ይቅዘፉ አለዉ….
    እቲ አገዳሲ፣ ሃለዋት አብዑር አይኮነን፣ ብትራክተር ከአ ስለ ዝትከኡ….
    እቲ አውራ አገዳሲ፣ ሃለዋት ሃገር እዩ፣ ዕርፊ’ታ ሃገር ድማ፣ አምላኽ ይመስገን፣ ብጽኑዑ
    ኣእዳው፣ አእምሮ፣ ልቦናን ሻዕቢያ-ሓፋሽ ብመሪሕነት ጅግና ጀጋኑ፣ ወዲ አፎም ብሪ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ
    ተጨቢጡ’ሎ፣ ተጨቢጡ ከአ ክነብር’ዪ፣፣

    ትምኒት ሰምሃር፣ ተምኒት ካሳንድራ’ዪ፣ ማለት ግምጥልሽ፣ ወይ ሕልሚ ነዳይ!!!

    ሻዕቢያ በል፣ ብፍሽለት ከይትዕብለል !!!

POST A COMMENT