Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል)

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል) ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ፡ ምስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተደናገጽቱን ደገፍቱን፡ ፈስቲቫሉ ኣበይ ከምዝግበር ንኸይፍለጥ ተጸጊሙ፡ ኣተሓባብእን ጭርጭር ዓበደን ክጻወት እዩ ዝቐነየ። ኣብ  መጨረሽትኡ ዝቐነዮ ሕፍረት ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ዝገደደ ኣብ ፍሽለትን

ፈስቲቫል ዓዋሉ ፈሺሉ (1ይ ክፋል)

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ፡ ምስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተደናገጽቱን ደገፍቱን፡ ፈስቲቫሉ ኣበይ ከምዝግበር ንኸይፍለጥ ተጸጊሙ፡ ኣተሓባብእን ጭርጭር ዓበደን ክጻወት እዩ ዝቐነየ። ኣብ  መጨረሽትኡ ዝቐነዮ ሕፍረት ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ዝገደደ ኣብ ፍሽለትን ክስራንን  እዩ ደምዲሙ። ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ግና፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ  በይ-ኤርያ ካብ ስሩ ተማሕዩ እዩ እንዳበልና እነቃልሖን እንጽሕፈሉን ዝነበርና፡ ደጊምና ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዓቢ ዕድል እዩ ፈጢሩልና። ሓቂ ድማ ኾይኑ። ክቡራት ኣንበብቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘቕርቦ ጽሑፋት፡ ኣመና ናእዳ ኣይጠቅም ኣምብዛ ኩነኔ ኣውን ኣይዓብስን ኣብ ዝብል ኣምነት ዝረገጸ እዩ። እንተኾነ ግና ንሎሚ መዓልቲ፡ በዚ ትማሊ ቀዳም ኣብ በይ-ኤርያ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ካብ ምድላዉ ኣትሒዙ ክሳብ መውዳእትኡ ዝተገብረ ተቓዉሞን ስለዝተመሰጥኩን ዝተገረምኩን፡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ደረት እምነተይ ጥሒሸ ንምንኣዱ ተበጊሰ ኣለኹ።

እቲ ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ እዩ ነይሩ?  ዕላምኡ ብሓፈሽኡ፡ ዘለዎ ተቓዉሞ ኣንጻር ግፍዒ ኢሳያስን ተኺልዎ ዘሎ ስርዓትን ኮይኑ፡ በዚ ስለማዊ ሰልፊ እዚ ኣብ ከባቢኡ ከዐዉቶም ዘለዎ ውሳኔታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ኣርማኡን መለለይኡን ሓሶትን ክሕደትን ጥልመትን ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ኣብ በይ ኤርያ ዘሎ ህዝቢ ፎእ ኢልዎ ውራዩ በረውሮው ኢሉ ከምዝውዕል ምግባር። በይ-ኤርያ ኤርትራዊ ንዲሞክራስያው ለውጢ፡ ንህዝቢ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣብ ግብሪ ኽትርጎም። ሕቶ ስላማዊ ሰልፊ ብኣመሓደርቲ ከተማታትን ኢሚግረሽን ቤት-ጽሕፈትን ካልኦት ኣኽበርቲ ሕግን ክስማዕ። ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ከተማታት ነዚ ውሳኔታት እዚ ተኸቲለን ኣብ ከከተምአን ንምንቅስቓስ ህ.ግ.ደፍ. ደው ከብልኦ። ኣብ በይ-ኤርያ እዚ ዝተጠቕሰ ውሳኔታት ተፈጺሙ፡ ዝተረፈ ኸኣ ቀጻልን ዕቱብን ምንቅስቓስ ክግበረሉ እቲ ደላይ ፍትሒ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ዝተረፈ እንታይ እዩ? ነዚ ሰላማዊ ስልፊ ዘዐወቶ፡ ንፈስቲቫል ህ.ግ.ደ.ፍ በረውሮው ክብል ዘውዓሎ፡ እቲ ብበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝወጸ መጠንቀቕታ እዩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ብግብሪ ንኽትርጎም፡ ክሳብ እዚ ስርዓት እዚ ዝወድቕ ከኣ ክቕጸል ከም ዝኾነ ዝዓጠቕሉ ምዑታት ደለይቲ ፍትሒ ኣለዉ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ቀጻልነት ሰለዘለዎ ከም ኣዋጅ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ገይሮም ከራጉድዎን፡ ንዕኡ ዘተግብሩ ታስክ ፎርስ ክምስርቱን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን ጨንፈራት ክምስርቱ ከምዝኾኑን ይነግሩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ናብቲ ፈስቲቫል ገጹ ተወስ ዝብል መንእሰይ ወይ ከኣ ዋርሳይ ኣይተራእየን። ኣብቲ ፈስቲቫል ዝወዓሉ ሓንቲ ዘይፈልጡ ኣብዚ ዓዲ ዝተወልዱ ቆልዑትን መንእሰያትን፡ ኣረገውቲ ኣንስትን ሰብኡትን፡ ከምኡ እውን ህ.ግ.ደ.ፍ ዝመረዘተን ባንዴራ ዝተኸድና ሰብ ቁኖን ወርቅን ጥራይ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ብዝሒ ተቓወምቲ ምስ ናይ ተዳናገጽቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክዳረግ ዝኸኣለ፡ ከምኡ እውን ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ክሳራን ሕፍረትን ዝሸመመ፡ እዚ መጠንቀቕታ እዚ እዩ።

ዘመን ተገምጢሉ፡ ህ.ግ.ደፍ. ሪዒዱ ካብ ካሜራ ተቓወምቲ ክሃድም ውዒሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ገዛእ ካመራኡ ክሕባእ ክብል፡ ካሜራ ኣብዚ ውሽጢ ፈስቲቫል ከይተልዕሉ ክብል እዩ ዝወዓለ። መጠንቀቕታ ደለይቲ ለውጢ ከም ዘንጊ ዝኣተዎ ጎዶ ንህቢ ኾይንዎ፡ ዕግርግርን ሸቖጥቆጥን ውራዩ ክሓብኦ እንተበለ ኣይኮነሉን። እዚ ፈስቲቫል እዚ መቐጸልታ ናይተን ሓሶት በየን ሓደርኪ እንዳበላ ወረ ሓሶት ክኣራርያ ዝውዕላ፡ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ከም ምዃኑ መን ይጠፍኦ። ኣብ ውሽጢ እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይትደናገር። እዘን መንበድበድቲ ሓሶት እዚአን “ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ምሳና ኣሎ። ፈስቲቫልና ብዓወት ተዛዚሙ።” እንዳበላ፡ ዘቕርባልካ ስእልታት ናይ እኒ እኒ ስእልታት ከም ምዃኑ ክነርግርካ እደሊ። ምእማኑ እንተኣሸገረካ፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ልክዕ ከማኻ ምስ እዚ ስርዓት እዚ ሕቖን ከብድን ኮይኑ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ፡ ደዊልካ እትረኽቦ ሓቅነት እዩ።

 

 

 

ካልእ ዝተረፈ ስራሕ በቲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ተገሊጹ። ንኣመሓደርቲ ከተማታት ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብቐጻልነት ከም ዝፈልጡ ምግባርን፡ ምንቅስቓስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ደው ክብል ምሕባርን እዩ። ድሮ ኣብ ከተማ ርችመንድ እዚ ስራሕ እዚ ተዓዊቱ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብዚ ከተማ እዚ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ እውን ምስናይ ይቕሬታኡ፡ ደብዳቤ ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጻሒፉ። ኣመሓዳሪ ከተማ ኦክላንድ እውን ድሕሪ ሕጂ ከም ዝተሓባብር ገሊጹ። እዚ ጉዳይ እዚ ክካታተሎ ከምዝኾነ ከኣ እቲ ቦርድ ገሊጹ።

እቲ ናእዳይ፡ ንንኡድ ዝንእድ እዩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ክሳተፉ ኢሎም፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ኣሜሪካ ዝመጹ ዓቢ ናእዳ ኣሎኒ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንኣስታት 12 ሰዓት ዝተኻየደ እዩ። እዞም ዕድመ ዝደፍኡ ነባራት ተቓወምቲ ንኽንድዚ ሰዓታት እዚ ዝኣክል ደኺምና ከይበሉ ምሳና እንዳተጓዕዙ ክጭርሑ ምውዓሎም ከመይ ዘየደንቖም። ብሓፈሽኡ ከኣ እቲ ጽንዓት ናይ ኣብኡ ዝወዓለ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ዘገርም እዩ። ኣዳለውቲ እዚ ሰልፊ እዚ ንኽልተ ሰሙን ከየዕረፉ እንዳተኣከቡ ክዓጥቅሉ ቀንዮም እዮም። እዚ እኳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሸቖጥቆጥ ዘይኣትዎ!! ካብ ዝፈርሖ ድማ ኣይወጽአን። ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ለይቲ ምስ መዓልቲ ብምስራሕ ከም ሞቶር ኮይነን ዘንቀሳቕስኦ ምዑታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣለውኦ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ቃልስና ደቂ-ኣንስትዮ እንተድኣ ተሓዊሰንኦን፡ ብግብሪ እንተድኣ ተንቀሳቒሰናሉን፡ ክሳብ ክንደይ ንቕድሚት ክስጉም ከምዝኽእል ዘረጋገጸልና ተግባር እዩ። ምስቶም ሰሪሖም ዘይደኽሙ መንእሰያት ስራሕ ክቀባበላ ክትርእየን እንከሎኻ፡ ካብቲ ብዙሕ እቲ ውሑድን ዓይነታዉን ብልጫ ገይሩን ዝያዳ ኣድሚዑን ከምዝውል የረድእ። ነቲ ዝፈረየ ውጽኢትን ዝተሓፍሰ ዓወትን ምስ እትርእይ ኸኣ፡ ካብ ኣመና ዕግበት ዝተላዕለ፡ ንስኻትኩም ጸባ ስተዩ፡ ተዓዊትኩም ኣዐዊትኩምና፡ ንስኻትክን ከኣ ሽሕ ኩና ትብል።

ድሕሪ ብኣሰናን ካልኦት ወብሳይታትን፡ ብመዓልታዊ ደረጃ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ብተደጋጋሚ ምቕራብ፡ ድሕሪ እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!!” ዝብል ጻውዒት ጀጋኑ ኣቡናት፡ እቲ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ዘይተረድኦ ወይ ዘይፈልጥ ዜጋ ኣሎ ዝብል እምነት የብሉን። ስለዚ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዳነገጹ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግዜያዊ በለጽ ዓይኖም  ዒሩ ብፍላጥ ዝገበርው ዘለዉ ኣጸያፊ ባህርያት ስለዝኾነ፡ እቲ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ምስዞም ዜጋታት እዚኦም ኣብ ምቅብባጽ በጺሑ ኣሎ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ እቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ ኣስዒቡ። ስለዚ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብዚ ፈስቲቫል ብኣሉታ ንምጽላው፡ ኣብቲ ህዝብና ዝነብርሉን ዝውዕለሉን ስፍራታት በቶም መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ናይ መጠንቀቕታ ወረቐት ዘይተዘርግሖ ቦታ ኣይነበርን ክብሃል ይከኣል። እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ብመጒልሒ ድምጺ ከይተረፈ ኣብ ሳንፍራንሲኮ ተቓሊሑ። ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ በቲ መጠንቀቕታ ከም እተሰማምዐ ዘረጋግጽ ድማ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ስለዘይተሓወሶ እዩ። እቲ ሕቶ ደለይቲ ፍትሒ ተመሊሹ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብቶም ዝሓለፉ ዝፈልዮ ኣዎንታዊ መቐይሮ ብምርኣዩ ዓቢ ስጉምቲ እዩ።፡

ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኣንጻር እዚ ፈስቲቫል እዚ ዓቲቡ ዝተቓለሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ካብ ካብቲ ፈስቲቫል ዝእከብ ገንዘብ ጀሚሩ፡ ክሳብ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽትን ዝፈጥሮ ሃዋሁውን ዝጸልዎ ኣተሓሳስባን ዝምህዞ ተንኮላትን ኣትሒዙ፡ ማእለያ ዘይብሉ ነጥብታት ከስፍር ይኽእል እዩ።በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ብዛዕባ እዚ ስርዓት እዚ ዘቕርቦ ነጥብታት፡ ቆጺርካ ዘይውዳእ ይኸውን። እንተኾነ ግና ካብ ሓደ መሰረታዊ እምነት ዝነቐለ እዩ። ንሱ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ የስምር። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓስ በዚ ስርዓት እዚ ዝግበር ኣንጻር ድሌትን ጥቕምን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ብምርግጋጽ ይቃለስ ኣሎ።

ዘረባ እንተበዝሐ ኣየድምዕ፡ ጽሑፍ እንተነውሐ ኣየቕንዕ እዩ እሞ፡ ከም ደላይ ለውጥን ፍትሕን ብዛዕባ እዚኣ ሓንቲ ነጥቢ ወስ ኣቢለ ክውድእ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ዘሕለፎ ሓደገኛ መልእኽቲ ንመልከት። ነዚ መልእኽቲ እዚ ከሕልፍ ሰሚናር ኣዳልዩ እዩ ዝብሃል። ሓደ ካብቲ መዛረቢ ኣርእስቲ “እቶም ካልኦት ኤርትራውያን” ዝብል እዩ። እዚ ኣርእስቲ እዚ ትሕዝቶ እቲ መደረ ምፍላጥ ዘየድልዮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ንምብትታን ዝተኣልመ፡ ሰራም ኣርእስቲ ምዃኑ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዓሌት ብወገን ብሃይማኖት ተፈላሊና ንብል። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኢሳያስ ወግሐ-ጸብሐ ነዚ ሕማማት እዚ እንዳደርበየልና እዩ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ንብል።

እንተኾነ ግና እታ ኩዕሶ ወገንነት ትኹን ሃይማኖት ምስ ደርበየልና፡ ስለምንታይ ንሕና ካብኡ ተቐቢልና ንቕብቅባ ኣሎና? ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ እዩ። ብወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ኣይተዃሰተርናን። እዚ ኣርእስቲ እዚ ከም ኣካታዒ ነገር ንጎድኒ ገዲፍና፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰራም ኣርእስቲ፡ ዘኸተልዎ ሳዕቤናት ግና ንህዝቢ ኤርትራ ይበታትኖ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ የጽንቶ ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየዱ ሰሚናራት፡ ተንኮላቶምን ትሕዝትኦምን እንተንግምግሞም፡ ብኢሳይስ ዝተኣታተወ ስውርን ሸለል ተባሂሉ ዘይሕለፍ ምብትታን ህዝብናን፡ ነቲ ብዓሌትን ወገንን ሃይማኖትን ተፈላሊና እንብሎ እንተ ዘይዛይድዎ ዝዳረጎ እዩ። ሳዕቤናቱ ኸ? ህዝቢ ዝብትንን ሃገር ፋሕ ዘብልን፡ ከም ሳዋ፡ ውግእ ባድመ፡ ማእሰርትን ስደትን ፈጢሩ። እዚ ርኢኻ ወገነንትን ሃይማኖትን እንታይ ገይሩና ዘብል እዩ። ብሓጺሩ ከም ወገንነት ዓሊትን እንብሎ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ሽም ወይ ቅጽል ከነውጽኣሉ ዘሎና ይመስለኒ። ስለዚ ኣብዚ ፈስቲቫል በይ-ኤርያ ንኣንስትን ቆልዑትን ኣረገውትን ኣኪቡ ዝቐረበ፡ “እቶም ካልኦት ኤርትራውያን” ዝብል ኣርእስቲ፡ ወገናዊ ድዩ? ዓሌታዊ ድዩ? ኣውራጃዊ ድዩ? እንታይ ትብሎ? በታኒ ህዝቢ ዝኾነ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶን መልእኽትን ናይቲ ፈስቲቫል እዩ ኢለ ክሓልፎ እደሊ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ኣጀማምርኡን ምድላውን ውዕሎኡን መፈጸምትኡን ከኣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኸገልግልን ንምርጓድን ዝተገብረ እዩ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

08. 18. 14

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • Eritrawi August 21, 2014

    Congratulations!
    The lame dog, dark days are numbered.

  • efrem August 21, 2014

    Well done bay area and thank you brother woldeyesus. I also like to thank all those who worked very hard for weeks to make this a successful event.
    It was a great day for Eritrea and hopeful day for Eritrean people. the rotten system is almost dead. Let’s plan for democratic united prosperous Eritrea.

  • Berhe Tensea August 21, 2014

    The zombies were recorded using and their picture was taken and it is transferred to a central location for future use as evidence. The anti people and lovers of the Tembein regime will be sent to d container prisons and punished with no mercy.
    Every one is responsible for his action, and people must understand that being dictator lover is going to be costly.

  • FAILED STATE August 21, 2014

    Bay Area ,

    I strongly am against demonstration to confront useless people in order to humulate them & feel good agenda. However I take an exception in your case ,because your agenda had teeth & you used lawful stand ,those that got their case by denouncing PFDJ to run to PFDJ’s party of killers puts one’s asylum seeking status in question ,plus they are most likely to send money to Papa Isaias.
    YOU DID GOOD. THAT IS THE WAY TO GO.THE MOST PREFERABLE WAY IS TO TARGET THE ERITREAN ,EGYPTIAN embassy & UN’s offices ,however this was way betrter than BOLOGNA’s demonstration.

  • ኣስጢፋኖስ ገበረሚካኤል ተሞልሶ August 22, 2014

    ወልደሱስ ተካይዶ ዘለኻ ቃልሲ ወላ’ኳ ግቡእካ እንተኾነ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን እቲ ግቡአይ እዩ እናበለ ኣብ ቃልሲ ብንጥፈት ዝዋሳእ ክበዝሕ ስለ ዘለዎ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕካ እብል። ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ክሰደልካ ካብ ዝብል ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ እዩ። ብዝኾነ ካብ ዘይምግባር ምድንጓይ ይሓይሽ ይብሉ እንግሊዛውያን። ብፍላይ ኣብ ቤይ ኤርያ ዘለኹም ደለይቲ ፍትሒ ተካይዱዎ ዘለኹም ቃልሲ ኵሉ ግዜ ብተመስጦ እየ ዘንብቦ። ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ክንዲ ፍርቂ ናትኩም እንተ ዝገብር ኢሰያስ ሓደ ለይቲውን ኣይምሓደረን እብል። ደጊመ ኣጆኹም በርትዑ! ኣብ ጐድንኹም ኣለና ክብለኩም እፈቱ። ቃልሲ ክብሃል ከሎ ንዕግበት ሕልናኻ ስለ ዝግበር ዝተረፍኩም ኣንጻር ኢሰያስ ዝኾንኩም ዜጋታት ግን ኣብ ንጡፍ ቃልሲ ዘይትዋስኡ ድማ ተበራበሩ ክብለኩም እፈቱ። ብፍላይ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን፡ ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ኣበርቲዕና ክንቃለሰሎም ይግባእ። ብገዛእ ሃገርና ጓኖት ክትሕሰብን ዘለኣለም ስደተኛ ኴንካ ካብ ምንባርን ዝኸፍእ የሎን።

    • መብራህቲ ጸላም August 22, 2014

      ኣንታ ጢፋኖስ ኢሰያስ እኮ ኣብ ቤይ ኤርያ ኣብ ካሊፎርያ ወይ ኤውሮጳ ኴንካ ኣይኮንካን ሓንቲ ለይቲ ተሕድሮን ተቐዮን። ንሱ ኣብ ሜዳ ተዋጊኡ ነጻነት ኣምጺኡ እዩ ስልጣን ብሒቱ ፤ ሃየ ንሕና ድማ ካብ ሃለውለው ኣብ ስደት ፍቖድኡ ፋሕ ኢልካ ፥ ሃየ ዓጢቕና ንውረድ ንሜዳ ፤ ነቲ ብሓይሊ ዝመንጠለና ብሓይሊ ንምለሶ። እምበር ቆምሽጢ ሰበይቲ ተኸዲንካ ኣብ ስደት ሰላማዊ ሰልፊ ጌርካ ስለ ዘዕገርገርካ ዝመጽእ ለውጢ የለን።

  • FAILED STATE August 22, 2014

    YOUNG ERITREAN PEOPLE ,

    I bring you my comment & Wedi – Hager’s response as is ..Please read it.
    In my opinion there are 2 things Wedi- Hager got right .
    That I am formerly known Cow Face & I am Tigrawai..No, not from Tigray .I AM HAMASENAI & SEREWETAY. THAT MAKES ME TIGRAWAI ,NOT WEDI TIGRAI.
    I DO NOT BELIEVE IN THE INVENTED IDENTITY OF HIZBE TIGRINYA .THAT IS A FACT NOT MY OPINION.ONE COULD BE TIGRAWAI & ERITREAN ..ALL KEBESSAS & THE TIGRES IN METAHIT ….BET ASGHEDE..THAT CONVERTED TO ISLAM BY THE SWORD OF TIRKEY & EGYPT.
    MY NAME IS MEHRETU HABTE PAULOS ,I BELIEVE IN WHAT I TYPE.IT MAY NOT AGREE WITH THE MAJORITY. AS IT WAS NOT AGEABLE WITH THE MAJORITY DURING JESUS’s CRUCIFICATION. 99.8 % said crucify JESUS. DID THAT MAKE IT RIGHT ? Sounds familiar ?
    When I explain about the Jebertis’ I am not bashing my fellow citzens ,I am just stating real history .They were with odds with Abona Hatie Yowhannes the 4th of Tigray & Bahri Negash (upto Keren).I always state that Eritrean Metahit moslems have always been victims
    not victimizers.
    I will not get personal with Wedi Hager, it is not constructive.When some one acuses of people Gay ,chances are that person is closet gay . Why does Wedi Hager keep on “accusing” people of being Tigrawot .I am using his eereneous comparison ,Tigraway lives from Wollo border to Keren & historically beyond ..but not all tigrawot are Ethiopians.
    PLEASE YOUNG PEOPLE INVESTIGATE IF I AM WRONG ,SO FAR NOBODY HAS CHALLENGED ME USING HISTORY AS FAR AS MY KNOWLEDGE IS GRADE 4 ENDASHWEDEN:
    God Bless Eritrean people,

    Quote…
    failed state on August 20, 2014 at 11:14 pm said:
    Selam Tseheye,

    It is not ISIS/ISIL but the Rabitta Islamiya Party that was dominated by Jeberti that started the ELF and it’s name meant (Moslem League) or Hibret aslam in Tigrinya ,it is later rthat added the word Eritrea to their party ,after they made smur ginbar with Aboy weldeab woldemariam’ s Labor Party /Tigray Tigrinyi…
    1)One was interested in unitingt Moslems because overwhelming Christian Kebesas & Bilens wante to reunite with Ethiopia
    2)And the later ABONA wOLDEAB wOLDEMARIAM’S Party ‘s agenda was to secede Eritrea & then be a thorn to the Amharas in Ethiopia & re’establish the Tigrionya Dynasty.

    So to separate Islam question from Eritrean question is like trying to make roast beef without beef.The problem with us the Christian Eritreans is ,since the inception of EPLF ,we have changed the agenda & that does not work.FOR MOSLEMS NATION & RELIGION CAN NOT& BE SEPARATED.
    Even Mr. Fitsum brought TURKEY ,however modern turkish people chose Islamic party & the military reversed it by force & made it secular.
    The same in Egypt ,when people were given democracy they elected, MOSLEM BROTHERHOOD ,the cousin of ISIS & AL Qaida. The same like turkey the Military played hand twisting game & brought General SISI as the president.
    Actually moslems the more they are educated the more they respect their religion..& can not separate politics & religion..unless we want to twist the arm of 56% of our population.
    Eritrean question & Islam question can not be separated.I am not giving you my opinion ,but based on Eritrean question & reality.

    thanks Hawka failed state

    Rating: 5.0/5 (1 vote cast)
    Rating: +5 (from 5 votes)
    Reply ↓
    Wedi_Hagher on August 21, 2014 at 7:04 am said:
    “Cow face” you came back with a very offensive nickname.
    It shows just how much you are hoping Eritrea to be a failed State, so that you can build on its fragments Greater Tigray. If your prayers to be received God would have washed us away from our land into Red Sea in few hours.

    Rating: 1.0/5 (2 votes cast)
    Rating: -6 (from 6 votes)
    Reply ↓
    END OF QUOTE

    I hope I do not get discontinued from Assenna ,because I balance the views.

    • Tesfom Habrom August 22, 2014

      Cow face: why do not leave us alone Eritrea is belong us it is our problem not yours, therefore we can Handel it our issues, tigrawet we know very well that in general spiking each of you have dream to see ዓባይ ትግራይ ህልም ነው? this well never happen in you life time. ነብስኹም ኪኢልኩም ንበሩ ጉዳይ ናይ ንዓኩም ዝምልከት ኣይኮነን ባዕልና ኣለናሉ፡ ናትኩም ምዉርዛይ ቅድሚ ሕጂ ዘጋገኹሙና ይኣክል፡ ከምቲ ንሕና ብኣኩም ዘይንግደስ ኣብ ዉራይና ባዕልና ኣሎናሉ፡ ምሳና ዘሎዉና መበቆሎም ተጋሩ ይኣኽሉና ኢዮም ንሳቶም ኢዮም ንኤርትራን ህዝባን ዝሕምስዋ ዘሎዉ ስለዚ ንዓታቶም ዉን ክንሐስበል ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ስለዚ ሕልምኩም ብዛዕባ ዓባይ ኢትዮጵያ ይኩን ካብ ዓቅምኩም ንላዕሊ ኣይትሕሎሙ፡ ( ዓረብ ዝመሰሉዎ ኣሎ ማታእምን ትግራዋይ ላ ይኩም ዓሼራ ማራ ይኩን ሕያዋይ ) ንሎሚ እዚ ይኣክለካትኩም።

    • shaka August 22, 2014

      Cow face ,you said it no more if they do understand you good job

  • Kidan, Sudan August 22, 2014

    Congratulations, I would like to beg you that you need to expose some of the pictures you took to the immigration authority if the hgdf supporter is a refugee in the last 23 years. this will give the highest lesson ever to all Eritreans. we need to stop them and pay the price. You already announced that and you need to implement it and update all deliti fethi. this will goes like a wild fire, around all eritreans with huge lesson.

  • Merhawi August 22, 2014

    great job bay area Deleyti Fithi,,, hope your progarmas will pass to europe very soon,, we in europe needs your advice and your help.we are proud of you guys,,,, just say smerrrrrrrrrrrrrrrrrrrr delay fithi

  • afro August 22, 2014

    GENA NETI TEMBIENAY SR’AT KENEFSHILO ENA,ERITREA N DEMHT KEREK’B ZFTN ZELO TUFUSH NAY MAFIA EKBKAB B ERITRAWYAN KEMZFESHIL MNM TRTR YELEN NAY GIZE HTO TRAY EYU.EZI NAY TEMBIENAY ISSU HLMI DERHO HZBIERITREA GETIMUWO SLEZELO AB ZEBELE YEBL FELITNAYO ALENA. ERITREA FOR ERITREANS!!!

  • tarikh August 22, 2014

    Good job compatriots in the Bay Area. Increasing turnouts in demonstrations is an evidence to a better job done by the leadership of this nascent local grouping. I believe this momentum will be maitained and be effectively utilized to plan more actions (aside from reacting to PFDJ festivals)and above all to unite the the resistance groups. My personal take is, such grous that are set up following the carnage in Lampedusa and the galvanizing tour of Wedi Vacaro should join the largest alliance to date we have in the Eritrean resistance i.e ENCDC or bayto, and should own the next Congress, by so doing the resistance will garner the biggest and strongest support and these regional grouping will continue to be relevant and meaningful.

1 2 3

POST A COMMENT